መልእኽቲ ፖሓኤ ናብ መላእ ህዝብና ብምኽንያት በዓል ፋሲካ 2026
Saturday, 11 April 2026 16:20 Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤንመላእ ምእመናን ክርስትና ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንኳዕ ጾመ-ልጋም ፈትሓልኩም። ጸሎትኩምን ጾምኩምን ኣብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ገባቲ ስርዓት ወዲቑ፣ ፈልሲ ቅዋማዊ ምሕደራን: ግዝኣተ ሕግን: ዲሞክራስን: ዝጥጥዓሉ ዓመት ክኾነልና ንምነ ። ክዉን ንምግባሩ ድማ አእጃምና ከነበርክት በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ ።
ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ብሰላም ዝዓርፍ ይግበሮ ።
ሓጎስን ቅሳነትን ራህዋን ሰላምን ዝመልኦ ቅነ-በዓላት ክኾነልና ብልቢ ንምነ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ መንበር ፖሓኤ
11 ሚያዝያ 2026
ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ጾምን ጸሎትን ጾመ-ኣርበዓ ዝጸንሑ፡ ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና “እንቋዕ ጾመ-ልጓም ተፈቲሑ ብሰላም ናብቲ ክቡር በዓል ትንሳኤ 2026 ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና”። ትንሳኤ ክርስቶስ ናይ ሰላም፡ ሓጐስን ሕውነትን በዓል ክዀነሎም ዘሎና ልባዊ ትምኒት ከኣ ክንገልጸሎም ንፈቱ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ መጻኢ ግዜ ኣብ ዓለምና ከምኡ እውን ኣብ ዞባናን ሃገርናን ዝዝንቢ ዘሎ ስግኣት ውግእን ወረ-ውግእን ተቐንጢጡ፡ ህዝብታት ዓለም ተሓጋጊዞምን ተሓባቢሮምን ሰላም፡ ፍትሕን ቁጠባዊ ዕቤትን ዘሰስንሉ፡ ከምኡ ድማ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝዕቀበሉ ክኾነልና፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ተስፋና ልዑል ምዃኑ ንገልጸልኩም።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
12 ሚያዝያ 2026
መጻብቦ ክልተ ሰፋሕቲ ማያዊ ኣካላት ዘራኽብ ጸቢብ ማያዊ ኣካል እዩ። ብመንጽርዚ ሆርሙዝ ንማያዊ ኣካላት ወሽመጥ ፐርሺያን ዖማንን እተራኽብ መጻብቦ እያ። ኣብቲ ዝጸበበ ቦታ ጎኒ ናይቲ ማያዊ ክፋል ኣስታት 33 ኪሎ ሜተር ምዃኑ ናይ ጀኦግራፊ መዛግብቲ የረድኡ። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኣጐድዎ ውግእ፡ መዓልታዊ መተሓላላፊት 20 ሚልዮን በርሚል ዘይተጸራየ ነዳዲ ዝጸዓና ካብ 138 ክሳብ 140 መራክብ ኮይና ዝጸንሐት ሆርሙዝ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣስጋኢት ስለ ዝኾነት ብደረጃ ዓለም እውናዊት ኣጀንዳ ኮይና’ላ።
ቅድሚቲ ውግእ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝንቀሳቐስ ነዳድን ጋዝን 20% በዛ መጻብቦ ይመሓላለፍ ነይሩ። ብዘይካዚ ኣብ ገማግም ወሽመጥ ፐርሺያ፡ የማነ ጸጋም ናብ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ርእሲ እቲ ምንቅስቓስ ነዳድን ጋስን፡ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ዝኣትውን ዝወጽእን በዛ መጻብቦ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ ዝነበራ መራክብ ስለ ዝተዓገታ ዋጋ ነዳዲ ብደርጃ ዓለም ንበርሚል ክሳብ 112-115 ዶርላር ስለ ዝበጸሐ፡ ብሓፈሻ ኩለን ሃገራት ግዳይ ናይቲ ቅልውላው ኮይነን ኣለዋ። ካብ ዝጥቀማሉ ነዳዲ 60-75% በዛ መጻብቦ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ በዚ ቅልውላው ዝያዳ ተጨኒቐን ካብ ዘለዋ ሃገራት፡ ፍሊፕንስ፡ ጃፓን፡ ሲንጋፖርን ደቡብ ኮርያን፡ ይርከበአን።
ካለኦት መጻብቦታት ንምጥቃስ፡ መጻብቦ ታይዋን ንቻይናን ደሴት ታውይዋንን ፡ መጻብቦ ፓልክ ንህንድን ስሪላንካን፡ መጻብቦ ታርታሪ ንሩሲያን ደሴት ሳካሊንን፡ መጻብቦ ጹሺማ ንጃፓንን ወሽመጥ ኮርያን; መጻብቦ በሪን ንኣላስካን ሩሲያን ዝፈላሊ ከምኡ ከኣ መጻብቦ ባብኤል መንደብን ስዊዝ ካናልን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
ኢራን ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ብኣሜሪካን እስራኤልን ዝወርዳ ዘሎ መጥቃዕቲ ካብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ባሕሪ ብዝቕበር ነታጒ ከይተረፈ ምዕጻው እዩ። በዚ መሰረት በዚ ዝሓልፋ መራክብ ንሓደ ናይ ምቅላዕ ዕድለን ኣዝዩ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ዝኸፍለኦ ዋሕስ (ኢንሹራንስ) ዝለዓለ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ሰጊአን ነዳዲ ዝጸዓና መራክብ ምንቅስቓስ ስለ ዘቋረጻ እዩ ድማ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣዝዩ ከቢሩ ዘሎ። ኣሜሪካ ንሆርሞዝ ካብ ኢራን መንዚዓ ከም እትቆጻጸር’ኳ እንተፈከረት ብቐሊሉ ኣይከለትን። ኣብ መወዳእታ ብኣጋር ሰራዊት ከይትጥቀም ከኣ ስግኣት ኣሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ እታ ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ደሴት ካርግ፡ ካብቲ መሬታዊ ገማግም ባሕሪ ኢራን 25 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ባሕሪ ፐርሺያ እትርከብ እያ። ስፍሓታት እዛ ደሴት ካብ 20 ክሳብ 22 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ነበርታ ከኣ መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት መጻረይ ነዳዲ ኮይኖም፡ ካብ 8 ክሳብ 10 ሺሕ ይበጽሑ።
ካርግ ናይ ኢራን 90% ነዳዲ ዝጻረየላ፡ ዘይተጻረየ ድማ ዝኽዘነላን ናብ ወጻኢ ዝለኣኸላን ቁጠባዊ ማእከል ኮይና ዝጸንሐት’ያ። እዛ ደሴት ካብ ወደብ ቡሸህር ኣስታት 55 ኪሎሜተር እትርሕቕ ኮይና፡ ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 660 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ። ብሰንክ’ቲ ንጸጥተኣ ተባሂሉ ዝግበረላ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ከኣ “ዘይትፍቀድ ደሴት” ዝብል ስያመ ክወሃባ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከኣ፡ በዚ ዝጸንሓ ወሳኒ ቁጠባዊ ብጽሒት ወተሃደራዊ ዒላማ ተገይራ ዘላ እያ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ብ24 መጋቢት 2026 ብቢሮ ትምህርቲ ናይቲ ክልል ዝተወደበ ናይ ተመሃሮን መምሃራንን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዱ። ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዕላማ ብሓፈሻ ዝተኣገደ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ፡ ብፍላይ ድማ ናይ 16 ኣዋርሕ ዘይተኸፍለ ደሞስ መማሃራን ንክኽፈል ንምጽዋዕ ዝተወደበ እዩ። ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተንጸባረቐ፡ መማሃራን ደሞዝ ብዘይምርካቦም ካብ ስረሖም ብምቁራጾም ናይ ኣብያተ-ትምህርቲ ምዕጻው ሓደጋ የንጸላሉ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
እቶም እቶ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ባሎኒ ስታድየም ኣብ ዝተባህለ መድረኽ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ካብ ዘቃልሕዎም ጭረሖታት፡ “ትምህርቲ መጻኢና እዩ (EUDUCATIN IS OUR FUTURE)” ዝብል መሪሕ ኮይኑ፡ መሰል ህጻናት ይከበር፡ መሰልን ክብርን መማሃራን ይተዓቀብ፡ ደሞዝ መማሃራን ዘይምኽፋል ምዕጻው ኣብያተ-ትምህርቲ እዩ፡ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም፡ ተመሃሮ ከኣ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ይመለሱ፡ ዝብሉ ጭረሖታት እውን ተቓሊሖም።
በቲ ካብ ትግራይ ዝተረኽበ ዜና መሰረት፡ ናይቲ ክልል ክፍሊ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ዝተቛረጸ ደሞዝ ንክኽፈል ናብ ዝምልከቶ ኣካላት ፈድራል ተደጋጋሚ ስምዕታ ኣቕሪቡ መልሲ ምስ ሰኣነ ዝተሰርዐ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣቶ ሚካኤል ኣስገዶም ወሃቢ ቃል ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ቀጻሊ ሰላም ንከውሕስ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ፈርሱ እዩ ዝብል መብርሂ ምሃቡ ናይቲ ህዝቢ ናይ ውግእ ስግኣት ዝያዳ ይዓርግ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዕለት 14 መጋቢት 2026 ፈላሚ ኣኼባ ኣካይዳ። ሽማግለ ብሰለስተ ኣባላት ካብ ነፍሲ ወከፍ ንፖሓኤ ዘቆማ ኣካላት ዝተወከሉ፥ ትሻዓተ ዝቁጽሮም ኣባላት ዝቆመት እያ። ከምዝፍለጥ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምርቑሖም ብዕለት 26 ለካቲት 2026 ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓው ገብረዝጊሄር ተወልደ ሕድሕድ ናይ ምልላይን ዝተነብረሎም ሓላፍነትን ዕማማን ኣነጺሩ፥ ንኣመራርሓኣ ዝምልከት ድማ ነብሳ ባዕላ ንኽትሰርዕ መምርሒ ከምዝሃባ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ናይ ሌላ ርክብዚ፥ ሽማግለ ብኡ ንብኡ ሰለስተ ናይ ስራሕ ኣማእከልቲ መዚዛ ናብ‘ዚ ናይ መጋቢት ፈላሚ ኣኼባ በጺሓ።
ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፥ ብኣደ መንበርነት ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ተመሪሑ፥ ንድፊ ሰነድ ጉባኤ፥ ናይ ስራሕ ምክፍፋል፥ ጉዳይ ዜናን ሓበሬታን፥ ኣጋይሽን ፋይናንስን ኣብዝብሉ ዛዕባታት፥ ኣብ ቅዋማዊ ዓንቀጻት ፖሓኤ ምርኩስ ዝገበሩ ሰፊሕ ዝርርብ ኣኻይዳ። በዚ መሰረት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንነብሳ ኣብ ሰለስተ ንኡስ ክፍልታት ብምስራዕ፥ ንድፊ ሰነዳት ጉባኤ ቅዋም ብዘፍቕዶ መስርሕ ናብ መላእ ኣካላት ፖሓኤ ንኽበጽሕን፥ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋኑ ተመሊሱ ክይዲ ምጽፋፍ ክግበረሉን ተሰማሚዓ። ንዜናን ሓበሬታን፥ ፋይናንስን ብዝምልከትውን ሰባታ መዚዛ ሓላፍነት ብምሃብ ወዲኣ። ኣብ ክልዚ ዝተገብረ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ነቲ ዕማማ ብግቡእ ንምክትታል ንኽጥዕም እንተዘይኮይኑ፥ ብመሰረቱ ዕማማት ሽማግለ ናይ ሓባር ስራሕ ብምዃኑ ነቲ ናይ ምትሕግጋዝን ምምልላእን መንፈስ ዝዓግት ስለዘይኮነ ኣብዝኾነ ግዜ ናይ ምውኽኻስን ምርኻብን ዕድል ክፉት ከምዝኾነ ብምርግጋጽ፥ ናይ መጻኢ ክልተ ኣኼባታት ዕለታቶም ብምውሳን ኣኼባ 14 መጋቢት ተደምዲሙ።
ንሓርነት ብሓድነት!!!
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ብ11 መጋቢት 2026 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ብስልኪ ከም ዘዘራረቦ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምክትል ወሃቢ ቃል ቶሚ ፒጎት ኣፍሊጡ። ኣብ ዝርርቦም ብዛዕባ ዞናዊ ምርግጋእን ምውሓስ ዘተኣማምን ጸጥታን፡ ምቅላስ ኣንጻር ምፍጣር ራዕድን ቁጠባዊ ምትሕብባር ምቕጻልን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዘልዓሉ’ውን ቶሚ ሓቢሩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ናይቲ ናይ ስልኪ ርክብ ቀንዲ ዓላማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ምስ ኤርትራ ናብ ዘይተደልየ ጐንጺ ንከይኣቱን ብጀነራል ደጋሎ ንዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ካብ ምሕጋዝ ክቑጠብን፡ መልእኽቲ ዋሽንግተን ንምትሕልላፍ ምንባሩ ድማ፡ ኦል ኣፍሪካ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ናይ ስልኪ ዝርርብ ዝተኻየደ፡ መራሕቲ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ከተማ ጅቡቲ ኣብ ኣኼባ ኣብ ዝነበርሉ እዩ። ናይቲ ኣኼባ መራሕቲ ሰለስቴን ጉረባብቲ ሃገራት ዕላማ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን ምትሕብባር ንምቕጻልን ምንባሩ ከኣ፡ “ሆርን ዲፕሎማት” ዝተባህለ ኣካል ጠቒሱ።
ተዓዘብቲ ናይቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ብወገኖም፡ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕረን ክትጥቀም እትደልየን ዘላ ሃገራትን ዝረአ ዘሎ ምትፍናን ንምህዳእ እዩ ይብልዎ። ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ ኣሰር እስራኤል ተኸቲላ፡ ንሶማሊላንድ ልኡላዊ ኣልጦ ክትህባ ትኽእል እያ ዝብል ግምት ከም ዝተዘራረቡ’ውን ተሓቢሩ።
ብዛዕባቲ ርክብ ኣሚሪካዊ ማርኮ ሩብዮን ኣብይ ኣሕመድን ኣኼባ መራሕቲ ኣብ ጅቡትን ብወገን ኢትዮጵያ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።
ኢራን ኣብዚ እዋንዚ ናይ ዓለምና ኣዛራቢት ኣጀንዳ ኮይና ዘላ፡ ኣብ ክፍለዓለም ኤስያ ካብ ዘለዋ 48 ሃገራት ሓንቲ እያ። ኢራን ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ኣሜሪካን እስራኤልን ብሓባር ኣብ ልዕሊኣ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምስ ወሰዳ፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ እተን ወተሃደራዊ መደበራት ኣሜሪካን እንግሊዝን ዘለወን ጐረባብታ ሃገራት ብዝወሰደቶ ግብረ-መልሲ ኣብ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ሓደገኛ ውግእ ስለ ዘላ እያ።
ኢራን ኣስታት 1,648,195 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዘለዋ ኮይና 5,894 ኪሎሜተር መሬታዊ ወሰን ኣለዋ። ብዝሒ ህዝባድ 92,417,681 እዩ። ወዲ-ሰብ ብቐዳምነት ምንባር ካብ ዝጀመረለን ጥንታውያን ሃገራት ኮይና እትጥቀስ እውን እያ።
ብመሬት ዘዋስነኣ ሃገራት 7 ኮይነን ንሳተን ከኣ፡ ዒራቕ፡ ቱርኪ፡ ኣዘርባጃን፡ ኣርመኒያ፡ ቱርክመኒስታን፡ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን እየን። ንወገን ደቡባዊ ምዕራብ ወሽመጥ ፐርሺያ ሰጊርካ ድማ ስዑድ ዓረቢያ፡ ኮየት፡ ባህሬን፡ ቀጠር፡ ኢማራትን ዖማንን ይርከባ።
ንወሽመጣት ፐርሺያን ዑማንን ከምኡ እውን ቀላይ ዓረብ ዘራኽብ 193 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መጻብቦ ሆርሙዝ ኢራን እያ እትቆጻጸሮ። እዚ መጻብቦ ኣብቲ ዝጸበበ ክፋሉ ጐኑ 38 ኪለሜትር ኮይኑ፡ ካብ ናይ ዓለም ነዳዲ 20% ዝኸውን ዝመሓላለፈሉን እዩ ይበሃል።
ዋና ከተማ ኢራን ትሄራን ኮይና፡ ኣስታት 8.7 ሚልዮን ህዝቢ ይነብራ። ካለኦት ዓበይቲ ከተማታት ኢራን ድማ፡ ኢስፋሃን፡ ካራጅ፡ ኣህፋዝ፡ ማሽሃድን ቆምን ይበሃላ። ነባሪ ህዝቢ ከተማ ትሄራን ካብ ህዝቢ ናይታ ሃገር ኣስታት 11% እዩ።
ኢራን ልዕሊ 20 ምምሕዳራዊ ክፍልታት ዘለዋ ኮይና፡ ካብኣተን፡ ምብራቕ ኣዘርባጃን፡ ምዕራብ ኣዘርባጃን፡ ኣርዳቢል፡ ኢስፋሃን፡ ኢላም፡ ቦሸህር፡ ቻማሃል-ባክቲያሪ፡ ኮሮሳን፡ ከውሰስታን፡ ዛንጃን፡ ሰማን፡ ሲስታን፡ ፋርስ፡ጋዝቪን፡ ግሆም፡ ኮርደስታን፡ከርማንን ከማንሳእን ይርከበአን።
ፐርሺያ ኣብ ኢራን 63.3% ዝሽፍን ቋንቋ ኮይኑ፡ ኣዘሪ ቱርኪክ 13%፡ ኩርዲሽ 7%፡ ጊላኪ 3.6%፡ ማዛንዳሪ 3%፡ ዓረብ 1.8%፡ ዝሽፍኑን ካለኦት ንኡሳንን ቋንቋታት ይዝረቡ። ከም ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ድማ እንግልዘኛ፡ ራሻኛን ፈረንሳይኛን ይዝውተሩ። ፐርሺያን ኩርድን ከኣ ዓብላልነት ዘለዎም ዓሌታት እዮም።
ኢራን ሓውሲ ምእኩል ፖሊሲ ኤኮኖሚ እትኽተል ኮይና፡ ብሕታዊ ጽላት ብዝለዓለ ዝዋሰኣላ እያ። ሃይድሮካርቦን፡ ሕርሻ፡ ዝተፈኣለዩ ኣገልግሎታት፡ መፍረይ ኢንዱስትሪታትን ገንዘባውን ትካላትን ከኣ ብሰፊኡ ይዝውተሩ። ብዓብይኡ ድማ ኣብ መዓልቲ 3.3 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳድን 1.3 ሚልዮን በርሚል ፈሳሲ ጋዝን ናብ ዕዳጋ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ኣለዋ። ኣብ መዓልቲ 2.6 ሚልዮን ነዳዲ ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ዘለዎ ትካል ከኣ ትውንን።
በዚ መሰረት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ናይ ዝፈሪ ነዳዲ ሓደ ርብዒ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ 12% ናይ ኢራን ምዃኑ ይሕበር። ምስዚ ኩሉ ግና ብሰንኪ ተደራራቢ እገዳታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ናይ ምቕራብ ዕድላ ድሩት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ምስዚ ኩሉ 80% ነዳዲ ኢራን ቻይና እያ እትዕድጎ።
ግብጺ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህባ’ያ ተባሂሉ ዝተወርየ ሓሶት’ዩ ኢላቶ
Thursday, 26 February 2026 12:02 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዕለታዊ ጋዜጣ ግብጺ ኣህራም፡ ኣብ ናይ 24 ለካቲት 2026 ሕታማ፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ግብጺ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢኢትዮጵያ ተዓጻጻፍነት እንተርእያ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ንክትረክብ ክትድግፋ’ያ ዝተባህለ ሓሶት ምዃኑ ኣፍሊጣ።
እታ ጋዜጣ ናይቲ ብመንግስቲ ግብጺ ዝተነጽገ ዜና መንቀሊ ሓሶት ምንባሩ ጠቒሳ፡ መርገጺ ግብጺ ኣብ ማያዊ ጸጥታን ኣካይዳ ኢትዮጵያን መርገጻ ከምዘይተቐየረ ገሊጻ። እቲ ነቲ ናይ ሓሶት ወረ ዝዘርገሐ ኣካል፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዘይቅየድን ሓባራዊ ተጠቃምነት ዘይረዳእን ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ ናይተን ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ሩባ ኒል ዘለዋ ክልተ ሃገራት መሰል ዘይገሃስ ምዃኑ ኣብቲ ሕታማ ኣስፊራ።
ንጋዜጣ ኣህራም ሓበሬታ ዝሃበ ላዕለዋይ በዓል መዚ ግብጺ፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣካል እስትራተጅያዊ ናይቲ ማያዊ መተሓላለፊ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ናይተን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ድሕንነት ዝተሓሓዝ እዩ ምባሉ’ውን ተሓቢሩ። ካብኡ ወጻኢ ዝኾነት ሃገር ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ተሳትፎ ኣይህልዋን ኢሉ።
እዚ ናይ ግብጺ ምንጻግ ዝመጸ ዘ ናሽናል ዝተባህለት ናይ ኢማራት ጋዜጣ፡ “ካብ ካይሮ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ” ብዝብል፡ ግብጺ ናብ ኢትዮጵያን ዋሽንግተንን ምስ ናይ ሕበረት ኣፍሪቃ መሳርሕታ ኮይና ንኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ንምህናጽ ዘኽእል እማመ ኣቕሪባ ዝብል ዜና ስለ ዝዘርግሐት ምዃኑ ከኣ ጋዜጣ ኣህራም ኣፍሊጣ።
.እቲ ብኣህራም ዝተዘርግሐ ዜና፡ ግብጺ ብዘለዋ ዞናዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓቕሚ፡ ኢትዮጵያ ናብ ውደባት ስዑዲ ዓረብ፡ ሶማሊያን ጅቡትን ዝህልዋ ሕቶ ንምድራት’ውን ከም እትሰርሕ ጠቒሱ። ብምትሕሓዝ ድማ ነዚ ዝምልከት እማመ ናብ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ከም ዝቐረበትን ብዛዕባቲ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ዘሰሓሕብ ጉዳይ ሓጽቢ ሕዳሰ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናብ ዘተ እትቐረብ በዚ መንፈስ’ዚ ከም ዝኸውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸብጻባት ከቕርቡ ንዝጸንሑ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ዝነበሮም ኣፍልጦ ከም ዘቋረጸ ማዕከል ዜና ኤኤፍፒ ኣፍሊጣ። በዚ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት መበል 39 ምዱብ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 14ን 15 ለካትቲት 2026 ናብ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉ ተፈሊጡ።
እቶም ኢትዮጵያውያን ናይ ሮይተርስ ጋዜጠኛታት ዝተኣገዱ፡ ኢማራት ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን (RSF)፡ ንምሕጋዝ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል መደበር ታዕሊም ከም ዝመስረተት ብምስልታት ኣሰንዮም ስለ ኣቃልዑ ምዃኑ ተገሊጹ። እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ መደበር ታዕሊም ዝምልከት ጸብጻብ ዘውጽኡ ኣስታት 15 ምንጭታት ብምጥቃስን ብብዙሕ ምስልታት ብምስናይ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብወገና ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ጋዜጠኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ንወሃቢ ቃል ሮይተርስ ሓቲታ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ሓቂ ምዃኑ መረጋገጺ ከም ዝረኸበት ኣስፊራ። ወሃቢ ቃል ሮይተርስ ብዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ ጋዜጠኛታት ማዕከን ዜና ሮይተር ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ምዕባለታት እናተኸታተሉ፡ ብዘይ ሻራ ስረሖም ኣብ ኢትዮጵያ ክቕጽሉ እዮም።
ሮይተርስ ላዕለዎት ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ከይተረፉ፡ ኢማራት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል መደበር ታዕሊም ምምስራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ዘድሊ ቀረባት እውን ንሳ ከም እትኽእሎ ከም ዘረጋገጽሉ’ውን ይጠቅስዩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መደበር ታዕሊም ድሮናት ዝዋፈራሉ መደበራት እውን ከም ዘጠቓልል ጸብጻባት ሮይተር ዝውስኽ እዩ።
ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ብወገኖም ናይዚ መደበር ታዕሊም ኣብ ጥቓ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ምህናጹ፡ ሳዕቤኑ ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ኣይተረድኦምን ዝብል ግምቶም ከም ዝህቡ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ።
ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምእጋድ እቶም ጋዜጠኛታት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ኢማራት ግና ንጸብጻብ ሮይተርስ ኣሉታ ሂባትሉ እያ።