ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“…ሎሚ ልዕሊ ዕስራን ሾመንተን ዓመት ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት፣ ኤርትራ ሃገርና ልዑላውነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ ቁጠብኣ መሬት ዘቢጡ፣ ምልክታት ናይ ዝፈሸለት ሃገር ኣንጸላልዩዋ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ። እቲ ኣፍራይ ዝብሃል ሓይሊ ኤርትራ፡ ኣውራ ድማ እቲ ንቐጻልነት ሃገር ዘውሕስ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ፡ ካብ ንቡር መነባብሮኡ ተፈናቒሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ብጅምላ ክስደድን ክበታተንን ተገዲዱ ንሓደጋታት ምድረበዳን ባሕርን ካልእ ኢሰብኣዊ ተግባራትን ይቃላዕ ኣሎ።…” (ካብ መቕድም፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)
ኤርትራዊ ንሃገሩ ኤርትራ በጃ ከም ዝሓልፈላ ንምግላጽ ተጽዕኖ መግዛእታዊ ሓይልታት ከይገደቦ፡ ዘሚሩላ፡ ገጢሙላ፡ ደሪሱላን ደሪፉላን። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝነበረ ብዝምድናዊ ኣገላልጻ ዘይጐነጻዊ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንሳላሳ ዓመታት ከም ሓንቲ መዓልቲ ክቡር ዓጽሙ ከስኪሱላ ሓፊስ ደሙ ኣፍሲሱላ። ናይ ዝኾነ ሃገር ዜጋ ነንሃገሩ ከም ዘፍቱን ከም ዘፍቅርንኳ ርዱእ እንተኾነ “ኤርትራውያን ፈተወቲ ሃገሮም እዮም” ዝብል ቅጽል ኣብ ቅድሚ ዘይኤርትራውያን ወገናት እውን ቅቡል እዩ። እዚ ካብ ዘብርሆ ጉዳያት ሓደ ከኣ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለላ እምበር ከም ገጸ-በረኸት ዘይተዋህበት ምዃና እዩ። ነዚ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ክብሪ ናይ ምቕጻሉ ብደሆ ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እዩ።
መግዛእቲ ተሳዒሩ ኤርትራ ብሳላ ደቃ ናጻን ልኡላዊትን ምስ ኮነት፡ ትጽቢት ኤርትራን ኤርትራውያንን፡ ናይ ቀደም ዛንታ ጅግንነት እንዳዘከርካን እንዳስተንተንካን ምንባር ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ነቲ ዝተመዝገበ ቅያ ከም መንጠሪ ወሲድካ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ን30 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኾሊፉ ዝጸንሐ ልምዓት ንምምላስ፡ ዝያዳ ጉያ፡ ኣብ መዳያት ሰላም፡ ልምዓትን ህንጸትን፡ ዲሞክራስን ምኽባር መሰረታዊ መሰላት እዩ ነይሩ ህርፋን ኤርትራውያን። ብኻልእ ኣገላልጻ ቃልሲ ዘስዓቦ ስንብራት ኣብ ክንዲ ምሕካኽን መመሊስካ ምጉዳእን ንዓኡ ምሕዋይ እዩ ነይሩ ድሌት ኤርትራውያን። እንተኾነ ብሰንኪ ናይቲ ንኤርትራዊ ጸጋታትን ህርኩት ዓቕሚ ህዝባን ኣሳንዩ ናብ ሃገር ናይ ምሕዋይን ዳግመ-ህንጻን ደረጃ ናይ ንምድያቡ ሓላፍነት ዝነበሮ ኣካል ቅሩብ ብዘይምንባሩን ክሳብ ሕጂ ዘይምዃኑን፡ እነሆ ባህጊ ኤርትራን ህዝባን በቲ ዝተጸበይዎ ኣቕጣጫ ክስጉም ኣይከኣለን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ከምዚ ዝኾነ፡ እቲ ሎሚ ተሓቚኑ ተሓቚኑ “ህግዲፍ” ናብ ዝበሃል ዘይጥዑይ ጉጅለ ጽዕዩ ዘሎ ኣካል፡ ኣንጻር ባህጊ ሃገርናን ህዝብናን ዘቕነዐ፡ ዓቕሚ ስኢኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ናይ ምጽናትን ሃገር ናይ ምዕናውን መንገዲ ስለ ዝመረጸ እዩ።
ሎሚ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ ዝኾነ ሴክተር ጠቒስካ ክትግምግም እንተጀሚርካ፡ እቲ መደምደምታ “ኣሉታዊ” ጥራይ እዩ። መዳያት ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ሰላም፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ……. ወዘተ ኣልዒልካ ብዛዕባኡ ናይ ቀረባ ዳህሳስ እንተካየድካ፡ መደምደምታኻ ኣብ ኤርትራ “መድሃኒት የለ፡ ቤተሰብና ኣበይ ከምዝተኣስሩኳ ኣይንፈልጥን፡ ማይን መብራህትን የለን፡ ናቕፋ ተሳኢኑ፡ ዘይሰራሕናሉ ግብሪ ክፈሉ ንበሃል ኣለና፡ ቤት ትምህርቲ ፈሪሱ ኣብ ደገ ኢና እንምህር” ዝብሉ ተደሚሮም ገዚፍ “ኣሉታ” ዝሰርሑ ቃላት ኢኻ እተዋህልል።
ድሕርቲ ክጅመር እንከሎ ንብዙሓት ሓቀኛን ትካላዊ ዋና ዘለዎን ዝመስል ዝነበረ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝጸንሖም ጽምኢ ሰላም ሃዊጽዎም፡ ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ኣትዮም። ኣብቲ መገሻኦም እታ ሓንቲ ከም ሓሙስ “ኣውንታ” እትበሃል፡ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ቤተሰብን ወላድን ውሉድን ምርእኣዮም እያ። እቲ ካልእ እቶም ገያሾ ምስተመልሱ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዘላቶ ሃለዋት ንምፍላጥ፡ በታ ክልተሻብ ትረአ ዘላ፡ ናይ ትማሊ ጻዕዳ ሎሚ ግና ጸላም ኣስመራ ምጅማር ልሙድ ስለ ዝኾነ “ኣስመራ ጻዕዳ ከመይ ኣላ?” ክትብሎም እንከለኻ፡ ብዛዕባ ጐደናታት፡ ነባራት ህንጻታታ፡ ደረጃ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላታ፡ ዝህቡኻ መልሲ፡ ካልእ ካብኡ ዝሓሸ ቃል እንተዘይተሳኢኑ ኪኖ “ኣሉታዊ” ዝኸይድ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝኖም ከኣ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ስደት ብግቡእ ስለ ዘይገልጾ፡ “ፍልሰት” ክንብሎ ዝጸናሕና ኣስመራ፡ ኣይኮነንዶ ብለይቲ ብቐትሪ “ተወር” ዝብል ሰብ ዘይብላ ጽምዋ ምዃና እዮም ዝገልጽዋ።
ሰብ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ንቡር ህይወት ወሳኒ ባእታ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ የብላን ማለት ኩሉ የብላን ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ድሕሪኡ ኩነታት ገጠር ኤርትራን ናይተን ካብ ኣስመራ ዝነኣሳ ከተማታትን ዝገደደ ከም ዝኸውን ርዱእ ስለ ዝኾ፡ ኣይትሓተሉን ኢኻ። በዚ ጽምዋ ስለ ዝሰንበዱ ካብቲ ዝሓሰብዎ ግዜ ቀልጢፎም ነናብ ዝመጽዎ ዝምለሱ ገያሾ ብዙሓት እዮም። ክሳብ ጫፍ ገጠራት ከይዶም ቤተሰብ ሓቲቶም ክምለሱ መደብ ዝነበሮም በቲ ኣብ ዋና ከተማ ኣስመራ ዝረኣይዎ ኩነታት ውድቀት ተስፋ ቆሪጾም ካብ ኣስመራ ዝምለሱ ብዙሓት እዮም። ብሓፈሻ “ድሕሪ ሕጂ መገሻ ናብ ኤርትራ ይኣኽለኒ” ዝብል እምበር፡ “ናብ ኣስመራ ክመላለስ እየ” ዝብል ሳሕቲ ኢኻ እትሰምዕ። ብሓጺሩ ብሓፈሻ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣስመራ መሰታ ቀዳሞት ነይረንስ መሰታ ዳሕረዎት ኣብ ዝኾናሉ ደረጃ እየን ዘለዋ።
እዚ ኩሉ ዘርእየና፡ እምበኣር ጉጅለ ህግዲፍ ንኤርትራ ብምልእታ ኮነ፡ ንከተማ ኣስመራ፡ መንበሪ ዝጥቀመለን እምበር ዘመሓድረን ከምዘይኮነ እዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ፡ ህግዲፍ ንኤርትራ ደይመደይ ኢሉ፡ ከም ዝጠለማ ዘርኢ እዩ። ኤርትራ ግና ናትና ናይ ኤርትራውያን ሃገር እምበር፡ ናይ ህግዲፍ ብሕታዊት ትካል ስለ ዘይኮነት፡ ንሕና ኣብ መስርዕ ለውጢ ተሰሊፍና ዘለና፡ ብግብሪ ዓው ኢልና “ንሕና ኣለናልኪ ኤርትራ “ ክንብላ ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ እዋን ኢና ዘለና።
ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ
“6.3 ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበሉን ዝናብዩን ዘለዉ ህዝብታትን መንግስታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ብዝገበርዎ ኣቐባብላ ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ፡ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጐጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘንብር ስለዝኾነ፡ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።” (ካብ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወስደ)
ስደት ንኤርትራውያን ነዊሕ ታሪኽን ውረድ ደይብን ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ እዩ። ስደት ንኤርትራውያን ካልእ መፍትሒ ምስተዓጽወ ዝውሰድ ህይወት ናይ ምድሓን ስጉምቲ እምበር ናይ ባህታ ጉዕዞ ኣይኮነን። ንኤርትራ በብተራ ዝገዝእዋ ሓይልታት፡ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል ጭረሖ ኣምሪሖም፡ ህዝባ ንብራስን ንምብስባስን ዝመረጽዎ ኣጽናቲ ስልቲ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ነይሩ ሕጂ ኣብ ግዝኣት ህግዲፍ እውን ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ 1967 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተወስደ ናይ ብርሰትን ምጽናትን ሓደገኛ ስጉምቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ምንባሩ ብመጽናዕትታት ዝተሰነደ ዘይርሳዕ ተዘክሮ እዩ። ኤርትራውያን ስደት ንክመርጹ ዘገደዶም ኣስካሕካሒ ስጉምቲ ዝተወስዶም፡ ነቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ፡ የዕጥቑ፡ የዕንግሉን ይሕብሩን እዮም ብዝብል፡፡ እቶም ተቓለስቲ ካብ ህዝቦም ነጺልካ ከም ካብ ባሕሪ ዝወጸ ዓሳ ንምስዓሮም ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ኤርትራውያን ግና ብደረጃ ስደተኛ ኣብ ዓዲ ጓና ምንባሮም ከይዓገቶም ነቲ ኣብ ዓዶም ኮይኖም ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልሲ ንኹሉ ናይ ስደት መረረት ተጻዊሮም ቀጺለምዎ እዮም። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ድሕሪቲ ዋጋ ዝኸፈልሉ ናጽነት ኤርትራ ናብ ዓዶም ብኽብሪ ተመሊሶም ጻማ ቃልሶም ኣይረኸቡን። ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ድሕሪ ናጽነት ሓደስቲ ኣጋይሽ ስደተኛታት ክቕበሉ እውን ተገዲዶም።
ስደት ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ክንዲ እንዳነከየ ዝኸይድ እንዳገደደ ምኻዱ ካብ ናይ ካለኦት ሃገራት ስደት ፍሉይ ዝገብሮ እዩ። ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደት ኤርትራውያን ከምቲ ናይ ቅድም ናብ ሓደ ኣቕጣጫ ዘይኮነ፡ ናብ ብዙሕ ኩርነዓት እዩ። እቲ ቀንዲ ኣቕጣጫታት ከኣ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኮይኑ ጸኒሑ። ስደት ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 እዩ ብወግዒ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺቡ። ብቕደም ተኸተል ከኣ፡ ፍቸ፡ ብላቴ፡ ደደሳ፡ ሽመልባ፡ ማይ ዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ሕንጻጽ፡ ኣሳይታን በራሕለን ኣብ ዝተባህሉ ከባብታት ኢትዮጵያ መደበራት ተኸፊቶም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዕቊቦም ኣለዉ።
ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደት ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ዘይሕገ-መንግስታውን ዘይዲሞክራስያውን ምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ ዝተፈጥረ እዩ። እቲ ጉጅለ ነቲ ዋሕዚ ንምዕጋቱ ዝመረጾ መንገዲ፡ ኣብ ኣመራርሓኡ ዘሎ ሕጽረታት ገበናትን ብምትዕርራይን ጠንቂ ስደት ብምውጋድን ዘይኮነ፡ ብሓይሊ ኣብ ዶባት እዩ ክዓግቶ ፈቲኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ፡ ናይ “ተኲስካ ቅተል” መምርሒ ከተግብር ስለ ዝመረጸ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናይዚ ጸይቂ ፖሊሲኡ ግዳይ ከም ዝኾኑ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ሸዊት ያቆብ ዝተወስደ ጭካነ ከኣ፡ ናይዚ ግፍዓዊ ተግባር ኣብነት እዩ።
ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዝፍጽሞ ዘሎ፡ ምግሃስ መሰላት፡ መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ዘይፍለጥ መጻኢ ዕድል ኤርትራዊ መንእሰይ ዘጸልመተ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ብኣኡ ኣጐልቢብካ ዝካየድ ካብ ባርነት ፈሊኻ ዘይርአ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ዝርከብዎም ብዙሓት ገበናት እዮም። ከም መራሒ ህግዲፍ ሃገር እናባደመት ብታሕጓስ ኣፍልቡ ዝወቅዕ ዘይኮነ፡ ዋሕዚ ናብ ስደት ክዓግት ንዝደሊ ምምሕዳር እቲ መፍትሒ ጠንቂ ስደት ካብ መሰረቱ ምድራቕ እዩ። ህግዲፍ ግና ብፖሊሲ “ኪድን ኣይትበሎ፡ ከም ዝኸይድን ግበሮ” ስለ ዝምራሕ፡ ከምስል ከጉባዕብዕ እምበር፡ ኣብቲ ጠንቂ ስደት ዋኒነይ ኢሉ ክሰርሕ ባህሪኡ ኣይፈቕደሉን እዩ። እዚ ጉጅለ ቂምን ምፍዳይ ሕነን ቀንዲ መለለይኡ ስለ ዝኾነ፡ ነቶም መሰረታዊ መፍትሒ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ከም ግዝያዊ መዕገሲ ስደት ዝመረጹ ኤርትራውያን ደድሕሪኦም እንዳሰዓበ ካብ ምስቓዮም ድሕር ኣይበለን። እቲ በብግዜኡ ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ገሊኡ ብኢድ ኣዙር ገሊኡ ከኣ ብቐጥታ፡ ከካይዶ ዝጸንሐ ቅትለትን ጭውያን ከኣ ናይቲ ጽዩፍ ተግባሩ ኣብነት እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ከኣ በቲ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ፡ ኢደ-ወነናውን ጻሕታሪ ህውከትን ዘይቅዱስ ዝምድናኡ ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍልጦ ዘለዎም ከይተረፈ ተጽዕኖታት ክፈጥር ትንዕምንዕ ይብል ኣሎ። ንስደተኛታት ዝምልከት ዓለምና እትሰርሓሉ ዘላ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ነቲ ባዕሉ ክስደድ ዝድርኾ ዘሎ ኤርትራዊ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘእትዉ ኣፍደገታት ራማ፡ ሑመራን ዛላንበሳን፡ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዝተመደቡ ኢትዮጵያውያን ናይ ምምዝጋብ ሰራሕተኛታት ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ኩነታት ኣገዲድዎም ክስደዱ ዝወሰኑ ኤርትራውያን ዝወስድ ዘሎ ንኢሳያስ ናይ ምሕጓስ ዘይሓላፍነታዊ ወስታታት ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እዚ ወስታ ኣብ መጻኢ፡ ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ስደተኛታት ዝተመዝገቡ ሕጋውያን ኤርትራውያን ኣሕሊፍካ ናብ ምሃብ ክምዕብል ከም ዝኽእል ከኣ ኣቓልቦ ዘድልዮ እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይኮነ ጠፊእዎም ዘይኮነስ፡ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠሞም ጸገም ንምዕጋስ ከም ግዝያዊ መፍትሒ ብምውሳድ ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣብዚ ዛዕባዚ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት፡ ክሓስብሉ ይግበኦም። ብዓብይኡ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ኩሉ ዓቕሙ ጸንቂቑ ኣብ ድሮ ዘይተርፍ ውድቀቱ ዝርከብ ዘሎ ዲክታቶር ንከሕጉስ ምስቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራ ዘቀያይሞ መንገዲ ከይክተልን ንዓለም ለኻዊ መሰል ስደተኛ ከኽብርን ንጽወዖ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ከኣ ከምቲ “ንውላዱ ፈትዩ፡ ንወዲ ጐረቤት ዝጸልእ፡ ነቲ ውላዱ’ውን ኣይፈትዎን’ዩ” ዝበሃል፡ ነቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርእይዎ ሓልዮት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክነፍግዎ ኣይግበኦምን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እቲ ቀዳመይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ማእከሉ ኤርትራዊ ዛዕባ ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያዊ ጉዳይ ብምንባሩ ክሳብ ክንደይ ኣብ ኢትዮጵያውያን ሓያል ህቦቡላ ኣልዒሉ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ካብቲ ብዙሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ዝባሃል ዘሎ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ “ እዚ ሰብኣይ ኣብ ጉዳይና ኣትዩ፡ ናይቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መስርሕ ለውጢ ደጋፊ ምዃኑ ይጠቅስ ኣሎ፡ ነዚ ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነቱ ከም ዝቕጽል እውን ብነድሪ ገሊጹ፡ ከምዚ ካብ ኮነ ኣብታ ንሱ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ፡ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር ብምትእትታው፡ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ተቓወምቱ ብምዕዳም፡ እሱራት ብምፍታሕን ምርጫ ብምክያድን ደኣ ዘየሰንዮ። ካብዚ ሓሊፉ ገዛኻ ዓጺኻ ኣብ ገዛ እንዳማትካ ወደኽደኽ ምባልን ምዝራግን ናይ ድሓን ኣይመስልን” ዝበልዎ ጥራይ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
ኣብቲ ካለኣይ “ዘቤታዊ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ክፋል ቃለ-መጠይቑ ከኣ፡ መልእኽቱ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣቀራርባኡ ኣዝዩ ዝዛሕተለን ዝወረደን ነይሩ። ካብቲ ዝበሎ እንተላይ ብደረጃ ቋንቋ እውን ክትርደኦ ዘጸግም ኮለል ምባሉ ክውህለል ዝኽእል ሓሳባት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ። ስርዓተ-ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዘይምዕሩይን ዘይትግበርን ምጽንሑ፡ ዕዳጋታት ኤርትራ ዘይርጉ፡ ቀረብ ዝውሕዶን ብዋጋ ምስ ዓቕሚ ዓደግቲ ዘይከይድን ምንባሩ፡ ቀረብ ሓይሊ ኤልክትሪክን ማይን መሬት ዝዘበጠ ምዃኑ፡ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ከምዘይተዓወተ፡ ጉዳይ መራኸቢ ናይ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን ኣዝዩ ድኹም ምንባሩ፡ ክቱር ሕጽረት ቀረብ ኣቑሑትናይ ኮንስትራክሽን ምህላዉ፡ ብኮለልን ጥውይዋይ ዝመልኦ መንገድን ጠቒስዎ። ኣብቲ ንወደባት ብዝምልከት ከኣ “ዓሰብን ባጽዕን እሞ የለዋን” ብዝብል ኣቀራርባ ባዕሉ ተኣሚኑ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢሳያስ ፍታሕ ከምዘይጽበ’ኳ ርዱእ እንተኾነ “ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ክዛረብዩ” ካብ ተባህለስ ኮንደኾን ኢሉ ዝተጸበዮ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበ ጸገማቱ ዝፈትሓሉ እምበር ጸገማቱ ዝጽብጽበሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ ኢሳያስ ክዝርዝሮ ዘምሰየ ጸገማትን ሕጽረታትን ኣብ እንዳኹሉ ስለ ዘሎ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ፡ ብውሕዱ ግና ክንዲ ኢሳያስ ዘይፈልጦ ኤርትራዊ የለን። ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣብ ዓለም እውን ፍሉጥን ኣዛራብን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ንቡር ህዝቢ ዘለዎ ጸገማትን ሕጽረታትን ናብ መንግስቲ ከቕርብ፡ መንግስቲ ከኣ ሓላፍነት ወሲዱ፡ “እዚ ጸግምዚ ፈቲሐ ኣለኹ፡ እዚ ጸገምዚ በዚ ምኽንያት ኣይፈታሕኩዎን ኣብ መጻኢ ከኣ ከምዚ ዓይነት ፍታሕ ከቕርብ እየ” ኢሉ ክምልስን ኣብ ቃሉ ጸኒዑ ከዕሪ እንከሎ እዩ። ናይ ኢሳያስ ግና ካብ ንቡር ወጻኢ ተመሊሱ ከምቲ “ሓሚምካ እንተኸድካዮስ፡ ሞይቱ ይጸንሓካ” ዝበሃል ኣብ ኣብ ተለቪዥን መምስ ቀረበ ጸገም እዩ ዝዝርዝር። እቲ ህዝቢ ጸገሙ ክዝርዝር እቲ “መራሒ” እውን ጸገም ክጽብጽብ። እቲ ነቲ ጸገም ዝፈትሕ ከደኣ መንዩ ክኸውን? ኮታ ናይ ኢሳያስ ጉዳይ “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ዘብል እዩ።
ሃገርና ኤርትራ፡ ናይ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ናይ ዝተፈላለየ ክሊማ፡ ልዕሊ ምድርን ትሕቲ ምድርን ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡ ብህርኩት ህዝብን ብቀይሕ ባሕሪ ዝገረመትን ብምዃና፡ ጽቡቕ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ናይ ምምዕባል ዕድል ስለ ዘለዋ፡ ኣይኮነንዶ ንህዝባ ንካለኦት ዝኸውን ዕቤት ከመዝግባ ካብ ዝግበአን ሃገራት ሓንቲ እያ። እንተኾነ ነዚ ዝተጠቕሰ ወሳኒ ናይ ዕቤት ረቛሕታት ኣወሃሂዱ ሓላፍነት ህዝቢ ወሲዱ ዝመርሕ ውፉይ፡ ምቕሉልን ህዝቢ እምነት ዘሕደረሉን ብህዝቢ ቆጽሊ ዝወደቆ ምምሕዳር ኣብ ዘይብሉ እቲ ዝበልናዮ ዕቤት ክምዝገብ ኣይክእልን እዩ። ንኤርትራ ኣብቲ ባዕሉ ኩሉ ግዜ ኢሳያስ መውጽእ ኣፉ ዝገበሮ ጸገም ንክትወድቕ እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ኢሳያስ ዝመርሖ ምምሕዳር እዩ እንብል ከኣ ካብዚ ብምንቃል ኢና።
ኢሳያስ ካብ ዝልለየሉ ኣሉታዊ ባህርያት እቲ ቀንዲ ካብ ሓቅን ክውንነትን ወጺእካ ድኽመትካ ብካለኦት ከተማኻኒ ምፍታን እዩ። ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን ንሱ ባዕሉ ክነሱ፡ ንሓንሳብ ካብ ጣልያንን እንግሊዝን ጀሚሩ፡ ቀደም ንኤርትራ ዝገዝእዋ ዝነበሩ እሞ ዝተሳዕሩ፡ ንሓንሳብ ድማ ናብቲ ባዕሉ ዝጸሕተሮ ናይ ብዙሓት ህይወት በሊዑ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ጠጠው ዝበለ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምልጋብ ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ ክብል ተዓዚብናዮ። ንመጻኢ እውን ምስዚ ኩሉ ጸጋን ብጽፍሩ ዝነብር ሕጉግ ህዝብን፡ ኣብ ኤርትራ ዘየድመዐስ፡ ደጊም ብሓፈሻ ምስ ከባቢና ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ሰሪሕና ኢና ጸገማትና እነወግድ እንዳበለ፡ ናበይ ገጹ ክሃድም ሓሲቡ ከም ዘሎ ኣንፈቱ ኣርእዩና ኣሎ። እዚ ውሽጣዊ ጉዳይካ ምርኣይ ፈሪሕካ፡ ናብ ደገ ደገ ምምዕዳው ከኣ ናይ ሎሚኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ መድርኻት ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዓዚብናዮ ኢና።
ስለዚ እቲ ናይ ኢሳያስ ኣቕጣጫ ቀይርካ ህድማ ሓድሽ ኣይኮነን። ኢሳያስ ጉዳይ ህዝቢ ኣገዲስዎ ጸገማት ዝፈትሕ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእሱ ቀንዲ መንስአ ናይቲ ጸገም እምበር፡ ኣካል ናይቲ ፍታሕ ክኸውን ዝተዓደለ ኣይኮነን። እዚ ዘመልክተና ከኣ ጉዳይና ባዕልና ካብ ምሓዝ ካልእ መተካእታ ዘይብልና ምዃኑ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ግዜ ካብተን ናቱ መራኸቢ ብዙሃን እውን ርሒቑ ምስ ጸንሐ ብ7 ለካቲት 2020 ንኣስታት 2 ሰዓትን 20 ደቓይቕን ዝኸውን ግዜ፡ ነቶም ልሙዳት ጋዜጠኛታቱ ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ ነታባይን ኣብ ቅድሚኡ ኮፍ ኣቢሉ ከሕተት ኣምስዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ቃለ- መጣይቕ ክበሃል እንከሎ ሱሌማንን ጳውሎስን፡ መልእኽቲ ምብጻሕ ከበሃል እንከሎ ድማ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብርኣብን ቀወምቲ ተሰለፍቲ ኢስያስ እዮም።
እቲ ነዚ ናይ ትማሊ ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ብዘይተለምደ ኣገባብ፡ ዘቤታዊ ጉዳይ ገዲፉ ብናይ እንዳማቱ ብፍላይ ከኣ ብናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ምጅማሩ እዩ። ኣብ ቆጸራኡ ክጸንዕ ድዩ ኣይጸንዕን እንድዒ እምበር “ዳሕራይ ክንመጾ ንኸውን ኢና” ብዝብል፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘድህብ ቃለ-መጠይቕ ክገብር ቆጸራ ሒዙ ኣሎ። ኢሳያስ ኣብዚ ናይ ትማሊ ዘረባኡ፡ ካብቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ንላዕሊ መራሒ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከም ዝቐረበ ኩልና ብምግራም ተዓዚብናዮ ኢና። እዚ ከኣ ነቲ ከወጥሞን ከቐልቅሎን ዝጸንሐ ሸታሕታሕ ኣብ ሉኡላውነት ኤርትራ መሊሱ ዘራጉዶ እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ኤርትራውያን “ናይ ካለኦትከ እንታይ ገደሶ ቅድም ናቱ ዘይገብር” ከም ዝብልዎ ርዱእ እዩ። ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ከምቲ ብዙሓት ተዓዘብቲ ክመዝንዎ ዝጸንሑ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ክተዓራረኽ እንከሎ ዝወጥኖ ውዲታት ከምቲ ዝተጸበዮ ከም ዘይኮነሉ እዩ ብእንጽርጽሮት ዝገዓረ።
ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝጠቐሶ ዘይዕቱብን ተገላባጥን እዩ። እቲ ጥንቂ ናይ ዘይምዕዋቱ ናቱ ንኤርትራዊ ዛዕባ ጠንጢንካ ናብ ጉዳይ ዓባይ ኢትዮጵያ ምድላው ክነሱ፡ ነቲ ብቃላት ክጻወት እንከሎ “ዝነደየ ጃንዳ” ዝብል ሓድሽ ስም ዘጠመቖ፡ ኣብ ጉዳዩ ዘሎ ህወሓት ከላግበሉ ሰሚዕና። ብቐደሙኸ ኢሳያስ ምስታ ብቐረባ ምስ ኤርትራ እትዳወብ ኣካል ኢትዮጵያ ዝኾነት ክልል ትግራይ ዘለዎ ዝኸሓነ ጽልኢ መመሊሱ እንዳጻሕተረን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካለኦት ኢዱ እንዳእተወን ጸወታ ተወዲኡ፡ (game is over) ብዝብል እንዳሽካዕለለ፡ ዶብ ተመልኪቱ ንኤርትራ ዝምልከት ንኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ከኣ ንኢትዮጵያ ክወሃብ ይሓስብ ነይሩ ማለት ድዩ። ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ቅድሚ እቶም ትማሊ ምስኡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት፡ “ድሕሪ ሕጂ ጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ዘልዕሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ክስምሙ ወይ ክምርዙ ዝደልዩ እዮም” ከም ዝበለኸ ረሲዕዎ ማለት ድዩ። እዚ ከኣ ከምቲ “ባዕላ ሰቒላቶ ርሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ” ዝበሃል እዩ። ስለዚ ሕጂ እውን ጉዳይ ዶብ ንከይውዳእ እቲ ናይ ኢሳያስ ጉዳይካ ከይወገንካ ብህርፍን ዓብይ ግዝኣት ተሰሊብካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጠብሎቕሎቕ ምባል ካብቲ ጠንቅታት ሓደ እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ኣብዚ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዳርጋ 1 ሰዓትን 20 ደቓይቕን ኮለል ዝበለሉ ዘረባኡ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዋላ ንባድመ ዝምልከት ገዲፍና ክንግደሰሉ ኢና ኢሉ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ታራ ጉዳይ ጐረቤት ዘይኮነ፡ ከም ቀንዲ ጉዳዩ ክንሰርሓሉ ከም ዝጸንሐን ከም ዝቕጽሎን ገሊጹ። እዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ዝመጽእ፡ ኣብ ኤርትራ ብዝስራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝረአ ውጽኢት እዩ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ኢሳያስ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ለውጢ ዕረያ ብዝብል ስም ኣመላኺዑ ገሊጹ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝገበረሉ ከምዘይተዓወተ፡ ዝያዳ በዓል ጉዳይ ኮይኑ ሻቕሎቱ ገሊጹ። ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዝዩ ጠሊቑ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ፍልልያት ፈጢሩ ዘሎ እዋናዊ ዛዕባኦም ኣትዩ፡ ሰልፉ ምስቲ ዘይምእኩል ምምሕዳር ፈደራሊዝም ዘይድግፍ ሓይሊ ምዃኑ ኣንጸባሪቑ።
እቲ ዝያዳ ዘገርም ኢሳያስ ኣብቲ ዝያዳ 20 ዓመት ዝተሰርሓሉን ምርኡይ ኣውንታ ዘመዝገበን ሎሚ ከኣ ይመሓይሽዶ ይሰረዝ ዘዛርብ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ርኢቶ ክህብ ተሓቲቱ ከም ዝነበረን ርኢቶኡ ምስ ሃበ ሓሳቡ ከም ዝተነጽገን ክገልጽ ሰሚዕናዮም። እቶም ሽዑ ርኢቶ ክህብ ዝዓደምዎ ሓቆም ሰብ መሲልዎም። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና ወዮ ሃገር ብዘይሕገ-መንግስትን መንግስታዊ ትካላትን ብጉልበት እንዳገዘአስ ብዛዕባ እንታይነት ናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ ከመጻረ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ዘይሓፍር ደረቐኛ ወይ ጉዳያት ምግንዛብ ዝጸገሞ ዓዋን ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
እዚ ኣንጽርጽሮት ዝተሓወሶ ዘረባ ኢሳያስ፡ ካብ ዘመሓላለፎ መልእኽታት፡ እቲ ጐሊሑ ዝርአ፡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ተመሳጢሩ፡ ንኢትዮጵያ እቲ ሒዛቶ ዘላ ምስ ኩነታት ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ዝሓሸ ዲሞክራስያዊ ኣንፈት ንድሕሪት ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማእዘኑ ኣጥፊኡ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝወደቐ ምምሕዳር ናይ ምምላስ ሕልሙ ከም ዘይተዓወተ ዘመልክት እዩ። ኣብ ዘይዓቕሙ ነዚ ብዙሓት ዋናታት ዘለዉዎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣፍሪሱ ክሰርሕ ኣብ ቅድሚ ዝለኣኽዎ ጐይተቱ እንታይ ከም ዘመኽኒ ከም ዝጠፈኦ እውን ምርዳእ ይከኣል። ብፍላይ ከኣ ነቲ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ ናይ ዲሞክራሲ ሓደ መርኣያ ዝኾነ “ምርጫ” ክሳብ ክንደይ ትርጉም ከስእኖ ከም ዝፈተነ ተዓዚብናዮ።
እቲ ካልእ ኢሳይስ ዘንጸባረቖ ብውገን ኢትዮጵያ ኮነ ብሱዳን ይምዕብል ብዘሎ ለውጥታት ተኸቢቡ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከም ዘሎን፡ እቲ ለውጥታት፡ ናብ ኤርትራ ከይለሓመ ኣብ ዘዘለዎ ክቕህመሉ ዝነበሮ ሕልሚ የብርዕን ከም ዘሎን ከም ዝሰንበዶን እዩ። ብዓይኒ ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ሱዳን ዓወት ተመዝጊቡ ኢሉ ዝኣምን ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጽልሙት ኩነታት እንተ ተመሊሱ እዩ። ምናልባት እውን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ንሱ ትርጉም ከም ዘየብሉ ረሲእ ተሰጊሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንበይኑ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ምርካቡን ብሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ ትካላት ንኣብነት ባንኪ ዓለም፡ ንኣብይ ይንእድዎ ምህላዎም ሕማም መርዘን ከም ዝኾኖ ኢሳያስ ኣመልኪቱ እዩ። ደጋጊሙ ንናይ ግዳም ሓይልታት ዝራገም ዝነበረ ከኣ ነዚ ዘመላኽት እዩ። እንተ ብዛዕባ ተለኣኣኽነት ኮይኑ ኣብዚ ከባቢና ዋጋ ዳኣ ኣየውጽአን እንበር፣ ክንድኡ ጉዳዩ ገዲፉ ልኣኹኒ በሃሊ መራሒ የለን።
ኣብቲ ንኢጋድ ኮነ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመስረተ ማሕበር ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባብኤልመንደብን ዘቆናጸበሉ ሓሳቡ ከኣ፡ ሓንቲ እትገርም ሓረግ ጠቒሱ። “ንሕና ሓሳብ ነቕርብ ካብ ናትና ዝሓሸ ሓሳብ ንዘቕርቡ ድማ ንሰምዕ” እትብል። ሰማይ ንሃገርኩም ኢሳያስ ዝሰምዕ እዚኒ ኣለዎ ማለት ድዩ። ዝሰምዕ እንተዝኸውን ደኣ ቅድሚ ኩሉዶ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይመሰመዖን። ምዃንኳ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነቱ ከም ዘይኮነ ሎምስ መመሊሱ በሪሁ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ሕጂ ንሕና ዘለናዮ ወሳኒ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ውዑይ ወቕቲ፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ እውን ንሓቢርካ ምስራሕ መተካእታ የብሉን። እቲ ነባር ምሳልያዊ ኣበሃህላና “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” እውን ነዚ እዩ ዘመላኽት። ሓቢርካ ምቅላስ ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮ ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ብዘይካ ውሑዳት ኣሰነይቲ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ሓባር መለለይ ከም ዝኾነ ከኣ ርዱእ እዩ። ንሕና ናብቲ ኣብዚ እዋንዚ ዘድሂ ዘሎ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ክንበጽሕ ነዊሕ ግዜን ቃልስን ከም ዝወሰደልና ኩልና እንፈልጦ እዩ። ምኽንያቱ ዳርጋ ስዒርናዮም ኢና እንብሎም ዘለና፡ ምንጽጻግ፡ ምጽልላምን ምንዕዓቕን ልዕልና ሒዞም፡ ሓቢርካ ኣንጻር ህግዲፍ ኣብ ምቅላስ ዓገቲ ምንባሮም ናይ ትማሊ ተዘክሮና እዩ። ሎሚ ከኣ እነሆ ብምጽውዋር፡ ምክብባርን ምድልላይን ተደፊኦም ካብ መድረኽ ይወጹ ኣለዉ።
ናይ ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ኣዋጃት፡ መግለጽታትን ውሳኔታትን፡ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ዘይጐስዩ ኮይኖም ኣለዉ። ናይዘን ዝጠቐስናየን ፖለቲካዊ ትካላትና ጉባአታት፡ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ኣብዚ እዋንዚ ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ፡ መራሕተን ዝምድርዎን ኣብ ሚድያታ ወጺኦም ክሕተቱ እንከለዉ ዝምልስዎን እውን ካብዚ ዝረሓቐ ኣይኮነን። መደበራት ተለቪዥን ወሲኽካ ኩለን ናይ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ደንበ ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ኣብዚ ዛዕባዚ እየን ዝዝንብያ ዘለዋ። ኣብ ግብሪ ግና ኣብቲ እንደልዮ ዘተኣማምን ትካላዊ ኮነ ካልእ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ደረጃ ኣይበጻሕናን። ክሳብ ሎሚ ኣይበጻሕናን ማለት ግና ንመጻኢ እውን ኣይክንበጽሕን ኢና ዘስምዕ ኣይኮነን።
ናይቲ ብግብሪ ኣብ ናይ ቃልሲ ባይታ ከምቲ እንብሎ ክንከውን ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር ኣብ ኢድና እንከሎ ምዃኑ ሓደሓደ ግዜ ይድንጽወና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ባዕልና ንባዕልና “ስለምንታይ?” ኢልና ክንሓትት ንግደደሉ ግዜ ኣሎ። እንተኾነ ናይዚ ሕቶዚ መልሲ፡ ኣብ ኢድና ዘሎ እምበር ካብ ልሳን ካልእ ኣካል እንጽበዮ ኣይኮነን። ከምኡ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ንጉዳይና ኣብ ዝምልከት ቅድሚ ብዛዕባ ካለኦት፡ ብዛዕባና ክንዛረብን ብጽሞና ክንሓስብን ናይ ግድን ስለ ዝኸውን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነቲ ናትና ድኽመት መዝሚዙ ጉዳይና ኣብ ምግዳድ ረብሓ ዘለዎ ኣካል የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ እጃም ጉጅለ ህግዲፍ ዓብይ እዩ። ምኽንያቱ ናትና ሓቢርካ ኣንጻሩ ምቅላስ፡ ቀንዲ ዕድመኡ ዘሕጽር ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ፡ ምዝራግ ሓድነትና ንዓኡ መድሕን ህይወትን መቐጸሊ ኣብ ስልጣኑን እዩ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ክንዲ ሓቢርና ኣንጻር ናይ ሓባር ወጻዒና ንቃለስ ከተፋኑንና ዝጸንሑ ዝንባለታት ክንስዕር ዘይምብቃዕና፡ እቲ ቀንዲ ተኣኪብና ኣተሓሳስባና ኣርኒብና ኣንጻር ህግዲፍ ከይንቃለስ ዓጊቱና ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከም እንድግፎን እንብህጎን እንገልጾ ዘለና ሓቢርካ ምስራሕ፡ ብእርኑብ ትካላዊ መልክዕ ከነተግብሮ ዘይምኽኣልና ከኣ ናይዚ ዘይሓጋዚ ዝንባለታት ሃፈጽታ ዘይገደፈና ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ልክዕ እዩ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕድሕድና ዝጸንሑ ምንጽጻግ፡ ምጽልላምን ምንዕዓቕን ቦታ ይስእኑ ኣለዉ። እንተኾነ ክሳብ ብሓደ ዘቃልሰና፡ ከከም ኣድላይነቱን ተቐባልነቱን፡ ሓድነት፡ ልፍንቲ፡ ግንባርን ጽላልን ከነዕውት እንኽእል፡ ኩሉ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ድሕሪት ካብ ዝሰርዕ ድሕረትን ድሑር ዝንባለን ነጺህና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ቅድም ኣብ 2017 ዝነደፎ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ እማመኡ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ከኣ፡ በዚ ዝስዕብ ውሳነ ኣራጒድዎ እዩ፡
“ 3.1. ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድአ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድ፤
3.2. ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ እውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃ፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ፡ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ፤” ብዝብል። ከም ቃሉ ከኣ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ መስርሕ ትስፉው ዘተ ኣትዩ ኣሎ።
ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ኣዝዩ ኣሻቓልን ቅልጡፉ ሃገራውን ዞባውን ኩነታት፡ ኣብ ህዱእ ኩነታት እውን ግዜ ቀንዲ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። ህዝብና በዚ ሓይልታት ለውጢ ጀማሚርናዮ ዘለና እሂን-ምሂን’ኳ ተስፋ እንተሰኾዐ ግና “እሞ መዓስ እዩ ብግብሪ?” ይብለና ኣሎ። ክሕተት ዝግበኦ ሕቶ ከኣ እዩ። ስለዚ ንሕና በቲ ትስፉው ናይ ምቅርራብ ምልክት ከይተዘናጋዕና ክንቅልጥፍ ኣለና። ሎሚ ብናይ “የርክቦ ሮማዕ ኢለ” ዘይኮነ ብናይ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ናይ ጉያ መንፈስ ኢና ክንጐዓዝ ዝግበና። እቲ ርግጸኛ እትኾኖ ብዛዕባ ሓደ ተረኽቦ ብግብሪ ምስ ተራእየ’ኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ንዕዘቦ ዘለና ንላዕሊ ውድቀት ጨቋኒ ጉጅለ ከም ዝቐረበ ዝእምት ኩነታት ክንጽበ የብልናን። ከምቲ “እምኒ እንተወደቕካዮ ይሰብረካ፡ እንተወደቐካ’ውን ይሰብረካ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ ኣብ ህልውናኡ ኣበሳቢሱናስ ዉድቀቱ ካልእ ሓማቕ ሳዕቤን ምእንቲ ከይጐተልና፡ ከሎ ጌና ብዘይቅቡል ምኽንያት ግዜ ከይበላዕና “እስከ ንራኸብ’ሞ፡ ሓሳብና ክእርነብ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ልብና ክሓድር እዋኑ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ
ናይ ለውጢ ቃልስና፡ በቲ ዝደለናዮ ቅልጣፈ ክጐዓዝ ዘይከኣለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ርእሲቲ ናይ ሓይልታት ለውጢ ብሓባር ናይ ዘይምስጓም ድኽመትን ከቢቡና ዘሎ ዓለማዊ ኩነታትን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከፋፋሊ ውዲትን ተንኮልን ጉጅለ ህግዲፍ ዓብይ እጃም ዝሕዝ እዩ። ካብቲ መርኣያታት ናይቲ ውዲት ከኣ እቲ ቀንዲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ ከይራኸብ፡ ብኣንጻሩ ብዓይኒ ጥርጣረ ከም ዝርእአ ምግባሩን እዩ። ብስንኪ እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ጸገሙ ሓደ፡ መፍትሒኡ ከኣ ኣብ ኢድ ገዛእ ክነሱ፡ ክሳብ ሎሚ ነዚ ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ቅልጽምካ ምትርናዕ ከይበቐዖ ጸኒሑ።
ህግዲፍ እዚ ድሌቱን ባህጉን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻሩ ብሓደ ድምጺ ንከየስምዕን ኢዱ ከየልዕልን ክጥቀሞ ካብ ዝጸንሐ ሓላኺ ሜላታት፡ ናይ ብሕቲ ሚድያ ከም ዘይህሉ ምግባር፡ ካብ ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ጀሚርካ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ናይ ስለያ መርበብ ዘርጊሕካ ከምዘይተኣማመኑ ምግባርን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ኩነታት ኣጽኒዖም ከቃልዑ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ጋዜጠኛታትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ተሓለቕትን ምእጋድን ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ምርሕሓቕ ምፍጣር ጥራይ ዘይኮነ፡ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝነብርን ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ተጽዕኖን ምድሃልን ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ካብ ሓደ ንሕስያ ዘየብሉ ጨቋኒ ጉጅለ እትጽበዮ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ እኳ እንተኾነ፡ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ዕስክርና፡ ብዘይሕገመንግስቲ ምግዛእ፡ ናጽነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ምእጋድ፡ ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላትን ብኩራት ልዕልና ሕግን፡ ኣዝዮም ረቀቕቲ ናይ መቑነን ሜላታት ተጠቒምካ ኣብ ቁጠባ ምህሳዩ፡ ዳርጋ ኩሉ ስድራቤታት ወላድ መኻን ከም ዝኸውን ምግባር፡ ብሓጺሩ ሃገርን ህዝብን ምብዳም ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሃገር በቆል ጭቆና ካብቲ ናይ ካለኦት ፍሉይ ዝገብሮ እዩ።
እዚ ጉጅለ ናይ ጸይቅን ወጽዓን ኣእዳዉ ኣንዊሑ፡ ምስ ብረብሓ ዘስልሎም ናይ ወጻኢ ኣካላት ከይተረፈ ተመሳጢሩ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና እውን ክንድቲ ኣብ ልዕሊቲ ውሽጢ ሃገር ዝገብር’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዝፍጽሞ ግፍዒ ኣሎ። እንተ ጥዒምዎ ጨዊኻ ናብ ኤርትራ ምምላስ፡ ብጉልባብ 2%፡ መሕወይ ግብሪ፡ ሓገዝ ደቂ ስዉኣትን ቦንድን ብዝብሉ ጉልባባት ገንዘብ ምኽዕባት። ኣብ ዓዲ ንዝነብሩ ቤተሰቦም ብዝጥዕሞም መንገዲ ከይሕግዙ ምኽልካል፡ ናብ ቤተሰቦም ኣብ ዝገሽሉ ግዜ ኣዝዮም ዓንቀፍት ማሕለካታት ምፍጣር። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ህግዲፍ ሃይማኖታውን ካልእ ድሑር ስምዒታትን እንዳጻሕተረ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሕድሕዶም ክናቖቱ ዝሰርሕ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ደጋፊ ህግዲፍ ዝበሃል ከይተረፈ ዝፍጸም ንሕስያ ዘይብሉ ኣተሓሕዛ ኮይኑ፡ ነቲ ኣግሂዱ ዝቃወም ከኣ ብህይወት ከም ዝደልዮ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ልዕሊ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛን ፖለቲካዊ ተመራማርን ማርቲን ፕላውትን ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱን ዝፈተኖ ናይ ስዑር ምልክት ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዘረደኣና ከኣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነበር ኤርትራዊ ክናበብን ክመላላእን እንተበቂዑ ዕድመ ህግዲፍ ዘሕጽር ምዃኑ እዩ።
ጉጅለ ህግዲፍ ከም ኣካል ናይቲ ክፈፊልካ ግዛእ ሜላኡ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ዝነብርን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ኤርትራዊ ክፍጠር ዝደልዮ ምርሕሓቕ ከምቲ ዝደለዮ ከምዘይኮነሉ ሎሚ ንርእዮ ኣለና። ኤርትራ ንዝተወሰነ እምበር፡ ንሓዋሩ ኣይኮነንዶ ካብ ህዝባ ካብ ዓለም እውን ብህግዲፍ ተሓዚኣ ተነጺላ ክትነብር ስለ ዘይትኽእል፤ ሎሚ ህግዲፍ ዝነደቖ ናይ ምፍልላይ ሓጹር ይፈርስ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ዋላኳ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ይንበር፡ ውሽጡን ድሌቱን ሓደ ብምዃኑ ክሰማማዕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ከኣ ንህግዲፍ ካብቲ ብዙሕ ህልውናኡ ናይ ምርግጋጽ ጸገማቱ እቲ ዝኸበደ ኮይንዎ እነሆ።
ምስ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክረኤ እንከሎ፡ ሎሚ ህግዲፍ ዝዓጸዎ ማዕጾ ካብ ድሌቱ ወጻኢ ይኽፈት ኣሎ። ብዙሓት ናይ ወጻኢ ማዕከናት ነቲ ጉጅለ ዘቃልዕ ዜናታት ክዝርገሓ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ናብ ኤርትራ ምልሓኰን ኣይተረፈን። ብዓብይኡ ከኣ መደበራት ተለቪዥን ኣሰናን ኤሪ-ሳትን ነቲ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ዕርዲ ህግዲፍ ድሂነን ኣብ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ገዛ ይጓዝማ ኣለዋ። ህግዲፍ ከኣ ናይ “ነዘን ተለቪዥናት እዚኤን ኣይትርኣይወን” ጉልበቱ ደኺሙ፡ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ክኸውን ተገዲዱ ኣሎ። ወዮ ሓቀኛ ምስሊ ህግዲፍ ምርኣይን ምስማዕን ተሓቢእካ ዝካየድ ናይ ተቓወምቱ ተግባር ጥራይ ጌርካ ዝረአ ዝነበረ፡ ሎሚ ደገፍቱን ሓለፍቱን እውን ኣብዘን መደበራት ይትከሉ ኣለዉ። ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ ምሕማዩ’ውን ንቡር ኮይኑ ከም ዘሎ እዩ ዝሕበር። እዚ ኣዝዩ ዓብይ ምልክት ስዕረት ህግዲፍ እዩ።
ሎሚ ብሓፈሻ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ጐረቤት ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ናብ ኤርትራ ኣትዮም፡ ወጽዓ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ ሃገርና ክሳብ ክንደይ ኣብ ዘሕፍር ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ርእዮም ይምስክሩ ኣለዉ። ብዙሓት ኣብ ከተማታት፡ ኣስመራ፡ ከረን፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ምጽዋዕ፡ መንደፈራ፡ ናቕፋ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ካለኦትን ዝበጽሑ ዝህብዎ ሚዛን ከኣ “ኤርትራ ዋና ዘይብላ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ጸኒሓን ኣላን ምባላ ዘጸግም እዩ” ዝብል እዩ። ጐደናታት ኣስመራ ሰብ ሓሪምወን ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸመዋ ክነግሩኻ እንከለዉ ከኣ መመሊሱ መዓንጣ ከብድኻ ዝቖርጽ እዩ።
እንተኾነ ምስዚ ኩሉ ምህግዲፍ ዝወረዶን ዘውርዶ ዘሎን ናይ ምክፍፋል ውዲት፡ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ወጻእ ብግቡእ ክናበብን ከመላላእን ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ምንባብ ንዓወቱን ራህዋኡን ወሳኒ ምዃኑ ከኣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ፈንቅል ብውሽጢ ይክል ከኣ ብወጻኢ ክናቐዉ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ንጸላኢ ዝፈንቀለ ፈንቅል፡ እነሆ ሎሚ እውን ምስ ይኣክል ኣሳንዩ ናይ ዳግማይ ፈንቅል ህዝባዊ ሓላፍነት ይርከብ ኣሎ። ፈንቅልን ይኣክልን ካብ በበይኑ ኩርናዕ ዝስምዑ ትርጉሞም ግና ሓደ ንሱ ከኣ ንህግዲፍ ምጽራግ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ ሓበሬታ፡ ንወዲ ሰብ ማዕረ ዝብላዕን ዝስተን መሰረታዊ ተደላዪ ዝኾነሉ መዋእል፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ብጽምኢ ሓበሬታ ይሳቐ ከምዘሎ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እንተኾነ እቲ ከም ቦዓል ኢሳያስ ዝኣመሰለ ዲክታተር ዝመሓደር ህዝቢ፤ ከምዚ ዓይነት ጽምኢ ክወርዶ እንከሎ፡ ከም ኣካል ናይቲ መፋጥርቱ ዝኾነ ጭቋኒ ባህሪኡ ወሲድካ እትቃለሶ እምበር፡ በይኑ መዚዝካ እትግረመሉ ነገር ኣይኮነን። ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ኣብ ሓበሬታ በጺሑ ክልውህ እትጽበዮ ኣይኮነን።
ሓበሬታ ኣይኮነንዶ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን፡ ካብ ሓደ ስድራቤት ጀሚርካ፡ ክሳብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ትካላት ኣድላይነቱ ወሳኒ እዩ። መራሕትን መንግስታትን፡ እንታይ ከም ዝሓስቡን እንታይ ከም ዝሰርሑን ንህዝቦም ክሕብሩ ኣብ ድሌቶም ዝምርኮስ ዘይኮነ ግደታኦም’ውን እዩ። ህዝቢ ኣብዚ ሓበሬታዚ ተመስሪቱ እዩ ካብቲ መንግስቲ ዝሕዞ መንገዲ ኣየናይ ክድግፍ ኣየናይከ ክነጽግ ዝውስን። ሓደ ጥዑይ መንግስቲ ከምዚ ይገብር ኣለኹ ኢሉ ምሕባር ጥራይ ዘይኮነ “ከምዚባ መሓሸ” ንዝብል ናይ ህዝቢ ሓሳብ’ውን ግቡእ እዝንን ቀልብን ክህልዎ ይግባእ። እዚ ዕማምዚ ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስፍሓት’ውን ስለ ዘለዎ ብመንግስቲ ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ ብሕታዊ ትካላት ሓበሬታን ሚድያን ክሳተፈኦ ይግባእ። እዚ ሓደ መምዘኒ ዲሞክራስያውነት ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዲክታተርነት ካብ ዘይተዓደለቶም ጸጋታት ሓደ እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሳላ ቅልጡፍ ምዕባለ ዘመናዊ መራኸቢ፡ ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ዝምልከቱ ጉዳያት ብዛዕባ ባእታታት እውን ብዙሕ እዩ ዝበሃልን ዝረአን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብቲ ዝበሃል ቅልጡፍ መብርሂ ምሃብ ቀንዲ ሓላፍነት መንግስታት እዩ። ህዝቢ ከኣ እንተስ ንምድጋፍ፤ እንተ ንምንቃፍ ካብቲ ብዙሕ ዝበሃል፡ ኣብቲ መንግስቱ ዝህቦ ሓበሬታ፡ ክምርኮስ ይኽእል። ንጹር መብርህን ሓበሬታን እንተዘይረኺቡ ግና ነየናይ ከም ዝሕዝ ነየናይ ከም ዝገድፍ ይጠፍኦ እሞ፡ ኣብ ዘይንጹር ምናልባታት ጸንበለል ክብል ይግደድ። ህዝቢ ሓበሬታ ተሓሪምዎ ዕንይንይ እንዳበለ፡ ድምጹ ዝሓብእ መንግስቲ ከኣ መርኣያ ዘይግሉጽነቱን ዘይህዝባውነቱን እዩ።
እቲ ቀደም ቀደም ኢሳያስ ሓበሬታ ንምሕባእ ኢሉ “ስቕ ዝበልና ስቕ ክንብል ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል መህደሚ ብሂል ነይርዎ ይበሃል። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣይኮነንዶ ሎሚ፡ ኣብቲ ቀደም ሓበሬታ ምሕባእ ዝቐለለ ዝነበረሉ ግዜ እውን ዝሰርሕ ኣይኮነን። ሕጂኸ ኢሳይያስ ኣብዚ ቀደም እውን ቅኑዕ ዘይነበረ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ድዩ ዘሎ፡ ወይስ ኣይፋሉን ንምድህሳስ ኢና ከኣ “ክዛረብ ስለ ዘይደለየ ድዩ፡ ወይስ ስለ ዘይክኣለ?” ክንብል ዝተገደድና። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር፡ ካብቶም ካብ ሚድያ ምርሓቕን ሓበሬታ ምሕባእን ከም መፍትሒ ዝወስዱ ምምሕዳራት እዩ። ብኣንጻሩ ኤርትራ ካብተን ብዙሕ ዘዛርብ ጉዳይ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። “ግዱድ ውትህድርና፡ ብዝሒ ስደተኛታትን ሳዕቤኑ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን፡ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ብኩራት ፍትሒ፡ ምስ ጐረባብቲ ኣብ ጐንጽን ምስሕሓብን ምንባር፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ኣእታውነትን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ዘይምትግባርን ….. ወዘተ፡ ካብቶም ንኤርትራ ኣብ ኩሉ መድረኻት ኣዛራቢት ካብ ዝገብርዋ ዛዕባታት እዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ተፈጢሮም ኣለዉ። ኢሳይያስ ምእማኑ ብዘጸግም ኩነታት “ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ጐረባብቲ ሓሊፈን ሓደ እየን” ናብ ዝብል ዝዓለመ ብዙሕ ክዛረብን ከዕለብጥን ሰሚዕናዮ። “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ 30 ዓመታት ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ኣባኺንና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ክመርሓና እዩ ከምዚ ዝብል ዘለኹ ብልበይ እምበር ንቐላዓለም ኣይኮነኩን፡” እዚ ካብቲ ንሱ ዝበሎ ብዙሕ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ነዚ ንሱ ንዝኸፈቶ ናይ ስዕረት ኣፍደገ ተኸቲሎም፡ ኣባሃህላኡ ዘራጉዱ ብኢትዮጵያውያን ዝተባህሉ ከኣ ብዙሓት እዮም። ወዮም ካብ ቀደም ጀሚሮም ናይ ኤርትራ ልኡላዊ ሃገርነት ስለ ዘይዓለዎም/ስለዘይተዋሕተሎም ከንባህቑ ዝጸንሑ ወገናት ከኣ “ኣይበልናንዶ” ይብሉ ኣለዉ። ኮታ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ መመሊሱ ዝገይሽ ዘሎ ጣዕሳኡ ንምግላጽን በቲ ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊ ቃልሲ ይቕረታ ክሓትትን ገይሮም ዝወስድዎ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብዙሓት እዮም። ንኢሳያስ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝመለሰላ ጀግና ወሲዶም ዝንእድዎ ኢትዮጵያውያን ምስማዕ እውን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ጉዳያት እዚ በቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “እዚ እዩ እቲ ሓቂ፡ እዚ ከኣ እቲ ዘይሓቂ” ዝብል ንጹር ሓበሬታ ክወሃቦ መተገበአ። ከምዚ ብዘይምዃኑ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ገሊኡ ከም ሓቂ ወሲዱ፡ ገሊኡ ከኣ ከም ሓቂ ምውሳዱ ተጸጊሙ ሰንፈለል ክብል ጸኒሑ። መዓልቲ እንዳ በለዐ ምስ ከደ ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ “ስቕ እውን መልሲ እዩ” ብዝብል፡ “ኢሳያስ ነቲ መንገዲ ጥልመት ናተይ ኢሉ ውዒልዎ እዩ” ኢሉ ደምዲሙ እዩ። በቲ ካልእ ገጹ እዚ ካብ ቀደሙ ዘይበዓል ደሓና ሰብኣይ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ፡ መርኣያ ጸረ ህዝብነቱን ጸረ ዲሞክራስያውነቱን ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ደቁ ገቢሩ ኣብ ስልጣን ዘደየቦ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ኮለል/ውልዕ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኢሳያስ ድሕሪ ሕጂ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተፋቲሑ፡ ምስ ካልእ ህዝቢ ቃል ኪዳን ይኣስር ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ድሕሪ ሕጂ ካብቲ ንሕናን ህዝብናን ብዛዕባ ጉዳይና እንጻወተሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሜዳ ብግብሪ ወጺኡ፡ ካልእ ሜዳ ከም ዝመረጸ ንዕዘብ ኣለና። ስለዚ ጉዳይና ባዕልና ንሓዝ ።
ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ
ኩነታት ደንበ ተቓውሞና ብመንጽርቲ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ሎሚ ምጽልላምን ምንጽጻግን ሃዲኡ ኣብ ሕድሕድና ከም እንደላለ ኣብ እነንጸባርቐሉ ተስፋ ዝህብ ደሓን ኩነታት ኣለና። ዳርጋ ብኹልና ክበሃል ብዘኽእል ደረጃ፡ “ናይ ዝሓለፈ ቂም እሱራት ኣይንኹን፡ ንክእኣል፡ ንጸዋወር፡ ፍልልያትና ኣመሓዲርና ኣብቲ ንሰማመዓሉ ንስራሕ፡ ህልውናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ቅድሚት ይሰራዕ፡” ዝብል ድምጽታት ይብርኽ ኣሎ። ድሕሪዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ወሳኒ ዕማም ነቲ ትስፉው መግለጽታትን ኣዋጃትን ምድግጋም ዘይኮነ፡ ኣብኡ ተመስሪትካ ናብ ግብራዊ መጻኢ ዕማም ምስጓም እዩ። ኣብዚ እንዳተደላለና ዘይምኽኑይ ግዜን ጉልበትን ካብ ምብኻን ክንዕቀብ ይግበኣና።
ናብዚ ሕጂ ዘለናዮ ህዱእ ናይ ምድምማጽ ደረጃ ንምብጻሕ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኣህላኺ መስርሕ ከም ዝሓለፍና ኩልና እንርደኦ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ምድልላይ ደረጃ ምብጻሕና ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ፡ ነቲ ኮኩርባኡ ሒዙ ዘሎ ቅርቡነትን ብሓባር ናይ ምስራሕ ህርፋንን፡ ብሓንሳብ ጸሚድካን ትካላዊ መልክዕ ኣትሒዝካን ውጽኢት ከተመዝግብ ምብቃዕ እውን ቀሊል ቃልሲ ዝሓትት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ቀሊል ዘይኮነሉ ምኽንያት ናትና ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ናይ ኣቀማምጣ ዘይምችኡነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ በቲ ሓቢርና ኣንጻሩ ክንሰርሕ ብምብቃዕና ዕድሜኡ ዝሓጽር ጉጅለ ብዘለዎ ዓቕሚ ስለ ዝጻብኣና እዩ። እዚ ጉጅለ ናይቶም ንረብሓኦም ክብሉ ዝመሓዘውዎ ዓቕሚ ወሲኹ’ውን ኣንጻርና ካብ ምስላፍ ንድሕሪት ከም ዘይብል ምልክታት ንርኢ ኣለና። ከምቲ “ንዓኻ ዝመስሉ ግና ከማኻ ዘይኮኑ” ዝበሃል፡ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ክዘርገና ካብ ምሕላን’ውን ዓዲ ስለ ዘይውዕል ጉዕዞና ረቂቕ፡ ጥንቃቐ ዘድልዮን ንሓሳባት ሃንደፍ ኢልካ ዘይምውሓጥን እውን ከድልየና እዩ።
እቲ ክንሰግሮ ዝግበና ጸገም እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ምስቲ ናይቲ ለውጢ ኮነ መተካእታ ናይ ምድላው ቀንዲ ቀላሲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ብቐሊሉ ክንራኸብ ዘይምብቃዕና ካልእ ንቃልስና ዘኽብዶ እዩ። ህዝብና ልቡ ምሳና እናሃለወ ምሳና ክራኸብ ጥራይ ኣይኮነን ጸገሙ። ኣብቲ ዘለዎ ኮይኑ በቲ ሓደ ወገን በቲ ሎሚ ዕድሚኡ ኣኺሉ እንዳዘለቐ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ መጻወድያ ናይቲ ጉጅለ ዝተሻበበን መንእሰያቱ ገዲፈምዎ ዝኸዱን ምዃኑ እቲ ቀንዲ ጸገሙ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ጐረቤቱ ዝርከብ ህዝቢ ሱዳን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብሓጺር ግዜን ዉሑድ ዋጋን ካብ ኢሳያስ/ህግዲፍ ዘይድሕር ዲክታተር ኣወጊዱ፡ ኣብ ዝምድናዊ ህዱእ ናይ ምስግጋር መድረኽ ኣትይዎ ዘሎ ክገብር ኣይመሰነፈን። ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንህዝቡን ሃገሩን ናብ ጎደና ሰላምን ምርግጋእን ከብጽሖ ሓላፍነት ከም ዘለዎ፡ ግደ ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ መስርሕ ለውጢ ክሳብ ክንደይ ህዝባውን ወሳንን ምንባሩ ትምህርቲ ክቐስመሉ ዝግበኦ እዩ ።
ጉጅለ ህግዲፍ ካብ መሰረቱ ዝተዘርገን ማእዝኑ ዘጥፈአን ብምዃኑ፡ እንተነፊዕና እቲ “ንረብሓይ” ኢሉ ዝኸዶ መንገዲ እውን ኣዝዩ ተመዝማዝን ተገልቢጡ ንዓኡ ዘላትሞን ምዃኑ ንከታተሎ ኣለና። ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ 2ተ ዓመታት ህልውናኡ ንምዕቃብን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኢሉ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይግሉጽን ኢደ-ወነናውን ዝምድና ምስ ፈጠረ፡ ኩሉ ዝገብሮን ዝዛረቦን ዕድመኡ ዘንውሕ ዘይኮነ ዕድመኡ ዝሕጽርን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘነጽሎን ዘቃለዖን ምንባሩ ተዓዚብናዮ ኣለና። ንሱ እውን ደጊም ጠቕሊሉ መታለሊ ስብከት ስለ ዝተወደኦ ካብ ኤርትራ ክወጽእ እንከሎ ብዛዕባኡ ክዝረብ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኤርትራዊ ዛዕባ ዝምልከት ድምጹ ሃጢሙ፡ ኣብታ ጉብጥሹ ምሕባእ ኣብ ዝመረጸሉ ሃላዋት እዩ ዘሎ።
እምበኣር ነዚ ዝተጠቕሰ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ናብቲ በሊሕ ናይ ተግባር ስጉምቲ ንምስጋር ከም ናይ ሚኒሶታ ተበግሶን ማዕበል ይኣክልን ዝኣመሰሉ ንቕሎታት መመሊስና ከነሕይሎም ይግበኣና። ኣብ መንጎ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ጽላላት ኮነ ማሕበራትን ዝግበር ናይ ሓቢርና ንስራሕ ዘተታት ኮነ ስምምምዓት ነዚ ዝተጀመረ ንቕሎታት ኣብ ግምት ዘእቱን መሊሱ ዘራጉድን እምበር፡ ነቲ ሓደ ኣፍሪስካ ነቲ ካልእ ብምውጣን ኣብ ስርሕ ብትን ክንነብር ኣይግበኣናን። እንበጽሖም ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ስምምዓት፡ ንኹልና ብዘይኣፋላላይ ዘሳትፉ ሰፋሕቲ ጽላላት ከኾኑን ካብ “ኣብ ንሕና ዝበልናኩም እተዉ” ዝሕመረቱ ወጺእና ንዝቐርብ ቅኑዕ ሓሳብ ርዒምና ክንክተል ጻዕርታትናን ናይ ምቕባል ቅርቡነትናን ክነሕይል ይግበኦ። እንበጽሖም ስምምዓት ነቶም ኩነታቶም ወጊኖም ዝስዕቡና ዘብህግን ዝዕድምን “ኣብ ንሕና ዝበልናኩም እተዉ” ዝሕመረቱ ዘይኮነ፡ ናታቶም ቅኑዕ ዝበልዎ ሓሳብ ሒዞም ዝቐርቡሉ ተረድኦ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክስራዕ ይግበኦ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ቀጻሊ ዘተታት ካብ ምግባር ክንስልኪ ኣይግበናን። ኣብዚ ግና ሕጂ’ውን ብዘይብቑዕ ምኽንያት ግዜ ዘይምብላዕ ኣይንዘንግዕ።
ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ኩልና ዓደምቲ ክንከውን ኣይንኽእል ኢና። ሓደ ኣካል ተበግሶ ምስ ወሰደ ኣብ ርእሲ እቲ ናቱ ተበግሶ መበረኺ ጡብ ናይ ምንባር ተመላላኢ ባህሊ ከነጥሪ ይግበኣና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከነስምዕ ጥራይ ዘይኮነ ክንሰምዕ እውን ድሉዋት ንኹን። ብሓጺሩ ክንቅበል ኮነ ክንነጽግ እንከለና ኣብ ርትዓዊ ምኽንያት ክንምስረት ይግበኣና። መዋጸኦ ኢልና ኣብ ዘቕረብናዮ ሓሳብ ካብቲ ብዕሙት ዝድግፈና ኣብ ተግባር ግና ዘይተግህ፡ ብዝድህሰስ ምኽንያት ንዘይቅበለና ክብሪ ክንህቦን ነቲ ናቱ ዝሓሸ መተካእታ ከም ናትና ክንወስዶን ይግበኣና።
ብዛዕባ ናይቲ ንጽዕተሉ ዘለና፡ ብሓባር እንተ ተቓሊስካ ዝርከብ ጸጋን ዓወትን ሓደ ዛንታ ክንጠቅስ፡ ቁጽሪ 9 ንቁጽሪ 8 ይውቕዖ’ሞ፡ ስለምንታይ ከም ዝወቐዖ እንተሓተቶ “ካባኻ ስለ ዝዓቢ እየ ወቒዐካ” ኢሉ ይምልሰሉ። ቁጽሪ 8 ከኣ ነቲ ናይ ቁጽሪ 9 ግጉይ ምኽንያት ከም ቅኑዕ ወሲዱ፡ ነቲ ካብኡ ዝንእስ ቁጽሪ 7 ይወቕዖ። ከምኡ እንዳበለ እቲ ምውቕቓዕ ክሳብቲ ዝነኣሰ ቁጽሪ 1 ይወርድ። ቁጽሪ ሓደ ነቲ ትሕቲኡ ዘሎ 0 (ባዶ) ቅድሚ ምውቅዑ ይሓስብ እሞ፡ “ካብ ዝወቕዖ መስርዕና ሓሊና ተቐራሪብና ግዳ ዘይንዓቢ ዘይብሎ” ኢሉ ይውስን። ከምቲ ውሳንኡ ን0 (ባዶ) ይውከሶ እሞ 0 ነቲ ናይ ምቅርራብ ሓሳብ ብጸጋ ይቕበሎ። ተሰማሚዖም ምስተቐራረቡ ከኣ 10 (ዓሰርተ) ኮይኖም ካብ ኩሎም ዝዓበዩ ኮኑ ይበሃል። ስለዚ ብሓሳብ ካብ ተረዳዳእና፡ ብግብሪ ተቐራሪብና ብሓባር ንቕድሚት ንሰጉም።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና፡ ሓጐጽጐጽ ዘይተፈልዮ፡ ነዊሕ ዝተጓዕዘ፡ ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስርሒታት ዝሓለፈ፡ ናይ ኣእላፍ ንጹሃት ዜጋታት ደም ዝፈሰሶን ኣዕጽምቲ ዝተኸስከሶን፡ በዓል ሃብታም ተመኩሮ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ንዋናታቱ፡ ናይዚ ከባቢና ፖለቲካዊ መስርሕ ብዝከታተሉ ክኢላታት’ውን ዝተመስከረሉ እዩ። ተመኩሮና ኣውንታን ኣሉታን ዝሓቖፈ በብግዜኡ ናይ ብዙሓት ወገናት ተሳትፎ ዘተኣናገደ ረቂቕ ሰንሰለታዊ ኮይኑ፡ ሕጂ እውን ቀጻሊ ዘሎ ፍጻመ እዩ። ተመኩሮና ናትና ናይ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣእዳው ብዙሓት ነናቶም ሕሳባት ዝነበሮም ወገናት ክኣትዎ ዝጸንሐ እዩ።
ናይ ዝኾነት ሃገር ተመኩሮ፡ ናይ ግዳም ኢድ ዘየብሉ ገዛ ዓጺኻ ዝስራሕ ከምዘይኮነ’ኳ ንርዳእ እንተኾነ፡ ናትና ግና ብሰንኪ ኣብ ኣዝዩ ተበሃጊ ኩርናዕ ዓለም እንርከብ ምዃና፡ እቶም ኣብ ጉዳይና ውጥም ቅልቅል ዝበሉ ሰብ ሓያል ህርፋንን ነዊሕ ኣባትርን እዮም። ብሰንኪ እዚ እዩ ከኣ ኣብ ብዙሕ ዞባውን ዓለማውን ታሪኻዊ ኣጋጣምታትን መድረኻትን ጉዳይ ሃገርና ብምርጫን ስምዒትን ህዝብና ዘይኮነ፡ ብረብሓ ናይ ደገ ሓይልታት ክውገን ዝጸንሐ። እዚ ናይ ግዳም ህርፋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘስፋሕፍሓሉ ምቹእ ባይታ ክረክብ እንከሎ ክሳብ ክንዳይ ጐዳኢ ከም ዝኸውን ከኣ እቲ ሃብታም ዝበልናዮ ተመኩሮና የረደኣና። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከኣ፡ ሎሚ እውን ንዝሓለፈ ተመኩሮና ብጌጋ ካብ ዝቓኒ ሓደጋ ናጻ ዘይወጻእና ምዃና እዩ።
“ካብ ተመኩሮና ንመሃር” ክንብል እንከለና፡ ነቲ ኣውንታ ምስ ህልዊ ኩነታት ብዝሰማማዕ ኣገባብ ነማዕብሎ፡ ነቲ ኣሉታዊ ጐኑ ድማ ኣይንድገሞ ማለትና እምበር፡ ነቲ ሓንሳብ ምስተፈጸመ ዘይምለስ ኣሉታ ንድሕሪት እንዳጠመትና ብኣኡ ንቘዝም ማለት ኣይኮነን። ንኣሉታዊ ተመኩሮ ካብኡ ተማሂርና እንተዘይደጊምናዮ፡ ከምቲ “ገ እንዳበሉኻዶ ትጋገ” ዝበሃል፡ እሙን መምህርና እዩ። ንዓኡ ነቲ ኣሉታዊ ተመኩሮ ከም ዘለዎ እንተደጋጊምናዮ ግና ካብ ብርሃን ንጸልማት ካብ ምምራጽ ፈሊኻ ዝረአ ኣይከውንን እዩ።
ተመኩሮና ብዓበይትን ናእሽቱን ፍጻመታት ዝተቐመረ እዩ። ኣብቲ ካብ ተመኩሮ እንመሃረሉ መስርሕ እምበኣር፡ ቀንዲ ቆላሕታ ክንህቦም ዝግበኣና፡ ናቶም ጽልዋ ዘለዎም ዓበይትን ዛዕባታት ክኾኑ ይግበኦም። ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ፡ ምሕላው ልኡላውነት ሃገር፡ ምርግጋጽ ብዙሕነታዊ ሓድነት፡ ምንጻር ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን ዛዕባታትን መጻኢ መንገድኻ ብኣኡ መሰረት ምጽራግን … ወዘተ ካብ ተመኩሮና ክንመሃር እንከለና፡ ዝያዳ ከነድህበሎም ዝግበኣና ኣዕኑድ እዮም። ብመንጽር እዞም ዝተጠቕሱ ገዘፍቲ ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ተመኩሮና ክንመዝን እንከለና፡ ጌና ዘተኣማምን ንድሕሪት ዘይምለስ መልክዕ ዘየትሓዝናዮም ጉዳያት ንረክብ ኢና። እዚ ከኣ ብዘተኣማምን ደረጃ ከይንውግኖም ዝዓንቀፉና ሕጽረታት ከም ዘለዉና ዘመልክት እዩ። ካብ ተመኩሮና ንምሃር ማለት ከኣ ነዞም ሕጽረታት ክትኣሊ፡ ኩሉ ዋጋ ክትከፍል ድልዊ ምዃን ማለት እዩ። እዚ ቅሩብነት እንተልዩን ቅድሚ ኣጻብዕትኻ ናብ ካለኦት ምምልካት ብዛዕባኻ ክትሓስብ ቅሩብነት እንተልዩ ዘይከኣል ዘይኮነስ፡ እኳ ደኣ ቀሊል እዩ።
ካብ ተመኩሮና ዘይምምሃር ሳዕቤኑ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ናይ ሰንፈላል ኩነታት ምንባር ጥራይ ኣይኮነን። ምናልባት እውን ጠቕሊልና ካብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና ክንወጽእ ንኽእል። ናትና ካብቲ ውራይና ዝሕንብሰሉ ፖለቲካዊ መስርሕ ምውጻእ ከኣ ሳዕቤኑ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛን “እንጉይ ዝብኢ ብላዕን” ከም ዘስዕብ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ካብ ተመኩሮና ንመሃር ማለት ካብዝን ካልእ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋን ምድሓን ማለት እዩ። ሎሚ ንሕና እቶም መሰረታዊ ለውጢ ከነምጽእ ንሃልኽ ዘለና ኤርትራውያን እንተዘይተዓዊትና፡ እቶም ንረብሓኦም ክብሉ ህዝብን ሃገርን ዝውሕጡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣዛብእ ካብ ደገ ዝመጹ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ ማእከል ሃገርና እውን ይንቅዉ ምህላዎም ነቲ ሓደጋ መሊሱ የግድዶ። ሎሚ ክንዲ ኢሳያስን ኮራኩሩን ዝኣኽሉ ጉልባቦም ዝቐልዑ ኣዛብእ ኣቐሚጥና፡ ንድሕሪት ተመሊስና፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ዝተጋገዩ ብምርጋም፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምምዕዳው ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ እሱራት ኣብ እንኾነሉ ኩነታት ኣይኮናን ዘለና።
ከምቲ ካብ ተመኩሮና ክንመሃር እንከለና፡ ኣብ ፍሩያትን ጸለውትን ዛዕባታት ዝያዳ ነቕልብ ዝበልናዮ፡ እስኪ ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ብዛዕባቲ ወሳንነት “ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ዛዕባታት፡ ኩልኻ ኣብ ዝተሰማማዕካሉ መእከቢ መድረኽ ብሓባር መስራሕ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን መተካእታ የብሉን” ዝብል ነቕልብ። ብዛዕባኡ ትንፍስና ውሒጥና ንሕሰብ። በቲ ጀሚርናዮ ዘለና ምቅርራባት ትስፉዋት ንኹን። “ይከኣል” ዕጥቅና ይኹን። ነዚ ክንበቅዕ እንተዘይክኢልና ግና ካብ ኣሉታዊ ተመኩሮና ከምዘይተመሃርና ንተኣመን። ምኽንያቱ በበይንኻ ምውፋር ፋይዳ ከም ዘይብሉ፡ ናይ 40ታት፡ 50ታት፡ 60ታትን 70ታትን ዘይኮነ፡ ናይዚ ዘለናዮ እዋን ተመኩሮና ኣርእዩና እዩ። ኣብ ክንዲ ካብኡ ተማሂርካ ናይ ሓባር መንገዲ ዓወት ምቕያስ፡ በቲ ዓዲ ዘየእቱ መንገዲ በበይንኻ ምውፋር እንተቐጺልና ግና፡ ክሳብ ክንደይ ዕድመ ምልኪ ነናውሕ ከም ዘለና ካልእ ተዓዛቢ ክነግረና ክንጽበየሉ ኣይኮነን።
በዓል ኢሳያስ ዘተባብዕዎም ከም በዓል ኢትዮጵያዊ ታምራት ነገራ ዝኣመሰሉ ኣዛብእ ኣብ ቅድሜና እንዳነቀዉን ክውሕጡና እንዳንበሃቑን ደቂስና ንሓድር እንተሊና የለናን ማለት እዩ። ሎሚ ኣበይን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ውደባን ንሃሉ ብዘየገድስ፡ ኩልና ሰብ ሕድሪ ስዉኣት ኤርትራውያን ብግብሪ መዋጸኦ ክንረኽበሉ ኣብ ዝግበኣና ወሳኒ እዋን እምበር፡ ርእስኻ እንዳሓኸኽካ “እዚ ሰብኣይዚ እንከሎ ሰላምን መሰልን የለን” እናበልካ ኣብ እተዕረምርመሉ እዋን ኣይኮናን ዘለና። እቲ ሎምስ ስሙ ክትጽወዖ እውን ዝኩርኩሕን ዘስገድግድን ነውራም ሰብኣይ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጉዳዩ ከም ዘይኮነ፡ ካብ ዝነገረና ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ናብ ኢትዮጵያ እንተገሸ፡ ኣባል ማሕበር ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባብኤል መንደብን እንተኾነን ንኻልእ ጉዳይ ፈቐድኡ እንተገሸን ሸቶኡ ሓንቲ እያ። ንሳ ድማ ዕድመ ልክዕ ኣብ ስልጣን ምቕጻል።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“From the point of view of justice, the opinion of the Eritrean people must receive consideration. Nevertheless, the strategic interest of the US in the red sea basin and consideration of security and world peace make it necessary, that this country has to be linked with our ally Ethiopia. /ብመንጽር ፍትሒ፡ ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ መተገበአ። እንተኾነ ኣብ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ እስትራተጅያዊ ረብሓ ኣሜሪካን ናይቲ ከባቢ ድሕነትን ናይ ዓለም ሰላም ኣገዳስነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ መሓዛ ኣሜሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ክትቁረን ኣለዋ።/” (ሽዑ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምበሳድር ኣሜሪካ ዝነበረ፡ ጆን ፎስተር ዳሉስ ብ1952 ካብ ዝበሎ።)
@@@@@@@@@@
“1) ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸየደ 19 ሺሕ መንእሰያት ዝተሰውእሉ ዳሕረዋይ ውግእ ኣይከሰርናን፡ 2) ነቲ ልዕሊ 60 ሺሕ ዝተሰውእሉ፡ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት፡ ሰለስተ ወለዶታት ኣባኺንና፡ 3) ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ`ዩ ዝብል ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጥ`ዩ” (ኢሳይያስ ኣብ መገሽኡ ናብ ኢትዮጵያ ዝበሎ)
ከምቲ “ትውሕጦ እንተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓድሽ ዕርክነት ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ብዙሓት ኣገረምትን ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉን ቃላት ክድርቢ ጸኒሑ እዩ። መብዛሕትና ኤርትራውያን’ኳ እዚ ረብሓ ህዝቢ ዘይረብሓኡ ዲክታቶር፡ ከምኡ ክብል ካብ ግምትና ወጻኢ እንተዘይነበረ፡ ውሑዳት “ደገፍቱ ኢና” በሃልቲ ውልቃውነት ዝዓንደረሎም ግና፡ ነቲ ቅድም ኣብ ፈቐዶ መድረኻት፡ ኮነ ኢሉ ዝበሎ ክነሱ፡ ከም ምላቕ ቆጺሮም “ድሕሪ ሕጅስ ኣይክደገሞን ግዲ ይኸውን” ዝብል ግምት ነይርዎም። ንሱ እቲ ጽሉልን ዘራግን ሰብኣይ ግና፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ ናይ ብሄር ኦሮሞ ባህላዊ ክዳን ምስ ለበሰ፡ ከም ኣመሉ ብዘይርጉእ መንፈስ፡ ነቲ ህዝብና ተቓሊሱ ክንዲ ነጻነትን ልኡላውነትን ዝኣክል፡ ክቡር ኣኽሊል ዝደፈኣሉ መዋእል “ሰለስተ ወለዶታት ኣባኺንና” ብዝብል ልቢ ናይቶም ንነጻነት ኤርትራ ተሳዒሮም እምበር፡ ፈትዮም ዘይተቐበልዎ ኢትዮጵያዊ ወናገት ብዘረስርስ ላዛ ክገልጾ እንከሎ ሰሚዕናዮ። እዚ ምስቲ ኣብቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይከሰርናን ምባሉ ደሚርካ ክምዘን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ይርሕቕ ምህላዉ ምግማት ኣየጸግምን፡
ወዮ በቲ ገለ ኤርትራውያን ምዃኖም ዘጠራጥሩ ወገናት፡ ነቲ ናይ 30 ዓመታት ህዝባዊ ቃልስና፡ ተራ ሽፍትነት፡ ናይቶም ናይቲ መስርሕ ስዉኣት ከኣ ተራ ምዉታት’ዮም፡ ብምባሎም ቆሲሉ ዘሎ፡ ናይቲ ደቁ ዝገበረ ህዝቢ ኤርትራ ልቢ፡ እዚ ዲክታተር መሊሱ ጐዲኡ ኣድምይዎ እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ “ካብ ዓበቕካስ ተቖናደፍ” ዝበሃል፡ መሊሱ ነቲ ናይ ጥልመት መንገዱ’ዩ ዘጋድዶ ዘሎ። ወዮም “ኮንደኾን ናብ ልቡ ይምለስ” ዝብል ተስፋ ዝነበሮም ተደናገጽቱ፡ ደጊም ካብዚ ዲክታቶር ተስፋ ቆሪጾም ኣብ መስርዕ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ክጸንዑ ዝጽውዕ’ውን እዩ።
“ኤርትራዊ ልኡላውነት ብቃልሲ ህዝቢ ዝተረጋገጸ፡ በዕጽምቲ ስዉኣት ዝተነደቀን ብደሞም ዝተለሰነን ነባሪ መዘክርን ታሪኽን ስለ ዝኾነ፡ ብድሕሪ ሕጂ ብዘይ ድሌትን ፈቓድን ህዝቢ ብኢደወነናዊ ወስታ፡ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ፡ ዝብል መደምደምታ ኩልና ኤርትራውያን እንሰማመዓሉ እዩ። እንተኾነ ዝሓለፈ ተመኩሮናን ሎሚ ንርእዮ ዘለና ዘይጥዑይ ምልክታትን በቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መደምደምታ ጥራይ ተኣማሚንና ኣብ እነራጥጠሉ ኩነታት ከም ዘየለና ክንርዳእ ከድልየና እዩ። ታሪኽና ከም ዝሕብረና፡ ኣብ ሓደ መድረኽ፡ ጉዳይና ንድሌት፡ ምርጫን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ጓስዩ፡ ናይ ሓያላት ከባብያዊ ረብሓ ኣቐዲሙ ስለ ዝተቓነየ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቕና ንሕና ኤርትራውያን ንዝክሮ ኢና። እዚ ተመኩሮዚ ሎሚ እውን ነቒሕናን ተወዲብናን እንተዘይዓቂብናዮ ዘይድገመሉ ምኽንያት የብሉን። ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወልደፍደፍን ናይ ግዳም ኣዕንገልቱ ውጥም ቅልቅልን ከኣ ከነቕልበሉ ዝግበኣና መጠንቀቕታ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ፡ ኩሉ’ቲ ዘራጊቶ ኢሳያስ ዝገብሮ ተዋሰኦታት መዳህለሊ ኮይኑ፡ ሓቀኛ ዕላማኡ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ጥራይ እዩ። ናይ መራሒ ሱዳን ዝነበረ፡ ዑመር ኣልበሽር ዕድል ከመይ ከም ዝኾነ እንዳረአየ፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቀሉ ኣፍደገ ክኸፍት ባህርያዊ ኣይኮነን። ኢሳያስ ነዚ ዓይኑ ዘይሓስየሉ፡ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ሕልሙ ብጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህዝቢ ኤርትራ ክረኽቦ ዝነበሮ ዕድል ከም ዝሃደሞ ይፈልጥ እዩ። ምኽንያቱ ግብሩ ስለ ዝፈልጥ። ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ብዘይካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ካልእ መተካእታ ካብ ዘይሃለዎ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ነዚ ህጣራ ድሌቱ ብፈቓድ ህዝቢ ኤርትራ ከውሕሶ ዘይክእል ምዃኑ ካብ ተረድአ፡ ካልእ ነዚ ጻምኡ ኣብ ምርዋይ ዝሕግዞ ሓይሊ ዳምዳም ክብል ባህርያዊ እዩ።
ኢሳያስ ኩሉ መደርኡ፡ መገሻኡን ስምምዓቱን ናብዚ ዘቕነዐ እዩ። እቶም ነዚ ጥሙሑ ኣብ ምውሓስ ዝሕግዝዎ ወገናት ንጽድቂ ዝሰርሑን ዘስንቑን ዘይኮኑስ፡ ኣብቲ ብዋጋ ልኡላውነትና ከረጋግጽዎ ዝብህጉ ከባብያዊ ረብሓ ይሕግዝ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣመንሉ እዩ። እቲ ኢሳያስ ኣብ ፈቐዶ መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ድዩ ካለኦት ሃገራት ከይዱ፡ ዘስምዖ ዘይርጡብ መደረታት እምበኣር፡ ክልተ ብልሒ ዘለዎ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ንህዝቢ ኤርትራ ይጠልሞ ከም ዘሎ ክመላኽት እንከሎ፡ በቲ ካልእ ገጽ ከኣ፡ ነቶም ዞባዊ ረብሓና ኤርትራዊ ልኡላውነት ብምኽላስ እዩ ዝረጋገጽ ዝብሉ ወገናት ከኣ ተኣማንነቱ እዩ ዝገልጸሎም ዘሎ።
እቶም ኢሳያስ ከምቲ ዝለኣኽዎ ዝኾነሎም ዘሎ ናይ ግዳም ወገናት፡ ክንእድዎ፡ ከቀባጥርሉን ኣዋርቕ ክሽልምዎን እዮም። ምናልባት እውን ካልእ ዘይበልዖ ናይ ሕልሚ እንጀራ ይሓልምሉ ይኾኑ። ንሕናኸ? ንሕና ከኣ “በቲ ካልእና ደኣ ንግበር እምበር፡ ኤርትራዊ ልኡላውነትናስ ኣይክኹለፍን’ዩ” ብዝብል ዕግበት ከየራጠጥናን ከየስተርሓናን፡ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ውዲት ትኩራት ኮይና ክንቋመቶ ይግበኣና። እዚ ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ፡ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ስለ ዝኾነ፡ በቲ መጻኢት ኤርትራ ከመይ ትመራሕ ዝብል ዘለና ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ከይተሻበብና፡ ብሓደ ቃልን ስሙር ቅልጽምን ክንቃለሶ ይግበኣና። ኣብዚ ደጋፍን ተቓዋምን ስርዓት ዝበሃል የለን። ምኽንያቱ እቲ ኣጀንዳ ልዕልቲ ኣብ ህልውቲ ኤርትራ ዝንጸባረቕ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዝስራዕ ስለ ዝኾነ። ግደና ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት መሰረታዊ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ታሪኽ ይደገምዶ ኣይድገምን ኣብ ኢድና’ዩ” ንብል ዘለና።