ሓርበኛ ሓው ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1949 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ዓዲ ዃላ ኣብ እትርከብ፡ ዓዲ ባሕሮ ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ክሳብ 8ይ ከፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ዓዲ ዃላ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ከይዱ ክሳብ መበል 12 ክፍሊ ቀጺሉ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ድማ ኣብኡ ብሞያ ምምህርና ክስልጥንን ከም መምህር ከስትምሃርን 5 ዓመታት ጸኒሑ። ካብኡ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ።
ነፍስሄር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ 60ታት ምስ መዛንኡ በዓል ዓብደላ ሓሰንን ገረዝጊሄር ተወልደን ካብቶም ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንጡፋት ዝነበሩ ተመሃሮ ሓደ ነይሩ። ኣብ 1965 ወርሒ 3 ብተመሃሮ ልዑል መኰነን እተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ንጡፍ ተራ ነይሩዎ። ኣብ 1966 በብሓሙሽተ ኣሃዱታት ኣብ ምቛምን ካልእ ኣገደስቲ ስርሓት ኣብ ምክያድን ዝንኣድ ግደ ኣበርኪቱ። ኣብ 1974 ወርሓት ክረምቲ ድማ በታ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝነበረት ስትርቲ ጉጅለኡ ተወኪሉ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ንምስታፍ ናብ ሱዳን ከሰላ ከይዱ።
ኣብ ሱዳን ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ጸነሐ፡ ንቐጻሊ ውድባዊ ተልእኮ፡ ብስቱር ብተሰነይ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ፡ ካብኡ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ተመሊሱ። ድሕሪ ንዝተወሰነ ግዚ ትምህርቱ ምቕጻል ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ኣብቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ዓዲ ዃላን ሰንበልን እሱራት ዘውጸኣትሉ ስርሒት 1975፡ ኣብ ናይ ዓዲ ዃላ ድሕሪ ምስታፉ ድማ፡ ኣብቲ ዓመት ናብ ሜዳ ወጺኡ ኣብ 2ይ ሃገራዊ ጉባአ ተሓኤ ከም ዝተሳተፈ ብህይወት እንከሎ ዝሃቦ ቃል የረድእ።
ጸጋይ ተስፋይ እቶም ምስጢራዊ ስረሓት እናካየዱ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወደቑ ሓርበኛታት ወልደዳዊት ተመስገንን ስዩም ዑቕባሚካኤልን ምስተኣሰሩ፡ እቲ መስርሕ ቃልሲ ንከይቋረጽ ንዓኣቶም ተኪኦም ካብ ዘቐጸልዎ ተበዓት መንእሰያት ሓደ ምንባሩን ናይታ ተጋዳላይ ዓብደላ ሓሰን ዝመርሓ ዝነበረ ጉጅለ ኣባል ከምዝነበረን’ውን ብቐረባ መቓልስቱ ይምስክሩ።።
ጸጋይ ኣብ መደበር ተዓሊም ስዉእ ዶር ፍጹም መባእታዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ምስ ወሰደ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረተ ሰብኣዊ ጉዳያት ክፍሊ ትምህርቲ ተመዲቡ ብትግሃት ተቓሊሱን ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ንትምህርቲ ዝምልከት መጽናዕቲ ንምክያድ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ኣብ ሓይሊ 425 ተመዲቡን። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ምጣነ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ጋሽ ተመዲቡ ወኪል ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ከተማ ዓሊግድር ኣባል ስውራዊት ሽማግለ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ክፍሊ ኢንዱስትርን ክፍሊ ስንቅን ግቡኡ ፈጺሙ።
ድሕሪ ናይ ተጋድሎ ሓነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ምእታው ከኣ፡ ኣብ ከሰላ ኣባል ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ሓላፊ ክፍሊ ገንዘብን መምህርን ኮይኑ ክቃለስ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ። ኣብኡ’ውን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ንጡፍ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ።
ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡ እነሆ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ፡ ናይታ እዚ ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለላ ኤርትራ ሓመድ ተነፊግዎ ኣብታ ናይ ስደት ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ክለብስ እዩ።
እቲ ንሃገርን ህዝብን ዝኸፈሎ ዋጋ “ከም ናይ ኩሎም ስዉኣት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክዝከር ክነብር እዩ።” መሪሕነትን ኣባላትን ሰዲህኤ ከኣ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃንና እናረጋገጽና፡ ንስዉእ ብጻይና “መንግስተሰማይ የዋርሶ፡” ንቤተሰቡን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ድማ “ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃበና” ንብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ህዝቢ ትግራይ ንፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል “ብቑዓት እዮም” ዝብሎም ሕጹያት ንክረቁሕ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኡ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.) ብምሕባር ብ26 መጋቢት 2025 መጸዋዕታ ከም ዘቕርበ ዝተፈላለያ መዲያታት ኢትዮጵያ ገሊጸን። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ መጸዋዕታኡ እቲ ዝርቋሕ “ስረሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ብብቕዓት ዘተግብር ክኸውን ይግበኦ” ከም ዝበለ ከኣ ተጠቒሱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፡ ብናይ ግሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ብቋንቋ ትግርኛ ክኸውን እንከሎ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምስረት እንከሎ፡ ዝተዋህቦ ግዜ 2ተ ዓመታት ምንባሩ ጠቒሱ ኣድላይ እንተኾይኑ ንክናዋሕ ዝፈቅድ እዩ ነይሩ ክብል ኣስፊሩ። ብዛዕባ እቲ መጸዋዕታኡ ከብርህ እንከሎ ብመሰረት፡ ዓንቀጽ 62/9 ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብኣዋጅ 359/1995 ቁጽሪ 15(3) ዝጸደቐ እዩ። እዚ ኣዋጅ ኣብ ሓደ ክልል ሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ ፈደራኣልዊ መንግስቲ፡ ነቲ ዝጸንሐ ናይቲ ክልል ቤት ምኽርን ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካልን ኣጊዱ፡ ተጸዋዕነቱ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዘኽእሎ እዩ።
ብመሰረት መጸዋዕታ ኣብይ ኣሕመድ፡ በዚ ኣገባብ ዝቐውም ግዝያዊ ምምሕዳር ዕድመኡ ካብ 2 ዓመታት ከምዘይነውሕ ብምጥቃስ፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣድላይነቱ መዚኑ ን6 ኣዋርሕ ጥራይ ከናውሖ ከም ዝኽእል ኣብቲ ኣዋጅ ዝተመልከተ ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ናይ 1995 ኣዋጅን ስምምዕ ፕሪቶርያን መሰረት ብምግባር፡ 9 መጋቢት ብ2015 ብዝወጸ ኣውጅ 533/2015 ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተመስረተ ድማ ተጠቒሱ። ናይቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀንዲ ተልእኮ “ቀጻሊ ምርጫ ምድላው” ከም ዝነበረ እውን ሓቢሩ።
ስለዚ እቲ ቀንዲ ዕማም ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ስለ ዘይተተግበረ፡ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺእካ ንቀጻሊ ሓደ ዓመት ዝመርሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ምምስራት፡ ናይ ግድን ከም ዝኾነ ኣብቲ ሕጹያት ናይ ምርቋሕ መጸዋዕታኡ ጠቒሱ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምንዋሕ ዕድመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ፓርላማ ኣኼባ እውን ገሊጽዎ ነይሩ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፕረሲደንት ትግራይ ንምምራጽ ይኽትሎ ንዘሎ ኣገባብ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡሎ።
እዚ ምስሊ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተወስደ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዙሕ ዘይተዘርበሉ፡ ኣብ ውሱን ከባቢ ጥራይ ኣጀንዳ ኮይኑ ዝጸንሐ ስቓይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዘድልዮ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ዛዕባ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዘውጽኡ ኣካላት ሓደ ዝኾነ “ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን” ነቲ ኩነታት፡ “ነፊጾም ከይዶም ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዓብይ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ስደት ኣብ ኤርትራ ጌና ኣየብቀዐን” ኢሉ፡ ኤርትራውያን ከም መንግስቲ ተገዲሱ ዝሕለቐሎም የለን ኢሉ “እቶም በዚ ተረኽቦ እንግደስ እቶም ብጉዳይ ህዝቢ እንሓምም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኣካላት ኢና” ክብል መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
ፖለቲካ ሊቢያ፡ ካብ 2020 ጀሚሩ ዝያዳ ክበላሾ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢቱ ቀንዲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ሊቢያ’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እውን ብመንገዲ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ ንምስገር እትምረጽ ሃገር ብምዃና ክሳብ ሎሚ ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግህሰታትን ዓመጻትን ምዃኖም ጌና ቀጻሊ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ነቶም መንግስቲ ህግደፍ ዝኸሓዶም ጽጉማት ክንገብረሎ ካብ እንኽእሎ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላት ከይሰልከያ ክሕግዘሎምን ክጣበቓሎምን ብቐጻሊ መጸዋዕታ ምቕራብ እዩ። እቶም ግዳያት ዘስምዕዎ ዘለዉ ኣውያትን መጸዋዕታን እውን ነዚ እዩ።
ስደት መፍትሒ ከምዘይከውን ተደጋጊሙ ዝተገልጸ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ስደት ዝደፍእ ምዃኑ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ዝገብርዎ ጉዕዞ ውሑስ ምዃኑ ከረጋግጹ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተደጋጊሙ ዝተገለጸኳ እንተኾነ፡ ሎሚ እውን ክንደግሞ ንግደድ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊቢያ ይሳቐዩ ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት በብዘለና ተኽእሎ ምሕጽንታኦም ከነቃለሓሎም ከም ዝግባእ ነዘኻኽር።
ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ን11 ሃገራት ኣብ ቀይሕ ዝርዝር ኣስፊሩ፡ ዜጋታተን ምሉእ ብምሉእ ናብ ሃገሩ ከምዘይኣትዉ ዝእግድ ንድፊ ኣዳልዩ ከም ዘሎ ኤሮኒውስ (Euronews) ሓቢራ። ካብ 43 ሃገራት ነተን ዝተረፋ ከኣ ኣብቲ ንድፊ ኣብ ዝርዝር ሕብሪ “ብጫን ኣራንሽን” ሰፊረን ከም ዘለዋ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ምምሕዳር ትራንፕ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጉዕዞ ገደብ ዝምልከት ንድፊ ከውጽእ ዝወሰነ “ንሃገራዊ ጸጥታን ህዝባዊ ድሕነትን” ብዝብል ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
በቲ ካብ ዝተፈላለያ መድያታት ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ምሰረት፡ እዘ 43 ሃገራት ኣብ ሰለስተ ዝርዝር ተመዲበን ቀሪበን ኣለዋ። እተን ኣብ “ቀይሕ ዝርዝር” ሰፊረን ዘለዋ ምሉእ ብምሉእ ዜጋታተን ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ዝእገዱ ኮይኖም፡ ኣፍጋኒስታን፡ ቡህታን፡ ኩባ፡ ኢራን፡ ሰመኤን ኮርያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ ሱሪያ፡ ቬንዝዋላን የመንን እየን።
ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ከኣ ኣብ ዝርዝር ሕብሪ “ኣራንሺ” ዝሰፈራ ኮይነን፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይኮነ፡ ንስደተኛታት፡ በጻሕቲ ሃገርን ተመሃሮን ብዝትንክፍ ፍሉይነት ዘለዎ ከፊላዊ እገዳ ክውሰነን ተሓሲበን ዘለዋ እየን። ኣብዚ ዝርዝርዚ ሰፊረን ዘለዋ ድማ፡ ኤርትራ፡ ቤላሩስ፡ ሃይቲ፡ ላኦስ፡ ሚያንማር፡ ፓኪስታን፡ ሩሲያ፡ ሲራልዮን፡ ደቡብ ሱዳንን ቱርኮሚስታንን እየን።
ኣብ ዝርዝር “ብጫ” ሰፊረን ዘለዋ እተን ዝበዝሓ ኮይነን፡ ኣብ 60 መዓልታት ብመንጽርቲ ኣሜሪካ ኣውጺኣቶ ዘላ መምዘኒ ዘርእየኦ ምምሕያሽ ኣብ ግምት ኣትዩ ናብ ዝርዝር ቀይሕ ወይ ኣራንሺ ተሓዊሰን፡ ብጠቕላላ ወይ ብኸፊል ዝእገዳ እየን። ኣብዚ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት ከኣ፡ ኣንጎላ፡ ኣንቲጉዋን ባርቡዳን፡ በኒን፡ ቡርኪናፋሶ፡ ቫናቱ፡ ጋምቢያ፡ ዲሞክራቲክ ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ዙምባብወ፡ ኬፕቨርደ፡ ካምቦዲያ፡ ካሜሩን፡ ኮንጎ፡ ላይበሪያ፡ ማውሪታንያ፡ ማላዊ፡ ማሊ፡ ሳኦተመን ፕሪንችፐን፡ ጊኒ፡ ሰይንት ኪትስን ነቪስን ቻድን እየን።
እዚ ንድፊ ቅድሚ ምትግባሩ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክሓልፍ ስለ ዝኾነ፡ ካብዚ ንድፊ ዝወጻን ኣብቲ ንድፊ ዘየለዋ ዝውሰኻን ሃገራት ከም ዝህልዋ ይግመት።
ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ዕድመ ንኽልቲኡ ጾታታት ዝምልከት ኢዩ።
እዚ ብመኽሰብ ኣልቦ ትካል ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ ብምትሕብባር ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ጀርመን፡ ክካየድ ዝጸንጸሐ ፈስቲቫል፥ ሎሚ ዓመት እውን ካብ ዕለት 1 ክሳብ 3 ነሓሰ 2025 ክካየድ ምዃኑ ከነበስረኩም ንፈቱ።
ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ዝካየደሉ ኣድራሻ፦
Goethe-Universität Frankfurt Bockenheimer warte, MertonStr. 26-28 D-60325 Frankfurt am Main ከምዝዀነ ካብ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2025 ዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ ኣሎ።
ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ’ዚ ተዳልይልኩም ዘሎ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ሰሚናር፥ ከምኡ‘ውን ባህላውን ዘመናውን ሙዚቓን መኣዛ ዘለዎም ዝተፈላለየ ዓይነታት መግብን መስተን ክትቋደሱ ብኽብሪ ንዕድም።
ዝርዝር መደባት ፈስቲቫል ከነስዕበልኩም ኢና።
ብደሓን የራኽበና።
ቤት ጽሕፈት ዜና ፖሓኤ
16 መጋቢት 2025
ጅነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ምክትል ፕረሲደት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ትግራይ ናይ ኤርትራን ትግራይን ዓውዲ ውግእ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ “ኣፍሪቃ ሪፖርተር” ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ሰፊሕ ጽሑፍ ኣውጺኡ። ኣብዚ ጽሑፉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪ ይሕይል ኣብ ዘለወሉ ክልል ትግራይ ኣብ ማእከል ከም እትቕርቀር ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኾነ ግዜ ውግእ ክባራዕ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣስፊሩ።
ብሰንክ’ቲ ውግእ ከም ሱዳን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ተጐቲቶም ናብቲ ውግእ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ጠቒሱ፡ ትግራይ በቲ ዘለዋ ኣገዳሲ ዓቕሚ ማኣከል ናይቲ ግጭትን ውጽኢቱን ክትከውን ከም እትኽእል ገሊጹ። ከምቲ ንቡር ግና ትግራይ ካብቲ ውግእ ተዓቂባ ንሰላም ክትሰርሕ ይግበኣ ምኽንያቱ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ ብውግእ ስለ ዝተሳቐየት ምርጨኣ ንሰላም ምስራሕ ክኸው ስለ ዝግበኦ ኢሉ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ምቅርራብ ቀስብቀስ እንዳተጸንቀቐ ስለ ዝመጸ፡ ናብ ውግእ ምእታወን ዘይተርፍ እዩ ድሕሪ ምባል ድማ፡ እቲ ናይ ውግእ ምድላዋት ዳርጋ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ዝበጸሐ ከም ዝመስልን ንድሕሪት ምምላሱ ከምዘይከኣልን ኣብቲ ነዊሕ ጽሑፉ ኣስፊሩ። ብመንጽር’ዚ ትግራይ ኣብ ወሳኒ፡ ጀኦግራፍያዊ፡ ታሪኻውን ባህላውን ከምኡ እውን ፖለቲካዊ መራኸቢ ቦታ ስለ እትርከብ ኣዝያ ብውግእ ዝተሃስየት እያ ክብል ኣስፊሩ።
ትግራይ ካብቲ ጀኦግራፍያዊ ዓቐና ዝያዳ፡ ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ስለ ዘለዋ፡ ኣቀማምጠኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸላዊ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ንጉርብትና ኣብ ዝምልከት እውን ምስ ሱዳንን ኤርትራ ዘራኽብ ዓለምለኻዊ ዶባት ከም ዘለዋን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከኣ ምስ ኣምሓራን ዓፋርን እትዳወብ ኢሉ።
ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ክጠቅስ እንከሎ፡ ድማ ኢሳያስን ደገፍቱን፡ ብወተሃደራዊ ኣብነት ንእስራኤል ብቁጠባዊ ዕቤት ሲንጋፖር ከምኡ ድማ ብማሕበራዊ ዕቤት ደንማርክን መሲሎም ክቐርቡ ከም ዝደልዩ ጠቒሱ። ኣስዒቡ ከኣ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ናቶም ዓቕሚ ዘይኮኑ ዝምርኮሱ፡ ኣብ ሃብቲ ጐረባብቶም ክንጥልጠሉ እዮም ዝደልዩ ክብል ገሊጽዎም። ቀጺሉ ከኣ ስስዐ ኤርትራ ካብ ግዜ ነጻነት ጀሚሩ እናገደደ ክመጽእ ከም ዝጸንሓ ጽሒፉ።
መንግስቲ ኤርትራን ነቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብን፡ ኣገዳሲነት ትግራይ ስለ ዝፈልጥዎ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዘሎ ትግርኛ ዝዛረብ ሓዎም ክዕወቱ ከምዘይክእሉ ስለ ዝርድኡ፡ ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይድዎ ውግእ፡ ብዘይትግራይ ክዕወቱስ ይትረፍ ክህልዉ እውን ኣይክእሉን እዮም ይብል።
ድሕሪቲ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓቢሮም ኣንጻራ ዘካየድዎ ኣጽናቲ ውግእ፡ ትግራይ ሎሚ’ውን ናብ ውግእ ክትኣቱ ከገድዳ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ከም ምርጫ ግና ንትግራይ ዘዋጸኣ ነቲ ኣገዳሲ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባር እዩ ይብል እሞ፡ ዋላ’ኳ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእዩ ዝብሉ እንተኾኑ፡ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተናወሐ ክኸውን እዩ’ውን ኢሉ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ውግእ፡ ንክንደይ ግዜ ይካየድ ብዘየገድስ፡ ውጽኢቱ ዞባዊ ዕንወት’ውን ከም ዘኸትል ኣስፊሩ፡ ኣተሓሒዙ ከኣ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ናይ ሃገራት ድሕርቲ ውግእ ክቕየር ከም ዝኽእል ዘለዎ እምነት ኣስፊሩ። ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከኸትል ከም ዝኽእል ከኣ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ካይካየድ ዝፍረሓሉ ዘሎ ግዜ፡ ዓለም ኣብ ከም ናይ ዩክረይንን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዛዕባታት ኣብ ዝተጸምደትሉ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ናይቲ ውግእ ናይ መወዳእታ ዕድል ኣብ ትግራይ ከይከውን ዘለዎ ስግኣት ዝጠቐሰ ጀነራል ጻድቃን፡ በዚ መሰረት ደጊሙ ምርጫ ትግራይ ወግእ ዓጺፍካ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባርን ኣብ ሕውየት ምስራሕን ከም ዝኸውን ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ህግደፍፍ ብወገኑ ነዚ ገምጋማዊ ጽሕፉ ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ ብመንገዲ የመነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ናይ ተቓውሞ መልሲ ሂብሉ’ሎ።
ሞት ገዲም ተጋዳላይ ሃነጸ ካሕሳይ ብዘሕዝን ኩነታት ሰሚዕናዮ። ተጋዳላይ ሃነጸ ኣብ 1957 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ድብድብ ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ፡ ኣብ ደቀምሓረ ክሳብ መበል 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስምዒት ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ብ1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ መባእታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ናባጋደ ኬቦ ይተባህለ መደበር ምስ ወሰደ ኣብ ሓይሊ 372 ተመዲብዲ እናተቓለሰ ብ1977 ኣብ ሰላዕዳዕሮ ተወጊኡ።
ድሕሪ መውጋእቱ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምጣነ ሃብቲ ክፍሊ ኮኦፐራቲቨ ተመዲቡ ክሳብ ተሓኤ ናብ ሱዳን እትኣቱ ተቓሊሱ። ኣብ 1983 ድማ ኣብ መንጎ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ቃልሱ ኣብ ምቕጻል እንከሎ፣ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ካብ ዝተኣስሩ ካድራት ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ነይሩ። ካብ ማእስርቲ ምስ ወጸ ቃልሱ ብምቕጻል ከኣ ኣብ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ካርቱም ብደረጃ ኣቦመንበር ጫንፈርን ካልእ ጽፍሕታትን ዝተቓለሰ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጻናት ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንክረኽቡ ርኡይ ጻዕሪ ካብ ዝገበሩ ካድራት ውድብ ሓደ ነይሩ። ነፍሰ-ሄር ሃነጸ ከም ሰብ ተጻዋታይ፡ ተዋዛያይ፡ ለጋስን ኣብ መትከሉ ጽኑዕን ከም ዝነበረ ከኣ መቓልስቱ እንምስክሮ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ዕለተ ዕርፍቱ ኣብዝኣመነሉ ውድብ ብትብዓ ክቃለስ ጸኒሑ
እንተኾነ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ብ9 መጋቢት 2025 ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዓሪፉ ከምቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ሓርበኛታት፡ ናይታ ዝተቓለሰላ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ተነፊግዎ፡ ኣብታ ዝዓረፈላ ኡጋንዳ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ሓው ሃነጸ ካሕሳይ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ ዋጋ እናተዘከረ ዝነብር ኮይኑ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕርፍቱ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ “ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም” ንብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
8 መጋቢት 2025 ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ዝኽበረሉ ኣጋጣሚ፡ ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለን ተወልደ ስእለን ድማ “ሕጋዊ ህዝባዊ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ኤሪፒኤም” ንምምስራት፡ ካብ ዘካይድዎ ዑደታቶም ሓደ ስለ ዝነበረ ዝተረኽብሉ ነይሩ። ምስ ደለይቲ-ፍትሒ ኤርትራውያን ዝወደብዎ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ኦክላንድ ስለ ዝነበረ ብድምቀት ተሰላሲሉ።
ነቲ በዓል ዘሰናድአ ሽማግለ ደለይቲ-ፍትሒ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ብምባልን ስዉኣት ብምዝካርን 8 መጋቢት 2025 ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀንስትዮ እውን ብምዝካር ነታ ዕለት ዘለዎ ኣኽብሮት ብምግላጽ ኣኼባ ተኸፊቱ።
ኣማሓደርቲ ኤሪፒኤም ሕጋዊ ህዝባዊ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ንምቛም ኣብ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት፡ ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያን፡ ኣካላት ደለይቲ ፍትሒ ምንቅስቓሳትን ውዱባትን ብምዃን ናይ ዜና፥ ሓበሬታ፥ ምንቕቃሕን ምልዕዓልን ተራ ዝጻወት፡ ብፍትሕን ማዕርነትን ንኹሎም ምልኪ ብምልጋስ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዝቃለሱ ዘተኣናግድ መድረኽ ንምፍጣር ይጉስጉሱ ኣለዉ። እቲ ትካል ሕጋዊ ፍቓድ ብምርካብ፡ ብግዱሳት ተሳተፍቲ ተነዲፉ ብጉባአ ዝጸድቕ ሕጋዊ መምርሕን መሪሕነትን ዝቐውም፥ ዋንነቱን ተሓታትነቱን ድማ ናይ ዘቖሞ ህዝቢ ክኽውን ዝዓለመ እዩ። ናብቲ መደብ ንምስታፍ ዘኽእል መምርሕታትን ቅጥዕታትን ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዓዲሎም።
ተነዲፉ ዘሎ ዕላማን ቅርጻን ትካል ዘርኢ ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ኣብሪሆም። ንሕቶታት ተሳተፍቲ መሊሶም፡ ርእይቶታትን ምትብባዕን ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተቐቢሎምን። እቲ መግለጺ ብዝርዝር ኣብ ቪድዮታት ኤሪፒኤም ስለ ዝርከብ፡ ግዱሳት ካብኡ ክከታተሉን ክግንዘቡን ይኽእሉ። ብተወሳኺ ጋዜጠኛ ሄኖክ ኣብ ዛዛሚ ኣኼባ ምስጋናኡ ንተሳተፍቲ “ብፍላይ ከኣ ንገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ዝገበርናዮ ዑደት ትሳተፉን ተተባብዑናን ንስኹም ኢኹም። ንሕና ድማ ዘጽናሕኩምልና ዕላማን ሞያ ቃልሲን ድማ ክንቅጽሎ ኢ”’ ብምባል ሞገሱ ገሊጹ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ፥ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ብዝተፈላለዩ ስርዒታዊ ኣገባባት ንሃገራዊ ናጽነትና ዘበርከቱ፡ ከምኡውን ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ንምዕቃብ ኣብ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ፡ ኣብ ምንቅስቓሳት ይኣክልን ብርጌድ ንሓመዱን ዝነጥፉ፡ ብስኒትን ሓልዮትን ንሓርነት ህዝብናን ቅዋማዊ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ዝቃለሱ ዘለዉ እዮም። መርኣያ ደገፎም ከኣ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼ $11, 000.00 ዶላር ኤሪፒኤም ንምስሳን ተወፍዩ። ኤሪፒኤም እታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምክትታል ህዝቢ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ መራኸቢ ብዙሃን እያ።
ድሕሪ ኣኼባ ንኽብሪ ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቅንስትዮ ንነፍሲወከፍ ተሳታፊት ዕምባባ ተዓዲሉ፡ ኣብ ማሕበረ-ሰብ በይኤርያ ንጡፍ ተራ ንዝጻወቱ ኣባላት ድማ ናይ ኣፍልጦን ምስጋናን ምስክር ወረቐት ተዓዲሉ። ንኽብሪ ኣጋይሽ ኣማሓደርቲ ኤሪፒኤም ከኣ ኣብ ቤት መግቢ ቀይሕ ባሕሪ ኦክላንድ ሓባራዊ ናይ ድራር እንግዶትን ዕላልን ተኻይዱ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንጎስጎስቲ ኣካየድቲ ኤሪፒኤም ዓወት ዘሰነዮ ዑደት ክኾነሎም ብምምናይ፡ ዕዉት ውጽኢታዊ ኣኼባታት ንኽግበር ዘዳለዉ፡ መድረኽ ዝመርሑን ዘወሃሃዱን፡ ትጉሃት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ በይ-ኤርያ ዕዙዝ ምስጋና ብምቕራብ ተዛዚሙ።
ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራ ሰለስተ ጀነራላት ብግዝያውነት ኣጊዱ
Tuesday, 11 March 2025 10:28 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሌ/ ጀ ዮሃንስ ወ/ጊዮርግስ፡ ብ/ ጀ ምግበይ ሃይለ፡ ሌ/ጀ ማሾ በየነ
ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ብ10 መጋቢት 2025 ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ጀነራላት ግዝያዊ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ድምጺ ወያነ ትግራይ ሓቢራ። እቶም ብግዝያውነት ዝተኣገዱ ጀነራላት ሰለስቲኦም መራሕቲ ግንባራት ኮይኖም ክእዝዙ ዝጸንሑ ኮኖም፡ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮር (ጆን መዲድ)፡ ብሪጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለን ሌተናል ጀነራል ማሾ በየነን እዮም። ንሱ ናብ ነፍሲ ወከፎም ዝጸሓፎ ደብዳበ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ትሕዝተኦ ከኣ እዚ ዝስዕብ እዩ።
“ካብ ናይ መንግስቲ ውሳነ ወጻኢ፡ መላእ ህዝብና፡ መንእሰያትና፡ ናብ ዕግርግር፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሕድሕድ ግጭት ዘኣቱ፡ ኮታስ ህዝብና ናብ ዘይወጾ ዓዘቕቲ ዘእቱ፡ ምንቅስቓስ ሕዚ’ውን ደው ኣይበለን። በዚ መሰረት ንስኹም ኣዘዝቲ ግንባ ካብ 1 መጋቢት 2017 (10 መጋቢት 2025) ጀሚሩ፡ ስርዓት ኣብ ዘለዎ ኣካይዳ ምርድድዳእ ክሳብ ዝግበር፡ ንዘይተወሰነ ግዜ፡ ካብ ናይ ሰራዊት ናይ ምእዛዝ ሓላፍነትኩም ዝተኣገድኹም ምዃንኩም የፍልጥ።” ይብል።
ፕረሲደንት ጌታቸው ረዳ ናይዚ መእገዲ ደብዳበኡ ቅዳሕ፡ ናብ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካቢነ ሰክተር ሰላምን ጸጥታን ከምኡ እውን ናብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ናይቲ ካቢነ ልኢኹ።
መንእሰያት ናብቲ ዘይውሑስን ዘይሕጋውን ጉዕዞ ባሕሪ እናተዳለዉ
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ዘምርሓ ዝነበራ 4ተ ጃላቡ ብጥሓለን ኣሳፊረናኦም ዝነበራ 186 ሰባት ደሃዮም ከም ዝጠፍአ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምፍላጡ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ካብዞም 5 የመናውያን መራሕቲ እተን ጀላቡ ዝርከብዎም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ግዳያት፡ ናይ 2ተ ሰባት ኣስከሬን ጥራይ ከም ዝተረኽበ እቲ ዜና ሓቢሩ። ነዚ ሓደጋ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሃበ፡ ወሃቢ ቃል ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ታሚም አለያን ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።
ኣብ የመን ናይቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ወኪል፡ ዓብዱሳተር ኢስኮር ብወገኑ፡ እተን ጀላቡ ኣብ ተቐራራቢ ሰዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ ሓያል ንፋስ ምዃኑ ኣስፊሩ። እተን ጀላቡ ዝተፈላለየ ቁጽሪ ሰባት ኣሳፊረን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ እቲ ሓደጋታት፡ ካብ ወረዳ ዱህባብ ምምሕዳር የመን ጣዒስ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ እዩ ተኸሲቱ።
ካብቶም ኣፍሪቃውያን ግዳያት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ከም ዝነበሩ ዝጠቐሰ እቲ ዜና ኣብ ሓንቲ ካብተን ጃላቡኳ፡ 150 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን 4ተ የመናውያንን ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝውተር ኮይኑ፡ ሓያሎ ግዜ ሓደጋ ዘጋጥመሉ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። ኣብ 2023 ጥራይ 97,200 ሰባት በዚ ሓደገኛ መስመር ከም ዝተጓዕዙን እዚ ኣሃዝ ካብቲ ናይ 2021 ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድን ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት በዚ ናይ ጂቡቲ-የመን መስመር ጥራይ 2,082 ሰባት ምጥሓሎም እውን ተጸብጺቡ።
በዚ ሓድሽ ጸብጻብ መሰረት፡ እዚ ሓድጋዚ ብፍሉይ ዓይኒ ዝረአ፡ ብሓንሳብ ክንድዚ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ደሃዮም ምጥፋኡ ዘሰንብድ ብምዃኑ ፡ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድሮ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ራያ 9ተ ስድራቤታት ብሓባር ብሞት ደቆም ብ9 መጋቢት 2025 ከም ዝተረድኡ ተፈሊጡ።