ኣብ ዞባና ዘንጠልጥል ዘሎ ናይ ስግኣት ደበና

2024-09-15 09:02:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 132 times

እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ዓለምና ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ቁጠባውን ቅልውላው እትውጠረሉ ዘላ እዩ። እቲ ብደረጃ ዓለም እናከፍአ ዝኸይድ ዘሎ ምንቁልቋል ቁጠባ፣ መርኣያ ናይቲ ቅልውላው ኮይኑ፡ በብኩርናዑ ዝላብዑ ዘለዉ ውግኣት’ውን፡ ዓለምና ሻቕሎታ መመሊሱ ንክዓርግ ዝድርኽ እዩ። እቲ ቁጠባዊ ቅልውላው ሃስያኡ ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ንመነባብሮ ህዝብና  ክሳብ ክንደይ  ይሕምሶ ከም ዘሎ  ርዱእ እዩ። 

ኣብ መንጎ ሩስያን ዩኩረይንን፡ ኣብ መንጎ  እስራኤልን ደገፍታን ኣብ መንጎ ኢራን እንተዕጥቖም፡ ሓማስ፡ ኢዝቡላህ፡ ሑቲን ካለኦትን ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእን ዘኸትሎ ዘሎ ሰብኣውን ቁጠባውን ዕንወት ዘሰንብድ ኮይኑ፡ ኣብ ካለኦት ኩርነዓት ዓለም ዝረኣዩ ጐንጽታት እውን ኣብቲ ዝጀመርሉ ቦታታት ተደሪቶም ዝተርፉ ዘይኮኑ፡ ጽልዋኦም ብፍላይ ኣብ መዳይ ቁጠባ ዘሕድሮ ምንቁልቋል ኣብ ህይወት ኩልና ዝበጽሕ ዘሎ’ዩ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ስትራተጅያዊ ተደላይነት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባብኤል መንደብን ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብዝካየድ ውግእን ዕግርግርን ተጸላዊ እዩ። ብሰንክ’ቲ እስራኤል ብመሻርኽታ እናተሓገዘት  ኣንጻር ተቐናቐንታ ተካይዶ ዘላ  ውግእ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግዳይ ዝኾና ዘለዋ ናይ ንግዲ መራክብን ነዚ ምክልኻል ዝወፍር ዘሎ  ሰብን ኣጽዋርን ምዕራባውያን ኣሕዲርዎ ዘሎ ተጽዕኖ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሃገራት ዞባና  ድሕረተን፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ኣብ ሕድሕደን ዘሎ  “ናይ መን ዓብለል” ምውጣጥን ዘይርጡብ ዝምድናን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ምሕደራአን ከኣ ኣብ ሓይልን ምልክን ዝተሰረት እዩ። እዚ ነቲ ኣብ ዞባና ኣንጠልጢሉ ዘሎ እንታይ ከም ዝዘንብ ዘይፍለጥ ደበና መሊሱ  ዘኽብዶ እዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ህግደፍ ደኣ ከመላኽዖ ይፈትን እምበር፡ ዕድመ ልክዑ ብሓይሊ ዝገዝእን ሕድሪ ህዝቢ ዝጠለመን ምዃኑ ርኡይ ስለ ዝኾነ፡ ዝኽሕዶ ኣካል ዘሎ ኣይመስለናን። ምኽንያት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ብምዝርዛር እዝኒ ብዙሓት ዘጽመመ ስለ ዝኾነ።  ክሳብ ሎሚ “ ውሽጡ እናሓረረ ስቕ” መሪጹ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ጽባሕ ትዕግስቱ ወዲኡ ኣንጻርቲ ጉጅለ ከም ዝግንፍል ውሁብ እዩ።

ኢትዮጵያ  ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ብሓያል ደማዊ ውግእን ምጭዋይ  ዜጋታትን እያ ትሕቆን  ኣላ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ድማ ድምጺ ጥይት’ኳ እንተሃድአ፡  ኣብ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሰላም ኣይበጸሐን። እቲ ብሓፈሻ ክልል ትግራይ ብፍላይ ከኣ ህወሓት ኣብ ገዛእ ርእሳ ትሕመሶ ዘላ፡ ንማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዘቕስኖ’ ኣይኮነን። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ንግዝይኡ ንዝጥቀመሉ ካብ ምግዳዱ ዓዲ ዝውዕል ኣይውዕል ዝብል ግምት ኣሎ። እቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ መጻኢኡ ንምግማቱ ዘጸግም ሓደገኛ ምክፍፋል ሳዕብየኑ  ኣብቲ ክልል ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝተኾልፈ ተናኻሲ ባህርያት ህግደፍ ተወሲኽዎ ናብ ሃገርና ከይላባዕ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን።

ኣብ ሱዳን ካላኣይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልተ ዘይሓላፍነታውያን ጀነራላት ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ውግእ ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ክንድዚ’ዩ ኢልካ ምጥቃሱ ዘጸግም’ዩ። ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ሱዳን ብሕብረተሰብ ዓለም  ዳርጋ ተርሲዑ፡ መጻኢ ተስፋ ሱዳናውያን ጸልማት ኣብ ዝኾነሉ እዩ ዝርከብ። በሰንክዚ ውግእ ኣደዳ ስደትን ምምዝባልን ኮይኖም ዘለዉ ሱዳናውያንን ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን  ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ሚልዮናት እዮም።

ሶማል ልዕሊ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስግኣት ኣልሸባብ ኮይና፡ ብሓገዝ ብሕብረት ኣፍሪቃ ብዝተመደበ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት እያ ትሕለው ዘላ። ብዘይካዚ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ  ሶማሊያ መቃድሾ ዘሎ መንግስትን ንሶማሊያ ዘቖማ ክፍሊ ምምሕዳራት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብ ላዕልን ታሕትን እትብል ዘላ ሶማሊላንድን ዘሎ ፍልልይ ዝሕምሳ ዘሎ እያ።

ኩነታት እታ “ናብ ምርጫ እጐዓዝ ኣለኹ” እትብል ደቡብ ሱዳን ካብተን ካለኦት ጐረባብታ ሃገራት ብዘይፍለ ብዓሌታዊ ምፍሕፋሕ፡ ምምሕዳራዊ ሕመቕን ቁጠባዊ ምጥፍፋእ ላዕለዎት ሓለፍታን ኣብ ስግኣት ዘላ እያ።

ነዚ ኩሉ ደሚርካ  መብዛሕትኣን ሃገራት ዞባና ብዝተፈላለየ ቅልጣፈ ናብ ደረጃ “ውድቕቲ ሃገር ዘምርሓ ዘለዋ እየን” ዝብል ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሚዛን’ዩ። እተን ሃገራት ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፈን ዘቤታዊ ዋኒን ዘለወን ድሕረት፡ ኣብ ሕድሕደን’ውን ምርድዳእ የብለንን። ኣሰላልፈኣን ከኣ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ወይ ተታሓሒዝካ ምውዳቕ እምበር፡ ሓላፍነታዊ ናይ ምትሕግጋዝን ሓቢርካ ምዕባይን ኣይኮነን።

ብመንጽርዚ፡ ኣብዚ እዋንዚ ሶማሊያን ግብጽን ሓቢረን ኣንጻር ኢትዮጵያ ተሰሊፈን ክሳብ ወተሃደራዊ ምጥምማት በጺሐን ኣለዋ። ኣንጻር ኢትዮጵያ ንክሓብራ ነናተን ምኽንያት ኣለወን። ናይ ሶማል ኣንጻር ኢትዮጵያ ምስላፍ ቀንዲ  ምኽንያት፡  ምስቲ ኣብ መንጎ ሓንቲ ካብ ክፍልታት ሶማሊያ ዝኾነት ሶማሊላንድን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዘይኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ መቃድሾ መረዳድኢ ሰነድ ምኽታሙ እሞ ሶማልያ “ልኡላውነተይ ተደፊሩ” ዝብል ቁጥዐ ስለ ዝሓደራ እዩ። ብሰንክዚ ከኣ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣካልቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማሊያ ዝምደብ ዓቃብ ሰላም ከይከውን ወሲና ተውጸኦም ኣላ።

ግብጺ ድማ “ኢትዮጵያ ዝጸንሐ መግዛእታዊ ውዕል ጥሒሳ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ሃኒጻ ናባይ ካብ ዝውሕዝ ማይ ብምንካይ ጎረሮይ ሓኒቓ  ኣብ ሓደጋ ከተውድቐኒ ወጢና” ብዝብል ውህሉል ቂምን ቁጠዐን ስለ ዝጸንሓ እያ።

ጉጅለ ህግደፍ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ዘይተጸንዐን ህውሓት ንምጥፋእ ዝዓለመን ዝምድና ስለ ዝላሕለሐ፡ ድምጺ ኣጥፊኡ ምስ ሶማሊያን ግብጽን ወጊኑ ኣሎ። ብዘይካዚ ምስ ናይ ኣምሓራ ፋኖ “ኣለዎ ዝባሃል ምትሕግጋዝ” ተወሲኽዎ፡ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መንገዲ ኣየር በረራ ክሳብ ምቁራጽ በጺሀነኦ ዘለዋ ደሚርካ ሓደ መርኣያ ምርሕሓቐን ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ኣብ ርእሲቲ ናይ ዞባና ሃገራት ውሽጣዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ኣጸጋሚ፡ ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ዝምድና ድማ ዝተተፋነነ ምዃኑ፡  ኣብዚ ዞባና ናይ ርሑቕ ሓይልትታ ኣእዳው እውን ነዊሕ እዩ። ኢትዮጵያን ሶማልያን ከተትዓርቕ ፈቲና ዘይሰለጣ ቱርኪ፡ ኣብ ሶማሊያ መደበራት ሓይሊ ምድርን ባሕርን ከፊታ ሰራዊታ ኣዋፊራ ኣላ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ሶማሊያ መደበር መፈተኒ ኑክሌር ክትከፍት እያ ዝብል ሓበሬታ’ሎ። ኣብ መንጎ ቱርክን ግብጽን ንነዊሕ ግዜ ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኣብዚ እዋንዚ ይመሓየሽ ምህላዉ ከኣ፡ ኣብ ምቅርራብ ናይቲ ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ዝስለፍ ዘሎ ሓይልታት ግደ ክህልዎ እዩ።

ሩሲያ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ፡ ኣብ ሱዳን ከባቢ ሰዋኪን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህናጽ  መደብ ኣለዋ። ብዘይካዚ ሞስኮ  ምስቲ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ምስኣ ዝተሰለፈቶ፡ ኤርትራ ንምትብባዕ “ውጥም ቅልቅል” ትብል ኣላ። ካብ ባሕሪ ኤርትራ ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ዘሎ ጻዕቂ መራክብ ውግእ ምዕራባውያን ድማ ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ሩሲያ፡ ቻይና፡ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ህንድን ሕብረት ኤውሮጳን ዝኣመሰላ “ዓቕምን ጽልዋን ኣለና”  በሃልቲ ሃገራትን ዞባዊ ትካላትን ፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዘን ይንቀሳቐሳ ምህላወን ኣብተን ሃገራት ኢድካ ናይ ምእታው ተልእኮ ከም ዝህልወን ዘመልክት እዩ። እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ናብ ዋሽንግተን፡ ሞስኮን በጂንግን እናጸዋዕካ ዝካየድ ዋዕላታት እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረኣይ ኣይኮነን።

ስለዚ እቲ ኣብ ዞባና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ከም ህግደፍ ንዝኣመሰሉ ካብ ዘቤታዊ ህዝባዊ ኣጀንዳ ዝሃድሙ መሕብኢ በዓቲ ፈጢሩ ዕድመኦም ስለ ዘናውሓሎም  ሓደገኛ እዩ። እዚ ኩሉ ሕልኽልኻት ኣብ ዝምዕብለሉ ከባቢ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ  ኣማዕዲኻ ኣብ  ምርኣይ ከይተወሰነ፡ ልኡላዊ ክብሪ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምዕቃብ ተቐራሪቡ እጃሙ ዘይምርካቱ ተወሳኺ ሓደጋ ምዃኑ ክግንዘብ ይግበኦ።

Last modified on Sunday, 15 September 2024 11:21