EPDP News

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ብ30 ጥሪ 2026 መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብቲ ዘውጸኦ እዋናዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ኣፍሊጡ።

 እቲ ኮሚሽነር ብኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝተገበረ ጻዕሪ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብ2 ሕዳር 2022 ዝተበጽሐ ህውከት ናይ ምቑራጽ ስምምዕ ኣገዳሲ   ምዃኑ ጠቒሱ ንከይጠሓስ ድማ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚሽነር ማሕሙድ ዩሱፍ ኣብቲ ናብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡ ዘይምትእምማን ካብ ዝፈጥር ተግባራት ዝለዓለ ጥንቃቐ ንክገብሩ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ንኹሎም ዘየረዳድእዎም ጉዳያት ንመንፈስ እቲ ስምምዕ ብዘሓለወ መንገዲ ንክፈትሕዎም ኣዘኻኺሩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ዘይተቖጠበ ጻዕሪ ከም ዝገብር ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ፍታሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ክልቲኦም ኣካላት ከም ዝተሓባበር ኣፍሊጡ።

 ኣብ መወዳእታ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ በቲ ናይ ዘተ ልእኹ ኣቢሉ፡ ኣብ መጻኢ እውን ግደኡ ኣብ ሰላማዊ መስርሕ ዘይተገደበ ኣስተዋጽኦ ብምግባ፡ር ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንክዕቀብ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ናይዚ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መገለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ከባቢ ጸለምትን ራያን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓዲሽ ወተሃደራዊ ጐንጺ ምፍጣሩ ይሕበር ኣብ ዘለወሉ እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ኣንቂድዎ ዘሎ ወፈራ ኣብ ምዕዋት ይሕግዘኒ እዩ  ዝበሎ ጉዕዞ ከም መርሓ-ጐደና ዘገልግሎ መጽሓፍ ኣሕቲሙ’ሎ። እቲ መጽሓፍ “ናይ ክልተ ማያት ዓብዩ እስትራተጂ (የሁለት ውሃዎች ኣብይ ስትራተጂ)” ብዝብል እዩ ተሰይሙ። ነዚ 153 ገጻትን 6 ምዕራፋትን ዘሓዘ መጽሓፍ፡ ናይታ ሃገር ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ምስ ኮርፖረሽን ፈነወ ተለቪኝን ፋናን ቤት ንባብ ኣብርሆትን ተሓባቢሩ እዩ፡ ብ28 ለካቲት 2024  ኣመሪቕዎ። እቶም ክልተ ማያት ተባሂሎም ዘለዉ ቀይሕ ባሕርን ፈለግ ኣባይን ምዃኖም  እዮም።

ብዛዕባ ፈለግ ኣባይ ኣጽኒሕና፡ ናብቲ ዝያዳ ዘገድሰናን በቐጥታ ዝምልከተናን “ገማግም ቀይሕ ባሕርና” ከነድህብ እንከለና፡ ሓያሎ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ኣልዒለምዎ ዘለዉ ዓመጸኛ ወስታ መርተዖ ይኾነና ኢሎም ኣብቲ መጽሓፍ ካብ ዘስፈርዎ ሓደሓደ ስንኩፍ ነጥብታት ክንርኢ ኢና። እቲ ዘልዓልዎ ነጥብታት ዘይብሱልን ተሓይኹ ዝተደርበየን ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ፡ “ዘይረትዕ መርትዖታት” ኢልናዮ ዘለና።

ኣብቲ ካብ ኣባዱላ ገመዳ ክሳብ ጀነራል ባጫ ደበለ፡ ካብ ጊደዎን ጢመቲዎስ ክሳብ ዘሪሁን ተሾመ፡  ካብ ዳንኤክል ክብረት ክሳብ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ካብ ጀነራል ተሾመ ገመቹ ክሳብ ጀነራል ኣለምሸት ደጊፈ ጀሚርካ፡  ካድራት ብልጽግና ከኳማስዕዎ ዝውዕሉ  ናይ ፕሮፖጋንዳ መጽሓፍ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝህልወን ጽልዋታት ንምሕያል ኣብ ንጡፍ ውድድር እናሃለዋ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ 60 . ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ክትርኢ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ይንበብ። እዚ ድማ ነቲ ብዝኾነ መዕቀኒ ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ዘየብሉ፡ ቅርበት ናብ ኣፍደገ ዘይባሕርኻ፡ ናይ ካልእ ሃገር  ልኡላዊ ግዝኣት  ከም መውረሪ ምስምስ ክግበር ዝድለ  ሕጋዊ መንቀሊ ዘየብሉ መኻን ፈተነ ዘርኢ እዩ።

ብፍጥነት ዝዓቢ ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ ዓመታት ናብ  150 ሚልዮን ክድይብ ትጽቢት ዝግበረሉ ብዝሒ ህዝብን” ዝብል እውን፡ ኣብቲ መጽሓፍ ከም መንቀሊ ምኽንያት ንምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ተባሂሎም ካብ ዝሰፈሩ እዩ። ቁጠባኻ ብዝለዓለ ስለ  ዝዓብየን ብዝሒ ህዝብኻ ቀልጢፉ ስለ ዝወሰኸን ልኡላውነት እንዳማትካ ግሂስካ ዘይባሕርኻን ዘይወደብካን ክትወስድ ዝከኣል’ዩ ዝብል ስነ-መጎት ካበይ ከም ዝመጸ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ደለይቲ ሰናይ ጉርብትናን ሰላምን ከይተረፈ ዘዛርብ ዘሎ ካልእ ኣብቲ መጽሓፍ ዝሰፊሩ ዘሎ ዘይቅዱስ መልእኽቲ እዩ። ባሕሪ ንዕቤየት ቁጠባ የድልየና ኢዩ ዘድልየና፡ ክባሃል ከምዘይጸንሐ፡ ሕጂ ድማ “ብዘይ ወደብ ብፍጥነት ዝዓቢ ዘሎ ቁጠባና”  ምባል፡ ተገራጫዊ’ውን እዩ።  ኣብዚ እቲ ብናይ ጥሜን ሓለንጊ ዝግረፍ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ናይ ምንታይ መርኣያ ምዃኑ ከኣ ብሩህ’ዩ።

“ኣብ 1991 ኤርትራ ናጻ ሃገር ምስ ኮነት፡ ኣብቲ እዋን ብዝተፈጸመ ታሪኻዊ ጌጋ ኢትዮጵያ ገማግም ባሕሪ ርእያ ስኢናቶ፡”  ዝብል ከኣ ካልእ ኣብቲ መጽሓፍ ዝንበብ ምስምስ’ዩ። ኣብዚ ድማ መግዛእቲ ብቃልሲ ክሰዓር እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝጸንሐ ግዝኣት በቲ ተቓሊሱ ብሓይሉን ብድምጹን ዝረተዐ ህዝቢ ክምንዛዕ ዘይተርፍ ምዃኑ  ስለምንታይ፡ እንተላይ ነቶም ብኣካል ዝተዋስእሉ’ሞ ዝተሳዕሩ ከይተረፈ ምውሓጥ ከም ዝኣበዮም  ካልእ ኣገራሚ’ዩ።

መጽሓፍ ዓብዪ ኣሕመድ እስትራተጂ ክልተ ማያት፡ ንታሪኽ ክጠቅስ እንከሎ ከኣ፡ “ኢጣልያ  ስምምዓት 1900፡ 1902ን 1908ን ፈሪማ ከተብቅዕ ንኢትዮጵያ ስለ ዝወረረታ እቲ ስምምዓት ፈሪሱ እዩ”  ዝብል ኣሽካዕላል’ውን፡ ከም መርተዖ ነዚ ሎሚ ንምውናን ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ከም መበገሲ ኮይኖም ካብ ዝሕሰቡ ተወሲዱ ዝቐረበ እዩ። እቲ ሓቁ ግና  ኢጣልያ ናብዛ “ብባዕዳውያን ተገዚኣ ኣይትፈልጥ ኢያ” እናተባህለ ዝዝረበላ ኢትዮጵያ፡ ዝወፈረት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተወሳኺት ሃገር ንምግዛእ እምበር፡ ነቲ ቅድም ምስ ምነሊክ ዝኸተመቶ ዶባት ኤርትራ ናይ ምንጻር ስምምዕ ዘንጊዓ ዓለም ለኻዊ ዶብ ኣፍሪሳ ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ንምሕዋስ ከምዘይነበረ ክሳብ ክንደይ ምርድኡ ከምዘጸገሞም ካልእ ኣዛራቢ ዛዕባ ይኸውን። እዚ ምርዳኡ ካብ ኣጸገሞም፡ ጣልያን ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ምስተሳዕረት፡ ኤርትራ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምምሓር እንግሊዝ ንክትጸንሕ ክውሰን እንከሎኸ “ኣበይ ኔርኩም?” እንተዝበሃሉስ መልሶም እንታይ ኮን ምኾነ።

“ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምስኣን ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቱ፡ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኹሉ ምዕባለታት ኢትዮጵያ ናብ ድሕሪት መሊስዎ”  ኣብ ዝብል ንባብ ናይቲ መጽሓፍ ብዙሓት ይሰማምዑ። ምኽንያቱ ሓንቲ ክትገዝ ዝጸንሐት ሃገር ክትሰዓር እንከላ፡ ካብታ ክትግዛእ ዝጸንሐት ሃገር ትረኽቦ ዝነበረት ረብሓ፡ ኣገልግሎትን ብሓይሊ ተመሓድሮ ዝነበረት መሬትን ባሕርን ክትስእን ባህርያዊ ስለ ዝኾነ። ካብቲ ትገዝኦ ዝነበረት ዘይናታ መሬት ቆንጢራ ሒዛ ክትከይድ ምጽባይ ግና ካብ ክቱር ህርፋንን ነገር ምድላይን ሓሊፍካ፡ ካልእ እትብሎ ኣይኮነን።  መልእኽቱ ኤርትራ ናጻ ሃገር ትኹን፡ እሞ ንዓሰብ  ሃቡና እንተኮይኑ ድማ ክቱር  ዕሽነት እዩ።

ነቲ ንዕዘቦ ዘለና ብኣህጉራዊ ሕግታት ናይ ዘይምምእዛዝ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብዘመልክት ድማ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንምርግጋጽ ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥራይ ከም መወከሲ ምውሳድ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ዝዓበየ ጌጋ እዩ” ዝብል፡ ኣብቲ ብስምዒታት ዝተዓብለለ መጽሓፍ ይርከብ። ብኣረዳድኣ ደረስቲ ናይቲ መጽሓፍ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ምኽታል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ጌጋ እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ቅኑዕ ዝብልዎ  እቲ ካልእ ኣማራጺ ሃሰው ምባል ይጽናሓለይ ዘይበል’ዩ” ዝበልዎ ወተሃደራዊ ናይ ወራር ስጉምቲ ማለቶም’ዩ  ክኸውን።

“ኣፍደገ ባሕሪ እንተሎካ ንዓለም ተገልግል፡ ኣፍደገ ባሕሪ እንተ ዘይብልካ ግና ንጐረቤት ኢኻ እተግልገል”  ድሕሪ ምባል ድማ፡ ኣፍደገ ባሕሪ እንተልዩካ “ጽልዋታትካ ይዓቢ” እውን ይብል። እሞ ጽልዋኻ ንክዓብስ ኣብ ክንዲ ከም ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ምውሳእ፡ ዘይናትካ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሳድከ፡  “ወራሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ እንታይ ጽልዋ ኢኻ ከተሕድር?” ትኽእል ንዝብል ሕቶ፡ ሃሰስ ኢሎም ቅቡል መልሲ ዝረኽብሉ ኣይከውንን።

መጽሓፍ ብልጽግና ብዛዕባ ቀዳሞት ነገስታት ኢትዮጵያ ክጠቅስ እንከሎ ከኣ፡ ሃጸይ ምነሊክ ኣብ ወደባት ዘይላን ጅቡትን እዩ ዘተኩር ነይሩ”  ዝብሎ፡  ብዝተወሰነ ደረጃ ናብቲ ዝነበረ ሓቂ ዝቐረበ ምስክርነት ዝህብ ይመስል። ንሃጸይ ሃይለስላሰ ድማ ኣብ ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጻወቶ ተራ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብኣውንታ ተዘካሪ ንጉስ ይገብሮ” ይብሎ። ምኽንያቱ ጎበጣ ስርዓት ሃይለስላሰ ነቲ ብልጽግና ሎሚ ዘወጣውጦ  ዘሎ “ብዘይረትዕ መርተዖ” ዝተሰነየ ኣቕጣጫ ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ።

እቲ ፈደረሽን ኣብ መንጎ “ብደረጃ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ቅዋም፡ ፓርላማ፡ ሰልፍታትን ናጻ ፕረስን ዘጥረየት ኤርትራን ብፍጹም ንጉሳዊ ስርዓት እትመሓደር ክቱር ናይ መግዛእቲ ህርፋን ዝነበራ ኢትዮጵያን ብዘይድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዝተቆረናሉ እዩ ነይር።

ዊልያም ጋውንርላይ፡ ዝተባህለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝበጸሐ ኣውስትርያላዊ ጸሓፍን ተመራማርን፡ ኢትዮጵያ ነታ ንእሽቶ ጐረቤታ ሃገር ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ክወስድ እየ ብዝብል  ከተፈራርሓን ከተስግኣን ትፍትን ከም ዘላ ገልጹ። ነዚ ዝገለጸ ናብ ኤርትራ ገይሹ ካብ ዝተዓዘቦ ስምዒት ዝተረደኦ ምዃኑ ጠቒሱ ኮንቨርዘሽን  (conversation) ኣብ ዝተባህለ መርበብ ኣብ ዘውጸኦ ትዕዝብታዊ ጽሑፍ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ቀረባ  ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ብምምላስ “ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጥረ ናይ ታሪኽ ጌጋ ከነእርም ኢና “ ከም ዝበለ’ውን ኣብቲ መጽናዕታዊ ሚዛኑ ኣስፊሩ።

ኣብቲ መገሻኡ ኣብ ጐደናታት ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ፡  ግብረ-መልሲ ናይቲ ህዝቢ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እንታይ ምዃኑ ኣይስማዕን ኢሉ እቲ  ጸሓፊ። ኣብ ኤርትራ መዲያ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምቁጽጻር መንግስቲ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣዝዮም ውሱናት ደቂ ኣስመራ ግና ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ምዕባለታት ኣፍልጦ ዘለዎም ይመስሉ ከኣ ይብል።  

እዚ ምስ ውሱናት ነብርቲ ኣስመራ ምቅርራብ ምስ ገበርኩ ዝተረዳእኩዎ እዩ እውን ኢሉ። እቶም ውሱናት ክዛረቡ ዝደፍሩ ኣብ ትሕቲ’ቲ  ካብ ኣፍሪቃ ዝኸፈአ ወጽዓ ኮይኖም ዝዛረቡ እዮም ክብል ድማ ገሊጽዎም። ህልዊ ዝምድና ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ድማ ነቲ ህዝቢ ኣጨናቒ’ዩ ኢልዎ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ግዱድ ውትህድርና ንከቐጽል ዕድል ከም ዝኸፈተሉ ዝገለጸ እቲ ኣወስትርያላዊ ጸሓፊ፡ ዓሰብ ካብ ሽዑ ንደሓር ንኢትዮጵያ ንግዳዊ ኣገልግሎት ምሃባ ከም ዘቋረጸት ምርድኡ ገሊጹ።

ኣብቲ ርክቡ ምስ ህዝቢ፡ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ወተሃደራዊ  ምድላው ምግባርን ሓድነት ኤርትራውያን ምድልዳልን ኣድላይ ነይሩ ኢሉኒ ድማ ይብል። ኢሳያስ ግና ጌና ሎሚ እውን ዝቃወምዎ ኣብ ምህዳን ምህላዉ ከም ዝገለጸሉ ከኣ እቲ ጸሓፍን ተመራማርን መስኪሩ።

እዚ ጸሓፊ ንድሕሪት ምስል ኢሉ፡ ኢሳያስ ብምዕራባውያን፡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ነጻ ዕዳጋን ከሰጉም’ዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ከም ዝነበረን፡ በዚ መሰረት ብ1995 ብናይ ሽዑ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ቢልክሊንተን ኣብ ዋይትሃውስ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኪሩ።

ኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው

ምኽትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኣሚሪካ፡ ኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው ካብ 24 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እቲ ኣንበሳደር ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ፡ ኩባንያታትን ኣውፈርትን ኣሚሪካ፡ ኣብ ግብጺ ዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ከም ዝዕዘብ ወሃቢ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ። ከምኡ እውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግብጺ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ  ኣሚሪካ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ቁጠባዊ ትካላት ከም ዝራኸብን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ተራኺቡ  ብዛዕባ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ። ከምኡ ድማ ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ  ብዛዕባ ሰላምን ንግዳዊ ምትሕብባር ኣሚሪካን ኣፍሪቃን ከም ዝዝቲ ተፈሊቱ’ሎ።

ብዘይካዚ እቲ ኣንበሳደር፡ ኣብ ኬንያ፡ ብዛዕባ ንግዳዊ ጉዳያትን ጉዳይ ምንቅስቓስ ፈጠርቲ ራዕድን ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይታ ሃገር  ከም ዝዛረብን ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሀይትን ኣብ ካልእ ምርግጋእን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዝምልከት ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ ጅቡቲ ድማ  ብዛዕባ ግደ መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ንግዳዊ ንጥፈታትን ከም ዝመያየጥ ተፈሊጡ። ምስዚ ኩሉ ከኣ እቲ ኣንበሳደር ቀዳምነታት ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ መዳያት ምርግጋጽ ንግድን ካልእ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ከም ዘስርጽ እውን እቲ ንመገሽኡ ብዝምልከት ዝተዘርግሐ መግለጺ ኣረዲኡ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ብጉልባብ ዳመ-ህንጻ ጋዛ (ፍልስጥኤም) ኣበጊስዎ ዘሎ ናይ ሰላም ቦርድ/board of peace” ንህላወ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስግእ ምዃኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ስግኣተን ይገልጻ’ለዋ። ፕታምፕ ነዚ ካብ ዝጅምሮ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ኮይኑ ኣብቲ ብ21 ጥሪ 2026 ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ቁጠባዊ መድረኽ ዓብይ ኣዛራቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ቀሪቡ።

ትራምፕ ነቲ ዝምስርቶ ዘሎ ናይ ሰላም ቦርድ፡  ባዕሉ  ዝመርሖ ኮይኑ፡ 7 ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ከም ዝርከብዎ ይጠቅስ፡  ኣባላት ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ክኾኑ ሓጽይዎም ካብ  ዘሎ፡ ናይ ኣሜሪካ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን   ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪታንያ ቶኒ ብሌርን ከም ዝርከብዎም ተመልኪቱ’ሎ።

በቲ መደብ ትራምፕ መሰረት ናይዚ ቦርድ ኣባል ንምዃን ዕድመ ዝተገብረለን ሃገራት ፈቓደኛታት እንተኮይነን፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ናይ ምኽፋል ግደታ ኣለወን። ክሳብ ሕጂ ነቲ ዕድመ ኣኽቢረን ቅሩነተን ኣርእየን ዘከለዋ መብዛሕትኣን ሃገራት ዓረብን ወሽመጥን እየን። ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጆርዳን፡ ኢንዲኒዥያ፡ ፓኪስታን፡ ኳታር፡ ኢመራት፡ እስራኤልን ቤላሩስን ይርከበአን ካብተን ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢለን ዘለዋ እየን።

ሓያሎ ሃገራት መብዛሕተአን ካብ ኤውሮጳ ግና፡  እዚ ብጉልባብ ምህናጽ ጋዛ ዝረአ ዘሎ ተብግሶ   ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት መንዚዕካ  መተካእታ ናይ ምዃን ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎ ብዝብል ኣይተቐበለኦን።

ህንዲ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ ቫቲካን፡ ኣየርላንድ፡ ሮማኒያ፡ ፊንላንድ፡ ግሪክ፡ ጃፓን፡ ኦስትሪያ፡ ኣወስትራሊያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ታይላንድ፡ ደቡብ ኮርያን ካለኦትን ካብተን መጸዋዕታ ከም ዝበጸሐን ኣረጋጊጸን ጌና ኣውንታዊ ምላሽ ዘይሃባ እየን። ሩሲያ ከኣ እቲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካብቲ ኣጊድኩምዎ ዘለኹም ገንዘብና ውሰዱ ዝብል ምላሽ ሂባ’ላ። ብሪጣንያ፡ ፍራንስ፡ ነርወይ፡ ኢጥልያን ስሎቨኒያን ከኣ እተን ንኣባልነት ቦርድ ሰላም ትራምፕ ዝነጸግኦ እየን

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንሓንሳብ ናይቬንዙዋላን  ደሴት ግሪንላንድን ንሓንሳብ ድማ ናይ ኢራን ኣጀንዳታት ዘደይብን ዘውርድን ዘሎ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕሊላ ከም ዝወጸት ብወግዒ ኣውጁ፡ ንብዙሓት ኣሻቒሉሎ።

ሽዱሽተ ውድባት ትግራይ፡ ብ22 ጥሪ 2026 ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን። እዘን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ኣብ ትግራይ ዕጡቓት ይኹኑ ዘይተዓጥቁ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሳተፍሉ ናብ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዘብጽሕ ናይ ሰፊሕ ኣኼባ ክካየድ ጸዊዐን። እተን ውድባት ነዚ ዝጠልበኦ ዘለዋ ሰፊሕ ኣኼባ ንክግበር ክሰርሓ ከም ዝጸንሓ እውን ኣብቲ መግለጺአን ኣመልኪተን።

እቲ ዝሓተኦ ዘለዋ ሰፊሕ ዘተ እንኮ መዋጽኦ’ኳ እንተኽኾነ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እዚ ናይ ህልውና ወሳኒ ዝኾነ ስራሕ ከይዕወትን ኣብ ክንዲ ናብ ሰላም ናብ ግጭት ንከምርሕን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክትዕንቅፍ ከም ዝጸንሐት ከሲሰን። ህወሓት ፖለቲካዊ ሜዳ ትግራይ ናይ ሰላም ዘይኮነ፡ ናይ ህውከትን ዓመጽን ንክኸውን ምስ ከም ፋኖን ህግደፍን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ጽምዶ ምክያድ መሪጻ ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።

ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ምስኡ ዝግበር ምሕዝነት ዘይመትከላውን ንወተሃደራዊ ተግባራት ዘገልግልን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺአን ኣስፊረን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ጉዳይ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኣስረ ብሪጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት “ይዕፈኑ ኣለዉ” ዝበለኦምን ከም ዘተሓሳስበን እተን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ሻቕሎተን ሓቢረን።

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ እተን ውድባት፡ ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት ዝተዓፈኑን ንክፍትሑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ጽምዶ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ክቋረጽ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ብመንገዲ ኣሳታፊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ፡ ህወሓት ብስም ውጉኣት 6 ቢልዮን ብር ካብ ህዝቢ ትግራይ ክእክብ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ክቋረጽን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጐኒ እተን ውድባት ክስለፍን ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪበን።

ነዚ ናይ ሓብር መግለጺ ዘውጸኣ ውድባት ትግራይ፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና)፡ ውድብ ናፅነት ትግራይ(ናፅነት)፡ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን(ዓረና)፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ሳወት)፡ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ(ትሰእፓ)ን ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)ን እየን።

እዚ ናይዘን ውድባት መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ን7ይ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2026 መረጽቲ ዝምዝገብሉ ጣብያታት ክሳብ 1 ለካቲ 2026 ኣነጺሩ ከፍልጥ ኣብ ዘፍለጠሉ እዩ።

ሚኒስተር ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ፡ ሃኒ ስወይለም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ብምህናጻ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ዘውረደቶ ጉድኣት ክትክሕስ ኣለዋ ዝብል መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ፡ ሶማሊ ሪፖርተር (Somali report) ዝተባህለ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።

ግብጻዊ ሚኒስተር ሃኒ ስወይለም፡  ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ናይ ሃገሩ ሰነይት ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ ምዃኑ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ሚኒስተር ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓብይ ግድብ ብውልቃዊ ውሳነ ሓንቲ ሃገር ኣብ ፈለግ ናይል ተሃኒጹ ከምዘይፈልጥ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ዓይብ ህዳሰ ሓጽቢ፡ ካብቲ ግብጺ ካብ ፈለግ ናይል ክትረኽቦ ዝነበራ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ማይ፡ 38 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ከም ዝጐደላ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

  ኢትዮጵያ ነቲ ሓጽቢ ዝሃነጸቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምጫውን ንዋሕዚ ናይቲ  ናብ ሱዳንን ግብጽን ዝውሕዝ ማይ፡ ንምምዕርራይን ኢላ ከም እትገልጾ ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ግብጺ ከምዚ ዝኣመሰለ ኢትዮጵያ ዘይተጽበየቶ ሕቶ ካሕሳ ተቕርብ ዘላ፡  ድሕሪቲ ፕረሲደንት ኣሜሪካ  ትራምፕ ብ16 ጥሪ 2026፡ “ቅድሚት ካብ ዝሰርዖ ኣጀንዳ እዩ” ብዝብል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ናይል ክሽምግል ምዃኑ ምፍላጡ እዩ።  ነቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሽምግልና መጸዋዕታ፡  ግብጽን ሱዳንን ብሓጐስ ከም ዝቕበለኦ እየን ኣረጋጊጸን። ብፍላይ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ንተበግሶ ፕረሲደንት ትራምፕ ብኽብሪ ከም ዝገልጾ እዩ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ግና ንመጸዋዕታ ሽምግልና  ትራምፕ ኮነ ንሕቶ ካሕሳ ግብጺ ዝምልከት ዝሃበቶ መልሲ የለን።

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ሮናልድ ትራምፕ፡ ብ16 ጥሪ 2026 ናብ መራሒ ግብጺ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብጉዳይ ፈለግ ኣባይ ዘሎ ናይ ነዊሕ ግዜ ዘይምርግጋእ ክሽምግል ቅሩብ ምህላዉ ጠቒሱ። ኣብቲ ብቕዳሕ ናብ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ስዑድ ዓረብን ኤመረትን ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቕ ጉጅለ ፍልስጥኤም ሓማስን ስምምዕ ንክብጻሕ ንዘበርከቶ ኣመስጊንዎ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ኣተሓሒዙ፡ ብመንጽርቲ ምስ ኣልሲሲ ዘለዎ ውልቃዊ ዕርክነትን ኣሜሪካ ምእንቲ ሰላም ዘለዋ ቅሩብነትን ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ሓላፍነታውን ርትዓውን ምምቕራሕ ማይ ዘረጋግጽ  መፍትሒ ንምምጻእ  ድልውነት ከም ዘለዎ ኣብቲ ደብዳበ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ብዓብይ ተገዳስነት ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያ ውሕስነት ማይ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ ምባሉ ተጠቒሱ። ብዘይካዚ ዝኾነት ሃገር ኣብዚ ወሳኒ ሃብቲ ማይ ፈለግ ኣባይ በይናዊ ናይ ምቁጽጻር መሰል ክህልዋ ከምዘይግባእ ኣብቲ ደብዳበኡ ሓቢሩ።

በቲ ናብ መራሒ ግብጺ ዝተጻሕፈ ደብዳበ መሰረት፡ መንጎኝነት ኣሜሪካ ኣብ ተክኒካዊ፡ ርትዓውን ግሉጽን ዘተን ቀጻሊ ምቁጽጻርን ምትሕብባርን ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘተኮረ ክኸውን ከም ዝደሊ ኣብቲ ደዳበ ኣስፊሩ።

ከምኡ እውን ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ማይ ኣብ ግዜ ዝተናወሐ ደርቂ ግብጽን ሱዳንን እኹል ማይ ዝረኽባሉን ኢትዮጵያ እኹል እትጥቀመሉ ማይ ክትረክብ ዘኽእል ከም ዝኸውን ክግበር እንከሎ   ምዃኑ ድማ ጠቒሱ። እቲ ደብዳበ ምናልባት ኢትዮጵያ ብቲ ማይ ካብ  ዘማዕበለቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንግብጽን ሱዳንን እትልግሰሉ ወይ እትሸጠሉ ኩነታት፡ውን ክፍጠር ይኽእል ይብል።

ኣብ መወዳእታ ደብዳበ ፕረሲደንት ትራምፕ፡  ብሰንኪ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ቅድሚ ምድያቡ ምፍታሕ ብቐዳምነት ሰሪዕዎ ዘሎ ኣጀንዳ ምዃኑ ኣነጺሩ።

Olaf Skoog ምክትል ሓላፊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ተቛሪጹ፡ ብዲፕሎማሲን ቁጠባዊ ውህደትን ንክፍታሕ ሎሚ’ውን ጸዊዑ። እቲ ሕብረት ኣብ መስርሕ  ምህዳእ እቲ ወጥሪ  ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ’ውን ኣብቲ መጸዋዕታኡ ጠቒሱ። ነዚ መጸዋዕታ ዘውጸ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ይምዕብል ዘሎ ምፍጣጥ ስለ ዘሰከፎ ምዃኑ ድማ ኣስፊሩ።

ኦላፍ ስኩግ ምክትል ጸሓፍን ወጻኢ ፖለቲካዊ ስርሒትን ኣገልግሎትን ናይቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ15 ጥሪ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዝሓሸ መህድኢ ወጥሪ መንገዲ ዲፕሎማስን ጽቡቕ ምትእምማንን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከባሉ ዞባ ከኣ ድሕሪ ሕጂ ውግእ ይኣኽሎ  ኢሉ።

ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ፕረሲደንት ታየ ኣጽቀስላሴን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዶር ጌደዎን ጢሜቴዎስን ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምህዳእ  ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት  እሙን መንጎኛ ኮይኑ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ከም ዝሓበሮም ገሊጹ። እቲ ዲፕሎማት ናይ ኤውሮጳ ተመኩሮ መሰረት ብምግባር፡ እቲ ነዘን ዝፋጠጣ ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ዘዋጸአን ጸገመን ብውህደትን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ፍታሕ እዩ ከም ዝበሎም ድማ  ገሊጹ።

እቲ ዲፕሎማት ኣብ ከምዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለወኦ ናይ ወጥሪ ኩነታት፡ እቲ መፍትሒ ምዝታይን ኣብ ቁጠባ ምትሕብባርን ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ‘ኳ እንተጠቐሰ፡ እቲ ወሳኒ ግና ናይ ክልቲአን ሃገራት ካብ ጽልኢ ወጺአን ናይ መፍትሒ ኣካል ምዃን ምዃኑ ኣስሚርሉ። ወጥርን ግጭትን ዘኽፍሎ  ሰብኣዊ ህልቂት ዘኪሩ ድማ፡ መራሕቲ ብሰንኪ ውግእ ዝስዕብ ህልቂት ተረዲእካ ጠጠው ናይ ምባሉ ሓለፍነት ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ሓላፊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኦላፍ ስኩግ ብዛዕባቲ ኣብ ሶማሊያ፡ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ጅቡትን ዘሎ ንኹነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸሉ ምዕባለታት ዳህሲሱ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ኣንጻር ልኡላውነት ሶማሊያ ብምዃኑ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝቃወሞ ኣብቲ ኣብ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝወጸ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

በሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንክልላት ንትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢ ወልቃይት ዝነብር ህዝቢ; መጻኢ ዕድሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ክረጋገጸሉ ይግባእ ኢሉ። እቲ ኣበሳድር ነዚ ዝገለጸ ብ15 ጥሪ 2026 ኣብ ሑመራ ኣብ ዝበጸሓሉ እዩ። ቀጺሉ ድማ ብኢትዮጵያ ብዝምራሕን ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝእለን መስርሕ ምሕጋዝ ጽጉማት፡ ኣሜሪካ ክትተሓባበር ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ። በሳደር ኢርቪን ማሲንጋ፡ ኣብቲ ኣብ ሑመራ ዝጸንሓሉ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ የጋጥሞ ንዘሎ ብደሆታት ብዓይኑ ከም ዝተዓዘበ መስኪሩ። ኣብቲ ዝሃቦ ትዕዝብቲ ናይቲ ከባቢ መሰረተ-ልምዓት ብምልኡ ከም ዝዓነወ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ዝተገደበ ምዃኑ፡ ናይ መሰረታዊ ኣቕርቦት ሕጽረት ከም ዘሎ እውን ጠቒሱ። እዞም ጸገማ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣሉታዊ ተጽዕኖ ይፈጥሩ  ከም ዘለዉ እውን ኣይሓበአን፡ እዞም ጸገማት  ብህጽጹ ንክፍተሑ ናይቲ ነባሪ ህዝቢ ትጽቢት ምዃኑ ከኣ ኣስፊሩ።

ብሰንክ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ከም ዘለዉ ዝመስከረ እቲ ኣበሳደር፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣድላይ’ኳ እንተኾነ ኣብ ረዲአት ምንባር ግና ኣጸጋሚ እየ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ተመዛባሊ ቀጻሊ ህይወቱ  ብሰላምን ክብርን ኣበይ ከም ዝምስርት ኣብ ዘኽእሎ መስርሕ ከም ዝተሓባበር ጠቒሱ። ማሲንጋ መጻኢ መስርሕ ዝተሓላለኸ ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሱ ቅድሚ ኩሉ ንድሕነት ሰባት ቆላሕታ ክወሃብ ከም ዝግበኦ ተማሕጺኑ።  

ኣብ መወዳእታ ከኣ ደጊሙ ኩሎም ወገናት እኹል ግዜ ተዋሂብዎም መጻኢ ዕድሎም ባዕቶም ክውስኑ ይግበኦም፡ ድሕሪ ምባል፡ ኢትዮጵያውያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ሃገሩ ኣብ ጐኖም ከም እትስለፍ ብተወሳኺ ቃል ኣትዩ። ኣብ ምብጻሕ እቲ ኣበሳደር ናብ ሑመራ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣቦመንበር ሰልፊ ስምረት ትግራይን ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከም ዝነበረ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ