ልሉያት ሱዳናውያን ባእታታት ኣብ ካርቱም ተኣኪቦም
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተፈጥረ ምሕዝነት ልሉያት ሱዳናውያን ባእታታ ኣብ ካርቱም ሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ንክካየድ ንምትብባዕ ብ29 ነሃሰ 2026 ናይ ርክብ ተበግሶ ከም ዘካየዱ ኣገልግሎት ዜና ናይታ ሃገር ሱና ሓቢራ። ዕላማ ናይቲ ተበግሶ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝግበር ልዝብ ባይታ ምንጻፍ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
ናይዞም ልሉያት ባእታታት ንቕሎ ዝረአ ዘሎ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተን ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ብ14 ነሃሰ 2026፡ ጉዳይ ሱዳን ብሱዳናውያን ኣብ ሱዳን ብዝካየድ ዘተ ንክፍታሕ ኩነታት ከም ዘመቻችእ ቃል ብምእታው ብዘቕረቦ መጸዋዕታ ተኸቲሉ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቶም ባእታታት ኣብ ካርቱም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጉጅለኦም ምስ ዝኾነ ኣካል ሻራ ዘየብሉ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሱዳናዊ ፖለቲካዊ፡ ሰቪላውን መራሕቲ ማሕብረ-ሰብን ውዳበታትን ምትእምማን ተፈጢሩ መስርሕ ዘተ ዝካየደሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ንምሕጋዝ ጥራይ ምዃኑ ኣፍሊጢም።
ናይዞም ልሉያት መድረኽ ዘተ፡ ሕገመንግስታዊ ጠበቓ ነይብ ዓዲብ ኣፍሃድ፡ ፕረሲደንት ዩኒቨርሲቲ ቃሲም ባድሪ፡ ደራሲ መሓመድ ጀላል ሓሺምን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣል ታያር ዑስማን ሚርቃኒን ከም ዝርከብዎ ድማ ተሓቢሩ።
እዞም ከወሃህዱ ዝብገሱ ዘለዉ ባእታታት እቲ ኣፈናዊ ዘተ፡ መባእታዊ ዘተ ዝካየደሉ መስርሕ ንምስኣል፡ መምዘኒ ተሳተፍቲ ንምውሳንን ዘተኣማምን ጸጥታዊ ኩነታት ንመስርሕ ዘተ ምርግጋጽን ምዃኑ ምግላጾም እቲ ዜና ሓቢሩ። ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ጉዳያት ናይ ሓባር ሃገራዊ ተረድኦ ምሓዝ መዋጸኦ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ወሳኒ ዘገምታዊ ምትእምማን ምፍጣር እምበር፡ ተጽዕኖ ምፍጣር ከምዘይኮነ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ከም ስሙድን ሰልፊ ዑማንን ዝበሃሉ ኣብ ወጻኢ ዝንቀሳቐሱ ሱዳናዊ ሲቪላዊ ምንቕስቓሳት ንመጸዋዕታ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘካየድዎ ምምኽኻር ነጺገምዎ እዮም። እዞም ዝነጸጉ ኣካላት ንእስላማዊ ምንቅስቓስን ጽልዋኡን ኣይቅበሉን እዮም።
ብኻልእ ወገን ከኣ ቅድሚ 2ተ ዓመታት ኣብ ከተማ ካርቱም ተወሲኑ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ውሳነ ሰዓት እቶእቶ ከም ዝተላዕለ ሱዳን ትሩቢን ብወገና ሓቢራላ።


ኢትዮጵያ “ዘየድሊ ሰብ (persona non grata)” ብዝብል ኣንበሳደር ኢጣልያ ኣብ ሃገራ፡ ሰሳመ ፋብሪዚ ቅድሚ 10 መዓልታት ከም ዝሰጐጐት ዝተፈለላያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ኣንበሳደር ዝተሰጐ ኣብ ኢትዮጵያ 10 ኣዋርሕ ጥራይ ድሕሪ ምጽንሑ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።