ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ይወድቓ’ሎ ተባሂሉ

2025-12-26 11:28:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 374 times

መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶ ስደተኛ ናይ ምምላስ ተግባር ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣፍሊጦም። ናይዚ ጠንቂ ብሰንኪ ብእዋኑ እኹል ገንዘብ ዘይምርካብ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። በዚ ድማ መሰረታዊ ዝኾኑ  መግቢ፡ ማይን ሕክምናን ምቕራብ ኣይተኻእለን ተባሂሉ። ነዚ ጸገም ተቓሊዖም ዘለዉ ስደተኛታት ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።

ናብታ ብዝሒ ምዕቋብ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ 2ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክውሕዙ ካብ ዘገደዱ ምኽንያታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ግርጭታትን ኣብ ሶማሊያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቅን ምዃኖም ድማ  እቶም ኣካላት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። እተን ነቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ነገራት ዘቕርባ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣቕርቦተን ኣብ 2025 ብ70% ከም ዝነከያ  ተጠቒሱ።

ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን ዝተባህለት ሓላፊት ናይቲ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ትካል ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሃገራ እቶም ስደተኛታት ንክዕቆቡ ዕድል ምሃብ እምበር፡ መሰረታዊ ነገራት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከምዘየብላን ሕብረተሰብ ዓለም ሓላፍነት ክስከም ከም ዘለዎን ምፍላጣ’ውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ወይዘሮ ኣሲሳቶው ንድየ በወገና፡ ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ጉዳይ ኢና ዘለና ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ኩነታት “ሕቶ ስደተኛታት ምምላስ ይቐጽልዶ ኣይቐጽል ኣብ ቀረባ ግዜ ክንውስን ኣብ እንግደደሉ ኩነት ኢና ዘለና” ኢላ። ናይቲ ጸገም ስፍሓት ክትገልጽ እንከላ ከኣ ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ ቀረብ 40% ከጉድል ከም ዝተገደደ ሓቢራ።

ዝልታን ሚሊሲክ ዝተባህለ ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ በቲ ዘለዎ ዝተሓተ ደረጃ  ንምቕጻል ንመጻኢ 6 ኣዋርሕ 90 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮም ጠቒሱ፡ እዚ እንተዘይተረኺቡ ግና ኣብ መጻኢ ኣዋርሕ ኣገልግለቶም ምሉእብምሉእ ከቋርጹ ከም ዝግደዱ ኣፍሊጡ።

በዚ ኩነታት ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ግዳያት ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ስደተኛታት ከባቢ ዳባት-ጎንደር ዘተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን  ቅድሚት ዝስርዑ እዮም።

Last modified on Friday, 26 December 2025 12:43