EPDP Editorial

ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ናይ ኩልና ናይቶም ሰላምን ራህዋን እንብህግ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ከቢድ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ኩልና ተጻዒኑ ዘሎ ጾር ስለ ዝኾነ። እቲ ነዚ ደበና ወጽዓን በደልን ክቕንጥጥ ዝኽእል ዓቕሚ ድማ ኣብ ኢድ ኩልና ውጹዓት ኤርትራውያን ዘሎ እዩ። እዚ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ንከድምዕ ከኣ ክወሃሃድን ክናበብን ክኽእል ናይ ግድን እዩ።

እቶም “ኩልና” ንብል ኤርትራውያ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ኣስላምን ክርስትያንን፡ ኣብ ዓዲ ዘለዉን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩን፡ መንእሰያትን ዓበይትን፡ ገዳይምን ሓደስትን……….ወዘተ ኤርትራውያን ኢልና እንገልጾም። እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ሕብረትሰብ ኤርትራ ተቓሊሶም ንክዕወቱ ክውደቡ ከም ዝግበኦም ርዱእ እዩ። እዚ ውዳበታቶም ንናይ ሓባር ዓወት ብሓባር ተቓሊሱ ንክዕወት ከኣ ኣብቲ ዘራኽቦ  ሕድሕድ ተናቢቡ ዓቕሚ ክድልብ ይግበኦ። ኣብዚ መስርሕ ግደ ናይቲ በብግዜኡ ዝግንፍል ህዝባዊ ማዕበል ዕዙዝ ምዃኡ ኣይዝንጋዕን ።

ሕድሕድ ምንባብ ነብሱ ዝኸኣለ ሰፊሕን ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሕዝን መቀራረቢ ኣምር እዩ። ብግብሪ ንምንጽብራቑ ዝኣክል ከኣ ኣብ ሕድሕድ እቶም ክናበቡ ዝግበኦም ኣካላት፡ ኣፍልጦ ብምውህሃብ፡ ብምክብባር፡ ብምድምማጽን ብመንገዲ እሂን ምሂን ተመኩሮ ብምልውዋጥን ብሓባር ተቓሊስካ ንምዕዋት ወሰንቲ ስጉምትታት እዮም። እዚ ምቅርራብ ሓላፍነታውን ናይ ሕድሕድ ጉድለት ኣብ ምምልላእን ምትሕልላይን ዘትከለን ክኸውን ይግበኦ። እቲ መናብብትኻ ኣብ ኩሉ መዳያት ክንድቲ ትደልዮ ምሉእ ዘይክኸውን ይኽእል። ኣብዚ እዩ ድማ እቲ ሓላፍነታዊ ምምልላእ ዓብይ ብጽሒት ዝህልዎ። ኣብዚ መስርሕ እንካን ሃባን ብቑዕ ተዋሳኢ ንምዃን፡ ከምቲ እንተዘይሂብካ ዘይትቕበል ወይ እንተዘይ ሰሚዕካ ዘይትስማዕ፡ ናይ ኣተሓሳስባ  ምክብባርን ምጽውዋርን ወሳኒ ብጽሒት ኣለዎ።

ኣብዚ ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንሓርነት፡ ዝምድና ናይቶም ነባራት ተቓለስትን መንእሰያት ተረከብቲ ሕድርን ክህሉ ዝግበኦ ምንባብ ኣድላይነቱ ዝያዳ ጐሊሁ ዝርአ ዘሎ እዩ። እዞም ክልተ ኣካላት ማዕረ ደላለይቲ እምበር፡ እቲ ሓደ ተለማኒ እቲ ካልእ ድማ ለማኒ ዝኾሉ ኣይኮነን። እቲ ገዲም በዓል ሃብታም ተመኩሮ፡ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዋጋ ዝኸፈለሉ ቃልሱ  ተረኪቡ ዘቐጽለሉ ተቐባሊ ሕድሪ የድልዮ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝዋሳእ ዘሎ በዓል ንኡስ ዕድመን ውዑይ ደምን  መንእሰይ ኤርትራ እዩ። ስለዚ ምስ ኩሉቲ ከም መንእሰይ ከርእዮ ዝኽእል ቁጠዐን ሕጽረታትን “ተካኢየይ ኢኻ እሞ ተረከበኒ” ኢሉ ክሕብሕቦን ግቡእ ክብሪ ክህቦን ይግበኦ። ንሎሚ ምስ ጽባሕ ኣራኺብካ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ ከኣ፡ ሎሚ ብዘይ ትማሊ፡ ጽባሕ ከኣ ብዘይ ሎሚ ከም ዘይህሉ ተገንዚቡ፡ መጻኢኡ ኣድማዕን ምሉእን ንክኸውን ካብቲ ነባር ኣውራሲ እቲ ከቐጽሎ ዘለዎ ተመኩሮ ናይ ምስናቕ ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚ ከም’ቲ “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝበሃል፡  ነቲ ተመኩሮ ዘቕስሞ ገዲም “ሕድሪ ከቐጽል ቅሩብ’የ” ኢሉ ናይ ምቓባል ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይ ካብቲ ነባራት ዝሓለፍዎ ጉዕዞ፡ ኣብ ዝያዳ ተሃዋስን ስልጡንን እዋን ስለ ዘሎ፡ ብዕድመ ጥራይ ዘይኮነ ብኣተሓሳስባ እውን ጸብለልታ ናይ ምርኣይ ሓላፍነት ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ ብኣተሓሳስባ ካብቲ ነባር እንተዘይበሪኹ፡ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ውህብቶ ንኡስ ዕድመ ጥራይ መዝሚዙ “መንእሰይ እየ” ኢሉ እንተ ተነየተ ብልጭኡ ዘርኢ ኣይኮነን።

በቲ ሓደ ወገን ሓሓሊፉ ዝርአ፡ ነቲ ሕድሪ ተረኪቡ ብሓላፍነት ዘቐጽለልካ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ዘርእዮ ሕጽረት እናኣረምካ ምትብብዑ ብሕማቕ ዓይኒ ምርኣዩ፡ ንቕድሚት ዘሰጉሞን ስለ ዘይኮነ፡ ክእረም ዝግበኦ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ መንእሰይ ነቲ ንናይ ሎሚ መንጠሪ ምእንቲ ክኾኖ “ትማሊ ከመይ እዩ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ዝምልሰሉ በዓል ሃብታም ተመኩሮ ክብሪ ሂቡ ካብ ምስማዕን ምቕሳምን ሓሊፉ ካልእ መተካእታ የብሉን። ምኽንያቱ መንእሰይ ነቲ ዝሓለፈ፡ እናተወራረሰ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ዝበጽሐ ቃልስን ተቓለስቱን ኣነኣኢሱን ግቡእ ክብሪ ከሊኡን “ሀ” ኢሉ ዝጅምር ዘይኮነ፡ ነቲ ናይ ኣያታቱ ተመኩሮ ዳህሲሱ፡ ነቲ ኣሉታ ገሊፉ፡ ነቲ ኣውንታ ድማ ኣራጒዱ ክቕጽል ከም ዝምረጽ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቲ “ናይ ወለዱ  ዝረኸበ ተቐለተ፡ ናይ ወለዱ ዝሰኣነ ከኣ ተዘምተ” ዝብል ኣበሃህላ እውን ግቡእ ኣዝተብህሎ ምሃብ ይግባእ። ነዚ ምንባብ ዘንጊዕካ “ክላእ እዚኣቶምስ ግደፍዎም ደኣ” ተበሃሂልካ ምንጽጻግን በበይንኻ ምውፋርን ግና፡ መፍቶ እቲ ክንበታተነሉ ከይደቀሰ ዝሓድርን፡ መንእሰያት ኣባኢሱ ሕድሕዶም ካብ ምቅታል ድሕር ዘይብል፡ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ረብሓ የብሉን።

እዚ ናይ ነባርን ሓድሽን ምውርራስ ተመኩሮ ኣብዚ ርእሰ ዓንቀጽና ተገዲስናሉ ዘለና፡ ፖለቲካዊ ዛዕባ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ መሕበረ-ቁጠባዊ ተመኩሮ ዝዝውተር ቅኑዕ መንገዲ እዩ። መጻኢኻ ቅኑዕ ንክኸውን ቅድሜኻ ንዝነበረ ሃሰስ ምባል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምብራህ እዮም ድማ ኣበዋት “ዝወዓለን ይንገርካ፡ ዝሰሓተን ይምከርካ” ዝብሉ። ዝሓለፈ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስዚ ሎሚ ዘሎ ምዕባለታት ንምትእስሳር ዘይኤርትራውያን ደረስትን ተመራመርትን ደድሕሪ ኤርትራውያን ገዳይም ተቓለስቲ ዘብዘብ ኣብ ዝብልሉ እዋን፡  መንእሰይ ኤርትራ ምስ ነባራት ኣረከብቱ እንተዘይ ተናቢቡ ብኣጋኡ ክእረም ዝግበኦ እዩ። ናይ ሰባት ተመኩሮ ምልውዋጥ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓያሎ ከባብታት ሃገርና፡ ንዝራብዕ እውን ምስ ዝተመኮረ ተስታይ ብዕራይ ጸሚድካ ኢኻ ብኸመይ ከም ዝሓርስ እተጽርዮን ውሕልነት እተቕስሞን። ስለዚ ከምቲ፡ “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ከምዘይዕወት ተገንዚብና “ምእንቲ ክንዕወት ንናበብ።”

ፈትልን ስምዕን ሓቢረን ጥዋፍ ወይ ሽምዓ ኮይነን  ብርሃን ይህባ። በበይነን እንተ ነዲደን ግና ንገዛእ ርእሰን እየን ዝጠፍኣ እምበር፡ ዝህበኦ ብርሃን የለን። እዚ ኣብ ክንዲ በበይንኻ ኣብ ዘየዐውት  እትደክም፡ እንተሓቢርካ ክሳብ ክንደይ ከም እተድምዕ ዘገንዝብ ኣብነታዊ ምስላ እዩ። ኣብ ዝሓለፍናዮ ቃልስና እውን፡ ጉዕዞ ሓድነትና ዕንቅፋታት ዘይተፈልዮኳ እንተነበረ፡ ዕዙዝነት ሓድነት እዩ ዘዘክረና። ተመኩሮና ከም ዘረደኣና ኣድማዒ ሓድነት ብፈተነታትን ምውዳቕን ምትንሳእን ዝሓልፍን ወትሩ ምኹስኳስን ሓለዋን ዘድልዮ እምበር፡ ብዘይውሁድን ቀጻልን ጻዕሪ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ምርድኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ብዛዕባ ኣድላይነት ሓቢርካ ምድማዕ ንፈላለየሉ ኣይኮነን። ሓቢርካ ምድማዕ፡ ኣብ ፖለቲካ  ከይተወሰነ፡ ኣብ  ቁጠባ፡ ማሕበራውን ካልእ መደያት ህይወትን እውን ዝረአ እምበር፡ ኣድላይነቱ ኣብ ውሱን መዳይ  ዝድረት ኣይኮነን። ኣብ ባህላዊ ናይ ምምልላእ ውርሻና ከም ወፈራዊ ስረሓት ዝኣመሰሉ ኣምራት ነዚ እዮም ዘርእዩ። ምናልባት ምስ ዝፍጠር ምዕባለታት እቲ ሓቢርካ ምውፋር ኣብ ሓደ ውሱን ዛዕባ ዝያዳ ዘተኩረሉ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ  ኣብ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዝያዳ ኩሉ፡ ፖለቲካዊ መዳይ ኣቐዲምና ኣብቲ ዝተረፈ መዳያት እውን ምቅርራብና ምሕያል ዘይስገር ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።

ብዛዕባ ሓድነት ወትሩ ነንብብን ነዘንቱን፡ ንጭርሕን ንእውጅን። ምኽንያቱ ብዘይካኡ ካብዚ ዘለናዮ ሕድሕድ ምምዕዳው  ካልእ መዋጸኦ ስለ ዘየብልና። ኣብዚ መዳይዚ ብግብሪ እነመዝግቦ ዓወት ማዕረቲ ንደልዮን ንጭረሖን ዘይምዃኑ ከኣ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። ስለምንታይ ነቲ “ገ እናበሉኻዶ ትጋገ” ዝብል ኣበሃህላ ዘይነስተብህለሉ ምህላውና ድማ የገርም። እቲ ድሌት ኣባና፣ እቲ ዓቕሚ ኣብ ኢድና፡ እቲ ውጽኢቱ ከኣ ንዓወትና እንከሎ፡ ሓቢርና ከይንቃለስ መን ብኢደ-እግርና ከም ዝሓዘና ከኣ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና መስርሕ ሓድነት “ረብሪበ” ኢልካ ትጓስዮ ስለ ዘይኮነ ምስ ኩሉ’ቲ ዝሓቶ ዋጋ ክንቅጽሎ ግድን እዩ።

ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ ናይቶም ክሓብሩ ዝግበኦም ኣካላት ማዕረ ኣበርክቶ ዝሓትት እምበር፡ ሓደ ተጸባዪ እቲ ካልእ ከኣ ኣበርካቲ ዝኽወነሉ ኣይኮነን። ብቲ ዓወት ዝምጎስን በቲ ውድቀት ዝውቀስን እውን ኩሎም እቶም ሰብ ዋኒን እዮም።  ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ንምውሓስ ሓድነት፡ ግዳማዊ ዕንቅፋት ከም ዝህሉ ተገማቲ እዩ። ንኣብነት ህግደፍ ሓድነት ተቓወምቱ ንከይረጋገጽ ዘለዎ ገንዘባዊ በጀትን ሓይሊ ሰብን መዲቡ ኣስማትን ኣገባባትን እናቐያየረ፡ ዘርእዮ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ርኡይ ኣብነት እዩ። እቲ ቀንዲ ዕቅፋት ግና ናይቶም ሰብ ዋኒን በዓል ቤታዊ ዘይብቕዓት ምዃኑ ክንሃድመሉ የብልናን።  ባዕላዊ ድኽመትና እንታይ ምዃኑ ስለ እንርደኦ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ናብ ካልእ ኣላጊብካ ምህዳም፡ ካብ ውልቂ ጀሚርካ ክሳብ ሰልፊ ወይ ውድብ ደፊርና በብጽሒትና ወሲድና ክንፍውስ ክንበቅዕ ይግበና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ሰልፍን ውድብን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘቐድም፡ ኣብ ክንዲ ንሕናን ንስኻትኩምን “ንሕና” ዘቃልሕ፡ “ሃገርን ህዝብን ናይ ሓባር እዮም እምነት ግና ናይ ግሊ እዩ” ዝብል ዝተገንዘበ፡ ሕድገትን ምክእኣልን ዝተዓጥቀ ኣተሓሳስባ ከነጥሪ እንተ ክኢልና ኣብ ቅድሚ ናይ ሓባር ቃልሳ ዝጸንሕ ዓንቃጺ ሓይሊ የለን።

መንቀሊኻን መዓርፎኻን ተመሳሳሊ ካብ ኮነ፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ዛዕባታት፡ ሓቢርካ ምጉዓዝ ናይ ዕንቅፋት መፍትሒ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ  ንኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ መንቀሊና ምውጋድ ህግደፍን መሓውሩን እዩ። መዓርፎና ድማ ምትእትታው ህዝባዊ፡ ብዙሕነታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ።  ካብዚ ሓሊፉ ብመንጽር ዘቤታዊ ኮነ ዞባውን ዓለም ለኻውን ምዕባለታት እውን ብዘይካ ሓቢርካ ምቅላስ ካልእ መዋጸኦ የብልናን። ከምኡ እንተዘይጌርና ግና ምህላውና ኮነ ምዕዋትና ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ እዩ። ብፍላይ ከምቲ ወለድና “ሓምለ-ሰነ ኣይኮነዶ ናትካ ናይ እንዳማትካ ጉልበት እትደልየሉ ናይ ሕርሻ ወቕቲ እዩ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ ኣብ ቅድሜና ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ቅልጡፍ  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምልውዋጥ ዝረኣየሉ ዘሎ ነጥበ-መቐይሮ መድረኽ ተዓዘብትን ሰማዕትን ጥራይ ኮይና ከነራጥጥ ኣይግበኣናን።

ህልዊ ዝምድና፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ሶማሊያን ሱዳንን፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ፡ ሶማሊያላንድ፡ ሱዳን፡ ግብጽን ጅቡትን ምስ ቅልውላው ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ደሚርና ክንመዝን እንከለና፡ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክጣለዓሉ እንከሎ፡ “ንሕናኸ ኣበይን ምስ መንን ኢና ዘለና”?  ኢልና ክንሓትትን ንሕቶና መልሲ ክንረኽበሉን ግድን እዩ።  ምስቲ ተባራዒ ኩነታት፡ ሩስያን ዩክረይንን፡ እስራኤል፡ ፍልስጥኤምን የመንን እንተ ኣተኣሳሲርናዮ ድማ ነዊሕ ናይ ሕቶታት ዝርዝር እዩ ዘኸትል። ነዚ ዝተጠቕሰን ዝኣመሰለን ሕቶታት ሓቲትና እንተዘይመሊስና ከኣ ካብ ሜዳ ቃልሲ በዂርና ኣለና ማለት እዩ። ናይቲ ሕቶታት መልሲ፡ ኣይኮነንዶ በበይንና ብሓባር ንምምላሱ እውን ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸብድ ንስሕቶ ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ  ሕቶ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ዝያዳ ካልእ ግዜ ህጹጽ መልሲ ዘድልዮ ኮይኑ ዘሎ።

ሓቢርካ ክትቃለስ ምብቃዕ ብሓንሳብ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ብውረድ ደይብ ተፈቲኑ ዝሓልፍ መስርሕ እዩ። እንተኾነ ብጉልባብ መስርሕ ዘይቅቡል ዕባራ ምኽንያታት እናፈጢርካ ዘይተደላይ ግዜ ምብላዕ  ቅቡል ኣይኮነን። ሓድነት ዘሊልካ ብውድባት ጥራይ ዝፍጠር ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ካልእ ኣበርክቶ ናቱ ብጽሒት እናወሰኸ ኣብ ሎሚ ጥራይ ከይተሓጽረ ንተመኩሮ ትማልን ናይ ጽባሕ መጻእን ከይዘንግዐ ዝብርኽ እዩ። ኣምር ሓድነት ብመጀመርያ ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ተቓላሳይ ሰሪጹ ድልዱል ቦታ ክረክብ ይግበኦ። በዚ መስርሕ ኣቢሉ ዝበረኸ ዓቕሚ ሰልፍታትን  ውድባትን ምስተቐራረበ ከኣ፡ ሓይልታት ለውጢ  ኣሳንዮም ኣብ ትሕቲ ባዕሎም ዝስይምዎ ዓይነት ጽላል ዝዋስእሉ ምጥርናፍ ይፈጥር። ስለዚ ኢና ከኣ ናይ “ፈትልን ሽምዓን” ዝምድና ኣብነት ብምዃን ዝኾነ ኣካል “ብዛዕባ ሓድነት እንታይ ይግበር ኣሎ?” ኢሉ ዝሓትት ዘይኮነ፡ ንሓድነት እጃሙ  ዘበርክት ክኸውን ይግበኦ እንብል።

ሓርበኛታት ተጎሩባ ብኸፊል

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡  1991 ምርግጋጽ ናጽነትን 1993 ምእዋጅ ወግዓዊ ልኡላወት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ክንድቲ ዝድለ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልስና፡ ዕድለኛታት ፍጻመታት እየን። ናይ 15 መጋቢት 1964ን  ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሰን ተዘክሮ ኣንቢረ ዝሓለፋ ዕለትን ቦታታትን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 60 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን ብምስትነዓቕን ብደዐን ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ስሩዕ ሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ዕላማ፣ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ምዑታት ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ገጢሞም። ዕላመኦም ከምቲ ክሳብ ስዕረቶም ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ካለኦት ስርሒታት፡  ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕሃሙ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታታት ካብ ትጽቢት ጸላኢ ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም 84 መኮነናት ዝርከብዎም ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ኣስታት 22 ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘሰለፍዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ዓቕሚ’ኳ እንተለኣኹ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ  ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ዘይተጸበዮ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ውግእ ተጎሩባ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 3 ከኣ ተወጊኦም። ካብቶም ስዉኣት፡ እድሪስ ኣደም ፋጃጅ፡ ዑስማን ዓፋ እድሪስ፡ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ሑመድ፡ ዑስማን መሓመድ ዓሊ ኣፋዳድ፡ ዓሊ እድሪስ ጀምዕን ሳልሕ ኑር ሓምደን ዝበሃሉ ከም ዝርከብዎም፡ “ዛንታና” ብዝብል ዝተዳለወ ሰነድ ይሕብር።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ምስቲ ዝተሳዕርሉ ውግእ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ክቡር ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጃላን ብጾቱን ብ15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ  ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ወተሃደራዊ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ፍሉይ ከም መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 60 ዓመታት ነዚ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስቲ ዝርከበሉ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንኻልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባን ካለኦት ታሪኻውያን ዕለታትን ዓመት መጸት እንዝክረን።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ቅያ ተጎርባን ካለኦት ግጥማትን ኣብ ፍረ በጺሖምስ ኣብ ናጻ ሃገር ንሓርነት ኣብ እንቃለሰሉ ምዕራፍ ኢና ዘለና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን።  ኣብ ግዜ ዓወት ተጐርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ብጽሒት መንእሰይ ከኣ ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ  ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተርን ድንድልን ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።

ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡  ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት፡ ካብ ናይ ግዜ  ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየን ዝኸበደን ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ስለ ዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ  ግቡኡ እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐርበኝነትን ዓቂቡን ነዊሕ ዘማዕዱ ራኢ ወኒኑን ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲቲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ኣብ ቅነ እዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ብዛዕባቲ ዝዓበየ ጉድለቶም ኮይኑ ንዘሎ ሓቢርካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ከስተብህልሉ ዘለናዮ እዋን ዝጠልቦ’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዛ ብቃልሱ ህያው ዝኾነት ሃገሩ ዓሚቕ ተስፋን ትጽቢትን ነይርዎ ሎሚ’ውን ኣለዎ። እንተኾነ ብሰንኪ ህግደፍ ሕልሙ ጌና ኣይተጋህደን። ነዚ ዘይተጋህደ ሕልሙ ንምግሃድ ከኣ እነሆ ኣብ ቐጻሊ ቃልሲ ንለውጢ ይምርሽ ኣሎ።

ኤርትራዊ ሃገሩ ክትኮነሉ ዝደልዮ ብዙሕ እዩ። ጻማ ቃልሱ ዘስተማቕረላ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰሉ እትሕልወሉ ክትከውን ይብህግ። ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ፡ ናይ እምነት፡ ሓሳባካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ምንቅስቓስን ከምኡ’ውን ምዕሩይን ናጻን ቁጠባዊ ተሳትፎ ሃልይዎ ንገዛእ ርእሱ እናተጠቐመ ሃገሩ ናይ ምህናጽን ህዝቡ ናይ ምርባሕን መሰሉ እትዕቅብ ክትኮነሉ ሃንቀውታ ነይርዎ። እንተኾነ ብሰንኪ ጥልመት ህግደፍ፡ እዚ ኩሉ ባህጉ ኣይተረጋገጸን። ናይ ፍትሒ ልዕልና ጻምኡ ክረውየሉ ከኣ ሃንቀው ይብል። ግን ከኣ ክሳብ ሎሚ ኩሉዚ ሃንቀውታኡ ኣይተረጋገጸን ማለት፡ ንሓዋሩ ኣይክረጋገጽን እዩ ማለት ከምዘይኮነ ስለ ዝኣምን ተስፋ ዓወት ሰኒቑ ይቃለስ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ሰናይ ትጽቢቱ ካብ ህግደፍ ተጸብዩ ከምዘይረጋገጽሉ ካብ ዝኣምን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህግደፍ እውን ንሓንሳብ ብስዉር ንሓንሳብ ድማ ብጋህዲ ብትዕቢት ትጽቢታት ህዝቢ ከማልእ ቅሩብ ከምዘይኮነ ክነግር ጸንኒሑ እዩ። ሕድሪ ህዝቢ ኣየኽበረን  ጥራይ ዘይኮነ፡“ዝጐደለኒ መሰል ኣሎ”  ንዝብብለ እውን ክኣስርን ክሞቁሕን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ።  ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጽላል ባዕሉ ዘጽደቖ ሕገመንግስቲ፡ ብዝመረጾ ኣካል ክምራሕ መሰል ከምዘየብሉ ህግደፍ ብኣዋጅ ካብ ዝነግሮ ነዊሕ ኮይኑ።

ብመንጽርዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፡ ኣንጻርቲ ህዝብና ዝተጸበዮ ምዃኑ ካልእስ ይትረፍ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ወጻእተኛታት ክዝርግሕዎ ብዝጸንሑ ዘሕዝን ምስሊ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ምዝካር ጥራይ፡ ነቲ ኢሳያስ ዝሕጭጨሉ ዝነበረ ዕንወትን ድሕረትን እኹል ዘሕዝ መረጋገጺ እዩ። ኣብ ክንዲ ህዝቢ ብመንግስቲ ዝግልገል፡ ህዝቢ ኣገልጋሊ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዝዝውሮ ጉጅለ እዩ ኮይኑ ዘሎ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝመሃርን ዝወልድን ዝዝምድን፡ ኣብ ሸዊት ዕድመኡ ኣብ መጀመርታኡ እምበር መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና ምጽማዱ ሓደ ካብ መርኣያታት ህዝቢ ኣገልጋሊ ሓደ ጉጅለ ኮይኑ ምህላዉ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ቅድም ኣብ በረኻታት ሳሃራን ሲናይን ሎሚ ድማ ኣብቲ ካብ ትግራይ ክሳብ ኬንያን ኡጋንዳን ዝዝርጋሕ መስመር ዝሓልፎ ዘሎ ምክልባት ነቲ ምረት ስደት ምረት ይውስኸሉ። ስለዚ  ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ካብ ስማዊ ዜግነት ሓሊፉ ካብታ ብዋግኡ ዝመጸት ሃገር ዝረኽቦ ዜግነታዊ ክብሪ  የብሉን።

ኣብ ግዜ መግዛእቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሉቲ ዝወርዶ ዝነበረ ግፍዒ፡ መግዛእቲ ንምስዓር ብዓድን ሜዳን እናተናበበ ደኣ ናብ ቃልሲ ይስለፍ  እምበር ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ይስደድ ኣይነበረን እዚ ዋሕዚ ናብ ስደት ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዙሓት ድሕረ-ባይታ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብና ዝፈልጡ ወገናት’ውን ዘሰንብድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ስደት ኤርትራውያን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ምዕራባዊ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ብደርጃ ስድራ ቤታት የዕለቕልቕ ኣሎ። ናይ ቀረባ ኣብነት ክኾነና ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ  ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ ሱዳን ድማ ቅድሚ’ዚ ገጢምዎም ዘሎ ውግእ ዝነበረ ኩነታት  ምጥቃስ ጥራይ እኹል እዩ። ምኽንያቱ ካልእ ማሕበራዊ ፍጻመታት ገዲፍና፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም መርዓታት ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ከም ዝበዝሕ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ።

ህግደፍ ነቲ ብሰንኩ ዝተሰደ መንእሰይ ከነኣእሶ እንከሎ “ሓተላ ሕብረተሰብ” ክሳብ ምባል’ኳ ዝበጽሕ እንተኾነ፡ ደድሕሪኡ ምስዓብ ግና ኣይገደፈን። ደፋፊኡ ካብ ሃገር ኣውጺእዎ ከብቅዕ፡ ንዝተወስነ ካብኡ፡ ማልያታት ቀያይሩ ኣልቢሱ ዝተፈላለዩ መረሳሰኒ ኣስማት እናሃበ ናይ ዳንኬራ ፈስቲቫላት ወዲቡ ሆሆ የብሎ ኣሎ። እቲ ጉጅለ ከምኡ ምግባሩ ኣየግረምን ምኽንያቱ ስምዒት ፈጢርካ ምዕሻው ልሙድ ኣፍራሲ ስልቱ ስለ ዝኾነ። እቶም ብሰንኩ ዝተሰዱ መንእሰያት ተመሊሶም፡ ኣብቲ መጻወድያኡ ክኣትዉ እንከለዉ ግና ኣዛረብትን ኣገረምትን እዮም። ኣንጻርቶም ነዚ መዳህለሊ ዳንኬራ ዘይድግፉ ተቓወምቲ መሳድድቲ ኣሕዋቶም ክጋጨዉ እንከለዉ ከኣ፡ “ኸፋፊልካ ናይ ምግዛእ” ፖሊሲኡ ስለ ዝሰምረሉ ህግደፍ ዝያዳ  ከም ዘሕጐን ከምዘጋድዶን ውሁብ እዩ።    

እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ድማ እተን ኤርትራውያን ዝተዓቑቡለን ሃገራት፡ ኣብ ክንዲ ኩነታቶም ተገንዚበንን ሓልዮት ሓዲርወንን ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝሕግዘኦም፡ በቲ ኣብ ኣገባብ ተቓውመኦም ዝፍጠር  እሞ ክእረም ዝግበኦ ተግባራት የማርራ ምህላወን እዩ። ጥሕሰት ናይተን ዝነብሩለን ዘለዉ ሃገራት ሕግን ስርዓትን ግዳይ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእስርትን ምብልሽው መጻኢ ዕድል ናይቶም መንእሰያት ዘስዕብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንልኡኻት ህግደፍ ዘሻድን እውን እዩ። 

 ስለዚ ከምቲ “ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት” ዝበሃል፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ በቲ ኣብ ሃገሩ ዝሰኣኖ መሰል ኣማሪሩ ኣንጻርቶም ዘዕቆቡዎ ምርጻም ክእረብ ዝግበኦ እዩ።  ብብዝሒ ዓድኻ ገዲፍካ ናብ ስደት ብምምራሕካ መዛረቢ ዝኾንካዮ ከይኣክልስ፡ ሕጊ ብዘይምኽባር ናይ ኣሉታ ኣብነት ክትከውን ኣይግድን።

ኣብ ርእሲዚ ህግደፍ ካብቲ መንእሰያት ረብሓኦም ተመሳሳሊ ኣብ ለውጢ ክነሱ ዝጋጨውሉ ናይ ፈስቲቫል መድረኻት  ክልተ መኽሰባት የመዝግብ። በቲ ሓደ ወገን “ደገፍቲ መንእሰያት ኣለዉዎ” ብዝብል ምስሉ የጸባብቕ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ መድረኽ ናብ ምንጪ ኣታዊ ቀይሩ ገንዘብ ይእምርር። እዚ ካብ ኮነ እቲ ዋኒን ሃገሩ ዝተነፍጎ፡ ዓብይ ዕማም እናተጽበዮ ኣብ ፈስቲቫላት ብዝትከል ጓይላ ዝጥበር ኤርትራዊ መንእሰይ፡ “ኣብዘይመንገድኻ ኢኻ ዘለኻ”  ክበሃል ይግባእ።

ኣብ 2018 መራሒ ህግደፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን “ናብ ሓድሽ ሰላማዊ ምዕራፍ ዝምድና ኣቲና” ምስ በሉ፡ ምጥራር ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር ብብዙሓት ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ምኽንያቱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ምእታዎም ቀንዲ ምኽንያት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ንቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢልናዮ ኣለና” ምባሉ ናይ ብሓቂ ጌርካ ስለ ዝተወስደ። ደሓር ግና እቲ ቀንዲ መሰማሚዖም ጉዳይ ብይን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ወፍሪ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምንባሩ ብግብሪ ተራእዩ። ኣብቲ ኣብ ጅዳ ዝኸተምዎ ስማዊ ስምምዕ እውን፡ ኣብ ዓንቀጽ 4ተ ካብ ምጥቃሱ ሓሊፎም፡ ጉዳይ ምጥራር ዶብ ኣጀንዳኦም ከምዘይነበረ ኣረጋጊጸምዎ እዮም።

ኣንጻር ህወሓት ብሓባር ዝወፈርሉ ድሌቶም ኣብ መጀመርታኡ እኳ እንተዘይተጋህደ፡  በበይኑ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ግምት ነይሩ። ኣንጻር ህወሓት  ዝነበሮም ኩለ-መዳያዊ ወፍሪ ከይደንጐየ ናብ ውግእ ማዕቢሉ። እቲ ውግእ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ በብደረጃኡ፡ ብርሰት፡ ምዝንባል፡ ህልቂትን ዕንወትን ምውራድ፡ በቲ ሓደ ወገን ናይቶም ተዋግእቲ ዓቕሚ ተዳኺሙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ተጽዕኖ ሕብረተሰብ ዓለም ውግእ ጠጠው ንክብል ምስ ሓየለ፡ ብሰላም ክግታእ ናይ ግድን ኮይኑ። ህግደፍ ነቲ ናይ ሰላም ሃዋህው ክነጽግ እንከሎ፡ ብልጽግና ግና “ደጊም ውግእ ይኣክል” ስለ ዝበለ፡ ህውከት ኣቋሪጹ ንቀጻሊ ፖለቲካዊ መፍትሒ መሰረት ዘንበረ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ተኸቲሙ። ህግደፍ ኣብቲ ጠጠው ከብሎ ዘይከኣለ ውዕል ሰላም ዝነበሮን ዘለዎን ዘይዕግበት ንምግላጽ ከይሓፈረ “ብምዕራባውያን ተኾሊፍና” ብዝብል ደርጒሑ፡ ብዘይውግእ ክነብር ዘይክእል ምዃኑ ኣርእዩ።

ህግደፍ እቲ ጠጠው ከብሎ ዘይከኣለ ውዕል ሰላም ምስ ተኸተመ፡ ንከይትግበር ክኾልፎ ካብ ምጽዓር  ዓዲ ኣይወዓለን። ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጽእ” ዝብል ውሳነ ንከይትግባር ክሳብ ሎሚ ዕባራ ምኽንያታት ብምፍጣር፡ ዓንቂጹ ኣሎ። በዚ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ግብሪ ንከይውዕል ካብ ዝዕንቅፉ ቀንዲ ጠንቅታት ኣብያ ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ። ህግደፍ ብዝተፈላለዩ ወገናት ካብዚ ዓንቃፊ ተግባሩ ንክቑጠብ ንዘቕርብሉ መጸዋዕታታት ብኣሸካዕላል ክምልሰሉን ነቶም ዓገብ ዝበሉ ብዓይኒ ጽልኢ ክኸስስን ጸኒሑን ኣሎን። ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪታንያን ኣትይዎ ዘሎ ኩርባባ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። እንተኾነ እዚ ሎሚ ዝሕሰሞ ዘሎ ምሕጽንታታት ጽባሕ ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ናብ ዝሃሲ ኣስገዳድ ክምዕብል ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ህግደፍ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ንዘይምውጻእ የቕርቦም ካብ ዘሎ ምኽንያታት “ሰራዊተይ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ እዩ ዘሎ” ዝብል እዩ። ምስዚ ዘለናዮ ምዕባለ እቶም “ውጻእ” ዝብልዎ ዘለዉ ኣካላት፡  ሰራዊት ኤርትራ ኣበይ ከምዘሎ ስለ ዝርድኡ ይጽውዕዎ ከም ዘለዉ ዘስትውዓለ ኣይመስልን። ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መሰረታዊ ምኽንያት ኮይኑ ዘይኮነ፡ ከም መሸፈኒ ተወሲዱ ብዝተኸፍተ ንክልተ ዓምታት ዝኣክል (1998-2000) ዳማዊ ውግእ ድሕሪ ምክያድ፡ ናብቲ ብውዕል ኣጀርስ ዝተመስረተ ኮሚሽን ዶብ ቀሪቡ ካልእ መልክዕ ክሕዝ ክኢሉ። በቲ ኮሚሽን ድማ ኣብ ደንሃግ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ተዋሂብዎ።

እንተኾነ ብብዙሕ ደረጃታት ሓሊፉ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኣብ መሬት ምምልካት ምስ በጸሐ  ኣይሰጐመን። ኣብ ከምዚ ኩነታታት “ከተማ ባድመ ንኤርትራ ተፈሪዳ” ዝብል እንተዘይኮይኑ፡ ኣብቲ ካልእ ከባብታታት ብፍላይ ድማ ኣብቲ ማእከላይ ዞባ ዝበሃል፡ ኣፍካ መሊእካ “ኣየናይ ዓዲ ናብ ኤርትራ፡ ኣየናይከ ናብ ኢትዮጵያ” ከም ዝተፈርደ ምንጻር ኣጸጋሚ እዩ። መስርሕ ምጥራር ከምቲ ብሕጊ ዝጀመሮ፡ ብሕጊ ንከይውዳእ ክልቲኦም ፈረምቲ ወገናት ዓንቃፊ ኣስተዋጸኦ ኣለዎም። ኢህወደግ “በዓል 5 ነጥብታት” ዝብል ምስቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዘይቃዶ ፖሊሲ ኣውጺኡ ንዝያዳ 20 ዓመታት ናብ ደውታ ኣእትይዎ። ህግደፍ ከኣ ብመሰረቱ ከምቲ ኢሳያስ ደጋጊሙ፡ “ምስ ኢትዮጵያ ዘዋጋኣና ጉዳይ ዶብ ኣይነበረን፡ ጉዳይ ዶብ እንተዝነብር ብናይ ሕጊ መስርሕ መተፈትሐ” ዝብሎ ዝነበረ ከም መጻልኢ ምስ ህወሓትን  ኣውሓስትን ይጥቀመሉ ነይሩ እምበር ክጥረር ይደሊ ኣይነበርን። ብፍላይ ድሕሪ 2018 ጥጡሕ ኩነታት ተፈጢርሉ ክነሱ፡ ኣይኮነንዶ ከተግብሮ ቅድሚት ዝስራዕ ኣጀንዳ ገይሩ’ውን ከምዘይወሰድ ባዕሉ ክገልጾ ዝጸንሐ እዩ።

ህግደፍ ቅድም ኮነ ሎሚ ዶብ ክጥረር ዘይደለየሉ ምክንያታት፡ ሓደ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምሕዋስ መንገዲ ክኾኖ ይደሊ ነይሩ። ሎሚ ድማ መፍረሲ ውዕል ፕሪቶርያ ይጥቀመሉ ኣሎ። ብዓብይኡ ድማ “ጌና ልኡላዊ መሬትና ከየውሓስና”  እናበለ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ክሕበኣሉ ዝጸንሐን ዘሎን መኸወሊ እዩ። ሎሚ ግና እዚ ጉዳይ ዶብ ዝምዝምዝ ተገላባጢ ሸርሒ ኢሳያስ፡ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ ብሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ስለ ዝተኸሸሐ ዝሕበኣሉ ዘይኮነ ዝቃለዓሉ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ገለ ኤርትራውያን ወገናት፡ “ምጥራር ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን” ዝብል ነቲ ናይ ኢሳያስ ዘዳምቕ ድምጺ ይስማዕ ነይሩ እዩ። ሎሚ እውን ነቲ ዶብ ኣብ መሬት ኣብ ዘይተመልከተሉ፡ “ሰራዊትና ኣብ መሬት ኤርትራ እዩ ዘሎ” ዝብል ንህድማ ኢሳያስ እዝኒ ዝህብዎ ኤርትራውያን ይህልዉ ይኾኑ። ብሕጋዊ መንገዲ ምጥራር እናተኻእለ፡ ነቲ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ዘንጊዖም፡ “ብሓይሊ ዝተወስደ መሬት ብሓይሊ ምምላሱ” ቅኑዕ እዩ ዝብሉ እውን፡  ይስምዑ እዮም።

እዚ ኩሉ ተደሚሩ ነቲ ኢሳያስ ምስምስ ዶብ ብምፍጣር፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሕቶ ካብ ምምላስ እናሃደመ ዕድመኡ ንምንዋሕ ዝመሃዞ ተንኮል፡ ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ ክምከት ይግበኦ። ብኣንጻሩ ሎሚ እውን ዶብ ምጥራር ኢሳያስ ንዝብለጸሉ መሳኹቲ ዝዓጹን ንለውጢ እንገብሮ ቃልሲ ከም ዘይዕንቅፍ ብምርዳእን፡  ከምኡ እውን ኣብ መጻኢ ብሰንኪ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ከይነኣቱ ዘውሕስ ስለ ዝኾነ፡ እቲ 1,033 ኪ/ሜ (641.9 ማይላት)  ዝንውሓቱ “ዶብና ኣብ መሬት ይመልከት” ዝብል ድምጽና ክብርኽ ይግበኦ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ምዃነን  ብማሕበረሰብ ዓለም ክእመነሉ ኣገዳሲ እዩ።  ምኽንያቱ ብዘይተሳትፎአን ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕን ዕብየትን የለን። ወሳንነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተ ሰብ  ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። በዚ መሰረት 8 መጋቢት ምልክት ናይ ቃልሲ ዓለምለኸዊት  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ክትክበር  ተወሲና። 8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ቀጻሊ ቃልስን እዩ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ  ቦታ ንክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ  ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ስለ ዝተራእየላ እያ።  ቀንዲ ሕቶ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዕረ ክፍሊት ንተመሳሳሊ ስራሕ፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫን፡ ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላቲ ቃልሰን ዝተኸፍሎ መስዋእትን፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን  ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ።  እዚ ምብርባር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዕለታትን ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር  ኣላ። ኣብ 1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ  ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ኣፍልጦ ረኺባ ክትክበር ክኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ  ፍርቂ  ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ብምዃና  ዓወታ፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ንጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ”  ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ሕብረተ-ሰብ ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድልየትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ  ኣብ ተመኩሮ ዝተረጋገጸ  ሓቂ እዩ።

ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡  መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ብሓርነትን ማዕርነትን ክካሓሳ ትጽቢት ዝነበረን ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝተቓለሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኾነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኣገባብ ግና ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ ዝቃነ እዩ። መሰረታዊ  ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ  ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነተን  ከውሕሳን እዩ። ነዚ ንምዕዋት “ኣብ መጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላስላ ይግበአን። ብመንጽር’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2024 ወጽዓ ህግደፍ ምረቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ  ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ  ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ  ጸገም ህዝቢ፡ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና  ዘለና።  ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮዮጵያ ኣትዮም ዝሃለቕሉ መርድእ ንምስማዕ ኣብ ስግኣት ኣብ ዘለዋሉ ኢና  8 መጋቢት 2024 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ብደሆ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ውን ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ዘቕርብ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልሰንን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶአንን ናብ ወለዶታት ዝሰጋግራላን መሰለንን ማዕርነትንን መሊኡ ንክረጋገጽ “ብድሆ” ዝብላላን ዕለት ክትከውን ይግባእ።  ከምኡ’ውን ከም ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ጉዕዞ ናብ ብሩህ መጻኢ፡ ማዕረ ብጽሒትን  ተጠቃምነትን ናይ ዝመርሕ መንገዲ ኣካል ክኾና ይግበአን።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት መሪሕ ግደአን  ከበርክታ መሰረታዊ እዩ። ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ሓራ ክኾና  ደቂ ተባዕትዮ እውን ንይምሰል ዘይኮነስ፡ ወጽዓአን ኣለልዮም፡ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ክወስዱ ይግበኦም። ናብዚ ውሁድ ቃልሲ ንምብጻሕ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትመኩሮ ተማሂረን  ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተንን መወዳድርተንን ዘይኮኑ፡ ደገፍቲ ቃልሰን ምዃኖም ተገንዚበን ስልጡን ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዝን ክኽተላ ይግበአን።

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ፡ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ እነካይዶ ኣብ ዘለና ቃልሲ ክንድቲ ዝድለ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንኸይረአ ናቱ ምኽንያታት’ኳ እንተለዎ፡ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታትና ሓደ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ሂቡ እዩ ዝቃለሰሉ።  በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ስለ ዝኾና፡ መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኩሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከም ዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ።ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል   ምቅላስ ከኣ ቀንዲ ዕማም እዩ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታትና

መጋቢት 2024

ኤርትራ ናይ ኩልና ደቃ እያ። ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሃለዋታን መጻኢኣን ከኣ ዝተፈላለዩ ኣተሓስሳባታት ኣለና። እቲ  ከም ዘይምለስ፡ ኣርሒቑ ናብ ጥፍኣት ዝጥሓለ ህግደፍ ገዲፍካ፡ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት  ብዙሓት ምዃና ድማ ውጽኢት ናይቲ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እዩ። በበቲ ዝመረጽናዮ መልክዕን ተልእኮን ምውዳብና ናይ መወዳእታ ዕላማ ዘይኮነ፡ ናብቲ ኣርሒቕና እንጥምቶ መዓርፎ  መብጽሒ ናይ ቃልሲ መሳርሒና እዩ።

ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡ እውን ማሕበራት ኤርትራ፡ ናይቲ ዘሰለፈኦን ብውሽጣዊ ቅዋመን ክቕየድ ዝግደድን ክፋል ሕብረተሰብ እምበር፡ ናይ ህዝቢ ውክልና የብለንን። ብዛዕባ ኤርትራን መጻኢ ምሕደረኣን ክኾነለን ዝደልዮኦ ሓሳብ ብህዝቢ ተቐባልነት ንክረብ ናብ መድረኽ ናይ ምቕራብ መሰለን ግና ሕልው እዩ። እቲ ብዝተፈላለያ ተወዳደርቲ ውዳበታት ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝቐርበሉ ህዝቢ ከኣ፡  ናይ ምቕባልን  ዘይምቕባልን መሰል ኣለዎ። እተን ሓሳብ ዘለወን ውዳበታት ባህጊ ህዝቢ ናይ ምስማዕን ኣብ ግምት ናይ ምእታውን ግደታ ኣለወን። ህግደፍ ነቲ ከም ቁርዲድ ተጣቢቑ ጀሆ ሒዝዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን እታ ጠፋጢፉ  ዝፈጠራ ጉሒላ ጉጅለን “ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጽ” ኣምሲሉ ከቕርቦም ዝፍትኖ ከኣ ናይቲ ዓመጸኛን ሸፋጥን ተግባራቱ መግለጺ እምበር፡ መርኣያ ብህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣይኮነን።  ብህዝቢ ብዝጸደቐ ሕገምንግስቲ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሩ ናይ ብዙሓት ደገፍ ዝረኸበ መንግስቲ ግና “ናይ ህዝቢ ውክልና ኣለኢ”  ክብል ሕጋዊ ተቐባልነት መሃለዎ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ ህጹጽ ቀዳምነት ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ መሰረታዊ ለውጢ ምርግጋጽ እዩ። ውድባትና ይኹን ሰልፍታትና ከምኡ እውን ጽላላትና ኣሕይልና ነዚ ቀዳምነትና ከነሰላስል እንከለና፡ ኪንኡ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ከነእቱ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሎሚ ካለኣይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ዕማምና ጽባሕ ቀዳማይ ዝስራዕ ክኸውን ስለ ዝኾነ። ብኻልእ ኣበሃህላ ናይ ሎሚ ኣተሓሕዛ ጉዳያትና ንናይ ጽባሕ ድልዱል ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ባይታ ዘንጽፍ ክኸውን ስለ ዝግበኦ።

ሎሚ ብዛዕባ  ሓድነትን ዕቤትን ውዳበታትና ክንሓስብ እንከለና፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ኤርትራውነትና፡ ብናይ ሓባር ቃልስናን ድምጽናን ዝተረጋገጸ፡  ንካለኦት ወገናት ኣብነት ዝኸውንን ረብሓኦም ዘይጻባእን ምዃኑ ምግንዛብ ድማ ኣገዳስን ኣድላይን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ኣስገዶም ተወልደ ዝተባህለ ትግራዋይ ምሁር፡ “ንብራኸ ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንቕሎ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጋበአ ዋዕላ፡ “ኤርትራዊ ሃገራውነት ጸላኢ ትግራይ ስለ ዝኾነ ክውገድ ኣለዎ” ኢሉ ዝመደሮ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ኤርትራውነትና ናይ ካለኦት ዕቤትን መሰልን ዝጻባእ ከምዘይኮነ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ከምዚ ዓይነት ሓውላል ኣረኣእያ ናይ ውሱናት ግጉያት እምበር፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ከምዘይኮነ ተገንዚብና፡ ሓደግኡ ንዘይተገንዘቡ ከነገንዝብ ይግበኣና። ንሕመረት ኤርትራውነት እናተጻባእካ፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ግና ጸገም የብልናን” ምባል ግና፡ “ዝኣኽለን ጥሒነንሲ ብዓለማርያም ይብላ” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንበሃሊኡ እውን መኽሰብ የብሉን። ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝነበረን ዝነብርን እምበር፡ ምስ ህግደፍ ዝመጽእን ድሕሪኡ ዝሃስስን ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ።

ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጭቆናን ዘይህዝባዊ ምምሕዳርን፡ ሃገር ናይ ምምራሕን ውድቀትን ዶባት ሰጊርካ ውግእ ምጽሕታርን ናይቲ ጉጅለ ህላን ዕንደራን እምበር፡ ናይ ልኡላዊት ኤርትራ ከም ሃገር ውድቀት  ከም ዘይኮነ፡ ምርዳእ የድሊ። ኤርትራ ብጨቋኒ ትገዛእ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ትመሓደር ልኡላውነታ ወትሩ ህያው እዩ። በዚታት ኣመኻኒኻ ኣንጻር ኤርትራን ክብራን ትንዕምንዕ ምባል ከኣ ብዝኾነ መለክዒ ቅቡል ኣይኮነን።

ሎሚ ናይ ሰልፍኻ፡ ውድብካ፡ ማሕበርካን ካልእ ውዳበኻን ንከተዕቢ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝሃሲ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ኪኖ’ቲ ከተዕብዮ ትደሊ ዘለኻ ውዳበ፡ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናይ ዘይምግዳስ መርኣያ እዩ። ህግደፍ ዝፈጥሮ ዘሎ፡ ሓድነትን ምትእምማንን ህዝቢ ዘዳኽም ወስታታት ክትስዕር ሓሊንካ እንዳተቓለስካ፡ ካልእ መልክዕ ዝሓዘ ንሓድነት ዝጻባእ መንገዲ ከይትሕዝ ምስትውዓል የድሊ። ኣንጻርቲ ህግደፍ ዘስረጾ ጭቆና ከወግድ ይቃለስ ኣለኹ እናበልካ፡  መልክዑ ናይ ዝቐየረ ጭቆና ጠንቂ ከይትኸውን  ምጥንቃቕ  መሰረታዊ እዩ።

እዚ ሓላፍነት ብቐዳምነት ናይቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ሓይልታት ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እውን ውድባት ክመዝንን ኣተሓሳስባ ክመርጽን እንከሎ፡ ከም መዕቀኒ ክወስዶ ዝግበኦ  እዩ።  መዲያ ወኒኖም ኣብ  ለውጢ ተሰሊፎም ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት ከኣ ኣብዚ መዳይዚ ንዘለዎም ሓላፍነት ኣዕሚቖም ክሓስብሉን ክጥንቀቕሉን ይግበኦም። ዝፍጠር ጉድለታት ከይሓብኡ  ናብቲ እናሓደረ ዝዓብን ረብሓ ህዝቢ ዘውሕስን ኣውንታዊ ኣቕጣጫ ዝያዳ ናይ ምትኳር ሓላፍነትን ሓልዮትን ክህልዎም ይግባእ። ኣብ ክንዲ ጸግዒ ፈሊኻ ፍልልያትን ምስሕሓባትን ምንብድባድን ንእሽቶይ ጌጋ ከተተዓባቢ ምሕላን፡ ጽባሕ ሓሊፉ ዝጸንሕ ቅኑዕ መንገዲ  ምጽራግ  ናይ መድያታት ሓልፍነትን ስነምግባርን እዩ።

“ናይ ሎሚ  ዳኣ ንግበር፡ እምበር ናይ ጽባሕስ ሽዑ ነርክበሉ” ዝብል “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ኣተሓሳስባ፡ ገለ ንኡስ ሓቅነት ይህልዎ ይኸውን። ዘይሩ፡ ዘይሩ ግና ሎሚ ብዝተፈላለየ መልክዕ ናይ እነካይዶ ቃልሲ ውጽኢት ብናይ ጽባሕ ሸቶኡ ዝዕቀን ክኸውን ይግበኦ። ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ናይ እነካይዶ ቁጠባዊ ሕውየትን ህንጸት ሃገረ-መንግስትን መቐጸልታ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እምበር፡ ሽዑ ከም ብሓድሽ ዝጅመር ኣይኮነን። ስለዚ ሎሚ ቅድሚት ንሰርዖ ተግባር ቀንዲ ብልሑ ምውጋድ ህግደፍ ኮይኑ’ ንጽባሕ እውን መንጸፍ እዩ። ሎሚ ንወስዶ ስጉምቲ ናብ ጽባሕ ዘየማዕዱ እንተ ኮይኑ፡ ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኸውን፡ ብሰንኪ ድሕሪ ናጽነት እንታይ ከምዝገጥመና ሚዚና ዘይምቕራብና ንሓልፎ ዘለና ህይወት መርተዖ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ “ኪኖ ሰልፍታትን ውድባትን እነማዕድዎ ዋኒን ከምዘለና ኣይንዘንግዕ” መልእኽትና እዩ።

ብቐጻሊ “ሓቢርና ንቃለስ”፡ ኢልና እንጭረሓሉ ምኽንያት ዓሚቕ ትርጉም ኣለዎ። ማእከላይ ትሕዝቶኡ ከኣ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ፡ ተልእኮና ሓደ ክነሱ በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምና ኣወሃሂድና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ምስላፍ እዩ። ናይ ኩልና ጭረሖ ዝኸነሉ ምኽንያት ድማ ሓቢርና ምስእንቃለስ ከም እንዕወት ስለ እንግንዘብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓቢርካ ምቅላስ ክንድቲ መሰረታዊ ናይ ዓወት ምስጢር ምዃኑ፡ ንምርግጋጹ ዝሓቶ ጻዕርን ዝወስዶ ግዜን ብቐሊሉ ዝዕቀን ከምዘይኮነ ካብ ተመኩሮና ንላዕሊ መስካሪ የለን።

ሓቢርካ ምቅላስ እቶም ኣብኡ ረብሓ ዘለዎም ውዳበታት ብሓንሳብ “ሆ” ኢሎም ዝጅምርዎ ኣይኮነን። ዝተወሰነ ኣካል የንቅዶ እሞ፡ እቶም ካለኦት ኣብኡ ረብሓ ዘለዎም ከኣ፡ ነቲ ተበግሶ እናመዘኑ ነቲ መስርሕ ይሳተፍዎን ዝያዳ የማዕብልዎን። እዚ መስርሕ ብመሰረቱ ከምቲ ናብ ሜዳ ቃልሲ ክንስለፍ እንከለከና ዝተራእየ ናይ ሓደ ደድሕሪ’ቲ ካልእ ምውሓዝ እዩ። እቲ ተበግሶ ዝወሰደ ኣካል ወይ ኣካላት ኣፍደገኦም ንኻለኦት ርሑውን ንናይ ሓሳብ እንካን ሃባን ቅሩባትን ክኾኑ  ይግበኦም። እቲ ቅሩብነት ነቶም ተሳተፍቲ ናብ መኣዲ ሓቢርካ ምቅላስ ብኣካል ንምቕባሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ሒዘምዎ ንዝቐርቡ ኣተሓሳሳ ግቡእ ቦታ ክህብ ክዳሎ ናይ ግድን እዩ። ኣቓውማ መሪሕነት ድማ ብመንጽርቲ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ቃልሲ ንምውጋድ ህግደፍ እምበር፡  ከምቲ ሓሓሊፉ ኣብ ተመኩሮና ዘጋጠመ እሞ ዘሳቕየና፡ ምስ ሕቶ ስልጣን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ክቕየስ ኣይግባእን። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ናብ “ናተይ ሓሳብ  ጥራይ ተቐበል ወይ ብኣይ ተመራሕ” ዘየረዳድእ ሃዋህው ክፈጠር ይኽእል።

ክሳብ ሎሚ ብዘተኣማምን ኣገባብ ብሓባር ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና ካብ ዝለዓሉ ነጥብታት ሓደ፡ “እምበርዶ ነቲ ዝሓለፍኩሞ መስርሕ ሓድነት ትግምግምዎ ኢኹም?” ዝብል ሕቶ እዩ። ምግምጋም ዝምድናዊ ስለ ዝኾነ፡ ንኹሉ ዘዕግብ ዘይክኸውን ይኽእል። ዘይሩ ዘይሩ ግና ናይቲ ሕቶ መልሲ “እወ ንግምግም”  እዩ። ቅድሚ ሕጂ ውድባት ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ሂበን ብዘካየድኦ ገምጋም ልዕሊ 20 ሕጽረታት ኣመዝጊበን ከም ዝነበራ ዝዝከር እዩ። ብመንጽርቲ ብገምጋም ንዝተለለየ ድኽመታት ብቑዕ መፍትሒ ዘይምቕራብ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ብሳላ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮኻ ምምሃር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕድሕድ ሰልፍታት ኮነ ውድባት ኤርትራ ዝነበረ ምጽልላም፡ ኣፍልጦ ዘይምውህሃብን ነቲ ተሓታትነት ንካልእ ኣላጊብካ ምህዳምን ኣዝዩ ነኪዩ፡ ዝረአ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ናይ ምክብባር ኣተሓሳስባ ንዕዘብ ኣለና።  ካብዚ ሓሊፉ መብዛሕትኡ ብዝበሃል ቀዳምነቱ ኣለልዩ፡ ናይ ሓባር ቃልስና ከትክለሎም ኣብ ዝግብኡ ውሱናት ነጥብታት ዝሰማማዕ ምዃኑ’ውን ውጽኢት  ናይ ምግምጋምና እዩ። እዚ ንኡስ ዝመስል ነጥብታትን ናይ ውሱናት ተበግሶን ናብቲ ዝለዓለ ብርኪ ሓቢርካ ምቅላስ መንጠሪ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ጉዕዞና ኣዝዩ ዘገምታዊ ብምዃኑ ዘዛርብ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ሓባር ቃልሲ፡ ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ዓሚቕ ምጽውዋርን ምክእኣልን ዝተበጽሐ እዩ። ዘትክለሎም ነጥብታት ከኣ፡ “ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፣ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፡ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽን ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብን መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን” ዘጠቓልሉ እዮም። ፖሓኤ ኣብዞም ነጥብታት ክሰማማዕ እንከሎ፡ ብሚዛኑ ንካለኦት ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን እውን ከሰማምዑ ይኽእሉ እዮም ብዝብል እምንቶ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ናይ “ሓቢርና ንቃለስ” መጸዋዕታ ከቕርቡ እንከለዉ ዘንጸባቕወን ነጥብታት እውን እዘን ፖሓኤ ኣስፊርወን ዘሎ እየን።

ተበግሶ ፖሓኤ፡ ንምኽፋት መድረኽ ሓቢርካ ምቅላስ እምበር በይኑ ዝዓሞ ኣይኮነን። ካለኦት ጻዕሪ ዘካይዱ  ዘለዉ፡ ሰልፍታት፡ ውድባትን ምጥርናፋትን ደጊፈምዎ ግደኦም ከበርክቱ ዘለዎ ተስፋ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ተስፋ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ ዝዛተ ፍሉይ ኣካል ምምዛዙ ከኣ ንዝሰፍሐ ተሳትፎ ዘለዎ ቅሩብነት ዘርኢ እዩ። ኣብ መስርሕ፡ ካለኦት ብዝያዳ ዝሳተፍሉ መንገዲ ኣብ ምጥጣሕ ኮነ ኣብቶም ናይ ስራሕ ምክፍፋል ኣካይዱ፡ ጀሚርዎም ዘሎ ክፍልታት፡ ህዝባዊ ውደባ፡ ዲፕሎማሲ፡ መድያን ማሕበራውን ገንዘባውን ዓቕሙ ከማዕብል ድልውነቱ ዕዙዝ እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ “ከምቶም ዘይተዓወቱ ናይ ሓባር መድረኻት ከይዕንቀፍ እንታይ ውሕስነት ኣለዎ?” ዝብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ተመኩሮ ዓብይ መምህር እዩ። እዘን ፖሓኤ ኣቚመን ዘለዋ ውድባት ድማ በቲ ከጋጥመና ዝጸንሐ ዕንቅፋታት ዝሓለፋ እየን። ስለዚ ነቲ ካብ ተመኩሮአን ዘጥረይኦ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ መሰረት ገይረን “ነቲ ዘየዕወተና ተመኩሮ ኣይክንደግሞን ኢና” ብዝብል እምንቶ ዘንቀልኦ ምዃኑ ሓደ ካብ ውሕስነታቱ እዩ። ግብራዊ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምስ ጀመራ  ብኻለኦት ሓይልታት ኤርትራ፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮና፡ ንተበግሶአን  ዘነኣእስ ወይ ዝዕንቅፍ ዘይኮነ፡ እቲ ውሳኒ ውሻጣዊ መስርሑኳ እንተኾነ፡ ዘተባብዕ ድምጽታት ይቃላሕ ምህላዉ ድማ፡ ካልእ ናይ ምዕዋቱ ውሕስነት እዩ። ኣብ ሃገርና ኮነ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራ እውን ክንረሓሓቕ ዘይኮነ ዝኽፈል ከፊልና ክንቀራረብ እዩ ዝድርኽ። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ መስርሕ ፖለቲካዊ ኮይኑ፡ ሓቶ ሓድነት ከኣ ውሕስነቱ ብግብራዊ ቃልሲ ዝውሰን እምበር፡ ኣቐዲምካ ብዝእቶ ቃል ጥራይ ዝዕቀብ ኣይኮነን። ኣብ ምዕቃብን ምትግባር ናይቲ ስምምዓት ግደን ተራን ናይቶም ሓባራዊ ጽምዶታት ንኽዓዝዝ ዝጽዕቱ  ግዱሳት ኤርትራውያን ከኣ ዓብዪ ቦታ ዝዋሃቦ እዩ።

ሓድነት ክንድቲ ወሳኒ ናይ ዓወት መሳርሒ ምዃኑ፡ ዋኒን ናይተን ብሓባር ክቃለሳ ዝወሰና ውዳበታት ጥራይ ኣይኮነን። ብዓብይኡ ጉዳይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን እዩ።  ግደ መሰረታት ናይተን ብሓባር ክቃለሳ ዝወሰና ውድባት ድማ ወሳኒ እዩ። ስለዚ ናይተን ኣብ ፖሓኤ ኣጽሊለን ዘለዋ ውድባት ኣባላት ብደረጃ ውድባቶም ኮነ ብድረጃቲ ናይ ሓባር መድረኾም ኣበርክቶኦም ዝያዳ ከዕዝዙ ይግበኦም። ብመንጽርዚ ኣብቲ ብ10  ለካቲት 2024 ዝተኻየደ ናይ ሰለስቲአን ኣባል ፖሓኤ ውድባት መሰረታት ኣኼባ ዝተንጸባረቐ ሓሳባት ሓላፍነታውን ዘተባብዕን ኮይኑ፡ ናህሩ ወሲኹ ቀጻልነቱ ክዕቀብ ዝግበኦ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ናይ ኩሎም ደቃ እያ። ልኡላዊት ሃገር ክትከውን ዘብቅዓ ከኣ እቲ ዘይሕለል ቃልሶም  እዩ። እቶም ኩሉ ጸጋታታ ተጠቒሞም ናብ ቀጻሊ ዕቤትን ብራኸን ከሰጋግርዋን ክሕልዉዋን ዝኽእሉ ከኣ ንሳቶም እዮም። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ እቲ  ጽቡቕ ድሌትን ቅሩብነትን ናይዞም ደቃ ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ምስጢር ድማ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ስሱዑን ጨቋንን ፖሊሲ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዓድን ወጻእን ዝነብር ህዝባ፡ ሃገሩ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምህናጻን ንምኽሓሳን ብዝለዕለ ደረጃ ተሃንጥዩ። እንተኾነ እቲ “ደጊም ብውድባት ሓሸውየ የለን”  ብዝብል ተስፋ ዘቑርጽ ኣግላልን በሓትን ጭረሖ ዝጀመረ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝዝወር ጉጅለ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ካልእ መዳያት’ውን ኣጠማምታኡ ጥዑይ ከምዘይነበረ ምልክታት ከርኢ ጀመረ። ካብቲ ዝነበሮ ትዕቤት ነቒሉ ድማ ኤርትራ ናይቶም ዝተቓለሱላን ከሕውይዋ ዝተሃንጠዩን ደቃ ዘይኮነት፡ ናይ’ቶም ሎሚ ተጐሊሎም ዘለዉ ውሑዳት መጋበርያታቱ ክገብራ ከም ዝደሊ ወስታታት ጀመረ። እቲ ሓደገኛ ወስታኡ ኣብ ልዕሊ እቶም “ተቓሊሶም ዓዲ ዘእተዉዎ ተጋደልቲተይ” ዝበሎም እውን ዘናሕሲ ኣይነበረን።

እንተኾነ እዚ ጉዳይ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ “ብሕገመንግስታዊ ውሕስነት ክዕረ ይኽእል እዩ” ብዝብል ተስፋ ከይቆረጹ ክዕገሱ ዝፈተኑ፡ እንተኾነ ንክሕደት ህግደፍ ክቕበልዎ ዝተጸገሙ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ጉጅለ ብውሽጡ ዘይኣምነሉ ክነሱ፡ ናይቶም ዘይትግበር ተስፋ ዘሕደሩ ግሩሃት ወገናት ሃንቀውታ ንክምዝምዝ፡ መስርሕ ምጽዳቕ ሕገመንግስቲ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ቀጺልዎ። ኣብቲ መስርሕ ሕጉሰ ከም ዘይነበረን ሓሓሊፉ ዕንቅፋት ይፈጥር ከም ዝነበረን ከኣ በቶም ናይቲ መስርሕ ቀለስቲ ዝነበሩ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ነቲ ቅድሚኡ ምኽንያታት እናፈጠርካ ዘጋጥም ዝነበረ ዕንይንይ ገዲፍካ፡ ክሳብቲ ዓው ኢሉ “እዚ ሕገመንግስቲ ከይተተግበረ ሞይቱ እዩ” ዝበለሉ ግዜ ክትግበርዩ ዝብል ተስፋ ዝነበሮም ወገናት ነይሮም እዮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ነቲ “ሓድሽ ሕገመንግስቲ ንነድፍ ኣለና” ዝብል ሕጫጨኡ እዝኒ ዝሃብዎ “ደቂ ገርሃ ልባ”  እውን ኣይተሳእኑን።

ህግደፍ ቅድም ነቲ ባዕሉ ኣብ 1994 ብደረጃ ጉባአ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቻርተር፡ ደሓር ድማ ነቲ ብዙሕ ናይ ተሳትፎ ሕቶታት ብዘኸተለ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ቀዳዲዱ ምስ ደርበዮ፡ በቲ ካብ ቅድም ዘንቀደሉ ኣግላልን ኢደ-ወነናውን መንገዱ ቀጺሉ። ኣብቲ ኩነታት “ስለምንታይ ሕገመግስታይ ይስረዝ?” ዝብል ድምጺ ብጋህዲ ዘይምግንፋሉ ድማ ንህግደፍ ኣሻህሪትዎ እዩ። ከም ኣብነት ናይዚ፡ ምርጫን ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባታትን ምልዓልን ብዛዕባኡ ምሕታትን ዘቕጽዕን ዘእስርን ከም ዝኾነ ብጋህዲ ኣዊጁ ተግቢርዎ። “ደጊም ካብ ወረ ውግእ ወጺእና ሕቶ ህዝብና ንመልስ” ዝበሉ ገዳይም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዘጋጠሞም ከኣ  ከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ እዩ።

ኣብ መዳይ ቁጠባ፡  ኩሉ ሰክተራት ብናይቲ ጉጅለ ትካላትን ውሑዳት መጋበርያታቱ ውልቀ ሰባትን ተገቢቶም። ወዮ ንገዛእ ርእሱ ተጠቒሙ ሃገሩ ከልምዕ ክወፍር ዝህንጠ ዝነበረ ኤርትራዊ ዝተፈላለዩ መጻወድያታት ስለ ዘጋጠምዎ፡ ዝተለሞም መደባት ልምዓት መኸኑ። ኤርትራዊ ኣውፋሪ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኣይኮነንዶ ሃብቲ ከጥሪ ድራር ዕለቱ እውን ክረከብ ከም ዘይክእል ምስ ተገንዘበ፡ ካብ ምውራስ ዝተረፈ ንብረቱ ሸይጡ ህይወቱ ንምድሓን ካብ ምስዳድ ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን።

ህግደፍ ምስዚ ኩሉ ርኡይ ኣግላሊ ተግባራቱ፡ “ንኤርትራ ከነልምዓ ኢና” ዝብል መብጸዓታት ካብ ምእታው ዓዲ ኣይወዐለን። “መዓስ እዩ እሞ እቲ ልምዓት?” ክበሃል እንከሎ ከኣ፡ ንሓንሳብ ነዋርሕ ንሓንሳብ ድማ ንዓመታት ዘይትግበር ቆጸራን ተስፋን ይህብ። እንተኾነ ግደፍዶ ሓድሽ ልምዓት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዝተደኮና ትካላት ኣባይትን እውን ከምዘይተሓደሰ ሓለቓ ህግደፍ ደጋጊሙ ዝተኣመነሉ እዩ።“መን ደፊሩ ከይሓተንን ከይቆጻጸረንን” ብዝብል ትዕቢት ከኣ ብዛዕባቲ ቅድም ተመጻቢዑ ዝጠለሞ ከይተሰከፈ፡ በቲ ናይ ሓሶት ቃል ምእታዉ ይቕጽል ኣሎ። ምስዚ ኩሉ ግና ኣፍ ኣውጺኡ ኣይዛረብ እምበር፡ ብውሽጡ “ሃገር ከልምዑ ዝግበኦም ደቂ ሃገር እናግለልካ ደኣ ሃገር ብኸመይ እያ ክትለምዕ?” ዝብል ሕቶ ዘልዕል፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ናይቲ ጉጅለ ዝነብር ኤርትራዊ የለን ማለት ኣይኮነን። ምስዚ ግና በቲ ዝረአ ዘይኣምኑ ኣብ ዘይትግበር ተስፋ ዝነብሩ፡ እቲ መላኺ ዝብሎ ቃል ኣምላኽ ዝመስሎም ብ”ንኺድ ጥራይ” ዝሰኸሩ ውሑዳት ግሩሃት ክሳብ ሎሚ’ውን ኣለዉ።  

እቲ ብተደጋጋሚ በቲ ጉጅለ ብግብሪ ዝተራእየ እምበኣር፡ ሃገር ምልማዕን ቁጠባ ምስሳንን ዘይኮነ፡ ዝርካቡ ጸጋ ሃገርን ሓይሊ ሰባን ኣብ ዘባኽኑ ዝተፈላለየ ውግኣት ምእታው እዩ። እቲ ውግኣት ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ዝተኣጐደ ኮይኑ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣትዩ ዘካየዶ፡ ሓድሽ ስለ ዝኾነ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝለዕለ መርድኡ ዘይተነግረ፡ ኤርትራዊ ህይወት ዝጠፍኣሉን ንብረት ዝዓነወሉን ስለ ዝኾነ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ናይ ህግደፍ ምትላልን ጥልመትን ፍሉይ ዝገብሮ፡ ህዝቢ በቲ ዝረአን ዝድህሰስን ተግባሩ “ኣብ ዝበጽሖ የብሉን እሞ፡ ክቕጽሎ ኣለኒ” ዝብል ድርቅናኡ እዩ። ካብዚ ብደዐ ስለ ዝነቅል እዩ ከኣ፡ ነቲ ዘካይዶ ውግኣት ንዕቤትን ቀጻልነትን ኤርትራ ከም ዝኾነ ኣምሲሉ ክሕበኣሉ ዝፍትን።

ኢሳያስ ካብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ወጺኡስ፡ ውዲታት ንምእላምን ምስሉ ንምጽብባቕን ቅድም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመላሊሱ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣቕጣጫ ቀይሩ፡ ናብ ቻይና፡ ሩሲያን ካለኦት ሃገራትን ክገይሽ እንከሎ፡  ነቲ ዝገሸሉ ቀንዲ ውዲት ብምሽፋን፡ ኣብቲ መገሻኡ ብጉዳይ ልምዓት ኤርትራ ምስ ኣውፈርቲ ናይተን ሃገራት ከም ዝተማኽረ መሲሉ ክቐርብ ተዓዚብናዮ።  ኣብዚ ቀረባ ድማ ናብታ ብሰንኩ ከምቲ ንቡር ሓመድ ኣዳም ዘይለበሰ ልዕሊ 350 ሬሳታት ኤርትራውያን ተኸዚኑላ ዘሎ ሃገር ኢጣልያ ገይሹ ንልዕሊ 10 መዓልታት ሸናዕ ክብል ቀንዩ። ምስ ተመለሰ ድማ፡ ኤርትራ እትለምዓሉ ተስፋታት ሒዙ ከም ዝተመልሰ ዝእምት ወረ ክቃላሕ ንሰምዕ ኣለና። መንግስቲ ጥልያን  ቅድሚ ሕጂ ብ60 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኤርትራ መንገዲ ባቡር ክሃንጽ ሓቲቱ “እቲ ጥረ ገንዘብ ኣብ ኢድና ሃቡና” ብዝብል ብህግደፍ ከም ዝተዓንቀፈ  ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ስለዚ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ፡ ብእግራ ትሓክኽ”  ዝበሃል፡ ክሃንጽዋ ዝነበሮም ደቃ ደፊኡ ዘግለለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወጻእተኛታት ዓዲሙ ንኤርትራ ከልመዓ እዩ ማለት ዘበት ምዃኑ  ክንርዳእ ይግበኣና።

ኤርትራውያን ነዊሕ ዝዕድመኡ ፖለቲካዊ ጸገም ኣለና። ናይዚ ጸገም ቀንዲ ጠንቂ ከኣ እቲ “ሰሜን ኮርያ ኣፍሪቃ” ዝብል ሳጓ ዝተዋህቦ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ናይዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀዳምነት ከኣ፡ ነዚ ጠንቂ  ኩሉ ጸገምናን ሕሰምናን ኮይኑ ዘሎ ዓመጸኛ ሓይሊ  ምውጋድ እዩ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ኣብዚ ንህግደፍ ንምውጋድ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዘይሰዓርናዮም ጸገማት ከም ዘለዉና ዘማትእ ኣይኮነን። ምፍታሕ እዚ ጸገማትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ እነካይዶ  ቓሊሲ ዘይስገር ቅድመ-ኩነት እዩ። ክብደትን ሕልኽላኻትን ናይቲ ጸገም ኣብ ምምዛኑ ክንድቲ ዝድለ፡ ዘይንሰማማዕ ምዃናን፡ ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ኣብ ምፍታሕ ክንድቲ ዝድለ ዘይንተግህ ምዃና ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ጸገም እዩ። “ናይቲ ጸገማት ምኽንያትን ተሓታትን መንዩ?” ኣብ ዝብል ድማ  ነብስና ካብ ተሓታትነት ንምግላል፡ ካብ ሓደ ኩርናዕ ናብቲ  ካልእ ክንደራበየሉ ዝጸናሕና  እዩ።

እቲ ናብ ምርሕሓቕ ዝወስደና ፍልልይ ምስፍሑ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብቶም ጐሊሖም ዝረኣዩን ኩልና ውዳበታት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣፍልጦ እንህቦምን ሓደ ብሓባር ዘቃልሰና ሰፊሕ መድረኽ ክንፈጥር ዘይምብቃዕና ምዃኑ በብኩርናዑ ነቕርቦ ዘለና ናይ “ሓቢርና ዘይንቃለስ” መጸዋዕታታት ምስክር እዩ። ኣብ ኣድላይነት ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ዘለና ተረደኦ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ካብ ስምምዕ ጅዳ 1993 ጀሚርካ ክሳብቲ ብ1999 ዝጀመረ፡ ምድኳን “ምትእኽኻብ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ካልኦት ምቅርራባትን ዘንቀድናሉ ግዜ ጀሚርና ዝተገንዘብናዮ እዩ። እዞም በብግዜኡ ዝወጠናዮም ናይ ቃልሲ መድረኻት ኣየዐወቱናን ክንብል ዘይኮነ፡ ኣየዐወትናዮምን ምባልዩ እቲ ሓቂ። “ስለምንታይ ኣየዐወትናዮምን? ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ ከኣ፡ እቲ ጠንቂ እቶም ንረግሞም  መድረኻት ወይ ዝሰረትናዮም ጽላላት ከምዘይኮኑ ኢና እንርዳእ።

ግደ ሓቂ ናይ ዘይምዕዋትና ጠንቂ፡ ናይ ሓባር መድረኻት  ምሕዝነት፡ ኪዳንን ባይቶን ዘይኮይኑ፡ ናይቶም ኣብቲ መድረኻት ዝተዋስኡ ሰልፍታት፡ ውድባትን ካለኦት ባእታታትን ዘይምብቃዕን ዘይምቅዳውን ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፎም በበቲ ዘመዝገብዎ ሕጽረት ነናቶም  ሕጃም ተሓታትነት ዘልዕልሉ እዩ። ኣብቶም ተዋሳእቲ ከጋጥሙ ካብ ዝጸንሑ መረሓሓቕቲ ምኽንያታት ሕድሕድ ዘይምትእምማን ቅድሚት ዝስራዕዩ። ነቲ ዘይምትእምማን ካብ ዝፈጠርዎ ከኣ፡  ሕቶ መሪሕነት ኣብቲ ናይ ሓባር መድረኽ፡ ምምዛን ፖለቲካዊ ባህሪ ናይቲ ንህዝብና ጅሆ ሒዝዎ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ፡ እሱር ድሕረ-ባይታን ሕሉፍ ታሪኽን ምዃን፡ ዘይምስራዕ ቀዳምነታት ቃልሲ፡ ቅድሚ ውድቀት እቲ ጨቋኒ ስርዓት ናይ ድሕረ-ውድቀቱ ሕሳባት ቅድሚት ኣምጺእካ ምስልሳል፡ ምምራጽ እትኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ክትውስን ምድንዳን፡ ክትህብን ክትስማዕን እምበር፡ ክትቅበልን ክትሰምዕን ቅሩብ ዘይምዃን ከምኡ’ውን ሓቢርካ ብዘቆምካዮም፡ ትካላት፡ ሕግታትን ፖሊሲታትን ምእዙዝ ዘይምዃንን፡ ንዘይኤርትራዊ ጽልዋን ተጽዕኖን ካብ ምትሕግጋዝ ሓሊፉ ገፊሕ ኣፍደገ ክትከፍተሉ ምድላይ ካብቶም ብዙሓት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዞም መፈላለይ ጸገማት ብቅሩብነትን ህዝባዊ ሓልዮትን ክፍትሑ ዝኽእሉ እምበር ቅድም ኮነ ሎሚ ኣሲሮም ክሕዙና ኣይመተገበኦምን። 

ኣድላይነት ምፍጣር ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽን ንምዕዋቱ ዝግበር ቃልስን መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ እውን ኣጀንዳ ኩልና ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ብኸመይ ነረጋግጾን ነዕውቶን ከኣ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ’ኳ እንተለና፡ ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ግና ኣይበጻሕናን። ኣብቲ ክንበጽሖ ዝግበኣና ንምብጻሕ ድማ፡ ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ከምኡ እውን ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ለውጥታትን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ምጽውዋር ዘበረኸ መስርሕ “እንካን-ሃባን” ክንክተል ከም ዝግበኣና ኣብ መብዛሕትና ሰሪጹ ብኹልና ናብ ተግባር ንምስግጋሩ፡ ዝያዳ ትብዓትን ሓልዮትን ዝሓትት እምበር ተስፋ ዘቑርጽ ኣይኮነን። እቲ ጉዕዞ ዘገምታዊ ስለ ዘሎ ግና ምቅልጣፉን ምድፍኡን ኣድላይ እዩ። ንምምስራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ወሲኽካ፡ ዝፍጠሩ ዘለዉ ምቅርራባትን ግንባራትን ከኣ ተስፋ ዘሕድሩን ክተባብዑ ዝግበኦምን እዮም። እዚ ዝበጋገስ ዘሎ ምቅርራባት እንተኾነ ንብምሉኡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ብውሕዱ ከኣ ንመብዛሕትና ዝሐቁፍ ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ምውጋድ ህግደፍን ብብዙሑነታውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትክኡን ዝዓለመ ሰፊሕ  ጽላል ክንበጽሕ ኣብ ኢድና ዘሎን ባዕልና እንውስኖን እዩ።

ዝኹን እምበር፡ ነቲ ከነስረሖ ዝግበና ዘየስራሕናዮ፡ ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ናይ ሓባር መቃለሲ ጽላል ምቛም፡ “ድሕሪ ሕጂ ናይ ውድባት ህላወ ኣየሰርሕን እዩ” ብዝብል ካልእ መንገዲ ክትትከኦ ሃሰስ ምባል ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ። ድኽመት ውድባት ኣብቲ መስርሕ ዋላ ሓደ ዘይሃድመሉ ሓቂ ኮይኑ፡ እቲ መፍትሒ ከኣ ዕንቅፋታት ኣሊኻን ሓድሽ መንፈስ ኣስሪጽካን ከም ዝሰርሓ ንምኽኣለን ቃልሲ ምክያድ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ “ውድባት  ክፈርሳ ወይ ክድስክላ ኣለወን” ምባል መፍትሒ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዝያዳ ንምንጻር እቲ መሰረታዊ ጸገም ምህላወን ዘይኮነ ከምቲ ዝድለ ዘይምስርሐን ስለ ዝኾነ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ምስቲ “ብዘይውዳበ ዝዕወት ቃልሲ የለን” ዝብል መሰረታዊ ኣንፈት ቃልሲ’ውን ዝጓነጽ እዩ። ምስ ዲሞክራሲያዊ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን እውን ኣይሳነን’ዩ። ኣብ ርእሲዚ ካብቲ ካብ ዲሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ሓደ ዝኾነ ምኽባር ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ከየውጸኣካ ምጥንቃቕ እውን የድሊ።  ብፍላይ ነዘን ዘለዋ ውድባት ኣዳኺምካ ወይ ኣደስኪልካ ስሙን ዕላምኡን ብዘየገድስ ካልእ ውዳበ ናብ ምፍጣር ዝዓለም እንተኮይኑ፡ ኣብ ኢድካ ዘሎ ኣጥፊእካ ውሕስነት ናብ ዘይብሉ ጀማሪ መንገዲ ዝወስድ እዩ ዝኸውን። በተን ህሉዋት ውድባት ዘይውከል ርኢይቶ ሃልዩካ ሓድሽ ውዳበ ምፍጣር፡ ብመንጽር ምርባሕ ውድባት ዘይምረጽ እኳ እንተኾን፡  ግን  ከኣ መሰል እዩ።

ስለዚ ኣንጻር ህግደፍ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከይህልወና ዝዕንቅፍ ዘሎ፡ ህላወ ውድባት ዘይኮነ ኣተሓሳስባአን ኣማዕቢለን ብሓባር ክሰርሓ ዘይምኽኣለን’ዩ እሞ፡ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ብሓባር ንክሰርሓ ድፍኢት ምግባር እዩ። ስለዚ እቶም ሰብ ሓድሽ ርኢቶ ካብ ጽቡቕ ድሌትን ባህግን ከምዝነቕሉ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ምውንዛፍ ወይ ምድስካል ዘይኮነ፡ ኣብ ቅርዑይን ሓላፍንነታውን መንገዲ ክሕዛ ኣብ ምትብባዕን ምትኳር እንተኾነ እዩ ዝምረጽ። ምርሕሓቐ ናይተን ውድባት የሻቕለና ዝብሉ  ወገናት ከኣ ናብዚ ኣቕጣጫዚ ከድህቡ ይምረጽ።