ኣልጀርስ: እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ደው ንኽብል፡ ስምምዕ ዝተኸተመላ ዋና ከተማ ኣልጀርያ እያ። በዚ መሰረት ድማ ኤርትራውያን ምስ ኣልጀርስ ፍሉይ ተዘክሮ ኣለዎም። ነቲ ውግእ ጠጠው ዘበለ ስምምዕ ብምቅርራብ ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ኣልጀርያ ቡተፉሊቃ 18 ሰነ 2000 ዝኸተሙ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቶ ሃይለ ወደትንሳኤ (ድሩዕን)ን ኣቶ ስዩም መስፍንን እዮም። ቀጺሎም ናይ ቀዋሚ ሰላም ስምምዕ ብ12 ታሕሳስ 2000 ዝኸተሙ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብረሃን ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣስረስን ምንባሮም መዛግብ እቲ ስምምዓት ይምስክሩ።
ትሕዝቶ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብዙሓት ዓንቀጻትን ዛዕባታትን ዝሓቖፈ፡ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኮሚሽን ካሕሳን ጥርዓንን ከምኡ እውን፡ ውግእ ብመን ከም ዝተጀመረ እተጻሪ ኣካል ምቛም ካብቶም ዝጥቀሱ ትሕዝቶ ነጥበ-ስምምዕ እዮም። መስርሕ ውሳነ ኮሚሽን ዶባ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ 25 ኪሎ ሜተር ዝዕምቆቱ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ክሊ (buffer zone) ተኸሊሉ ኣብኡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ክሰፍር ተወሲኑ ምትግባሩ ከኣ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘቖጠዐ፡ መርኣያ ስዕረት እቲ ኢሳያስ ንወታሃደራዊ ክኢላታት ኣግሊሉ ዝመረሖ ውግእ ህግደፍ ከም ዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን።
ነቲ “ውግእ ብመን ተጀሚሩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኣጻርያ ንምምላስ፡ ክትምርምር ዝተመዘት ኣካል፡ ኣብ 2005 ኣብ ዝሃበቶ ውሳነ፡ “ኤርትራ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ጥሒሳ ነቲ ውግእ ንኢትዮጵያ ብምጥቃዕ ጀሚራቶ (Eritrea broke international law and triggered the war by invading Ethi” ዝብል መደምደምታ ከም ዝሃበት ሰነዳታ ይምስክሩ። ንካሕሳን ጥርዓንን ኣጽኒዓ ክትውስን ዝተመዘት ኣካል ከኣ ብ19 ነሃሰ 2009 ብዘውጸኣቶ ደምዳሚ መግለጺ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ 174,036,520.00 ዶላር ክትከፍል፡ ኢትዮጵያ ድማ ንኤርትራ 163,520,865.00 ዶላር ክትከፍ በይና። በዚ መሰረት እቲ ክፍሊት ምስተወራረደ፡ ኤርትራ ናይ 10.515.655,00 ዶላር ዕዳ ንኢትዮጵያ ከፋሊት ምዃና እቲ ሰነዳት የመልክት።
እታ ዝዓበየ ዕማም ዝነበራ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ13 ለካቲት 2002 ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይና ሂባ። ድሕሪ ብይን ክትከዶ ዝነበራ መስርሕ ተጓዒዛ፡ ኣብ ምምልካት ኣብ መሬት ምስ በጸሐት ግና ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ከም ዘለዎ፡ ብመሰረ’ቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ባህሪኡ ናይ ምትግባሩ ቅሩብነት ስለ ዘይተራእየ፡ ደውታ ኣጋጢምዎ። ህግደፍ ከኣ ንኣስታት 20 ዓመታት ብፍላይ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ከምኡ ከኣ ነተን ካለኦት ኣብቲ ምፍርራም ተዓዘብቲ ዝነበራ መንግስታት ምዕራብ፡ ናብ ኢትዮጵያ ወጊነን ብዝብል ኣብ ምርጋምን ምኽሳስን ተጸሚዱ ነይሩ። ምስዚ “ህግደፍከ ነቲ ውሳነ ናይ ምትግባሩ ዕድል እንተዝረክብ ቅሩብዶ መኾነ?” ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት’ኳ እንተነበረ፡ ብተግባር ዕድል ምስተረኽበ’ውን ከምዘይተገደሰሉ ብግብሪ ተራእዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብሰንኪ’ቲ “ናይ ባድመ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ውግእ ዝተፈጥረ ስንብራት፡ ትግባረ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ባይታ ብምምልካት ከይተዛዘመ፡ እዚ ሎሚ “ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት” ዝምለስ ዘሎ፡ ስምምዕ ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ተኸሲቱ። ወዮ ናይቲ ስምምዕ ቀንዲ ምኽንያት፡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ውሳነ ዶብ ምሉእ ብምሉእ ከተግብር ቅሩብ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸ” እናተባህለ ተገሊጹስ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግና ንትግባረ ውሳነ ዶብ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ’ውን ኣይሓዞን።
ኢሳያስ ክሳብ “ምስሕሓብ ዶብ ጠንቂ ናይቲ ውግእ ስለ ዘይነበረ፡ ናብ ዝኸደና የብሉን” ኣብ ዝብል ሕጫጨ ከም ዝበጸሐ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ካብቲ ሳላ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘቋረጸ ንኤርትራውያን ኩለ-መዳያዊ ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ ኣዕናዊ ውግእ ከይተማህረ ከኣ፡ ምስ ኣብይ ኮይኑ ናይ ውግእ ኮበሮ ብምድሳቕ፡ እቲ 4 ሕዳር 2020 ዝተባርዐ ውግእ ትግራይ ንክጅመር ሓያል ጐስጓስ ኣካይዱ ደሓር ከኣ ኣካሉ ኮይኑ ተዋሲኡ። ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘየንጸባርቕን ውሳነ ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ “ዓገብ ደጊም ውግእ ይኣኽለና፡ እቲ ዝሓለፈ’ውን ኣየርብሓናን” ምባል፡ “ንኺድ ጥራይ” እናበሉ ዘሰነይዎ ኤርትራውያን ምንባሮምን ምህላዎምን ድማ የሕዝን።
በቲ ሓደ ወገን ሓይልታት ኤርትራ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መልሻ ኣምሓራን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተሰሊፎም መሪሕ ኮይኖም ዝተዋስእሉ ውግእ ትግራይ፡ ከምቲ እቲ ቀዳማይ ውግእ ንክልተ ዓመታት ምስ ቀጸለ ብስምምዕ ኣልጀርስ ዘብቀዐ፡ ኣብ ክልተ ዓመቱ ብ2 ሕዳር 2020 ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ፡ ብናይ ውግእ ምቁራጽ ውዕል ተቛሪጹ። ኢሳያስ ኣብ ውግእ ትግራይ “ተለጣፊ እምበር ዝምልከቶ ኣካል ኣይኮንካን” ስለ ዝተባህለ፡ ኣብ መኣዲ ዘተ ፕሪቶርያ ኣይተሳተፈን። በቲ ሓደ ወገን እቲ ውግእ ብዘይምቕጻሉ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣካልቲ ዘተ ኮይኑ ናይ ምዝራግ ዕድል ብዘይምርካቡ ኣዝዩ ከም ዝተቖጠዐን ሕነ ክፈዲ ከም ዝሓንሓነን ኣብቲ ግዜ’ቲ “ተኾሊፍና” ብዝብል ቃሉ ኣግሂድዎ እዩ።
ኢሳያስን ጉጅለኡን ከምቲ ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ውግእ ካብ ምንዳይ ዘይተኣደቡ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ እውን ብዙሓት ናብ ውግእ ከእትዉ ይኽእሉ እዮም ዝበልዎም መዓጹ ይኩሕኩሑ ኣለዉ። ምስ ፈደራል ኮይኑ ኣንጻር ትግራይ ዘካየዶ ውግእ ከየጠዓሶ፡ ምስ ትግራይ ኮይኑ ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክወግእ ድሌት ኣለዎ ዝብል ወረ ምዝርጋሑን ምስቶም ብጉዳዮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ዝኣተዉ፡ ወገናት ኪዳን ፈጢሩ ናብ ውዲት ክኣትው ምድላዩ ድማ የገርም።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኩሉ’ቲ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ቁማር ንኤርትራን ህዝባን ከም ናይ ግሊ ንብረቱ ኣትሒዙ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። እሞ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታትከ፡ ኤርትራን ህዝባንሲ “ደጊም ናትካን ናይ ጉጅለኻን መቋመሪ ኣይክኾኑን እዮም” ዝብል ድምጽና ኣበሪኽና ብሓባር ናብ ተግባር እንኣትወሉ ደኣ ካብ ሎሚ ሓሊፍ መዓስ’ዩ ክኸውን?
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ዝተሓላለኸን ብነዊሕ ተመኩሮን ውረድ ደይብን ክሓለፍ ዝጸሐን ዘሎን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ከኣ ብቐሊሉ “ከምዚ ነይሩን እዩ” ኢልካ ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። እንተኾነ ንህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ጠሊሙ ስልጣን ዝበሓተ፡ ዓመጸኛ ጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ “ኤርትራ በዚ ዘላቶ ክትቅጽል ኣይትኽእል’ያ” ዝብል ነዊሕ ዝዕድመኡ እናሓደረ ድምጹ ዝብርኽ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ እዩ ኢልካ ምግላጾም ይከኣል። ኣብዚ ክልተ ደንበታት ዘይዋሳእ፡ ድምጹ ዘጥፈአ እቲ ዝበዘሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ከኣ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ እዞም ክልተእቲ ሓደ ኣንጻርቲ ካልእ ዝተሰለፉ ወገናት፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ህግደፍ ናተይ ዝብሎ ደንበ፡ በብግዜኡ ዝተፈላለዩ መልክዕ ዝሓዙ ርኢቶታት ክቀላቐሉ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ህግደፍ ብዘይካቲ ብግሉጽ ብደንበ ተቓውሞ ዘጋጥሞ እምቢታ፡ ኣብ ውሽጡ ገሊኡ ብጋህዲ ገሊኡ ድማ ብውሽጣዊ ምጉርምራም ንዝፍጠር ዘይምእዙዝነት ዝከላኸለሉ ስልትታት ኣዝዩ ጨካንን ዘይሰብኣውን እዩ። እቶም በብግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ዘካይዶ፡ ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ምስዋርን ብዘይፍርዲ ምቕንጻልን ካብቶም ኣብ ውሽጡ ንዝፍጠሩ ዘይምእዙዝነታት ንምውጋድ ዝወስዶም ስጉምታት እዮም። ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ክስደዱ ካብ ዝግደድዎም ምኽንያትታ እቲ ቀንዲ ካብዞም ርህራሀ ዘየብሎም ስጉምትታት ህግደፍ ንምድሓን እዩ ኢልካ ምግላጹ ይከኣል። እንተኾነ “ስደትከ መሰረታዊ መፍትሒ ድዩ ኣይኮነን?” ዝብል ሕቶ ጌና ኣብ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ እዩ።
ፖለቲካዊ ክብደት ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ ዝጸንሐን ዘሎን ደንበ ተቓውሞ ጌና ክንድቲ ዝድለ ዘይተመሓደረ ዝተፈላለየ ኣተሓሳባ ዝሓቖፈ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ናይ ቃልሲ ዓቕሙን ግዜኡን ካብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዘውዕሎ ንላዕሊ ኣብ ውሽጣዊ ምትህልላኽን ምስሕሓብን ከባኽኖ ከም ዝጸንሐ ከነእርሞ እምበር፡ ክንሓብኦ ዘይንኽእል ኣሉታዊ ተመኩሮ እዩ። ክሳብ ሎሚ ካብዚ ዘየሕጉስ ተመኩሮና ተማሂርና ከምቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ዘይምዃና ከኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ብሰንክዚ ምፍልልያትካ ናይ ምምሕዳር ሕጽረት፡ ማዕጾ ህግደፍ ሰይሩ ዝኸፍት ዓቕሚ ክንፈጥር ዘይምኽኣልና ዘየቕስን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ደንበ ተቓውሞ በቲ ዘርእዮ ድኽመት፡ ካብቲ ንገዛእ ርእሱ ተመሊሱ ዝጉድኦ፡ ንህግደፍ ዝጠቕሞ ይዓዝዝ ዝበሃል። ምኽንያቱ ዕድመ ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ምንውሑ ብዘለዎ ዓቕምን ህዝባዊ ተቐባልነትን ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድኽመት ናይቲ ንለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ወገን ምዃኑ፡ ቅድሚ ሕጂውን ምርድዳእ ዝተበጽሓሉ ሓቂ ስለ ዝኾነ። እዚ እዩ ድማ “ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን” ወይ “ገ ኣንዳበሉኻ ዶ ትጋገ” ዘብለና።
ኣብ መንጎ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ናይ “ነቲ ካብ ቃልሲ ደስኪሉ ዘሎ ኤርትራዊ ማዕበል መን ኣብ ጐኑ ኣሰለ?” ውድድር ከም ዘሎ ርኡይ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ነቲ ኣብ ጐኑ ንክስለፍ ዝጽወዖ ደስኪሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ዝኣትወሉ ናይ ቃልሲ ቃል፡ ምስቲ ድሕሪ ምውጋድ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝረጋገጽ፡ ሰላም፡ ዕቤት፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ምዕቃብ ኩሉ መሰላት ዝወሓስ ራህዋን ቅሳነትን ዝተሓሓዝ እዩ። ህግደፍ ብኣንጻሩ ዋና ባንክን ታንክን ኮይኑ ንግዜኡ ዝኣስርን ዝፈትሕን ዝቐትልን ዝምሕርን ኮይኑ ሃገር ብምሓዙ ስለ ዝምካሕ፡ ፡ መሳርሕየይ እንተዘኮንካ፡ ኣብ ገዛእ ዓድኻ ገዛን መሬትን ኣይትውንን፡ ከም ድላይካ ካብን ናብን ከባብታት ኤርትራ ኣይትንቀሳቐስን፡ ካብ ወጻኢ መጺእካ ኣብ ቤተሰባዊ ሓጐስን ሓዘንን ኣይትሳተፍን ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ኣብ መሬት ሃገርካ ኣይትቕበርን ዝብል ምፍርራሕ እዩ ዘዘውትር።
ኣብ ክንዲ መጻኢ ኣማዕዲኻ ተቓሊስካ መሰላትካ ምውሓስ፡ ብሰንክ’ዚ ዓመጸኛ ምፍርራሕ ህግደፍ፡ ኣቋራጭ መንገዲ ብምምራጽ፡ “ቅዱም ኣይኽፋእ” ኢልካ ኣንጻር ረብሓኻ ኣብ ጐኒ ህግደፍ ምስላፍ ዝመርጹ ምህላዎም ንርእዮ ዘለና ግጉይ ሕርያ እዩ። እዚ ግምት ዘይኮነ ብዙሓት ርኢቶኦም “ብምስጢር ክዕቀበሎም” እናተሓሳሳቡ፡ ንህግደፍ “ምሳኻ ኣለና” እናበሉ፡ ኣምሪሮም ክነቕፉ ይስምዑ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ሓሓሊፉ ናይ ህግድፍ ድፍኢትን ዘይቅዱስ መጠበርን ተወሲኽዎ፡“ዕባራ ምኽንያታት” ብምፍጣር፡ ካብ ተቓውሞ ዘንዘልሕጡ ምህላዎም ዝስማዕን ዘሎ እዩ።
ኣብ መንጎ’ዞም ተጻረርቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ወገናት፡ እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ሓጹር ጥሑሱ ሰዓብቱ ከብዝሕ ክቃለሱ ንቡርን ብግብሪ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣብዚ ተዓዋቲ ንምዃን ከኣ ነዊሕ ኢድን ሓያል ዓቕምን የድሊ። እቲ ቀንዲ መሳርሒ ግና ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ ወጊንካ ኣካይዳኻ ኣዋዲድካ ተበሃጊ ክትከውን ምኽኣል እዩ። ህግደፍ ብመንጽርዚ መመሊሱ ሰሓብነቱ ዘንቆልቁል እምበር፡ ብርትዓዊ ሚዛን ክረአ እንከሎ፡ ካብ ደንበ ተቓውሞ ወጺእካ ክትስዕቦ ዘብህግ ፖለቲካዊ መንነት የብሉን። ኣብቲ ናይ ቀደሙ ምጽሕታር ውግእን ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታውን እንተዘይኮይኑ፡ ሓድሽ ግብራዊ ናይ ዲሞክራስን ልምዓትን ቋንቋን ግብርን የብሉን። እቲ ሓሓሊፉ ዘስምዖ ናይ ልምዓት፡ ወፍርን ሰላምን ዝመስል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝምህዞ ተዘይኮይኑ፡ ዝትግበር ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ንፍሉይ ተልእኮ ካብ ቅድሞም ድዮም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣድብዮም ጸኒሖም ወይ ኣብ መስርሕ ብዘጥረይዎ ጣዕሳ ብዘየገድስ፡ “ንቃልሲ ዘየገልግሉ ሓረጋት” ብምምዛዝን ሓላይ ሃገርን ህዝብን መሲልካ ብምቕራብን፡ ሓሓሊፎም ናይ ህግደፍ ድምጺ ከቃልሑ ይስምዑ እዮም።
ስለዚ ሎሚ እውን በዚ ኮነ በቲ፡ እቲ መዋጸኦ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተማሂርካ፡ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዘሎ ፍልልይ ብግቡእ ተገንዚብካ፡ “ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን“ ዝብል ጭረሖ ኣሕዲስካ፡ ብሓባር ክትወስዶ ዝግበካ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ። ናብዚ ንምብቃዕ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግበእ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትዋሳእ ምብቃዕ እዩ።
መንግስቲ ኢጣልያ ንመጀመርያ ግዜ ምስምሳት ብምፍጣር ብሰንክ’ቲ ጁሰፐ ሳፐቶ ዝበሃል ሃይማኖታዊ ሰባኺ ብስም ሓንቲ ናይ መርከብ ኩባንያ ኣብ ዓሰብ ብ1869 መሬት ምግዝኣ፡ ግዝኣታ ንምስፋሕ ብ1885 ክሳብ ምጽዋዕ በጸሐት። ድሕሪኡ ከኣ በብቑሩብ ንወገን ምዕራብ ካብ ምጽዋዕ እናተፈሓኾትን ምኽንያታት እናፈጠረትን ብ1 ጥሪ 1890 ንኤርትራ ብሓይሊ ሒዛን ምድረ-ባሕሪ ዝነበረ ስማ ናብ “ኤርትራ” ቀይራን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ግዝኣታ ምዃና ኣወጀት።
ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዜ ኩነታታ ምስ ኣጣጠሐት፡ ድሕሪ 6 ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካልእ ግዝኣት ንምውሳኽ ሩባ መረብ ሰጊራ ንወገን ደቡብ ተጓዒዛ፡ ኣብ መጋቢት 1ን 2ን 1896 ኣብ ዓድዋ ኣንጻር ኢትዮጵያ ውግእ ከፊታ ተሳዕረት። ኣብዚ ውግእ’ዚ፡ ኣብ ጐኒ ኢጣልያ ተዓስኪሮም እናተዋግኡ ዝተማረኹ 800 ኤርትራውያን በቶም ኣብቲ ውግእ ዝተዓወቱ ኢትዮጵያውያን ብዘስካሕክሕ ጭካነ፡ የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ዝተቖርጽሉን ኢጣልያውያን ምሩኻት ግና ናጻ ዝተለቅሉን መስደመም ተግባር ተፈጺሙ። ነቲ ናይ ግዳያት ኣሃዝ ብምጥቃስ፡ እቲ ጭካነ ካብ ከተማ ዓድዋ ንወገን ምብራቕ “ኣባ ገሪማ” ኣብ ዝበሃል ገዳም ከም ዝተፈጸመ፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር ኣብታ፡ Erirean ancient history to 1958 እትብል መጽሓፉ ኣብ ገጽ 53 ኣስፊርዎ’ሎ።
ናይ ሽዑ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሚነሊክ ዳግማዊ ኢጣልያ ተሳዒራ ናብ ግዝኣታ ዝነበረት ኤርትራ ክትምለስ እንከላ ኣይሰዓብዋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዳግማይ ዶብ ጥሒሳ ንከይትምለሶም ብ1900፡ ብ1902ን 1908ን ዶብ ናይ ምንጻር ስምምዓት ተፈራሪሞም። ካብኡ ጀሚረን እየን ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ክሳብ ሎሚ ሒዘናኦ ዘለዋ መልክዕ ዶብን ኣነጺረን ።
እንተኾነ መንግስቲ ኢጣልያ ግዝኣት ካብ ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋን ስለ ዘይወጸት፡ ኤርትራ ካብ እትሕዝ ድሕሪ 45 ዓመታት እንደጋና ብ3 ጥቅምቲ 1935 ኢትዮጵያ ንምውራር ዝኸፈተቶ ውግእ፡ ብ1 ማዝያ 1936 ኣብ ማይጨው ድሕሪ ምዕዋታ ንኢትዮጵያ ክትሕዛ እንከላ፡ ናይ ሽዑ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሴ ቀዳማዊ ድማ ብ1 ጉንበት 1936 ናብ ሃገር እንግሊዝ ንክስደድ ናብ ጅቡቲ ኣቕነዐ።
ንኢትዮጵያ ን5 ዓመታት ተቆጻጺራ ከተመሓድር ዝጸንሐት ወራሪት ኢጥልያ ብ1941፡ ሰራዊት እንግሊዝ ብዘካየዶ ውግኣት ካብ ኢትዮጵያ ተሳዒራ ወጺኣ። ኣብዚ እቶም ን5 ዓመታት ኣንጻር ምእታው ኢጣልያን ስደት ሃጻይ ሃይለስላሴ ናብ ብሪጣንያን ኣብ በረኻ ሰፊሮም ዝቃወሙ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ስዕረት ኢጣልያ ግደ ነይርዎም ይበሃል።
እቲ ኩነታት ከምዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ኢትዮጵያ ከም ላይበርያ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ዘይተገዝአት 2ይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ ምባላ ክሳብ ሎሚ ኣዛራቢ እዩ። ኢጣልያ ክልቲአን ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኽልተ ኣቕጣጫታት ንምርኻብ፡ ጎበታት ኣፍሪሳን ድንድላት ሃኒጻን 1080 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መንገዲ ምጽራጋ ከኣ ክሳብ ሎሚ ህያው ታሪኻዊ መግዛእታዊ ምስክር እዩ።
እዝተፈላለዩ መዛግብቲ ዝምስክርዎ ታሪኻዊ ሓቂ እዚ ዝተጠቕሰ እንከሎ፡ ሓደሓደ ኢትዮጵያውያን ነዚ ሓቂዚ ብዘይምቕባል ጌና ኤርትራ ንመግዛእቲ መኪታን ረፈንዱም ኣካይዳን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገበት ሃገር ድሕሪ ምዃና’ውን፡ “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ምስ ዝብል ዝተሳዕረን ግዜ ዝሓለፎን ብሂል ተጣቢቖም ምርኣይን ምስማዕን የገርም።
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድማ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ ናይ ሕጊ ምሁር፡ ኣብ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ቀሪቡ፡ ካብ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰኣነት ብዘይ ሕጊ እያ። ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ሕጋዊ ታሪኽ ምርኣይ የድሊ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትገዝእ ዝነበረት መንግስቲ ኢጣልያን ብ1900፡ 1902ን 1908ን ምስ ናይ ሽዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ 3ተ መግዛእታዊ ውዕላት ተፈራሪሞም። እዞም ስምምዓት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኽለሉ እዮም። እንተኾነ እዞም ውዕላት ድሕሪ ኢጣልያ ብ1935 ኣብ ማይጨው ውእግ ከፊታ ናብ ኢትዮጵያ ምውራራ ውዱቓት ኮይኖም እዮም።” ዝበሎ ነቲ ዘገርም፡ ዝያዳ ዘስደምም ዝገብሮ እዩ።
እዚ ምሁር ድሕሪ ውግእ ማይጨው ወዲቖም እዮም ዝብሎም ዘሎ ውዕላት፡ እቶም ብደረጃ ዓለም ህያው ተፈላጥነት ሃልይዎም፡ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ክነሱ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይተተግበረ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ወሲኑ ብ13 ለካቲት 2002 ክእውጅ እንከሎ፡ ዝተመርኮሰሎም ዓለም ለኻዊ ሰነዳት ምዃኖም ብምዝንጋዕ ዝበሎ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።
ናብዚ ሎሚ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኮለል የብልዎም ካብ ዘለዉ ምኽንያታት፡ እቲ ብይን ዶብ ብዓንተቦ ዘይምትግባሩ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ናይ ዘይምትግባሩ ሓላፍነት ክልቲኦም ወገናት ዝስከምዎ ተሓታትነት ኮይኑ፡ ብፍላይ ህግደፍ ድሕሪ 2018 ጥጡሕ ኩነታት እናሃለዎ፡ ቅሩብ ዘይምዃኑ ዝያዳ ተሓታቲ እዩ። ኢትዮጵያውያን እውን ንድሕሪት ዘይምለስ ክመልሱ ዝኽተልዎ ዘለዉ መንገዲ ንኢትዮጵያ ኮነ ንህዝባ ዘየርብሕ ምዃኑ ክግንዘቡ ምተገብኦም።
ስለዚ ኤርትራውያን ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ “ብምስምስ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ውሳነ ዶብ! ኣብ መሬት ይመልከት እሞ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ስሩዕ ጉርብትናን ሕድሕድ ምትሕግጋዝን ይመለስ” ዝብል ድምጽና ከነበርኽ ይግበኣና።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ “2024 ዛዚምና ናብ 2025 ኣብ እንሰጋገረሉ” እዋን በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጻኢ ሰናይ ክኾነልካ ምምናይ ንቡር እዩ’ሞ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2025ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ፡ ንብል።
እዛ “መጻእኩኹም” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት መስርዑ ሓልዩ ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ ስለ ዘይንግንዘብን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ይኸውን እምበር፡ እዛ ዓመት እዚኣስ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል፡ ከይተፈለጠትና’ያ ሓሊፋ” ንብል ኢና። ዘይተሓጐስናላ ዓመት እንተኮይና ከኣ “እዛ ዓመትዚኣስ እንኳዕ ከደትልና” እንብለሉ ኩነታት’ውን ኣሎ። ብፍላይ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ክንመዝኖ እንከለና፡ 2024 ክንድቲ ዝተጸበናያ ናይ ሰላምን ብሓባር ምውፋርን ኣይነበረትን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውግእ፡ ህልቂት፡ ምዝንባልን ዕንወትን ዝዓንደረላ ስለ ዝነበረት “ድሕሪኣ ይቕደወና” እትበሃል ኮይና እያ ትሓልፍ ዘላ።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ፡ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይ’ውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብናጻ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ነጻ ህያብ ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ኣብ ምትኽኻእ ዘለዋ ሓላፊትን ተካኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። ንሱ እቲ ንሕና እንጐዓዞ መስርሕ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዕዉታት ንክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ኮይና ሰናይ ናይ ዓወት ትምኒት እንገልጽ። ኣብቲ መስርሕ “ክንድቲ ንምነዮ ንተግሆንዶ ኮይና ኣይፋልናን?” ከኣ ብተመኩሮ ከም ዝተዓዘብናዮ ብዳሂ እዩ። ብናትና ድኽመት ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታት ውጽኢትና ኣንጻርቲ ዝተመነናዮ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ እውን ብዙሕ ሓሊፉ እዩ።
ኣብ 2024፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዎ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንረብሓ ህግደዲፍ ዝሸጡን ኤርትራዊ ወገናት ገዲፍካ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ንላዕሊ “ኣዝዩ ኣጨናቒ እዩ ነይሩ” ምባሉ ከረዳደኣና ይኽእል። ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብናዮ ንመጻኢ’ውን ህግደዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭካነን በደልን ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቕ፡ ኣብ 2025’ውን ዝገጥመና ብደሆ ካብ ናይ 2024 ዝተፈልየ ስለ ዘይከውን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ክንቅረበሉ ይግበኣና። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓ ካብዚ እንተነዊሑ፡ ንህልውና ህዝብን ሃገርን ዝኸበደ መዘዝ ዘስዕብ ስለዝኾነ።
ህገድፍ ሎሚስ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሩ ተማሂሩ፡ “ናይ ውግእ ከበሮ ክወቅዕዩ ይኸውን” ዝብል፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ነይሩ ይኸውን። እንተኾነ ብፍላይ ኢስያስ ብጉልባብ ቃለመጠይቕ ዝሃቦ መግለጽን ካለኦት ሓለፍቱን ዝኸድዎ ዘለዉ መንገድን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ካብ ምንዳይ ውግእ ዝዕገስ ኣይመስልን። ድሕሪ ፍሽለቱ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ “ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣይክኣቱን እዩ” ዝብል ትጽቢት ዝነበሮም ኤትራውያን’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግብሪ ይውዕለሉ ኣብ መጻኢ ዝረአ ኮይኑ፡ ዘይቅዱስ ኪዳናት ክሳብ ምምስራት እውን ወሲኽሉ’ሎ።
ካብ ካለኣይ ፍርቂ ዓመት 2024 ጀሚሩ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ኣካይዳን ዘይዕወት ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፍልልይ እናሰፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ከይተረፋ፡ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ፍልልይ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመተ-2025 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ግምታተን ይህባ’ለዋ። ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ብዙሓት ወገናት ብምኽንያት ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ተተባቢዖም፡ ኢትዮጵያውያን ጸገማቶም ብፖለቲካውን ሕጋውን መስርሕ ክፈትሑ’ዮም ዝብል እምነት ሓዲርዎም ነይሩ። ብግብሪ ግና ናብ ዝገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ዕድል 2025 ኣብ ምፍታሕ እዚ፡ ነዓናው ዝጸልወና ናይ ጐረባብቲ ፖለቲካዊ ሕምስምስ ከመይ ከም ዝኸውን ኣብ መጻኢ ብትኹረት እንከታተሎ እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ 2025 ካብ 2024 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዝጸንሖ ብዝገደደ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ከይረሓቕና ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእ ዘስግእ እዩ። ኢሳያስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጸረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውግእ ህርፋኖም ንምርዋይ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣእዳዎም ንምእታው ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ ከባቢ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ፡ ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ደበና ስግኣ ቀንጢጥካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምስጓም ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ውዳበታት እምበር፡ እቲ ራህዋን ሰላማዊ መንገዲድን ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ዘዝፈሓሶ ተንኮል ምስ ፈሸሎ፡ ካልእ መንገዲ ጥፍኣት ካብ ምምሃዝ ኣብ’ዛ ንርከባ ዘለና ዓመት’ውን ዓዲ ኣይክውዕል እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረሲዳንትነት ኣሜሪካ፡ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡ ምስሕሓብ እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ምትፍናን እስራኤልን ኢራንን፡ ናይ ሃገረ ሲርያ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምእታ’ውን፡ ኣብ 2025 ናበይ ገጾም ከም ዝምዕብሉ ዓለም ብሃንቅውታ እትጽበዮም ዘላ እዮም። እቲ ዝፍራሕ 3ይ ውግእ ዓለም ከይክሰት ዝሰግኡ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2025፡ ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና፡ ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ኣብዚ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኣና ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብቀዳማይ ኮንፈረንሱን ናይ ሓባር ፈስቲቫሉን ኣቢሉ በጺሕዎ ዘሎ ስምምዓት ብግብሪ ናይ ምንቅስቓስ ተግባሩ ምስፍሕን ምሕያልን ኣብ 2025 ዓብይ ግምት ዝህቦ ኣጀንድኡ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰልፋዊ መሳርዑ ምድልዳል፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምሕያልን፡ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኣብ ምስፋሕን ካብ ናይ 2025 ኣጀንዳኡ ገይሩ ክቃለሰሉ እዩ።
ካብ ጠባያት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ፡ ኣብ ዝኣተዎ ቃል ዘይምምእዛዝ እዩ። እዚ በቲ መራሒኡ በብግዜኡ ዝብሎን፡ ብግብሪ ዝኸዶ ዘይራኸብ ምዃኑን ክምዘን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ብመንጽርቲ በብግዜኡ ዘጽድቖ ሰነዳቱ ዝጸንሖን ዘለዎን ዘይርጡብ ኣተገባብራ መረጋገጺ እዩ። ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ፡ ሳልሳይን ህዝባዊ ግንባር ናብ ህግደፍ ዝተሰጋገረሉን ጉባአ ዘጽደቖ ቻርተር እንተ ዳህሲስካ፡ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት መለለያኡ ብምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ዝኣትዎ ስኑድ ቃል ኣርሒቑ ከም ዘሎ ምርዳእ ኣየጸግምን’ዩ።
ኣብቲ ቻርተር ንትካላዊ ኣሰራርሓ ብዝምልከት፡ “እቲ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ኣገባባት፡ ተሓታትነት (acountablity)፡ ግሉጽነት (transparency)፡ ብዙሕነትን (pluralism)፡ ምጽውዋርን (tolorance) ዝተመስረተ፡ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ። እዞም ኣብቲ 48 ገጻት፡ ብዙሓት ምዕራፋትን ክፍልታትን ዘለዎ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝጸደቐ ቻርተር ሰፊሮም ዘለዉ ተበሃግቲ ኣምራት፡ ሎሚ ኣብ ህግደፍዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ሃሰስ ኢልካ ኣሰሮም ኣይርከብን። ብመሰረቱ እውን ኩሉ ትካላት ፈሪሱ፡ ኣብቲ ትካላት ዝዋስኡ ዝነበሩ ባእታታት ከኣ፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ሞት ወሲኽካ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት በዂሮም ኢሳያስን ውሑዳት ኣሰነይቱን ጥራይ ኣብ ዝተረፈሉ፡ ትካል፡ ትካልውነትን ተሓታትነትን ከም ቃል’ውን ዝለዓልሉ ኣይኮኑን።
እቲ ቻርተር ዘስፈሮ ካልእ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ፡ እቲ ቃልስን ጻዕርን ብቐንዱ ድሕሪ ናጽነት ዝጅምር፡ ንሕና እቶም ናጽነት ዘምጻእና ወለዶታት፡ ሰረታት ስልጡንን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ከነረክብ ሓላፍነት ተረኪብና ኣለና። ዘለናዮ መድረኽ ምስግጋር፡ ኣብ ግዜ ታሪኻዊ ዕድልን ብደሆን እዩ።” ይብል። ኣብዚ ዓበይቲ ዘይተተግበሩ፡ እንተዝትግበሩ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ከለምልሙ ዝኽእሉ ዝነበሩ ሓረጋት ተጠቒሶም ኣለዉ። ብግብሪ ግና ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ የለን። ዝሰፈሐ ዕቤትሲ ይትረፍ፡ ግቡእ ዝርጋሐ መብራህትን ታራ ናይ ኢንተርነት መስመርን ናይ ምርካብ ዕድል’ኳ የለን። ደሓር ርሑቕ ከይከድካ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ሕብሪ ዘይተገላገሉ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ መስከርቲ እዮም። እዚ ቻርተር ካብ ዝጸሓፍ ድሕሪ 30 ዓመታት እውን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገርስ ይትረፍ፡ ንይምሰል’ውን ካብ ኢሳያስ ናብ ኢሳያስ ዘሰጋግር ምርጫ ኣይተፈተነን። ንመጻኢ’ውን ኣብ ህላወ ህግደፍ ከም ዝሰጋገር ምልክታት የለን። በዚ ከኣ ኤርትራ “ንዝነወሐ ዓመታት ብግዝያዊ መንግስቲ ዝተመርሐት ሃገር” ኣብ እትበሃለሉ ደረጃ እያ ዘላ።
ቻርተር 1994 ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ዘሎ ዘይግበኦ፡“ንዲሞክራሲን ፍትሕን” ዝብል ስም ዝሓዘ ግንባር፣ ራኢታት ኢሉ ካብ ዘስፈሮም ኣብ ቁጽሪ 6፡ “ኤርትራ ምስ ጐረባብታ፡ ብስኒትን ብምትሕብባርን እናነበረት፡ ንዞባውን ዓለማውን ሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን ብዓቕማ እተበርክትን እተኽብርን ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክትከውን እያ” ዝብል እውን ካብ ዘስፈሮም’ዩ። ኩሉ ከም ዝርደኦ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ምስ ነፍሲ ወከፍ ንኤርትራ ዘዋስና ሃገራት፡ ብውሕዱ ከክልተ ግዜ ኣብ ውግእ ኣትዩ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ንሓንሳብ ብግሁድ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር ምስ ንኤርትራ ምስ ዘይዳወባ ሃገራት እውን ኣይተሰሓሓበን ማለት ኣይኮነን። ህግደፍ ከምቲ ዝጭረሖ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘገድሶ፡ ሰላም፡ ምርድዳእን ምጽውዋርን ዘቐድም ነይሩ እንተዝኸውን፡ ምስ ኩለን ሃገራት ዘካየዶ ውግኣት ብዘተን ሽምግልናን እንተገደደ ከኣ ብፍርዲ ዘይፍታሕ ኣይነበረን።
“መበገስን መዕለብን ዕላማና፡ ውልቃውን ሓባራውን፡ ነገራውን መንፈሳውን ርውየት ኤርትራ ኣብ ሰላም ዝሰፈና ዓለም እዩ” ከኣ ካልእ ኣብቲ ቻርተር እንረኽቦ ዘይተተግብረ፡ ኣብቲ ንህግደፍ ዘቖመ 3ይ ጉባአ ህግሓኤ ዝተወሰነ እዩ። ነዚ ሰነድ ኣጽዲቑ “ከተግብሮ እየ” ኢሉ ቃል ዝኣተወ ህግዲፍ እዩ እምበኣር፡ ኣብ ጐኒ ሩሲያ ተጸጊዑ፡ ንወራር ዩክረይን ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ ዝደገፈ። ህግደፍሲ ብደረጃ ዓለም ይጽነሓሉ’ሞ ብደረጃ ኤርትራ’ውን ምስ ህዝቢ ዘይተዓርቀ፡ ነገራዊ ይኹን መንፈሳዊ ርውየት ህዝቢ ከረጋግጽ ዘይበቐዐ እዩ።
ኣብ ገጽ 42 ናይቲ ኣብ ጉባአ ናቕፋ ዝጸደቐን ተመላኺዑ ዝቐረበን መኻን“ሃገራዊ ቻርተር” ፡ “ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ናይ ሰላምን ዘይሻራውነትን እዩ” ዝብል ረዚን ሓሳብ ምስፋሩ፡ ካልእ ነቲ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ተዓዚብካ ዘገርም እዩ። ብዛዕባ ጸረ ሰላምነት ህግደፍ ዝለዓል ኣይኮነን። ምኽንያቱ “ህውከተኛን ጻሕታሪ ኲናትን” ዝብል ቅጽል፡ ንስም ጥራይ ዝተዋህቦ ዘይኮነ፡ ባዕሉ መሪጹ ብግብሪ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ስለ ዝኾነ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ህውከተኛ ባህሪኡ እዩ ከኣ ብእገዳታት ክቕጻዕ ዝጸንሐን ዘሎን። ብዙሕ ንድሕሪት ኬድካ መዛግብቲ ብዘይምግንጻል፡ ህልዊ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ጐረባብቲ ሃገራት ኢድ ኣእቲኻ ምሕማስ መለለይኡ እዩ። እቶም እናመልመለ ኣጽዋር ኣዕጢቑ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዘስርጎም ዘሎ ጉጅለታት ህያው ምስክር ናይ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ካለኦት እዮም።
“መሪሕነት እኩብ ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ብእኩብ ክግምግም፡ ክውስንን ክከታተልን ዘኽእሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ ግድን እዩ” ዝብል ከኣ ኣብ ገጽ 46 ናይቲ ሰነድ ይንበብ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ሓቢርካ ምምዛንን ምውሳንን ይትረፍ እሞ፡ ንስሙ እውን ትርጉም ዘለዎ መሪሕነታዊ ኣሃዱ ዝበሃል የለን። በዚ እያ ድማ ኤርትራ ካብ ንቡር ወጻኢ፡ ኣብ ኢድ ውልቀ ገባርን ሓዳግን ናይ ዝወደቓ ሃገራት ኣብነት ኮይና እትጥቀስ ዘላ።
ጥልመት ህግደፍ ብዘይምትግባር ቻርተር ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ነዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ቻርተር ኣብ ግምት ኣእትይዩ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ እውን፡ “ዝሞተ ሰነድ” ኢሉ ጉሒፍዎ’ዩ። እቲ ዘገርም፡ ምናልባት ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ ገለ መራሕቲ ሃገራት፡ ናይቲ ብህዝቢ ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ዓንቀጻት ኣመሓይሾም ንረብሓኦም ከውዕልዎ ዘይቅቡል’ኳ እንተኾነ ይፍትኑ እዮም። ናይ ኤርትራ ግና ፍሉይ እዩ፡ ምኽንያቱ ጸዲቑ ከብቅዕ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ከይተፈተነ እዩ ናይ ሞቱ መርድእ ንህዝቢ ዝተነግረ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ብኽንድዚ ደረጃ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ሰነዳት ተኻሒዱ ከብቅዕ፡ ሎሚኸ ካብቲ ጉጅለ ሓድሽ ነገር ይጽበ ዶ ይኸውን?
ህግደፍ ዝተኸተሎ መንገዲ፡ ግጉይን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱን ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ዲፕሎምሲያዊ ዝምድናታቱ’ውን ጐሊሑ ከም ዝረኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ኩሉ ዝምስርቶ ዝምድናታት ዕድመኡ ሓጺር፡ ውጽኢቱ ድማ ንህዝቢ ኣብ ናይ ውግእን ድኽነትን ዓዘቕቲ ዝነቑት። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ከካይዶ ዝጸንሐ ዝምድናታት ድማ ብመንጽርዚ ዝምዘን እዩ።
እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይቲ ብሰንክዚ ግጉይን ኣርሒቑ ዘይርእን ተበላጺ ዝምድናታት ናይቲ ጉጅለ ዘጋጠም ኩለ-መዳያዊ ዕዳ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ህግደፍ ዝምድና ኣፍሪሱ ዝበኣሰን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ክኸፍሎ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ እዩ። እቲ ኢሳያስ ባዕሉ ከይተረፈ፡ ደጋጊሙ ናይ ዶብ ከምዘይነበረ ዝተኣመነሉ ውግእ 1998-2000 ዝተኻየደሉ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ዘጋጠመ ምክልባትን ምርሳይን ምብኻንን ዓመታት ሰሪሑ ዘጥረዮ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ በሰላ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብ ድሮ እቲ ውግእ ዝነበረ ኩነታት ስለ ዘስገኦም፡ ህግደፍ ከሎ ግና ንክሓስበሉ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝነበረ ኢምባሲኡ ብመልክዕ ኣኼባ የቕርብዎ ዝነበሩ ናይ “ከይኮነ ንጠንቀቕ” መተሓሳሰቢ ተገዲሱ ዝሰምዖ ኣካል ኣይነበረን። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ ትግራይ እውን እቲ ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ እዩ ተበዲሉ እምበር፡ እቲ ጉጅለ ከምቲ ኩሉ ግዜ ከይሓፈረ ዝብሎ “ኣይከሰረን።”
ካብ ኢትዮጵያ ብምስጓጎም ዝተበደሉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ እቶም ኣይኮነንዶ ኣባላት ህግደፍ ክነብሩ፡ ንሃገሮም ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት’ውን ርእየምዋ ዘይፈልጡ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ዘጋጠሞም፡ ንተግባራት ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ከማርሩ ጸኒሖም። ናይቲ ጉጅለ ድፍኢትን ተንኮልን እናተወሰኾ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ኣይተሰግረን። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ በደልን ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ናይቲ ተረኽቦን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዞም ዝተሰጉ ግዳያት እንተማረሩ ዝተሓዞም ኣይኮነን። እንተኾነ “ንስኻ እንተዘይተፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ጠንቂ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ከኣ ክዝንግዕዎ ኣይግባእን።ኣብ መጻኢ መምሃሪ ተመኩሮ ክኸውን እውን ይግበኦ።
ህግደፍ ኣብ 2018 ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኾርተት ክብል እንከሎ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ክቱር ፍቕሪ ህግደፍን ህወሓትን “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር” ከም ዝባሃል፡ እሞ ናብ ውግእ 1998 ዝተቐየረ፡ ዘኪሮም፡ ስኽፍታ ዝሓደሮም ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ዝምድና “ግሉጽነትን ትካላውነትን ዝጐደሎ፡ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ ዘይፍለጥን ስለ ዝነበረ፡ ብህድኣት ክርኣይ ይግበኦ፡” ንዘበሉ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ “ሰላምና ምስ ኢትዮጵያ ዘሕመሞም ሓሳዳት እዮም” ስለዝበሎ፡ ደድሕሪኡ ዘዳመቑ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። ነቲ ኩነታት ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ሚኒስተር ዝነበረ፡ ነፍስሄር ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኮይኑ ብትብዓት፡ ንዲክታተር ኢሳያስ“ነቲ ግቡእ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን ባይቶን ዘየብሉ ክነሱ፡ በይንኻ ምስ ሃገራት ተካይዶ ዘለኻ ናይ ተብተብ ዝምድና እስትራተጅያዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ ጠጠው ኣብሎ” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።
ስለዚ ኤርትራውያን፣ ንናይ ቀረባ ግዜ ስንኩፍናን ጥልመትን ዘንጊዕካ፡ ደድሕሪ ህግደፍ ምዕንዳር ባዕልኻ ምውጻኡ ናብ ዘጸግም መጻወድያ ምእታው ምዃኑ ክንግንዘብ ምተገብአ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብተን ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበራ ውሑዳት ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክረአ ዝጸንሐ ወደኽደኽ ገለ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር በይናዊ ተጠቃምነት ዘተኩር እምበር፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ብምዃኑ፡ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ምኽታሙ ብዘርኣዮ ዘይምርግጋእ ተቓሊዑ እዩ። ኣብዚ እቶም ተዓሽዮም ደድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም፡ ወደኽደኽ ክብሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ሰቲ ነስኒሱ ብጫ ምንጻፍ ዘርጊሑ “መጺእካለይዶ ክጽበያካ” እናበለ ባዕሉ ብዝጐተቶ ተመን ግዳይ ካብ ምዃን ኣይደሓነን።
ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሸምጠጠ ምስ ሸምጠጠን ክቕጽል ከምዘይክእል ምስተረደአን ድሮ ንኣብይ ኣሕመድ ሕቖኡ ሂብዎ። በዚ ከይተወሰን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካለኦት ኪዳን ክሳብ ምምስራት በጺሑሎ። በዚ ዝተቖተዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብዘይካቲ ብዛዕባ ውደብዶ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ክዛረብ ዝውዕሎ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ከይተረፈ፡ ደጊም “ብሕጊ ዝዛመደና እምበር፡ ንግዜኡ ዝብለጸልናን ኤምባሲ ከፊቱ ዶላር ክእክብ ምስ ዝውዕል ኣካል ክንዛመድ ኣይንደልን ኢና” ዝበሎ ናብ መን ዘቕነዐ መልእኽቲ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ነዚ ምጥልላም ኣብ ርእሲቲ ኢሳያስ ደጋጊሙ ክምድሮ ዝጸንሐ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ነበር ነፍሰ-ሄር ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ኢሪ-ቲቪ ምስ ጋዜጠኛ ይስሓቕ መሓሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት፡ “ኢትዮጵያ ንከይትገማማዕን ከይትብተንን ጉዳያ ክትፈትን ከምኡ ድማ ወያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስ ክንሰርሕ እዩ እምነተይ እዩ፡ እዚ ድማ ናይ መንግስትና እምነት እውን ክኸውን እየ ዝደ” ዝበሎ፡ ክውሰኾ እንከሎ ኣዝዩ ዘገርም ምግልባጥ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ተመኩሮ ዘይተማህሩ፡ ፍቕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንድሕሪት ኣይክምለስን’ዩ ዝብል ግጉይ ግንዛበ ኣሕዲሮም፡ “ዝትንክፈና የለን” ብዝብል ኣጉል ጉርሒ ክሳብ ምውናን ትካላት በጺሖም ዝነበሩ ኣብ ወጥሪ ከም ዝኣተዉን እቲ ናይ 1998 ከይድገም ከም ዘስግእን ብዝተፈላለዩ መድያታት ይቃላሕ’ሎ። እዚ ዘተዓዛዝብ እምበር፡ “ፈትዮም ስለ ዝኣተዉዎ ባዕላቶም ይፈልጡ” ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብሰንኪ ዘይምስትውዓል ዝተወስደ ንቑጽን ርሑስን ዘይፈለየ ስጉምትን ሳዕቤኑን ዘኪሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወስዶ ስጉምቲ ሓላፍነታዊ ንክኸውን ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።
ኤርትራውያን’ውን፡ ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ዕብዳኖም ተመሊሶም፡ ክሳብ መዓስ ኢና ናይቲ “ግጉይ ምርጫ ህግደፍ ከፈልቲ ዕዳ ንኸውን?” ኢሎም፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት’ኳ ከድሕንዎ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ እንተበጽሐ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ካብ ምድጋሙ ክዕቀቡ ይግበኦም።
ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ከባቢና ኮነ ዓለም ዝተፈላለዩ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ለውጥታት ይረኣዩ’ለዉ። እቲ ለውጥታት ናይ ክብን ለጠቕን ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግን ብቕልጣፈ ዝሕንበብ ዘሎ እዩ። እዚ ቅልጡፍ ለውጥታት ኣብቲ ዘዝተኸስተሉ ኩርነዓት ጥራሕ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለጽ ናይ ቀረባን ርሑቕን ተጽዕኖታትን ጽልዋታትን ኣለዎ። እቲ ጽልዋ ብፍላይ ዓለምና ሳላ ዘመናዊ ዕቤት መራኸቢ ናብ ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ዝተለወጠትሉ ዘመን ቅልጡፍን ኣርሒቑ ዝጐዓዝን እዩ።
ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ልዕሊ 3ተ ዓመታት ዝኾኖ ኣዕናውን ደማውን ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡ ዓመቱ ዘሕለፈ ውግእ እስራኤል ኣንጻር ሓማስን ሂዝቡላህን ብቐጥታ፡ ከምኡ ድማ ምስ ኢራን ተፈጢሩ ዘሎ ሓያል ወጥሪ፡ ምርጫ ሓያል ሃገር ኣሜሪካ፡ ደርሓር ድማ ህልዊ ምዕባለ ሲርያ ካብቶም እውናውያን ኣዘራረብትን ጽልወኦም ኣርሒቑ ዝጐዓዝ ኮይኖም ኣለዉ። እዞም ምዕባለታት ጠቕላላ ኣሰላልፋ ሓይልታት ክቕይሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ተረኽቦታት እዮም።
ኣብዚ ቀረባና ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝቕጽል ዘሎ ሕድሕድ ውግኣትን ዘኸትሎ ዘሎ ስደትን ምምዝባላትን ዘሻቕል’ዩ። ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝመስል ዝደኮነኦ “ኪዳን ኣስመራ”፡ ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ድሕሪ ቃለ መጠይቕ ኢሳያስን ብኢትዮጵያ ኣንጻሩ ዝተዋህበ ግብረ መልስን ዝያዳ ዝጋደድ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነብርቲ ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ዘሎ ምክልባትን ዘቕስን ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ሕምስምስ ኣብ ትግራይን ምርጫ ሶማሊላንድን ናቶም ጸላዊ ብጽሒት ኣለዎም። መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብመንጐኝነት ቱርኪ ፍልልየን ብኢህንምሂን ክፈትሓ ምስምመዕን ናይ ኢሳያስ ጃላነት ዘርኢ ተርእዮ እዩ። እዚ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣንካራ፡ ንኢሳያስ ድሕሪ ፕሪቶርያ ዳግማይ ናይ ውግእ ህርፋኑ ዝኾልፍ ተረኽቦ እዩ።
ናይ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማሊያን ዕጡቓት ሓይልታት ምስራግ፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ከም ዘለዎ ከም ዘርኢ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክለዓል ዝጸንሐ እዩ። ከምኡ ድማ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ሓድሽ ኣንጻር’ቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ብልጽግና ዝምድና ክፍጠርዶ ይከኣል?” ዝብል መድረኻዊ መዛረቢ ሕቶ ክኸውን ምጅማሩ ናይቲ ምዕባለታት ምጽልላው፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስን ጉጅለኡን ሓሊፉ፡ ኣብቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ዘሕድሮ እወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ተጽዕኖ’ውን ግቡእ ግምት ክወሃቦ ዝግበኦ እዩ።
ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ዝብድሉን መሰላቱ ግሂሶም ዝረግጹን ዲክታተራት፡ ነቲ ዝፍጽምዎ በደላት ከቢድ ዋጋ ካብ ምኽፋል ከምዘይድሕኑ ኣብ ርእሲ ዝሓለፉ ተመኩሮታት እነሆ ኣብዚ እዋን ኣብ ሲርያ ተጋሂዱ። እዚ ብመንጽር’ቲ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ነገራት ዓጽዩን መሰላት ህዝቢ ነፊጉን ክዕንድሮ ዝጸንሐን ዘሎን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዛዕባና ጽልዋኡ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። እቲ ጽልዋኡ “ዲክታተር ኢሳያስን ጉጅለኡን ከም’ቲ ሶርያዊ ቤተሰባዊ ወጻዒ ስርዓት ዕድሚኡ ኣኺሉ፡ በሽር ኣል-ኣሳድን ምምሕዳሩን ክወድቕ ናይ ግድን እዩ” ብዝብል ታራ ኣገላልጻ ጥራይ ዝንገር ኣይኮነን። ናባና ናብቶም ምእንቲ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ ዘለና’ውን ዘመሓላልፎ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣለዎ። ወጽዓን ግፍዕን ህዝቢ ሶርያ ክሳብ ክንደይ መሪር ከም ዝነበረ ኩሉ ገዲፍካ፡ ኣብ ሲድናያ ዝተባህለን ካለኦትን ኣብያተ ማእሰርቲ ናይታ ሃገር ዘርአ ዘሎ ናይ ግፍዒ ምስክርነት ኣስንባዲ እዩ። እዚ ምስክርነት’ዚ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ዒራዒሮን ዓዲ ኣብየቶን ካለኦት ኣብያተ-ማእሰርትን ከም ዝደግመኦ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሎሚ ሱርያውን ኣስማት ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተረሸኑን ዝተሓንቁን ቤተሰቦም ክንገሮም ተሰሪዖም ይረኣዩ’ለዉ። እቲ ሎሚ ተሓቢኡ ዘሎ ድምጺ ኤርትራውያን ግዳያት ከኣ ጽባሕ ክስማዕን ክረኣን እዩ።
ዲክታተራት “ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ብዝብል ፖሊሲ ዝምርሑ ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ዝፈጠርዎ በደል ብምውዳቖም ጥራይ ዝውገድ ዘይኮነ፡ ምስተወገዱ ዝገድፍዎ “ሕማም ደሓር” እውን ኣሎ። ኣብ ሱርያ ድሮ ናይዚ ሕማም ደሓር ምልክታት ይረአ’ሎ። ናይ ኢስራኤል ኣብ ገለ ከባብን ትካላትን ሱርያ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ናይቲ ሕማም ደሓር መርኣያ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ናይቲ ኣብ ዓለም ተበቲኑ ዝጸንሐ ኣስታት 14 ሚልዮን ሱርያዊ ስደተኛ ናብ ሃገሩ ናይ ምምላስ ዕልቕልቕን ዘድልዮ ቀረብን መጽለልን ካልእ በዳሂ መርኣያ እዩ። “እቶም ለውጢ ዘምጽኡ ኣካላትከ ክሳብ ክንደይ ኣሳንዮም ሃገር ክመርሑ እዮም?” ዝብል ድማ፡ ምስ በሽር ኣል-ኣሳድ ሓቢረን ዝተሳዕራ ሃገራት ብዙሓት ምስ ምዃነን ዘሰክፍ እዩ።
ናይዚ ስኽፍታ መሰረታዊ መፍትሒ እምበኣር፡ ጐኒ ንጐኒ እቲ ዲክታተራት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ ብዛዕባቲ ድሕሪኡ ዝኽሰት ምዕባለ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ “ ዲክታተር ደኣ ይውደቐልና እምበር፡ ድሕሪኡስ ሽዑ ነርክበሉ” ካብ ዝብል ኣንዊሑ ዘይጥምት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ምውጻእ እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይቲ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ቀዳምነት ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ምዃኑ ዘየዳዲ ኮይኑ፡ ግን ድማ “ድሕሪ ውድቀት ህግደፍከ ብኸመይን ናበይን?” ናይ ዝብሉ ሕቶታት ዕቱብ መልሲ ምርካብ ካብቲ ምውዳቕ እቲ ዲክታተርን ምምሕዳሩን ፈሊኻ ዝረአ ዋኒን ኣይኮነን። ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ እዩ ከኣ “ቀዳምነታትና ሰሪዕና፡ ፍልልያትና መልክዕ ኣትሒዝና፡ ኣብቲ ዘሰማምዓና ብሓባር እንቃለሰሉ ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት” ዘይስገር ዝኸውን። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ኣካላት ለውጥን ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ዝጽዕትሉ ዘልዉ ተደላይን ዘይስገርን ዝኸውን እምበኣር ብመንጽር’ዚ ስለ ዝቃነ እዩ።
ስለዚ ቀዳምነት ቃልስና ነቲ ዘይተርፍ ምውጋድ ዲክታተር ምቅልጣፍ ምዃኑ ኣሚንና ንሰርሓሉ ዘለና እዩ። ምስኡ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቱ ክትኮነልና ንብህጎ፡ ብምውጋዱ ጥራይ ስለ ዘይረጋገጽ፡ ንድሕሪ ውድቀት ዝምጥን ኩለ-መዳያዊ ምድላው ከም ዘድልየና ኣይንዘንግዕ። እዚ ድሉውነት ብሓደ ውሱን ኣካል ናይቲ ምእንቲ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ንእመን። ናይ ኩልና እቶም ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ተሰኪምና ዘለና ምዃኑ ከኣ ንገንዘብ። ነዚ ተገንዚብና ድማ ብሓባር ክንስጉም ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ምህላውና ንረዳእ።
ዝተወደበ ኣካል ይኹን ባእታ፡ ካብ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባ ፈሊኻ ምርኣዩን ምምዛኑን የጸግም’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኽተል ጉጅለ ይኹን ውልቀሰብ ብፍላይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጻ ሃዋህው ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ተኸኣኢልካ ምንባር ኣጸጋሚ እዩ። እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ምርሕሓቕ ከኣ ኣካልነት ወይ ሰብነት ዘይኮነ፡ ኣተሓሳስባ ዝፈጥሮ ፍልልይ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ንክንቃለስ ዝድርኾ ቀንዲ ምኽንያት፡ ናይቶም ኣብኡ ተጸፍዮም ዘለዉ ከም ሰባት ዘይኮነ፡ እቲ ዝኽተልዎ ተጻባኢ ኣተሓሳስባ እዩ። ግና ድማ እቲ ኣተሓሳስባ ብዘይቲ ዘንቀሳቕሶ ኣካል ድዩ ጉጅለ ግብራዊ ህልውና ስለ ዘየብሉ፡ ምስቲ ዘተግብሮ ኣካል ኣብ ምርሕሓቕን ምስሕሓብን ክእቶ ግድን እዩ። ብፍላይ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ብናጻነት ምንጽብራቕ ዘኽእል ሕጋውን ዲሞክራስያውን ባይታ ኣብ ዘየብሉ፡ እቲ ፍልልይ ከምዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ኪኖ ብኣተሓሳስባ ምርሕሓቕ፡ ኣብ መንጎቶም ብሓሳብ ዝፈላለዩ ጽልእን ምጥፋእን ከም ከጋጥም ኤርትራውያን ንነብሮ ዘለና እዩ።
ሓደ ኣካል ምስ ግዜን ምዕብልናን ኣተሓሳስባኡ ክቕይር ይኽእል’ዩ ኢልካ’ ምግማት ይከኣል’ዩ። ካብዚ ነቒሉ ምስቶም ኣንጻሩ ዝጸንሑ ናይ ምስላፍ ኣጋጣሚ ክፍጠር እንከሎ ዘገርም ኣይኮነን። ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣካል ግና ካብቲ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡ ንድሕሪት ክምለስ ኣብ ዘይክእለሉ ዝጠሓለ ስለ ዝኾነ፡ ካብ መዓሙቕ ድርቅና ወጺኡ፡ ወገን ህዝቢ ኮይኑ ክስለፍ እትጽበዮ ኣይኮነን።
ንሓደ ኣካል ካብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኡቡ ወጻኢ፡ ምኽኑይ ብዘይኮነ መዕቀኒ ብዓይኒ ጽልኢ ምርኣዩ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ግምት ከይሃካ፡ ብዓዲ፡ ጾታ፡ እምነትን ካልእን ምስ ዝፍለየካ ምጽላእ’ውን ከምኡ ናብ ግጉይ ናይ ቃልሲ መንገዲ ዝመርሕ እዩ። ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ መሰላት ህዝቢ ዝዕምጽጽ፡ ነብሱ ልዕሊ ህዝቢ ዝሰርዕ፡ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ምቕታልን ምስዋርን ዝመርጽ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ውግእ ዝወልፍ፡ ኮታ ህዝቢ ኣብ ሃገሩን ጸጋታታን ወሳኒ ከይከውን ዝኸልእ ጨካን ምዃኑ፡ ዓለም ብዓለማ ዝፈለጠቶ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ዲክታተር እንተዘይከውን፡ ከም ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስለ ዝኾነ ጥራይ ኣይመተጸልአን። ስለዚ ናብዚ ዘለዎ ዝተጸልኣ ደረጃ ዘውደቖ ኣተሓሳስባኡ እዩ። ህዝብናን ውድባቱን ኣንጻር’ቲ ጉጅለ ዲክታተር ዝቃለሱ ዘለዉ’ውን ንኢሳያስ ከም ሰብ ስለ ዝጸላእዎ ዘይኮኑ፡ ብሰንክቲ ዝዓበየሉን ክሳብ ሕጂ ዘይገደፎን ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራሲን ዕቤትን ኣተሓሳስባኡን ተግባሩን እዮም።
ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝዕወት፡ እዞም ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ መራሕቲ ከም ሰባትን ተኣኪበምሉ ዘለዉ ጉጅለን ክውገዱ እንከለዉ ጥራይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሰብ እንተኸደ ሰብ ከም ዝመጽእ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ። ዝኸደ ምስ ከደ እቲ ዝትክእ ሓድሽ ኣካል፡ ነቲ ዝነበረ መርዛም ዘወግድ ኣተሓሳስባ ሰኒቑ፡ ሓቀኛ ወገን ህዝቢ ምስ ዝኸውን ቅቡልን ውጽኢታውን ይኸውን። እቲ ብህዝቢ ዝተፈንፈነን ዝኣረገን ኣተሓሳስባ ብሓድሽ ሰብ ይኹን ጉጅለ ተመላኺዑ ምምጻእ ግና ተቐባልነት ኣይረክብን።
ቅድሚ 6ተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን፡ “ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሞይቱ” ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ተነዚሑ ነይሩ። ህግደፍ ከኣ ባዕሉ ዝመሃዞ ስለ ዝነበረ፡ ኣጽቂጡ ይከታተሎ ነይሩ። እቲ ምኽንያት ምናልባት ተቐባልነት ኢሳያስ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝነበረ ንምርዳእ ዝተማህዘ እዩ ነይሩ ዝብልዎ ነይሮም። እቲ ኩነታት ኣፍካ መሊእካ “ክትኣምኖ ወይ ክትክሕዶ” ኣጸጋሚ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ እንተ ተመርኲሱ “ሕራይ ኢሳያስስ ከይዱ ንበል ኣተሓሳስባኡኸ?” ብዝብል ርእሰ ዓንቀጽ ጽሒፉ፡ እቲ መፍትሒ ናይ ሰባት ምኻድን ምምጻእን ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምጻእን ዘይምምጻእን ምዃኑ ኣመልኪቱ ከም ዝነበረ ይዝከር።
እዚ ኮነ ኢልካ ብህግደፍ ዝንዛሕ ወረ ኣዘንጊዑ ድሕሪ ዝተወሰነ ወቕቲ ዝመጽእ እዩ። ኣብዚ ዘለናሉ ሰሙናት ድማ “ህግደፍ ድሕሪ 30 ዓመታት ጉባአ ከካይድ እዩ። ኣብዚ ጉባአ ከኣ ኢስያስ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ መዚ ናይቲ ግንባርን ሓለፍቲ ዞባታትን ኣሰናቢቱ ብመንእሰያት ክትክኦም እዩ። ንዓኣቶም ዝትክኡ መንእሰያ ድማ ብኣምሳሉ ቀሪጹ ቀሪብዎም ኣሎ”፣ ዝብል ወረ፡ ብኤርትራዊ ይኹን ዘይኤርትራዊ ማዕከናት ዜና ይገማዳሕ ኣሎ። እዚ ወረ’ዚ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ዕጽዋን ናይቲ ግንባር ዘይግሉጽነትን፡ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ተኣማሚንካ “ክኸውንዩ ወይ ኣይከውንን እዩ” ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። “እንተ ዝኸውንከ?” ኣብ ዝብል “እንተ” ተመርኲስካ ሚዛን ምንባር ግና ይከኣል።
ብመሰረቱ እቶም ተካእቲ “ኢስያስ መልሚሉ ዘቕረቦም መንእሰያት እዮም” ዝብል ወረ ብዙሕ ሕቶታት ዝምልስ እዩ። ምኽንያቱ ኢሳያስ በቲ ሓደ ወገን፡ ነቶም ኣብ ስልጣን እንከለዉ’ውን ዘየስርሖም ክጉሕፎም ምምዳቡ ምስቲ ኣካይድኡ ደንጉዩ’ኳ ዘብል እምበር፡ ሓድሽ ኣይመኾነን። እቶም ዝትክኡ ከኣ ብዕድመ እምበር፡ ብኣተሓሳስባ ኢሳያስ ዝተጠመቑ ካብ ኮኑ፡ ህዝብና ዝተጸበዮም መንእሰያት ኣይክኾኑን እዮም። ምኽንያቱ ኢሳያስ ካብ ብኣምሳሉ ሓሊፉ፡ ብዝሓሸን ጸዋዒት ህዝቢ ብዝሰምዕን ኣተሓሳስባ ዝቐረጾም እዮም ኢልካ ምጽባይ ሕልሚ ስለ ዝኾነ። ምናልባት ነቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ዘብለጭልጭ ሕብርታት ይቐብኦን ብናይ ዕድመ ንእስነት የጸባብቖን ይኸውን። እዚ ከኣ ንህዝብና ካብ ወጽዓ ዘላቕቖ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ሓድሽ ወጻዒ ዘውድቖ እዩ።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኣተሓሳስባ መሰረታዊ ለውጢ እምበር፡’ ብናይ ሰባት ምቅይያር ኣይምለስን እዩ። ብርግጽ መንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነቱ ክርከብ ኩልና እንብህጎን እንቃለሰሉን እዩ። እቲ ሓላፍነት ክርከብ እንብህጎን እንጽውዖን መንእሰይ ግና ኢስያስ ብኣምሳሉ ዝቐረጾ ዘይኮነ፡ ወጽዓ ህዝቡ ተረዲኡ ቃልሲ ሓርነት ናይ ምዕዋት ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝስከም እዩ።
መንእሰይ ሓላፍነት ንክርከብ ዝጽዋዕ፡ ብዕድመ ንኡስ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዕድሚኡን ዘመናውነቱን ዝምጥን፡ ነዚ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ጉጅለ “ወጊድ” ኢሉ፡ ኣብ ጐኒ ህዝቡ ክስለፍ ትጽቢት ስለ ዝግበረሉ እዩ። ብዕድሚኡ ዝነኣሰ ብኢሳያስ ተመልሚሉ፡ ንዲክታተርያዊ ኣተሓሳስባ ብዓቕሚ ንእስነቱ ከተግብር ዝንቀሳቐስ ግና፡ ብመንጽር ኣተሓሳስባ ክምዘን እንከሎ፡ እቲ ብንእሱ ዝኣረገ ምዃኑ ክግንዘብ ይግበኦ። እቲ ሓቀኛ መንእሰይ፡ ብንኡስ ዕድመኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ የማነ-ጸጋም ኣመዛዚኑ ናብ ለውጢ ዘማዕዱ ኣተሓሳስባ ዝውንን ምዃኑ ኣይዘንግዕ። ስለዚ ንሓደ ኣካል ክንድግፍ ኮነ ክንቃወም፡ ክንጸልእ ኮነ ክንፈቱ፡ መዕቀኒና ናይ ሰባት ዕድመ፡ ጾታ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ኣውራጃን ካልእ ናይ መንነት መግለጽን ዘይኮነ፡ ኣተሓሳስባ ክኸውን ይግበኦ።
ህዝቢ ኤርትራ ተግባራት ህግደፍ ተረዲኡ፡ እምነቱ ካብቲ ጉጅለ ክስሕብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ካብ ህግደፍ ተስፋ ናይ ምቑራጹ ምኽንያት ከኣ፡ ከም ትካል ኮነ ከም መራሒኡ ንዝኣተውዎ ቃል ዘየኽብሩ ምዃኖም እቲ ቀንዲ እዩ። ኣብ ዝኣተኻዮ ቃል ዘይምጽናዕ፡ ናይቲ ጉጅለ ባህሪ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብብዙሕ መልከዓትን ኣገባባትን ዝግለጽ’ውን እዩ።
ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ከም ዝትከል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መሰላቱ ተኸቢርሉ ናይ ጸጋታቱ ማዕረ ተጠቃሚ ከም ዝኸውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን ዝምስረት ዝምድና፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት፡ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተሰረተ ከም ዝኸውን ክግበር፡ ኮታ ክሳብ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና” ዝብል ትስፉው ዝመስል፡ ግና ዘይትግበር ቃል ዝኣቱ ዝነበረ ጉጅለ እዩ።
እቲ ዘይትግበር መብጸዓታት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ክሰርሖን ክፍንጠሖን ዝጸንሐ ዘይርጡብ ርክባት ናይ ዘይተኣማንነቱ ኣብነት እዩ። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ጅቡትን ተመኩሮ ዝምድናኡ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ክልል ትግራይ ክኸዶ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ዝያዳ ኣስተብህሎ ዘድልዮን “ኣየናይ ክከሓድ ኣየናይከ ክእመን” ዘብልን እዩ። ምልስ ኢልካ ሓጺር ዳህሳስ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነን ተበላጺ ፍቕሪ መስሪቶም፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ጸረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዝፈጸምዎ በደል፡ ከም ታሪኽ ተመዝጊቡ ክዝከር ዝነብር እዩ።
ክልቲኦም ውድባት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ንዝተወሰነ ዓመታት ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዓት’ኳ እንተነበሮም፡ ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ክተፋነኑን ክካሰሱን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኣዝዩ መሪርን ዓለም ዘሰንበደን ኣጽናቲ ውግእ ኣትዮም፡ እዚ ዘይባሃል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ኣውሪዶም። እቲ ዘሕዝን ከኣ ደሓር’ውን ነዚ ኣሉታዊ ተመኩሮን ክሳራን ኣብ ክንዲ ዝመሃርሉ ብኻልእ መልክዕ ምቕጻሎም እዩ።
ኣብ 2018 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብሓፈሻ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎ’ኳ ብሩህ እንተነ በረ፡ ብፍላይ ኣንጻር’ቲ ኣብ ትግራይ ገዛኢ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ዘቕነዐ ምንባሩ ግና ምልክታት ነይሮም እዮም። ኢሳያስ እቲ “ወያነ ደጊም ጸወታ ተወዲኡ (WEYANE GAME OVER)” ዝበሎ ጭረሖ ኣቃሊሑ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣምረሐ፡ ፈታዊ ብልጽግናን ጸላኢን ህወሓትን ኮይኑ ክስለፍ ከም ዝወሰነ ርኡይ ነይሩ። በቲ ኣብ ኣደባባይ ዘስመዖ ቃል ከም ዝጸንዕን ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝኣተዎ ቃል ንሓዋሩ ከም ዘይዕጸፍን ገይሮም ዝተረድእዎ ውሑዳት ኣይነበሩን። ነቲ ናይ ቅድሚኡ “ኣሚንካ ናይ ምኽሓድ” ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ዘይዘንግዑ ወገናት ግና፡ “ኢሳያሲ ካብ መዓስ እዩ ዝኣተዎ ቃል ኣኽቢሩ ዝፈልጥ?” ዝብል ምልክታኦም ዘንጸባረቑን ኣንጻር’ቲ ሐደገኛ ኣካይድኡ ብሰልፍታት ብሰልፊ ከይተረፈ ተቓውመኦም ዝገለጹን ወገናት’ውን ነይሮም።
ነዚ ሓጺር ዝዕድሚኡ መብጸዓ ኢሳያስ ንምርጓድን ምምዕራግን ዝተዛረቡ ናይ ቀረባ ልኡኻቱ’ውን ነይሮም። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብታ ናይ መጀመርያ መገሻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ከም ናይ ምሳኻ ኢና ዘለና መልእኽቱ መግለጺ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ “ምቕሉል መራሒ ረኺባና’ለና” ዝበለሉ ኣጋጣሚ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘስደመመ ኣዛራቢ ተረኽቦ ነይሩ። ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ “ኣነ ኢትዮጵያ ከይተበታተን ከይትገማማዕን ውያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስን እየ ዝድግፍ” ዝበለሉ ኣጋጣሚ ከኣ ካልእ መስደመም ነይሩ።
ሎሚ በቲ ሓደ ወገን ኩሉ’ቲ ንኢትዮጵያ ከም ሃገርን ንመራሒኣን ብህግደፍ ክወሃብ ዝጸንሐ ክብርን ናእዳን ክጥለም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ንትግራይ ዘጸልም ዝነበረ ቃላት ይዕረ ከም ዘሎ ዘመላኽት፡ “ኣየናይ ክካሓድ፡ ኣየናይ ክእመን፡ መልክዕ ሰብ ለቢሶም ዕንቅርቢት ተመን” ዝብል ዜማ ወዲ ገብሩ፡ ዘዘኻኽር ሃቐነታት ንዕዘብ ኣለና። እቲ ህግደፍ ሓሳቡ ከንጸባርቓሉ ብዘዋፍረን መድያታት፡ “ምስ ህዝቢ ትግራይ ጸገም የብልናን፡ ውግእ ምስ ትግራይ ንረብሓና ኣይኮነን…… ወዘተ” ዝበሃል ዘሎ ተዓዚቦም፡ “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዝብሉ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። “እቲ ቅድሚ ሕጂ ንህዝቢ ትግራይ ተዘራርዮም ድከቱ ዘስትይዎ ደኣ እንታይ ጽልኢ ስለዝነበሮም እዮም?” ንዝብል ሕቶ መልሶም እንታይ ከም ዝኸውን እንድዒ።
ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ክጸሉ ይኽእል እዩ ዝበልዎ ኣቶ ሰለሙን ድራር ኣዋፊሮም፡ “ንሕና ኩሉ ግዜ ኣብ ጐኒ ትግራይ ኢና፡ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ዝገሃስ እንተኮይኑ፡ ከምቲ መጀመርያ ወያነ ብረታዊ ቃልሲ ክትጅምር እንከላ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ድሓር እውን ህዝባዊ ግንባር ምስ ኮነ መሊሱ፡ ዝገበሮ ኣበርክቶ እቲ ኣጠማምታ ከምኡ እዩ ክኸውን ዝግበኦ፡ ከምኡ እዩ ከኣ ናይ መንግስቲ ኤርትራ። ሕጂ እውን ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ ቆልዓ ናብ ካልእ ጌጋ ከይወስዳ ክትጥንቀቕ ይግባእ፡” ይብል። እቲ ኣብ “ኣራት ኪሎ” ዘሎ ቆልዓ” ዝበሃል ዘሎ፡ ትማሊ ብኢሳያስ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ” ዝተባህለ፡ ታሕጓሱ ንምግላጽ ድማ፡ “ሓደ ሓደ ግዜ ብስም ኤርትራ እንተተዛረብኩ ኣይትሰንብዱ፡ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ እዩ” እናበለ ዘኽመስምስ ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምዃኑ እዩ።
ብወገን ትግራይ’ውን፡ ካብ መራሕቲ ህወሓት ጀሚርካ፡ ክሳብ ደገፍቶም ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታት ምስ ህግደፍ ይራኸቡ ከም ዘለዉ ብምእማን፡ ናብቲ ትማሊ ኣብ ግዜ ውግእ ዘርዚርካ ብዘይውዳእን ክሳብ ብናይ “ጽንተት/GONECIDE/ ገበናት ዝኸስዎ ዝነበሩ ጉጅለ ህግደፍ ዘመዓድዉ ዘለዉ ይመስሉ። ዋላ’ኳ ከምቲ “ክበልዕዎ ንዝደለዩ ኣባጉንባሕሲ ዛግራ ይብልዎ” ከም ዝበሃል፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ምፍጣር ጸገም የብሉን” ብዝብል ከጎልብብዎ እንተፈተኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህግደፍ ምስኣቶም ክዛመድ ከምዘይክእል ዝስሕትዎ ኣይኮኑን። ክሳብ እቲ “ህግደፍ ዝወገኣና ብኣብይ ኣሕመድ ተዓዲሙ እዩ፡ ስለዚ እቲ ገበነኛ እቲ ዓዳማይ እምበር፡ እቲ ተዓዳማይ ኣይኮነን” ምባል በጺሖም፡ ንህግደፍ ካብ ገበን ከንጽህዎ ዝደናደኑ ከም ዘለዉ’ውን ይስማዕ እዩ።
ናይዚ ምግልባጥ ትርጉም፡ ነቲ ህግደፍን ብልጽግናን ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ዘካየድዎ ውግእ፡ ናብ ህግደፍን ህወሓትን ሓቢርካ፡ ኣንጻር ብልጽግና ምስላፍ ምቕያሩ እዩ። ስለዚ እቲ ብናይ ክሳብ ሕጂ ዘይቅዱስ ዝምድናን ቃልን ህግደፍ ዘይረብሓ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ዝእለም ዘሎ ሓድሽ ውዲት’ውን ንረብሓኡ ከምዘይከውን ተረዲኡ ክበራበር ንጽውዕ።
ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ምዕራፍት ቃልሲ ኤርትራ ኮነ ኣብ ዓለምና ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንድ’ቲ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ ዋጋ ናይ ዓወት ወሳኒ ዝነበረ፡ ነቲ ብቓልሱ ዘመዝገቦ ዓወት ብዝምጥን ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ሓደ ገጽ ናይ ተመኩሮኡ እዩ። ቀንዲ ተልእኮ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ፡ ነዚ ህዝብና ዘለዎ ዘይንቡር ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ።
ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ በቲ ዝተጸበናዮ ኣገባብ ኣብቲ ዝተለምናዮ እዋን ቀልጢፉ ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያታት ካብ ዝበሃሉ እቲ ቀንዲ ናይ ህዝብና ከምቲ ዝድለ ተቢዑ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማዕበል ዘይምዕሳሉ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝጥቀስ እዩ። ብግብሪ’ውን ኣብቲ ናይ ቃልሲ ሜዳ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ንህልዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራን ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ህዝብን ጉጅለ ህግደፍን ብቐረባ ዝተገንዘቡ፡ ወገናት ድማ፡ “ስለምታይ ኣሰላልፋ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ወጻዒኡ ህግደፍ ይኸውን?” ንዝብል ሕቶኦም፡ ነቲ ህዝቢ ብምንእኣስ ደጋጊሞም ክዛረብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ፡ ኣብ ናጽነት ዘብጸሐ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ኣብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ብልሑን ትብዓቱን ነኪዩ ርእሱ ከም ዘድነነ እቶም ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን ንፈልጦ ኢና። ምኽንያቱ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ዘይምህላዉ ንክሕዶ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ቀንዲ ውጹዕን ብስዕረት ህግደፍ ዝጥቀምን ንሱ እናሃለወ ምዃኑ ከኣ ኣባና ኣብቶም ኣብቲ ቃልሲ ዘለና ከይተረፈ ኣገራሚ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እቶም ኣበይ ይሃሉ ብዘየገዳስ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ብግቡእ ዘይርድእዎ ነቲ ህዝቢ ክሳብ “ንወጽዓን ባርነትን ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ” ብዝብል ዘይቅቡል ስነመጎት ክገልጽዎን ከነኣእስዎን ይህቅኑ እዮም።
እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ ስቕታኡ፡ ብመጀመርያ ለውጢ ካብ ዘይምብሃግ ዝነቅል ዘይምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ነባሪ ደኣ ኣይክኸውንን እዩ እምበር፡ ለውጥን ዓወትን እናበሃገ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣዝዩ ጽንዑን ጨካንን ኣብ ሓደ ስድራቤት ከይተረፈ ምትእምማን ዘጥፍእ፡ መርበባዊ መቑሕ ምቁጽጻር ጉጅለ ህግደፍ” ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ብዘይካቲ ነባር፡ ስሩዕን ግሉጽን ተቓውሞ፡ ከም በርሊን ማኒፈቶ፡ ጉጅለ 15፡ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ዝኣመሰሉን፡ ገሊኦም በላሕቲ ገሊኦም ከኣ ልኡማት ተረኽበታትን ካለኦት ደሃዮም ዘይተሰምዑን ምኽሳቶም፡ እቲ ዝድለ ለውጢ’ኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ግዜኡ ሓልዩ ዝነቱግ ህዝባዊ ናይ ለውጢ እሳተ-ጐመራ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ እሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክናበብ ዝግበኦ ዝተፈላለየ መልክዓት ዝሓዘ ናይ ቃልሲ ውዳበታት፡ ነቲ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዘነሃህር እምበር፡ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ “ኣነ እንተዘይሓሰብኩልካ” ብዝብል ግጉይ ፈሊጥን ሸፈጥን ንግደ ህዝቢ ካብ ቃልሲ ዘውጽእ ከም ዘይኮነ ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምንባብ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ኣድማዒ ንክኸውን ከምቲ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤ (ሓረስታይ)፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ክወድቕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክወድቕ ዝኽእል፡ ቀለበት ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ካብቲ ስርዓት ተሰዊሩ ዘሎን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ተቓውሞ ዘሎ ናይ ምትእስሳር ቃለበት ክድልድል ኣለዎ። ንውሽጢ ኤርትራ ከኣ እቲ ቀንዲ ዓውዲ ተቓውሞ ክንገብሮ ክንክእል ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ዘየንጸባረቐ ተቓውሞ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ” ዝበሎ፡ “ምስ ህዝብናኸ ንናበብዶ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ተገዲስና ክንምልሶን ናይ ግድን እዩ።
እቲ ምስ ህዝቢ ዝግበር ምትእስሳርን ምንባብን ንክዕወት፡፡ ናይቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ ማዕረ ቅሩብነትን ተገዳነስትን የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ምውዳብ ክረዳእን ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መድረኽ ስለ ዝተነፍገ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ውድባታትን ህዝባዊ ማዕበላትን ኣካይዳ ብተገዳስነት ክቋመቶ ይግበኦ። ነቲ በብግዜኡ ብህግደፍ ኣብ ድርኩዂቱ ዝእለም ረቂቕ ተንኮላትን እውን ከስተብህለሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ እምበር፡ ተጸባዪ ለውጥን ተዓዛብን ከምዘይኮነ’ውን ክግንዘብ ይግበኦ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢ፡ ሕድሕድ ንምንባብ ውሽጥን ውጻኢን ከምቲ ዝድለ ዘይጥዕም ምዃኑ’ኳ ርኡይ እንተኾነ፡ ህዝቢ በታ ዝረኽባ ጸባብ ዕድል ነቲ ብማሕበራዊ መራኽብታት ዝዝርጋሕ ደሃይ “ስረሐይ” ኢሉ ክከታተሎ ይግበኦ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ህይወት ዝድህስስ፡ ንሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝምጥን ዘመላኽትን ብሩህ መጻኢ ዘርእን ክኸውን ተመራጺ ምዃኑ ክስሕት ኣይግበኦን።
ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካኣዊ ውዳበታት ህዝቢ ዝቕበሎ፡ን “ይገልጸኒ እዩ” ዝብሎን፡ ግሉጽን ንጹርን ሓሳብ ከመሓላልፍ ይግበኦ። እቲ ካልእ ህዝቢ ድሕሪ ምርግጋጽ ለውጢ፡ ዋና ሃገሩን ወሳኒ ዲሞክራሲያዊ መስርሑን ምስኮነ፡ ሕገመንግስቲ ኣውሒሱ፡ ኣብ ሕጋዊ፡ ስሩዕን ናጻን መድረኽ ክውስኖም ዝግበኦም ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ግደኡ መንዚዕካ ኣብ ዘይህላወኡ ወሳኒ ኮይንካ ካብ ምቕራብ ምዕቃብ’ውን ህዝቢ እምነቱ ከንብረልካ፡ ሓጋዚ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ስለዚ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝብህግ ህዝቢ፡ ምንባብን ተጸባይ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ከም ዝኸውን ምሕጋዙን ምጽዓት ወሳኒ እዩ። ንሱ ዘየሰነዮ ቃልሲ፡ ክዕወት ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ምስኡ ተዋሃሂድና ብሓባር እንስጉመሉ መድረኽ ምፍጣር ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዋናውን ወሳንን እዩ።