EPDP News

ካብ ማሕበራዊ መዲያ ዝተወስደ ስእሊ

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ29 ታሕሳስ 2025 ብጉዳይቲ እስራኤል b26 ታሕሳስ 2025 ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ዝሃበታ ኣፍልጦ ንምዝርራብ ህጹጽ ኣኼባ ኣክይዱ። ዝለዓለ ኣብዘሓ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ክቃወምዎ እንከለዉ፡ ኣሚሪካ ግና ነቲ ስጉምቲ ተኸላኺላትሉ።

ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣልጀሪያ፡ ሰራሊዮን፡ ሶማሊያ፡ ጊኒያ ከምኡ እውን ፓኪስታን ንተግባራ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ ዝምልከት ዘቕረብዎ እማመ መግለጺ፡ነቲ ስጉምቲ ብትሪ  ኮኒንዎ። ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ መግለጺ ሶማሊላንድ ብዝኾነ መለክዒ ምስ ካልእ ሃገር ክትራኸብ ከምዘይትኽእልን ብምጥቃ ዝበጸሓቶ ስምምዕ ድማ ስሩዝ ምዃኑ ተገሊጹ።

ስጉምቲ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ፡ ቀጥታዊ ጥሕሰት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ግህሰት መሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን ዓለም ለኻዊ ሕግን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኩለን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሓባር ኣንጻርቲ መሰረታዊ ሕግታት ዓለም ዝኾነ ስጉምቲ እስራኤል ስጉምቲ ንክወስዳ ድማ ጸዊዑን።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ብመሰረት ስምምዕ እስራኤልን ሶማሊላንድን ህዝቢ ፍልስጥኤም ካብ ጋዛ ንምምዝባል ዝውሰድ ስጉምቲ ዘይሕጋዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሞራላዊ እውን ከምዘይኮነ ከኣ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ። መጻኢ ዕድል ህዝቢ ፍልስጥኤምን ልኡላውነት ሶማሊላንድን ፖለቲካዊ መጣልዒ ክኾኑ ኣይግበኦምን ድማ ኢሉ።

ምክትል ተወካሊት ኣሜሪካ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ታሚ ብሩስ ብወገና ንውሳነ እስራኤል ብምድጋፍ “ከም ዝኾነት ሃገር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትፈጥር መሰል ኣለዋ፡ ንፍልስጥኤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት እውን እኮ ኣለዋ ኢላ። ኣተሓሒዛ ድማ ብጉዳይ  ስጉምቲ ናይ ካለኦት ሃገራት ግና ህጹጽ ኣኼባ ኣይተጸውዐን፡” ኢላ። ግብጺ ብወገና ኣብቲ ተግባር ብዘለዋ ልዑል ተቓውሞ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ   ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዓ።

 ቤት ምኽሪ ጸጥታ ፍሉይ ኣኼባ ቅድሚ ምጽውዑ፡ ዝተፈላለያ፡ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ዞባዊ ውዳበታት፡ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላትን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብዘይካ ኣሜሪካን ብወገነን ንተግባር እስራኤል ክቃወማ ጸኒሐን እየን።

ኤርትራ ኣብዚ ኣብዚ ተረኽቦ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ብዙሓት ወገናት ዘይብሱልን ዘይንጹርን” ዝበልዎ ኮይኑ፡ እቲ ጸወታ ሓድሽ ምስጢርተዘይብሉ፡ ንሓደገኛ ዞባውን ዓለማውን ቅልውላውን ዕንወትን ኪጥጃእ ዝጸንሐ ስለዝዀነ፡ ኪኖ ተበግሶታት ኩነኔን ምንጻግን፡ ብደረጃ ባይቶ ጸጥታን ኣባላቱን ዘየወላውል ንጹር መልሲ ኪወሃቦ ይግባእ። ኣውራ እታ ብተመሳሳሊ ጉዳይታይዋንትጣበቕ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ እጃማ ክትዋስኣሉ ሕልናዊ ሓላፍነት ኣለዋ።ይብል።

እዚ ምዕባለ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን፡ እናሓደረ ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ  ንዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ክጸልዎ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

እዛ ንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2026፡ ናይ ሰላም፡ ጥዕናን ቅሳነትን ክትኮነልና፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገሩን ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልጽ።

ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን  ዝረአ ዘሎ  ዓመጸኛ  ደበና ዝበነላ፡ ከምኡ ድማ ኣብቲ ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነት ቃልሲ፡ ወጽዓን በደልን ህግደፍ ተቐንጢጡ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝብና ዝወሓሰላ ዓመት ክትኮነልና፡   ትምኒትና ዕዝዙ  እዩ።

 በዓል ለደተ-ክርስቶስ ብኣቋጻጽራ ግእዝ ከኣ፡ ከምቲ ናይ 25 ታሕሳስ 2025 ልደት፡ ናይ ቅሳነትን ሓጐስን ክኾነልና ብስም ኩሎም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ ትምኒትና ልዑል ምዃኑ ንገልጸልኩም።

ባሕቲ ጥሪ 2026

ሚእትን ሰለስተን (103)፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን መንእሰያትን 5 መሰጋገርቶምን መራሕ መኪናን ምስታ ዝጐዓዚላ ዝነበሩ ሲኒትራክ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሞ ወረዳ ሓመር ከም ዝተኣስሩ ኮሚሽነር ጌታነህ ወልደሃና ዝባህለ፡ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብ27 ታሕሳስ 2025 ኣፍሊጡ።

እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ዕላመኦም ናብ ኬንያ ምስጋርን ድሕሪኡ ብኡጋንዳ ኣቢልካ ምቕጻልን ምንባሩ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቶም ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ መርመራ ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ከም ዘለዉን ካብቲ ቦታ ጉዳዮም ድሕሪ ምጽራዩ ናብ ኤርትራ ከይስጐጉ ዝብል ግምት ከም ዘሎ እቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ካብ ትግራይ ብዝጅምር ኣሸሓት ዶላራት ዘኽፍል መርበብ፡ ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ኬንያ ክሰግሩ እንከለዉ ብተደጋጋሚ ዕንቅፋታትን ማእሰርትን እኳ ዘጋጥሞም እንተኾነ፡ ብስንክቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት፡ በዚ ዘውሑስ ኣቕጣጫ ዘካይድዎ ጉዕዞ ቀጻሊ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።  

እስራኤል ብ26 ታሕሳስ 2025፡ ንሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ብምሃበ ቀዳመይቲ  ካብ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። እዚ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሶማሊላንድ “ስምምዕ ኣብረሃም” ዝብል ውዕል ተቐቢላ ክትግብር ቅርብቲ ምዃና ምስ ኣረጋገጸት፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝኽተመኦ ናይ ሓባር ስምምዕ ምዃኑ ሮይተርስ  ሓቢሩ። በቲ ውዕል መሰረት ሶማሊላንድ ካብ ጋዛ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ ዝብል ተረድኦ ኣሎ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ጉዳይ ምስ መሓዝኡ ፕረሲደንት እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ብተለፎን ከም ዝተዛረበ ድማ ተሓቢሩ።

ናታንያሁ ሃገሩ ሶማሊላንድ ን30 ዓመታት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ዝጸንሓ ትጽቢታ፡ ነቲ ብተበግሶ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ዝተኸተመ “ስምምዕ ኣብረሃም”  ምሉእ ብምሉእ ከም እትትግብሮ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዋህበ ኣፍልጦ ምዃኑ  ኣረጋጊጹ።

እቲ ስጉምቲ ነቲ ሶማሊላንድ ብ1991 ካብ ሶማሊያ ተፈልያ “ናጻ ሃገር እየ” ኢላ ክነሳ፡ ክሳብ ሎሚ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ከይረኸበት ዝጸንሓቶ ኣፍደገ ዝኸፍ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ኩነታት ዝተኸታተለ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማሊያ መቃድሾ ከኣ ነቲ ኩነታት ንምምዛንን መርገጹ ንምግላጽን ህጹጽ ኣኼባ ከም ዘካይድ  ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ ድሕሪቲ ውሳነ ናብ ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ዓብደል ራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ደዊሉ፡ “እንኳዕ ኣሕጐሰካ” ድሕሪ ምባል፡ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንከተስፍን ዘለዎ እምነት ገሊጽሉ። ወጻኢ ጉዳይ እስራኤል ብወገኑ እቲ ስምምዕን ኣፍልጦን ድሕሪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ዘተን  ክልቲኦም መራሕቲ ምውሳኖምን፡ ኣብ ስምምዕ ምኽፋት ኢምባሲታትን ምልውዋጥ ኣንበሳድራትን ዝተበጽሐ  ምዃኑ ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብወገኑ ሃገሩ “ስምምዕ ኣብረሃም” ምሉእ ብምሉእ ከተተግብር ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሶማሊያ፡ ግብጺ፡ ቱርክን ጅቡትን ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ከም ዝነጸግዎ ጋዜጣ  ጀሩሳሌም ፖስት ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያ ብ2024 ምስ ሶማሊላንድ፡ ንሳ ኣፍልጦ ክትሃብ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን ገምገም ባሕሪ ንክትህባ ዝእምት መሰማምዒ እማመ ብምኽታም ቀዳመይቲ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እትህብ ሃገር ክትከውንያ ዝብል ግምት ነይሩ። እንተኾነ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሓሳቡ ቀይሩ ብመንጎኝነት ቱርኪ ምስ መቃድሾ ስለ ዝተዓርቀ ኣይቀጸሎን።

መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶ ስደተኛ ናይ ምምላስ ተግባር ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣፍሊጦም። ናይዚ ጠንቂ ብሰንኪ ብእዋኑ እኹል ገንዘብ ዘይምርካብ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። በዚ ድማ መሰረታዊ ዝኾኑ  መግቢ፡ ማይን ሕክምናን ምቕራብ ኣይተኻእለን ተባሂሉ። ነዚ ጸገም ተቓሊዖም ዘለዉ ስደተኛታት ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።

ናብታ ብዝሒ ምዕቋብ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ 2ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክውሕዙ ካብ ዘገደዱ ምኽንያታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ግርጭታትን ኣብ ሶማሊያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቅን ምዃኖም ድማ  እቶም ኣካላት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። እተን ነቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ነገራት ዘቕርባ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣቕርቦተን ኣብ 2025 ብ70% ከም ዝነከያ  ተጠቒሱ።

ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን ዝተባህለት ሓላፊት ናይቲ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ትካል ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሃገራ እቶም ስደተኛታት ንክዕቆቡ ዕድል ምሃብ እምበር፡ መሰረታዊ ነገራት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከምዘየብላን ሕብረተሰብ ዓለም ሓላፍነት ክስከም ከም ዘለዎን ምፍላጣ’ውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ወይዘሮ ኣሲሳቶው ንድየ በወገና፡ ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ጉዳይ ኢና ዘለና ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ኩነታት “ሕቶ ስደተኛታት ምምላስ ይቐጽልዶ ኣይቐጽል ኣብ ቀረባ ግዜ ክንውስን ኣብ እንግደደሉ ኩነት ኢና ዘለና” ኢላ። ናይቲ ጸገም ስፍሓት ክትገልጽ እንከላ ከኣ ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ ቀረብ 40% ከጉድል ከም ዝተገደደ ሓቢራ።

ዝልታን ሚሊሲክ ዝተባህለ ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ በቲ ዘለዎ ዝተሓተ ደረጃ  ንምቕጻል ንመጻኢ 6 ኣዋርሕ 90 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮም ጠቒሱ፡ እዚ እንተዘይተረኺቡ ግና ኣብ መጻኢ ኣዋርሕ ኣገልግለቶም ምሉእብምሉእ ከቋርጹ ከም ዝግደዱ ኣፍሊጡ።

በዚ ኩነታት ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ግዳያት ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ስደተኛታት ከባቢ ዳባት-ጎንደር ዘተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን  ቅድሚት ዝስርዑ እዮም።

በቲ ኩነታት ዝተሻቐሉ ነበርቲ ጋምቤላ ኣብ ኣደባባይ

ሓካይም ብዘይዶብ (MSF)፡ ዝተባህለ ትካል ተራድኦ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣብ መንጎ ብሄራት ኑዌርን ኣኝዋክን ብዝተወለዐ ሓያል ውግእ፡ ብ24 ታሕሳስ 2025 ጥራይ 47 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 100 ብጥይት ዝቖሰሉ ሰባት ከም ዝሓከመን ኣፍሊጡ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም ብ24 ታሕሳስ 2025 ታርፓም ኣብ ዝበሃል ንኡስ ዞባ፡ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ 47 ሰባት ምቕታሎም ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣረጋጊጸሙላ። ሓደ ናይ ጥዕና ክኢላ ብወገኑ እቲ ኣሃዝ ኣፈናዊ እዩ ኢሉ፡ ንዝምልከቶ ኣካል ከየፍለጡ ኣብ ከባቢኦም ዝተቐበሩ ግዳያት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቱ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝበልዎ፡ መንገድታት ስለ ዝተዓጽወ፡  ግዳያት ናይቲ ውግእ  ኣብ ናይቲ ክልል ዋና ከተማ ናብ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ክመጹ ከምዘይከኣሉ ኣፍሊጦም። ዝተወሰኑ ቁሱላት ግና ኣብ ጥቓ መደበር ስደተኛታት ኩለ ናብ ዘሎ ማእከል ጥዕና ሓካይም ብዘይዶብ ምውሳድ ከም ዝተኻእለ ሓቢሮም። እንተኾነ እዚ ማእከል ጥዕና እውን ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ  ቦታ ርሑቕ ስለ ዘይኮነ ውሕስነት የብሉን ኢሎም።

ሓካይም ብዘይዶብ፡ እቲ ውግእ ብ17 ታሕሳስ 2025 ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ናይታ ክልል ድሕሪ ምቕታሉ  ከም ዝጀመረ ጠቒሱ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነሃረ ስለ ዝኸደ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝቕበሎም ዝነበረ ቁስላት ብኣኡ ደረጃ ይውስኽ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ዝሓደሮ ስግኣት ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣብ 24 ሰዓታት ዝተረከቦም 100 ቁሱላት ናይቶም 19 መውቃዕቲ ከቢድ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣብ 7 መዓልታት 150 ቁሱላት ተረኪቡ ከም ዝሓከመ ከኣ ኣፍሊጡ።

ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ እቲ ውግእ ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምፍላጡ፡ ናብቲ ክልል  ስሩዕ ሰራዊት ከም ዝኣተወን ኣብታ ክልል ካብ ሰዓት 8 ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ናይ ንግሆ ዝጸንሕ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ  ክትግበር ከምዝጀመረ ከኣ ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይዕግበት ዝንጸባረቕ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሞን ጋምቤላን ከኣ ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ኣሎ።

 ቀረናኩዶ

ኣብ ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዞባ ለጎ ዓንሰባ ነበርቲ ቀረናኩዶ እትበሃለት ዓዲ፡ ብሰራዊት ህግደፍ ብጃምላ ከም ዝተኣስሩ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ካብ ቤተሰቦም ዝረኸብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡  ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ሓቢሮም። ቅድሚቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ዓዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መልሻ ናይቲ ስርዓት፡  ንሓደ ያፌት የማነ ገብረማርያም ዝተባህለ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመኡ፡ መንእሰይ  ገረብ ቆሪጽካ  ፈሓም ኣፍሒምካ ብዝብል  ክኣስርዎ ምስ ደለዩ  ስለ ዘይተማእዘዘሎ ኣብ ክንዲ ናብ ሕጊ ምቕራብ ብጥይት ቀተልዎ።

ነባሮ እታ ዓዲ ብወገኖም ብመቕተልቲ ናይቲ መንእሰይ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም። እቶም በቲ ተቓውሞ ዝረዓዱ ነቲ መንእሰይ ዝቐተሉ ኣባላት መልሻ ድማ ተወሳኺ ሰራዊት ብምጽዋዕ፡  ኣቦን ሓውን ናይቲ ዝተቐትለ መንእሰይ ወሲኽካ ኣስታት 450፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ተወሲዶም ከም ዝተኣስሩ እዩ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ በቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ቀረናዶ ጠጠው ከምዘይበለን እቲ ሰራዊት ኣብታ ዓዲ ሰፊሩ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ጉደቦ ቀረና ኩዶ ዝኾና ዓድታት ዴዳን ሓበላን እውን ኣብ ስግኣት ከም ዘለዋ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ። እቲ እዚ ዝተጠቕሰ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ከባቢ፡ ካብቲ ኢሳያስ ሰፊሩሉ ዘሎ ዓዲ ሃሎ ርሑቕ ኣይኮነን።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውግእ ሱዳን ዓለምለኻዊ መልክዕ ሒዙ፡ ኢትዮጵያን ናብ እትርከበን ጐረባብቲ ሃገራት ከይልሕምን ከይሰፍሕን ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ ኣሎ። ነዚ ስግኣት ካብ ዘሕደረሉ እቲ ብኣቕረብቲ ሃገራትን ዕጡቓት ጉጅለታትን  ናብ ሱዳን ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋር ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

ነዚ ዝገለጸ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳይ  ፖለቲካን ህንጸትን፡ ካለድ ኪያለድ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መብርሂ እዩ። ኣብቲ መብርሂኡ ኣተሓሒዘ  ኣብዚ እዋንዚ ውግእ ሱዳን ናብ ከባቢ ኮርዶፋን ሰፊሑ፡ እቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብ1 ታሕሳስ ከተማታት ባኑሳን ሄግሊግን ብ8 ታሕሳስ 2025 ከኣ ዓበይቲ ከተማታት ደቡብ ኮርዶፋን ድሕሪ ምሓዙ ምዃኑ ተጠቒሱ። ከም ኣብነት  ናይቲ ውግእ ናብ ዶባት ምስፍሕ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ህውከት ይፈጥሩ ምህላዎም መርኣያ እዩ ኢሉ።

ሓደ ነቲ ኩነታት ብግሊ ዝተንተኖ ክኢላ ብወገኑ ንውግእ ሱዳን ዘስፈሖ ዘሎ ዶባት ጥሒሱ ናብታ ሃገር ዝውሕዝ ዘሎ ኣጽዋርን ገንዘብን ከምኡ እውን ነዊሕ ዝዝርጋሕ ፖለቲካዊ መርበባትን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ፖለቲካዊ መርበብ ቻድ፡ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣለዋ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን ይብል። ኣጽዋር ናብ ሱዳን ዝኣትወሉ መንገዲ ከመይ ከም ዝመስል ክሕብር እንከሎ ድማ ቻድ፡ ሊቢያ፡ ሩፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ፑትላንድን ደቡብ ሱዳንን ጠቒስወን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት፡ ሆስፒታላት፡ መኸዘኒ ንብረት ሕቡራት ሃገራትን ህጻናትን ዝፈጸም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ድሮናት ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ኢልዎ። ኣብ ከባቢ ኣብየይ 6 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊ ምቕታሎም እውን ካብቲ ዘሻቕሊ ተረኽቦታት ሓደ ምዃኑ እቲ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣልጀዚራ ብ11 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜናዊ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ሱዳን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ፡ ሓድሽ ግንባር ውግእ ክኸፍት ይዳሎ’ሎ ዝብል ሓበሬታ ምቕራቡ ተሓቢሩ። ናይዚ መንቀሊ ድማ ኢትዮጵያ ነቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ንምሕጋዝ ኣብ መሬታ ከባቢ ቤንሻንጉል ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ምኽፋታ ምዃኑ ኣልጀዚራ ብተወሳኺ ሓቢራ። እዚ ኩነታት ውግእ ሱዳን ኤርትራ እውን  ናይቲ ዝለሓም ዘሎ ውግእ ግዳይ ከይትኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።

ብ1941 ተሃኒጹ ካብ 1947 ጀሚሩ ቤት ጽሕፈ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኮይኑ ዝገልግል ዘሎ ህንጻ

ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ 30 ኣብ ዝተፈላለቱ ኢምባሲታት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ክኢላታት፡ ብህጹጽ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝጸውዐ፡ ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ብምጥቃስ ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ። እቶም ዝተጸውዑ ኣንበሳድራትን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሓላፍነት  ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ዲፕሎማትን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ነዞም ኣብ ግዜ ምምሕዳር ባይደን ዝተመደቡ ዝጽውዖም ዘሎ፡ ንዲፕሎማሲያዊ ኣሰራርሓ ናይታ ሃገር ምስቲ ቀዳምነት ንኣሜሪካ ዝብል ፖሊሲኡ ንምጥዕዓም ምዃኑ ተሓቢሩ። እቶም ብዘይተለምደ ኣገባብ ብተለፎን ከይተረፈ ዝተጸውዑ ዲፕሎማት ጠቕሊሎም ዝስጐጉ ዘይኮኑ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ  ካልእ ስራሕ ክድለየሎም እዩ ዝብል ግምት ከምዘሎ ከኣ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝርዝር ናይቶም ተጸዊዖም ዘለዉ ዲፕሎማት’ኳ እንተዘይገለጸ፡ እቶም 15 ካብ ኣፍሪቃ ምዃኖም ተፈሊጡሎ። ካብቶም 15 ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሑ ከኣ ኣንበሳድራት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሶማሊያ፡ ጅቡቲ፡ ናጀርያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዙምባበ፡ ሩዋንዳን ኮትዲቩዋርን ከም ዝርከብዎም ተፈሉጡ።

ብዛዕባቲ ምጽወዖምን መዓስ ከም ዝትክኡን ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ከምዘይተዋህበ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እቲ ምቅይያር ብፍላይ ኣብቲ ኣሜሪካ ኣንጻር ፈጠርቲ ራዕዲ እትንቀሳቐሰሉ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ጽልዋ ከም ዝህልዎ ዝግመት ኮይኑ፡ ኣብ ናጀርያን ግብጽን ናይ ዝነበሩ ኣንበሳድራት ምጽዋዕ  ከኣ ምስቲ ምስ ኣሜሪካ ዝጸንሀን ጥቡቕ ርክብ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

 እዚ ስጉምቲ ንኣሜሪካ ናበይ ከም ዝወስዳ ኣይፍለጥን እዩ ዝበለ ሓደ ተዓዛቢ፡ ብዓለም ደረጃ  ኣንበሳደር ኣሜሪካ ዘየብለን ሃገራት ይበዝሓ ኣለዋ ኢሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ነቲ ስጉምቲ ነቒፎም፡ ከም ቻይናን ሩሲያን ዝኣመሰላ መወዳድርቲ ኣሜሪካ ነቲ ሃጓፍ ተጠቒመን ክብለጻሉ እየን ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ፕረሲደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ፓትሪክ ሞትሰፐ

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (CAF)፡ ኣብ ክንዲ’ቲ ኣብ ከክልተ ዓመት ክካየዶ ዝጸንሐ ውድድር፡ ካብ 2028 ንደሓር ከምቲ  ናይ ዓለም ውድድር ኣብ 4ተ ዓመት ዝካየድ ከም ዝኸውን እቲ ኮንፈደረሽ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኮንፈደረሽን ኣስታት 80% ኣታዊኡ ዝረክብ፡ ካብዚ ብ1957 ጀሚሩ ኣብ ከክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ውድድር እዩ። ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ መበል 35 ዙርያ ውድድር ኣፍሪቃ ኣብ ቅነ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ዝጅመር ኮይኑ፡ 18 ለካቲት 2026 ክፍጸም ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ኣብ 2027 ኡጋንዳ፡ ኬንያን ታንዛንያን ብሓባር ከሰናድእኦ ኣቐዲሙ ተመዲቡ ዘሎ ውድድር ምስተፈጸመን ኣብ 2028 ሓደ ውድድር ድሕሪ ምክያዱን እቲ ኣብ 4ተ ዓመት ዝካየድ ሓድሽ ኣገባብ ውድድር ብ2029 ከም ዝጅመር ናይቲ ኮንፈደረሽን ፕረሲደንት ፓትሪክ ሞትሰፐ ኣፍሊጡ።  እዚ ሓድሽ መወዳዳሪ መደብ ካብ ተመኩሮ ሊግ ኤውሮጳ ዝተወስደ ቅዲ ምዃኑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እዚ ሓድሽ ኣገባብ እቲ ኮሚሽን ምሉእ ብሙእ ብገንዘባዊ ኣታዊኡ ነብሱ ዝኽእለሉ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን እቲ ፕረሲደንት ናይቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

እዚ ሓድሽ መደብ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ዘይተተግበረሉ ኣብ ኣታዊ ናይቲ ኮሚሽን ከኸትሎ ዝኽእል ስግኣት ምዃኑ  ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እቲ ካልእ ምኽንያት ኣብ ኤውሮጳ ዝጻወቱ ኣፍሪቃውያን ክኢላታት ናብቲ ናይ ኣህጉሮም ኣፍሪቃ ውድድር ስለ ዝመጹ፡ ምስቲ ኣብ ወጻኢ ዝወዳደርዎ ከምዘይጋጮ ጌርካ ምስራዕ የድሊ ምንባሩ’ውን ከም ተወሳኺ ምኽንያት ተጠቒሱ። እዚ ናይ 2025 ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ውድድር ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ኣሚሪካ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ውድድር ብዝተናበበ ከም ዝተሰርዐ ድማ ተጠቒሱ።

ኢትዮጵያ ብ1962 ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ዝኾነትሉ፡ ኣብታ ጋንታ ተሰለፍቲ ካብ ዝነበሩ 11 ተጻወቲ፡ እቶም 8 ካብ ኤርትራ ዝተመርጹ ምንባሮም መዛግብቲ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ የመልክት። ኤርትራ ናጻ ሃገር ድሕሪ ምኻና ኣብ ዝካየድ ውድድራት ግና፡ ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዋላ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ መጻረይ ግጥማት ናይ ዘይሳተፋ  ሃገራት ኣብነት እያ።