ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ፊትንፊት
ሓደ መድረኻዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብቲ እዋኑ ብዛዕባኡ ምዝራብን ምጽሓፍን ዝተለምደ እዩ። ኣብ ኤርትራ 16 ዝበጽሓ ብወግዒ ዝዝከራ ዓመታዊ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ከም ዘለዋ ይንገር። ካብኣተን ሓንቲ ከኣ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እያ።
ከምቲ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና፡ 24 ጉንበት ክንጠቅስ ናይ ግድን ዝኸውን፡ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ከኣ ባሕቲ መስከረም፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ጓሲኻዮም ዘይሕለፉ እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ መስከረም ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ፡ ጐቦ ኣዳልን ምጅማር ተሓኤን ክለዓሉ ዝቐነዩ። እቲ ኣለዓዕላን ኣመዛዝናን መሰረቱ ከይሰሓተ ከከምቲ መልዓሊኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። በዚ መሰረት ነቲ ታሪኻዊ ተረኽቦ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ሜላታትን ምቕናዩ ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ደረት ሓሊፉ ክሳብ “ብሰብ ዝተሳእለ ሓሳባዊ እምበር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝበሃል ኤርትራዊ ሓርበኛ ኣይነበረን። ጐቦ ኣዳል ዝበሃል ቦታ ከኣ ኣብ መሬት ኤርትራ የለን”፡ ክሳብ ምባል ክብጻሕ እንከሎ ግና፡ በሃልቱ “ኣይፋል ናብ ቀልብኹም ዳኣ ተመለሱ” ክበሃሉ ዝግባእ እዩ።
ታሪኻዊ ጥምረት ዓዋተን ኣዳልን ብዙሓት ኤርትራውያን ብዕምቆትን ስፍሓትን ኣጽኒዖም ዝመዝገብዎ ኣብ ርእስሲ ምኳኑ፡ ነቲ ኣካል ባህርያዊ ትዕድልቲ ኤርትራ ዝኾነ ጎቦ ኣዳል የለን ምባል ከኣ፡ ኣቀማምጣ መልከኣ-መሬት ኤርትራ ዘይምፍላጥ ወይ ነቲ ጎቦ ኣልዒልካ ንኻልኦት ምዕዳል እዩ ዝመስል። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣቐዲሙ’ውን ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንሓርበኝነት ዓዋተ ክሳብ ብሽፍትነት ዝገልጽ ፈተነ ክሕደትን ምንእኣስን ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ፈተነ ስለዝነጸጎ፡ ኣብ ምጅማርን ጀማሪኡን ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ክእመኑን ተገዲዶም እዮም። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ናይ 2024 ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ኣዝዩ ሓጺር መግለጺ’ኳ ስም ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ክጠቅስ ኣይደፈረን። እዚ ከምዚኡ እንከሎ ብዛዕባ ዓዋተን ገድሉን ኣብ ጉግልን ዝኣመሰሉ ናይ ሓበሬታ ሰነድትን’ውን ሃሰስ ኢልካ ብቐሊሉ ዝርከብ እዩ። ካብቲ ሰፊሕ ታሪኽ ቁሩብ ቀንጪብካ ምጥቃስ ከኣ ይከኣል።
“ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ብ1910 ኣብ መንጎ ተሰነይን ጐልጅን ኣብ እትርከብ ዓዲ ገርሰት ተወሊዱ። ሓረስታይ ወላዲኡ ዕጥቂ ስለ ዝነበሮ፡ ንወዱ ሓሚድ ኣብ ንኡሱ ዕድመኡ ኣጠቓቕማ ብረት ዓሊምዎ። ኣብ 1935 ድማ ሓሚድ ወተሃደር ኢጣልያ ኮይኑ ተኸቲቡ። በቲ ዝነበሮ መንቋሕቋሕታ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ሮማ ኢጣልያ ተላኢኹ። ድሕሪ ትምህርቱ ብግቡእ ተኸታቲሉ ምምላሱ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ተኸታታሊ ጸጥታ ኮይኑ ተመዲቡ ሰሪሑ። ሓሚድ ንቁሕ ስለ ዝነበረ ቋንቋታት፡ ትግረ፡ ትግርኛ፡ ናራ፡ ሕዳርብ፡ ኩናማ ከምኡ ድማ ጥልያን ይመልኽ ነይሩ። ድሕሪዚ ኩሉ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይጠዓሞን ምስ ምምሕዳር ኢጣልያ ስለ ዘየሳነየን፡ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ።
ኣቦመንበር ፓርላማ ኤርትራ ዝነበሩ ሼኽ እድሪስ መሓመድ ኣደም ዝርከብዎም ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡ ምሁራትን ተመሃሮን ኣብ 1960 ኣብ ከተማ ካይሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) መስሪቶም። ድሕሪዚ ኣብ ሜዳ ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ተሓኤ መን ይምረሓዮ? ምስተባህለ፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምስቲ ዝነበሮ ትብዓትን ናይ ብረት ልምድን እሞ ምስቲ ዘርኣዮ ቅሩብነት፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ንእተበሰር ጉጅለ ክመርሕ ተመዚዙ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ድማ ካብ ከተማ ኣቑርደት ንወገን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ጐቦ ኣዳል ኣንጻር ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣስታት 30 ደቓይቕ ዝወሰደ ውግእ ብምክያድ መሪሕነታዊ ተልእኮኡ ኣበሲሩ። ብ28 ጉንበት 1962 ድማ ተሰዊኡ ኣብቲ ዝተሰወኣሉ ቦታ ብምስጢር ተቐቢሩ። ሓሚድ እድሪስ ዓወተ ከብቲ ገለ ወገናት ክብልዎ ዝፍትኑ፡ ዘይነበረ ክነሱ ብሓሳብ ዝተሳእለ ዘይኮነ፡ ህያው ነይሩ ዶር ከራር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝተባህለ፡ ተማሂሩ ዝወለደን ዝዘመደን ዉዱ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኤርትራ ክዛረብ ዝስማዕን ዝረአን ዘሎ እዩ። ነዚ ሓቅዚ ክሒዶም ኣይነበረን ወይ ብረታዊ ቃልሲ ኣየበሰረን ዝብሉ ወገናት እምበኣር፡ ኣብ “ሰብነቶም” እውን ጸገም ዘለዎም እዮም። ነቲ “ጐቦ ኣዳል” ዝብል ምስቲ ገለ ኢትዮጵያውያን ደረስትን ተረኽትን “ናይ ዓፋር ናይ ቀደም መጸውዒ ኣዳል እዩ ነይሩ” ዝብልዎ ከጋጭውዎ ይስምዑ እዮም።”
ኣብ ታሪኽ ክንነብርን ቀዳሞት ብዝሰርሕዎ ጥራይ ክንንየትን’ኳ ቅኑዕ እንተዘይኮነ፡ ታሪኽካ ምርሳዕ፡ ምኽሓድን ምንእኣስን ግና ሎሚኻን ጽባሕካን ዝዘርግ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ሕጽረታት ታሪኽና ምኳኑ ተቐቢልና፡ ንናይ ትማሊ ፍጻመ ብመንጽርቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት እምበር፡ ሎሚ ብዘሎ ኩነታት ምምዛኑ ናብ ጌጋ እዩ ዝወስድ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ሓፈሻዊ ዓለማዊ ኩነታትን ሎሚ ዘሎ ሓፈሻዊ ምዕባለን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ እዩ። ካብዚ ክንብገስ እንከለና፡ ብረታዊ ቃልስና ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ካብቲ ናይ 1961 ዝተፈልየ መልክዕ ከም ዝሕዝ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን።
ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ ንምዕባለ መራኸብታት ጥራይኳ እንተወሰድና፡ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ መልእኽቱ ከበሳ ንክበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወሰደሉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብማዕዶ ኣብ ከበሳ “መሸላ ዘሪአ ዕፉን ከይሸወተ፡ ኣነስ ክኸይድ እየ ናብ ወዲ ዓዋተ” ብዝብል ዝተደርፈ፡ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት እቲ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኩነታት መራኸቢ ክሳብ ክንድዚ ኣጸጋሚ ነይሩ ክነሱ እቶም ናይ ሽዑ ተቓለስቲ ከም ሎሚ ብፈይስቡክን ብኢመይልን ዘይኮነ፡ ብእግሮም ተጓዒዞም ነቲ ብስራት ናብ ገጠራትን ከተማታትን ንምብጽሑ ዝገብርዎ ጻዕሪ መስተንክራዊ ነይሩ። ሎሚ ከምቲ ናቶም ሕራነ ለቢስና በዚ ዘሎ ምዕቡል መራኸቢታት ተጠቒምና ከነድምዖ ካብ ዝነበረና ክሳብ ክንደይ ድሒርና ከም ዘለና ክንግንዘቦ’ሞ ብሕራነ ክንበገስ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ እዩ።
ስለዚ ከምቲ “እነሀ ዝብል ኣይሓሱ” ዝበሃል፡ ካብቲ ንመሰረተ-ሓሳብ ሰውራና፡ ጀመርቱን ቀጸልቱን ሓርበኛታት ካብ ምንእኣሶም ጀሚሩ ሓሓሊፉ ድማ ክሳብ ምኽሓዱ ዝዓርግ ዘሎ ወስታታት ህልውን መጻእን ቃልስና ጽኑዕ መሰረት ከምዘይህልዎ ዝገብር እዩ’ሞ፡ “ካብ ከምኡ ንርሓቕ” መልእኽትና እዩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 3 መስከረም 2024 ጀሚሩ፡ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት ናብ ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ናብን ካብን በረራ ከም ዝቋርጸ ምግላጹ ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ካብቲ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ብ24 ሓምለ 2024 ብዘሃቦ መግለጺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በረርኡ ኣብ መወዳእታ መስከረም ንከቋርጽ ዝሃቦ ናይ ግዜ ገደብ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ እዩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ 30 መስከረም 2024 በረራ ክቕጽልዩ ብዝብል፡ ትኬት ገዚኦም ንዝጸንሑ ገያሾ ብዘይተወሳኺ ክፍሊት ናብ ካልእ መንገዲ ኣየር ከም ዘሰጋግሮም ጠቒሱ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዘጋጥም ናይ መሰጋገሪ ቪዛ (ትራንዚት ቪዛ)ን ካልእ ወጻኢታትን ግና ከምዘይምልከቶ ከም ዝሓበረ እውን ተፈሊጡ። ምርጨኦም እንተኾይኑ ግና ንዝኾነ ንትኬት ዝኸፈልዎ ገንዘብ ክምልሰሎም ቅሩብ ምዃኑ እውን ኣዲስ ስታንዳርድ ኣስፊራ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምኽንያት ምቁራጹ ኣብ ወግዓዊ መርበቡ ኣብ ዘስፈሮ፡ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ጸገማትን ዕንቅፋታትን ክጸሮ ከም ዘይከኣለ ኣስፊሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ኣቐዲሙ ብናይ ኤርትራ ሲቪል ኣቪየሽን ዘይምኽኑይ ዋጋ ትኬት ብምስላዕ፡ ገያሾ ብምንግልታዕን ንብረት ኣጥፊእካ ካሕሳ ዘይምኽፋልን ብዝብል ዝኸሰሶ ክቃወሞ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።
ናይዚ ስጉምቲ ቀንዲ መንቀሊ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናሓደረ ክሕርፍፍ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዝምድና ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነትዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ምስቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘሎ ምሕዝነት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን፡ ሰለስቲአን ጐረባብቲ ሃገራት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክልል ኣየረ ምብራር ከይከልአኦ ስግኣት ኣሎ።
ግብጺ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ
Monday, 02 September 2024 21:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ (ካብ መድያታት ኢትዮጵያ)
ግብጺ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ። ኣብቲ ዘቕረበቶ ጥርዓን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ኣባይ ትወስዶ ዘለና ስጉምቲ ዞናዊ ሓደጋ ዝፈጥርን ኢደ-ወነናውን ምዃኑ ብምጥቃስ ንክትሓስበሉ ጸዊዓ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ ባድር ኣብደላቲ ብ31 ነሃሰ 2024 ናብ ፕረሲደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ 5ይ ዙር ምምላእ ማይ ሓጽቢ ኣባይ ክንቅጽል ኢና ንዝበልዎ “ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ግብጺ ከም እትኹንኖ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ተግባር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንስምምዕ ሱዳን፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ነቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብ2021 ዝሃቦ መግለጺ ዝጻረር እዩ ኢለምዎ።
እቲ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ኣተሓሒዙ፡ ተግባር ኢትዮጵያ ንኣድላይነት ዞባዊ ጸጥታን ምትሕብባርን ግምት ከም ዘይህብ ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ መጻኢ ታሕሳስ 2024 ህንጻኡ ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ክሳብ ሎሚ 62.5 ቢልዮንን ኩቢክ ማይ ሒዙ ዘሎ ክኸውን እንከሉ፡ ነዚ ዓቐን ክሳብ መጻኢ ታሕሳስ ካብ 70 ክሳብ 71 ቢልዮን ኩቢክ ናይ ምብጽሑ መደብ ከም ዘሎ ጠቒሱ። እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ ናይቲ ሓጽቢ ድማ 74 ቢልዮን ኩቢክ ምዃኑ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ። ግብጽን ኢትዮጵያን ካብ ቅድም ጀሚረን ኣብ መስርሕ ምምላእ ማይን ምምሕዳር ናይቲ ሓጽብን ግደ ንክህልወን ዘኽእል ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ክህልው እየን ዝደልያ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ ኣብ ዝለዓለ ምፍጣጥ ይርከባ። ኢትዮጵያ ብዛዕባ ወደብን ምህናጽ መደበር ሓይሊ ባሕርን፡ ምስ ሶማሊላንድ ብባሕቲ ትሪ 2024 መሰማምዒ ሰነድ ምስ ፈረመት ሶማሊያ መቃድሾ፡ ልኡላውነተይ ደፊራ ብዝብል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓልለ ወጥሪ እየን ዘለዋ። ግብጺ ድማ ነዚ መዝሚዛ ምስ ሶማሊያ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ብምፍራም፡ ድሮ ወተሃደራትን ኣጽዋርን ናብ ሶማሊያ ተእትው ከም ዘላ ይንገር ኣሎ።
ሶማሊያ ብወገና ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካል’ቲ ኣብ ሃገራ ዝዋፈር ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዓቃብ ሰላም ክኸውን ከምዘይትደሊ ብተደጋጋሚ ገሊጻስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊያ ይወጹ ኣለዉ። ስለዚ ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ዝጸንሓ ፍልልይ ብውሕዱ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ኢድ ኣዙር ውግእ ከይትኣቱ ይስጋእ ኣሎ። ዋላኳ ብዙሕ እንተዘይተዝርበሉ ጉጅለ ኢስያስ እውን ወገን ሶማልን ግብጽን እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ መፋርቕ 1880 ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፈሪኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዘረጋገጾ ብጉልበት ናይቶም ኤርትራውያን ደቀባት ነይሩ። መሬት ሕርሻ ኤርትራ መንዚዑ፡ ጉልበቶም መዝሚዙን ሰብኣዊ መሰላቶም ገፊፉን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋንቲ ምስዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ሃንጐፋይ ኢሉ ኣይረዓሞን።
ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ናይቲ ኢጣልያ ዝነበረቶ ምሕዝነት ስዕረት ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ ሃገራት ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዝነበሮም ሓያላት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ስለ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።
ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየማልኣን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ ፈረሰ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ ነይሩ።
ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።
ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።
ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20 ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ ኣየቋረጸን።
እቲ ብኸምዚ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብቲ መስርሕ የጋጥሞ ንዝነበረ ውሽጣዊ ምፍንጫላትን ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ፡ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክቕጽል ባህርያዊ ዝኸውን።
ባሕቲ መስከረም እዚ ን63 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ብዛዕባ ምጅማሮምን ዝሰዓብዎም ሓርበኛታትን ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን እዩ። እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ሓደራ ክርከብ ግድን ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” ዝተባህሎ ስራሕ ክንዓመም ይግበኦ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሓቢርካ ምቅላስ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣዝዩ ዕዙዝ ኣብ ዝኾነሉ፡ ግደ መንእሰይ ወሳኒ ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ መንእሰይ ተጸዋዊሩን ተመላሊኡን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተገንዚቡን ብሓባር ዝቃለሰሉ ኩነታት ምፍጣር መተካእታ የብሉን።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ባሕቲ መስከረም 2024
ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ኣብ ዝነበርሉ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ናይ ምምሃር ዕድል ንክረኽቡ ዝለዓለ ግደ ዝጻወቱ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ምሁር ፕሮፈሶር እንድርያስ እሸቴ፡ ብ29 ነሃሰ 2024 ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈልዩ ቢቢሲ ሓቢራ። ፕሮፈሶር እንድርያስ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሃሮ ንማሕበረሰብ ናይቲ ዩንቨርሲቲ ክገልጹ እንከለዉ፡ “እዚኣቶም ናብዚ ዝመጽሉ ምኽንያት ፍሉይ ስለ ዝኾነ ፡ካብቶም ንማህደረ ትምህርቲ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ተመሃሮ ብዝተፈልየ ክረኣዩ ይግበኦም” ከም ዝበሉ ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ይምስክሩ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ -ሰውራዊ ባይቶ ብ1994፡ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኢህወደግን ዝነበረ ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዕ መሰረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስተኣስሩ፡ ናብ ህግደፍ ንኸይርከቡ ዕዙዝ ግደ ዝተጻወቱ እዮም። ፕሮፈሰር እንድርያስ እሸቴ ኣብ ርእሲዚ እቶም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ካብቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ቦታት ተኣኪቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝዕቆቡ ኣብ ምግባር ሓጊዞም። ብዘይካዚ እቶም ዘይተኣስሩ ኣባላት ሰውራዊ ብዛዕባቶም እሱራት ብጾቶም ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ክዘራረቡ ኩነታት ከም ዘጣጥሑ ኣብቲ መስርሕ ዝነበሩ ዝምስክርዎ እዩ።
ፕሮፈሰር እንድርያስ፡ ቅድም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ደሓር ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ዊልያስም ኮለጅ ላዕለውይ ደረጃ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ፡ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ዝለዓለ ግደ ዝነበሮም እዮም። እቲ ሎሚ ኢትዮጵያ ትምረሓሉ ዘላ ሕገመንግስቲ ክጸድቕ እንከሎ ከኣ ኣባል ኮሚሽን ኮይኖም ከም ዝሰርሑን ድሕሪ ካብ ፕረሲደንትነት ዩኒቨርሲቲ ምልቃቖም ብመዓርግ ሚኒስተር ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ከም ዝነበሩን ታሪኾም ህይወቶም የመልክት።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጋዜጠኛ ኤሪሳት ከራር ህያቡ፡ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ነጸረኣብ ኣስመላሽ 36፡23 ደቓይቕ ዝወሰደ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ነቲ ቃለ መጥይቕ ብጽሞና ሰሚዕና ተረዲእናዮ እውን። መንቀሊ ቃለ መጠይቑ ምምዛን ናይቲ ገብረ ባህዱራይ ብዝተባህለ ውልቀሰ-ሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመስሪቱ ዝተባህለ “መንግስቲ ኣብ ወጻኢ” ዝብል እዩ።
ጋዜጠኛ ከራር ህያቡ ነቲ ተመስሪቱ ዝበሎ መንግስቲ ኮሓሒሉ ከቕርቦ እንከሎ፡ ኣፉ መሊኡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመስሪቱ ዝበሎ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ”፡ ክሳብ 8 ዝኾኑ ውድባት ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ትካል ምዃኑ ጠቒሱ ሓደ ካብኣቶም ድማ EPDP (ሰዲህኤ) ምዃኑ ደጋጊሙ ክጠቕሶ ሰሚዕና ኣስደሚሙና። ሓው ነጸረኣብ ኣስመላሽ፡ ኣብቲ መሰረተ-ሓሳብ ናይቲ ዝተላዕለ ናይ ሓላሞ ዛዕባ ዝሃቦ መልሲ ቅኑዕ፡ ወድዓውን ንህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ዝምጥንን ስለ ዝኾነን መርገጽ ሰዲህኤ ኣብ ምምስራት መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ካብኡ ስለ ዘይፍለን ንዓኡ ካብ ምንኣድ ሓሊፍና ናብ ዝርዝር ክንኣትው ኣይንደልን። እንተቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣካሉ ነይሩ ዝብል ግና መስደመም ስለ ዝኾነ ብሓጺሩ “ግጉይ ጥራይ ዘይኮነስ ብፍላጥ ንደምበ ተቃውሞ ዘይምትእምማን ዝተማህዘ ጻዕዳ ሓሶት” ስለዝነዃኑ፡ ሰማዒ ክርድኦን ዓገብ ክብሎ ዘለዎ ምዃኑን ነፍልጥ። በዚ ኣጋጣሚ ልኡኻት 03 ዝፍንውዎ ጸለመ ምኣኸለና ነይሩ።
ናይቶም ኣብ ሃለውለው ኣትዮም ዘለዉ ውልቀ ሰባትሲ ደሓን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብሓቂ ብኣፍልጥጦኡ ዝተኻየደ እንተኮይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ድራማ ንክስራሕ ምትሕብባሩ ክሳብ ክንደይ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘየብሉ ምዃኑ ስለ ዘመልክት ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ጋዜጠኛ ኤሪሳት ከራር ህያቡ፡ ንገዛእ ርእሱ ናይቲ ተመስሪቱ ዝበሎ “መንግስቲ ኣብ ወጻኢ” ደጋፊ ምዃኑን ነቶም ተዋሳእቲ “ኣመስግኑለይ” ምባሉን ንዓኡ ይምልከት። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣድራሻ ኣፍልጦ ዘለዎን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቱ ቃለ-መጣይቓት ዘካየደ ክነሱ፡ ነቲ ሰልፊ ከይተወከሰ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራት ትሕክኽ” ዝበሃል “ወረ ተረኽበ” ኢሉ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃረምረም ምእታዉ ዘሕዝንን ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ዘፍኩስን እዩ። ነቲ ወኪልዎ ዘሎ ትካል ኤሪሳት እውን ተኣማንነት ንኸየጥሪ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቆ እዩ።
ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስያዊ ምዕባለን ንቃለስ!
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2024 ንዝሰፍሐ ከባቢ ቅርኒ ኣፍሪቃ 122 ሚልዮን ኤውሮ ተወሳኺ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ከም ዝመደበ ብ27 ነሃሰ 2024 ኣፍሊጡ። እቲ ሕብረት ነዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ክምድብ ዝተገደደ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ውግኣትን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዘስዓበ ጸገማት ደርቅን ውሕጅን ይውስኽ ስለ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ኣብሪሁ።
እቲ ሕብረት ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዝያዳ ንጸገም ዝተቓልዑ ህዝብታትን ከባብን ብፍላይ ድማ ጥሜት ዝኣመሰሉ ሰብእዊ ጸገማት ዝተራእየሎም ኣየኖት ምዃኖም ብምድህሳስ፡ ዝተበጽሐ ውሳነ ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብቲ ዝርዝር ጸገማት ጉዳይ ሕጽረት ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ብሰንክዚ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሕማማትን እውን ኣብ ግምት ዝኣተዉ እዮም። ኣብቲ ኣመዳድባ ገንዘብ ክዝርዝር እንከሎ፡ 42 ሚልዮንኤውሮ ንኢትዮጵያ፡ 40 ሚልዮን ኤውሮ ንሶማሊያ 40 ሚልዮን ኤውሮ ድማ ንደቡብ ሱዳን ብዝብል ተዘርዚሩ ቀሪቡ።
ኣብዚ ዓመት ብሕብረት ኤውሮጳ ንዝሰፍሐ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተመደበ ገንዘብ፡ ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ሱዳን ብፍሉይ ዝተዋህበ 56 ሚልዮን ኤውሮ ከይወሰኽካ፡ 421 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝበጽሐ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ተወሳኺ ሰብኣዊ በጀት ክምድብ ካብ ዘገደድዎ ህልዊ ቅልውላው ሱዳን ክኸውን እንከሎ፡ በብኸባቢኡ ዝፍጠር ዘሎ ውሕጅን ዕልቕልቕን እውን ካልእ ምኽንያት ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከተማ ፖርትሱዳን፡ ሓጽቢ ፈሪሱ ብሰንኩ 13 ሰባት ከም ዝሞቱ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ነቲ ኩነታት ንምክትታል ዝተመስረተ ናይ ሓደጋ ጉጅለ፡ ብደርዘን ዝግመቱ ሰባት በቲ ሓደጋ ደሃዮም ከም ዝጠፈአን ፖርትሱዳን ሕጽረት ዝስተማይ ከየጋጥማ ተሰጊኡ ከም ዘሎን ሓቢሩ። ሓጽቢ ኣርባት ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ከም ዝፈረሰን ከም ሳዕቤኑ ሓያል ውሕጅን ጭቃን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዘለዋ ዓድታት ከም ዝፈሰሰን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ 15 ዓድታት በቲ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ከም ተሃስያን ካለኦት 30 ዓድታት ድማ ብኸፊል ከም ዝተጠቕዓ ተቒሱ።
ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ምምሕዳር ግዝኣት ቀይሕ ባሕሪ ብወገኑ፡ ምስቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዝተኸስተ ጸገም ጥዕና፡ 7 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኻልእ ገጽ ናይቲ ዝፈረሰ ሓጽቢ ድማ 100 ዝኾኑ ስድራቤታት ተዓጊቶም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ጠቕላላ ቁጽሪ ምዉታት ክሳብ 132 ዝበጽሕ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ እንተኾነ ናይቲ ግዝኣት ምምሕዳር ብዛዕባ ናይ ዝሞቱን ዝተሃስዩን ሰባት ወግዓዊ መግለጺ ከምዘይውጸአ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ናይቲ ምምሕዳር ዳይረክተር ጥዕና ሰይድ ኣህላም ከም ሳዕቤን ምፍራስ ናይቲ ሓጽቢ ውጸኣት፡ ኮለራን ካልእ ሕማማትን ከይላባዕ ከም ዝሰግኡ ብምጥቃስ፡ ዝያዳ ፍሪቂ ሚልዮን ካብ ነባሪ ከተማ ፖርትሱዳን ዝስተ ማይ ከይስእን ስግኣቶም ጠቒሶም።
ፖርት ሱዳን እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል መንግስቲ ሱዳን ከም ማእከል መሪጽዋ ዘሎ ወደባዊት ከተማ እያ።
መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ኣደም ኣርተዓ ብኣዝዩ መሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ኣርተዓ ብ1958 ኣብ ከተማ ኣቑርደት ተወሊዱ። ነታ ኣብ ኣቑርደት ብሰራዊት ጸላኢ ጨፍጫፍ ዝተፈጽመላ “ጸላም ሰንበት” እትበሃል ህልቂት ብኣካል ርእዩ፡ ነቲ ኩነታት ክጸሮ ስለ ዘይከኣለ ድማ ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ስሩዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝኾነ ሓጺር ታሪኹ ይሕብር።
ኣርተዓ በቲ ዝነበሮ ትግሃት ቆላሕታ ስለ ዝረኸ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገር ሶርያ ብዛዕባ ፖለቲካውን ንቓባውን ትምህርቲ ዝወሰዱ ካድራት ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ነይሩ። ብዝነበሮ ትግሃትን ንቕሓትን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊ ምቅላሱ፡ ቅድም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ደሓር ድማ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደረጃ ኣባል መሪሕነት ውድብ ተመሪጹ ብፍላይ ኣብ 2008 ዝተኻየደ ጉባኤ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ነይሩ፡ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝተቓለሰ ብጽንዓቱን ናይ ምልዕዓል ብቕዓቱን ዝልለ እዩ ዝነበረ ።
ኣቦ 5 ደቂ ዝነበረ ኣርተዓ፡ ድሕሪ ምሕማሙ ቅድም ኣብ ሱዳን ደሓር ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ብቤተሰቡን መቓልስቱን ክእለን ክሕገዝን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ከተማ ካይሮ እዩ ብ24 ነሃሰ 2024 ወጋሕታ ዓሪፉ።
ኣርተዓውን እነሆ ከምቶም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ብጾት፡ ኣብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለላ ሃገሩ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይረኸበ ስዉእ ኮይኑ ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ እናገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ ብጻይና መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ኣኻእሎን ይሃቦም ይሃበና ይብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ
25 ነሃሰ 2024
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ23 ነሃሰ 2024 ካለኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ። ቀጺሉ ኣብ ዘስመዖ መእተዊ ቃል ድማ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብደረጃ ሰዲህኤ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ብፍላይ ከኣ፡ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምምስራት ዝተገብረ ጻዕሪን፡ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ መጻኢ ዝያዳ ንክሰፍሕ ዘለዎ ተስፋን ጠቒሱ። ኣብ መግለጺኡ እዚ ጽላል ዝሰፍሓሉን ዝሕይለሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሰዲህኤ ከም ሓደ ኣካል ፖሓኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ካብኡ ዝድለ ክገብር ድልዊ ምዃኑ ሓቢሩ። ከምኡ እውን ብዛዕባቲ ውጽኢት ዋዕላ ፖሓኤ ዝተገልጸሉ ፈስቲቫል ብምጥቃስ ንኹሎም እቲ መደባት ዘዕወቱን ዝተሳተፉን ኣካላት ኣመስጊኑ።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ቀጺሉ፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ ኣጀንዳ መሰረት፡ ኣብ ዝቐረበሉ ዓመታዊ ጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ በብሓደ ተመያይጡ። ኣብቲ ምይይጥ ኣብተን ኣብያተ-ጽሕፈት ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት ብደቂቕ ብምምዛን እቲ ኣውንታ ዝያዳ ዝዓብየሉ ሕጽረታት ድማ ዝእረምሉ ኣሰራርሓሃ ስኢሉ። ቀጺሉ ብኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንዝቐረበ ጸብጻባት ድማ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።
በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፈጻሚ ሽማግለ ብደረጃ ባይቶ ክረኣዩ ንዝተመሓላልፉ ሓድሓደ ፍሉያት ሰልፋዊ ጉዳያት ወጊኑ። ዝያዳ ዕምቆትን መጽናዕትን የድልዮም ዝበሎም ጉዳያት ንምጽፋፍ ከኣ ንፈጻሚ ሽማግለ ሓላፍነት ሂቡ። ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት እትመርሕ ፈጻሚ ሽማግለ መሪጹ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ልሙድ መደባት ሰዲህኤ ኮነ፡ ዕላማታት ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳትፈኦምን ተወፋይነቶምን ከሕይልዎ ጸዊዑ። ብዘይካዚ ነቲ ኤርትራውያን በብኩርናዑ ዘርእይዎ ዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ ንኢዱ፡ ኩሎም በሃግቲ ሰላም ዲሞክራሲን ዕቤትን ኤርትራውያን ኣብ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ምዕዋት መደባት ሰዲህኤን ፖሓኤን እጃሞም ከበርክቱ ተማሕጺኑ።