ወትሩ ጸገማት ዝጽብጽብ፡ “መራሒ”

2020-02-12 07:48:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1871 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እቲ ቀዳመይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ማእከሉ ኤርትራዊ ዛዕባ ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያዊ ጉዳይ ብምንባሩ ክሳብ ክንደይ ኣብ ኢትዮጵያውያን ሓያል ህቦቡላ ኣልዒሉ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ካብቲ ብዙሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ዝባሃል ዘሎ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ “ እዚ ሰብኣይ ኣብ ጉዳይና ኣትዩ፡ ናይቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መስርሕ ለውጢ ደጋፊ ምዃኑ ይጠቅስ ኣሎ፡ ነዚ ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነቱ ከም ዝቕጽል እውን ብነድሪ ገሊጹ፡ ከምዚ ካብ ኮነ  ኣብታ ንሱ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ፡ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር ብምትእትታው፡ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ተቓወምቱ ብምዕዳም፡ እሱራት ብምፍታሕን ምርጫ ብምክያድን ደኣ ዘየሰንዮ። ካብዚ ሓሊፉ ገዛኻ ዓጺኻ ኣብ ገዛ እንዳማትካ ወደኽደኽ ምባልን ምዝራግን ናይ ድሓን ኣይመስልን” ዝበልዎ ጥራይ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ኣብቲ ካለኣይ “ዘቤታዊ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ክፋል ቃለ-መጠይቑ ከኣ፡ መልእኽቱ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣቀራርባኡ ኣዝዩ ዝዛሕተለን ዝወረደን ነይሩ። ካብቲ ዝበሎ እንተላይ ብደረጃ ቋንቋ እውን ክትርደኦ ዘጸግም ኮለል ምባሉ ክውህለል ዝኽእል ሓሳባት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ። ስርዓተ-ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዘይምዕሩይን ዘይትግበርን ምጽንሑ፡ ዕዳጋታት ኤርትራ ዘይርጉ፡ ቀረብ ዝውሕዶን ብዋጋ ምስ ዓቕሚ ዓደግቲ ዘይከይድን ምንባሩ፡  ቀረብ ሓይሊ ኤልክትሪክን ማይን መሬት ዝዘበጠ ምዃኑ፡ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ከምዘይተዓወተ፡ ጉዳይ መራኸቢ ናይ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን ኣዝዩ ድኹም ምንባሩ፡ ክቱር ሕጽረት  ቀረብ ኣቑሑትናይ ኮንስትራክሽን ምህላዉ፡ ብኮለልን ጥውይዋይ ዝመልኦ መንገድን ጠቒስዎ። ኣብቲ ንወደባት ብዝምልከት ከኣ “ዓሰብን ባጽዕን እሞ የለዋን” ብዝብል ኣቀራርባ ባዕሉ ተኣሚኑ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢሳያስ ፍታሕ ከምዘይጽበ’ኳ ርዱእ እንተኾነ “ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ክዛረብዩ” ካብ ተባህለስ ኮንደኾን ኢሉ ዝተጸበዮ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበ ጸገማቱ ዝፈትሓሉ እምበር ጸገማቱ ዝጽብጽበሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ ኢሳያስ ክዝርዝሮ ዘምሰየ ጸገማትን ሕጽረታትን ኣብ እንዳኹሉ ስለ ዘሎ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ፡ ብውሕዱ ግና ክንዲ ኢሳያስ ዘይፈልጦ ኤርትራዊ የለን። ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣብ ዓለም እውን ፍሉጥን ኣዛራብን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ንቡር ህዝቢ ዘለዎ ጸገማትን ሕጽረታትን ናብ መንግስቲ ከቕርብ፡ መንግስቲ ከኣ ሓላፍነት ወሲዱ፡ “እዚ ጸግምዚ ፈቲሐ ኣለኹ፡ እዚ ጸገምዚ በዚ ምኽንያት ኣይፈታሕኩዎን ኣብ መጻኢ ከኣ ከምዚ ዓይነት ፍታሕ ከቕርብ እየ” ኢሉ ክምልስን ኣብ ቃሉ ጸኒዑ ከዕሪ እንከሎ እዩ። ናይ ኢሳያስ ግና ካብ ንቡር ወጻኢ ተመሊሱ ከምቲ “ሓሚምካ እንተኸድካዮስ፡ ሞይቱ ይጸንሓካ” ዝበሃል ኣብ ኣብ ተለቪዥን  መምስ ቀረበ ጸገም እዩ ዝዝርዝር። እቲ ህዝቢ ጸገሙ ክዝርዝር እቲ “መራሒ” እውን ጸገም ክጽብጽብ። እቲ ነቲ ጸገም ዝፈትሕ ከደኣ መንዩ ክኸውን? ኮታ ናይ ኢሳያስ ጉዳይ “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ዘብል እዩ።

ሃገርና ኤርትራ፡ ናይ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ናይ ዝተፈላለየ ክሊማ፡ ልዕሊ ምድርን ትሕቲ ምድርን ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡  ብህርኩት ህዝብን ብቀይሕ ባሕሪ ዝገረመትን ብምዃና፡ ጽቡቕ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ናይ ምምዕባል ዕድል ስለ ዘለዋ፡ ኣይኮነንዶ ንህዝባ ንካለኦት ዝኸውን ዕቤት ከመዝግባ ካብ ዝግበአን ሃገራት ሓንቲ እያ። እንተኾነ ነዚ ዝተጠቕሰ ወሳኒ ናይ ዕቤት ረቛሕታት ኣወሃሂዱ ሓላፍነት ህዝቢ ወሲዱ ዝመርሕ ውፉይ፡ ምቕሉልን ህዝቢ እምነት ዘሕደረሉን ብህዝቢ ቆጽሊ ዝወደቆ ምምሕዳር ኣብ ዘይብሉ እቲ ዝበልናዮ ዕቤት ክምዝገብ ኣይክእልን እዩ። ንኤርትራ ኣብቲ ባዕሉ ኩሉ ግዜ ኢሳያስ መውጽእ ኣፉ ዝገበሮ ጸገም ንክትወድቕ እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ኢሳያስ ዝመርሖ ምምሕዳር እዩ እንብል ከኣ ካብዚ ብምንቃል ኢና።

ኢሳያስ ካብ ዝልለየሉ ኣሉታዊ ባህርያት እቲ ቀንዲ ካብ ሓቅን ክውንነትን ወጺእካ ድኽመትካ ብካለኦት ከተማኻኒ ምፍታን እዩ። ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን ንሱ ባዕሉ ክነሱ፡ ንሓንሳብ ካብ ጣልያንን እንግሊዝን ጀሚሩ፡ ቀደም ንኤርትራ ዝገዝእዋ ዝነበሩ እሞ ዝተሳዕሩ፡ ንሓንሳብ ድማ ናብቲ ባዕሉ ዝጸሕተሮ ናይ ብዙሓት ህይወት በሊዑ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ጠጠው ዝበለ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምልጋብ ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ ክብል ተዓዚብናዮ። ንመጻኢ እውን ምስዚ ኩሉ ጸጋን ብጽፍሩ ዝነብር ሕጉግ ህዝብን፡ ኣብ ኤርትራ ዘየድመዐስ፡ ደጊም ብሓፈሻ ምስ ከባቢና ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ሰሪሕና ኢና ጸገማትና እነወግድ እንዳበለ፡ ናበይ ገጹ ክሃድም ሓሲቡ ከም ዘሎ ኣንፈቱ ኣርእዩና ኣሎ። እዚ ውሽጣዊ ጉዳይካ ምርኣይ ፈሪሕካ፡ ናብ ደገ ደገ ምምዕዳው ከኣ ናይ ሎሚኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ መድርኻት ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዓዚብናዮ ኢና።

ስለዚ እቲ ናይ ኢሳያስ ኣቕጣጫ ቀይርካ ህድማ ሓድሽ ኣይኮነን። ኢሳያስ ጉዳይ ህዝቢ ኣገዲስዎ ጸገማት ዝፈትሕ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእሱ ቀንዲ  መንስአ ናይቲ ጸገም እምበር፡ ኣካል ናይቲ ፍታሕ  ክኸውን ዝተዓደለ ኣይኮነን። እዚ ዘመልክተና ከኣ ጉዳይና ባዕልና ካብ ምሓዝ ካልእ መተካእታ ዘይብልና ምዃኑ እዩ።

Last modified on Wednesday, 12 February 2020 08:55