EPDP News

ወለዲ ናይቶም ካብ 2019 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላውያን ወተሃደራት፡ መንግስቶም ናብ ሃገሮም ንክመልሶም የጨንቕዎ ከም ዘለዉ፡ ኤረና ንመርበብ ሶማሊ ጋርድያን/ Somali Guardian  ብምጥቃስ ሓቢራ። እዞም ወለዲ ብ17 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ብፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝምራሕ መንግስቲ ሶማሊያ፡ ነቶም ንስልጠና ተባሂሎም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ 5ሺሕ መንእሰያት ቀልጢፉ እንተዘይመሊስዎም ተቓውመኦም ከም ዘዛይዱ ኣፍሊጦም።

እቶም ሶማላውያን ወለዲ፡ ነቲ ፕረሲደንት ሸኽ ማሕሙድ ንምርጫ ክወዳደር እንከሎ እንተተመሪጹ ደቆም ካብ ኤርትራ ክመልሰሎም ምዃኑ ዝኣተዎ ቃል ብምጥቃስ እዮም ተቓውመኦም  ዘስምዑ ዘለዉ። ኣብቲ ምልክታኦም ካብቶም ሶማላውያን መንእሰያት ዝሙቱ፡ ኣካሎም ዝጐደሉን ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘጋጠሞምን ከም ዘለዉ እውን ጠቒሶም።

እቲ ናይቶም ወለዲ ሻቕሎት ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ኣብ ናይ ሶማሊያ መዲያታት እቶም ሶማላውያን ወተሃደራት ምስ ኤርትራውያን ናብ ውግእ ትግራይ ኣትዮም ዝብል ዜናታት ምስ ተቓለሐ እዩ።

ፕረሲደንት ሶማሊያ ስልጣን ምስተረከበ፡ ብጉዳይ እዞም መንእሰያት ናብ ኤርትራ ከይዱ ረኺብዎም ነይሩ። ብድሕሪኡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ገሸ ድማ፡ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ኩነታት ርጉእ ኣይኮነን ብዝብል ጉልባብ ናብ ዓዶም ክምለሱ ክፈቕደሎ ቅሩብ ከይዘይኮነ ጠቒሱ ነይሩ። ምስዚ ብዝተተሓዘ መንግስቲ ኣሜርካብ ኣብ ምምላስ እዞም መንእሰያት ክትተሓባበሮ እውን ተማሕጺኑስ ኣሜርካ እውን ቃል ኣትያትሉ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ብዛዕባዚ ሓድሽ ምልዕዓል ናይቶም ወለዲ ግና ዝኾነ ነገር ከምዘይበለ እቲ ካብ መርበብ ሶማሊ ጋርድያን/ Somali Guardian  ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ብ25 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ 30 ጥቅምቲ 2022 ክዛዘም ተመዲኡ ዝነበረ ዘተ ሰላም ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተናዊሑ ብ2 ሕዳር 2022 ተዛዚሙ። ኣብ መወድእታዚ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመዲ ብ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ኣቦሳንጆ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያን ናይ ቅድም ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃን እናተመርሓ ተዓዘብቲ ኣብ ዘለዉሉ፡ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ክዛዘም እንከሎ ክልቲኦም ወገናት ነፍሲ ወከፉ ነናቱ ዝርዝር ዘለዎ15 ዓንቀጻትን 12 ቀንዲ ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከቲኦም።

እቲ ብወገን መንግስቲ ትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን፡ ብወገንገ ሕወሐት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ፡ ፍሉይ ልኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦቦሳንጁ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታን ናይ ቅድም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ምክትል ፕረሲደንት ፉሙዚለ ምላንቦ ንኩካን ዝኸተምሉ ሰነድ፡ “ ውግን ህውከትን ጠጠው ምባል፡ ሕገመንግስታዊ ክኽበር፡ ክጸንዕን ናብ ንቡር ክምለስን፡ ረዲኤት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብዘይገደብ ክቕጽል፡ ኣብ ትግራይ በዂሩ ዝጸንሐ ኩሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለስ፡ ኣብ ትግራይ ኩነታት ጸጥታ ናተመዝነ ብመስርሕ፡ ምፍታሕ፡ ምጥያስን ብሰንኪ ውግእ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ምርኻብን” ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ይርከብዎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ምኽታም ሰነድ፡ ኦቦሳንጆን ካለኦት ብቐጥታ ኣብቲ መስርሕ ክሳተፉ ዝጸንሑን ብዛዕባቲ ዝተሓልፈ መስርሕ ዘተን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክግበር ዝግበኦ ጻዕርን ቃል ኣስሚዖም። ኣቶ ሬድዋን ሑሴንን ኣቶ ጌታቸውን ረዳን ድማ ነቶም ኣብ ስምምዕ ከብጽሕዎ ዝጸዓቱ ወገናት ኣመስጊኖም፡ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣብ ውዓልን ኣብ መጻኢ ዳ-ህንጻን ዝምልከቶም ኣካላት ከበርክቱ ጸዊዖም።

Exchanging agreement doc. S.Africa

እዚ ስምምዕ ምስ ተኣወጀ ብዙሓት ወገናት ካልእ ኩሉ ተሪፉ ህይወት ናይቲ ብኹሉ ወገናት ክቕዘፍ ዝጸንሐ መንእሰይ ስለ ዘድሕን ደገፎም ገሊጾም። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እውን እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ  ድሕሪ 17 መዓልታት ብ21 ሕዳር 2020 ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባቶ፡

1. ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ: ዝበሎ :

2. ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት መንግስታት ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕር ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና ብፍላይ ድማ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ  ምሕጽንታኡ የቕርብ።”  ዝበሎ ኣብ ግብሪ ብምውዓሉ ዘለዎ ደገፍ ይገልጽ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ቶከር፡ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ተጨውይም ዝነበሩ 18 ኤርትራውያን ናጻ ከም ዘውጽኡ ንመርበብ  ኣል-ሱዳኒ ብምጥቃ ሬድዮ ኤረና  ሓቢራ።

እቶም ጨወይቲ፡ ብ28 ጥቅምቲ 2022፡ ምስቶም ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ድሕሪ ዘካይድዎ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ነቶም ኣእጋሮም ብሰንሰለት ተኣሲረም ዝነበሩ ኤርትራውያን ገዲፎምዎም ከምዝሃደሙ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቶም ዶላባይ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ን22 መዓልታት ተጨውዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ግዳያት ነፍሲ ወከፎም 60 ሺሕ ዶላር ንኸፍሉ እሞ ክፈትሕዎም፡ እቶም ጨወይቲ ምስ ስድራቤት ናይቶም መንእሰያት ርክብ ክገብሩ ከም ዝጸንሑ እቲ ዜና ጠቒሱ። ነዞም ኤርትራውያን ናጻ ዘውጸኦም ሰራዊት ሱዳን መበል 46 ብሪጌድ እዩ።

እቲ ሰራዊት፡ ነቶም ኤርትራውያን ሓራ ምስ ኣውጽኦም፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ናብ ዝርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ከምዝሓበረ ተሓቢሩ።

እቲ ስርሒት፡ ብኣዛዚ ብርጌድ 46 ብርጋዴር ጀነራል ሓፊዝ ኣል ኣሚን ኤልያስን፣ ኣዛዚ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ናይ እትርከብ መበል 12 ክፍለሰራዊት ከም ዝተወሃሃደ መርበብ ሓበሬታ ኣል ሱዳኒ ብምጥቃሳ ኤረና ሓቢራ።

ቶከር፡ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ንዝርከባ ከባቢታት ቅሮራን ራስ ቄሳርን ቅርበት ዘለዋ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተደኮነት፡ ኣጻምእ ዝበዝሖ ሓውሲ ከተማ ሱዳን’ዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 25 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ብማእከልነት ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ብመሪሕነት ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ ዝነበሩን ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበርን፡ ብተዓዛብነት ኢጋድ፡ ኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ክካየድ ዝጸንሐን 30 ጥቅምቲ ክዛዘም ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ዘተ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ክሳብ 2 ሕዳር 2022 ከም ዝቕጽል፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ዝተላዕሉ ዛዕባታት ብዝምልከት ካብቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተዋህበ ዕላዊ መግለጺ የለን። እንተኾነ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክዛተ እየ ክብል ዝጸንሐ ክነሱ ኣብ መስርሕ እቲ ዘተ ብ27 ጥቅምቲ 2022  “ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ፈቲሑ መራሕቱ ኣብ 24-72 ሰዓታት ኢዶም እንተዘይሂቦም ተኹሲ ጠጠው ክብል ኣይሰማማዕን እየ”  ዝብል ሓሳብ ብምቕራቡ እቲ ዘተ ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ቢቢሲ ዝተወከሶም ኣካላት ሓቢሮም። ብወገን ልኡኽ ትግራይ ዝቐረበ ሓሳብ ድማ፡ ቅድሚ ኩሉ ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ ሰብኣዊ ረዲአት ብዘይገደብ ክቐርብን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ዝብሉ ሓሳባት እዮም። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ብወገኖም ምስ ርኢቶ ልኡኽ ትግራይ ዝመሳሰል፡ እዚ ደም ዘፋስስ ዘሎ ውግእ ናይ ግድን ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝብል ርኢቶ ኣለዎም።

ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ ኣብ ምጅማር እቲ ዘተ ኢትዮጵያ ዝተረጋገአትን ሰላማዊትን ክትከውን ሕብረቶም ኩሉ ኣስተዋጸኦ ክገብር ቅሩብ ምዃኑ ጠቒሶም ነይሮም። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣሜሪካ ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክረጋገጽ ዝምልከቶም ኣካላት ብተገዳስነት ክርእይዎም ኣተሓሳሲቦም ነይሮም።

ቤተ-መዘክር ሆሎኮስት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ጽንተት ደቂ ሰባት ዝሓደሮ ሻቕሎት ብ25 ጥቅምቲ 2022 ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ናይቲ ቤተ-መዘክር መግለጺ፡ እቲ ኩነታት ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ብናይ ኤርትራ ሰራዊት እንናተሓገዙ ኣብ ትግራይ ኣገደስቲ ከተማታት ምስ ሓዙን ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ዘየብሎም ሲቪል ሰባት ጉድኣት  ምውራዶምን ዝያዳ ዘሰንብድ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ቅድሚ ዓመት ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ዝነበረ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡  ምልክታት ጽንተት ደቂ ሰባት፡ ናብ ጽልኢ ዘምርሕ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝቃላሕ ዝነበረ መደረታት፡  ብጃምላ ምእሳርን ኣብ ትግራይ ሰብ ብዝሰርሖ ጥሜት ንህዝቢ ምቕጻዕን እቲ ቤተመዘክር ከሰምዕን ከጠንቅቕን ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝረአ ዘሎ ናይዞም ኣቐዲሞም ዝተራእዩ ሓደጋታት ዝያዳ ምስፋሕን ምዕባይን ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ካብተን ብዓለም ደረጃ፡  ሰባት ብጃምላ ብምቕታል ሓደገኛታት ዝበሃላ ዓሰርተ ሓገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ ኢሉ።

ናይቲ ቤተ-መዘክር ዳይረክተር ንናኦሚ ኪኮተር፡ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብዚ ዝምልከቶም መራሕቲ ግቡእ ኣቓብልቦ ዘይሃብሉ ግዜ፡ ናብ ፍርቂ ሚልዮን ዝጽግዑ ሰባት ኮነ ኢልካ ብምቕታልን ብጥሜትን ሞይቶም ተባሂሉ ከም ዝግመት ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጾታዊ ዓመጽን ተመሳሳሊ ግህሰት መሰረታዊ መሰላትን ከም ዝተፈጸመ ምጥቃሶምን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ውግእ ብ2020 ካብ ዝጅምር ብኹሎም ወገናት፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ውግእን ምፍጻሙ ብምጥቃስ፡ ዝርዝር እቲ ገበን ቅትለት፡ ዓመጽን ጾታዊ ጥሕሰትን ካለኦት ዘይሰብኣዊ ተግባራትን ከም ዘጠቓልል እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስፊሩ።

ብዘይካዚ እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ኩሎም ወገናት ንሲቪል ዒላማ ምግባር ከቋርጹን ነቲ ቀጻሊ ዘሎ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ክረኽቡን ኣተሓሳሲቡ። ኩሉ ዝውሰድ ስጉምታት ህውከት ዝንክን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዘውርዱ ተጽዕኖ ዝፈጥርን ክኸውን ይግበኦ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ማሕበራዊ መዲያታት  ንዓመጽ ዘለዓዕልን ሕብረተሰብ ዘነኣእስን መደባት ካብ ምቕላሕ ክቑጠቡ ጸዊዑ።

ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ፡ ከምዚ ዓይነት ናይቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝመሓደር  ቤተ-መዘክር መግለጺ ምውሳኡ ዘሰንበዶም ኤምባሲታት ኤርትራን ኢትዮጵያን በብወገኖም ንነቲ መግለጺ ዝጻረር መልእኽታት ኣውጺኦም ኣለዉ።

 

ካብ 2016 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት፡ 13,965  ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 218,430 ስደተኛታት ናብ ካናዳ ኣትዮም ዑቕባ ከም ዝረኸቡ፡ ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሲቢኤስ ሓቢራ። ፈረንሳይ ብወገና  ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ 700 ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ፓሪስ ኣብ ጐደናታት ሰፊረምዎ ዝነበሩ ብ27 ጥቅምቲ 2022 ናብ ውሑስ ዝበለቶ ቦታ ከም ዘግዓዘቶም ቢቢሲ ኣፍሊጣ።

ካናዳ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ብዝሃበቶ ዑቕባ፡ 13, 965 ኤርትራውያን ዕድል ከም ዝረኸቡ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ብዘይካዚ ካብቲ ጠቕላላ ቁጽሪ 18.6%  ህንዳውያን ተጠቀምቲ ክኾኑ እንከለዉ፡ 11.4% ዜጋታት ፍሊፕናውያንን 8.9% ቻንይናውያንን እውን ተጠቀምቲ ምዃኖም  ጸብጻብ ኢሚግረሽን ካናዳ ሓቢሩ።  

ምስዚ ኩሉ ሶርያውያን 61 ሺሕ ኮይኖም ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ እዮም። ብብዝሒ ደረጃ ደድሕሪ ሶርያውያን ዝስርዑ፡ 15,505 ዒራቓውያን፡ 13 965 ኤርትራውያን፡ 9,490 ኣፍጋኒስታውያንን 7,810 ፓኪስታናውያንን ኮይኖም ከም ዝስርዑ፡ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። ኤርትራ ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ካናዳ ካብ ዝፈለሱ ቀዳሞት 8 ሃገራት ሓንቲ እያ። ምስ ብዝሒ ህዝቢ ናይተን ሃገራት ክመጣጠን እንከሎ ድማ ኤርትራ በቲ ፍልሰት ቀዳማይቲ’ያ እትስራዕ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ጐደናታት ሰፊሮም ዝጸንሑ 700 ስደተኛታት ብ27 ጥቅምቲ 2022 ናብ ውሑስ ዝበለቶ ቦታ ኣግዒዛቶም። እዞም ኣብ ጐደናታት ኣጽሊሎም ዝጸንሑ ስደተኛታት መብዛሕትኦም፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን፡ ምዃኖም ተፈሊጡ። ፈረንሳ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት ነቲ ብምልውዋጥ ኣየር ከጋጥም ዝኽእል ያል ዛሕሊ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ብኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ ዝተመርሔ ኣኼባ ኣብ ፍራንክፎርት ብዕለት 23 ጥቕምቲ 2022 ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ኣባላት ጨንፈር ሰልፍን ፍሉይ መጸዋዕታ ዝተገብረሎም ግዱሳት ተቓለስቲ ዜጋታትን ዝተሳተፍዎ እዩ ነይሩ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ ብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጨንፈር ናይቲ ከባቢ ድሕሪ ምግሃድ ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19፣ ንመጀመርታ ግዜ ብኣካል ተራኺብና ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ብምዃኑ ኣመስጊኑ፣ ቀጻሊ ንኽኸውን ዘለዎ ትምኒትን  ምስጋናን ናእዳን ንተሳተፍት ብምቕራብዩ ተኸፊቱ።

ኣስዒቡ ብጻይ ተስፋይ ንተሳተፍቲ ደጊሙ ብምምስጋን፣ ዕላማ ናይቲ ኣኼባን ዝሓዞ ዛዕባታትን ክገልጽ ከሎ፣ ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ክጽወር ዘይካኣል ኣደራዕን ስቓይን መግለጺ ስለዘይርከቦ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝብሎ መላእ ሕብረተ ሰብና ዝፍጸም ዘሎ ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን እዩ ኢሉ። ካብ ኢድን ትካላትን ናይቲ ስርዓት እየ ዝብል ኣካል ንዝተሰወሩ ከይተረፈ፡ ውልድኩምን ውላድኩምን ዘየረከብኩም ብዝብል ምስምስ ንወለዲ ካብ መንበሪኦም ኣውጺኡ ግዳም ዝድርብን ኣባይቶም ከምዝዕጾን ዝገብር ሕሱም ተግባራት ዝፍጸመሉ እዋን ተበጺሑ ምህላዉ ሓቢሩ። ንብርሰትን ጥፍኣትን ህዝብና ዝተዓጠቐ ስርዓት ብምዃኑ ድማ’ዩ መንእሰያት ኤርትራ ብኣልማማ ኣብዘይምልከቶም ኲናት ትግራይ የእትዩ ዘጥፍኦም ዘሎ። ናይ ስልጣንን ሻርነትን ጉዳይ እንተዘይ ኮይኑ፡ እቲ ኲናት ብምንም ተኣምር ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ኣይነበረን ኣይኮነን’ውን። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይመረጾ ስርዓት እዩ፣ እዚ ኩሉ ጭቆና ኣብ ርእሲኡ ዝወርድ ዘሎ። ስለ ዝኾነ መራሕቱ ብኸመይ ይመርጽን፣ ምርጫን ናይ ምርጫ ግዜን’ውን ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ግን ጽንዓትን ቀጻልነትን ጥራሕ እምበር፣ ክንሰግሮ ኢና ዘይስገር ነገር የለን። ናይ ሰልፍና ጉዳይ እንተዝነብር ግን፣ ሕጊ ስለዘሎ ኣባላት ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ መኣስን ብኸመይን መራሕቶም  ከምዝመርጹ ይፈልጡ እዮም ክብል ገሊጹ።

ብዘይካዚ፣ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሕሰም ህዝብና ኣቐዲምና ስለዝተገንዘብና በብመንገድና ክንቓለሶ እኳ እንተጸናሕና፣ ኣድማዕነት ናይ ቃልሲ ንምርግጋጽን መንገዲ ዓወት ብምዃኑን ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ነዊሕ ተጓዒዝና፣ ክሳብ ሰረታት ሓባራዊ ጽላልን፣ ብመጽናዕቲ ዝተበጽሑ ናይ ሓባር ሰነዳትን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ፣ ካብ ኩለን ሓይልታት ዝተዋጽኤ ናይ ምውህሃድ ሽማግለታትን ሓይሊ ዕማማትን ምቋም ምብጽሑ’ውን ብዝርዝር ኣመልኪቱ። እዚ መድረኽዚ፣ ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝነበሮ ኮይኑ ብትዕግስትን ምክእኣልን፣ ካብ ሕድሕድ ምጥቕቓዕ ኣውጺኡ ናብ ህዱእን ናይ ምጽውዋር ኲነት የእትዩና። ይኹን እምበር፣ ብዘይካቲ ጽላል ብኸመይ ይቐውም ዝብል ዘይተወድኤ መስርሕ፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተባርዐ ውግእ ክፈላልየና ዝግባእ እኳ እንተዘይነበረ፣ ንህዝብና ይኹን ንተቓወምቲ ሓይልታት ብዘይካ’ታ ናይ መጀመርታ ብሓባር ዝወጸት ኣዋጅ ፈላልዩና እዩ። ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ግን ናይ ሕጂ ሽግር ጥራሕ ስለዘይኮነ፡ ንምዕዋቱ ገና ክንጽዕር ኢና።

ንሕና ከም ሰልፊ ግን፣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝና፣ መንቀሊ እቲ ውግእ ፖለቲካውን ቅዋማውን ብምዃኑ፣ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ፣ ዘስዓቦ ማሕበራውን  ሰብኣውን ዕንወትን ብርሰትን ተጻርዩ፣ ዝበደለ ክቕጻዕ፣ እተበደለ ክካሓስ፡ ህዝቢ ትግራይ ምሉእ ዘይጉዱል ኣገልግሎት ክረክብ ደጋጊምና ብመግለጺታትና ጸዊዕና። መወዳእትኡ’ውን ንሱ ስለዝኾነ፣ ዓለም ትደፍኣሉ ዘላ መስርሕ እዩ። ህዝብ ኤርትራ ዝሓለፎ ተመኩሮ ከይኣኽሎስ፣ ሎሚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂት፣ ዕንወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘተግብርን ዝሕጉሶን ኣካል እንተልዩ፡ ነቲ ምረት ዝረስዐ ወይ ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ፡ ውግእ ብመሰረቱ መሕብኢ መለኽቲ እንተዘይኮይኑ፡ ዝፈትሖ ሽግር የብሉን፡ ክብል’ውን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣብ መደምደምታ፣ ምልኪ ፈራሳይ እዩ፣ ክድፈር ድማ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብዝተራእየ ዓብዪ ጉዳይ ናይ ኣመሪካ ስራሓት ኣስፈጻሚ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ዝገበሮ ቀጥታዊ መግለጽን ምቅላዕ ነቲ መላኺ ስርዓትን፣ ዝሰዓበ ምስ ሰልፍና ዝተገብረ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ መልእኽትን፡ ኣብ ስሩዕ መጋባእያ ኣህጉርዊ ምሕዝነት 118 ዝኾና ገስገስቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 28 ምንቅስቓሳትን ዝኣባላቱ ዝተላእከ ወረቐት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎ ምቕራቡን መልሱን ኣቓልቦ ካብ ዝፈጠሩ ጉዳያት እዮም። ይኹን እምበር፣ ኣብ ውድቐት መላኺ ስርዓት ኩልና ተጠቀምቲ ስለዝኾና፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ድማ፡ ኩልና ተወዲብና ግዴና ከነበርክት ይግባኣና። ሎሚ ኣብክንዲ በበይንና ኮይና ኣብ ምክሳስን ምውንጃልን ግዜና ነሕልፍ፣ ተቐራሪብና መዋጽኦ ይኾነና ዝበልናዮ ብሓባር ክነዕውት ምጽዓር የድልየና ክብል ብጻይ ተስፋይ መግለጺኡ ደምዲሙ።

ኣብ መጠረስታ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንጉዳይ ሓድነት ተቓወምቲ ሓይልታት ዝምልከት ንዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታት ግቡእ መብርሂ ኣቕሪቡ። ነዚ ዝነጣጠፍ ዘሎ መድረኽ ኣብ ምጉልባትን፡ ሰልፊ ኣብ ህዝባዊ ርክባት ዘቕነዐ ስራሓት ዝያዳ ጠመተ ክግበርን፣ ዝብሉ ለበዋታት ብምቕራብውን ኣኼባ ተደምዲሙ።                      

ልኡኻት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝኣተዉ ተረጋጊጹ። እቲ ብዙሕ ተስፋ ዘይተነብረሉ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ 24 ጥቅምቲ 2022 ከም ዝኽፈትኳ ተሓቢሩ እንተነበረ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዕለት ከም ዘይተኸፍተን  25 ጥቅምቲ 2022 ክጅመርዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎን ተፈሊጡ።

ኣብዚ ዝርርብ ናይ ዝሳተፍ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ መራሕቲ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ብሄራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ዶ/ር ጊደዎን ጢመቲዎስ ጠቕላሊ ዓቃብ ሕግን ናይ ክልል ኣምሓራ ምክትል ፕረሲደንት ዶ/ር ጌታቸው ጀንበርን ዝርከብዎ ዓሰርተ ኣባላት ዝሓቖፈ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣባላት ልኡኽ ክልል ትግራይ ድማ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣባል ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት፡ ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ዶ/ር ፍሰሃ ሃብተጽዮን፡ ኣቶ ተወልደ ገ/እግዚኣብሄር፡ ኣቶ ካሳ ገብረዮሃንስን ኣቶ ኣሰፋ ኣብረሃን ክኾኑ እንከለዉ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ጸጥታ ድማ ሓቢሮም ከም እተጓዕዙ፡ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብ19 ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣረጋጊጾም። ልኡኽ ትግራይ ካብ መቐለ ተበጊሱ ብመንገዲ ጅቡቲ ኣቢሉ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝበጸሐን ፍሉይ ልኡኽ ኣሚሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ምስቲ ልኡኽ ሓቢሮም ከም ዝተጓዕዙ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ንመንነት ኣባላት ልእኹ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒስዎም ካብ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ኣቶ ደመቀ መኮነንን ዳይረክቶር ብሄራዊ ጸጥታ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህን ካብዚ ልኡኽ ከም ዝተረፎም ተፈሊጡ ኣሎ። ገለ ወገናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ስጉምቲ ምውሳዱ ነቲ ዘተ ትሑት ግምት ንምሃብ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ጸሓፊ ዘቤታዊ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣለጃንድሮ ማዮርካስ፡ “ኢትዮጵያውያን ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓድ ክረኽቡ እዮም” ከም ዝበሉ ኤኤፍፒ ሓቢራ። ድምጺ ኣሜሪካ ብወገና እዚ ንኢትዮጵያውያን ተዋሂቡ ዘሎ ካብ 20 ጥቅምቲ 2022 ዝጅምር  ናይ መንበርን ስራሕን ፈቓድ  18 ኣዋርሕ ዝጸንሕ  ከም ዝኾነን ከም ኣድላይነቱ ከም ዝመሓየሽን ጠቒሳ።

እዚ መሰል ንኢትዮጵያውያን ክወሃብ ዝተወሰነ፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግርጭታትን ህውከትን እናገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ ምዃኑ እዚ  ኣሜሪካዊ  ዘቤታዊ ትካል  ጸጥታ ኣፍሊጡ። እዚ ግዝያዊ ፈቓድ ዝወሃብ ዘሎ ናይ ኣሚሪካ  ኢሚግረሽን ብ1990  ሃገራት ብውግእ፡ ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ካልእ ፍሉይ ኩነታትን ኣብ ወጥሪ ክኣትዋ እንከለዋ ንዜጋታተን መፍትሒ ክኸውን ብዝወሰኖ መሰረት ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

እቶም ጸሓፊ ዘቤታዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኣብዚ መግለጺኦም፡ ኣብዚ እዋንዚ ዜጋታት ናብታ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪቃ ካለኣይ ደረጃ እትሕዝ  ኢትዮጵያ ክምለሱ ውሑስ ኣይኮነን ኢሎም። ዝርዝር ምኽንያት ከቕርቡ እንከለዉ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ግርጭታትን  ሰብኣዊ  ቅልውላውን ይገድድ ኣሎ ኢሎም፡ ብሰንክዚ ሲቪል ሰባት ብዓሌታዊ መንነቶም ኣብ ሓደጋ ሞት፡ ዓመጽን ማእሰርትን ይወድቁ ምህላዎም ኣቃሊዖም። ሕጽረት መግብን ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን እውን ንኩነታት ኢትዮጵያ የጋድድዎ ምህላዎም ኣብቲ መገልጺኦም ኣስፊሮም።

ኣብዚ እዋንዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ጠጠው ክብል፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ክቕጽልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ከውጽእን ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።

ሰራዊት ኤርትራ ብሰፊሑ ዝሳተፈሉ  ዘሎ፡ ውግእ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ቀጻሊ ኣብ ዘለወሉ፡ እቲ  ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ናይ ሰላም ዘተ 24 ጥቅምቲ 2022 ከም ዝካየድ በቲ ሕብረት ከም ዝተነግሮምን መንግስቶም ክሳተፍ ድልዊ ከም ዘሎን ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሰን ብ20 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣፍሊጦም።

ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ጸጥታዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኮይኖም፡ ኣባል ናይቲ 7 ዝኣባላቱ ናይ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ ናይ ዘተ ሽማግለ እዮም።

ነዚ ተታሒዙ ኣሎ ዝተባህለ ናይ ዘተ መደብ ብዙሓት ወገናት ወይ ኣይካየድን እዩ፡ እንተተኻየደ እውን ውጽኢት ኣይህልዎን እዩ ዝብልዎ ዘለዉን ናይ 24 ጥቅምቲ 2022 ቆጸራ ብዝምልከት እዚ ዜና ክሳብ ዝዳለወሉ ብወገን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ክልል ትግራይ ብወገዒ ዝተባህለ የለን።

ብኻልእ ወገን ድማ ነቲ ብ8 ጥቅምቲ 2022 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ እሞ ንዘይተፈልጠ ግዜ ተናዊሑ ዝተባህለ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዘተ መደብ ተኸቲሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ብዝኸፈአ ደረጃ ቀጻሊ ኣሎ። ነቲ  ደማዊ ውግእ ዝተፈላለዩ ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ዝቃወምዎ ዘለዉ ኮይኑ፡ ናይ መቃወሚኦም ማእከላይ ነጥቢ ከኣ “ሓይልታት ኤርትራ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ይውጻእ” ዝብል እዩ። ናይ ክልቲኦም ወገናት ናይ ምርኻብ ዕድል እንተ ኣጋጢሙ እውን ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ቀንዲ ዓንቃፊ ዛዕባ ከም ዝኸውን ብብዙሓት ይግመት።

ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ናይቲ ውግእ፡ ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት  ትግራይ ድሕሪ መቐለ ዝዓበየት ከተማ ትግራይ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ትሕቲ’ቲ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ወሲኽካ ኣንጻሮም ዝዋጋእ ዘሎ “ናይ ልፍንቲ ሰራዊት” ዝብልዎ ከም ዝወደቐት ኣፍሊጡ። ኣብ ከባቢ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ኣዝዩ ሓያል ውግኣት ይካየድ ከም ዘሎ ድማ  ኣፍሊጡ።