ንህግደፍ ኣበይ ኮይንና ንቃለሶ?

2024-06-12 23:05:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 557 times

ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ክንምልሶም ካብ ዝግበኣና ሕቶታት፡ “መን እዩ ጸላኢና፡ መንቀልን መዓርፎን ቃልስና ኣበይ እዩ፡ ምስ መንከ ንመሓዞ፡  ብዓብይኡ ድማ መቃሲ ባይታና ኣበይ እዩ?  ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብዚ ሎሚ ንሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ እዞም ሕቶታት ምሉሳት እዮም። ኣብቲ ንነፍሲ ወከፎም ዝወሃብ መልሲ ግና ፍልልያት ከም ከም ዘሎ  እንርደኦ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታ እንስለፍ እውን ካብዚ ፍልልያት ስለ እንነቅል ኢና።

ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ካብዞም ሕቶታት ዝያዳ ጐሊሖም ወጺኦም እዋናዊ መዛረቢ ኣጀንዳ ዝኾንሉ ግዜ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ሃገርና ኮይንና ክንቃወም ስለ ዘይንኽእል፡  ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም በበቲ ዝጥዕመና ንቃለስ ኣብ ዘለናሉ፡ “ጉዕዞ ብርጌድ ንሓመዱ ናብ ኢትዮጵያ” እዋናዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ብዛዕባዚ መገሻ ብሪጌድ ንሓመዱ ነናቶም ርኢቶ ይህቡ ኣለዉ። ዳርጋ ኩሉ ርኢቶታት ካብ ሓልዮትን ድሌትን ምሕያል ናይቲ ቃልሲ ዝብገስ ምዃኑ ከኣ እቲ ተገዳስነት ዘተባብዕ እዩ። ብሪጌድ ንሓመዱ ከኣ ነቲ “ኣብ ክንዲ ከምቲ፡ ከምዚ እንትዝገብሩ” ዝብል ምዕዶ ክልገሰሉ እንከሎ፡ ብቕንዕና መሚኻ ነቲ ሃናጺ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

መቃለሲ ቦታ ክትመርጽ እንከለኻ፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም መምዘንታት ኣለዉ። ነቲ እትመርጾ መቃለሲ ቦታ ዝመርሕ መንግስቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ጽንዓትን፡ ኣብታ እትቃለሰላ ዘለኻ መጻኢት ኤርትራ  ዘለዎ ኣጠማምታን ፖለቲካዊ ሕሳብን፡ ምስቲ እትቃለሶ ዘልኻ ስርዓት ዘለዎ ዝምድናን ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብታ ሃገርን ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ካብዚ ሓሊፉ “ናይቲ ትቃለሶ ዘለኻ ወጻዒ ሓይሊ ጸላኢ ምዃኑን ናብ ኤርትራ ዘለዎ ጂኦግራፊያዊ ቅርበትን” ጥራይ መቃለሲ ባይታ ወይ መሓዛ ክኾነካ እኹል መምረጺ ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ንኢትዮጵያ ማዕረ ምስተን እንቃለሰለን ዘለና ካለኦት ሃገራት ምርኣይ የጸገም። ምኽንያቱ መንግስታት ኢትዮጵያ ብደረጃታት ደኣ ይፈላለዩ እምበር፡ ክሳብ ሎሚ “ምስ ኤርትራ ዘይተወደአ ፖለቲካዊ ምጽብጻብ ኣለና” ካብ ዝብል ሕልሚ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይወጹ። ካብዚ ነቒሎም ንናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ካብ መሰረታዊ ረብሓን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ካብ ናቶም ድሌትን ጠቕመን ካብ ምጥማት ዓዲ ከምዘይውዕሉ በብግዜኡ ዝረኣዩን ዝስምዑን ምልክታት ኣለዉ።

እቲ ንመርጾ ዘለና ቦታ ቅድሚ ሕጂ ምስ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝምድና ኣለዎዶ የብሉን ምድህሳስ ካልእ ኣገዳሲ ዛዕባ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ውጽኢቱ ኣሉታዊ ድዩ ኣውንታዊ ብዘየገድስ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተመኩሮ ኣሎ። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 20 ዓመታት  ትካላት ዘርጊሑ፡ ናይ ውድባት  ጉባአታትን ሓፈሻዊ ዋዕላታትን ዘካየደሉ ስለ ዝኾነ እትመሃረሉ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ዘይምዕዋቱ ከም ዝዛይድ ግና ፍሉጥ እዩ። ውጽኢቱ ከምኡ ከም ዝኸውን ካብ ዝገበርዎ ጠንቅታት ቅድሚ ንምቅላስ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው  ብሱል ኩለ-መዳያዊ  ዳህሳስ ዘይምግባር ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ካብ ዝኣትዉ ምኽንያታት ሓደ እዩ።

እቲ ከምዚ ናይ ብሪጌድ ንሓመዱ ኮነ ናይ ካለኦት ውዳበታት ሎሚ ንኢትዮጵያ ከም መቃለሲ ባይታ ምምራጽ፡ ነቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ መዚኖም ካብኡ ንሎሚ እውን ይጠቅም’ዩ ዝበልዎ ክወስዱ፡ ኣየድልን ንዝበልዎ ድማ መምዮም ከትርፉ ምኽኣል ውሕሉል ኣተሓሕዛ ቃልሲ እዩ። ነዚ ኣገባብ ዘይምኽታል ግና ንተመኩሮ ናይ ትማሊ  እናዘንጋዕካ ካብ ሎሚ ጥራይ ምጅማር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ፖሊሲ ዋሕዚ ምምልላእን ምትኽኻእን ዝጐደሎ ዝተቖራረጸን ዘይዕወትን ጉዕዞ እዩ ዝኸውን።

ንኢትዮጵያ ከም መቃለሲ ቦታ ምምራጽ  ምስ ኤርትራ ብዘለዋ ቅርበት ከም ካልእ ተራ ሃገር ዝረአ ኣይኮነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ዘለዎ ኣረኣእያ እውን ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኣይኮነን። ግን ድማ ምስኡ ክጻላእ እንከሎ ዘቕርበካ ክፋቐር እንከሎ ከኣ ዘርሕቐካ፡ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘይዓጦ ከይከውን ምስትብሃሉ የድሊ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ምቅርራብን ምርሕሓቕን ሓላፍነታውን ውሕሉልን ክኸውን ኣለዎ እምበር፡ ረብሓኻ ቅድሚ ረብሓኡ ክስርዓልካ ምጽባይ ማለት ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቅድሚ 2018 ዝነበረቶን ሎሚ ዘላትሉን፡ ብመንጽር ዘቤታዊ ጉዳይካ ወጊንካ፡ ምስ ከም ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ዝኣመሰሉ ኣካላት ናይ ምትሕብባር ዓቕማን ቅሩብነታን፡ ቅድሚ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክጽናዕ ዝግበኦ እዩ። ምኽንያቱ ንገዛእ ርእሱ ኣደልዲሉ ዘይረገጸ መንግስቲ ናይ ካልእ ዋኒን ክጸውር ዘለዎ ትኽእሎ ጸቢብ እዩ።  ኩሉ ገዲፍካ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ መንጎቲ ብሰፊሕ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ክልል ትግራይን ዘሎ ፖለቲካዊ ዝምድናን ኣሰላልፋን ኣብ ምምራጽ መቃለሲ ቦታ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ብክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ተቐባልነት ዘየብሉ ዝምድና ምፍጣር ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ርኡይ እዩ። ስለዚ መቃለሲ እንመርጾ ቦታ ተቓሊስና እንዕወተሉን ቀጻልነት ዘለዎን እምበር፡ ንህግደፍ ንግዜኡ እተሰንብደሉ ጥራይ ክኸውን ኣይግባእን።

እቲ ካልእ “ኣነኸ መቃለሲ ቦታን ዝዛመዶ ሓይልን ክመርጽ እነከለኹ ክሳብ ክንደይ እየ ዘቤታዊ ዕዮኡ ዝወገነ ተበሃጋይ ሓይሊ ዝኸውን?” ዝብል ሕቶ ክትምልስ ናይ ግድን እዩ። ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብዚ መዳይዚ ዘይወገኖም በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ከም ዘለዉዎ ርኡይ እዩ። ከምቲ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ ክግምግም ይግበኦ ዝበልናዮ፡ ሓድሽ መቃለሲ ቦታ ንምስፋሕ፡ ናቱ ናይ 2ተ ዓመታት ተመኩሮ ምምዛን እውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዘይገሸ ኣካል መሪሕነት ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብቲ መጀመርያ፡ “ነቲ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ኣይፈልጦን እየ” ኢልዎ ነይሩ። ደሓር ግና “ተረዳዲእናሉ ኣለና” ኢሉ። እዚ ውጽኢት ጉድላት ብቑዕ ቅድመ-ምድላው ዘይምግባር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስለዚ ብሪጌድ ንሓመዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ሓይሊ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ንከድምዕ ክምልሶም ካብ ዝግበኦ ሕቶታት “ንህግደፍ ኣበይ ኮይንና ንቃለሶ? ዝብል መሰረታዊ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ንብል።