EPDP News

ካብቶም ኣብ ፈቐዶ መደበራት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝዳጐኑ ዘለዉ ኤርትራውያን

ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ብ20 ሕዳር 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ ይስደዱ ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ሓለዋ ከመሓይሽ ምጽውዑ ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ሽንህዋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ኤርትራውያን ብክልላት ዓፋርን ትግራይን ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዙ ከም ዘለዉ ጠቒሱ። እቶም መሰረታዊ ሓገዝ ክግበረሎም ዝተባህሉ ከኣ እዚኣቶም ምዃኖም  ናይቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን መግለጺ ኣስፊሩ።

በቲ መግለጺ መሰረት ኣብ ዓመተ 2024 ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ክሳብዚ መግለጺ ዘውጸሉ ዕለት 20 ሺሕ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉን ብዘይካኦም 70 ሺሕ ኣቐዲሞም ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዘለዉ ተገሊጹ።  እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ናዞም ግዳያት ኣብቲ ዝኣትውሉ ግዜ ምምዝጋቦም ኣብ ቀጻሊ ንምሕጋዞም መሰረታዊ ተደላይ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ኤርትራውያን ንምምዝጋብ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ክተሓጋገዝ ቅሩብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ምምዝጋብ ነቶም ስደተኛታት ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ምርኻብ ምስ ቤተሰብ፡  ስራሕ ምትሓዝን ዝኣመሰሉን ኣገልግሎት ንምቕራብ መሰረታዊ ምዃኑ ሓቢሩ።

ህጹጽ ምዝገባ ናይዞም ሓተቲ ዑቕባ ግዳይ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ንከይኮኑ መከላኸሊ ስልቲ ምዃኑ’ውን ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ 3ይቲ ብዙሓት ስደተኛታት ዘዕቘበት  ሃገር ከም ዝኾነት ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝግመቱ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ካብ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ዝተሰዱ ምዃኖም ከኣ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

ህዝቢ፡ ሃገርን መንግስትን ሓቢሮም ናይ ሓንቲ ሃገር ህልውና ምሉእነት ካብ ዘረጋግጹ ባእታታት እዮም። ካብዚኣቶም  ናይ ሓደ ምብኳር ወይ ብግቡእ ዘይምስራሕ፡ ነቲ ህልውና ምሉእ ኣይገብሮን። ኣብዚ “እቲ መንግስቲ እንታይ ዓይነት እዩ?’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ “መንግስቲ እየ”  ዝብል ነቲ ህልውና ምሉኡን ህያውን ስለ ዘይገብሮ። ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ ናይቲ መንግስቲ ኣመጻጽኣ ኣብ ግምት ምእታው ገላጺ ገደ ኣለዎ።

“እንታይ ዓይነት መንግስቲ?” ዝብል ሕቶ ዝለዓል፡ ብመንጽር ክሳብ ክንደይ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዋጋ ንክኸፍል ዘለዎ ድልውነት፡ ንምርኣይ  ስለ ዘኽእል  እዩ። መንግስቲ ናብ  ህልውና ዝበቕዓሎም ዓመጽን ዕልዋን ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። እቲ ሓቀኛ መንግስቲ ኩለ-መዳያዊ ናይ ህዝብን ሃገርን ባህጊ ልምዓትን ደሕነትን ክምልስ ዝበቅዕ ክኸውን እንከሎ ምዃኑ ንብዙሓት ዘረዳድእ እዩ። መንግስቲ ናብዚ ንክበጽሕ ብምርጫ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን ኮይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ከኣ ምቅብባል  ስልጣን ሰላማውን ሕጋውን ክኸውን ኣሚኑ ብእኡ ዝግዛእ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሓይሊ  ዝተጻዕነ ስለዝኾነ፡  ናብ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ገጹ ዝቐርብ ኣመጻጽኣ ኮነ ባህሪ የብሉን።

መንግስቲ ጥዑይ ምሉእነት ንክህልዎ ነናቶም ሓላፍነትን ናይ ስልጣን ደረትን ብዘለዎም  ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካላት ዝቐውምን ንጹር ናይ ስልጣን ምክፍፋልን ደረት ተሓታትነትን ዝቕበልን ክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ ኤርትራ እዚ ናይ ስልጣን ኣካላት የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ሓላፍነታት ተጠቕሊሉ ብሓደ ውልቀ ዲክታተር  ዝተባሕተ እዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ሰላም ዝዕቅበሎም ትካላት፡ ጸጥታ፡ ፖሊስን ካለኦትን ይህልዉዎ። ሰራዊት ከኣ  ካብቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ሰፊሕ ግደን ዓሚቕ ሓላፍነትን ዘለዎ ሓላው ሃገር እዩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ከኣ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ብፍላይ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ከይድፈር ንምክልኻል ድልዊ ኮይኑ  ዶባት ዝሕሉ  እዩ። ሰራዊት ናይ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን ልኡላውት ምውሓስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ካብ ሃገር ተፈልዩ ዘይርአ ህዝቢ ልኡላውነትን ክብርን ዝዕቅብ እውን እዩ። ህዝብን ሃገርን ንሓደ ካብቲ ካልእ  ፈሊኻ መግለጺ ልኡላውነት ዝኾኑ ዘይኮኑ፡ ናይቲ ሓደ ልኡላውነት ብዘይካ ናይቲ ካልእ ጐደሎ እዩ ዝኸውን። ግደ ሰራዊት እምበኣር፡ ኣመጻጽእኡን ባህሪኡን ብዘየገድስ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ  ህልውናን ቀጻልነትን ምውሓስ’ውን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ዓመጽቲ ዘይህዝባዊ መንግስታት ከይተረፉ ብእኡ ዝሕለው  እዮም።

ሰራዊት ሓቀኛ ረብሓ፡ ህልውናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ዝሕሉ ንክኸውን፡ ኣመጻጽእኡ፡ ኣመላምልኡን እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባን ኣብ ግምት ዝኣትዉ ረቛሕታት እዮም። ብመንጽርዚ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይድሌቱ ካብ ዓውዲ ትምህርትን ካልእ ሞያን ተገዲዱ ዝተሰለፈ፡ ኣብቲ ዝስልጥነሉ መደበራት  ንሓደ ፍሉይ ጉጅለ ጥራይ ዘመጉስ ዝንቡዕ ጽልዋ ከም ዝሓድሮ ዝተገብረ፡ “ስለምንንታይ?” ኢሉ ዘይሓትት፡ ህዝቡ እናተበደለ ኢደ-እግሩ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ እዩ። እቲ ኩነታት ከምኡ ከም ዝኾነ፡ ናይቲ በዚ መስርሕ ዝሓልፍ ዘሎ ሰራዊት ኣባላት ዝነበሩ፡ ካብኡ ወጺኦም ሓሳቦም ብናጻ  ዝገልጽሉ ዕድል ምስ ዝረኸቡ  ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ዝተወደበን ሓቢሩ መሪር ህይወት ዘሕልፍ ዘሎን ከገድደሉ ዝኽእል ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ብምዃኑ፡ ናይ ህዝቢ ድምጺ ሰሚዑ በጃ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎ። ካብቲ ላዕለዎት ኣዘዝቱን ፖለቲካዊ  መራሕቲ ኢና በሃልትን፡  ዝጥምትሉ ቀይናን ኣረኣእያን ወጺኡ ዋልታ ህዝቢ ናይ ምዃን ዝነበሮ ሓላፍነት  ኣይተግበረን። “ተኣዚዘ እየ” ዝብል ዘይቅቡል መህደሚኳ እንተለዎ፣ ባዕሉ ኣሳርን ዓማጽን ኮይኑ ብምውሳእ’ውን ህዝቡ ዘቐይም ዘሎ እዩ።  በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፍላይ ንዕኡ፡ ብሓፈሻ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ናይ ዘእቱ ተንኮላትን ብህግደፍ ዝህንደሱ  ውግኣትን ኣሳሳይን ተግባርን ኮይኑ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን።

እዚ ሰራዊት ብሰንክ’ዚ ተግባሩ ብውሕዱ “ናይ ውግእ ገበነኛ” ተባሂሉ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ዝኽሰስ ዘሎ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዘኽብድሉ ወገናት’ውን  ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ክሰማመዓሉስ ዘይፈልጦ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ትግራይን እናበልካ ዘርዚርካ ኣብ ዘይውዳእ ውግኣት፡ ክንቆት ብምጽንሑ ብወረራን ዓማጽን ክግለጽ ዝጸንሐ ሰራዊት እውን እዩ። ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ናብ ንቡር ስለ ዘይተመልሰ፡ “መርወዪ ህርፋን ውግእ፡ መራሒ ህግደፍን መጋበርያታቱን” ዝብል ቅጽል ካብ ዝወሃቦ ነዊሕ ኮይኑ’ሎ። እንተ ህግደፍ ሎሚ እውን ብውግእ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዘመዓዱ ዘሎ ይመስል።

ካብ ህዝቢ ኤርትራ መብዛሕትኡ እቲ ሰራዊት መሳርሒ ናይቲ ኢሳያስ ዝዝውሮ ጉጅለ እምበር፡ ረብሓታቱ ዝሕልወሉ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ እምነቱ ኣብ ዝስሕበሉ ደረጃ በጺሑ’ዩ። ኣብ ዘይምልከቶ ኣዘዝቱ ጸጋታቶም ዘኻዕብትሉ ውግኣት ተጠቢሱ ክሃልቕ እንከሎ፡ ወለዱ ኮኑ ስድራ ቤቱ ኣብ ክንዲ ብኣኡ ዝጥወሩ፡  ብሞቱን ብዝኽትምና ደቁን  ኣይነብዑን ኣይሓዝኑን ማለት ግና ኣይኮነን።  እቲ ሰራዊት’ውን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ገጽ ይኸልኦን ይቕየሞን ከም ዘሎ ዘይርደኦ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ከም ትካል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ህዝቢ ናይ ምድሓን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡  ነብስኻ ኣግሊልካ ንውልቅኻ ምድሓን እዩ። እዚ ናይቶም ነቲ ስጉምቲ ዝወስዱ መንእሰያት መሰረታዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ  በብኹርናዑ ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ንዕዘቦ ዘለና።

ሰራዊት ኤርትራ ናይ ህዝቡ ሓባሲ ንብዓትን ሓብሓብን ክኾነሉ ዝግበኦ ዝነበረ ግዜ  ከባኽኖ ከም ዝጸንሐ፡ ርኡይ እዩ። ግና ድማ ከምቲ “ናይ ትማሊ ግጉይ ተግባርካ ናይ ሎሚኻን ጽባሕካን ከየበላሽወልካ ኣስተብህል” ዝበሃል፡  ኮንደኾን “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” እዩ’ሞ  ንገዛእ ርእሱን ህዝቡን ናብ ምድሓን ኣይምለስን ኢሎም ዝትስፈዉ ወገናት ኣለዉ። እዚኣቶም “ከም ኣፍኩም ይግበረልኩም” ዝበሃሉ እዮም።  እቲ ሰራዊትከ “ሎምስ በዚሑ ናብ ቀልበይን ህዝበይን ክምለስ” ዶ  ይብል ይኸውን?  እዚ  ባዕሉ ግቡእ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።

ዓብደልራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ (ሲሮ)

ኣብታ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር እትፈልጥ፡ እንተኾነ ናይ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላት ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ፡ ብ13 ሕዳር 2024 ብዝተኻየደ ምርጫ ወዲ 69 ዓመት ዓብደልራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ (ሲሮ)፡  ዝበሃል ተወዳዳሪ ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ዋዳኒ  63.992% ድምጺ ብምርካብ ከም ዝተዓወተ ነቲ መስርሕ ምርጫ ዝመረሐ ኮሚሽን ኣብ ሃርጌሳ ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ  ኣፍሊጡ።

ንዝሓለፈ 7 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሰ ቢሂ ኣብዲ ድማ 34.81% ብምርካብ 2ይ ክኸውን እነክሎ እቲ ሳልሳይ ተወዳዳሪ ፈይሳል ከኣ 0.74% ጥራይ ከም ዝረኸበ እቲ ኮሚሽን ምርጫ በቲ ናይ  19 ሕዳር 2024 ጋዜጣዊ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ድሕሪቲ ውጽኢት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናብ ህዝቢ ሶማሊላንድ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ ሰዲዳ።  ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሶማሊያ ድማ ንተመኩሮ ምርጫ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ  ከም ናይ ሰላም ሞዴል ንኢዱ፡ ቀጻሊ  ምስግጋር ስልጣን ሰላማዊ ንክኸውን ድማ ጸዊዑ። ምስቲ ዝተሳዕረ ሙሰ በሂ ኣብ ምስሕሓብ ኣትዩ ዝነበረ መራሒ ጅቡቲ ዑመር ገሊ ድማ ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽቲ ሰዲዱ።

እዚ ኣብ 13 ታሕሳስ 2024 ብወግዒ ስልጣን ክርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ ዓብደልራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ናይ ሱማሊላንድ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ኮይኑ ኣብ ርእሲ ምስርሑ፡ ን12 ዓመታት ኣፈጉበአ ፓርላማ ምንባሩ እውን ተሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ተመራጺ ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረከብ ኣብ ግዜ ውድድርኳ እንተገለጸ፡ እንተኾነ ምስ ሶማሊያ መቃድሾ ምዝርራብ የድሊ ዝብል  እምነት ከም ዘለዎ እውን ይንገረሉ።

እዚ ውጽኢት ምርጭ ሶማሊላንድ፡ ምናልባት እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ተበጺሑ ዝነበረ መረዳድኢ ሓሳብ ተቛሪጹ፡ ናይቲ ከባቢ ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ለውጢ የምጽእ ይኸውን ዝብል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ሆስፒታላት ካርቱም ኣጋጢምወን ዘሎ ብደሆታት እናተሓበረ (16 ሕዳር 2024)

ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ሆስፒታል፡ 33 ሺሕ ምስ ውግእ ብዝተተሓሓዘ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ሰባት ሕክምና ከም ዝሃበ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ሱዳን ሓቢሩ። ካብዚኣቶም እቶም 22 ሺሕ ብጥይት ዝተወቕዑ እሞ መጥባሕቲ ዝተኻየደሎም ምዃኖም እውን እቲ ካብ ሱዳን ዝተረኽበ ዜና ኣስፊሩ።

እዚ ሓበሬታ ዝተዋህበ፡ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ብ16 ሕዳር 2024  ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ሆስፒታል ኣል ባሊክ ኣብ ዝበጽሓሉ ምዃኑ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብቲ ምብጻሕ ኣባል ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ያሲን ኣል ዓጣን ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ኣሕመድ ዑስማንን ከም ዝተረኽቡ’ውን ተፈሊጡ።

ናይ ከተማ ካርቱም ህጹጽ ሕክምናዊ ኮሚተ ሓላፊ፡ ማሓመድ ኢብራሂም ብወገኑ፡ ድሕርቲ ውግእ ኣብ ማዝያ 2023 ምጅማሩ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከባ 54 ሆስፒታላት እተን 31 ከምኡ ድማ ካብ 243 ማእከላት ጥዕና እተን 158 ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘየቋረጻ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኣገልግሎት ጥዕና ካርቱም ካብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበረ ዝለዓለ ነይሩ ከም ዝበለ መሓመድ ኢብራሂም ንመርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብደረጃ መላእ ሱዳን ብሰንኪ ውግእ 80% ትካላት ጥዕና ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይነን እየን። ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ ብሰንኪ ውግእ ዝዓነዋ ትካላት ናይ ምትካእ ጻዕሪ ከም ዝግበር ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ሓደስቲ ምህናጽን ዝዓነዋ ምጽጋንን ከም ዘጠቓልል ኣስፊሩ። እቲ ዝኸበደ ብደሆ ኣብቲ ብሕመቲ ዝእዘዝ ሰራዊት ሒዝዎ ዝጸንሐ እሞ ተሳዒሩ ዝለቐቖ ከባብታት ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።

ኣብ ከተማ ሎንደን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጥዕናን ጽሬትን ብሓደ ሱዳናዊ ጉጅለ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከኣ ኣብ ከተማ ካርቱም ብሰንክ’ቲ 15 ማዝያ 2023 ዝጀመረ ውግእ ኣስታት 61 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ጠቒሱ፡ እዚ ከኣ ድሕሪ ውግእ መጠን ሞት ሱዳን ብ50% ምውሳኹ የመልክት ይብል።

ናይ ጀነራል ኣል ቡርሃን ካብ ፖርትሱዳን መጺኡ ኣብ ካርቱም ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስ ምክያድ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ልዕልና ይረክብ ከም ዘሎ ዝሕብር’ዩ ዝብል ርኢቶ ዘለዎም ወገናት ኣለዉ።

ህዝቢ ናይታ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ከም ሃገር እትንቀሳቐስ እንተኾነ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ብ13 ሕዳር 2024 ፕረሲደንት ንምምራጽ ድምጹ ሂቡ። እዚ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድምጺ ዝሃበሉ ምርጫ ሶማሊላንድ፡ ን4ይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ካብቲ ክካየደሉ ዝነበሮ ግዜ 2ተ ዓመታት ድሒሩ ዝተኻየደ እዩ። ሶማሊላንድ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ዘይድ ባረ  ጀሚራኳ ካብ መቃድሾ ተፈልያ፡  ንገዛእ ርእሳ ከም “ሃገር” እንትፈለጠት፡ ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን  ውልቂ ሃገራት ግን ክሳብዚ እዋን ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።

ኣብዚ ፕረሲዳንታዊ ምርጫ፡ ኣብ ስልጣን ዝርከብ  ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ካብ ሰልፊ ኩልሜ፡ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ካብ ሰልፊ ዋዳኒን  ፈይሳል ዓሊ ዋራበ ካብ ሰልፊ ዩሲኣይዲን ተወዳደርቲ እዮም። እዞም ተወዳደርቲ ኣብ ኣሰራርሓ ፍልልይ ሃልይዎም፡ ቁጠባ ኣብ ምዕባይ፡ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ኣብ ምስፋሕን ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትረክብ ኣብ ምጉስጓስ ግና ተመሳሳሊ መርገጽ ከም ዘለዎም ይንገረሎም።

በዚ መሰረት ነቲ ሶማሊላንድ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን 20 ኪሎሜትር ትርብዒት  ዝስፍሓቱ መሬት ኣብ ገመገም ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ን50 ዓመታት ክትህባ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ብ1 ጥሪ 2024 ዝበጽሕዎ መረዳድኢ ሓሳብ ሰለስቲኦም  ሕጹያት ተወዳደርቲ ይድግፍዎ እዮም።

ሶማሊላንድ ብኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት እትመሓደር ክትከውን እንከላ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ፡ ባንዴራ፡ ገንዘብ፡ ሕገመንግስትን ፓስፖርትን ኣለዋ። ብዘይካዚ ቅድሚ ሕጂ ብዘካየደቶም ምርጫታት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ዝረኣየላ ከም ዝኾነት ብዙሓት ይምስክሩላ።

ነቲ ምርጫ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል፡ እቲ ኣብ 2 ሺሕ መውሃቢ ድምጺ ነቑጣታት ዝተኣከበ ድምጺ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕሊ ምስ ተቖጽረ ኣብ 21 ሕዳር 2024 ውጽኢቱ ክንግለጽ ትጽቢት ኣሎ።

እዛ ከም ሃገር ዘይትፍለጥ ሶማሊላንድ፡ ጌና ከም ሃገር ኣፍልጦ ከይረኸበት፡ ሕገመንግስቲ ወኒና ምርጫታት ብምክያድ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ክትፈጥር እንከላ፡ ቅድሚ 31 ዓመታት ልኡላውነታ ዝኣወጀት ኤርትራ ግና ብዙሕነት ዘይተፍቅድ፡ ሕገመንግስቲ ዘይወነነትን ዝመርሓ ኣካል ዘይመረጸትን ኮይና ትቕጽል ዘላ እያ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ትካል ሳይነስን ባህልን (UNESCO)፡ ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መገለጺ፡  ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከበአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ብዛዕባ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታተን ኣጻርየን መልሲ ከም ዘይሃባ ገሊጹ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ 2006 ክሳብ 2023 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኣብ 75 ሃገራት 1, 189 ጋዜጠኛታት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ ክሳብ ሎሚ፡ ናይቶ 947 ጋዜጠኛታት ጉዳይ ኣብ ዝኾነ ናይ ፍትሒ ትካል ከም ዘይቀረበ ኣፍሊጡ

ዩነስኮ ነዚ ጸብጻብ ዘቕረበ 6ን7ን ሕዳር 2024፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ 25 ኣንበሳድራትን 75 ወከልቲ ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍዎ፡ “ጉዳይ ዝቕተሉሉ ጋዜጠኛታት ብዘይተሓታትነት ክሕለፍ የብሉን” ብዝብል ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ኣብ ዘካየዶ ኣህጉራዊ ርክብ እዩ። ኣብዚ ምይይጥ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ኣብ ኢትዮጵያ  ክልተ ኣብ ኤርትራን ኬንያን ድማ ነፍሲ ወከፈን ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ብዛዕባቲ ቅትለት ተሓቲተን መልሲ ክህባ እንከለዋ፡ ኤርትራ ግና መልሲ ከም ዘይሃበት ኣቃሊዑ።

እዚ ኣብ ከክልተ ዓመት ዝሕተም ናይ ዩነስኮ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት፡ ናይ 26 ጉዳይ ብመስርሕ ፍትሒ መዕለቢ ከም ዝረኸበ፡ ካብ 75 ንላዕሊ ናይ ዝኾኑ ኣብ መስርሕ ፍትሒ ከም ዘሎን ናይ 60 ዝኾኑ ግና  ኣበ ከመይ ደረጃ ከምዘሎ ከምዘይፍለጥ ኣስፊሩ።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዳኛ ሰብኣዊ መሰላት ዴኒስ ኣዳጄ፡ ኣብቲ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ድሕንነት ጋዜጠኛታት ብኸይ ይሕለው” ብዝብል ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ዛዕባዚ ዝምልከት ምጽራይ ንክካየድ ዘለወን ቅሩብነት ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኾነት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰል ዝኸተመት ሃገር ዝፍጸም ጥሕሰት ናይ ምርኣይ ሓላፍነት’ኳ እንተለዎ፡ ብተግባር ግና ሃገራት ብመንጽርዚ ክምዘና ከም ዘይደልያ ምጥቃሶም እውን እዚ ጸብጻ ተቒሱ።

ክሳብ ሎሚ ጉዳይ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታተን በዚ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ፈቓደኛ ዝኾናን መንግስታተን ግጉያት ምንባሮም ተነጊርዎም ዝተቐበሉን ሃገራት ኣፍሪቃ፡  ታንዛንያ፡ ሩዋንዳ፡ ቤኒንን ኮትዲቭዋርን ጥራይ ምዃነን ድማ ተሓቢሩ። ብዓለም ደረጃ ካብ ዝቕተሉ 10 ጋዜጠኛታት እቶም 8 ፍትሒ ከም ዘይረኸቡ እቲ ጸብጻብ ዩነስኮ ኣስፊሩ።

ኤርትራ ብሓፈሻ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ብፍላይ ከኣ ጋዜጠኛታት ኣሲርካ ኣሲርካ ሃለዋቶም ብምጥፋእን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃና ዝዝከር እዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ቀዳሞት ናብቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መበል 47 ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ  ንክኸውን ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ናይ “እንኳዕ ኣሓጐሰካ” መልእኽቲ ዘመሓላለፉ  መራሕቲ ሃገራት ምዃኑ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀን’ሎ። እቲ ኣዛራቢ ዝገበሮ ንዝተመርጸ መራሒ ሃገር ሰናይ ትምኒት ምግላጽ ብኣኡ ዝተጀመረ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ በቲ ዕድመ ልክዑ ካብ ምርጫ ክሃድም ዝጸንሐን ዘሎን ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ስለ ዝኾነ እዩ። ኢሳያስ ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፡ እቲ ብምርጫ ናብ ሓላፍነት ምምጻእ ባህ ኢልዎ ዘይኮነ፡ ንዕኡ ዘገድስ ጠቕምን ደገፍን ንምርካብ ምዃኑ ንትራምፕ እውን ኣይጠፍኦን እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂውን ካብ ዕጽዋ ዓዲ ሃሎ ዝወጸ፡ ሳላ ምምጻእ ትራምፕ ናብ ስለጣን እዩ።

እዚ ኣብተን ናይ ጉጅለኡ ልሳናት ተኸዊሉ፡ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሕባእ ኢሳያስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብሓንቲ ተባዕ ጋዜጠኛ ተለቪዥን ኣልጀዚራ፡ “ኣብ ኤርትራ መዓስ ኢዩ ምርጫ ዝካየድ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ብዛዕባ ምንታይ ይሕተት ከም ዝነበረ ጠፊእዎ ዘይኮነስ፡ ንምህዳም ብስንባደን ቁጠዐን “እንታይ ምርጭኡ?” ብዝብል ተገልቢጡ ንሕቶኣ  ብሕቶ ክምልሶ ፈቲኑ። ብዘይነግፈረግ “ኣብ ሃገርኩም ኣብ መጻኢ ዝግበር ምርጫ ማለተይ እየ”፡  ምስ በለቶ ከኣ፡ ብስምዒት “ድሕሪ 30፣ 40 ዓመታት ምናልባ’ውን  ካብኡ ንላዕሊ” ኢሉ ብምጉጣጥ  ዝሃቦ መልሲ ዲክታተርነቱን ተሓታትነቱን ተቓሊዑ መስሓቕ ሰብ ካብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚታት ሓደ ምንባሩ ዝዝከር ዘሎ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ 75 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህግሓኤ፡ 75 ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ውጻእን ብፍሉይ ኣበርክተኦም ዝተሓርዩ፡ “ዘይምልከቶም” ክነሱ፡ ወከልቲ ህዝቢ ዝብል ስም ዝተዋህቦም፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣባላት ዝነበርዎ፡ 150 ዝኣባላቱ “ሃገራዊ ባይቶ” ተባሂሉ ዝተሰየመን ንኢስያስ ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ዝብል መዓርግ ዘልበሶን መሪሕነታዊ ኣካል ነይሩ። እንተኾነ እዚ ኣካልዚ ብምርጫ ህዝቢ ንዝምስረት ባይቶ ዝትክእ  ዘይኮነ፡ ግዝያዊ መንግስቲ እዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኢስያስን ውሑዳት ሰዓብቱን ነዚ ኣካልዚ እውን ብመንጽር ምብሓት ስልጣን ዘስገኦም ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም ዕድመ ኣይረኸበን። ሎሚ ናይዚ ኣካል ምንባር ዛንታ ኮይኑ፡ ቦታኡ ቅድም ብሓደ ጸቢብ ጉጅለ ድሕሪኡ ብውልቀ መላኺ ተባሒቱ ዙሎ እዩ።

ኤርትራን ህዝባን ክሳብ ክንደይ ብምርጫ ዝተመስረተ መንግስቲ ዝተሓረሞምን ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝጸምኦን ኮይኖም ከም ዘለዉ፡ ኤርትራውያን ባዕልና እንርደኦን ንቃለሰሉ ዘለናን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ዝተፈላለዩ ጉዳይ ዲሞክራስን ኣገዳስነት ምርጫን ዘገድሶም ዝተፈላለዩ ዘይኤርትራዊ ናጻ ወገናት’ውን “ኤርትራ ብውትህድርና ብዝተዓብለለ ኣዝዩ ጨቋኒ ኣካል እትምራሕ፡ ካብ 1993 ጀሚሩ ንይምሰል’ውን ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ምርጫ ዘየካየደት፡ ብዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ  ፍጹማዊ ስልጣን ዝተባሕተላ ሃገር እያ። እቲ ብኸምዚ ኣገባብ ዝጭቆንን ማእሰርትን መጭወይትን ዘይተፈልዮን ህዝባ ድማ መሪር ቃልሲ ኣካይዱ  ብ1993 ብረፈረንደም ወግዓዊ ልኡላዊት ሃገሩ ዘውሓሰ እዩ” ኢሎም ክገልጽዎ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ኢሳያስ “እንታይ ምርጭኡ እዩ?” ኢሉ ክሓትት እንከሎ፡ ክሕጭጭን ካብቲ ዝፈርሖ ኣጀንዳ ክሃድምን ስለ ዝደለየ እንተዘይኮይኑ፡  ትርጉሙ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ወረ ንከምስልሲ ኣብቲ ኣብ ናቕፋ ካብ 10 ክሳብ 16 ለካቲት 1994 ዝተቓነዐ 3ይ ውድባዊ ጉባአ ህግሓኤ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር ኣብ ገጽ 22፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ስርዓት “ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ኣገባባትን፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ብዙሕነትን ምጽውዋርን ዝተሰረተ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ”  ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ። ሎሚ እዞም ኣብቲ ቻርተር ተጸባቢቖም ሰፊሮም ዘለዉ፡ መርኣያ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዝኾኑ ቃላት፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ህግደፍ፡ ኣብ መዝገበ-ቃላቱ እውን ዝርከቡ ኣይመስለናን። ምኽንያቱ ብዓብይኡ እቲ ናይዞም ኩሎም  መሰረት ክኸውን ዝነበሮ  ናይ 1997 ሕገ መንግስቲ፡ “ሞይቱ እዩ” ተባሂሉ መርድኡ ካብ ዝንገር ዓመታት ሓሊፉ ስለ ዝኾነ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ኣንጻረይ ተዛሪብካን ፈጺምካን” ኢሉ ጥራይ ዘይኮነስ “ሓሲብካ” ኢሉ ዝኣስር ዘሎ ጉጅለ ናይቶም ኣብ ቻርተሩ ዘስፈሮም ቃላት ተኣማኒ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ።

ኣምሰሉነት ህግደፍ እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ 10 ምዕራፋት፡ 68 ዓንቀጻትን ብዙሓት ንኡሳን ዓንቀጻትን ዝሓቖፈ ኣብ ዓሰርተ ገጻት ዝሰፈረ፡  ነቲ ሕገመንግስቲ መሰረት ገይሩ ዝተነድፈ ሰነድ “ሕጊ ምርጫ” እውን ኣዳልዩ ነይሩ እዩ። ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል፡ ሎሚ  እዚ ሰነድ እውን “ነዴኺ ማይ ውረድላ” ኮይኑ  እዩ።  ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስ ብህዝቢ ዝምረጽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ግና ክሳብ ዓወት ቀጻሊ እዩ። ከምቲ “ኣዴኻሲ ብስም ኣይትወጽዕካ” ዝበሃል ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂሲ ምስ ኩሉቲ ጥልመቱን ክሕደቱን “ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዘሕፍር እዩ። ማዕረቶም ሕጽረታቱን ብቕዓቱን ብዘየገድስ ብምርጫ ናብ ስልጣን ዝደየቡ ፕረሲደንታት ክስራዕ ከኣ ሃየንታ እዩ።

ኣብቲ ኢሳያስ ካብ ምርጫ ክሃድም ዘባኸኖ ናይ ልዕሊ 30 ዓመታት ግዜ፡ ርሑቕ ከይከድና፡  ኣብ ጐረቤትና  ኢትዮጵያ’ኳ ምስ ኩሉቲ ዘመዝግቦ ዝነበረ ሕጽረታትን ዘጋጠሞ ዕንቅፋታትን ኣብቲ ኢስያስ ምርጫ ካብ ምክያድ ክሃድመሉ ዝጸንሐ ግዜ “ውግኣትን እገዳታትን” እናሃለዉ፡ 6 ዙር ምርጫ ተኻይዱ ናብ 7ይ ዙርያ ገጾም የመዓድዉ ኣለዉ።

ምስቲ  ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ እሞ ኢስያስ ተጓይዩ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዘመሓላለፈሉ፡ ብሓያልን ናጻን ውድድር ዝሓለፈ ምርጫ ኣሜሪካ  ከነወዳድሮ እንከለና ከኣ፡ ንሱ ኣብታ ሓንሳብ ብስም ዋና ጻሓፍነት ህግሓኤን ኣቦመንበርነት ባይቶን ዝተወጠሓ መንበር ተጣቢቑ እንከሎ፡ ካብ 1991 ክሳብ 2025 ዓሰርተ ምርጫታት ብምክያድ፡ ካብ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ክሳብ ሮናልድ ትራምፕ 7 ፕረሲደንትታት ሰላማውን ዲሞክራስያውን ናይ ስልጣን ምርኽኻብ ኣካይዶም።

“ዘይቐንእ ኣይወለድ” ከም ዝበሃል፡ ኢሳያስ ነዚ ተዓዚቡ ዋላ ንምልክት ንሕናውን “ምርጫ ከነካይድ  ኣለና” ክብል መተገበኦ። እንተኾነ ኣተኩሮኡ ኣብ ናይ ካለኦት ስራሕ ምውርዛይ እምበር፡ እትኽእሎ ሰሪሕካ ኣብነት ኣብ ምዃን ስለ ዘይኮነ፡  እንጽበዮ  ኣይኮነን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኤርትራ፡ ዜጋታተን ጉዳይ ሃልይዎም፡ ናይ ጉዕዞ ትኬት ቆሪጾምን ከማልእዎ ዝግበኦም ኣማሊኦምን ከይገሹ ብትሪ ካብ ዝኽልክላ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኤሪጋዘተ (Erigazette)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ7 ሕዳር 2024 ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ሓቢራ።

እቲ ጽሑፍ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ኣገዳዲ ግቡእ ከይፈጸሙ ክወጹ ንዝደልዩ ዜጋታት፡ ዜግነታዊ ናይ ምጋሽ መሰሎም  ይንጸግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ መቕጻዕቲ ከም ዘኸትል እውን ጠቒሱ። ካብቲ መቕጻዕቲ መንግስቲ ተደጋጋሚ ተሪር ግፋታት የካይድ። ናይቲ ግፋ ዓላማ ናብ ኣገልግሎት ከይከዱ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተሰወሩ መንእሰያት ንምህዳን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይኣፍልጦ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ናይቲ መንግስቲ ክወጹ እንከለዉ ኣብ ዶባት ዝተረኽቡ ዜጋታት ተኹሲ ይኽፈቶም። ገንዘባዊ ክፍሊትን እውን ይጸዓኖም።

እዚ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዘይፈቓድ ዝወጹ እሞ ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ከም ዝትግበር ከኣ እቲ ጽሑፍ ኣስፊሩ። እቲ መቕጻዕቲ ብዘይካ ኣብ ልዕሊ እቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ከይተረፈብመልክዕ ምውራስ ንብረት ወይ ኣብ ክንድኡ ናብቲ ግዱድ ኣገልግሎት ብምውሳድ ይትግበር እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ እንተ ገይሾም ኣይምለሱን እዮም ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ስፖርተኛታት እውን ጥቡቕ ምቁጽጻር ከም ዝገብርን፡ ብሄራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ ናይ 2026 መጻረይ ጽዋዕ ዓለም ከም እትበኩር ዝገበረት ተጻወታ እንተወጺኦም ኣይክምለሱን እዮም ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ከኣ እቲ ጽሑፍ ኣቃሊዑ።

ካብ ናይቲ መንገዲ ኣየር፡ መርበብ ሓበሬታ ዝተወስደ ስእሊ

ኣየር ፍራንስ፡ ብ4 ሕዳር 2024 ብቀይሕ ባሕሪ ምብረር ከቋርጽ ከም ዝተገደደ ናይቲ መንገዲ ኣየር ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ኣብረርቲ በረራኡ ከቋርጽ ዝተገደደ ኣብቲ ወጥርታት ዘዘሖ ዞቦ ብፍላይ ከኣ  ኣብ ሰማይ ሱዳን ኣብ ዝለዓለ ብራኽ ዘንጸባርቕ ነገር ስለ ዝረአየ ምዃኑ  እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እቲ መንገዲ ኣየር ናይቲ “ዘንጸባርቕ” ዝበሎ ኣካል  እንታይነት ዘይጠቐሰ ኮይኑ፡ በቲ ኢራን ኣንጻር እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ሚሳይላት ክትትኩስ እያ ዝበሃል ዘሎ ከም ዝሰግአ ጠቒሱ። በቲ ሃንደበታዊ ምቁራጽ በረራ ካብ ፓሪስ ናብ ኣንታራሪቮ፡ ማድጋስካርን ናይሮብን ዝግበር ዝነበረ በረራ ዝተዓንቀፋ ነፈርቲ፡ ናብቲ ዝተበገሳሉ ፓሪስ ከም ዝተመልሳ ተፈሊጡ።

እዚ ዘሻቕል ኩነታት ዝተፈጥረ የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራክብ ኣብ ዝወቕዕሉን ናብ እስራኤል ድማ ሚስይላት ኣብ ዝትኩሱልን እዋን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡  መንገዲ ኣየራት ካብቲ ኣስጋኢ ዝኸውን ዘሎ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ካልእ ውሑስ ዝኾነ ኣቕጣጫታት ክመርጻ ይግደዳ ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ።

መንግዲ ኣየር ፍራንሳ፡ ልዕሊ ኩሉ ድሕነት ዕማዊሉ ከም ዘገድሶን በዚ መሰረት ነቲ ዝፍጠር ጀኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለታት እናተኸታተለ መንግዲ ከም ዝቕይር ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብክሊ ኣየር ዖማንን ሳዑዲ ዓረብን ይጥቀም ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይኣተወት ኣየርባስ- ኤ350-100 (Airbus A350-1000) ዝዓይነታ ብሓንሳብ 400 ገያሻ እተጓዕዝ ነፋሪት ዝወነነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተኸልኪሉ ድዩ ብናቱ ውሳነ ናይ ኤርትራ ክሊ ኣየር ከም ዝተሓሰመ ይውረ’ሎ። ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ካብተን ብኤርትራ ዝሓልፋ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በረራ ኣስታት 200 ዶላር የኽፍል ከም ዝነበረ’ውን ተፈሊጡ።

 

ወደብ ዓሰብ ብኸፊል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ባይቶ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብኣባላት ንዝቐረብሉ  ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ካብቲ ዝቐረበሉ እሞ ዝያዳ ግዜ ሂቡ ዝተዛረበሉ፡ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነይሩ።  ነዚ ሕቶዚ ክምልስ እንከሎ ደጋጊሙ ዝገለጾ፡ “ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክህልወና ግድን ስለ ዝኾነ ንሰርሓሉ ኣለና። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብምልዓልና ከኣ ክንስከፍ የብልናን። ብዙሓት ወገናት ዝያዳ ሚእቲ ሚልዮ ሒዝኩም ሰፊሕ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ኣካየድኩም፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምልዓልኩም ግቡእ እዩ ኢሎም፡ ንሕቶና ኣፍልጦ ይህብዎን የተባብዕዎን ኣለዉ” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።

እቲ ዝብሎ ዘሎ ብሓፈሻ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ወደብ ዓሰብ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካለኦት ኢትዮጵያ ክትሓቶም ኢልካ ዝግመቱ ወደባት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ዲክታተር ኢሳያስ ዝኸፈተሉ ኣፍደገ፡ “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና፡ ወደብ ዓሰብ ክንካፈል ኢና”  ዝብሎ ዝነበረ’ውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

“ነዚ መደብዚ ንሕና ንጅምሮ እሞ እንተዘየርከብናሉ ደቅና ይውድእዎ” ምባሉ ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ነዊሕ ግዜ መደብ ገይሩ ሒዝዎ ከም ዘሎ የመልክት። ዋላኳ “ብሰላማዊ መንገዲ  እነረጋግጾ እዩ” ብዝብል ክሽፍኖ እንተፈተነ፡ ኣብ ሓይልን ዓመጽን ከም ዘሎ ንምምልካት ድማ “ኣብ ቅድሚ ረብሓና ንዝጸንሐና ኣይንምሕሮን” ድሕሪ ምባል፡ “ቅድሚ ሕጂ ንገዝኦ ዝነበርና ኣጽዋር ሎሚ ባዕልና ክንሰርሖ ጀሚርና ኣለና”  ምባሉ ድማ እቲ ሓቀኛ ሕልሙ ናበይ ከም ዘተኩር ዘርኢ እዩ።

እዚ ብስምዒት ዝበሎ ምላቕ ዘይኮነስ፡ ዝተሓስበሉ ምዃኑ ካብ ዘመልክቱ፡ ናይታ ሃገር ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣቶ ምጋናው ኣረጋ፡ “ፋና” ምስ ዝተባህለት መንግስታዊት መደበር ተለቪጅን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ “ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ምርግጋጽ ኣይክትዋገን እያ” ዝበሎ ብመደብ ዝስረሓሉ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ።

ካልእ “ኣንድ ኣፍታ” ዝተባህለት፡ ናብቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ቅርበት ዘለዋ መደብ ዩቱብ ከኣ፡ ንመግለጺ  ቀዳማይ ሚኒስተር ተኸቲላ “ንወደብ ዓሰብ ዋላ ብሓይሊ ምሓዝ ምውራር ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ዝተጋገየቶ ከም ምእራም ዝውሰድ እዩ” ኢላ። ኣስዒባ ድማ፡ “ደሓር ከኣ ተቐዳዲምካ ዝሓዝካ ምስ ሓዝካ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣሰራርሓ እዩ” ዝበለቶ፡ እቲ ጉዳይ ሱር ይሰደድ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ዘይሩዘይሩ እቲ ደግሲ ልኡላውነት ኤርትራ ናብ ምግሃስ ዝመጣጠር እዩ። እዚ ከኣ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኽስሮ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ንድሕሪት ዘይመልስ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤርትራውያ ከኣ ብፍላይ እቲ ኣብ መስርሕ ለውጢ ዘሎ ውዳበታት ሓቢሩ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ  ይግበኦ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምናልባት ምስ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጉጅለ ስለ ዝተባእሰ ዝህቅኖ ዘሎ እንተኾይኑ፡ ደጋጊሙ ክሓስበሉን ካብ ከምዚ ዓይነት ወስታ ክእደብን ነተሓሳስቦ።