ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን- ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ

_________________________________________________________

መቕድም                 

ንሕና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስ-ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባን፡ ሕብረተሰብን፡ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታን ዝመጻና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ እንነብር ህዝቢ ኩልና- ኣብ ምክልኻል ናጽነት ሃገርናን፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ልኡላዊ መሰላትን ብሓደ ደው ኢልና ኣለና።

እዚ  መግለጺ‘ዚ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምርግጋጽን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነትን ሓርነትን መሰሉ ክዉን ንምግባር ዝውሰድ ዘሎ-ሕጋዊ መርገጽን፣ ታሪኻዊ ናይ ሓድነት ጻውዒትን፣ መጻኢ ዕጫ ኤርትራ ዝውሰን ከኣ ብህዝባ ጥራይ ምዃኑ ንምእዋጅን እዩ።

ጎስጓስና ንፍሉይ መንግስቲ፡ ውድብ፡ ወይ መራሒ ንምክልኻል ተባሂሉ ዘይኮነስ፡ ንባዕላ ንሃገረ ኤርትራ - መሬታን፡ ባሕራን፡ ህዝባን፡ ከምኡ’ውን ከም ሃገር ነጻን ሓራን ኮይና ናይ ምንባር መሰላ ንምሕላው እዩ።

Untitled 1

ፖለቲካዊ ካርታ ኤርትራ፡- እቲ ካርታ ኤርትራን ከባቢኣን ምስ ኣህጉራዊ ዶባት፡ ሃገራዊ ርእሰ ከተማ፡ ኣስመራ፡ ምምሕዳራዊ ርእሰ ከተማታት፡ ዓበይቲ ከተማታት፡ ዓበይቲ መስመራት ኣየርን ባቡርን፡ ከምኡ’ውን ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ የርኢ።

ድሉውነትና ድማ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ነረጋግጽ፤

  • ምሉእ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕግን ብድሌት ህዝባን ዝተረጋገጸ ምዃኑ፡
  • ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንልዑላውነትና ዝበቅዕ ፍትሕን ናጽነትን ሓላፍነታዊ ምሕደራን ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክመጽእ።
  • ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ኩለን ሃገራትን ዝግበር ዝምድናታት፣ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመስረተ ሰናይ ጉርብትና ክኽውን፡

መርገጺና

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መሬት ኤርትራን ባሕራን ንምውራርን- ንወደብ ዓሰብ ከኣ ብሓይሊ ናይ ምሓዝን ዘስዓቦ ስግኣት ሓዊሱ - ቀጥታዊ ምጥሓስ ናይ፤

  • ኣህጉራዊ ሕጊ
  • ውጽኢት ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቆጻጸሮ ረፈረንደም 1993
  • ብዓውዲ ኣፍሪቃ፡ እቶም ኣብ እዋን ናጽነት ዝተወርሱ ዶባት፡ ብመሰረት መትከል ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ መግዛእቲ ዘመን ዶባት ይኽበሩ፡ "ከምቲ ብሕጊ እትውንኖ።" (Uti Possidetis Juris)-ዝብል መትከልን እዩ።

ታሪኽ፡ ጂኦግራፍያዊ ቅርበት፡ ወይ ፖለቲካዊ ምቹእነት ብዝብል ምስምስ፡ ናጽነት ኤርትራ ንምድኻም ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ንነጽጎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ውግንነቱ ብዘየገድስ፡ ንዝኾነ ይኹን ምጥቃዕ ይኹን ጎበጣ ንምምካት ብሓድነት ደው ክብል እዩ።

ጻውዒትና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፤

1. ግዝኣት ኤርትራ ወይ ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ ንምሓዝ ይኹን ምውናን፡ ብወደብ ዓሰብ ይኹን  ወይ ብኻልእ ወደብ ትገብሮ ጠለባት ደው ከተብል።

2. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩሉ ተጻባኢ ተግባራትን መደረታትን  ከተቋርጽ።

3. እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ናይ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣፍልጦ ዝሃቦ ውጽኢት ናይ 1993 ረፈረንደምን፡ ልዑላውነትን ኤርትራ ከተኽብር።

4. ንመጻኢ ጠንቂ ናይ ዝኾነ ግርጭት መታን ከይከውን፡ እቲ ብኮሚሽን ጉዳይ ዶብ ሓንሳብን ንሓዋሩን መፍትሒ ክረክብ ዝተበየነ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳኔ ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ብህጹጽን ከተተግብር።

5. ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትና ዘሎ ፍልልያት ንምፍታሕ እቲ እንኮ ኣማራጺ ሰላማዊ ዘተ ምክያድ ምዃኑ ቃል ክትኣቱን፡ እዩ።

ጻውዒትና ንመንግስቲ ኤርትራ

ልኡላውነት ኤርትራ ብዝበለጸ ዝዕቀብ ብሓድነትን ድሌትን ህዝቢ እምበር- ብሕቡእ ውዕላትን፡ ብተጋራጫዊ መልእኽትታት፡ ወይ እውን ብሓደ ሸነኻዊ ወተሃደራዊ ፍልመተበግሶን ከምዘይኮነ ንመንግስቲ ኤርትራ ነዘኻኽር።

በዚ መሰረት መንግስቲ ኤርትራ፤

1. ንኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ወይ ናይ ባሕሪ ጠለባታ ዝድግፍ ወይ ምውናን ዘኽእል ተባሂሉ ክትርጎም ዝኽእል ኩሉ ፖለቲካዊ ምልክታት ወይ ምቅርራብ ደው ከብል፥

2. ምሉእ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብግልጽን ብዘየጠራጥር መንገድን ደጊምካ ምርግጋጽ።  ንዝኾነ ባዕዳዊ ጠለብ ናይ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ናይ ምውናን ባህግታት ምንጻግ።

3. ምሕንጻጽ ዶብ ብዝምልከት ተጋራጫዊ መግለጺታት ካብ ምውጻእ ምቑጣብ-ሓንሳብ ከም ቁምነገር ዘይብሉ ጌርካ ምውጋድ፡ ካልእ ግዜ ድማ ከም መመኽነይታ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ። መርገጺ መንግስቲ ስሩዕን፡ ግሉጽን፡ ምስ ዘላቒ ሃገራዊ ረብሓና ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ።

4. "ከይቀደሙና ንቐድሞም" ብዝብል ምስምስ ምትኹታኽ ዝፈጥር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውጋድ። መርገጽ ህዝቢ ኤርትራ ተኻላኻልን፡ ሕጋውን፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝቕየድን እዩ።

5. ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ምእታው ይኹን፣ ኣብ ዕጥቃዊ ወተሃደራዊ ግጭታቶም ካብ ምስታፍ ምቑጣብ።

6. ኣብ ኩሉ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ምስ ህዝቢ ብግልጺ ምውሳእ። ዝውሰዱ ውሳነታት ናይ ውሑዳት ሕሳባት ዘማልኡ ዘይኮነስ ድሌት ህዝቢ ዘንጸባርቑ ምዃኖም ምርግጋጽ።

7. ምዕፋን ፖለቲካዊ መሰላት ኤርትራ ደው ክብል፡ ምክልኻል ዶባትና፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጻውዒታት ንምዕፋን ከም መመኽነይታ ክውዕል የብሉን።

ጻውዒትና ናብ ህዝቢ ኤርትራ

ንኩሎም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን፡-

1. ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ ኣብ ምክልኻል ናጽነትና ብሓድነት ደው ንበል።

2. ኣብ እዋን ግዳማዊ ስግኣታት፡ ሃገራዊ መርገጽና ዘዳኽም ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ምፍልላያት ምንጻግ።

3. ልኡላውነትናን መሰል ህዝብናን ዘጠናኽር ሕጋዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምድጋፍ።

4. ድምጽና ኣብ ሙሉእ ዓለም ንኽስማዕ፡ ኣብ ህዝባዊ ንጥፈታት ማለት ብመራኸቢ ብዙሓንን፡ ብዲፕሎማስን  ብሰላማዊ ምልዕዓልን ምንጥጣፍ።

5. ታሪኽናን ሓድጊታታናን መታን ክዕቀብ፡ ሓቅነት ቃልስና ንናጽነትን ሓርነትን ናብ መጻኢ ወለዶ ምትሕልላፍ።

6. ሓቀኛ ለውጢ ክረጋገጽ ዝኽእል ምልካዊ ምሕደራ ብምስራዝን፡ መሰልን ናጽነትን ክብረትን ኩሉ ዜጋ ዘውሕስ ቅዋማዊ ስርዓት ብምትካል ጥራይ ኢዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ምሓዝ።

ጻውዒትና ናብ ማሕበረሰብ ዓለም

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ኩለን ፈተውቲ ሰላም ሃገራትን፤

1. ብናይ ኣህጉራዊ ሕግን: ብጹዕነት ኣፍልጦ ዝረኸቡ ዶባት ምድጋፍ።  

2. ግዝኣታዊ ቁመና ኤርትራ ብሓይሊ ይኹን ብግዴታ ንምቕያር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ምኹናን።

3. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጠሩ ግጭታት ብዘተን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ምድጋፍ።

4. ዘላቒ ፍታሕ ናይ ዶብ ግጭት ንምርግጋጽ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳኔ ምሕንጻጽ ዶብ ብህጹጽ ተግባራዊ ክኸውን ምድጋፍን።

5. ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ንልዑላውነት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ብምኽባርን፡ ብሰላማዊ ዘተን ሓባራዊ ስምምዕን ጥራይ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል፡ ድሌትን ድልውነትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ።

መደምደምታ

እዚ ኣዋጅ‘ዚ መብጽዓ እዩ። ልኡላውነት ኤርትራ ንመሸጣ፡ ንዘተ ወይ ንዋጋ-ዕዳጋ ኣይወርድን። ብሓድነትን ክብርን ቆራጽነትን ክንከላኸለሉ ኢና። ቃልስና ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ናጽነትና ክድምስስ ዝደሊ ፖሊሲ ይኹን ተግባር እዩ።

ናጽነትናን ልኡላውነትናን: ዘለኣለማውን ዘይስበር እዩ!

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራመስከረም 23, 2025 (ካልኣይ ሕታም)

 

ዳሕ ናብ

1. ክቡር ማርኮ ሩቢዮ – ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

2. ክብርቲ ይቨት ኩፐር – ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመንዌልዝን ልምዓትን ዓባይ ብሪጣንያ

3. ክብርቲ ኣናሌና ባርቦክ – ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

4. ክቡር ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ – ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ

5. ክብርቲ ካያ ካላስ – ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ንጉዳያት ወጻኢን ፖሊሲ ጸጥታን

6. ክቡር ፊሊፖ ግራንዲ – ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት

7. ክቡር ቮልከር ቱርክ – ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት

8. ክቡር ዶክተር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር – ፍሉይ ጸብጻቢ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

መስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጐስ ብ15 መስከረም 2025 ኣብ ሃገረ ጀርመን ካስል ብዘሕዝን ኩነታት ሰሚዕናዮ። ነዊሕን ጽንኩርን ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ዝነበሮ ሓርበኛ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ፡  ኣብ ከተማ መንደፈራ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርግስ ተመሃራይ እንከሎ፡ ንጡፍን ሰላማዊ ሰልፍታት ይመርሑ ካብ ዝነበሩን ተመሃሮ ሓደ ከም ዝነበረ ታሪኽ ቃልሱ  ይምስክር። በዚ ተባዕ ተግባሩ ብሓይልታት ጸጥታ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ማእሰርቱ ናይ ተመሃሮ ጠቕላላ ምቁራጽ ትምህርቲ ኣስዒቡ ከም ዝነበረ እውን ሓቢረምዎ ዝነበሩ ገልጹ።

ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ’ውን ኣብኡ ቃልሱ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ 1974 ድማ ናብ ሜዳ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቱ ተኸታቲሉ፡ ብዝነበሮ ሕብረተሰብኣዊ ኣፍልጦ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ተሓኤ ክፍሊ ናብራ ዕቤት ተመዲቡ።

ኣብቲ ዝተመደበሉ ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ድማ ዝነበሮ ፍልጠትን ተመኩሮን ብምክፋል ምስ ብጾቱ ኮይኑ ሓያሎ ኪላታት ናይቲ ዓውዲ ኣፍርዮም። ኣብ ህዝቢ ዝካየድ ስረሓት ናብራ ዕቤት ንክዓቢ ድማ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ነይሩ። በዚ ሞያኡ ኣብ ከባቢ ጋሽ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1978 ናብ ደንከሊያ ተመዲቡ፡ ኣብኡ ከኣ ኣብ ምምስራት ትካል  ተራድኣዊ ስረሓት (cooperative) ግደኡ ኣበርኪቱ።

መሓመድ ሳልሕ፡ ኩነታት ተቐይሩ ተሓኤ ናብ ሱዳን ምስ ኣተወት’ውን ናብ ስደት ኣምሪሑ ካብ ቃልሲ ኣይበኾረን። ክሳብ 2003 ካብ ንጡፋት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ምንባሩ ከኣ ድሕረ ባይትኡ ይምስክር።

እነሆ ከኣ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ ሓሊፉ’ሞ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽኩ፡ ንስዉእ መንንግስተ-ሰማይ ከዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓት ኣኻእሎን ክህቦም እምነ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንመላእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ እንኳዕ ናይ ክረምቲ ጸልማትን ደልሃመትን ሓሊፉ፡ ናብ ብርሃን፡ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና  ናብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስን፡  ሓድሽ ዓመት ግእዝን  ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና።

መጻኢና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ስዒርና፡ ዝተረሓሓቐ ህዝብና ተቐራሪቡ፡  ውግእን ወረ ውግእን ተወጊዱ፡ ሰላምን ርግኣትን እነረጋግጸሉ ክኾነልና ብስም ምሪሕነትን መላእ ኣባላትን ሰዲህኤ ዘለኒ ሰናይ ትምኒት እገልጽ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

10 መስከረም 2025

መርድእ ዕረፍቲ ብ1949 ዝተወልደ ገዲም ተጋዳላይ ገቢል በየነ፡ ብ26 ነሃሰ 2025  ምስ ሰማዕና ኣዝዩ መሪር ሓዘን ተሰሚዑና። ነዊሕን ጽንኩርን ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ዝነበሮ ሓርበኛ ገቢል በየነ፡ ቅድም ኣብ ከተማ ኣስመራ  ኣባል ውሽጣዊ ስርርዕ ኮይኑ  ብትብዓትን ትግሃትን ተቓሊሱ። ምስጢራዊ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ምንባሩ ምስ ተፈለጠ ከኣ ብ1974 ናብ ሜዳ ወጺኡ።

ኣብ ሜዳ መባእታዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትምህርቱ ምስተኸታተለ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ። ድሕሪ ካለኣይ ሃገራዊ ጉባአ ተሓአ ድማ ናብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተመዲቡ ክሳብ 1981 ብተወፋይነት ተቓሊሱ። ገቢል ተባዕን ንብጾቱ ዝርህርህን ተረዳዳኣይን ተቓላሳይ ምንባሩ ከኣ ብቐረባ ዝፈልጥዎ መቓልስቱ ይምስክርሉ።

ኣብ ስደት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ከተማ በርክሊ ብሕክምና ክሕገዘ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ  ዓሪፉ። እምበኣር ካብ ኮነ ዝግበር የለን’ሞ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽኩ፡ ንስዉእ መንንግስተ-ሰማይ ከዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓት ኣኻእሎን ክህቦም እምነ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

ሆርን ረቪው (HORN REVIEW) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ብ22 ነሃሰ 2025 ኣብ ዝዘርግሓቶ ሰፊሕ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ጽሑፍ፡ “ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ምትእትታው፡ ንናይቲ እትርከበሉ  ዞባ ቀጻሊ ሰላም ቅድመ-ኩነት እዩ” ክትብል ኣስፊራ።. ብዛዕባ ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ክትጠቅስ እንከላ ከኣ፡ “ኤርትራ ለውጢ ናይ ዝሕሰም ጨቋኒ ምምሕዳር መዕንደሪ ኮይና ዝጸንሐት፡ ኣብ ክንድኡ ውትሃደርነት እተቐድም ሃገር” ዝብል እቲ ጽሑፍ  ገሊጽዋ።

እቲ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣተሓሒዙ፡  ማእከላዊ መዘወሪ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ዙርያ ናይቲ ብትካላዊ ኣገባብ ዘይኮነ ብውልቃዊ ድሌቱ ዝመርሕ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተደሪቱ ዝጸንሐ እዩ ክብል ኣስፊሩ። ብዛዕባ ኤርትራ ዝግደሱ ተንተንቲ፡ ንቅዲ ምምሕዳር ኤርትራ ጥዕና ኣብ ዘየብሉ፡ ብትካል ዘይኮነ ብናይ ውልቀሰብ መለኮታዊ ዕንደራ ዝዝወር ኮይኑ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ኢሎም ከም ዝገልጽዎ እውን ኣብቲ ኣብታ መርበብ ዝሰፈረ ጽሑፍ ኣስፊሩ። ካልእ መለለይ ኤርትራ፡ “መወዳእታ ዘየብሉ ብኩራት ነጻነት” ኢልካ ክግለጽ ከም ዝከኣል እውን ተጠቒሱ።

እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንነጻነት ፍልልይ ዘይጸውር ዝነበረ ውርሻ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከኣ ዝያዳ ከም ዝገደደ ብምጥቃስ፡ ናብ ግጉይ ኣመሰራርታ ሃገርነት ከም ዘምርሐ’ውን ኣቃሊዑ። እቲ ሓያል ወጽዓ ናብ ተሪርን ቀጻልን ወተሃደራዊ ጅሆ ምሓዝ ከም ዝማዕበለ ብምጥቃስ ከኣ ሚዛኑ ኣንቢሩ።

ንኤርትራ “ሃገራዊ ጅሆነት” ተኣሲራ ካብ እትተሓዝ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ እዩ ዝበለ እቲ ጽሑፍ፡  እቲ ብሓፈሻ ምስ ብዙሓት ጐረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተጻብኦታት ምእታው እቲ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ ውትህድርና ክነብርን ምስምሳት ብምፍጣር ለውጢ ንክሕሰምን ከም ዕድል ክጥቀመሉ ከም ዝጸንሓ ሓቢሩ። ኤርትራዊ ንክትከውን ኣብ ውትህድርና ምስታፍ ወሳኒ ቅድመ-ኩነት ክኸውን ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ ከኣ  ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጸኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ሳዕቤኑ ኣብኣ  ዝድረት ዘይኮነ፡ ዞባዊ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ’ውን ኢሉ።

 

 

 

ኣህጉራዊ ደረጃ ሰላም (Global Peace Index)፡ ዝተባህለ ትካል፡  “ቁጠባን ሰላምን” ምስ  ዝተባህለ ኣህጉራዊ ኣካል ብምትሕብባር ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም መርኣያ ብምውሳድን ብኣህጉር ደረጃ ኣብ ዝተፈላለዩ  ኩርነዓት ዝረኣይ ህውከትን ዘይምርግጋእን ኣብ ግምት ብምእታውን ንሃገራት ዝሃቦ ናይ ሰላም ኩነታት ደረጃ ኣውጺኡ። እቲ ሚዛን ንውሽጣዊ ኩነታት ናይተን ሃገራት ጥራይ ዝተዋህበ ዘይኮነ፡ ምስ ግዳማዊ ተጽዕኖታትን ዝምድናታትን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ውን  ኣብቲ ዓመታዊ  ጸብጻብ 2025 ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ኣብ ናይ 2025 ኣህጉራዊ መዕቀኒ ኩነታት ሰላም፡ ኤርትራ ካብ 163 ሃገራት ኣብ መበል 136 ተሰሪዓ “ዘተኣማምን ሰላም ምስ ዘየብለን ሃገራት” ተመዲባ’ላ። ኢትዮጵያ ከኣ ምስ ኤርትራ ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ ምድብ ኮይና፡ ኣብ መበል 144 ተሰሪዓ። ብደረጃ ኣፍሪቃ ከኣ ካብ 44 ሃገራት ኤርትራ ኣብ መበል 32 ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 36 ሰፊረን።

እቲ ጸብጻብ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣወዳዲሩ ኣብ ዘስፈሮ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ሓቢረን ዘካየደኦ ፖለቲካዊ  ስልጣን ናይ ምቁጽጻር ውግእኳ እንተዓረፈ፡ ሕጂ እውን ኣብ ሕድሕደን መጻኢኡ ምግማት ኣብ ዘጸገም ምስሕሓብ ኣትየን ኣለዋ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ክልቲአን ሃገራት ናብ ታሪኻዊ፡ ዓሌታዊ ምክፍፋልን ዘይርኡግ ቁጠባዊ ኩነታትን ባህሪ ዘለዎ ሓድሽን ዝሰፍሐን ውግእ ከይኣትዋ ከም ዘስግእ ጠቒሱ። እቲ ብጉዳይ ሰላም ዝግደስን ዓመታዊ ጸብጻብ ዘውጽእን ትካል፡ ንሃገራት ካብ ዝሓሸ ናብ ዝኸፈአ ዘርዚሩ ኣብ 5 ደረጃ ክኸፍለን እንከሎ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከበኦ ጉጅለ 4ይ ደረጃ  እዩ።

ካብተን ኣብ 1ይ ተሰሪዐን ኣዝዩ ዘተኣማምን ሰላም ኣለወን ተባሂለን ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት፡ ኣይስላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ኦስውስትርያ፡ ኒውዜላንድ፡ ሲንጋፖርን ስዊዘርላንድ ይርከበአን፡ ካብተን ኣብ መወዳእታ ኣዝዩ ዘየተኣማን ሰላም ዝርከባ ተባሂለን ዝሰፈራ ከኣ፡ የመን፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣፍጋኒስታንን ዩክረይንን ይርከበአን።

እዚ ነቶም ከቢድ ገበናትን ጥሕሰታትን ክፍጸም እናረኣዩ፡ ድምጺ ተኹሲ ስለ ዘይስማዕ ጥራይ ኤርትራ ካብ ዓለምና “ናይ ሰላም ደሴት እያ” ዝብሉ ናብ ልቦም ንክምለሱ መበራበሪ እዩ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዝወጸ ሓጺር ጸብጻብ፡ ኣመሪካውያን ዜጋታት ናብ 8 ሃገራት ክገሹን ኣብኣተን ክነብሩ ክሓስቡ እንከለዉን፡ ቅድሚ ምውሳኖም ምእንቲ ድሕነቶም ምስ ዝምልከቶም ንክላዘቡ ጸዊዑ። ኣብቲ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ካብ ምሕላው ድሕንነት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣመሪካውያን ዝዓበየ ዋኒን ከም ዘየብሉ ጠቒሱ። ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝምዕድን ዘዘኻኽርን ጸብጻብ፡ ብዛዕባቶም ናብተን ሃገራት  ዝገሹን ኣብኣተን ብቐዋምነትን ብሕግን ዝነብሩን ስግኣት ከም ዘሎ ኣንጸባሪቑ።

እቲ ኣመሪካዊ መንግስታዊ ትካል፡ ነተን ኤርትራ እትርከበን ዜጋታታ ናብኣተን ክገሸ ወይ ኣብኣተን ክነብሩ እንከለዉ ክጥንቀቑ ዝበለተን፡ ኣፍጋኒስታን፡ በርማ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሩሲያን ቬንዙዋላን ንኩነታት ጸጥታአን ደረጃ “ዲ/D” እዩ ሂቡወን።

እቲ ጸብጻብ ነዚ መጠንቀቕታ ንምውጻእ ዘኽኣሎ ንነፍሲ ወከፍ እዘን ሃገራት ዝምልከት ናይ ጸጥታ መምዘኒ ረቛሕታት ዝምልከቱ ዳህሳሳት ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ጸብጻብ ድሕሪቲ ኢስያስ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ ምስ ኣሚሪካ እነካይዶ ጽምዶ ኣብ 2026 ኣዕዊትና ናብ ምንቅስቓስ ክንኣቱ ኢና ዝብል ቃል ምእታዉ ምምጽኡ ንደገፈቲ ህግደፍ ከም ዘሰንብዶም ፍሉጥ እዩ። ravel Advisory is a report from the U.S. Departecautions for U.S.

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ስዳን፡ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ተጸጊኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ክኽፈት ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ሓበሬታ ዝሃበ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ናይቲ መንግስቲ ከም ዝገለጾ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ። ምኽፋት እቲ ምዕርፎ ነፈርቲ ጐኒንጐኒ ምምላስ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ፖርትሱዳን ዝጸንሐ ናብ ካርቱም ዝፍጸም ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱሎ።

ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ኢብራሂም ጃብር፡ እቲ ጽገና ኣብ መዳያት መስመር ማይ፡ ጽሬት፡ ሓይሊ ኤለክትሪክን መንቀልን መዕረፍን መስመር ነፈርትን ከም ዝተፈጸመ በቲ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳ ዘውጸኦ መግለጺ ኣቢሉ ኣፍሊጡ። በቲ ዝወጸ መግለጺ ምኽንያት ምዕናው እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰንኪ ኣብኡ ሰፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ (RSF) ምዃኑ ተጠቒሱ።

ዋና ኣካያዲ ኩባንያ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም፡ ኣልካቲም ባቢከር ብወገኑ፡ 85% ናይቲ ጽገና ከም ተፈጺመን ኣጋይሽ ንምቕባልን ንምፍናውን ጥጡሕ ኮይኑ ከም ዘሎን ኣረጋጊጹ። ናይቲ መስርሕ ምጽጋን ኮሚተ ሓላፊ ጃብር ድማ ናይዚ መዓርፎ ነፈርቲ ምኽፋት ሱዳናውያን ናብ ሃገሮም ንክምለሱን መንግስታዊ ኣጋይሽ ንምቕባልን ንምፍናውን ዘኽእል ከም ዝኸውን ኣመልኪቱ።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንዳግመ-ምህናጽ ትካላት ጥዕና፡ ትምህርትን ካልእ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ንክጥዕም ኣብ ከተማ ካርቱም ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት ከም ዝወጽእ እውን  እቶም ሓለፍቲ ሓቢሮም።

ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስን ምኽፋት መዓርፎ ነፈርትን ምልክት ሰላም ብምዃኑ’ኳ ተስፋ ዝህብ እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ውግእ ይቕጽል ምህላዉ ግና ዘቕስን ከምዘይኮነ ይግምቱ።

ሶማሊላንድን ብኣኣ ዝግደስ ሰነተር ክሩዝን

ኣሜሪካዊ ሰነተር ተድ ክሩዝ፡ ኣሜሪካ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ናብ ፕረሲዳንት ትራምፕ ደብዳበ ከም ዝጸሓፈ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ኣቦመንበር ንኡስ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታትን ግሎባላዊ ፖሊሲ ጥዕናን ዝኾነ ሰነተር ነዚ ዘፍለጠ ብ15 ነሃሰ 2025 እዩ።

እቲ ሰነተር ኣብቲ ደብዳበኡ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር  ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ዛዕባ ኮይኑ ቀሪቡ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኣኣ ኣቢልካ ናይ ኣሜሪካ ጸጥታዊ ረብሓ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋጽ ከም ዝከኣል ኣዘኻኺሩ። ሶማሊላንድ ኣብ ወሽመጥ ኣደን ተጸጊዓ ኣብ ጐኒ’ቲ ኣብ ዓለምና ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ መተሓላለፊ መራክብ  ከም እትርከብ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ ሶማሊላንድ ኣብ ምቁጽጻር ዞባዊ ራዕድን ናይ መራክብ ምጭዋይን ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከበርክት ዝኽእል ብቑዕ ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘለዋ ከኣ ኣፍሊጡ። እታ ንእሽቶ ሃገር መሓዛ ኣሜሪካ ንከይትኸውን ዝጻብእዋ ብዙሓት ወገናት ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ቻይና ብሰንክቲ ምስ ታይዋን ዘለዋ ጸገም ሃገር ክትከውን ከምዘይትደልያ  ኣስፊሩ።

እንተኾነ ምስዚ ኩሉ ተጻብኦታት፡ ሶማሊላንድ መሓዛ ኣሜሪካ ንክትክውን ትብዓትን ቅሩብነትን ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ብመንጽርቲ ፈጠርቲ ራዕዲ ንምቁጽጻር ዝግበር ቃልስን ኣብ ቁጠባዊ መዳይን ምስ ኣሜሪካ ንክትመሓዞ ድልውቲ ከምዘላ ሓቢሩ፡ እዚ ቅሩብነታ ብግብሪ ኣድማዒ ንክኸውን ከኣ ናይ ሃገርነት ደረጃኣ ንክሕለወላ እጽውዕ  ኣለኹ  ኢሉ።

ኣብ 1960 ሃገር ኮይና ነይራ ክነሳ፡ ብውሳነኣ ምስ ሶማሊያ መቃድሾ ዝተጸንበረት ሶማሊላንድ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ መምዘንታት ኣማሊኣን ካብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ ዝበሃል ምርጭታት እናካየደትን፡ ከም ሃገር ኣፍልጦ ናይ ምርካባን ዘይምርካባን ዛዕባ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መራሒኣ ዓብደራሕማን መሓመድ “ዒሮ”፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣሜሪካ ክበጽሕ’ዩ ዝብል ሓበሬታ’ውን ኣሎ።