EPDP Editorial

ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓተ-መንግስቲ ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ልዕልና ሕጊ ሕሉው ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ’ዩ። በዚ ከኣ መላእ ህዝቢ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ቅድሚ  ሕጊ ማዕረ መሰል ይህልዎ። ይኹን እምበር ብልዕልና ሕጊ ዘይምእዘዙ ዓመጽትን መለኽትን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ግዝኣኣቶም ንምስፍሕፋሕን ንከኽእሎም  ሓይልን ዓመጽን ልዕሊ ሕጊ ክሰርዑን ይረኣዩ እዮም።

ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝብን ህግደፍን ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ዝምድና፡ ነዊሕ ዝዕድመኡን ንምግላጹ ዘደንጹን ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። እቲ ኩነታት ኣጠቓሊልካ  ክቐርብ ካብ ዝኽእለሉ፡ “ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን መሰላቱን ዝተጻዕነሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዓሉ ኣቀማምጣ እዩ” ኢልካ ምጥቃስ ይከኣል። ሓይልታት ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ፡ ነዚ ግልቡጥን ሓደገኛን ኣቀማምጣ፡ ልዕልና ህዝብን ሕግን  ልዕሊ  መንግስትን ኣካላቱን ዝረጋገጸሉ ስርዓት ንምውሓስ እዩ።

ሕጊ፡ ንበብሓይልኻ ምኻድ ዓጊቱ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዕማማት ዝሰርዕን እንታይ ከምዝገብሩን እንታይ ከምዘይይገብሩን ዝውስን፡ በበይኑ ድሌታት ዘለዎም ኣካላት ተኸባቢሮምን ተደጋጊፎን ብሓባር ክነብሩ ዘኽእል ዳኛ እዩ። መላእ ዓለምን ህዝባን ድማ ከከም ኣድላይነቱ ብሰናይ ፈቓዶም እናተኸኣኣሉን እናተሓጋገዙን ዝነብሩ ዘለዉ፡ ብሃገራት ጀሚርካ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላትን ዝጸደቑ ሕግታትን ቻርትታትን ተኣማሚኖም እዮም። ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ፡ ቻርተራትን ስምምዓትን እንተተሰሪዑ ግና፣ ዓለምና ናይ ልዕሊ 200 ልኡላዊ ሃገራት ዘይኮነት ናይ ኣዝየን ውሑዳት  ሃገራት መዕንደሪት መኾነት ነይራ።

ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ብጀኦግራፊያዊ ስፍሓታ ኣብ መበል 101፡ ብብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣብ መበል 132 ከም እትርከብ ሰነዳት የርእዩ። እዚ ንቁጠባዊ ብልጫታት’ውን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ኤርትራ ዝዓበያን ዝሓየላን ሃገራት ከም ዘለዋ ዘመልክት እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ብሳላቲ ህዝብና ዘካየዶ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ብዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ተዓዛብነትን ዘካየዶ ህዝበ-ውሳነን፡ ካብ 28 ግንቦት 1993 ንደሓር ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ኮይና። በዚ ድማ ምስተን ሚልዮን ትርብዒት ማይላት ዝስፍሓተንን ብቢልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዘለወንን ሃገራት “ማዕረ ልኡላዊ” መሰል ኣለዋ። እዚ ልኡላዊ ክብሪ፡ ህግደፍ እንተሎ ዝህሉ፡ እንተሓለፈ ዝሓልፍ ዘይኮነ፡ ምስ ኤርትራን ህዝባን  ነባሪ’ዩ። እዚ ልኡላዊ ማዕርነት ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ስለ ዘይተሰርዐ ዝተረኽበ መሰል እዩ። ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ክብራ፡ ሓርነትን ዲሞክራሲን ዝደረበት ሃገር ንክትከውን እዩ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ልኡላውነት ብልኡላውነት ህዝቢ እንተዘይተሰንዩ ምሉእነት ስለ ዘይህልዎ።

ኣብ ዝኾነ ተረኽቦ ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ክስራዕ እንከሎ፡  ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን፡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ኣካል ተመኩሮና ስለ ዝኾነ ፍሉጥ እዩ። መንቀሊ ናይቲ ነዊሕ ዝዕድሚኡን ከቢድ ዝዋግኡን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ምንባሩ እውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ዝለዓለ መግለጺ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን” ሓደጋ፡ ምስምሳት እናፈጠርካ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ሃገራት ዝረአ ወራሪ  ወስታታት እዩ።  ታሪኽ ወራርን ተወራርን ነዊሕ ዛንታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝቀላቐል ዘሎ ይመስል። ናይ ሩሲያ ወስታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ናይ እስራኤል ጋዛ ናይ ምጥቕላል ሃቐነን ብኣብነት ዝጥቀሱ ተረኽቦታት እዮም። ኣብዚ እቲ ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብተደጋጋሚ ዝደገፈ ህግደፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ “ምድፋር ልኡላውነት ናይ ምቅዋም ሞራል ኣለዎዶ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር እዩ። ወያ ከም ናይ ዓለምና ኣኽባሪት ሕጊ ፖሊስ፡  ጌርካ ክትውሰድ ዝጸንሐት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ርእሲቲ ኣንጻርቲ ዓለም ኣብ  ምትህድዳእ ግደ ዝነበሮም ሕግታት ብፕረሲደንታ ሮናልድ ትራምፕ፡ ዝውሰድ ዘሎ ህዉኽ ስጉምትታት፡ “ግሪን ላንድ  ተድልየኒ እያ” ዝብል ወስታ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ንክኸውን  ዘተባብዕ ሓደገኛ ተርእዮ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኣለና” ዝብል ብቐጻሊ ዝስማዕ ዘሎ መዝሙር ዝገልበጥካ እንተገልበጥካዮ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ክትሰርዕ ካብ ምድላይ ወጻኢ ዝትርጐም ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ካልእ ዝርዝር ከይነውሓና፡ ካብ ግዜ ንጉስ 2ይ ምነሊክ ጀሚርካ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሑ ውዕላትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ጠሓሒስካ ህርፋንካ ናይ ምትግባር ድሌት ንዕዘብ ስለ ዘለና። ዋላ ነቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተረኽቦ ኣጽኒሕካ፡ “ውዕል ኣልጀርስ እውን እኮ ክንጥሕሶ ንኽእል ኢና” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ’ሎ። ምናልባት “ዓለም ለኻዊ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጠቓቕማ ሕግታት ተመርኲስና፡ ብወደባት ኤርትራ ኣገልግሎት  ክንረክብ ኢና” ዝብል እንተዝነብር፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን ሓደጋ” ስለ ዘየስዕብ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ተጠቃሚ ስለ ዝኸውን መተቐበሎ።

እዚ ጠቕሙን ሳዕቤኑን እንታይ ከምዝኸውን፡ ኣመዛዚንካ ዘይተሓስበሉ ዝመስል፡ ከምቲ “ብዕራይሲ ስበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል፡ ዶብ ኤርትራ ጥሒስካ ወደብ ብምውናን ጥራይ ጠጠው ዝብል ዝመስሎም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ እቲ ምጥሓስ ሕጊ ሓንሳብ ምስ ተኸፍተ፡ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ከም ዝበሃል፡ ተመሊሱ ናብኦም ከም ዝግልበጥ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ጽባሕ ካልእ ሓያል መጺኡ ንኦጋዴን ድዩ ንሞያለ፡ ወይ ኣልፋሽጋ “ናተይ እዩ” ምስ ዝብል፡ እቲ “ልኡላዊ መሬተይ እዩ” ዝብልሉ መርተዖ ካብ ኢዶም ከም ዝወጽእ ምስትውዓል ኣድላይ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ዘሳሓሕብ ዘይተጠረረ ዶባት ከምዘለዋ ኣብ ግምት ከእትውዎ’ውን መተገብኦም።

እምበኣር፡ ሎሚ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ደፊእካ እንተኣቲኻ ጽባሕ እውን ንስኻ ግዳይ ናይ ምዃንካ ሓደጋ ክፉት ምዃኑ ርኢና ኣለና።  ስለዚ በቲ ሓደ ወገን  በመንጽርቲ ጐረቤትና ኢትዮጵያውያ ነቲ ኩነታት ይረእየሉ ኣለኹ ብእትብሎ ዘላ መዳያት፡ ታሪኽ፡ ቅርበት ናብ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ናይ ብሄራት ኣሰፋፍራ፡ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጸጥታን ደሕንነትን፡ ቁጠባዊ ዕቤትን ኣህጉራዊ ሕግታትን፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ክገሃስ ዘይክእል ምዃኑ ኣስተውዒልና “ዓገብ ንልኡላዊ ግህሰት” ክንብል ግድነት እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብን ትካላትን፡ ኣብ ልዕሊ ሕግታትን ቻርተራትን ጥሒሶም” ንሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ብምስራዕ፡ ዘይናቶም  ክውንኑ ሃንደፍደፍ ንዝብሉ ወገናት ተጽዕነኦም ከሕይሉን፡ ወረ ውግእ  ንዘቃልሑ “ሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ተኸተል”  ንክብልዎ  ብቐጻሊ ክንጽውዕ  ይግበኣና። 

ፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢና ብሓፈሻ፡ ናይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ውረድ ደይብ ዘይተፈልዮ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ዝዋሳእ ዘሎ ህግደፍ ማእከሉ ወጽዓን በደልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮይኑ፡  ጉዕዞ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከኣ ብኣንጻሩ፡ ማእከሉ ካብ ወጽዓ  ምንጋፍ ነይሩን ኣሎን። ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ኣንጻር ህግደፍ፡ ፍሉይ ኣቓልቦ ክንህቦም ዘገድዱና ተረኽቦታት’ውን ከጋጥሙና ጸኒሖም እዮም። ሎሚ እንርከበሉ ዘለና ኩነታት ከኣ ብፍሉይነት ክንጥምቶ እንገደድ ክስተት እዩ።

ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ንሓርነት፡ ናይቶም ዝያዳ እነቕልበሎም ኣጋጣምታት ፍሉይነት ብውግእ ዝተሰነዩ ኮይኖም ምጽነሖም እዩ። ካብቶም ህግደፍ ወግእ ከፊቱ ናብ ፍሉይ ኩነታት ከእትወና ዝጸንሓሎም ተረኽቦታት፡  ቅድም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ደሓር ድማ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ብሓባር ተሰሊፎም ዘካየድዎ ውግኣት፡ ብፍሉይነቶም ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ኣጋጣምታት ማእለያ ዘየብሉ ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ ዝተመዛበለሎምን ዝሃለቐሎምን ንብረቱ’ውን ዝዓነወሎም እዮም። እቲ ካልእ ዝያዳ ፍሉያት ዝገብሮም ከኣ፡ ብመንጽር ኤርትራዊ ረብሓ ብቕንዕና እንተዝረኣዩ ብዘይወግእ ክፍትሑ ዝኽእሉ ምንባሮም እዩ። ነቶዞም ውግኣት  ዘሕዝኑ ዝገብሮም ካልእ መልክዕ ከኣ ኣብቲ ዳሕረዋይ ካብቲ ቀዳማይ ትምህርቲ ዘይተወስደሎም ምዃኖም እዩ። እቲ ብዝገደደ ዘገርም ድማ፡ ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ንሓንሳብ “ተገዲድና” ንሓንሳብ ድማ “ተዓዲምና” ዝኣተናዮ እዩ” እናበለ ዝሕበኣሎም ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ናብ ካልእ ውግእ ክኣቱ  ዘይነበሮ እዩ። እቶም ድሕሪ ነጻነት ዝኣተዎም’ሞ ካብቲ ናይ 30 ዓመታት ዘይውሕድ ዋጋ ዘኽፈልዎ ውግኣት፡ ህግደፍ ብሰንኪ ካብ ናይ ህውከት ስኽራን ዘይምውጽኡ እንተዘይኮይኑ፡ ከምቲ ናይ ግዜ ነጻነት መተካእታ ስለ ዘይነበሮም ዝተኣትዉ ኣይኮኑን። ንኣብነት እቲ ድሕሪ ከቢድ ክሳራ ናብ ኣልጀርስ ዝተወስደ፡ ብዘይደም ምፍሳ’ውን ከምቲ ብሕጊ ዝተታሕዘ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ እዩ። ናይ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታው ብቕርሕንትን ምፍዳይ ሕነን ዝተላዕጠጠ ካብቲ ቀዳማይ ስሕታን ዘይተማህረ ናይ ህግደፍ ትምክሕቲ መርኣያ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ትግራይ ውግእ’ውን ዝበልዐ ምስ በለዐ ንህግደፍ ጓስዩ በቶም ዝምልከቶም ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ከም ዘምርሕ ኣቐዲምካ ግንዛበ ክውሰደሉ ዝነበሮ’ዩ። ብፍላይ ከም ወገን ህዝቢ ኮይንካ ክትርእዮ እንከለኻ፡ እቲ ኣብ ትግራይ  ዝሰንከለ መንእሰይ ኤርትራ “ኣብ ምንቲ ምንታይ ኢኻ ግዳይ ኮይንካ?” ክበሃል እንከሎ ንምምላሱ ከም ዝጸግሞ ዘማትእ ኣይኮነን። 

ብዘይካ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መተካእታ ምስተዓጽዎ ዘካየዶ እሞ ናብ ነጻነት ዘብቀዖ፡ እቲ ድሕሪኡ ህግደፍ ፈቐድኡ ክህንድሶ ዝጸንሐ ውግኣት ናይ ዝኾነ ጸገም ህዝብን ሃገርን መፍትሒ ኣይነበረን። ስለዚ ኢና ድማ  ብወግእ ዝፍታሕ ጸገም ከምዘየለ ተገንዚብናን ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ምዃኑ ኣስተውዒልናን፡ ኣንጻር ምኽኑይ ዘይኮነ ውግእ ክንቃለስ ይግበኣና እንብል። በዚ ኢና ከኣ መፍቶ ናይቶም ኣገባቡ ብዘየገድስ  ብውግእ ዝነግዱን ዕድመ ስልጣኖም ዘናውሑን ከይንኸውን ሓቢርና ክንቃለሶ ዝግበኣና። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀዳማይ  ከጨንቐና ዝግበኦ “ውግእ እንተተጀሚሩ ምስ መን ኢና ንሰለፍ?”  ዝብል ዘይኮነ፡ “ከመይ ጌርና ኢና እቲ ዝስጋእ ዘሎ  ውግእ ንከይባራዕ  እንገብር?”  ዝብል ክኸውን ይግበኦ እንብል።

ኣብ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ካብ ዘይተመለሱ ብዙሓት ሕቶታት ሓደ፡ “ከመይን መዓስን ኢና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ዓቕምና ሓቢሩ ዘድመዓሉ መድረኽ ንፈጥር?” ዝብል ቅድሚት ዝሰፍር’ዩ። ብፍላይ ኣብዚ በብኹርናዑ ደበና ውግእ ዝያዳ ዝኸብደሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ሕቶ’ዚ ዝያዳ  ከም ዝለዓል ንዕዘቦ ኣለና። ምኽንያቱ ንህግደፍ በቲ ዘይግሉጽን ዘይቅኑዕን ኣተሓሕዛ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ክንገብሮ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ወገሐ ጸብሓ “ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ እንተዘይወነንኩ ክሳደይ ንኻራ” ዝብሎ ዘሎ፡ “ተኣደብ” እንብለሉ፡ እንተዘይተዓጊሱ ድማ “እንኹንነሉ”  ኣድማዒ ናይ ሓባር  ድምጺ የድሊ ስለ ዘሎ። ነቲ  ሓያል ናይ ሓባር ድምጺ  ዘመንጩ መድረኽ ክንፈጥር እንተዘይበቒዕና፡ ካብኡ ሓሊፍና፡ ገለን ውግእ ኣንጻር ልኡላውነትና እንኹንን፡ ካለኦት ድማ “ህግደፍ ደኣ ይውደቐልና እምበር ደሓን” ብዝብል ደገፍቲ  ናይቲ ከጋጥም ዝኽእል ውግእ  ኮይንና ናይ ምክፍፋልና  ዕድልና ክፉት እዩ። እንተ ህግደፍ ኣብ ምውዳቕ እቲ ቅድሚት ዝስለፍን ወሳንን ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዓቕሚ እዩ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ መድረኽ ዝኽሪ መበል 129 ዓመት ዓወት ዓድዋ፡ “ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣባል ማሕበረሰብ  ቀይሕ ባሕሪ ክንከውን ኢና” ዝበሎ እንተወሲድና፡ ናይቲ ጉዳይ ተሃዋስነት የረድእ። ሕሉፍሓሊፎም ንዓሰብን ኢትዮጵያን ከም ናይ ክሪምያን  ሩሲያን ከወዳድሩ’ውን ንዕዘብ ኣለና። እቲ ተስፋ ዝህብ ግና ክሳብ ክንደይ ሰማዒ ይረኽቡ ኣብ መስርሕ ዝምዘን ኮይኑ፡፡ “ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ናይ እንዳማትና ባሕርን ወደብን ናይ ዋንነት ሕቶ ከነቕርብ ዘኽእል ፖለቲካውን ታሪኻውን መሰረት ኣለና ድዩ?” ዝብል ድምጾም ዘስምዑ  ኢትዮጵያዊ ወገናት’ውን   ምህላዎም  እዩ።

ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያን ምእንቲ ነጻነቶም ን30 ዓመታት ዝኸፈልዎ ዋጋ ዘንጊዖም፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገሩ ብተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት  ዘካየዶ እሞ 99.83 “እወ ንነጻነት” ዘድመጸሉ ረፈረንዶምን ልኡላዊት ኤርትራ ማዕረ ኢትዮጵያ ኣባል ሕብራት ሃገራት ምዃናን እናረኣዩ ከምዘይረኣዩ ብምዃን ግዝኣታ  ክንወስድ ኢና ምባሎም ንብዙሓት ዘደንጹ ክስተት ኮይኑ’ሎ። ዋና ዓሰብ ንምዃን፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሚዛን ዘየብሉ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምውድዳር ከም መርተዖ ምውሳድ  ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ከይተረፈ ኣብ ትዕዝብቲ  ዘውድቕ እዩ። ጉዳይ ልኡላውነት ክለዓል እንከሎ፡ ባእሶምን ህልኾምን ኣንጻር ህግደፍ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኸውን ዝተገንዘቡ’ውን ኣይመስሉን።

ሎሚ እውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ውግእ  መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይከውን ብምርዳእ፡ ዝንጸግ ክንነጽግ ክኹነን ዝግበኦ ከኣ ክንኩንን ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ እዋን ኢና እንርከብ። ናይ ዓገብ ድምጽና ንክስማዕን ትርጉም ንክህልዎን ከኣ ብሓባር ዝቃላሕ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢልና እምበኣር “ናይ ሓባር ድምጺ ከነስምዕ  ግድን ዝኾነሉ”  ክንብል ንግደድ ዘለና።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባና ኮነ ዓለምና ገኒኖም ካብ ዘለዉ ርሱናት ፖለቲካዊ ዛዕባታት፡ “ኢትዮጵያ ብእተልዕሎ ዘላ ናይ ዋንነት ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ምስምስ፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ክላዓል ድዩ ኣይክላዓልን?  ዝብል ሕቶ ቅድሚት ዝስራዕ ዘሎ እዩ። ናይዚ ሕቶ መልሲ ምስ ናይቶም መልሲ ዝህቡ  ኣተሓሳባን ድሌትን ስለ ዝተሓሓዝ፡ ዝተፈላለየ ከም ዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን።

ገለ ወገናት “ምብርዑ ዘይተርፍን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ውግእ ከኸውን እዩ” ክብሉ ከለዉ፡ ካለኦት ድማ “እቶም ዝፈኻከሩ ዘለዉ መንግስታት ካብቲ ወጢሩ ሒዝዎም ዘሎ ዘቤታዊ ዛዕባታቶም ንምህዳም ዝምህዝዎ ዘለዉ እምበር፡ ውሽጣዊ ኩነታቶም ውግእ ዝጸውር ኣይኮነን”  ዝብል ምላሽ ኣለዎም።  እቲ ካልእ ዘገርም ካብ መራሕቲ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ “እወ ውግእ ክካየድ እዩ፡ ወይ ኣይካየድን’ዩ” ዝብል መልሲ ዝጽበዩ እሞ ንዓኡ ከም ሓቂ ክወስዱ ሃንቀው ዝብሉ የወሃት ምህላዎም እዩ።

እቲ ከይመጽእ ዝስጋእ ውግእ፡ ዝያዳ ኣዛራቢ ካብ ዝኾነሉ ምኽንያታት፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተኸታታሊ ውግኣት ክማስኑ ዝጸንሑ ምዃኖም እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ፍትሓዊ ውግእ ዝሓደሮ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዘለዉዎ ስንብራት ከይሓወየን ጻማ ቃልሱ ከይረኸበን፡  ኣብ ናይ ድሕሪ ነጻነት ዓመታት’ውን ብዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣፍልጦን ረብሓን ዘየብሎም ውግኣት ክሕመስ ዝጸንሐ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ገዛእ ርእሱን ናብ ጎረባብቲ ህዝብታትን ውግእ ከይመጽእ ክሰግኡ እትጽበዮ እዩ። መንቀሊ ናይቲ ድሕሪ ነጻነት ዝተኻየደ ውግኣት፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምምላስ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ህዝቢ ብምህዳም፡ ህዝቢ ናብ ደገደገ ከም ዘማዓዱ ንምድራኹን ንምስንባዱን ዝዓለመ ከም ዝነበረ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ናይ ውግእ ስንብራት፡ ካብቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኡ ማእዝናት ናይታ ሃገር  ይካየድ ብዘሎ ውግኣትን ሳዕቤናቱን ብኣዝዩ ዘተሓሳስብ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝሳቐን መፍትሒ ክረክብ ናብ መንግስቲ ዝጠርዕ ዘሎን ህዝቢ እዩ። ብመንጽር’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ብዝኾነ መንገዲ ወነንቲ ባሕርን ወደብን ክንከውን ኢና” ብዝብል ዝድስቖ ዘሎ ነጋት ብመንጽር’ቲ ከቢብዎ ዘሎ ወጥሪ ቀዳምነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ መንገዲ ምሓዙ፡ “ኮንደኾን እቲ ዘለቕለቕ ዝብል ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ይጽገን ይኸውን” ካብ ዝብል ከም ዝነቅል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ምስዚ ግና “የለን ዝመጸ እንተመጸ ውግእ ካብ ምኽፋት ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን” እቲ ፈኸራ ከኣ ኪኖ መህደሚ እዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

እዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሕድሕዶም ዝካሰስሉን ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ “ተደፊረ” ጥርዓን ዘቕብሉ   ዘለዉን ውግእ እንተተባሪዑ፡ “መን ምስ መን ክስለፍ እዩ? ዝብል ሕቶ ኣዛራብን ናይ ብዙሓት ግምት ዝወሃበሉ ዘሎን እዩ።  ኣብዚ እዋንዚ ዝካየድ ውግእ ቀልጢፉ ዝሰፍሕ እምበር፡ ኣብቶም ጀመርቱ ተደሪቱ ዝተርፍ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በዚ መሰረት ናይዚ ሕቶ መልሲ ተሃዋሲ እዩ። ምኽንያቱ ብናይቶም ተሰለፍቲ ሓይልታት ኩለ-መደያዊ ረብሓን ሕሳብን ዝውሰን ኣዝዩ ቅልጡፍ ምቅይያር ዘርኢ  ስለ ዝኸውን።

ብዛዕባዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይባራዕ ዘስግእን ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘሎን ውግእ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራትን ዞባን ሓሊፉ፡ ብደረጃ ዓለም እውን ብዙሓት ብዛዕባ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቅርኒ ኣፍሪቃን ኣፍልጦን ተመኩሮን ኣለና ዝብሉ ወገናት፡ ዝጽሕፍሉን ዝዛረብሉን  ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ዝጸሓፍ ኮነ ዝዝረብ ከይተላዕለ ዘይሓልፍ ከኣ፡ ኣብ ርእሲቲ ኩለ-መዳያዊ ህልዊ ዓቕሚ ናይዘን ክልተ ሃገራት፡ “መን ንመን ኣብ ጐኑ ከሰልፋ ይኽእላ?” ዝብል እዩ።

ኤርትራ ምናልባት፡ ንግብጺ፡ ንሳዑድ ዓረብን ብጀነራል ኣልቡርሃን ንእትምራሕ ሱዳንን ከተሰልፍ ተኽእሎ ከም ዘሎ፡ ዘመልክቱ ኣለዉ። ኢትዮጵያ ድማ ብሕቡራት ዓረብ ኢመራት፡ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ሱዳንን ክትድገፍ እያ ዝብል ግምት’ውን ኣሎ። ከምኡ ንምግማት ዘኽእሉ ምልክታት እውን ኣለዉ። እቲ ኣሰላልፋ ብጐረቤትን ዞባን ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝኸይድ ከምዝኸውን’ውን ዝሳሓት ኣይኮንን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ምስ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ” ኣብ ስልጠናን ምህናጽ ዓቕሚ ሰብን ዝተፈራረሞ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ነዚ ዘመልክት እዩ።  ድምጸን ዘየስምዓ ነቲ ኩነታት ብጽሞና ዝዕዘበኦ ዘለዋ ሃገራት ከኣ ብዙሓት እየን።

እቲ ካልእ ኣብ ኣሰላልፋ ከይተጠቕሰ ዘይሓልፍ፡ እቲ ኣብ ቀረባና ዝርከብ ሓይሊ ትግራይ  እዩ። ብናይ ብዙሓት ሚዛን ነቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ዘይምትግባር ውዕል ፕሪቶርያን ተኸቲሉ፡ ተጋሩ ፖለቲከኛታት ሰልፎም ብሓባር ምስ ሓዲኦም መንግስታት ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ተርእዮታት ኣለዉ። ብኣንጻሩ “እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ናይ እገለ ደጋፊ እዩ” ተበሃሂሎም ዝካሰስሉ ዘለዉ ኩነታት እዩ። ክልቲኦም መንግስታት ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልያትን፡ ናይ ፋኖን ኦነግን ህልዊ ኩነታትን መዝሚዞም፡  ኣብዚ ኣሰላልፋ ልዕልና ንምርካብ  ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ እዩ።

መንግስታት ኣይኮነንዶ ክንዲ ውግእ ዝኣክል ህይወትን ንብረትን ዝህሙኽን ኣብ ስልጣን ምቕጻሎምን ዘይምቕጻሎምን ዝውስን መደብ፡ ካልእ ንኡስ ተልእኮ ንምትግባር እውን ናብ ህዝቢ እዮም ዝመጹ። ኣብ ሽዑ በጺሖም ከኣ ነቲ ውግእ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት፡ ነቲ “ኣበይ ኣለኻ?” ኢለምዎ ዘይፈልጡ ህዝቢ፡ “መን ከማኻ፡ ዓወትና ብኣኻ እዩ ዝውሰን፡ ናይቲ ውጽኢቱ ተጠቃሚ ከኣ ንስኻ ኢኻ”  ክብልዎ ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። ህግደፍ ግና ነዚ ህዝቢ ብምርዳእ ዘይኮነ፡ ብሓይልን ኣጓጣጥን ናይ ምትግባሩ ተመኩሮ ዘለዎ ዓመጸኛ ጉጅለ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ድሮ ውግእ ዘካይዶ ምዕልባጥ፡ ሎሚ እውን ዝቕጽሎ ዘሎ ናይ “ዓይኒ የብለይ፡ ስኒ የብለይ ክሳብ ደቂ 60 ዓመት ኣገዲድካ ምግፋፍ”  ናይዚ መረጋገጺ እዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት፡ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ “መሰረታዊ ሕቶይ ክምልሰለይ እምበር፡ ካብ ዘቤታዊ ዛዕባይ ብምህዳም ናይ ዘሳውሮ ውግእ ግዳይ ኣይከክገብረንን’ዩ” ክብልን ክጸባጸቦን ይግበኦ። እቲ ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ስሙርን ተባዕን ህዝባዊ መርገጽ ዘይምሓዝ ግዳይ ክኾኖ ዝጸንሐ፡  ሕጂ’ውን እቲ መፍትሒ ኣብ ኢዱ ዘሎ እምበር፡ ካብ ህግደፍ ዝጽበዮ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ ኣንጻር ውግእ ካብ ምዝማር ዓዲ ክውዕል የብሉን ኢና እንብል።

ዝሓለፈ ፍጻመ፡ ናይ ህልውን መጻእን ተግባር መወከስን መንቀልን’ዩ። በዚ መሰርት ኣብ ሎሚ ኮይንካ ንዝሓለፈ ብዘይምርሳዕ፡ ንቕድሚት ምእማት ንቡር ኣካይዳ እዩ። ዝሓለፈ ዘይምርሳዕ ክባሃል ከሎ  ኣብ ሎሚ ኮይንካ ኣብ ሕሉፍ ተኣሲርካ ምንባር ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ካብቲ ዝሓለፈ እወንታን ኣሉታን ክትመሃር እሞ፡ ነቲ እወንታ ምስ ህልዊ ኩነታ ኣሰማሚዕካ ንክትወስድ፡ ነቲ ጌጋ ድማ ንዘይምድጋሙ ዘኽእል እዩ። ይሕመቕ ይጸብቕ ከይመመኻ ኣብ ሕሉፍ ጥራይ ተሽኺልካ ምንባር ግና ነቲ ቅድም ዘየዕወተ መንገዲ ከምዘለዎ ምድጋም ስለ ዝኾነ ዝምረጽ ኣካይዳ ኣይኮነን።

ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምእማት ናብ ዘየዕወተካ ኣተሓሳስባ ንድሕሪት ምጥማት ወይ ኣብ ዘለኻዮ ደው ምባል  ብውልቂ ኮነ ብእኩብ ዓጋቲ እዩ። ናይ ሕሉፍ እሱር ካብ ምዃን ንምውጻእ፡ ዝግበር ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ምኽታል ዘድልዮ፡ መስርሕ ለውጢ  ምዃኑ ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮን ንሓልፎ ዘለናን እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውዳበታትን መንግስታትን ዘጋጥም ክኸውን እንከሎ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ቀሊል ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ኣብ ተመኩሮ ዝተራእየ  እዩ። እቲ ዝያዳ በዳሂ ዝኸውን ከኣ፡ ነቲ ዝሓለፈ  ብመንጽር ዝሓለፈሉ ኩነታት ከይመዘንካ፡ ከም’ቲ ዝነበሮ ሓጢጥካ ክድርበ እንከሎ እዩ።

ኤርትራውያን እቲ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ፡ በብመልክዑ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልስና፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክረአ እንከሎ ብዙሓት ኣይኮነንዶ ክትደግሞም ክትዝክሮም’ውን ዘጣዕሱ ኣሉታታት ከም ዝነበርዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ሎሚ ክንክተሎ ዝግበኣና፡ ነቲ ዝሓለፈ ዘይምዝካሩ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ነቲ ግጉይን ግዜኡ ዝሓለፈን ጐኑ ከይድገም ምጥንቃቕ እዩ። ነቲ ብሰንኪቲ ሕሉፍ ጌጋታት ዝሓደረ ቂምን ህልኽን ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ንቕድሚት ምምዕዳው ክሳብ ክንደይ ከቢድ ቃልሲ ዝሓትት ምዃኑ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ዝርደኦ የለን። ሓደ ካብቲ ንህግደፍ ሓዲርዎ ዘሎ ናይ “በሓትን ጠላምን ሕማም” ከኣ፡ መንቀሊኡ ኣብ ሕሉፍ ክትጸባጸብ ናይ ምንባር ድርቅና እዩ።

ኣብ ተመኩሮና፡ ኣብ ሕሉፍ ናይ ምንባር ስንክልና ንሓንሳብ ዝድይብ ንሓንሳብ ድማ ዝወርድ ኮይኑ፡ ኣብ ጉዕዞና ፈጺሙ ዘይለቅቕ ዕንቅፋት ኮይኑና’ሎ። ዝሓለፉን ዘለዉን መንግስታት ኢትዮጵያ ካብ ዝግለጽሉ ባህርያት ጉዳይ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ዘርእይዎ፡ ኣብ ሕሉፍ ናይ ምንባር ሕዱር ሕማም እዩ። ብሰንኪ’ዚ እዩ ከኣ፡ ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ሓደ ክለዓል እንከሎ ነቲ ካልእ ከይተንከፎ ዘይሓልፍ። ኣብዚ እዋንዚ  ምምሕዳር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሕሉፍ ካብ  ምንባር ከም ዘይወጸ ዘርኢ ምልክት ንዕዘብ ኣለና።  ንሱ ድማ  ነቲ ከምዘይቅየር  ናይ መወዳእታ መልክዑ ዝሓዘ፡ ቀደም ንክልቲአን ሃገራት ዘራኽብ ዝነበረ ፋይል ንድሕሪት ክትመልስ ዝግበር ሃቐነኦም ኮይኑ ንረኽቦ። ኤርትራ ሓደ እዋን ብዘይፍትሓዊ መንገዲ፡ ብሰንኪ ዕዉርን ዓምጣርን ህርፋን ንግስነት ኢትዮጵያን ዘይፍትሓዊ ደገፍ መሻርኽቱን፣ ብዘይኣፍልጦን ድሌትን ህዝባ ኣካል ኢትዮጵያ ከም ዝነበረት ዝከሓድ ኣይኮነን።

እንተኾነ ፍትሒ ተቐቢራ ስለ ዘይትነብር፡ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን”  ኢሎም ብፍትሓዊ ኒሕ ተደሪኾም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ኤርትራውያን፡ ንሃገሮም ናብ ንቡር ቦተኣ መሊሰምዋ። ኩሉ’ቲ  ቅድሚኡ ዝነበረ ዝርዝር ቃልስን ዝተኸፍለ መስዋእትን ገዲፍካ፡ ድሕሪ’ቲ ኤርትራ ብመንገዲ ረፈረንዶም ልኡላዊት ምዃና’ውን፡ ሓያሎ ምግንዛብ ዝጐደሎምን ብትምክሕቲ ዝዓወሩን ኢትዮጵያውያን፡ “ኤርትራ ካብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ኣይትፍለይን’ያ” ካብ ዝብል ናብ ሕሉፍ ካብ ምንቅዕራር ዘይወጹ ምንባሮም ርዱእ ኩይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ደግሲ ዘይወጹ ምህላዎም ድማ የገርም። 

 ኣብ ዙርያ ኤርትራዊ ጉዳይና ብግሁድን ብስዉርን ዘመዓድዉ ዝነበሩን ዘለዉን ብዙሓት እዮም። እቲ ወሳኒ ግና እቲ ኣኽሊል ነጻነትን ልኡላውነትን ንክትሰቅል ናይ ደምን ድምጽን ዋጋ ዝኸፈለላ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእሲቲ ወሳኒ ግደ ህዝባ፡ ብሓፈሻ ኩሎም ነቲ ቃልሲ ዝደገፉ ወገናት፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ መንግስታት ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ተቐቢሉ ናይ ብዙሕ ዓመታት ናይ ሸንኮለል ታሪኽ ከም ዝክዕጾ ንዝገበረ ኢህወገድ ኣፍልጦ ምሃብ ግቡእ’ዩ።

ኢህወደግ ነቲ ታሪኻዊ ስጉምቲ ብምውሳዱ ዝተጠቕመ፡ እቲ ዋጋ ቃልሱ ዝረኸበ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ንድሕሪት እናተመለሰ ዘህልቖ ዝነበረ ህይወትን ዘብርሶ ዝነበረ ንብረትን ከድሕን ክኢሉ እዩ። ነፍስሄር ቀዳማይ ሚንሲተር መለስ ዜናዊ፡ ነቶም ግድን ኣብ ሕሉፍ እንተዘይነበርና ኢሎም ዘዕረምርሙ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ወገናት ኣብ ሓደ መድረኽ፡ “ኤርትራ ከምልስ ክዋጋእ ዝደሊ እንተልዩ ጻዕዳ ይጽናሕካ፣ መንግድኻ ጨርቂ ይግበረልካ ኢና እንብሎ፡ ንሕና ግና ምረት ውግእ ስለ እንፈልጥ ኣይንቕጽሎን ኢና” ዝበሎ፡ ሰማዒ እንተዝረክብ፡ ኣብ ሕሉፍ ካብ ምንባር ዘናግፍን ንቕድሚት ዘማዓዱን መልእኽቲ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል፡ ኤርትራ ቅድሚ ኢትዮጵያ ከም ውጽኢት መግዛእቲ ሃገራዊ መልክዕ ዝሓዘት ምዃና ዘንጊዖም፡ ነቲ ቀደም “ዶብ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ እዩ”  ዝበሃል ዝነበረ ናይ ቅድመ-ታሪኽ  መዝሙር  ዘኳማስዑ ሎሚ’ውን ይስምዑ ምህላዎም የተዓዛዝብ።

ሎሚ ብብዙሓት ብድሌትን ህርፋንን ጥራይ ዝድፍኡ ኢትዮጵያውያን፣ ብደረጃ መንግስቲ ከይተረፈ፡ ንልኡላውነት ዝወሃብ ክብርን ኣህጉራዊ ሕግታትን ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ “ስለ ዘድልየና ክንወስዶ ኢና”  ዝብልዎ ዘለዉ ኣጓጣጥ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕሉፍ ተሸኺሎም ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ሎሚ ሒዘነኦ ዘለዋ ቅርጺ ዘትሓዘን  ቻርተራት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን  ጓሲኻ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣልጀርስ ዝተዳነኻሉ ኣህጉራዊ ውዕላት ረሲዕካ፡ “ሓይሊ እንከሎ ሕጊ እንታይ ይዓብስ” ብዝመስል ትምክሕቲ፡ “ብዝኾነ መልክዕ ኣካል ማሕበረሰብ ቀይሕ ባሕሪ ክንከውን ኢና” ምባልሲ ምስ ምንታይኮን ክቑጸር እዩ።

ክከኣል ድዩ ኣይከኣልን ካልእ ኮይኑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምፍኽኻርን ምትህልላኽን፡ ልኡላውነት ኤርትራ ደንዲንካ፡ ብሓይሊ ተመኪሕካ ዶብ ክትጥሕስ ምፍታን፡ ሳዕቤኑ ንኢትዮጵያ’ውን ዘየናሕስየላ ምዃኑ ዘስተውዓሉ ኣይመስሉን። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ ብዘይካቲ ኣብ ውሽጣ ከም ቃንጥሻ ዝራባሕ ዘሎ ውግኣት፡ ብዛዕባቲ  ብሶማሊያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን እናተቖርመመ ዝውሰድ መሬታ ክለዓል እንከሎ፡ “ልኡላዊ መሬተይ ናብ ዝኸደኒ የብሉን ክምለስ’ዩ”  ክትብል እያ እትስማዕ። እዚ እዩ እምበኣር ልኡላውነትካ ክድፈር እንከሎ ከምዘይትቕበሎ፡ ኣንጻር ናይ ካለኦት ልኡላውነት ምትንሳእ’ውን ዘይቅቡልን ዋጋ ዘኽፍልን ምዃኑ ካብ ዘይምግንዛብ ዝነቅል’ዩ ዘብሎ።  

ኤርትራ ምድራዊ፡ ማያውን ሰማያውን ልኡላውነት ዘለዋ ሃገር እያ። ስለዚ ኢትዮጵያውያን ኣይኮነንዶ ክንዲ ወደባን ገማግም ባሕራን ዝኣክል ምምንዛዕሲ፡ ስድሪ ካብ መሬታ ምትንካፍ’ውን ወራር ምዃኑ ተረዲኦም ሕጂ’ውን ናብ ልቦም ክምለሱ  ይግበኦም።

 

እቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡  1991 ምርግጋጽ ናጽነትን 1993 ምእዋጅ ወግዓዊ ልኡላወት ኤርትራን ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ክንድቲ ዝድለ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕድለኛታት ፍጻመታት እየን።  15 መጋቢት 1964 ዝኽሪ ሓርበኝነት  ተጎርባ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሳ ተዘክሮ ኣንቢራ ዝሓለፈት  ናብ ነጻነት ካብ ዘብጽሐ ዕለታት እያ። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 61 ዓመታት  ንዝክራ ዝጸናሕናን ዘለናን።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን፣ ብምስትነዓቕን ብደዐን ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ተጎርባ  ፍሉይ ሓይሊ ስሩዕ ሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ኣንጻርቶም ልዕልና ዕላማ፣ ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮም ምዑታት ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ገጢሞም። ዕላመኦም ከምቲ ክሳብ ስዕረቶም ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ካለኦት ስርሒታት፡  ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕሃሙ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም መኮነናት ዝርከብዎም 84 ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ኣስታት 22 ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘሰለፍዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ዓቕሚ’ኳ እንተሰለፉ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ግን ኣይከኣሉን።

March 15.1964 Togorubaተጎሩባ ሓርበኛታት ብኸፊል

እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣትን ክሳራን ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነ ክቡር ዋጋ ከፊልሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ውግእ ተጎሩባ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም። ካብቶም ስዉኣት፡ እድሪስ ኣደም ፋጃጅ፡ ዑስማን ዓፋ እድሪስ፡ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ሑመድ፡ ዑስማን መሓመድ ዓሊ ኣፋዳድ፡ ዓሊ እድሪስ ጀምዕን ሳልሕ ኑር ሓምደን ዝበሃሉ ምዑታት ከም ዝርከብዎም፡ ዛንታና” ዝብል ኣቡ ርጃላ ብምውካስ ዝተዳለወ ሰነድ ይሕብር።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ምስቲ ዝተሳዕርሉ ውግእ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ፡ ሕራነ ነይሩ። 

ውግእ ተጎርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ወተሃደራዊ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊት-ንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ብፍሉይ ከም መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ዝዝከር።

 ውግእ ተጎሩባ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ጀጋኑ ዝሰረጸ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 61 ዓመታት ነዚ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስቲ ዝርከበሉ መድረኽ ዝመጣጠን ካልእ ተጎርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንካልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጎርባን ካለኦት ታሪኻውያን ዕለታትን ዓመት መጸት እንዝክረን።

ኣብ ተጎርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ቅያ ተጎርባን ካለኦት ግጥማትን ኣብ ፍረ በጺሖምስ ድሕሪ ነጻነት  ንሓርነት ኣብ እንቃለሰሉ ምዕራፍ ኢና ዘለና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሎሚን ግዜ ተጎሩባን፡ ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን።  ኣብ ግዜ ዓወት ተጎርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ብጽሒት መንእሰይ ከኣ ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ  ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተርን ድንድልን ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።

ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡  ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት፡ ካብ ናይ ግዜ  ተጎርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየን ዝኸበደን ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ስለ ዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ  ግቡኡ እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐርበኝነትን ዓቂቡ፡ ነዊሕ ዘማዕዱ ራኢ ወኒኑ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲቲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ኣብ ቅነ እዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ብዛዕባቲ ዝዓበየ ጉድለቶም ኮይኑ ዘሎ ሓቢርካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ  ከስተብህልሉ ዘለናዮ እዋን ዝጠልቦ’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!

መበቆል ስም ኤርትራ፡ ሲኑስ ኤሪትርዩስ (Sinus Erythraeus) ዝብል፡  ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ዝብል ምንባሩ ናይ ታሪኽ ምሁራት ይሰማምዕሉ። ኢጣልያ ካብ 1882 ክሳብ 1889 ኣብ መሬት ኤርትራ ሰላሕታዊ ጉዕዞ ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ብ1890 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ  ሓንቲ ሓዳስ ግዝኣት ከም ዝሓዘት ብወግዒ  ምስ ኣወጀ።  ነታ ሓዳስ ግዝኣታ ከኣ ነቲ ናይ ግሪኽ ቃል ተኸቲላ “ኤርትራ” ኢላ ሰየመታ።

በዚ ከኣ እነሆ መጸውዒ ሃገርና ኤርትራ ኮይኑ ቀጺሉ። ኤርትራውነት ድማ መለልይ ዜግነትና ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ከኣ ኣብ ውሽጥና ዝሰረጸ፡ ንሃገርና ናይ ዘለና ዓሚቚ ፍቕሪ፡ ክብርን ስምዒትን መግለጺ እዩ። ኤርትራውነት ንሃገርና  ዘለና ፍቕርን ክብርን እንገልጸሉ ኣምር  እምበር፡ ንናይ ካለኦት  ዜጋታት ስምዒትን ክብርን እንጸልኣሉ  ኣይኮነን።

ኤርትራዊ ዜግነትን ኤርትራውነትን ንምጥፋእ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተፈቲኑ ዘይተዓወተ ተጻብኦ እዩ። ቀንዲ ተግባር ናይቲ ብህዝባዊ ቃልሲ ዝሰዓርናዮ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ስርዓታት እውን ዕላማኡ ንሱ እዩ ነይሩ። “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል፡ ዝነበረ መግዛእታዊ ቅኒት እውን ናብ ምድምሳስ ኤርትራን ኤትራውነትን ዝዓለመ ምንባሩ፡ ዝባደመ ዓድታት፡ ዝሃለቐን ዝተሰደን ህዝብን፡ ዝጠፍአ ንብረትን ጥሪትን ኤርትራ፡ ኣካል’ቲ ምድምሳስ ኤርትራውነት ምንባሩ ታሪኻዊ ሓቂ  እዩ። ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ቁምነገር ድማ፡ “ኤርትራውነት” ታሪኻዊ ባይታ ዘለዎን ንመግዛእታዊ ጭካነን ፈኸራን ብቃልሲ ስዒሩ ዝተኾለዐ መንነት  እምበር፡ ብነጻ ዝተለገሰ ህያብ ዘይምዃኑ እዩ።

እዚ ኤርትራውነት ከምቲ ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ኤርትራውያን ውዳበታትን ዝተረጋገጸ፡ ኣብ ሕልና ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰጸረ ደኣ’በር ንፍሉይ ውድብ፡ ማሕበር፡ ወይ ሃይማኖታዊ፡ ቋንቋውን ካልእን ናይ መንነት ጉጅለን ዝተዓደለ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውነት ዝምዘዝ  ሴፍ ከኣ ኣንጻር ኩሎም ኤርትራውያን ዝዓለመ  ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ትግራይ ከተማ ከተማ መቐለ እናተዳለወት እትዝርጋሕ “ላዛ ትግርኛ” እትበሃል መዲያ፡ ሓደ ተንታኒ ፖለቲካ እየ ባሃሊ፡ “ኤርትራውነት ብበረኪና ድዩ ብኻልእ ክሕጸብ ኣለዎ። እዚ ማለት እቲ ህዝቢ  ካብ ኤርትራዊ ዱሲፕሊንን ኤርትራዊ መንነትን  ክወጽእ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኤርትራውነት ማለት ትግራዋይ ምጽላእ ማለት ስለ ዝኾነ። ኮታ ዲ-ኤርትራናይዘሽን (de-eritreanasation) ክረጋገጽ ኣለዎ” ክብል ተሰሚዑ።  እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ምእዋጅ ጽንተት ፈሊኻ ክረኤ ዘይክእል መርዚ ዝነዝሐ ተንታኒ፡ ሓደ ካብቶም ትግራይ ኣብ መጻኢ ሃገር ክትከውን እሞ “ካብ ኢትዮጵያውነት ወጺኣ፡ ትግራዋይነት እግሪ ንክተትክል ንቃለስ ኣለና” ዝብሉ ትግራዎት ባእታታት ሓደ ምዃኑ ከኣ፡ ነቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዘስደምም ይገብሮ። ክርደኦ ዝነበሮ ከኣ ኤርትራውነት ብደምን ኣዕጽምትን ዝደመቐ፡ ስለዝኾነ፡ ብበረኪና ተሓጺቡ ዝድምሰስ ዘይምዃኑ እዩ። 

ምናልባት መንቀሊ ናይዚ ምድማቕ ዩቱብ “ላዛ ትግርኛ” ወይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ትግራይ ዘሊሉ ቅድሚ ምእታዉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንበዐ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓደሮ ጽልኢ ክኸውን ይኽእል።  እዚ ዘሕፍር ኣበሃህላኡ ግና ኣንጻር ህግደፍ ይኹን ካልእ ኤርትራዊ ጉጅለ ዘነጻጸረ ዘይኮነ፡ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራውነት ዘለዎ  ክቱር ጽልኢ ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራውነት ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ፡ እምበር፡ ጽባሕ ንዝሓልፍ  ጉጅለ ህግደፍ ዝተዋህበ ፍሉይ ግነዖት ስለ  ዘይኮነን። እሞ ድማ ካብቲ “ህዝቢ ትግራይ፡ ናቱ ህልውና ዘለዎ እምበር ንብረት ህወሓት ወይ ካልእ ውዳበ ኣይኮነን”  እናበለ ክምጉት ዝውዕል ተንታንን ንሱ ዝዋሰኣሉ መዲያን ከምዚ ዝተጠቕሰ ክስማዕ እንከሎ መመሊሱ የገርም። ነቲ  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድቕድቕ ናይ ኲናት ጸልማት ምስተዋሕጠ፡ ኣብ ጎኑ ኮይኑ “ዓገብ” ንዝበለ ብዙሕ ኤርትራዊኸ “ብኸመይ እዩ ዝርእዮ?” ዝብል ሕቶ እውን ዘኸትል እዩ።  

ዶር ኣብይ ኣሕመድን ንሱ ናይ ዝመርሖ መንግስቲ መድያታትን ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ፡ ኣባትር ከወጣውጡ ዝውዕሉ ዘለዉ፡ ህግደፍ ኣቐዲሙ ከሻድኖምን ኣፍደገ ክኸፍተሎምን ዝጸንሖ ተኸቲሎም ምዃኖም ደጋጊምና እንዝክሮን እነወግዞን እዩ። ተንታኒ መድያ “ላዛ ትግርኛ” እውን፡ ምናልባት ነቲ ገለ ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ መዲያታት ዘቃልሕዎ፡ ንሓድነትን ናይ ቃልሲ ተመኩሮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምጥን፡ ከምኡ ከኣ ንቀጻልነት ኤርትራውነትን ዝጻባእ መግለጽታት ተኸቲሉ ንምርጓድ ዝበሎ ይመስል።   ምኽንያቱ ናይቲ ዝበሎ መወከሲ ንክኾንዎ ኣስማት ክልተ ሰለስተ ኣብ መዲያታት ዝነጥፉ ኤርትራውያን ክጠቅስ ስለ ዝተሰምዐ። ስለዚ ከምቲ “ናታ ኣቐሚጣስ ናይ እንዳማታ” ዝበሃል ከይከውን፡ ነቲ ሰፊሕ ኤርትራዊ ምስልን ዜግነትን ንታሕቲ ኣውሪዶም፡ ቋንቋውን ካልእ ትሕቲ ኤርትራዊነት ዝስራዕ ናይ መንነት መርኣያ ንቕድሚት ብምምጻእ ሓድነትና ከዳኽም ዘስግእ ወስታታት ምስማዕ ኣብ ዝተለምደሉ እዋን ዝተባህለ፡ ኤርትራውነት ዘስተናዕቕ ድፍረት ስለ ዝኾነ። ግና ድማ “ንሳቶም ስለ ዝበልዎ ኣነ እንተደገምኩዎ ቅኑዕ እዩ”  ምባል ቅቡል መጎት ኣይኮነን።

ህዝቢ ትግራይ ብሓጥያት ሓደ ውድብ ኣይሕተትን ኣይውከልን እዩ”  ኢሉ ዝኣምን፡ ፖለቲከኛ’የ ባሃሊ፡ ከመይ ኣቢሉ እዩ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብተግባራት ህግደፍ ተሓታቲ ክገብር ክብል፡ “ኤርትራውነት ካብ ኤርትራውያን ተሓጺቡ ክጠፍእ ኣለዎ”  ምባሉ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ክውንነት ከም  ዝረሓቐ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ይጣበቕ ኣለኹ እንዳበልካ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ  ኣተሓሳስባ ዝተላዕጠጠን ኣጽናቲ መንፈስ ዝዓብለሎን መልእኽቲ ምትሕልላፍ፡ ቅርሕንቲ ዝዕድም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ዘዳዲ ኣይኮነን። እሞ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ጸላኢ ኣብ ዝዕድመሉ ግዜ ዘይኮነ፡ ፈታውቲ ከብዝሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን  ምዃኑ፡ እቲ ንኤርትራውነት ዘነውር ክሳብ ክንደይ እዩ ንቃልሲ  ህዝቢ ትግራይ ዝሕግዞ ዘሎ’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ እዩ።

ስለዚ፡ እዚ ተንታኒ፡ ከምቲ ገለ ተጋሩ ናይ መዲያ ነጠፍቲ እውን ዝበልዎ፡ በቲ ሓደ ወገን ካብ ተደጋጋሚ ወስታታት ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነትን  ወጺኡ ንዘይሓላፍነታዊ ኣበሃህላኡ ይቕረታ ክሓትት፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናብ ቀልቡ ተመሊሱ፡  ምእንቲ ነባሪ ሰላም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡  ኤርትራን ትግራይን ድማ ብፍይ ኣብ ተረድኦ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣተኲሩ  ንክሰርሕ ነተሓሳስቦ።

ወነንቲ መድያታትን ጋዜጠኛታትን እውን፡ መዲያ ክልተ ብልሒ ከምዘለዎ ተገንዚቦም፡ ንግዝያዊ ረብሓ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንነባሪ ናይ ህዝብታት ሰላምን ሰናይ ዝምድናን ክግደሱ ይግበኦም። “ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ”  ንኸይከውን ከኣ፡ ነቶም ዓዲሞም ዘዘራረብዎም ኣጋይሽ ሓላፍነታዊ መንገዲ ብምርኣይ ሞያዊ ስነ-ምግባር ከርእዩ ይግበኦም።   

ናይዚ ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲ ዋናን ናይ ምዕዋቱ ወሳኒ እጃም ዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይ ዓወቱ  መምዘኒ ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶታት ብምምላሱን ዘይምምላሱን እዩ ዝዕቀን። እጃም፡ ናይተን ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ተሰሊፈን ዘለዋ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ እውን ዕዙዝ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ገዛ ዓጺናን ተነጺልናን በይንና እነዕውቶ ዘይኮነ፡ ሓቢርካ ኣብ እትረብሓሉ መድረኽ ምስ ካለኦት ምትሕብባርን ምጽልላውን ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ቦታ ኣለዎ። እቶም ምሳና ዝተሓባበሩ ንጽድቅን ልግስን ዘይኮነ፡ ነናቶም ሕሳባትን ውጥናትን ከም ዝህልዎም ብምግዛብ ከኣ፡ ብጥንቃቐ ናይ ምዝማዶም ናይ ቃልሲ ውሕልነት ዝሓትት እዩ።

እቲ ምጽልላውን ምትሕብባርን ካብ ርሑቕን ኮነ ካብ ቀረባ ዝመጽእ እዩ። ነዚ ኩሉ ከከም ቅርበቱን ዝፈጥሮ ደረጃ ተጽዕኖን ቀዳምነት ኣትሒዝካ፡ ንምምሕዳሩ ምስትውዓልን ጥንቃቐን የድሊ። ብመንጽር’ዚ ከም ኤርትራውያን ቅድሚ ኩሉ ከነማሓድሮ ዝግበና፡ ናትና ርኢቶታታት ብምጥርናፍ ነቲ ጌና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምቅርራብ ክኸውን ይግበኦ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ካብ ናይ “ኣነ በይነይ እኽእሎ እየ” ጽበት ወጺእና፡ ብሓባር ንቃለሰሉ መድረኽ ንምፍጣር ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚርና ዝተፈላለዩ ፈተናታት ዘካየድናን ተስፋ ከይቆረጽና ንቕጽሎ ዘለናን። ነዚ ከነዕውት ካብ ዘይከኣልናሉ ምኽንያታት ሓደ፡  ኣብ ክንዲ ንህልዊ ኩነታት ኣገናዚብካ ናብ ዝሓሸ መጻኢ ምቁማት፡ ንሎሚ ኣብ ዘየገልግሉና መድረኽ ዝሓለፎም ፍጻመታት ካብ ምፍንቃል ዘይምውጻእና እዩ።

ካብዚ ንሎሚ ዘይሕግዝ ከም ታሪኽ ግና ዝዕቀብ ዝግበኦ ምጽብጻብን ምትህልላኽን ክሳብ ዘይወጻእናን ብሓባር ዘቃልሰና ኩለ-መዳያዊ ዓቕሚ ክሳብ ዘየጥረናን ከኣ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘዝመጸ ዕድላት ገገዲፉና ክሓልፍ እዩ። ናይ ሓባር ዓቕሚ ዘይምፍጣር ናይ ምቕያር ክእለት  ዘስእነና ምዃኑ ንነብሮ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት ባዕሉ መስካሪ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ፈራዲ ኣብዘይብሉ ምክሳስ ዘንብረና’ውን እዩ። ብዛዕባ ዝሓለፈ ነናትና ሓቅታት የብልናን ማለት ከምዘይኮነ ምስትውዓል ድማ ኣድላይ እዩ። 

ቃልስና ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝኽሰቱ ምቅይያራት እውን ይጽሎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ዛዕባ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ሱዳን፡ ጅቡትን ሶማሊያን ዝኽሰት ዘሎ ዘሰክፍ ምዕባለታት እንተ ብኣውንታ እንተስ ብኣሉታ ዝጽሎ እምበር፡ ካብኡ ተነጺሉ ዝረአ ኣይኮነን። ብፍላይ ምስቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢዱ ካብ ምእታው ዘይዓርፍ  ምዃኑ፡ እቲ ጽልዋ ብኽንድኡ ይኸብድ። ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብኡ ካይተደረተ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘውረዶ ግና ብዙሕ ዘይዝረበሉ ናይ ህይወት ህልቂት ቀሊል ከምዘይኮነ፡ እተን ግዳይ ዝኾና ስድራቤታት እየን ዝያዳ ዝርደአኦ። በዚ መሰረት ኤርትራ ካብቲ መሸንቦባ በይና ከም ደሴት ተኸሊላ ክትተርፍ ሰለ ዘይትኽእል፡ ኣብ ጐረባብትና ዘንጸላሉ ዘሎ ህውከት ዘቕስነና ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ከኣ ኤርትራዊ ጉዳይ ከነልዕል እንከለና ብዛዕባቲ ናይ ጐረባብትና ምዕባለታት’ውን ኣብ ግምት ከነእቱ እንግደድ።

ናይ ኤርትራ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ፡ ናይቲ  ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ዘይንቡር ምምሕዳርን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ግፍዕታትን ግህሰታትን ተወሲኽዎ፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት እውን ናይ ሕማቕ መርኣያ ኣጀንዳ ካብ እትኸውን ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ብብዙሓት “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ”  እናተባህለት ምጽውዓ ከኣ ናይዚ ውጽኢት እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ምምጻእ ሮናልድ ትራምፕ  ናብ ፕረሲደንትነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ’ኳ፡ ሚካኤል ሮቢን፡ ፒተር ሻምን ቲቦር ናጅን ዝተባህሉ ንጡፋት ኣሜሪካውያን ጸሓፍትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኣድላይነት ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣድሂቦም  ብዝሃብዎ ንህግደፍ ዘሰንብድ  ርኢቶታት ኣጀንዳና ኮይኖም ንዛረበሎም ኣለና።

እዞም ሰብ ሃብታም ተመኩሮ ኣሜሪካውያን ባእታታት ንፖለቲካዊ ጉዳይ ኤርትራ ቆላሕታ ክህብዎ እንከለዉ፡  ተበግሰኦም ኣብቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብፍላይ ኣብቲ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ከም ዝሕግዝ ዝሰሓት ኣይኮነን። ናታቶም ሕሳብን ልዕልና ሃገሮም ክብ ናይ ምባል ኒሕን  ከም ዝህልዎም ግና ፍሉጥ እዩ። እቲ ወሳኒ ግና ናትና ናይቶም ግቡእና ክንፍጽም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን እጃም ምዃኑ  ክንስሕቶ የብልናን። ከምዚ ዓይነት ዕድል ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብቲ እዋኑ እንተዘይተጠቒምናሉ ግዜ  ዝሓለፎን ናህሩ  ዝወደአን እዩ ዝኸውን። “ሓጺን ብርስኑ”  ዝብል ብሂል ንዘይምርሳዕ ዝኣክል  እዩ።

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ምዕራባውያን ብዛዕባ ኤርትራ ይጽሕፉን ይዛረቡን ምህላዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ንኤርትራዊ ጉዳይና ዝጸልዉ ናይ ቀረባ ቅልጡፋት ምዕባለታት እውን ዝኽሰትሉ ዘለዉ እዩ። “ኣብ መንጎ ህግደፍን ብደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓትን ምቅርራባት ይፍጠር ኣሎ ተባሂሉ” ዝብል ዛዕባታት ጥራይ እኳ እንተወሲድና ክሳብ ክንደይ ብዓንተቦ ክንሓስበሎምን ክንቅረበሎምን ዝግበኣና ተረእዮታት ኣብ ቅድመና ተገቲሮም ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ። እዚ ጉዳይዚ ኣይኮነንዶ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ሕድሕድና ተረሓሒቕና ብጐቦ ዓይኒ እናተረኣኣና፡ ኣሳኒናን ተቐራሪብናን እውን  ክሳብ ክንደይ በዳሂ ከም ዝኸውን ተገንዚብካ ምንቅስቓስ ግደታዊ ሓላፍነትና እዩ። 

“ብምክእኣል ኣሳኒና ንቕድሚት ንሰጉም” ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ሕድሕድና ኣይንመዓዓድን ኣይንነቓቐፍን ማለት ኣይኮነን። እቲ ምንቕቓፍን ምምዕዓድናን ግና ኣብ ሕሉፍ ዘንበር ዘይኮነ፡ ንቕድሚት እናሰጐምካ ዝሓሸ ብሩህ መጻኢ ብምርኣይ ዝተቓነየ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ከም ዘድምዕ ምርዳእ የድሊ። እቲ ዝመዓድን ዝንቀፍን ኣካል ከኣ ንጉዳያት  ብጥርጠራን “ስለምንታይ ስመይ ተላዕለን”?  ብዝብል፡ ብዓይኒ ትዕቢትን ስግኣትን ዘይኮነ፡ ነቲ ሓቂ ብቕንዕናን ክፉት ሕልናን ተቐቢልካ ክዕረ ዝግበኦ ናይ ምዕራይ ቅሩብነት ክህልዎ ይግባእ።“ኣብ ርእሲ ዘለካ እንተዝህቡኻ፡ ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ” ብዝብል ልቦና ብጸጋ ምቕባሉ ሃናጺ እዩ። ስለዚ ድኽመታት ናይ ምእራም ቅሩብነትን ከባብያዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ምእታውን መሰረታውን ኣገዳስን  ምዃኑ  ብምርዳእን ተጸባይ ንዘይምዃንን ኢና “ናትና እጃም’ዩ ወሳኒ፡”  ንብል ዘለና።

ኣብ ዞባና፡ ፖሊሲ “ጸላኢ ጸላእየይ፡ ፈታውየይ”  ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። እዚ ብሰፊሑ ናይቲ እትጸልኦ ምምሕዳር ተቓወምቲ ኣብ ሃገርካ ኣዕቊብካን ኣዕጢቕካን ከም መፈራርሒ ብምውፋር ኣብ መንጎ መንግስታት ክረአ ዝጸንሐ ክብ ለጠቕ ዝብል ቁርቁስ እዩ። ኣብ ኣተገባብራ’ዚ ፖሊሲ መንግስታት ዞባና ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ነናተን ተመኩሮታት ኣለወን።

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ድሕሪ ነጻነት  ዓመታት፡ ኣብ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ጉዳይ ኢድ ብምእታው፡ ናይ ዝተጻልአን መንግስታት ተቓወምቲ ብምሕጋዝን ምዕጣቕን ሰፊሕ ኢድ ዝጸንሖን ዘለዎን እዩ። በብግዜኡ ናይ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን የመንን ተቓወምቲ፡ ከስንቕን ከዕጥቕን ዝጸንሐ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብዚ መዳይዚ ካብ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ጀሚሩ ክሳብ ምምሕዳር ብልጽግና፡ ጸላእተይ ናይ ዝብሎም መንግስታት ተቓወምቲ ብምዕቋብ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ተቓወምቲ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን የመንን ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም፡ ካብ ምምሕዳር ኢህወደግ ንደሓር ከኣ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሳ ጸኒሀን እየን። ሱዳንን ሶማሊያን ብወገነን ብተመሳሳሊ ናይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን  ሶማሊያን ምናልባት እውን ናይ ካለኦት ሃገራት ተቓወምቲ ከጽልላ ከም ዝጸንሓ ፍሉጥ እዩ።

ሃገራት ንተቓወምቲ ተቐናቐንተን መንግስታት ዝህበኦ ዕቑባ ከከም ኩነታቱ፡ ንሓንሳብ ብግሁድ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር የካይደኦ። ካብ ናይ ጣልቃ ኣእታውነት  ክስን ውግዘትን ንምህዳም፡ እዚ ጉዳይ ክለዓል እንከሎ፡ “ኣሉ ቀጣን” ምባል ከኣ  ልሙድ እዩ። መንግስታት ተቓወምቲ ዘዕቁባሉ ምኽንያታት ዝተፈላለየ እዩ።  ነተን ተቓወምቲ ኣዕዊትካ ኣብ ሃገረን ስልጣን ከም ዝሕዛ ጌርካ ኣብቲ ዝምስርትኦ ሓድሽ መንግስቲ ብማዕዶ ናይ “ገባርን ሓዳግን” ግደ ከም ዝህልወካ ክትገብር ምፍታን ሓደ ካብቲ ምኽንያታት እዩ።  ገለ መንግስታት ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተጻላእከዮ መንግስቲ ከም መፈራርሕን መፍጠሪ ተጽዕኖን ንምጥቃም’ውን ይረአ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ፍልልያተን ብዘተ ክፈትሓ ክሕተታ እንከለዋ፡ ነተን ዘዕቆበአን ተቓወምቲ ከም መፍጠሪ ተጽዕኖን መንበርከኽን ምጥቃም  ልሙድ ተመኩሮ እዩ። እንተኾነ ካልእ ሕሳብን ሕቡእ ኣጀንዳን ብዘየብሉ ካብ ፍትሓውነትን ህዝባውነትን ናይቶም ዝቃወሙ ኣካላት ነቒልካ ዝግበር ፍትሓዊ ደግፍን ዑቕባን ፈጺሙ የለን ማለት  ኣይኮነን።

ተቓወምቲ ውድባት ካብ ሃገረን ወጻኢ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር፡  ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ  ክንቀሳቐሳ ዝግደዳሉ  ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ሃገረን ተወዲበን ኣተሓሳስበአን ዘንጸባርቓሉን ህዝበን ዘለዓዒለን ዝውድባሉን ነጻ ባይታ ክስእና እንከላዋ እየን። እዚ ኣብ ኤርትራ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ ዝምስክሮ እዩ። ምኽንያቱ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ጐረባብትን መላእ ኩርነዓት ዓለምን ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን መሰረታዊ መሰላትን ክንቀሳቐሳ ተገዲደን ዝጸንሓን ዘለዋን ኣብ ሃገረን ምስ ህዝበን ዝንቀሳቐሳሉ፡ ካብ ናይ ህግደፍ በሓቲ ኣተሓሳስባ  ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዝጸውር ባይታ ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈልየ ሓሳብ ከንጸባርቑ ዝፈተኑ  ዜጋታት ዝውሰድ ጭካነ ቀጻሊ ምዃኑ እዩ።

ተቓወምቲ ዘዕቁባ ሃገራት ኣተሓሕዘአንን ሓገዝ ዝገብራሉ ኣገባብን ዝተፈላለየ እዩ። ገሊአን ናይተን ዘዕቁበአን ውድባት መጻኢ ናይ ምውሳን ነጻነት ዘኽብራ ክኾና እንከለዋ፡ ገሊአን ብኣንጻሩ ደረቱ ዝሓለፈ ኢድ ኣእታውነት የርእያ። ክሳብ ተቓወምቲ ድሕሪ ዓወተን ናይ ዝምስርተኦ መንግስታት መጻኢ መደባት ክትልማን መራሕቲ ተቓወምቲ ክመርጻን ክቕይራን ይደናደና። ክብሪ ሃገሮምን ረብሓ ህዝቦን መእከል ንዝገብሩ መራሕቲ ተቓውሞ ክሳብ ምእሳርን ካብ ሃገር ምስጓጉን እውን ይበጽሓ። ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ብዛዕባ ምስ ህግደፍ ዘሕለፍዎ ኣተሃላልዋ ከዘንትዉ እንከለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ይእሰሩ፡ ይፍትሑን ዘይኣመንሉ ተግባራት ክፍጽሙን ይግደዱን ከም ዝነበሩ ዝገልጹ ብዙሓት እዮም። ፍቓድ ህግደፍ ዝመልኡ ዝነበሩ ግና ኣብ ዓመት ክሳብ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ይወሃቦም ከም ዝነበረ እዮም ዘዘንትዉ።

ተቓወምቲ ውድባት ብወገነን፡ ካብ ተጽዕኖን ኢድ ኣእታውነትን ናይቲ ዘዕቁበን መንግስቲ  ነጻ ክኾና፡ ድሕሪ ዓወተን ናይ ዝምስርትኦ  ስርዓት መዕቀኒ ከኣ ናይ ህዝበን ድሌትን ኣብ ሃገረን ዘሎ ኩነታት እምበር፡ ናይ ዘዕቆበአን ሃገራት ድሌት መፈጸሚ ከይከውን ይቃለሳ።  ኣብዚ በቲ ሓደ ወገን ዑቕባን ሓገዝን እናሓተትካ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነጻነት ውድብካን ውሳነታቱን ከም ዝዕቀበልካ ክትገብር ዝካየድ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ በዳሂ ምዃኑ፡ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝሓሸ መስካሪ የለን።

እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ተቓወምቲ ብምሕጋዝን ዕቑባ ብምሃብን ዝተሃላልኹ መንግስታት፡ ንሓዋሩ ኣብ ጽልኢ ክነብሩ ስለ ዘይክእሉ፡ እንተ ብናታቶም ተበግሶ ወይ ብናይ መተዓረቕቲ ተጽዕኖ፡ ናብ መኣዲ ዘተ ይኣትዉ እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ ወጥሪ ዝኣትዋ እተን ኣብ ዘይሃገረን ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ተቓወምቲ እየን። ገለ ሃገራት ኣብቲ ዝግበር ዘተን ዕርቅን ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ናይተን ሓላፍነት ወሲደን   መብጸዓ ክኣትዉለን ዝጸንሕ ተቓወምቲ መጻኢ ዕድል ኣብ ግምት የእትዋ እየን። ገሊኦም ግና በምቲ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታውን ጸላእን የለን” ዝብል ፖሊሲ ተሻቢቦም ጉዳዮም ጥራይ ዝገብርሉ ኣሎ።  እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሓደጋ ከም ዘጋጥም’እውን ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ዘጋጠመ ተመኩሮ ብምጥቃስ  ይከኣል።

ኣብ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን “ዝምድናና ኣሕዲስና” ምስበሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ፡ ዳሕረዋይ ውጽኢቱ’ኳ ከምቲ ትጽቢት ዝተገረሉ እንተዘይኮነ፡  ጉዳዮም ኣብ ግምት ኣትዩ እዩ።  ብግብሪ ከኣ ውድባት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ፡ ጉንበት 7ን ዲምሒትን ብስምምዕ ናብ ሃገረን ክኣትዉ እንከለዋ፡ ኣብ ኣደባባያት መንግስታዊ ኣቀባብላ’ውን ተገይሩለን። ኣብ መንግስቲ ብልጽግና ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተር ዝተመዘዙ መራሕቲ ተቓወምቲ ነበር’ውን ኣለዉ። ብኣንጻሩ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ ህግደፍ’ኳ ካብ ቀደሙ ኣፍልጦ ክህበን ትብዓት እንተዘይነበሮ፡   ብልጽግና ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ሓላፍነት ወሲዱ ኣጀንዳ ክገብሮም ብቕዓት ሰለ ዘይነበሮ ግዳይ ከም ዝኾና ናይ ቀረባ ግዜ ኣሉታዊ ተዘክሮ እዩ።

ስለዚ ጠንቂ ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ክትቃለስ ምግዳድ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ፍልልይ ኣተሓሳስባ  ዝጸውር መቃለሲ ባይታ ዘይምህላዉ እዩ እሞ፡  “ነቲ ኣብ ሃገርና በዂሩ ዘሎ ሰፊሕ መቃለሲ ባይታ ንምፍጣር ክንቃለስ እምበር ካልእ መዋጽኦ ከምዘየብልና ንረዳእ” ዝብል መጸዋዕታና እዩ። 

ገለ ወገናት፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብዛዕባ ኤርትራን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ እትሓልፎ ዘላን ዝብልዎ፡ ንዝረአ ዝኽሕድ፡ ኣብ ኣሉታ ጥራይ ዘተኩር፡ ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዘነብር ብግብሪ ሓቂ ዘየብሉ እዩ ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ኣበሃህላኦም ኣብ ኤርትራሲ ዝረአ ኣውንታ እናሃለወ እዩ ዝከሓድ ዘሎ ካብ ዝብል ዘይቅኑዕ እምንቶ  ዝነቅል እዩ ዝመስል።

እንተኾነ፡ ንኩነታት ኤርትራ እንገልጸሉ፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ማሕበራውን ዘተኩር፡ ብዙሕ መዳያትን መልከዓትን ዘለዎ እዩ። ናይ ኩሎም ዛዕባታት ውጽኢት ድማ ብመንጽር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ትጽቢትን “ኣሉታዊ እዩ” እንብሎ፡ እቲ ኤርትራዊ ባይታ ዝምስክሮ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ እምበር፡ ዘየለ ምሂዝካ ኣብ ጽልእን ቅርሓትን ንምንባር  ዝመሃዝ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት የለን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ኣይሕሰብን። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘንጸባርቕ ፖለቲካዊ ውዳበን ነጻ መድያታትን ኣይረአን። ነንሕድሕዶም ዝናበቡ ኣካላት ዘለዉዎ፡  ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝንጸባረቐሉ መንግስታዊ ፡ ምምሕዳር የለን። ምርጫ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ልዕልና ፍትሒ እውን በዂርሉ ዘሎ እዩ፡…..ወዘተ ክንብል እንከለና፡ እቲ ኣብቲ ባይታ ዝድህሰስ ሓቂ ከምኡ ስለ ዝኾነ እምበር፡ ኣውንታ ጓዕጺጽካ ንምሕላፍ ዝተሓሰብ ኣይኮነን። እዚ ካብቲ ኢሳይስ፡ “ሕገመንግስቲ ሞይቱ እዩ፡ ምርጫ ንምክያድ ሰላሳ ኣርበዓ ዓመታት ምናልባት’ውን ካብኡ ንላዕሊ የድልየና ይኸውን”  ዝበሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባይታ ክሳብ ክንደይ ኣውንታ ሓሪምዎ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ሃገርና ዜጋታት ሃብቶም ኣዋፊሮም፡ ንነብሶም ኮይኖም፡ ሃገሮም ዝሃንጽሉን ህዝቦም ዘርብሕሉን ዕድል የለን። ኣብ ክንድኡ ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ጐረባብቲ ሃገራት የልምዑ ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ  ኣስታት 3 ቢሊዮን ዶላር ኣውፊሮም ከም ዘለዉ ምግላጹ ንኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል’ዩ። ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ነዚ ዝተዓዘቡ ናብታ ንደቃ ዘይኮነት ኤርትራን  ቀናእን ገባትን ምምሕዳር ህግደፍን ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ  ክመጹ ምጽዋዕ ከኣ ግብራዊ ኣይኮነን።

 ምምሕዳር ህግደፍ ስሩዕ ዓመታዊ በጀት የብሉን። እዚ ሓደ ካብ መርኣያታት ዘይግሉጽነቱ እዩ።  ናይ ወጻኢ ሽርፊ መንቀሳቐሲ ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ካብ ወጻኢ ናብ ቤተሰቦም ካብ ዝልእክዎ ብሕጊ ናይ ዕዳጋ ዘይግዛእ፡ ናይ ዓመጽ ሸርፊ ዝተዋህለለ እዩ። ኣብቲ ዝርካቡ ሃብቲ ሃገር ማዕረ ተጠቃምነት ስለ ዘየለ፡ ኣብ መንጎቲ ሓፋሽን ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ብምጥፍፋእን ናብቲ ጉጅለ ብዘለዎም ቅርበትን ዝሃብተሙን ዘሎ ናይ መነባብሮ ፍልልይ ሰማይን ምድርን እዩ። እቲ ጉጅለ ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ነገራት ናብ ዕዳጋ ዘየቕርብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዝርካቡ ባኒ ከይተረፈ፡ ኣብ “ድንኳን ሕድሪ” ብመቑነን እናዓደለ፡ መቆጻጸሪ ፖለቲካን ጸጥታን ዝጥቀመሉ እዩ። እዚ ኩሉ ኣብቲ ኤርትራዊ ባይታ ዝድህሰስ እምበር ምሂዝካ ዝበሃል ኣይኮነን። ኤርትራ ዜጋታታ ብገዛእ ገንዘቦም ኣብ ሓደ ግዜ  ካብ 5 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ዘየውጽእሉ ስርዓተ-ባንክ ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ካብ ሓደ ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ሒዙ ዝተረኽበ “ክውረስ እዩ”  ብዝብል ተኣዊጅዋ’ሎ።

ህዝቢ ኤርትራ እኹል ቀረብ ዝስተ ማይን ጸዓትን የብሉን። ከም ኢንተርኔት ዝኣመሰሉ ዘመናዊ መሳለጥታት፡ ንካልእስ ይትረፍ ምስ ቤተሰብ ተደዋዊልካ ደሃይ እትፈልጠሉኳ የለን። ትምህርትን ሕክምናን ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ እዩ።  መንእሰያት ክሳብ ካለኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝፍጹሙ’ኳ ምስ ወለዶም ኮይኖም ናይ ምምሃር ዕድል የብሎምን። ኣብዚ እዋንዚ  ኣብ ሳዋ እትርከብ ሓንቲ 2ይ ደረጃ ቤት ምህርቲ ጥራይ እያ ዘላ። ዝነበረታ ሓንቲ  ዩኒቨርስቲ ዓጽያ ጥራያ ዝተረፈት ምዃና ከኣ መስደመም እዩ።  

ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ዘለዋ ንኤርትራውያን ኣገልግሎት ዝህባ ሆስፒታላት ውድቀት ሕክምና ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ መሰኻኽር እየን። ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላት ዘሎ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት፡ ተጽዕኖን ምቁጽጻርን ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንሕብረተሰብ ዓለም እውን መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኤርትራ ምስቲ ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ኣወዳዲርካ ምስ ዝለዓለ ብዝሒ ካብ ዜጋታተን  ዝተሰዱወን  ቀዳሞት ሃገራት  ካብ ትስራዕ ነዊሕ  ኮይኑ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ፡ ውግእን ህውከትን እምበር ቋንቋ ሰላምን ምክእኣልን ዘይርዳእ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎን ዝነበረን ባዕሉ ዝዛረብ መርተዖ እምበር፡ ምህዞ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እያ ከኣ ኤርትራ ንሓንሳብ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ንሓንሳብ ድማ፡ “ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ኩለን ጐረባብታ ሃገራት ብውሕዱ ሓደ ዙር ውግእ ዘካየደት ናግራም ሃገር” እትበሃል። እዚ ኩሉ ሓቢእካዮ ዘይሕባእ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እምበር፡ ንጉጅለ ህግድፍ ብዓይኒ ጽልኢ ብምርኣይ እተልግበሉ ጸለመ ኣይኮነን።

እቲ ኤርትራዊ ኩነት ዝምስክሮ ከምዚ እናሃለወ፡ “ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ኣብ ባይታ ዘሎ ኣውንታ ክሒዱ ናብ ኣሉታን ጽልእን ዘተኩር እዩ”  ንዝብሉ ወገናት፡ “ሃየ በሉስከ እቲ ኮነ ኢልካ ዝተሰግረ ናይ ህግደፍ ኣውንታ ኣርእዩና?” እንተዝበሃሉ፡ ኣብ ባይታ ፍረአን ዘይሕፈስ “ዘመናዊ ማሽናት ኣለዋና”  ካብ  ምባል ሓሊፎም፡ እንታይ ከምዝብሉ እንድዒ። ኢሳያስ ተጠሊዑ “ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ፋብሪካታት ኣበይ ኣለዋ? ባጽዕ  ሉል ባሕሪ ትበሃል ነይራ ሎሚኸ ኣበይ ኣላ?” ክብል እንከሎ፡ ሕሉፋት ህግደፍ ብምዃን ተኣመንቲ ንምዃን “ዋላ ትንፈር እምበር ጤልያ”  ብዝብል ሃንደፍደፍ  ዝብልዎ ይህሉ ይኸውን። ነቲ ኢሳያስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት፡ “ኣብ ምዝርዛር ጸገማትን  ዘይትግበር መብጸዓታትን”  ሃተፍ ዝብሎ፡ ኣብ ባይታ ግና ሕቶ ህዝቢ  ዘይምልስ፡ ከም ሓቂ ዝወስድዎ እንተልዮም፡ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ኣውንታ ዘይኮኑ ምስ ሕልሚ ይነብሩ ከም ዘለዉ እዩ ዘመልክት።

ስለዚ እቶም ተግብራት ጉጅለ ህግደፍ ተቓዊሞም፡ ኤርትራን ህዝባን ናብ ዝሓሸ ህይወት ንከሰጋግሩ ይቃለሱ ንዘለዉ ሓይልታት፡ ብጽልእን ቂምን ዝኸሱ፡ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ዘይጭበጥን ኣብ ባይታ ዘየለን ሕልሚ ይነብሩ ከም ዘለዉ ተረዲኦም ምስ ሓይልታት ለውጢ ክስለፉ ሎሚ’ውን መጸዋዕታ ህያው’ዩ።  

ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሚናር ኣካይዱ ዝብል ዜና ኣብ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ፍጻመ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ ኣብታ ምስ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣሉታዊ ምትእሳር ዝጸንሓ ጐረቤት ሃገር ዝተጋበአ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብ’ዚ ብዘይፍለ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት  ተመኩሮ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘዘኻኽር ስለ ዝኾነ ‘ውን እቲ ካልእ ምኽንያት  ኣዛራብነቱ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ዝፈርስ ዘይመስል ዝነበረ ዘይርጡብ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ከም ዝፈሸለ ዝመልክት ምዃኑ’ውን ካልእ ኣዛራብነቱ’ዩ።

ህላወ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንዲ ነጻነት ኤርትራ ዕድመ ኣለዎ። ብዛዕባ ኣኼባ ምክያድ ንዛረብ ስለ ዘለና ከኣ ኣኼባታት ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ነዊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ብዘይካ’ቲ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዝነበረ ሰሚናራትን ጉባአታትን ብደረጃ “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን” ዝተኻየዱ ጉባአታትን ኮንፈረንሳትን ተጠቀስቲ እዮም። ጎንደር፡ መቐለ፡ ሰመራ፡  ኣዲስ ኣበባ፡ ደረዘይቲ፡ ኣቃቅን ኣዋሳን ከኣ ካብተን ሰፋሕቲ ርክባት ኤርትራውያን ዝካየደለን ዝነበራ ከተማታት ኢትዮጵያ እየን። እዚ እዩ ከኣ ናይ 27 ጥሪ 2025 ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ መቐጸልታ ናይ ዝሓለፉ ኣኼባታት ተቓውሞ ኤርትራ እምበር፡ ናይ መጀመርያ ተርእዮ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይኮነን ዘብሎ። ብመንጽር ብሪጌድ ንሓመዱ’ውን መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት  ከካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባታት እምበር ሓድሽ ኣይኮነን።

እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ቅድም ኣኼባታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደሉ ግዜን ሎምን ዘሎን ዝነበረን ኩነታት  ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ። እቲ ፍሉይ ኩነታት ነቲ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ኣኼባ ኤርትራውያን ክጸልውዎ ባህርያዊ እዩ። እቲ ኩነታት ዝተፈላለየ ምዃኑ ንምብራህ ሓደሓደ  መነጻጸሪ ነጥብታት ምጥቃስ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ቅድም ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኤርትራዊ ውድባት ብጉባአታት ዝጸደቑ መደብ ዕዮታትን ዝተመርጹ መሪሕነታት ዝነበሮም ኮይኖም፡ ብኣንጻሩ ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ዝተዘርግሐ፡ ናይ ዝተፈላለያ ውድባትን ማሕበራትን ኣባላት’ውን ዝሳተፍሉ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።

ኣብቲ ቅድም ኣብቲ ፖለቲካዊ መስርሕ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኤርትራውያን መራሕቲ ውድባት ድሕረ-ባይተኦም ብዘየገድስ፡ ገዳይም ኮይኖም፡ ብዛዕባቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሪሕ ጽልዋ ዝነበሮ ውድብ ህወሓት በሪኽ ኣፍልጦ ዝነበሮም እዮም። እቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብቐረባ ዝዋሳእ ዝነበረ ኣካል መንግስቲ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት ብወገኑ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዝነበሮ እዩ። እዞም ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኼባ ዘካየዱ ኤርትራውያን ኮኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ዘለዉ ሰብመዚ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጠኦም ድሩትን ኣብ ሕድሕዶም ክንድቲ ዝድለ  ዘይፋለጡን  ክኾኑ ከምዝኽእሉ፡ ተመኩሮኦም ይኹን ኣመጻጽእኦም ናብ ቃልሲ ዘመልክቶ እዩ።

ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዝምድናዊ ሚዛን፡ ዘቤታዊ ጉዳዩ ዝወገነን ሰላም ህዝቡ ዘውሓሰን ነይሩ።  ብኣንጻሩ፡ ሎሚ ኣኼባ ብርጌድ ንሓመዱ ክካየድ ዘፍቀደ ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ውግእን ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣብ ዝሳዕረረሉ፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ምስ ፖለቲካ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝምድና ዝጸንሐን፡ ነዊሕ ዝርጋሐ  ዶብ ዘለዋን ክልል ትግራይ ኣብ ዘይህዱእ ርክብ ዘሎ እዩ። ተጋሩ ፖለቲከኛታት ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ወጥሪ ኣትዮም፡ ብዛዕባ ሓድሽ ናይ ኣሰላልፋ ሕርያ ብዙሕ ይውረዮም  ዘለሉ ኩነታት’ዩ።

መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣብ ምትግባር እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ኳ ይዕንቅጽ እንተነበረ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘስግእ  መንግስቲ ኣይነበረን። ብብልጽግና ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ግና ብዕሊ ክሳብ ምውናን ወደብ ዓሰብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምህናጽ ወተሃደራዊ መደበር ዝመጣጠር ጠለባት ዘቃልሕ ዘሎ እዩ።

ስለዚ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ኮይንካ ዝግበር ቃልሲ፡ በቲ ኣብቲ ትዋሰኣሉ ቦታ ዝረአ  ፖለቲካዊ ምዕባለ ክጽሎ ስለ ዝኽእል፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህርፋን ንጉዕዞ’ቲ  “ንወተሃደራዊ ምድላው እሸባሸብ  ኣለኹ” ዝብል  ዘሎ ብሪጌድ ንሓመዱ ከም ዝጽለው ብጽሞና ክሓስበሉ ናይ ግድን’ዩ። በዚ መሰረት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት ብደሆታት ከምዘለዉ ክግንዘብ ይግበኦ።

ብሪጌድ ንሓመዱ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ክመሃረሉ ቅሩብ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል ተጸንዐን ኣርሒቑ ዝጥምትን መልሲ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ጌጋ ንዘይምድጋም ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ናይ ምቅብባል ኣካል’ውን  ስለ ዝኾነ።

እቲ ካልእ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ህግደፍን ብልጽግናን ዘይትካላዊ ዝምድናኦም መኺኑ፡ ኣብ ሓያል ምውጣጥን ምጽልላምን ዘለውሉ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት’ውን ኣብ መንጎ’ቲ መቃለሲ ባይታ ዘፍቅድ መንግስትን ፍቓድ ረኺቡ ዝንቀሳቐስ ወገንን ዝፍጠር ናይ ሓሳብ ምውጣት ክህሉ ርዱእ እዩ። ናይቲ ምውጣት ትርጉም፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ዘዕቆቦ ተቓውሞ ረብሓኡ ዝረጋግጸሉ ልኡኽ ገይሩ ክልእኮ ክደሊ እንከሎ፡  እቲ ኣብዘይሃገሩ ኮይኑ ዝቃለስ ወገን ከኣ  ናይ ምውሳን ነጻነቱን ክብሪ ሃገሩን ኣሕሊፉ ንዘይምሃብ ክከላኸል ግድን እዩ።  እዚ ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ብብሩህ ዝተራእየ ቅድሚት ዝስራዕን ዝነበረ ብደሆ እዩ።

እዚ ብደሆ ሎሚ’ውን ከም ዝህሉ ርዱእ ኮይኑ፡ “ብሪጌድ ንሓመዱኸ ክሳብ ክንደይኮን  ተቐሪብሉ ይህሉ?” ዝብል  ክለዓል  ናይ ግድን እዩ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝተራእዩ እሞ ክእረሙ ዝግበኦም ተመኩሮታት ሓደ፡ ፍልልያትካ ወጊንካ ዓቕምኻ ክትእክብ ዘይምብቃዕን ዘይግሉጽነትን ቅድሚት ካብ ዝስርዑ እዮም። እዚ ድኽመት  ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ 2013 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነዊሕ ግዜ ወሲደን ኣብ ዘካየደኦ ዓሚቕ ገምጋም ዝተረዳድኣሉ እዩ።

ብርጌድ ንሓመዱ ምድላዉ ብመንጽር ኣካብነት ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎ፡ ኣብ ጉዕዘኡ ካብ “ጽባሕ ነርክበሉ” ወጺኡ ብትብዓትን ጥንቃቐን ዝርእዮ ክኸውን ይግበኦ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ኣበይ ይቃለስ ባዕሉ እምበር ህግደፍ ዘይውስነሉ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ጐረቤት ንህግድፍ ሓላል ንደንበ ተቓውሞ ከኣ ሓራም ከምዘይኮነ ዘርኢ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ ተረኽቦ’ዩ።