ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ዲሞራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራን ሰልፊ ዲሞራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክዋስእሉ ዝጸንሑ ጽላል ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2024 ናብ ሓባራዊ ዋዕላን ፈስቲቫልን ክኣቱ እዩ። እቲ ዋዕላ ነቲ ዝጸንሔ ኣካይዳ ናብ ምቛም ወግዓዊ ጽላል ዘሰጋግር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፈስቲቫል ድማ ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ ዝብሰረሉ እዩ። ናይ ክልቲኡ ኣገደስቲ መድረኻት ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት ድማ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ኣለዋ።
እዚ ዋዕላ ኣብ ርእሲ እቲ ጽላል ብወግዒ ዝምስረተሉ ምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ እቲ ጽላል ዝምረሓሉ ኣገደስቲ ሰነዳት ከጽድቕ እዩ። ኣብዚ ዝጸድቕ ውሽጣዊ ቅዋም እቲ ጽላል ካልኦት ኣባላት ወሲኹ ዝሰፍሓሉ መንገዲ ዝእምትን ኣብ ነንሕድሕዱ ከመይ ከም ዝናበብን ዘብርህ ዓንቀጻት ከም ዝህልዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ንመጻኢ ነቲ ጽላል ዝመርሕ ኣካል ምስ ተጠባበቕቱ ኣብዚ ዋዕላ ክስየም እዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝስየም ሓጋጊ ኣካል ዝነጥፋ ፈጸምቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ክንጸራ እየን።
እዚ ጽላል ክሳብ ሕጂ ተመስሪትሎም ዘሎን ኣብቲ ዋዕላ ዝጸድቁን መሰረታዊ መዕቀኒ ኣዕኑድ ፡ ልኣላውነት ኤርትራን ህዝባን ምዕቃብ፡ ዲክታተርያዊ ምምሕዳር ህግደፍ ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምትካል፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምውሓስ፡ ኤርትራዊ ብዙሕነት ምንጽብራቕን ኩሉ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባርን ዝብሉን ነፍሲ ወከፎም ሰፊሕ ዝርዝር ዝሓቖፉን እዮም። እዘን ጽላል ዘቑማ ዘለዋ ውድባት ካብዚ ውጻኢ ዘሰማምዐን የለን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እዚኣቶም ቀዳምነት ዝተዋህብሉ ምኽንያት፡ መሰረታውያን መለለይታት ቃልሲ ኤርትራ ኮይኖም፡ ብብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ተቐባልነት ስለ ዘለዎም ዝሰፈሐ ሓይሊ ንምጥርናፍ ዘኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ዝተወስዱ እዮም።
ናይዚ ጽላልዚ ምምስራት ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ተቓውሞ ኤርትራ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ስጉምቲ ዘይኮነ፡ ከም ቁልዒ ዝውሰድ እዩ። ነዚ ቁልዒ ንህግደፍ ክልብልቦ ናብ ዝኽእል ሓያል ህዝባዊ መጋርያ ንምምዕባሉ ድማ ናይ ኩሎም ብመንገዲ ምጥርናፍ ኣቢልካ ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ዝኣምኑ ወገናት ጻዕርን ተሳትፎን ከም ዝሓትት ፖሓኤ ኣዕዚዙ ይኣምንን ምእንታኡ ይቃለስን። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ካልኦት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳበታት’ውን ከም ናቶም ክወስድዎን ክሳተፍዎን ፖሓኤ ወትሩ ዝጽውዕን ኣብቲ ዋዕላ ከጉልሖ ትጽቢት ዝግበረሉን።
ምምስራት ጽላል ኣብ ደንበት ተቓውሞ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝወድቕን ዝትንስእን ዘሎ እምብር፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ከም ዘይተዓወተ ናይ ኩልና ተዘክሮ ዝምስክሮ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ዝሃቦ ትምህርቲ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ምትንሳእን ምውዳቕን ስግኣት ብምንቃል ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል ምስላ፡ “ተበግሶ ፖሓኤኸ ክዕወት ድዩ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይስማዕ እዩ። እዚ ስግኣት ካብቲ ዝሓለፍናዮ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝነቅል እምበር፡ ካብ መሬት ሓፊስካ ዝውረ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ፖሓኤ’ውን ኣብ ግምት ዘየእትዎ ኣይኮነን። እንተኾነ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። እቶም ተዋሳእቲ እውን ኣብቲ ዝቐደመ መስርሕ ዝነበሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ምስ ትማሊ ዘይኮነስ ምስ ሎሚ ዝስጉሙ ዘለዉ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ቃልሲ ብውረድ ደይብ ዝተመልአ ኣብ መወዳእታ ብብራኸ ዝድምደም እምበር ልሙጽ መንገዲ ከምዘይኮነ ምርድኡ የድሊ። እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ከኣ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ሓጐጽጐጽ ዘይኮነ፡ ካብቲ ውድቀት ዘይምምሃር እዩ።
ስለዚ ናይዚ ፖሓኤ ዝምስርቶ ጽላል ናይ ምዕዋት ውሕስነት፡ በቲ ትማሊ ዘይነበረ ሎሚ ዝምዕብል ዘሎ “ምእንቲ ሓቢርካ ምቅላስ ክቡር ዋጋ ክኸፍል እዩ” ዝብል ግንዛበ ዝተበገሰ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ኮታ ናይ ሎሚ ናይ ምዕዋት ተስፋና ካብ ናይ ትማሊ ፍሽለት ምምሃርና ዝነቅል እዩ። ብኣተሓሳስባ ኣብቲ ናይ ትማሊ እንተንህሉ ግና ናብዚ ዋዕላ ንምብጻሕ ፖሓኤ ዝያዳ ሰለስተ ዓመታት ኣይምተጸመመን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝፈላልየካ ንእሽቶ ተጉልሕ፡ ነቲ ዘሰማማዕካ ዝዓበየ ዝያዳ ኣጀንዳ ንምግባሩ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተስፋ ዝህብ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ናይ ትማሊ ኣብ ሕድሕድካ “ብማይ ቀጠነ” ምጽልላምን ምክሳስን ሎሚ ዘይምህላዉ ነቲ መንገዲ ምጽውዋርን ምክእኣልን ሒዝናዮ ንቃለስ ከም ዘለና ዘርኢ ስለ ዝኾነ፡ ክንዕቅቦ ዝግበኣና እዩ።
ናይቲ ኣብ ጽላል ፖሓኤ ዝጠራነፍ ዘሎ ሓይሊ ናይ ብዝሕን ዓይነትን ውሱንነት ዘሰክፎም ወገናት እውን ይስምዑ እዮም። እዚ እውን ዘየዛርብ ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እቲ ጽላል ሒዝዎ ይብገስ ናይ ዘሎ ኣተሓሳስባ ንጹርነትን ህልዊ ኤርትራዊ ባይታን ዳህሲሱ ዝብገስ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ዓቕሚ ምዃኑ ምርድኡ የድሊ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብመሰረቱ ጽላል ናይ ምፍጣር ምስጢር በበይኑ ክወፍር እንከሎ ዘየድምዕ ዝተበተነ ዓቕሚታት ናብ ሓደ ኣምጺእካ ከም ዘድምዕ ንምግባሩ ስለ ዝኾነ፡ ምምስራት ጽላል ካብ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ንምውጻእ ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት እቲ ቀዳማይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ።
ዘይሩ ዘይሩ፡ ናይዚ ብወግዒ ዝምስረት ጽላል ፖሓኤ ረብሓን ኣገዳስነትን ንኣባል ውድባቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናቱ ልሉይ ኣስተዋጸኦ ዘንብር እዩ። ኣገዳስነቱ ክሳብ ክንድዚ ኣብተን ዝምስርተኦ ዘለዋ ውድባት ጥራይ ዝድረት ካብ ዘይኮነ፡ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣባላት ናይቲ ጽላል ካብ ምዃን ጀሚሮም፡ ምስቲ ጽላል በብዝኽእልዎ ክተሓባበሩን ደገፎም በብዝጥዕሞም ኣገባባትን ክእለትን ከበርክቱን ፖሓኤ ኣብ ድሮ ዋዕላኡን ፈስቲቫሉን ይጽውዕ ኣሎ።
ኤርትራውያን ናይ ሓርነት ተቓለስቲ ኣብ ቅድሜና ዓበይ ዕማም እዩ ዘለና። ዕማምና ብሓፈሻ ክግለጽ እንከሎ፡ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጥን ኣብ ክንድኡ ምዕዋት ምዕዋት ዲሞክራሲ እዩ። እዚ መስርሕ ብዙሓት ምዕራፋት ዘለዉዎ፡ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት፡ ዝተፈላለዩ ገጻትን ብድሆታትን ዝሓቖፈ ከከም ግዝይኡን ኩነታቱትን ምትንሳእን ምውዳቕን ኣይፍለዮን። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝመጻእናዮ ጉዕዞ ናይ ቃልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘርኢ።
እዚ ዓብይ ዕማም፡ ናይ ብዙሓትን፡ ብብዙሓትን ዝስራሕ፣ ንብዙሓት ድማ ዘርብሕ እዩ ኢልናዮ ኣለና። ኣብዚ መስርሕ ናይ ብዙሓት ዓወት ንምምዝጋብ ድማ ዓቕምኻ ምውዳብ መሰረታዊ ቅድመ-ተደላይነት ዘልዎ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ምውዳብ ኣካል ናይቲ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ቃልስና ኮይኑ ዝምዝገብ። ኣወዳድባ ከከም ዕላማ፡ ቅሩብነትን ምርጫን ናይቶም ዝውደቡ ዝተፈላለየ መልከዓት ዝሕዝ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ካብቶም ልሙዳት ኣወዳድባታት ፖለቲካዊ ውድብን ሰልፍን ብቀዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። ብደረጃ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሲቪላዊ ማሕበራትን ምውዳብ እውን ኣብቲ መስርሕ ነናቶም ግደ ዘለዎም ምጥርናፋት እዮም። ምውዳብ ናይ ሓባር ከተዕውቶ ዝግበኣካ ዕላማ ስለ ዘለካ ዝግበር ታራ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ዘይኮነ፡ ከከም ጠባይ ናይቲ ውደባ ክመዝንዎ ዝግበኦም፣ መዐቀኒታትን ቅጥዕታትን ኣለዉ።
ኣብ ምውዳብን ምልዕዓልን መበገሲኻ ምንጻርን ኣማዕዲኻ እትርእዮ መዓርፎ ምእማትን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ብሓፈሻዊ መልክዕ እንተኾነ እውን ናይ ቀረባን ርሑቕን ራኢኻ ኣብ ግምት ዘእተወ እስትራተጅን ስልትን ምስኣል ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብወግዒ እተጽድቐሉን መጻኢኻ እትእውጀሉን ዕላውን ሕጋውን መድረኽ ምድኳን የድሊ። ንከምዚ ዝኣመሰል ዕማም ጉባአ ሓደ ካብቶም ልሙዳት መድረኻት እዩ። ኣብዚ መስርሕ ብፍላይ ፖለቲካዊ መልክዕ ውዳበ፡ ራኢኡ ዘንጸባርቐሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ኣካላት ናይቲ ውዳበ ጠርኒፉ ዘወሃህድ ቅዋም፡ ኣብ መስርሕ ምትግባር መደባት ዝወዳደሩ ዘይኮኑ፡ ዝመጋገቡን ሕድሕዶም ዝቆጻጸሩን ሓገግቲ፡ ፈጸምትን ፈረድትን ኣካላት፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝምረጽን ዝወርድን ነቲ ዕማም ዘተግብርን ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ከኣ፡ ዝሕተትን ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ንፖለቲካዊ ሕጋዊ ውድድር ድልዊ ምዃንን ዝኣመሰሉ ቅሩብነታት ዘሳሲ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ብዝሕን ብቕዓትን ኣባላት ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣድላይ ምዃኑ ኣየዘራርብን’ዩ። እቲ ወሳኒ መሰረታዊ መምዛኒ ግና፣ ናይቲ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝሕንጽጾም መድረኻዊ ፖሊሲታትን ኩለ-መዳያዊ ኤርትራዊ ምሉእነትን ንጹርነትን እዩ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ መደብ ዕዮ ወኒኖም ንሓላፍነት ዘይወዳደሩ፡ እቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት ካብቲ ዝምረሓሉ ብጉባአ ዘጽደቖ መስመር ከይወጸ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ከተርንዕ ዝሕግዙ፡ ህዝቢ በቲ ብስሙ ዝንቀሳቐስ ውዳበታት ንከይጥለም፣ ዘኽእሎ ዓቕምን ንቕሓትን ንክውንን ዘበራብሩ፡ ከምኡ እውን ኣብ ምዕቃብ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ክብርታትን ዝጽዕቱ፡ ምስ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዝተሃላልኹ ዘይኮኑ፡ ዝመላልኡን ሚዛን ንምሕላውን ዝቆጻጸሩን ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን እውን፣ ነብሱ ዝኻኣለ ግደ ዝጻወት ኣገዳሲ ውዳበ እዩ። ኣብ ኩሎም እዞም ውዳበታት እቲ ዋና ተዋሳኢ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ህዝቢ፣ ምስ መን ከም ዝውደብ ብናጽነት ንክውሰንን ይሕሸኒ እዩ ዝብሎ ንኽሓርን፣ እተን ፖለቲካዊ ይኹና ሲቪላዊ ውዳበታት ዕላመአን እንታይ ምዃኑ ብንጹርን ግሉጽነትን ክገልጻሉ መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ።
ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ትካል ብደረጃ ውዳበ ጸኒሕካ፡ ኩነታት መዚንካ ናብ ሲቪላዊ ማሕበር ምስጋር ምናልባሽ ዘጸገም ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ ጸኒሕካ ናብ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ሰልፊ ምድያብ እውን ዘይከኣል ኣይኮነን። እዚ ምስግጋራት ግና ብመጀመርታ ነቲ መሰረታዊ መስርሕ ኣውዳድባ ክኽተል ኣድላይ እዩ። ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ንከይደናገር እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ብግሉጽነት ከም ዝፍለጥ ምግባሩ፡ ነቲ ኣብቲ መስርሕ ዝዋሳእ ውድብ ድዩ ምንቅስቓስ ምስ ህዝቢ ዘላልዮ ኣገዳሲ ተግባር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ተግባራት ፖለቲካዊ ውደባን ዕማማት ሲቪላዊ ማሕበራትን እናደባለቕካ ምጉዓዝ፡ ነቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ኮነ ንህዝቢ ስለ ዘደናግር ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ክንግዘቦ ዘድሊ እዩ። እዚ ካብቲ ዝፈጥሮ ናይ ህዝቢ ምድንጋ ንላዕሊ፣ ኣብኡ ተሰግሲጎም ንምፍራሱ ዝሰርሑ ክጽፈዩ’ውን ዕድል ዝኸፍት እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ “ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደቤታት መነመን እየን?” ሲቪላዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ከ?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ፡ ብቐሊሉ መልሲ ምርካብ ከም ዘጸገም ፍሉጥ እዩ። ካብቲ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ናይቶም ኣካላት ኣበየናይ ደርጃ ውዳበ ከምዘለዉ ዘየነጽሩ ምዃኖም እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት ምውዳብ ናይ ምርጫ እምበር ናይ ፖለቲካዊ ብቕዓት መምዘኒ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም እቶም ኣባላት ውድባትን ሰልፍታትን ምዃን ዝመርጹ ዝያዳ ፖለቲካዊ ፍልጠትን ተመኩሮን ዘለዎም፡ እቶም ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝውደቡ ከኣ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ጌርካ ዝውሰድ ግጉይ ተረደኦ ኣሎ።
ከምቲ ቃልስና ምዕራፋት ኣለዉዎ ዝበልናዮ፡ ቀንዲ ቆላሕተና ኣብቲ ናይ ሎሚ ምትኳር ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዝሓለፍናዮ ምዝካርን ንጽባሕ እንሓስቦ ምእማት ድማ ኣድላይ እዩ። ናይ ሎምን ጽባሕን ዕማማት ተመጋገብቲ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ንሓደ ኣካል “ንኺድ” ክትብሎ እንከለኻ “ናበይ?” ምስ በለካ ሕቶኡ ብግቡእ ክትምልሰሉ ዘይስገር ግደታ እዩ። ኣብ ኣመላልሳ ናይቲ ሕቶ ቀይሕ መስመር ሰጊርካ፡ ኣብ ንህዝቢ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣቲኻ ኣብዘይህልውንኡን ተሳትፍኡን ከይትውስን ምጥንቃቕ የድሊ። ካልእ ናብ ናይ ጽባሕ ነቋመት ክበሃል እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ቀዳምነት ከየድማዕካ ነጢርካ ናብ ጽባሕ ጥራይ ምምዕዳው ማለት ኣይኮነን።፡ “ናይ ሎሚ ንግበር ናይ ጽባሕ ሽዑ ነርከበሉ” ካብ ዝብል ስምዒት “ንኺድ ጥራሕ” ካብ ምባል ክንጥንቀቕ ናይ ግድን እዩ። “እስኪ ከምዚ ንግበር” ክትብል እንከለኻ፡ “ጽባሕከ ናብይ ንምብጻሕ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን የድሊ። እዚ ጉዳይ ብፍላይ ኣብዚ ኣዝዩ ተሃዋስን ተመዝማዝን ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ምስ ከባቢናን ጐረባብትናን ኣብ እንሓስቦ ዝምድናታት ብግቡእ ከነቕልበሉ ካብ ዝግበኣና እዩ።
ኣሉታዊ ተግባራት ህግደፍ ካብ ምዝርዛር፡ “ዋላ ሓንቲ ጣቋ የብሉን” ኢልካዮ ምሕላፉ ከም ዝቐልል ርዱእ እዩ። ናይቲ ኢንታታቱ መንቀሊ ኣካይድኡ ህዝባውን ትካላውን ሰረት ዘየብሉ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝወስዶም ዘቤታዊ ስጉምትታት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታቱ’ውን ክረአ ዝጸነሐን ዘሎን እዩ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ብዛዕባ ቅዋምን ኣድላይነቱን ክሕተት እንከሎ፡ ዝህቦ መልሲ ኣብ ሕጫጨን ምንእኣስን ህዝብን መሰላቱን ዘድሃበ እዩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ 1997 ጸዲቑ ዝበሃል እሞ ኤርትራዊ ወገናት “ቅዋም ይተግበር” እናበሉ ዝጭርሕሉ ሰነድ ክሕተት እንከሎ ዝሃቦ ዘገርም፡ “እቲ ሰነድ ከይተተግበረ ሞይቱ እዩ” ዝብል ተስፋ ዘቑርጽ መልሲ፡ ካብቲ ብዙሕ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ብጽሒት ከም ዘየብሉ ኣምሲሉ ዝገለጸሉ ዘይሓላፍነታዊ ተረኽቦ እዩ። እዚ ኣበሃህላኡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ብደዐን ዘርኢ ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን ዝወጸ ቀይዲ በተኽ ምዃኑ የመልክት።
ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ቅዋማውነትን ዝብሉ ብቃልን ተግባርን ዝተሓረሙ ምዃኖም ተኸቲሉ፡ ብደረጃ እቲ ስማዊ መንግስቲ ይኹን ግንባር ጉባአ፡ ባይቶ’ ፈጻሚ፡ ፈራዲ፡ ……ወዘተ ዝብሉ ትካላውነት ዘመልክቱ ኣምራት ኣይስምዑን እዮም። እዚ ድማ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጭቆናን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተሓረማን ኮይና ከምዘላ የርኢ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ከኣ ነቲ “ኤርትራ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ምልኪ ሓደ ውልቀሰብ” ዝብል ዘስደምም መደምደምታ የመልክት። እቲ ዘገርም ግን፡ ገለ ካብቶም ዝተጠለዉ‘ውን ከይተረፉ ደድሕሪ’ቲ ዝጠለሞም ጉጅለ ዘዳኽሩ ምዃኖም እዩ።
“ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ተመኩሮ እገለ እትበሃል ሃገር ዝተራእየ ብዘይበሃል ኩሉ መሰላቱ እናተጋህሰ፡ ስለምንታይ ድምጹ ኣበሪኹ ዘይቃወምን ዘይሓትትን?” ዝብል ሕቶ ብቐጻሊ ዝለዓል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ እዩ። እቲ መብዛሕትኡ ዝሰማመዓሉ መልሲ፡ ኣብ ኤርትራ በቲ ጉጅለ ዝተፈጥረ ዘይምትእምማንን ሓያል ናይ ስለያ መርበባትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ዝቕየደሉ ህዝባዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ቅዋም ብዘይምህላዉ ከም ድላዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክዕንድር ዕድል ሂብዎ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ እቲ ጉጅል መንግስታዊ ተሓታትነት ኣብ ዘየብሉ ቀይዲ በቲኹ ንክዕንድር ዘተባብዖ ዘሎ።
እዚ ቀይዲ በተኻዊ ባህርያት ህግደፍ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ዝምድናታቱ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት’ውን ዝረአ እዩ። ህግደፍ ብፍላይ ኣብ መዳይ ቁጠባ ዝገብሮም ዝምድናታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ኣብ ግምት ዘየእትዉ፡ ኣብ ዙርያ ትካላት ቁጠባ ህግደፍ ጥራይ ዘኹድድ እዩ። ህግደፍ ዝገብሮም ስምምዓት ኣርሒቖም ዘይጥምቱ፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ኣብ ግምት ዘየእትዉ ኣብ “ዝመንጠልካ መንጢልካ ምዕዛር” ዝተመስረተ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ተራእዩ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ቁጠባዊ ስምምዓቱ ብትካላት ዘይኮነ፡ ብናይቲ ጉጅለ ገንዘብ ኣዋፈርቲ ባእታታት ዝተቓነየ ኮይኑ፡ ካብ ኮንትሮባንዳዊ ባህሪ ዘይተናገፈ እዩ። እዚ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ዝምድናታቱ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብተደጋጋሚ ዝተራእየ እዩ።
ዝምድና ብረብሓ ስለ ዝዕቀን ዝወርድን ዝድይብን ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። መብዛሕትኡ ናይ ህግደፍ ዝምድናታት ግና ምስቲ ዘይግሉጽ ኣካይድኡ ተጀሚሩ ከይተሰምዐ፡ ከም ዝተቛረጸ እዩ ዝውረ። እዚ ሓደ ካብ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብን“ ነቲ መን ሓታታይ ኣለኒ?” ዝብል ትምክሕቱ ዝንጸባረቐሉ እዩ። ዝምድናኡ ምስ ሱዳን እንተወስድና ንዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዶብ ክኸፍትሉ እንከለዉ ይፋቐሮም። ንግድና “ሕጋውን ትካላውን መልክዕ ነትሕዞ” ዝብል ሓሳብ ክቐርቦ እንከሎ ከኣ ዘሎን ዘየሎን ሕማቕ መልክዕ ኣትሒዙ፡ ንልኡላውነት ሃገር ዝጐድእ ተርእዮ ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ጽልእን ውግእን የዕርጎ። ብመንጽርዚ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ክሳብ ክንደይ በብግዜኡ ከም ዝዕጸውን ከም ዝኽፈትን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰወረ ኣይኮነን።
ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና “ህዝባውን ትካላውን ሰረት ስለ ዘይነበሮ“ ከኸትሎ ዝጸንሐ ሳዕቤናት ናይ ውግእን ጥፍኣትን ኣሉታዊ ተመኩሮ ኮይኑ ዝተመዝገበ እዩ። ህግደፍ ብናይ ኢትዮጵያ ብር ዝጥቀመሉ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሽኮር፡ ቡን፡ ሰሊጥን ወርወር ቀላሚጦስን ናብ ወጻኢ እንዳለኣኽ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝረኽበሉ ዝነበረ እዋን ነይሩ እዩ። ብዙሓት ወገናት እቲ ኣካይዳ ትካላዊ ኣሰራርሓን ህዝባዊ ግሉጽነትን ዝበኾረሉ ስለ ዝነበረ ውጽኢቱ ሕማቕ ከም ዝኸውን ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት ስምዕታኦም ገሊጾም’ዮም። እዚ ዘይውሕሉል ዝምድና፡ ካልእ እውን ተወሲኽዎ ናይ 1998-2000 ዓለም ዘሰክሐ ደማዊ ውግእ ኣኸቲሉ።
ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት “ኣይውግእ ኣይሰላም ሃዋህው” ብ2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሓደሰ ዕርክነት’ውን በቲ ናይ ቅድሚ ውግእ 1998-2000 ዝበረ ተመኩሮ ከይተማህረ እዩ ደጊምዎ። እዚ ድማ ህግደፍ ባህሪኡ ከይቅይር ዝተዓጥቀ ህልኸኛን ዓመጸኛን ጉጅለ ምንባሩን ምዃኑን ዘርኣየ ነይሩ። ኣብቲ ሓድሽ ዕርክነት ዝተራእየ ዳንኬራን ዕብድብድን ኢሳያስ ብዙሕ ግዜ ዝተዘርበሉ ስለ ዝኾነ ምድጋሙ ዘድሊ ኣይኮነን። እንተኾነ ኢሳያስ ከም ልማዱ ካብቲ ናይ ትግራይ ውግእ ዝመንጨተ መንጭቱ ክወጽእ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን። ነዚ ዘይዕግበቱ ድማ በቲ ተጠሊዑ “ኣብይን ምዕራባውያንን ኮሊፎምና” ዝበሎ ተኣሚንሉ እዩ።
ኣብ ውግእ ትግራይ እቲ ዝሓሰቦ ስለ ዘይኮነሉ፡ ነቲ ዝኾለፎ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንድሕሪት መሊሱ ካብ ምዕንቃፍ ኣይዓረፈን። ብቐጥታ ዘይኮነ ብኢድ ኣዙር ኣብ ጉዳይ ሶማልያን ሱዳንን ሒዝዎ ዘሎ መርገጽ’ውን ኣብ ውሽጡ ምፍዳይ ሕነ ዝሓቖፈ ስለዝኾነ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይተን ሃገራት ኢዱ ኣየውጸአን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፖርት ሱዳን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ምርኻብን፡ ርክብ መራሕቲ ሱዳንን ሕቡራት ኢመረት ዓረብን ብተለፎንን ተኸቲሉ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 30 መስከረም 2024 በረራኡ ካብን ናብን ኣስመራ-ኣዲስ ኣበባ ክቋረጽ ወሲኑ ኣሎ። ስለዚ እዚ “ስርሕ ፍንጥሕ” ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ጠጠው ምባሉ ኣካል’ቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ምዃኑ ንረደኣዮ።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ብዙሓት ኣተሓሳስባታት ከም ዘለዉ ርኡይ ሓቂ እዩ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፉ ንኡሳን ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ዘይፍለይዎ፡ እሞ ጐሊሑ ዝረአ ኣተሓሳስባታት እቲ ውጽዓን በደልን ስዒሩ፡ ጥልመት ህግደፍ ዓጺፉን ራህዋን ዲሞክራስን ከንግስ ምእንቲ ሓርነት ዝቃለስ ዘሎ ኣተሓሳስባ ሓደ እዩ። እቲ ተጻራሪኡ ድማ ኣርዑት ወጽዓ ኣትሪሩ፡ ህዝባዊ ሕድሪ ብምጥላም ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕ ትልኽ ዝብል ዘሎ ንህግደፍ ዝውክል ጨቋኒ ናይ ዓመጽ ኣተሓሳስባ እዩ። ኣብ ኣሰላልፋ ኣብ ክልቲኡ ኣተሓሳስባ ዘየለ እሞ ዝበዝሐ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ኣጽቂጡ ዝዕዘብ ኤርትራዊ ከም ዘሎ ኣይዝንጋዕን።
ዓላማ ህግደፍ ዕድመ ወጽዓ ምንዋሕ ካብ ኮነ፡ እቲ ኣንጻሩ ዝቃለስ ዘሎ ውዳበታትን ህዝብ ኤርትራን ከኣ ንሓንሳብ ናቱ ተበግሶ ብምውሳድ ንሓንሳብ ድማ ንኣዕናዊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተኸታቲሉ ብምቅላዕ ናይ ምክልኻል ስልቲ ዝኽተል ናይ መሰረታዊ ለውጢ ሓይሊ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣካይዳ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ መብዛሕትኡ ደድሕሪ ተበግሶን ኣጀንዳን ህግደፍ ዝኽተል ብምዃኑ ካብ ዝንቀፈሎምን ከእርሞም ዝግብኦን ድኹም ጐድለታት ሓደ እዩ። ኣብ ከምዚ ኣብ መንጎንና ህግደፍን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ግጥም ምክልኻል ኣድካሚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብናትካ መደባት ከይትጐዓዝ ስለ ዝገትእ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ እንተዘይኮይኑ ወትሩ ክትክተሎ እምብዛ ተመራጺ ኣይኮነን።
ህግደፍ በብግዜኡ ብኢደወነኑ ዝውስኖም፡ ከም ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ ዘይሕገመንግስታዊ ኣዋጃት ብመንጽርቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘውርድዎ ሃስያን ጉድኣትን ወትሩ ክቃልዑ ዝግበኦም እዮም። እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጻሊ ዘውርዶ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ቅትለት፡ ምስዋርን፡ ምግሃስ ኩሉ መሰረታዊ መሰላትን ኮታ ብኩራት ልዕልና ፍትሒ እውን፡ ደድሕሪ ኣጀንዳ ናይቲ ወጻዒ ንዘይምኻድ ተባሂሉ ስቕ ኢልካ ዘይስገሩ ደጋጊምካ ክቃልዑ ዝግበኦም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ፡ ሓሓሊፉ በብኩርናዑ ዝኸፍቶም ዘይሓላፍነታዊ እሞ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ኤርትራ ህልቂትን ዕንወትን ዘኸትሉ ውግኣት፡ ረብሓ ሃገርን ኣፍልጦ ህዝባን መእከል ዘይገበሩ ዲፕሎማሲያዊ ዕንደራታት እውን ኣለዉ። እዚኣቶምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ተግባራትን ስቕ ኢልካ እትዕዘቦም ዘይኮኑ፡ ግዜ፡ ኩነታትን ቦታን መሪጽካ ብመርተዖ ኣሰኒኻ ክቃልዑ ዝግበኦም እዮም።
ኩሉ ግዜ ግዳይ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ ምኻድ ንዘይምዃን እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ናትካ ተበግሶ ብምውሳድ ኣጀንዳኻ ሰሪዕካ ምቅላስ እዩ። ኣጀንዳ ክትመርጽ እንከለኻ ከኣ ንስለ ኣጀንዳ ምሓዝ ዘይኮነ፡ ንህግደፍ ዘሕምሞን ተገዲዱ ንምክልኻሉ ደድሕሪ ኣጀንዳኻ ክኸይድ ዝድርኾን ክኸውን ግድን’ዩ። እቲ ዝምረጽ ኣጀንዳ ጸላኢኻ ብዛዕብኡ ንክዛረብ እንተዘየገዲድዎ ነቲ ምርጫ ተመሊስካ ምጽንዑን ዳግመ ርኢቶ ምግባርን ናይ ግድን እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና ህግደፍ ካብቲ “ስቕ መሪጽና” ዝብሎ መሕብኢ በዓቲ ተጐቲቱ ክወጽእ ኣይክእልን እዩ።
ኣብ ርእሲ’ቲ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚረን ኣንጻር ህግደፍ ክወስደኦ ዝጸንሕ ናይ ምጥቃዕን ምክልኻልን ስጉምትታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተራእየ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ተበግሶ፡ ህግደፍ ስለ ዘይተጸበዮ ብስንባደ ክዛረበሉን ክከላኸሎን ከም ዝተገደደ ተዓዚብናዮ ኢና። እዚ ድማ፡ ህግደፍ ዝኽተሎ ዝነበረ ሓሶቱን ጸለመን ብዘየገድስ፡ ደድሕሪ ኣጀንዳ ተቓውሞ ዘብዘብ ክብል ካብ ዝተገደደሉ ተመኩሮታት ሓደ እዩ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ኣብዚ እቲ ህግደፍ ዝመረጾ ስልቲ ነቲ ተበግሶ ናብ ናቱ ምቕያር ከም ዝነበረ ተዓዚብናዮ። ነዚ ንምትግባር ብጻዕቂ ፈስቲቫላት ኣብ ምውዳብ ኣትዩ። ነቲ ማዕበላት ድማ ናብ ምክልኻል ኣንጻር ፈስቲቫላት ከእትዎን ምስ ኣኽበርቲ ጸጥታ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምትህልልኽን ምጉናጽን ከእትዎ ጽዒሩ። ነቲ ኣሰላልፋ ከኣ ናይ ኣፍራስን ሃናጽን መልክዕ ከትሕዞ ፈቲኑ። ናይቲ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝጽዋዕ ውዳበታት መንእሰይ ህግደፍ ምፍጣር ምስጢር እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን።
እቲ ናይ መንእሰያት ናይ ለውጢማዕበል፡ ነቲ ውጽኢት መዚኑ፡ ቀልጢፉ ብናቱ ተበግሶ ናይተን ሃገራት ሕጊ ብዘይጻረር ናብ ናይ ኣደባባይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ናይ ኣዳራሽ ኣኼባታትን ብምቅያር ንህግደፍ ናይ ምቅላዕ ተግባሩ ምስ ቀጸለ፡ ህግደፍ ብኣንጻሩ ብናይቲ ማዕበል ኣጀንዳ ተገዚኡ ናብ ምክልኻል ተመሊሱ ኣብ ኣደባባይ ዘይጐንነጻዊ ተቓውሞ ከስምዕን ምስ ከኣለ፡ ህግደፍ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ወዲቡ ናብቲ ህዝባዊ ማዕበል ኣእማን ክድርብን ስሕለት ብዝዓጠቑ መንእሰያት ቅትለት ከፈጽም ተራእዩ። “ናብ ተቓዋሚ ዝተቐየረ መንግስቲ” ዝተባህለሉ ህሞት ከኣ ተፈጢሩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ፈቐዶ ሃገር ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝለመዶ ዳንኬራታት ክገብር ከምዘይክእል ንናብ ዝተረደኣሉ ዝበጽሐ”ውን ይመስል።
ህግደፍ ካብ ደንበ ተቓውሞ ካብ ዝፈርሖም ብዙሓት ተበግሶታት ሓደ፡ ተቓወምቱ ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ፍልልያቶም ኣመሓዲሮም ኣብቲ ዘሰማምዖም ነጥብታት ኣትኪሎም፡ ንምውጋዱ ሓቢሮም ዝቃለስሉ ጽላል ወይ መድረኽ ከይፈጥሩ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት ምሕያል ደንበ ተቓውሞ ዘርኢ ክኸውን እንከሎ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ንቐጻልነቱ ኣብ ሓደጋ ካብ ዘውድቑዎ ሓደ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝኣምን። ካብዚ ስግኣትዚ ነቒሉ እዩ ድማ ገለ የወሃት እንዳስደዐ ደንበ ተቓውሞ ብሓባር ከምዘይቃለሶ ንምስንኻሉ ከይደቀሰ ዝሓደርን ብልሳኑ ዝዛረቡ መሰልቱ ዘረግቲ ዘዋፍርን ዘሎ። ስለዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ ካብ ምኻድ ከውጽእዎ ካብ ዝኽእሉ፡ “ክሳብ መዓስ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ?” ንዝብል ሕቶ መሊሱ፡ ህግድፍ ብዛዕባቲ ጽላል ንክዛረብ ዝድረኸሉ ኩነታት ክፈጥር ይግበኦ።
“ስለምንታይ ኢና ኣንጻር ህግደፍ እንቃለስ?” ዝብል ሕቶ፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ 90ታት ናይ ብዙሓት መዛራቢ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ናይቶም ህግደፍ ብዓንተብኡ እንተዘይተገቲኡ፡ ናብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ጭካነ ከም ዝበጽሕ ተረዲኦምን ስጊኦምን፡ ብንግሆኡ ዝተቃወሙ ቀንዲ ጸገም እውን፡ ናይዚ ሕቶዚ ሓቀኛ መልሲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ዘይምግባሩ እዩ። ነቲ ሓቀኛ ኣንጻር ህግደፍ ናይ ምቅላስ ምኽንያት ኣብ ምስራጽ ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ድማ፡ እቲ ዝበዝሐ ካብ ህዝብና ንህግደፍን ጠላም ባርያቱን ብግቡእ ካብዘይምርዳእ እምነት ስለ ዘንበረሉ ክነብር እንከሎ፡ ውሑዳት ግና ናይቲ ህግደፍ ዝመረጾ ጸረ-ህዝቢ መንገዲ ተጠቀምቲ ብምንባሮም እዩ።
እናወዓለ እናሓደረ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን ብሓያልን ቀጻልን ጐስጓስን ምንቕቓሕን ናይቶም ካብ ንግሆኡ ህግዳፍ ጠላም ምዃኑ ዝተረድኡ ተቓለስቲ ወገናት፡ በቲ ካልእ ድማ በቲ ህግደፍ ክሓብኦ እንተደለየ እውን ዘይከኣለ ኣብ ባይታ ዝተራእየ ከም ምርሻን ውጉኣት ማይሓባር ዝኣመሰለ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ፡ እቲ “ስለምንታይ ኣንጻር ህግደፍ እንቃለስ ኣለና?” ዝብል ሕቶ፡ ሎሚ፡ ብመላእ ህዝቢ ርዱእ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ ቅቡል፡ መሰረታዊ፡ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰል ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ-ዓለም እውን በሪሁ እዩ። በዚ መሰረት እያ ከኣ ዓለምና ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንምምሕዳር ህግደፍ ከም ሞዴል ናይ ዘመናዊ ጭቆናን ጸረ ህዝቢ ተግባራትን ኣብ ኣፍሪቃ ገይራ እተቕርቦ ዘላ። እቲ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ንህግደፍ፡ ትካላቱን ላዕለዎት ሓለፍቱን ብዝተፈላለዩ እገዳታትን መጠንቀቕታን ዘጨንቕዎም ዘለዉ ከኣ መርኣያ ምቅላዕ ተግባራቱ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዘርኢ እዩ።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን በደላት ዝርዝሩ ብዙሕ፡ ክብደት ጭቆናኡ ድማ፡ ኣዝዩ መሪርን ዓሚቕን እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ “ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ምባሉ ጥራይ እኹል ኣይኮነን” እንብል። ስለዚ ብፍላይ እቶም ካብቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ግዳይ ወጽዓን ጥልመትን ዝኸውን ዘሎ ህዝብና ርሒቕም ዝርከቡ ወገናት፡ ንኣብነት ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ፡ ህግደፍ ዘይሕገመንግስታዊ፡ ዘይብዙሕነታዊ፡ ዘይዲሞክራሲያዊ፡ ዘይሰብኣዊ፡ ዘይሰላማዊ፡ ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ምዃኑ ብኣብነትን ሓቀኛ ዝርዝራትን ኣሰኒኻ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ዝርዝር ጃምላዊ ቅትለት ምስዋርን ማእሰርትን፡ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርናን ብሰንኩ ዝፍጠር ቀጻሊ ስደትን ምክልባትን ካብቲ ወትሩ ክሰፍሩ ዝግበኦም ዝርዝር ገበናት ህግደፍ እዮም።
ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትናን ምልዕዓላዊ ወፍርናን ክሕዞ ካብ ዝግበኦ መልክዕ ከይወጻና፡ “መንዩ ብጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ብኣሉታ ዝጽሎ፡ መንዩኸ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ምስ ብምዕዋቱ ዝጥቀምን ብኣውንታ ዝጽለውን?” ኣለሊኻ ምምሕዛውን እንታይነት ናይቲ ናውራም ጉጅለ ምቅላዕን ኣድላይ እዩ። “ቅድሚ ኩሉ ናብቲ ምስ ጐረባብትና ክህልወና ዝግበኦ ዝምድና ነተኩር” እንብል እውን ካብዚ ክንገድፎ እንተደለና’ውን ዘይገድፈና ምጽልላው ብምንቃል እዩ። ኣብዚ መዳይዚ እቲ መዋጸኦ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ዘዚርካ ብምንጻሉ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ብማዕሪኡ ነተን እትዛመደን ሃገራት ዝህልዎ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ኣብ ግምት ዘእተወ ናትካ መተካእታ ኮይንካ ምቕራብ ዝድለየሉ ምንጽብራቕ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ግናይ ተግባራት ህግደፍ ክትዛረብ እንከለኻ፡ ብተዘዋዋሪ “መተካእታኻኸ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ናባኻ ከም ዝቐንዕ ምርዳእ ኣገዳሲ ብልሓት እዩ። መተካእታ ኮንካ ምቕራብ ካብቲ ህግደፍ ንምቅላዕ ዝግበር ጻዕሪ ንታሕቲ ዋጋ ከምየዘኽፍል ምዃኑ ምግንዛብ ድማ የገድስ። ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ’ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ በብኩርናዑ ናብ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ “ስለምንታይ ኢኹም ኩልኹም ኣንጻር ህግደፍ ክነስኹም በበይንኹም ትወፍሩ?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ ምስዚ ኣዛሚድካ ምርኣዩ የድሊ።
ኣንበሳደር ዶር ሃይለመንቄሮስ፡ ይኣክል ኣብ ዝጸውዖ ኣኼባ ሚላኖ፡ ኣብ ኣድላይነት ኣብ ናይ ሓቢርካ ጽላል ምቅላስ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምድልዳል ርክብ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ናይቲ ለውጢ ዋና ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ውሕሉልን ዕቱብን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምኽታልን ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ይግበኦ። ቃልስና ክሳብ ሎሚ ብመጽርቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ማዕረቲ ድሌትና ዘይምዃኑ ዘየተሓሳስበና ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ከተሓሳስበናን ከሻቕለናን ዝግበኦ ግና “በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕምን ዕድልን ክንድቲ ንኽእሎዶ ነበርክት የለና?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ምርካብ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰኣን ዓቕምን ክእለትን ዝተርፈካ ዓቕሚ ኣብ ዘጥረኻሉ እዋን ዝዕመም ስለ ዝኾነ። ዋላ ውሱን ይኹን ብዘለካ ዓቕሚ ዘይምጥቃም ግና ይቕረ ዘይግበረሉ ሕመቕ ስለ ዝኸውን።
ዳርጋ ኣብ ናትና ተመኩሮ ጥራይ ዝረአ ዘሎ ብዝመስል፡ እቲ ኣንጻሩ እንቃለሶ ዘለና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ እናሓደረ ከንቆልቁልን ጠቕሊሉ ካብ ትጽቢት ኤርትራዊ ወጻኢ ክኸውንን እንከሎ፡ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ብኣንጻርቲ ምንቁልቋሉ ዘይንብርኽ ምህላውና እዩ። ህግደፍ ዘቕረበ ምስምስ እንተቕረበ፡ ደጊም ኣቕጣጫ ጉዕዘኡ ንቁልቁል ዘመልክት ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግንዛበ እዩ። 33 ዓመታት ዝጨከነ ልቡ ሎሚ ንህዝቢ ክርህርህ ከኣ ዝይትጽበዮ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ወርሓት ሓምለ-ነሃሰ፡ ከተማታት ኤውሮጳ ብፈስቲቫላት ማሕበረኮማት ህግደፍ የዕለቕልቓ ከምዝነበራ ዝዝከር ኣዩ። ሎሚ ዘበን ግና ኤውሮጳ፡ ዋላኳ ክእረም ዝግበኦ ኣቀራርባ እንተነበሮ፡ ኣብ ዝሓለፋ ክልተዓ ዓመታት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስደት ዘርኣዮ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝካየደ ዝነበረ ቃልሲ ዝኾነ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ሓያል መኸተን ፡ መድረኽ ፈስቲቫላት ህግደፍ ጠቕሊለን ናብ ኣስመራ ክስሕባ ተቐሲበን ኣለዋ። እዚ ንህግደፍ ምልክት ምድካሙን ምንጻሉን እምበር መርኣያ ብርታዐኡ ኣይኮነን።
ስለዚ ብሓፈሻ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ፡ ብፍላይ ድማ ሰማያዊ ዝምልክቱ መንእሰይ ነዚ ካብቲ ጉጅለ ዝተመንዘዐ መድረኽ፡ ሓድነቱ ዓቂቡ፡ ዘይመሰረታዊ ጸቢብ ፍልልያት ኣወጊዱ፡ ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ናብ ምክእኣልን ምጽውዋርን ቀይሩ ናይተን ዝነብረለን ሃገራት ስርዓት ኣኽቢሩ ናብ ረብሓ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ምውዓሉ ኣብ ቅድሚ ኩልና ዘሎ ዕማም ምዃኑ ንገንዘብ።
ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራስን መሰልን ነካይዶ ዘለና ዝተናውሐ ቃልሲ፡ ብብዙሓት ብድሆታት ዝተኸበ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ካብቲ ብድሆታት ገሊኡ ውሽጣዊ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ከኣ ግዳማዊ እዩ። እቲ ከቢቡና ዘሎ ወድዓዊ ብደሆታት ተጽዕኖኡ’ኳ ቀሊል እንተዘይኮነ፡ እቲ ወሳኒ ግና እቲ በዓል ቤታዊ ብድሆ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
በብግዜኡ መልክዑ እናቐያየረ ኣብዚ ከባቢና ክፍጠር ዝጸንሐን ዘሎን ዞባውን ኣህጉራውን ፖለቲካውን እስትራተጅያውን ምግልባጣት መግለጺ ናይቲ ዘጋጥመና ዘሎ ወድዓዊ ተጽዕኖ እዩ። እዚ ግዳማዊ ምዕባለታት ብሕሳብ ናይቶም ወጠንቱን ዝቕየስ ስለ ዝኾነ፡ ንሓንሳብ ንረብሓ ደለይቲ ለውጢ ንሓንሳብ ድማ መሰወዲ ጉጅለ ህግደፍ ዝውዕል መሲሉ ከም ዝኽሰት እንዕዘቦ ዘለና እዩ። ንረብሓ ህግደፍ ምውዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ናይ ለውጢ ቃልስን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ዕቅፋታት ክፈጥር’ውን ጸኒሑ እዩ። እቲ ቅልጡፍ ተገላባጢ ማዕበል ናይዞም ሓይልታት ኣብ መጻኢ እውን ሓቢሩና ዝቕጽል እዩ። ኣብቲ ንረብሓና ዝዛዝወሉ ኣጋጣሚ ክንጥቀመሉ ዘይምኽኣልና ከኣ፡ ንበዓል ቤታዊ ድኽመትና ካብ ዘርእዩ እዩ።
ህግደፍ በብግዜኡ ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝውገዘሉን ብእገዳታት ዝስንብደሉ ኣጋጣምታት ክፍጠር ጸኒሑ እዩ። ብኣንጻሩ ናይታ ኣስታት 120 ሺሕ ኪሎ ሜተር ትርብዒት ስፍሓት መሬት፡ 55 ሺሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ማይ ምስ ልዕሊ 300 ደሴታትን ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኪሎሜተር ገማግም ባሕርን እትውንን ኤርትራ መዝሚዞም ንህግደፍ ከም ቀላሲ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከምስልዎ ዝደልዩ ላኣኽቲ ከም ዘለዉዎ’ውን ተገንዚብናዮ ኣለና። ከም ሩሲያን ቻይናን ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ሓድሽ ኣሰላልፋ ክፈጥሩ ዝጽዕቱ ዘለዉ ሓይልታት ምስ ህግደፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ምቅርራባት ኣብቲ ንሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዘለዎ ወድዓዊ ተጽዕኖ ቀሊል ከምዘይኮነ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ይረአ ኣሎ። በቲ ካብ ምቁጽጻርና ወጻኢ ብናይ ገዛእ ርእሱ መስርሕ ዝመጽእን ዝኸይድን ወድዓዊ ተጽዕኖ፡ ንሕና ኣብዚ እዋንዚ ብዘለና ደረጃ ኣተሃላልዋ ናብ ረብሓና ከነውዕሎ ዘይንኽእል፡ ዞባውን ኣህጉራውን ተጽዕኖ ዝውስኖ’ዩ።
በዓል ቤታዊ ጸገምና ወጊንና ንዝፍጠር ምዕባለ ናብ ናይ ገዛእ ርእስና ረብሓ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ናብ ካልእ ኣካል ኣላጊብና ንሃድመሉ ዘይኮነ፡ ብቃልሲ ክንውግኖ ይግበኣና። እዚ በዓል ቤታዊ ጸገምና ዝተፈላለዩ መልከዓት ሒዙ ዝቐርብን ምስ ኩነታት ዝለዋወጥን እዩ። ደረጃ ተጽዕኖታቱ ከኣ ከከም ክብደቱ ይፈላለ። እቲ “ክሳብ ሎሚ ዘይተዓወተ፡ ጽባሕ ኣይዕወትን ማለት ኣይኮነን” ንብሎ ዘለና ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ “ኣብቲ ዘሰማመዓና ኣትኪልና፡ ነቲ ዝፈላልየና ግዜን ዕድልን ሂብና ብሓባር ንቃለሰሉ ዘተኣማምን መድረኽ” ክንፈጥር ዘይምብቃዕና ንምዝኽኻር እዩ። ነዚ ቀዳምነት ሂብና ምጥቃስና፡ በዓል ቤታዊ ድኽመትና ዝንጸባረቐሉ፡ መሰረታዊ ሕጽረትና ዘርኢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንኹልና ዝምልከትን ናይ ኩሉ ጸገማት መንቀልን ስለ ዝኾነን እዩ።
ሎሚ እውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣንጻር ህግደፍ ተቓሊስና ንክንስዕር፡ “ዝተበተነ ዓቕምና ጠርኒፍና ሃገራዊ ሓይሊ ብምፍጣር ንቃለሰሉ ናይ ሓባር መድረኽ ይሃልወና” ዝብል ጭረሖ፡ ብራኸኡ ዓቂቡ ይቕጽል ኣሎ። ክሳብ ክንድዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቀዋሚ ጭርሖና ኮይኑ ምቕጻሉ ወሳንነቱ ዘይስገር ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ክንድቲ ወሳኒ ምዃኑ ድማ ብናይ ኩልና ሓላፍነታዊ ቃልሲ ዝረጋገጽ እምበር ሓደን ተቓላሲ እቲ ካልእ ከኣ ተዓዛቢ ኮይና እንስለፈሉ፡ ወይ’ውን ሓደ ለማኒ እቲ ካልእ ድማ ተለማኢ እንኾነሉ ኣይኮነን። እቲ “ናይ ሓቢርና ንቃለስ” ጻውዒት መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ተመሳሳሊ ኩይኑ፡ “ኣብኡ ንምብጻሕ ኣየናይ መንገዲ ንሓዝ?” ኣብ ዝብል ግና ፍልልያት ጸኒሑና እዩ ሎሚ’ውን ካብኡ ኣይወጻእናን። እቲ ዝሓየለ ቃልሲ ከኣ ነዚ ፍልልያት ኣቀራሪብካ ምትዕራቑ እዩ።
ኣብ በበይኑ መድረኻት እንሰምዖም ዘለና “ሓደ ዜግነት ተኮር ዝኾነ ሃገራዊ ሓይሊ ምፍጣር፡ ኣውራጃዊ ውክልና ዝመሰረቱ መንግስቲ ኣብ ስደት ምምስራት፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ናይ ሓባር ጽላል ምፍጣር…..ውዘተ” ካብቶም ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ንክምልሱ ብውዕዉዕ ዝስምዑ ዘለዉ ድምጽታት እዮም። እዚ እማመታት ማዕረ መዋጸኦ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ተቐራሪብካ ብምምይያጥን ምርድዳእን ግና ነቲ መዋጸኦ ምርካቡ ይከኣል እዩ።
ብዛዕባ ናይ ሓባር መቃለሲ መድርኽ ክንሓስብ እንከለና፡ “ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳሳ ዝተሰረተ ውደባ ሓይሊ እዩ፡ ብዙሕነት ከኣ መግለጺ ዲሞክራሲ እዩ” ዝብሉ ኣምርራት ከይንዝንግዕ ምጥንቃቕ የድልየና። ንኣብነት “ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ጥራይ ክህልወና ኣለዎ” ምባል፡ ኣንጻርቲ ንቃለሰሉ ዘለና ብዙሕነት፡ ኣብ ምልኪ ሓደ ውድብ ከውድቐና ከም ዝኽእል ምስትብሃል የድሊ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ብፍላይ ምስቲ ኣተሃላልዋ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ፡ ደቂ ሓንቲ ኣውራጃ ተራኺቦም ወከልቶም ናብ መንግስቲ ኣብ ስደት ይመርጹ ምባል፡ ኣብቲ ተክኒካዊ ኣተገባብራኡ’ውን ርኡይ ጸገም ከም ዘኸትል ፍሉጥ እዩ። ኣብ ልዕሊቲ ኣጸጋሚ ኣተሃላልወኦም፡ ደቂ ሓደ ኣውራጃ ስለ ዝኾኑ፡ ተመሳሳሊ ድልየትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ክህልዎም ከምዘይክእል ኣብ ግምት ምእታው’ውን የድሊ። ስለዚ ዘይሩዘይሩ እቲ ምርጫ ናይቲ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ መጽናዕቲ ዘትከለ፡ ብምክእኣል፡ ምጽውዋርን ሓላፍነትን ዝቕለስ ሓቢርካ እትስይሞ ጽላል ምፍጣር እዩ ዝኸውን። እዚ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት፡ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ዘይኮነ ኣብ ተመኩሮ ብዙሓት ዘድመዐ እዩ።
እዚ ናይ ውድባት ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት ከም መዋጸኦ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝወድቕ ዘሎ ቅድሚ ሕጂ ብደረጃ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶን ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ተፈቲኑ ዘይምዕዋቱ ዝፈጠሮ ስኽፍታ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እወ እቲ ጽላላት ክሳብ ሎሚ ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ጠንቂ ከኣ ናይተን ውዳበታት ወይ ብኣአተን ዝቖመ ጽላላት ጸገም ዘይኮነ፡ ናይቶም ነቲ ውድባት ኮነ ነቲ ጽላላት ከንቀሳቕስዎ ዝጸንሑ ኣካላት በዓል ቤታዊ ሕጽረታትን ከባብያዊ ተጽዕኖን ምዃኑ ኣብ ክንዲ ንሃድመሉ ተኣሚና ከነእርሞ ዝግበኣና እዩ።
ነቲ ክሳብ ሎሚ ከሳቕየና ዝጸንሐ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ጸገም ብቃልሲ ንክንስዕሮ እምበኣር፡ ነንገዛእ ርእስና ኮነ፡ ነቲ ብኣባልነት እንቃለሰሉ ውዳበታትና ንሓቢርካ ምቅላስ ከነዳልዎ ይግበኣና። ናይ ሓባር መንገዲ ቃልሲ መሪጽና ጉዕዞ ምስ ጀመርና፡ ዕንቅፋት ከጋጥመና እንከሎ፡ መንገዲ ምቕያር ዘይኮነ፡ ነቲ ዘጋጠመና ዕንቅፋት ጸሪግና እንቕጽለሉ ብልሓት ክንቅይስ ይግበኣና። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ምርጫ፡ “ክሳብ ሎሚ ዘይተዓወተ፡ ጽባሕ ኣይዕወትን ማለት ኣይኮነን” ኢልካ ንናይ ክሳብ ሎሚ ዕንቅፋታት ኣሊኻ ክትቅጽል ምብቃዕ’ዩ በሃልቲ ኢና።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ድሕሪ ናጽነት ብሓፈሻ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣሰሓሓብቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ሓደ: ጉዳይ ባንዴራ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ኤርትራ ነናተን ታሪኻዊ ኣመጻጸኣን ጽልዋን ዘልወን ክልተ ባንደራታታት ስለ ዘለዋ እዩ። በዚ መሰረት ሓደ ወገን ናይታ ነባር ሰማያዊት እቲ ካልእ ድማ ናይታ ሓዳስ 3ተ ዝሕብራ ልዕልና ንምርግጋጽ ብዝፍጠር ምውጣጥ እዩ እቲ ምስሕሓብ ከጋጥም ዝጸንሐ።
እታ ኣብ ማእከላ ብ34 ኣቑጽልቲ ኣውሊዕ ዝወቀበት ሰማያዊት ዝሕብራ ተጋዳሊት ባንደራ ኤርትራ ብመሰረት እቲ ናይ 1952 ሕገመንግስቲ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝረኸበት፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ማዕረማዕረ ባንደራ ኢትዮጵያ ዘምበልበለት እያ። እቲ ናይ ሽዑ ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተወኪሉ ዝተመርጸ 68 ወናብር ዝነበሮ ፓርላማ ኤርትራ፡ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ከም ምልክት ኤርትራ ንክቕበላ ቀሊል ኣይነበረን። ዝተፈላለዩ ምርጫታት ስለ ዝነበሩ ንዓኣ ተቐቢሉ ንከጽድቓ፡ ክንድቲ ትግርኛን ዓረብኛን ከም ናይ ስራሕ ቋንቋታት ንክቕበል ዝገበሮ ጻዕሪ ነዊሕ ምጽውዋርን ሓልዮትን ዘይተፈልዮ ክተዓት ኣካይዱ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላማ ኤርትራ ብዝጸፈዮም ኤርትራውያን ኣባላት ፓርላማ ኣቢሉ መስርሕ ምፍራስ ፈደረሽን ብግህዶ ምስ ጀመረ ሰማያዊት ባንደራ ብ3 ታሕሳስ 1958 ካብ ዝነበራ ክብሪ ብዓመጽ ወሪዳ ብባንደራ ኢትዮጵያ ድማ ተባሒታ።
ምውራድ ሰማያዊት ባንደራን ምፍራስ ፈደረሽንን ፖለቲካ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንክሰጋገር ካብ ዝደረኹ ተርእዮታት ነይሩ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1961 ምስ ተበሰረ፡ ወያ ኣብ ከተማታት ኣብ ትካላት መንግስቲ ተምበልብል ዝነበረት ውቅብቲ ሰማያዊት ባንደራ ናይ ጽንዓት ምልክትን ኣርማን ኮይና ናብ ሜዳ ተሰሊፋ። ንክብሪ እዚ ሓርበኝነታ ከኣ ኣብ ሜዳ ብዝነበሩ ወናማት ተጋደልቲ “እንቲ ሰማያዊት ኣብ በረኻዶ ሰፊርኪ ከም ኣራዊት” ተዘይሙላ። መግዛእቲ ስዒራ ብናጽነት ተሰንያ ናብ ክብራ ከም እትምለስ ንምምልከት ከኣ ብተቓለስቲ ስነ-ጥበባውያን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ “ሰማያዊት ምልክት ናይ ዕድል ግዜኺ መጺኡ ዘደላድል “ ተዘሚሩላ። ናጽነት ኤርትራ ከምዘይተርፍ ዝተኣማመና ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብ ዘዝረኸበኦ ኣጋጣምታት’ “ኣውሊዐይ ባንደራይ ስየ፡ ክሳብ ዝመጹለይ ኣሕዋተይ ክጽበ እየ” ኢለን ደሪፈናላ። ክሳብ ናጽነት ድማ ኣርማን ጽላልን ኮይና ቀጺላ። ናጽነት ክብሰር እንከሎ ከኣ ኤርትራዊ ካብቲ ብምስጢር ዓቂብዋ ዝጸንሐ እናውጸአ ክሳብ ብ1993 እትትካእ ኣምበልቢልዋ። እነሆ ሎሚ ድማ ቃልሳ ምእንቲ ሓርነት፡ ዲሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን ትቕጽል ኣላ።
ድሕሪ ረፈረንደም ኤርትራ ብ24 ጉንበት 1993 እዛ ብሰለስተ ስሉስ ኩርነዓት ዝቖመት ሰማያዊ፡ ቀይሕን ቀጠልያን ዝሕብራ፡ ኣብ ማእከላ ወርቃዊ ሕብሪ ቆጽሊ ኣውሊዕ ዘለዋ ባንደራ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰቒላ ወግዓዊት መለለይት ኤርትራ ናይ ምዃን ሕጋውነት ረኺባ። እዛ ዳሕረወይቲ ባንደራ ብውሳነ ሓደ ውድብ ምናልባት’ውን ብናይ ሓደ ውልቀሰብ፡ ብዘይ ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀጥታዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነት፡ ሕገመንግስታዊ መሰረት ዘየብላ እያ። እንተኾነ ብሳላ ናይ ታሪኽ ትዕድልታ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝተሰቕለት ኣህጉራዊ መለለይት ሃገረ ኤርትራ ክትከውን ግድን ኮይኑ።
ስለዚ ክልቲአን ባንደራታት እታ ቀዳመይቲ ብዘለዋ ታሪኻውን ሓርበኛውን ክብሪ፡ እታ ዳሕረወይቲ ከኣ ብዝረኸበቶ ተቐባልነት ኣድለይቲ ኮይነን ኣለዋ። ኣብ መንጎአን ዝነበረ ናይ ኣጠቓቕማ ፍልልይ ንምትዕራቕ ቀሊል ኣይነበረን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ክልቲአን ታሪኻዊ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ድሕረባይታ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓቢሮም ንሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ሓዳስ ኤርትራ ንክቃለሱ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ፍልልያት ንምዕራቕ ሓያል ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ። ክሳብ ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ውዳበታቱን ብናይ ሓባር ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎኦም “ናትና እዩ” ዝብልዎ ሕገመንግስቲ ወኒኖም ብኡ መሰረት ባንደራ ዝቐርጹ፡ ክልቲአን ባንደራታት ኣርማ ናይቲ ሰልፊ ክኾና ወሲኑ።
ሰዲህኤ ነዚ ብምውሳኑ ዘጋጠሞ ብድሆታት’ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግና እዚ ውሳነ’ዚ ዳርጋ ብኹሉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተቐባልነት ረኺቡ ዝትግበር ዘሎ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ሰማያዊ ሕብሪ ከም መለለይኡ ውሲዱ፡ ኣብ ቅዋሙ ኣብ ናይ መላለይ ዓንቀጽ 1.2 “መለለይ ሕብሪ ሰዲህኤ ሰማያዊ እዩ። ትርጉሙ ከኣ፡ ንሰላም፡ ህድኣት፡ ንልምዓትን ብልጽግናን፡ ንጸጋታት ባሕሪ ኤርትራን ንተስፋታት መንእሰይ ሃገር፡ ከምኡውን ንሕሉፍ ተመክሮ ቃልሲ ህዝቢ ይገልጽ” ዝብል ቀዋሚ ሕጡብ ኣስፊሩ’ሎ። ብዘይካዚ ካብ ጠቕላላ ጉባአታቱ ጀሚሩ ክሳብ ፈስቲቫላቱ፡ ብሰውራዊ ባይቶ ዝተጀመረ ብምቕጻል፡ ንሰማያዊ ሕብርን ቆጽሊ ኣውሊዕን ብደረጃ ማልያ፡ ቆቢዕን ካልእ ምልክታትን ብቐጻሊ ከም መለለይኡ የንጸባርቕ።
ሰማያዊት ባንደራ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ልቢ ተጋዳላይ ዝነበራ ቦታ ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ተጋዳላይ ክንቀሳቐስ እንከሎ ኣምሪሑዋ ይጐዓዝ። ዕድል ክረክብ እንከሎ ኣብ ቀዋሚ ቦታ እውን ምልክት ቃልሱ ገይሩ ሰቒልዋ። ኣብ ከም ጽንብል ምጅማር ሰውራ ኤርትራን ካልእ መድረኻትን ድማ ክቡር ቦታ ሂብዋ። ንምስቃላ ኩነታት ኣብ ዘይፈቅደሉ ከኣ ብኽብሪ ዓጺፉ ኣብ ሳንጥኡ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ዓቂብዋ ተንቀሳቕሱ። ከምዚ ሎሚ ባንደራ ኣዚዝካ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቐሊሉ ናይ ምርባሕ ተኽእሎ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብምስጢር ሰማያዊ ዓለባን ቀጠልያ ፈትልን ገዚኡ ብወሓላሉ ደቂ ኣንስትዮ ኣጥሊፉ ይሰርሓን ይሕብሕባን ነይሩ። ምስዚ ግና ገለ ወገናት ሕገመንግስታዊ ድሕረ-ባይታኣ ብምዝንጋዕ “ብሕቡራት መንግስታት ዝተተኹበትልና’ያ” ብዝብል ምስምስ ክብራ ከጉድሉ ክፍትኑ ይስምዑ እዮም። ካብዚ ሓሊፎም’ “ባንንደራ ጀብሃ” ብዝብል ከጽብብዋ ዝደናደኑ ኣይሰኣኑን።
ኣብዚ እዋንዚ ሰማያዊ ሕብሪ ናይዛ ባንደራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ናይ ክዳን ኮይና ሸነን ክትብል ንዕዘባ ኣለና። ማዕበል ብሪገድ ንሓመዱ ምስ ሰማያዊ ሕብሪ ምዕሳሉ፡ ኣሰር ኣያታቱን ታሪኽ ቃልሶምን ከም ዝሰዓበ ካብ ዘመልክቱ ሓደ እዩ። ጽልዋ ሰማያዊ ሕብሪ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ንገለወ ወገናት ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ዝመስሎምን ኣይኮነን። እቲ ናይ ብሪገድ ንሓመዱ ንሰማያዊት ባንደራ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ዝያዳ ንምፍላጣ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ነዊሕ ሓርበኛዊ ድሕረ-ባይታኣ ኣብ ሜዳን ከተማታትን ኤርትራ ዘንጊዕካ፡ ሎሚ ኣብ ኣደባባያት ዲያስፖራ ከም ዝጀመረ ኣምሲልካ ምውሳዱ፡ ነቲ ዝያዳ ክሰርጽን ክዓኩኽን ዝግበኦ መስርሕ ምትኽኻእ ከይሃሲዮ ብልቦና ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ።
ብዓብይኡ ክረአ እንከሎ ከኣ’፡ ሎሚ ኣድህቦናን ቃልስናን ኣብ ምውድዳርን ምትህልላኽን ብጉዳይ ባንዴራታት ዘይኮነ፡ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ክኸውን እዩ ዝግበኦ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ፡ እንታይ ንምርግጋጽ ምዃኑ፡ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ እዩ። ህግደፍ እውን ኮነ ኢሉ “ጸማም እዝኒ” ንምሃብ እንተዘይኮይኑ፡ ብህዝቢ እንታይ ክገብር ይሕተት ከም ዘሎ ኣዳዕዲዑ ዝርደኦ እዩ። ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምምላስ ካብ ዝጥቀሞም ብዙሓት ተንኮለኛ ሜላታት ንህዝቢ ቀዳምነቱ ዘረስዕ መህደሚ ኩነት ፈጢርካ ቅድሚት ምስራዕ እዩ። ብፍላይ ከኣ ናብ ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘነጻጸረ ዘሰንብድ ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲካ ምቕራብ ሓደ ካብቲ ሜላታቱ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓደጋ ፈጢርካ ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ውግእ ብምኽፋት ክሕንክሮ ዝጸንሐ “ደጊም ይኣክል” ክበሃል ዝግበኦ መምሃሪ ተመኩሮ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ቀዳምነት ሰሪዑ ካብ ዝቃለሰሎም ጠለባት፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ናይ ምርካብ መሰረታዊ መሰል ሓደ እዩ። በዚ ሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን ከምኡ እውን ኣድላይ ኣብ ዝበልካዮ መድረኽ ተወዲብካ ናይ ምቅዋም መሰል ጠልብ ኣለዎ። ኣብ ርእሲዚ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ዝረጋገጸሉ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዝዝርጋሕ ዲሞክራሲያዊ ምርጫታት ከካይድ ካብቲ ዝቃለሰሉ እዩ። ኢሳያስ ነዚ ጠለባት ህዝቢ፡ በቲ ምስ ጐደልኡ ክትግበር ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ከይተተግብረ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ምስ በሎ፡ ንተስፋታትን ትጽቢታትን ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣጸልሚትዎ እዩ።
ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣማምን ሰላም ተፈጢሩ ብመንፈስ “ንገድ ነጋዳይ፡ ሕረስ ሓረስታይ” በብዘለዎ ዓቕምን ጥሪትን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከውፍር ይብህግ። ህግደፍ ግና ዕላምኡ ጸረ ባህጊ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ከም መንግስቲ ኣብቲ ዜጋታት ክዓምዎ ዘይክእሉ ጥራይ ከውፍር ቅሩብ ኣይኮነን። ሓረስታይ ዋና መሬቱ ኮይኑ፡ ሓሪሱ ንገዛእ ርእሱ ተቐሊቡ ዝተረፈ እቶቱ ናብ ዕዳጋ ዘውርደሉ ኩነታት ክጣጣሑሉ ይጽበ ነይሩ። ብዘይካዚ ነቲ ኣብ ህልውና ሕብረተሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ምህናጽ መጽለሊ ኣባይቲ’ኳ ብኤርትራውነቱ ዕድል ዝኸፍተሉ ባብ ምርሓው ኣብ ግምት ክኣቱ ካብ ዘይተተግበሩ ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ ኩነታት ብፍላይ ኣብ መዳያት ትምህርትን ሕክምናን ህልውናን ቀጻልነትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ዝውስኑ እዮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ካብ ስድራቤቶም ከይረሓቑ ካብ ወተሃደራዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይኖም ትምህርቶም ዝቕጽልሉ ባይታ ክፍጠር ሓደ ካብ ዝተቓለሰሉ እዩ። ሕክምና ብቐጥታ ከም ህዝቢ ህልውና ዝውስን እዩ። ኣብዚ መዳይዚ መጀመርያ መንግስቲ ኩነታት ብምጥጣሕ ሓላፍነቱ ክፍጽም ህዝቢ ተጸብይዎ። ንሱ ኣብ ዘይዓመሞ ከኣ ዓቕሚ ብዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታት ንክምላእ መንግስቲ ኩነታት ከጣጥሕን ሓላፍነት ክወስደሉን ዝነበሮ ነይሩ።
ብግብሪ ኣብ ኤርትራ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱን ካለኦትን ጠለባት ህዝቢ ካብ መጀመርታኡ ዝበኾሩ እዮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ህግደፍ ይምልከተኒ እዩ ኢሉ ኣልዒልዎ’ውን ዘይፈልጥ ዛዕባ እዩ። እቲ ህግደፍ ኣብ በበይኑ መድረኻት ብሕገመንግስቲ፡ ብምርጫን ዲሞክራሲን ዝሕጭጮ ናይ ዘይምግዳሱ መርኣያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ብዓንተብኡ ዕላማኡ ዘይምንብሩ ዘርኢ እዩ። እቲ ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣብ ቁጠባ ምውፋርስ ይጽናሕ እሞ፡ ነባር ጋራጃት፡ ድኳናትን መሰል ናእሽቱ ትካላትን ንምዕጻው በብግዜኡ ዝወሰዶም ስጉምትታት ምዝካር ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ “ድኳናት ሕድርን 09ን” እሱር ንክኸውን ዝፍጽሞ በደላት ካልእ መርኣያ እዩ። ኣብያተ-ትምህርቲ ናብ ሳዋ ኢደን ሂበን ንክጭፍለቓን ስርዓተ-ትምህርቲ ብውትህድርና ክቃነን ንርእዮ ዘለና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብ ዓዱ መባእታዊ ሕክምናን መድሃኒትን ክረክብ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፓላ፡ ኢስታንቡልን ካልእ ከተማታትን ከርተት ዝብሎ ዘሎ፡ ህግደፍ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።
ህግደፍ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጨቋኒ ተግባሩ ንምሕባእ፡ ናብ ደገ ንምምዕዳው ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮኡ ምስ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነትን ብቐጥታ ውግእ ብምኽፋትን ዝዛመድ እዩ። ሎሚ ድማ ኣብ ርእሲቲ ከም ካልእ ገጽ ናይቲ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነቱ፡ ሜላ ቀይሩ ናብ ቁጠባዊ መዳህለሊ ሜላ ምምራጽ ዝኣተወ ይመስል። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ኢጣልያውያን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣውፈርትን ዝርአዮ ሕግብግብ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዞም ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ኣብ ምምዕባል ወደባትን ዝርጋሐ ትሕተ-ቅርጻን ከም ዘተኩሩ ከተንብሁ ሰሚዕናዮም ኢና።
ብዓብይኡ እዚ ኣብ ዓድኻ ኣልሚዕካ ንገዛእ ርሽኻን ህዝብኻን ናይ ምጥቃልም መሰል ጠቕሊሉ ዝኸሓደ ህግደፍ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ምውድኽዳኹ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተበላሸወ ምስሉ ናብ ምጽብባቕ እንተዘይ ኮይኑ፡ ቁጠባዊ ሕቶ ህዝብና ናብ ምምላስ ዘድሃበ ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ነዚ ዝጸውር ባህሪ ስለ ዘየብሉ። መንግስቲ ጣልያን ቅድሚ ሕጂ’ውን ነዚ ዝባሃል ዘሎ ፕሮጀክት ብ60 ሚልዮን ዶላር ንምትግባሩ ወጢኑስ፡ ብናይ ህግደፍ “እቲ ገንዘብ ሃቡና ባዕልና ክንሰርሖ ኢና” ብሃልነት ንድሕሪት ተመሊሱ እዩ።
ናይ ሎሚ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ንናይ ውጻኢ ኣውፈርቲ ጠለብ ክጸውር፡ ብሰንኪ ህግደፍ ዝደረኾ ግዱድ ውትህድርናን ጽዑቕ ስደትን ዕለታዊ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ማሕበራዊ ተርእዮ ዝዓምም ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘየብሉ፡ ቀረብ ጸዓትን መራኸብታትን ኣብ ዝተደረተሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ ሕጊ ወፍሪ ኣብ ዝበኾረሉን ቀጥዒ ዘየብሉ ጸጥታዊ ምቁጽጻርን ሸፈጥን ናይቲ ጉጅለ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጥ ናይ ግዳም ወፍሪ ክህሉ ዝግመት ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ብህዝቡ ዘይተኣምነ ጉጅለ ብናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክእመን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ምናልባት ከምቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ ሰንበል ኣሎ ዝበሃል “እንዳ ኮርያ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ምስ መሰረታዊ ድሌትን ዓቕምን ሓፋሽ ህዝቢ ዘይመጣጠን ህግደፍ ግና ዝፍክረሉን ንወጻእተኛታት እናካረየ ካዝናኡ ዘህጥረሉን ርሻናት ይህነጽ ይኸውን። እዚ እዩ ከኣ እቲ “ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ኣይኮኑን” ዘብል። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን በዚ ዘብለጭልጭን ንሃልኪ ዝቃላሕን ዜናታት ከይተደናገረ፡ በቲ መሰረታዊ ሕቶታቱ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምምላስ ሒዝዎ ዘሎ ቃልሱ ንክትቅጽል ጻዋዒትና እዩ።
ርእሰ ዓንቀጽ
ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ተጸሚድና ዘለና ኤርትራውያን ሃገርናን ህዝብናን ክኾንሉና እንደልዮም ብዙሕ ባህግታት ኣለዉና። ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝሰፈና፡ ህዝባ ዓው ኢሉ ዝዛረበላን እግሩ መሊኡ ዝረግጸላን ሃገር ክትኮነልና ንብህግ። ኤርትራ ብቕዋም እትመሓደር፡ ብህዝቢ ብዝተመርጹ ኣካላት እትምራሕ፡ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑላ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝተረጋገጸላን ህዝቢ ልዕሊ መንግስቲ ዝበረኸላን ክትኮነልና እውን እንቃለሰሉ ዘለና ዕላማ እዩ። ምስ ጐረባብታ ኣብ ናይ ሓባርን ምክራን ዝተሰረተ ዝምድና ክህልዋ ነማዕዱ። እዚ ስለ ዝበኾረ ኢና ከኣ ኢና ኣብ ቀጻሊ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዘለና።
እዚ ባህግታት’ዚ፡ ንውሱናት ደገፍትን መሳርሕን ህግደፍ ገዲፍካ፡ ናይ መላእ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ንምዕዋቱ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እውን ናይ መላእ ህዝቢ እምበር፡ ናይ ውልቃውያን እሞ ጽልኢ ዝወለዶ ኣይኮነን። እቶም ብዙሓት ሓቢርና ተቓሊስና ሓቢርና ክንዕወት እንብህግ ቅድም በብውልቅና ከነዕርዮ ዝግበኣና ኣካይዳን እነተኣታትዎ ሃናጺ ኣተሓሳስባን ኣሎና። ነናትና ከየዕረና ናይ ካለኦት ከነዕሪ ምጽዋዕ ኮነ ምጭራሕ ግና ኣየድምዕን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ካለኦት ክገብርዎ እንደልዮ ካባና ክጅምር ግድን ስለ ዝኾነ።
ኤርትራውያን ተቓልስቲ ናብ ሓርነት ንምብጻሕ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ዝገብሩና ድማ ኤርትራዊ ልኡላውነትና፡ ህግደፍ ክውገድ ዘለና እምነትን ንመጻኢ ራህዋ ህዝብና ዘለና ተስፋን ትጽቢትን ከኣ ካብቶም ብዙሓት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነናይ ገዛእ ርእስና፡ ሃይማኖትን ቋንቋን ወሲኽካ መለለይታትን ስምዒታት’ውን ኣለዉና። እዞም መለለይና ስምዒታት ደረት ሰጊሮም ልዕሊ እቶም ከም ኤርትራዊ ናይ ሓርነት ሓይሊ ሓደ ዝገብሩና ከይስርዑ እሞ መንገድና ከየስሕቱና ብግቡእ ከነመሓድሮም ይግበና። ካብቲ ክንዋሰኣሉ ዘለና ሰፊሕ ናይ ሓባር ዓውዲ ከየውጽኡና እሞ ዓቕምና ከይብተን ከኣ ምስትውዓል የድልየና።
እዞም ብግቡእ እንተዘይተመሓዲሮም፡ ሓድነትና ኣዳኺሞም ኣንጻር ወጽዓ ተኣማሚና ከይንወፍር ከዕንቅፉና ዝኽእሉ ስምዒታት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክፈታተኑና ዝጸንሑን ጋና ክሳብ ሎሚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘይሰዓርናዮምን እዮም። ጸላእትና እውን ከዳኽሙና ካብ ዝኽእልሉ መንገድታት ሓደ ሕድሕድና ዘሪጎም ዘይምትእምማን ምፍጣር ምዃኑ ብምእማን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክሰርሕሎም ፈቲኖም ግና ሳላ ጽንዓትና ኣይተዓወቱን።
እንተኾነ ሎሚ እውን ህግደፍ ንፍልልያትና መዝሚዙ ካብ ምስዋር ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀደም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ከይተረፈ ስዒርናዮም ኔርና ካብ እንብሎም ሓደ ዝኾነ ኣውራጃዊ ስምዒትን ምውጣጥን ኣብ ውሱን ኩርናዕ ኣጀንዳ ኮይኑ ከዛርብ ንዕዘቦ ኣለና። ሃይማኖት ብግዲኡ ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ኣጀንዳ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ከም ዝንነበረን ጋና ሎሚ’ውን ኣሰራቱ ውልዕ ጥፍእ ክብል እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እቲ ኩነታት ብፍላይ፡ ኣብቲ ብዕድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣተሓሳስባ በሊጹ ካብ ጸቢብ ስምዒታት ነጺሁ ሓቛፊ ስምዒት ብምፍጣር ሓቀኛ ተረካቢ ሕድሪ ሓርበኛታቱ ክኸውን እንጽበዮ መንእሰይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቢብ ስምዒታት ምንጽብራቑ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንስጉም ንድሕሪት ንምለስ ከም ዘለና ዘመልክት ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ዘሻቕልን ግዜን ዕድልን ክወሃቦ ዘይግባእን እዩ።
እዚ ንድሕሪት ከይመልሰና እሞ ሓድነትና ላሕሊሑ መፍቶ ህግደፍ ኣዕንገልቱን ከይንኸውን ዝፍትነና ዘሎ ስምዒት ብውልቀሰባት ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ ተባሂሉ እምብዛ ኣየሰክፈናን ይኸውን። እንተኾነ ብዓንተቦ ከካብ ውልቅና ጀሚርና ክሳብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ውዳበታት ተቐላጢፍና እንተዘይወጊናዮ ናብ ውዱብ ኣፍራሲ ደረጃ ዘይሰግረሉ ምኽንያት የለን። እዚ ጉዳይዚ ዘየሻቕሎ ናይ ለውጢ ኣካል ከም ዘየለ ከኣ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ብኽንድቲ ንሻቐሎ ደረጃዶ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ ካለኦት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍና እውን ከም ዘሎ ተረዲእና ንሓስበሉን ንንቀሳቐሰሉን ኣለና ዝብል ዘተሓሳስብ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ “ንገዛእ ርእስኻ ከይዓረኻ፡ ኣይተዕርን ኢኻ” እንብል ዘለና።
ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ናይ ሓባር መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ነዊሕ ግዜ ባህግና እዩ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ካብ ምንቅስቓስ እውን ዓዲ ኣይወዓልናን። ዘመዝገብናዮ ዓወት ግና ትሕቲ ባህግና እዩ። እቲ ብምሉእ ዓቕምና ከይንስጉም ዓንቂፉና ዘሎ ምኽንያት ካባና ወጻኢ ምስ ካለኦት ዝህሉ ጥራይ ኣይመስለናን። ስለዚ ነቲ ዕንቅፋት ንምጽራግ ኣብ ኢድና ብዘሎ ዓቕሚ ብዘይምጥቃምና ኢና ንፍተንን ንጽገምን ዘለና። ምስዚ ግና ንሕና እንተደኣ ዕድል ሂብናዮ፡ እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ እውን ከምዘይንቀራረብ ካብ ምግባርና ዓዲ ኣይውዕል እዩ። ዕምቆት ናይቲ ኣጻርና ዝፍሕሶ ተንኮላት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እንርዳእ ግና፡ ንሕና ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ክሳብ ላዕሊ፡ ብደረጃ ውልቂ ኮነ ብደረጃ ውዳበታትን ማሕበራትን ኩሉ ክንዓሞ ዝግበኣና ምስ ዓመምና እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ባዕልና ከነዕርዮ ዝግበና ከየዕረና፡ ኣጻብዕትና ናብ ህግደፍን ካልኦትን ምቕሳር ጥራይ ፍታሕ ዘምጸኣልና ኣይኮነን። ናይቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ቃልስና በቲ ንብህጎ ኣቕጣጫን ቅልጣፈን ዘይምስጓሙ፡ ጠንቅታቱ ብዙሓት ከም ዝኾኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ግብራዊ ምንቅስቓስና ማዕረቲ ንብህጎን ንጭርሖን ዘይምዃኑ ግና ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራ ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ንታሕቲ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ “ብሳላኹም ልኡላዊት ሃገር ወኒንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዓኻትኩም ይኹን፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ብህግደፍ ንዝተጠለመ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና”፡ ክንብሎም ግቡእ እዩ። ዝኽሪ ስዉኣት ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም መን ወሲንዎ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ባሕቲ ታሕሳስ መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብድብያ ተበዓት ተጋዳልቲ ተሓኤ ብምቕንጻሉ፡ “ሕነኡ ንምፍዳይ”፡ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ተቐቲሎም ዓዶምን ንብረቶምን ነዲዱ ዝሃለቑላ ዕለት ስለ ዝኾነት።
መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኩሉ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንከትከውን፡ ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ብሕገ መንግስቲ ዝተደገፈት ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን በሓቲ ኣካይዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ካልእ መድረኽ እሂንምሂን ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ’ውን ብወግዒ ዝመጸት ኣይነበረትን።
20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና ምዝካራ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሜዳ ናብ ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ እውን ኣዝዩ ውሑድን ሓደ ሸነኻውን ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ዝህቡ ኣካላት ዝሰማምዕሉ ኣይኮነን።
መዓልቲ ሰማእታት እቲ ቀንዲ ዕላማኣ “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተጠልመ ሕብሮም ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ቃል ዝእተወላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ባዕሉ ዝወሰና ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ በኹሪ መግለጺኡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ኢሉ ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሓርነት ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ቃሎም ከይጥለም ሓደራ ዝበልዎን ዝተነጽገሉ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 33 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ብኣዝዩ ዕዙዝ ኣበርክቶኡን ናጻ ዝኾነት ሃገሩ፡ የዋጽኣኒ ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን እግሩ መሊኡ ምርጋጽ ሓሪምዎን ብሹቕርርታ ይነብር ኣሎ።
ህግደፍ ሕድሮም ጠሊሙ ከብቅዕ፡ ብናቶም ክብሪ ንክሽቕጥ ዘይፍንቅሎ እምኒ የብሉን። ሰማእታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዝፈልጥ ብስሞም፡ ሃብቲ ንምኽዕትን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ካብቲ ዝጥቀሞ ሜላታት ሓደ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ፡ ኣብ ክንዲ ንናይ ህግደፍ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ስዉእት ምቅላዕ፡ ብተመሳሳሊ ቃና፡ ክብሪ መስዋእትነትን ሰማእታትን ዘናእሱ ወገናት ይቀላቐሉ ምህላዎም ካልእ ገጽ ናይቲ ጥልመት እዩ።
እቶም ቀንዲ ተረከብቲ ሕድሪ ሰማእታት፡ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ካብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ቅሩብ ዘይኮነ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ዝብል ጭረሖ ብምቅላሕ ጥራይ፡ ሕድሪ ሰማእታት ኣይክበርን’ዩ። ወለድን ስድራቤትን ፍቕሪ ሰማእታቶም ዝገልጽሉ ኣገባብ፡ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ኣሳእሎም እናረኣኻ ብምንባዕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣደባባያት “ክብርን መጐስን፡ ነቶም ሕድሮም ዝተጠልመ ስዉኣት” ብዝብል ንህግደፍ ዘርዕድ ስሙር መቓልሕ ክኸውን ይግበኦ።
ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ዘቕስኖም ብምስራሕ እዮም ዝቐሱ።
እቲ ንብጾቱ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ዝተረከበ፡ “ናይ ናጽነት ሓርበኛን ደሓር ዝተሰለፈን”፡ ናይ ሎሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪን መሰል ንጹሃት ዝግህስን” እናተባህለ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ ጠንቂ ድማ ሕድሪ ብጾቱ ምጥላሙ ምዃኡ ክርዳእ ይግበኦ። ጥልመት ህግደፍ ቀጻሊ ስለዝኾነ ጽባሕ ናብ ርእሱ ከምዝምለስ ዘዳዲ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ቅድም ናይ ገዛእ ርእሱ፡ ደሓር ከኣ ሕድሪ ሰማእታቱ ኣኽቢሩ ኣብ ጐኒ ህዝቡ ክስለፍ፡ ሎሚ’ውን ንጽወዖ ኣለና።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
20 ሰነ 2024