EPDP News

ሓው ገረዝጊሀር ተወልደ ኣቦመንበር  ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝመርሖ ኣኼባ ኣባላት፡ ብ15 ለካቲት 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያታን ፖሓኤ ዝወደብዎ ኣኼባ ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ፖሓኤ ክውገኑ ዝጸንሑ ምቅርራባትን ክዕመሙ ዝጸንሑ ስረሓትን፡ ፖሓኤ ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝካየዱ ዘለዉ ርክባትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ’ቶም ብደረጃ ዞባን  ኣህጉርን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ናይ ኣሰላልፋ ምቅይያራትን ገሊጹ።

ኣብዚ ብቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ዝተኻየደ ሰፊሕ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሓኤ ብወገኖም ብዛዕባ ክሳብ ሎሚ ዝሰርሕዎም ስረሓት ዝምልከቱ ሓጸርቲ መብርህታት ሂቦም፡ ኣባላት ፖሓኤ ናይተን ኣብያተ-ጽሕፈት መደባት ኣብ ምዕዋት ክሳተፍሉ ዝኽእሉ ኣገባታት እውን ዝርዝር ሃበሬታ ሂቦም።

Untitled 2ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኸፊል 

ድሕሪ’ቲ መግለጽታት፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ንምሕያል ውሽጣዊ ዓቕሚ ፖሓኤ፡ ንመስርሕ ዘተ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደንበት ተቓውሞ፡ ከምኡ ድማ  ብሓፈሻ ኣብ ከባብና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይረኣዩ ንኤርትራዊ ፖለቲካና እውን ዝጸልዉ ምዕባለታት ዝምልከቱ ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ በብዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣብያተ- ጽሕፈት ድማ መልሲ ተዋሂብዎም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓትን ዝተዓመ ዕማማትን ዝያዳ ንቕድሚት ንክስጉም ካብኣቶም ዝድለ ዘበለ ከበርክቱ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክባት ክቕጽል ለበዋ ብምቕራብ ኣኼባ ተዛዚሙ። ናይቲ ኣኼባ ኣዳለውቲ ከም ዝገለጽዎ ድማ እቲ መድረኽ ብምኽንያት ናይ ግዜ ኣቆጻጽራ ፍልልይ ኣብዚ ናይ 15 ለካቲት 2025 ኣኼባ ክሳተፉ ምስ ዘይከኣሉ ኣባላት ፖሓኤ ክቕጽል እዩ።

ካብቶም ክሕደሱ ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ ህንጻታት ምጽዋዕ ሓደ

ቅድሚ 35 ዓመታት ኣብ ምጽዋዕ፡ ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ፡  ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ሓደ ካብ መቐይሮታት ዝነበረ ውግእ ከም ዝተኻየደ ዝርሳዕ ኣይኮነን።  እዚ ስርሒት፡ ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምጽዋዕ ከም ዘኸተመ ዘረጋገጸ ምንባሩ ይዝከር። መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ድሕሪ ምፍንቃሉ ንሱ ዝገደፎ ወጽዓን ድሕረትን እውን መሊኡ ንክፍንቀል ናይቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሕድሪ ከም ዝነበረ ዘማትእ ኣይኮነን። ስዉኣት ኤርትራ ኩሉ ውጽዓኣ ተፈንቂሉ ምስተደርበየ ኣብ ክንድኡ ራህዋ፡ ሃገሮም ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ንክትከውን ናብ ብጾቶም “ሕድርኹም” እናበሉ ዝሓለፉ እዮም። “እሞ መብጸዓኦም  ተኺቡሩዶ ኣይፋሉን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድማ ብሓፈሻ ንመላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነታ ሕድሪ ፈንቀልቲ ስዉኣት ዝተቓለሓላ ከተማ ምጽዋዕ  ተዓዚብካ እቲ መልሲ ባዕሉ ስለ ዝዛረብ ሓደ-ክልተ ኢልካ ምጽብጻብ ዘድሊ ኣይኮነን።

እቲ ንመጻኢት ኤርትራ ሰናይ ዝተመነየ ሕድሪ፡ ናይቶም ኣብ ምጽዋዕ ዝተሰውኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም እቶም ምስ ኩለን  ውድባት ተሰሊፎም፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልስን ዓውዲ ውግኣትን ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዩ። እቶም ዝተጠለሙ እውን ኩላቶም እቶም ሰብ ተመሳሳሊ ሕድሪ እምበር ናይ ፈንቅል ስዉኣት ጥራይ ኣይኮኑን። ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ስዉኣት ዝፍጽሞ ጥልመት ንምሽፋን ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ካብቲ መህደሚታቱ ሓደ ከኣ ዕለትን ዓመትን ብምጽብጻብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ካለኦት ኣደባባያትን ንብዓት ሓርገጽ እናንባዕካ ዝግበር ዳንኬራን መጠበሪ ተዋስኦታትን ዘይተፈልዮ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ምስቁንቋን  እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንመበል 35 ዓመት እቲ ዝኽሪ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክርእአ እንከሎ፡ ብዝዛሕተለ ስምዒትን ውሑዳት ተሳተፍትን ተዘኪሩ። እዚ ዝኽሪ ኣብታ ድሕሪ ነጻነት ቁስላ ሓውዩ ናብ ንቡር ክትምለስ ተጸብያ ዘይሰመረላ ወደባዊት ከተማ እዩ ነይሩ።  ከተማ ምጽዋዕ ሎሚ ካብቲ ብስንክቲ ውግእ ፈሪሳ መልክዓ ዝተደወነቶ ኣብ ዝገደደ ደንደስ ምፍራስ ከም እትርከብ ዝረአ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ብዙሕ ምዝራብ  ዘድሊ ኣይኮነን።

ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዛ ክፈርሕ እንከሎ ዝሕበኣላ፡ ክርህዎ እንከሎ ከኣ ዝሕንብሰላ ወደባዊት ከተማ ኮይኑ ብዛዕባ ፍሉይነት ናይቲ ውግእ ክምድር እንከሎ ብኣኣ ከኣ ይሕጭጭ። ወትሩ ኣብ መድረኻት ነታ ብሰንኩ ህላወኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዘሎ “ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ፡ ሎሚ ግና ኣበይ ኣላ?”  እናበለ ክሳብ ክንደይ  ሓላፍነታዊ ዘይምዃኑ የርኢ።

ትርጉም መስዋእቲ ኣብ ምጽዋዕ ነቲ ኣብኡ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ብኣካል ፈንቂልካ ምጽራግ ጥራይ ኣይነበረን። ዝያዳ ትርጉሙን ተልእኮኡን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ጭቆናን ድሕረትን ሓግሒድካ ምጉሓፍ እዩ ነይሩ። መልእኽትን ሕድርን ናይቶም ስዉኣት ከኣ እቲ ምፍንቃል ምሉእ ኮይኑ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ዝተኣማምን ራህዋ፡ ሓርነትን ህዝባዊ ልዕልናን ዘውሓሰት  ክትከውን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ሎሚ እውን መልክዑን ኣተገባብራኡን ደኣ ቀይሩን ረቒቑን እምበር፡ እቲ ክፍንቀል ዝነበሮ ተግባራት መግዛእቲ ኣብታ ብጀጋኑ ደቃ ነጻ ዝኾነት ኤርትራ እውን  ኣስፋሕፊሑ እዩ ዝርከብ። እቲ ከም መግለጺ ምኽባር ሕድሪ ስዉኣት ብሓይልታት ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ከኣ መስርሕ ፍትሓዊ ምፍንቃል ጭቆና ቀጻሊ ምህላዉ ዘርኢ እዩ።  

ሎሚ ብዙሓት ደቂ እቶም ኣብ ስርሒት ፈንቅልን ካለኦት ናይ ጅግንነት ዓውድን ዝተሰውኡ ኣስማቶም እናተረቑሐ፡ ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸገማት ይኾኑ ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ይንገር ኣሎ። ኤርትራ ብናይ ብዙሓት መስዋእቲ ተጋሂዳ፡ መላእ ህዝባ ዝጭቆነላ ዘሎ  ሃገር እያ። ናይ ኩሎም’ቶም ስዉኣት ናይ “ሕድረይ ከይጥለም ሓደራ” መልእኽቲ  ትርጉም ተመሳሳሊ ነይሩ። ስዉኣት ድሕሪ ነጻነት ጀግንነቶም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር እምበር፡ እቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ተረሲዑ ብዛዕባኦም ኣብ መድረኻት፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ዕለተ ሰማእታት ስርሒት ፈንቀልን ዝኣመሰሉን ኣጋጣምታት እናተዘመረን እናተገጥመን ንብዓት ጥልመት ክበዓሎም ኣይነበረን።

ምጽዋዕ ብዕንወታ እናነበዐት ዓመት ዓመት እትሰምዖ ብስም ፈንቅል መደረን ግጥምን፡ ለበዋ ስዉኣት ዘረስዕ መደንዘዝን መዳህለልን እዩ። ህግደፍ ኣብቲ ኣጋጣምታት “ብሳላ መስዋእትኹም ከምዚ ዝኣመሰለ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ሃኒጽናን ትካላዊ ምምሕዳር ዘርጊሕናን” ክብል ኣይስመዓን እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይ ውግእን ህውከትን መደረን ጭረሖታትን  ንክቃላሕ’ዩ ዝእዝዝ። ያኢ ከም ሕድሪ ስዉኣት ምሕላው ተወሲዱስ፡ ዝተሰዋእኩምሉ  መዛግብ (ድፋዓት) ነሕድሶ ኣለና ክብል እውን ይስማዕ።

ህዝቢ ኤርትራኸ  “ክሳብ መዓስ እዩ እቲ ረዚን ሕድሪ ደቁ ተጠሊሙ፡ እቲ ጉዕዞ ብኣንጻሩ ኮይኑ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ኣብ ዘይሓይሽ ህይወት እናነበረ ምጽማም ክመርጽ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ እዩ። ስለዚ “ደቅናኮ ነዓና ንዘይትኸውን ኤርትራ ኣይኮኑን ተሰዊኦም፡ ስለዚ ስለምንታይ እዩ ናይ መስዋእቶም ጻማ ዝሕረመና?”  ኢሉ ካብ ምሕታት ተዓዚሙ ክነብር ንቡር ኣይኮነን።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣት ደቁን ብዘለዎ ንዕቀት ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ዝቐደመ መስዋእቲ ትርጉም ኣስኢኑስ፡ ብዘይጣዕሳን ስኽፍታን ካልእ ውግኣትን ዕንወትን ክዕድም ተራእዩ እዩ። ሎሚ’ውን ካብኡ ኣይወጸን።  ኣብዚ እውን፡ “ካብ ዝሓለፈ  ኣይረባሕናን እሞ ደጊምስ ይኣኽለና ደኣ” ዝብል ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምስምዑ፡  “እዚኸ ምስ ምንታይ ይቑጸር?” ዘየብል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ውሕጅሲ እናስሓቑ ይወስድ” ዝብል ምስላ ኣበው ዘንጊዑ፡ ብግጉይ ስብከት ህግደፍ ተሰሊቡ ብስቕታ እንተቐጺሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ደቁ ተኸቢሩ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ ብሓርነት ምንባሩ ተረፉ፡ እታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ነጻነቱ እውን ኣብ ምልክት ሕቶ ከይትኣቱ ዘየሻቕል ኣይኮነን።

ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝነበረ ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ቀትሪ ምድሪ ብመጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ድሃዩ ካብ ዘጥፍእ ሎሚ ዕለት14 ለካቲት 2025፡ 13 ዓመቱ ኮይኑ።  እዛ ዕለት እዚኣ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሕሰምን መከራን ዕለታት ኮይና፡ ከምተን ካለኦት ብጾት ዝጠፍኡለን ዕለታት እንዝክራ እያ። ከምዛ ንዕኡ ዘጋጠመቶ ሓደጋ መጭወይቲ ዘጋጠሞም፡ ናይ ቃልሲ ብጾትና፡ ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገ/ጻድቕን እውን ኣይንርሰዖምን ኢና። እዞም ሓርበኛታት እውን ካብ ሱዳን ከተማ ከሰላ ካብ ዝጭወዩ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት 33 ዓመት ክመልኦም እዩ። እነሆ ከኣ ዕድመ ማእሰርቶም ንዕድመ ማእሰርቲ ናይቲ ናይ መሰል ተቓላሲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኔልሰን ማንደላ ኣዕርዩ ሓሊፍዎ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ጣዕሚ ንእስነት ከየስተማቐሩ፣ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽውፈዩ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ሓርበኛታት ኢዩ።   ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ፡ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብህጉን ምእንታኡ ኩሉ ዝካኣሎም ካብ ዘበርከቱን ኤርትራውያን ሓርበኛታት ሓደ ኢዩ። ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ በጽሐ’ዩ ሰራዊት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ከይተወገደ ሰላምን ቅሳነትን ክርከብ ከምዘይካኣል ተገንዚቡ  ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ። ወተሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስሳታት ዝነበሮ ጸገማትን ሕልኽልኻትን ተጻዊሩ መባእታዊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ኣብ 1970 ኣብ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ ኮይኑ ተመዲቡ።

ኣብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ ብዛዕባቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ካብ ተሓኤ ዝተፈንጨለ ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ብመንጽር ሃገራዊ ስምረት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን መዚኑ ብዛዕባኡ እዚ ዝስዕብ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

ሀ. ንኢሳያስን ብጾቱን ነዚ ናብ ሃገራዊ ስምረት ዝመርሕ መደብ ዕዮን ውሳኔታትን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ  ተቐቢሎም ክምለሱ ይጽውዕ።

ለ. መሪሕነት ተሓኤ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ገድልን ምእንቲ ክሕሎ፡ ከምኡ ድማ እቲ ጸገም ንኽፍታሕን ካብቲ ዝነበሮ ከይገድድን ዘድሊ ስጉምትታት ትወስድ፡ ብዝብል ዝወሰኖ ውሳነታት መስረት፡  መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብ ኣባላት ናይታ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1972 ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ንኽትራኸብ  ብመሪሕነት ተሓኤ ዝቆመት ሽማግለ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ግን ብሰንኪቲ «ንሕናን ዕላማናን» ዝብል ኢሳያስ ዘበገሶ ጸቢብን ዘይግሉጽን መደባት ካብ ምብትታን ኣይዳሓነን። እቲ ዝገደደ ምብትታንን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና በጺሑ እነሆ። መሪሕነት ተሐኤ ምስቲ ዝነበሮ ጉድለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንምርግጋጽን ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኲነታት ንኸይትወድቕ፡ ከቢድ ጻዕርታት ገይራ እያ። ኢሰያስ ታሪኻዊ ምስክርነት ቃልሲ ህዝቢ ንምቕባርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ከምእኒ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ንጹሃት፡ ብዘይካ ንፍትሕን ሓርነትን ህዝቢ ካልእ ንዘይባሃጉ ተጋደልቲ ጨውዩ ከጥፍእ እዩ መርሆኡ።    

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፣ ክሳብ 1976 ቅድም መራሒ ሓይሊ ደሓር ከኣ ኮምሽነር ሓይሊ ኮይኑ ተቓሊሱ። ድሕርዚ ኣብቲ ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ዝካየድ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ኣብ ሶርያ ደማስቆ ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ብደረጃ መዓርግ ትሊንቲ (ሓለቓ 100) ተመሪቑ ናብ ሜዳ ተመሊሱ ብዝዓበየ ዓቕሙ ቃልሱ ቀጺሉ። ብዙሕ ከይጸነሐ ከኣ፡ ኣብታ ኣብ ከበሳ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ   ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳብ 1978 መራሒ ሓይሊ ነይሩ። ቀጺሉውን ክሳብ 1980 : ኣብ ትሕቲ መራሕ ብሪገድ 61 ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ቀዳመይቲ በጠሎኒ መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።

ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ፣ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዶባት ሱዳን ምእታዉ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ  ናይ ቃልሲ ፍናኑ ከየውደቐን ተስፋ ከይቆረጸን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብሚያዝያ 1982 ኣባል ናይታ ሰራዊት ንምምራሕ ዝቆመት ግዚያዊት ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ መወዳእታ 1982 ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዝተገብረ ሓድነታዊ ስምምዕ መሰረት፡ ኣባል ናይታ ብኣርባዕተ ተጋደልቲ ዝቆመት ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ ንዝሰመረ ሰራዊት መሪሑ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህሓሓኤ፡ ነቲ ስምምዕ ብትሕዝትኡን መንፈሱን ክፍሑቊን ከፍርስን ምስ ዝጀመረ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተኣሲሩ።

ህሓሓኤ ኣብ መፋርቕ 1984 ሓደ ውድብ ኮይኑ ክቕጽል ስለዘይካኣለ ድማ፣ ክንፊ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ኣሕመድ ጃስርን ተባሂሉ ኣብ ዝተፋናጨለሉ፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝርከቦም ልዕሊ 73 ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብፖለቲካዊ ርእይትኦም ጥራይ፣ በብእዋኑ ተኣሲሮም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብወታሃደራዊ ክንፊ  ጉጅለ ጃስር ካብ ዝተሓተ  ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት  ብማእሰርቲ ተሳቐዩ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣይሓለፈሉን። ሓይሊ ጃስር ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1988 ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተጠቕዐ፡ መደበራትን ቤት ማእሰርትን ጉጅለ ጃስር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግሓኤ ስለዝኣተወን፡ ካብቲ ማእሰርቲ ናይ ምምላጥ ዕድል ስለዘይተረኽበ እንደገና ኣብ ቀይዲ ህዝባዊ ግንባር ኣተወ። ካብ ጸልማት ናብ ዝኸፍኤ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ ተኣሲሩ።

እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎን ሕሰምን ኣደራዕን ኣብ ምንቲ ምንታይ ኮን ይኸውን ? ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ፡ ኣብ መንጎ ፈራሓት መለኽትን ኣብ መንጎ ተባዓት ህዝባዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ዝብጀዉ ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ እተዘይኮይኑ፡ ካልእ ብውልቁ ዝሓተቶ ጠቕሚ ኮነ ዝፈጸሞ ገበን የለን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምርጫኡ ንኽወስድ ብህግሓኤ ንዝተዋቦ ዕድል ተጠቂሙ ምስ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ናብ ሱዳን ተመሊሱ ኣብታ ዋሕስ ህዝብና ክትከውን ዝተጸበያ ውድብ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ተመሊሱ፡ ኣንጻር ምልኪ ቃልሱ ቀጺሉ። ገለ ካብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ማእሰርትን ናብ ሱዳን ናይ ምእታው ዕድል ረኺቦም ናብ ውድቦም ተጸንቢሮም ቃልሶም ዝቐጸሉ ተጋደልቲ ኣሰፋው በርሀ፡ ብርሃነ ተስፋጋብርን፡ ዑስማን መሓመድን ዝርከብዎም ነይሮም። ከምኡ ውን ሓው ተስፋይ ርእሶምን ካልኦት ድሕሪ ነጻነት ካብ ኣስመራ ናብ ሱዳን ናይ ምእታውን ዕድል ካብዝረኸቡ ኣብ ውድቦም ብምጽንባር ቃልሶም ዝቐጸሉ ብጾት እዮም። 

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብዘጋጠሞ ማእሰርትን ስቅያትን ኣይተዳህለን ኣይሰኮነን ዝያዳኳ ዳኣ መሊሱ ሓሪኑ ካብ ናይ 1995 ራብዓይ ጉባኤ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ 2010 ዝነበረ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመሪጹ፡ ብደረጃ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ጽሕፈት  ተመዚዙ ተቓሊሱ። ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይን መስመርን ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምራጹ እውን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ኣብ ቃልሲ እንከሎ ብዕለት 14 ለካቲት 2012 ብጸጥታዊ መሓውር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከተማ ከሰላ ምስ ተጨውዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ኣብ ዘይርከበሉ፡ ድምጹ ኣብዘይስማዓሉ ኣብ ጎዳጉዲ ምልኪ ተሰዊሩ ዘሎ።

መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን እዩ። በዂሪ ወዱ ናስር ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህሓሓኤ ምስ ኣተወ ስለ ዝተወልደ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኣብኡ ከይሓቆፎ ዓብዩ። ዋላኳ ንይምሰል እንተነበረ፡ ጉጅለ ጃስር ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብ ዝገበሮ በዓል 1986 ወይዘሮ ሓሊማ በዓልቲ ቤቱ ናብቲ በዓል ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ በረኻ ንሓጺር ግዜ ምስ ስድርኡ ክራኸብን ዓይኒ ንዓይኒ ክራኣኣዩን ዕድል ረኪቡ ከም ዝነበረ ይዝከር። ማጂድ ወዲ 19 ዓመት ምስበጽሐ፡ ኣብታ ኣቦ ዝደልየላ ናይ ንእስነቱ እዋን፡ ኣቡኡ ወፊሩ ክምለስ እንዳተጸበየ፣ ስለ ዘይተመልሰ ዘኽቲሙ ዓብዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ምልኪ ህግደፍ ዘይዘኽተመትን ዘይተበታተነትን ስድራ ከምዘየላ ኩልና ንፈልጦ ካብ ኮነ፡ እታ ብደምን መስዋእትን ህዝባ ናጽነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወትሉ እዋን ንርከብ ካብ ሃለና፡ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና፡ ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብና መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ቃልሲ ይጽበየና ከምዘሎ ተገንዚብና ክንልዓል ይግባእ።

ንቅዋማዊ ምሕደራን፡ ዲሞክራሲያዊ ምዕባለን ንቃለስ

ኤርትራ ኣብ 180 ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ንብልሽውና (corruption) ዝምልከት መጽናዕቲ 2024፡ ካብ ሚእቲ 13 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ፡ ኣብ መበል 173 ከም ዝተሰርዐት ዓለም ለኻዊ ግሉጽነት (transparency international) ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። ምስ ኤርትራ ማዕረ 13% ብምርካብ ድሕሪት ዝተሳዕራ ሃገራት፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ሊብያን የመንን ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኤርትራ እትርከበን ዝያዳ ዝገደዳ ተባሂለን ዝተመዝገባ ከኣ፡ ሲርያ፡ ቬንዝዋላ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ምዃነን ኣብቲ መጽናዕቲ ተመዝጊቡ።

ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ እውን፡ ካብ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ጥራይ ዝሓሸት ተባሂላ፡  ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ። እዚ መጽናዕቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብልሽውና የለን እንዳተባህለ ዝቐርብ ግጉይ ምጽብባቕ ዘቃልዕ እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ዓለም ለኻዊ ትካል፡  ኣብዚ ናይ 2024 ዳህሳሱ ካብተን ንመጽናዕቲ ዝተመርኮሰለን 180 ሃገራት ክልተ ሲሶ ዝኾና ትሕቲ 50 % ከም ዝረኸባ ጠቒሱ። ንውድቐት እተን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ዲሞክራሲ ምድኻም ምዃኑ ጠቒሱ፡ ካለኦት ከም ናይ ክሊማ ምቅይያር ዝኣመሰሉ ረቛሕታት ከም ዝርከብዎ’ውን ኣስፊሩ።

ኣተሓሒዙ ድማ ብልሽውና ኣብ ርእሲቲ ንዕቤት ሃገርን ህዝብን ንድሕሪት ዝመስል ምዃኑ፡ ብኩራት ዲሞክራሲ፡ ምርግጋእን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝኸትል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ኣንጻርዚ ሓደገኛ ተርእዮ ብልሽውና ምቅላስ ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓሉ ከም ዝግባአን ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብልሽውና ከም መቐየሪ ፖሊስን ምድኻም ምቁጽጻርን ምሕላው ሚዛንን ይኸውን ከም ዘሎ እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ።

ኣብዚ እዋንዚ 6.8 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓልለም፡ ኣብተን ብናይ ብልሽውና መለክዒ ካብ 50% ንታሕቲ ዝረኸባ ሃገራት ከም ዝነብር ብምጥቃስ፡ ደንማርክ 90%፡ ፊንላንድ 88%፡ ሲንጋፖር ከኣ 84% ብምርካብ ከም ቀዳሞት ዳርጋ ብልሽውና ዘይረኣየለን ሃገራት ሰሪዕወን። ብኣንጻሩ ድማ፡ ደቡብ ሱዳን 8%፡ ሶማሊያ 9%፡ ሲርያ 12%፡ ሊቢያ፡ ኤርትራ፡ የመንን ኢኳቶርያል ጊኒን ከኣ ነፍሲ ወከፈን 13% ብምርካብ ኣብ መወዳእታ  ሰሪዕወን።

ካብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ደሓን ምምሕያሻት የርእያ ኣለዋ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ከኣ፡ ኮትዲቭዋር፡ ደሞኒካ ረፖብሊክ፡ ኮሶቮ፡ ኩዌት፡ ሞልደቪያን ዛምቢያን ተጠቒሰን። ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን ሱዳንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ መበል 99፡ 127ን 170ን ተሰሪዐን ይርከባ።

ኢንስደነት (Incident) ካብ ዝተባህለት መርበብ ዝተወስደ ስእሊ ስድራቤት ግዳያት

ናይቶም ምስ ሰለስተ መራኽብ ካብ 7 ሕዳር 2024 ጀሚሮም  ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ ባሕረኛታት ኣዘርባጃን ደሃይ ንክሕብሮም ናብ መንግስቶም ሕቶ ከምዘቕረቡ ቢቢሲ ነተን መራክብ ዘመሓድር ኩባንያ “ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ቢ-ቪ (CMS B.V)”: ብምጥቃስ ሓቢራ። ንሕቶ ናይቶም ስድራቤታት ዝተቐበለ፡ ምክትል ዳይረክተር ናይታ ኩባንያ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጉዳይ ዲፕሎማሲያዊ ሕልኽልኽ ከም ዘጋጠሞም ምሕባሩ ቢቢሲ ብተወሳኺ ገሊጻ። ካብቲ ኤርትራ ዝፈጠረቶ ጸገም ሓደ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣዘርባጃን  ናብ ኣስመራ ንምልኣኽ መዲቦም ናይ ኤርትራ ቪዛ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ እውን ተፈሊጡ። ከም መተካእታኡ ከኣ ቱርክን ሩሲያን ኣብ ዝርከበአን ዝተፈላለያ ሃገራት ርክባት ይገብሩ ከምዘለዉ ምጥቃሱ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ብሓፈሻ ኩሎም ስድራቤታት ናይቶም ባሕረኛታት፡ ብፍላይ ከኣ ክቱር ሻቕሎት ዝሓደሮ ኣምራህ ሩስታሞቭ ዝተባህለ ኣቦ ሓደ ካብቶም ጀሆ ተታሒዞም ዘለዉ ከም ዝጠቐሶ፡ ምስ ሓለፍቲ እታ ነተን መራክብ እተመሓድር ኩባንያን ወከልቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሪ ናይታ ሃገርን ምርኻቦም ሓቢሩ መንግስቲ ብዛዕባ ደቆም ክነግሮም ንዝሓተትዎ እኹል መልሲ ክህቦም ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

 ኩባንያ 'ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ቢ-ቪ (CMS B.V)”፡ ቅድሚ ሰሙናት ኣድላይ ዘበለ ሰነዳት ድሕሪ ምቕራባ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍትሑ እኳ ተስፋ እንተነበራ፡ ብግሪ ግና ክሳብ ሎሚ ንጹር ዝፍትሕሉ መዓልቲ ኣይተፈለጠን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቶም ባሕረኛታት ኣብ ወደ  ዓሰብ ካብተን መራክቦም ወሪዶም ናብ ካልእ ቦታ ምስተወሰዱ፡ ኣባላት ጸጥታን ባሕረኛታትን ኤርትራ ከኣ በይኖም ይፍትሽወን ከምዘለዉ እታ ኩባንያ ኣፍሊጣ።

ናይታ ኩባንያ ጠበቓታት ዘካየድዎ ጻዕሪ ቀጻሊ’ኳ እንተሎ፡ ነቶም 18 ኣዘርባዣውያንን 6 ደቂ ካልእ ዜጋን ባሕረኛታት መግቢ ከም ዝቐርበሎም ካብ ምግባር ሓሊፎም መሰረታዊ መፍትሒ ከምጽኡ ከምዘይከኣሉ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ ኣሰራርሓ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎም ወገናት፡ እተን መራክብ ጽዒነንኦ ዘለዋ ንብረት ብህግደፍ ናይ ምውራሱ ዕድል ዝለዓለ እዩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ለካቲት 2025 ፍሉይ ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ብምዝታይ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ  ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት ብደረጃ ሃገርናን ከባብናን  ዝረኣዩ ዘለዉ ኩለ-መዳያዊ ቅልጡፋት ምዕባለታት፡ ፖለቲካዊ ተርእዮታትን ዝገሃዱ ዘለዉ ናይ ኣሰላልፋ ለውጥታትን ዝምልከት ዳህሳስ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘካየዶ ዳህሳስ እቲ ምዕባለታት እንታይ መልክዕ ይሕዝ ከምዘሎ ብምግምጋም መዋጸኦ ዝበሎም መፍትሒ ሓሳባት እውን ኣለልዩ። ብፍላይ ከኣ ህግደፍ  በብኩርናዑ የጋጥሞ ካብ ዘሎ ተጽዕኖታትን ሓዲርዎ ዘሎ ስግኣታትን ንምውጻእ ዝተፈላለዩ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣብ ግምት ዘየእተዉ ዝምድናታትን ምዕልባጣትን የርኢ ከም ዘሎ ኣኼባ ተረዲኡ። 

ካብዚ ሚዛኑ ብምንቃል ድማ ህግደፍ ዝወስዶም መመሳመሲ ወስታታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎ ክሳብ ዘየረጋገጹን መሰረታዊ ሕቶኡ ዘይመለሱን ተቐባልነት ከምዘይህልዎም  ብምርዳእ ህዝብን ሓይልታት ለውጥን ኤርትራ  ቃልሶም ኣንጻርቲ ጉጅለ ብኣድማዒ መልክዕ ንክቕጽሉ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ወትሩ ጸዊዑ። 

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ተጠቃምነት ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን ኤርትራ ብተደጋጋሚ የልዕሎ ብዛዕባ ዘሎ ሕቶታት ቆላሕታ ሂቡ መዚኑ። ኣብቲ ሚዛኑ ናይ ወደብ ኣጠቓቕማ፡ ኤርትራዊ ልኡላውነት ብዘይግህስ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዝፈቕዶን ንክልቲኦም ወገናት ብዘርብሕን ጥራይ ክኸውን፡ ካብኡ ወጻኢ ዝኽየድ ግና ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከምዘይከውን ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ብርጌድ ንሓመዱ ብ27 ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዘካየዶ ኣኼባ  ፈጻሚ ሽማግለ ተመያይጡ። ኣብ ምይይጡ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ኣኼባ ዝተራእዩ ሕጽረታት ኣብ መጻኢ ከይድገሙ ብምዝኽኻር፡ እቲ ተበግሶ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እቲ ህዝባዊ ማዕበል ከካይዶ ናይ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ገይሩ ከም ዝወስዶ ርእዩ። ብመሰረት እቲ ሰዲህኤ ኣብ 4ይ ሰልፋዊ  ጉባአኡ  ንህዝባዊ ማዕበል ብሪጌድ ንሓመዱ ብዝምልከት፡ “ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ንለውጢ፡ ንልዕልና ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ቃልሲ ኣብ ዲያስፖራ ጥራይ ከይተደረተ፡ ንክሰፍሕን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ንክኣቱን ኩሎም  ዝምልከቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ግደኦም ክጻወቱ ይግበኦም” ዝበሎ፡ ነቲ መቃለሲ ቦታ ናይ ምስፋሕ ተበግሶኡ ኣተባቢዕዎ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብሪጌድ ንሓመዱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ኣካል ዝገብሮ ዝምድና፡ “ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራን ዘትከለ፡ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ዘየፍቅድ ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ምትሕብባርን” ዝምስረት ንክኸውን ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ኣዘኻኺሩ።

ኣኼባ ኣብ መወድእታ ኩሎም ኣብ ከባቢና ዝረአዩ ዘለዉ ምትፍናናትን ናብ ውግእ ከይምዕብሉ ዘስግኡ ተርእዮታትን ተወጊዶም፡ ናብ ሰላም፡ ምትሕግጋዝን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዝወስድ መንገዲ ንክሕዙ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰዲህኤ ግደኡ ክጻወት ድልዊ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራሲያዊ ምባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2 ለካትቲ 2025

 ኤርትራ: “ተቐባልነት ዘይረኸቡ” ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኤርትራውያን  ስደተኛታት  ክትቅበል ፈቓደኛ ስለ ዘይኮነት፡ መንግስት ስዊዘርላንድ፡ ክህባ ዝጸንሐ ሓገዝ ከም ዝቋርጾ ቢቢሲ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ብምጥቃ  ሓቢራ። እቲ ንኤርትራ ክወሃብ ዝጸንሐ ሓገዝ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታታ ንክትቅበል ንምትብበዓ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ኣብዚ መዳይ ቅርብቲ ንክትከውን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ስለ ዘይተዓወተ እቲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ንክውሰድ ከም ዘገደደ እቲ ዜና ኣፍሊጡ ።

ቢቢሲ ሬድዮ ስዊዘርላንድ ብምጥቃ ከም ዝሓበረቶ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣስታት ሸውዓተ ሺሕ ግዝያዊ ተቐባልነት ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ክልተ ሚእቲ ድማ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተወሰኖም እዮም። ምስዚ ብምትሕሓዝ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራ ነዚ ናይ ልምዓት ሓገዝ ምሃብ ዝጀመረ ካብ 2017 ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጉንበት ድማ ክቋረጽ እዩ።

ናይቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ደገፍ ቀንዲ ዕላማ፡ መንእሰያት ተክኒካዊ ብቕዓት ከም ዝህልዎም ብምኽኣል   ቁጠባዊ ዓቕሞም ከም ዝዓቢ ንምሕጋዝ ምንባሩ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ሃገር ማይክል ስታይነር  ንመደባት ሬድዮን ተለቪዥንን ስዊዘርለንድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ህላወ ናይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣዝዩ ዝተደረተ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መደብ  ክዕወት ኣይከኣለን።

እቲ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማይክል ስታነር፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ስለ ዘየለ ድሕሪ ሕጂ ምስ  ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊስካ እግሪ ምትካል ዝተሓሓዝ ሓገዝ ከምዘይውሃባ ኣፍሊጡ። ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ እውን ኣብ ፖለቲካ ስዊዘርላንድ ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይታ ሃገር ፓርላማ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምትሕልላፍ መደብ ዝነበሮ ኮይኑ ተቐባሊት ሃገር ብዘይምርካብ ከም ዘይተዓወተ እውን እቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ሓቢሩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ለበዋ ናብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናብ ምሁራት ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል፡ ብ3 ለካቲት 2025 ብቋንቋ ትግርኛ ወግዓዊ መልእኽቲ፡ ኣመሓላሊፉ። ኣብ መልእኽቱ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብሰላም ንክፍታሕ ኣብ ዘመሓላለፎ መጸዋዕታ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ተደጋጋሚ ውግእን ግጭትን ዝረኸቦ መኽሰብ ከምዘየለ ጢቒሱ።

ኣብ መጸዋዕታኡ፡ "እቲ ዘሕዝን ህዝቢ ትግራይ ናይ ትማሊ ቁስሉ ከይሓወየ ገና ሕጂ’ውን ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ሰሪሑ ከይኣቱን ከየልምዕን ኣብ ፍርሒ፡ ራዕድን ወረ ውግእን ተሸሚሙ ዝነብር ዘሎ እዩ" ክብል ኣስፊሩ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታን ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ኣብቲ ክልልን ሃገርን ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ።  ጠንቂ ናይቲ ወጥሪ፡ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ምስቲ ብዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ብምውጋኖም ሕድሕድ ውግእ ከየኸትል ዝሓደሮ ስግኣት ኣንጸባሪቑ።  

ንወገን ጌታቸው ረዳ ከም ዝድግፍ ዝግመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሰላም  ከም ዝፍታሕ ንዝኾነ ዝስወሮ ኣይኮነን’ውን ኢሉ። ኣብ መዳያት ንግዲ፡ ጸጥታ፡ ኣካዳምን መዲያን ተዋፊሮም ዘለዉ ተጋሩ፡ ቅድም ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ፍልልይ ብኢህን-ሚህን ክፈትሑ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ፌደራልን ካለኦት ወገናትን ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሕገመንግስታውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ንክፍታሕ ጽልዋኦም ከሕይሉ ተላብዩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣብቲ መጸዋዕታኡ፡ "ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኩሉ ጉዳያት ዝፍጠር  ፍልልይ  ከም ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብምውሳድ፡ ኣብ ዘረዳድኡና ሃገራዊ ጉዳያት ብስኒት ክንሰርሕ ዘኽእለና ኩነታት ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ካብ ስግኣት፡ ኣዴታት ድቃስ ካብ ምስኣን፡ መንእሰያት ድማ ካብ ስደት ኣብ ምድሓን ክትሰርሑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህዝቢ ናብ ልምዓቱን ሕውየቱን ንክምለስ ሓቢርና ክንሰርሕ ደጊመ እላቦ፡" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣብ 2 ሕዳር 2022 ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያኳ ጠጠው እንተበለ፡ ኣብ ኣተገባብራኡ ዝፍጠር ብዘሎ ፍልልያት ኣስጋእነቱ መመሊሱ ይዓርግ ከም ዘሎ ዝረአ ዘሎ እዩ።

ናይቲ ደብዳብ ግዳያት

ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልል  ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብ30 ጥሪ 2025 ናይ ድሮን ደብዳብ ከም ዝፈጸመት፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ሲያሩ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ብለይቲ ብተደጋጋሚ  ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ልዕሊ 8 ሰባት ሞይቶም፡ 4 ድማ ተወቒዖም ናብ ሆስፒታል ዱብቲ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ። ካብቶም ዝሞቱ ነፍሰ-ጾራትን ክልተ ኣሕዋትን ከም ዝርከብዎም  እቲ ዜና ሓቢሩ።

ካብቶም በቲ ደብዳብ ድሮን ዝሞቱ፡ መሓመድ ኣይዳህሲ፡ ዓሊ ኦርቢስ፡ ካኮ ኦርቢስ ዓሊ፡ ዓሊ መሓመድ ካኮን ዓይሻ ባዱል መሓመድን ዝበሃሉ ግዳያት ከም ዝርከብዎም ኣዲስ ስታንዳርድ ካብቶም ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ኢላ ኣስፊራ። ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ደብዳብ ኮነ ኢልካ ብመንግስቲ ጅቡቲ ከም ዝተፈጸመ ጠቒሶም ኣብ 2ተ ኣዋርሕ ንካለኣይ ግዜ ምዃኑ ከኣ ሓቢሮም። እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ “ግንባር ምምላስ ሓድነትን ዲሞክራሲን ጅቡቲ” ዝበሃል ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝዋጋእ ዕጡቕ ኣካል ከም ዝተወስደ ጌርካ ይግለጽ  ከም ዘሎኣመልኪቶም።

ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ደብዳብ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝበሃሉ ካለኦት ወገናት ከኣ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ጅቡቲ ዝተወስዶ ኮይኑ፡ ምኽንያቱ ከኣ ነቶም ኣብ ዶብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝሰፈሩ ዕጡቓት ተቓወምቱ ንምጥቃዕን ነቲ ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ሓይሊ ወሲኽካ ንምዝንባል እዩ ዝብል ግምቶም ኣስፊሮም።

በቲ ካልእ ወገን  ኣብ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ሰብኣዊ ማሕበር፡ እቶም ዝሞቱ 14 ከም ዝበጽሑን ካብኣቶም 4 ደቂ ኣንስትዮን ቁጽሮም ዘይተጠቕሰ ህጽናትን ምዃኖም ብምቅላዕ፡ እቲ ለይታዊ ናይ ድሮን ደብዳብ ሰበኽሳግም ኣብ ዝርከብዎ ከባቢ ከም ዝቐጸለ ሓቢራ። እታ ሰብኣዊ ማሕበር ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ነቲ ተግባር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ “ናይ ውግእ ገበን” ብዝብል ኮኒናቶ፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ኣካል ብምድጋፍ ተኸሲሱስ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ ነይሩ።  ብዛዕባዚ ዳርሕረዋይ ናይ ድሮን ደብዳብ ግና ክልቲኦም መንግስታት ዝሃብዎ መግለጺ የለን። እዚ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምትእምማን ከየጋድዶ እሞ ካልእ ዞባዊ ቅልውላው ከይፈጥር  ዘስግእ እዩ።

ናይቲ ጉባአ ተሳተፍቲ ብኸፊል

ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና 31 ጥሪ 2025 2ይ ጉባአኡ ጀሚሩ። ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ፒያሳ ዝተሃንጸ ኣድራሻ ሚዝየም ዓድዋ ዝተኸፍተ ጉባአ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ወከልቲ መንግስታውን ሃይማኖታውን ትካላት ዓበይቲ ዓድን ከምኡ እውን  ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ዝተመርጹን ኣስታት 50 ናይ ዝኾና ካብ ሃገራት ኣባል ብሪክስን ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ዝተዓደሙ ኣብቲ መኽፈቲ  ተሳቲፎም። ኣብዚ ጉባአ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ እቶም 1700 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታትን ሙዚቃዊ ድራማታትን ዝቐረብሉ መኽፈቲ፡  ፕረሲደንት ብልጽግና ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰልፍታት ጉባአ ታሪኽ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ተወከልቲ ብ ዝሳተፍሉ ዝካየድ ናይ ብልጽግና ጥራይ እዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ጉባአ ብልጽግና ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ምምራጽ ዘኽእል መስርሑን ውጽኢቱን ዲሞክራስያውን  ኣሳታፍን ክኸውን እዩ ክብል ከም ዝገለጾ ብመግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ዝተዘርግሐን ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈን ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ዜና ኣተሓሒዙ እዚ ጉባአ ዝሓለፈ ኣተገባብራ ስራሕ ናይቲ ሰልፊ ዝግምገመሉን መጻኢ መደባት ዝትለመሉን ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ብመንጽርቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ኣገደስትን ወሰንትን ውሳነታት ከም ዝውሰንሉ እውን ተሓቢሩ። ኣብዚ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል ጭረሖ እናተመርሐ ክሳብ 2 ለካቲት 2025 ዝጸንሕ 2ይ ጉባአ ብልጽግና፡ ድሕሪ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን እቲ ሰልፊ ዝምረሓሉ ሕግታትን ምጽዳቑ፡ 225 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ኣባላት ኢንስፐክሽንን ቁጽጽርን ከም ዝመርጽ እውን ኣብቲ  ናይቲ ጉባአ ኣጀንዳ ተመልኪቱ