“ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ”፡ መወከሲ ሰነድ ዘርጊሑ
2025-03-24 22:09:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 294 times“ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ” ዝተባህለ ጉጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ “ልኡላውነት ኤርትራን ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእሲቲ ዘሰናደኦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣፋሊጡ። እዚ ሰነድ ብ24 መጋቢት 2025 ኣባላት እቲ ሓይሊ ዕማምን ኣብቲ ኣባላቱን ዝዓደሞም ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍሉ ኣኼባ እዩ ነቲ ሰነድ ኣቕሪብዎ። እዚ መወከሲ ንክኸውን ዝተዳለዉ ጽሑፍ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ እንግሊዝን ኣምሓርኛን ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ እውን ብኣርባዕቲኡ ቋንቃታት ተነቢቡ።
እቲ ሓይሊ ዕማም ነዚ መጽናዕታዊ ሰነድ ከዳሉ ዘለዓዓሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ13 ጥቅምቲ 2023፡ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ባህርያዊ ዶብ ኢትዮጵያ`ዩ” ክብል ምዝራቡን፡ ሃገሩ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ክህልዋ “ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ጉዳይ`ዩ” “ ክብል ዘስመዖ መደረ ምዃኑ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብቲ ሰነዱ ኣስፊሩ። እቲ ሰነድ ኣብቶም ብኢትዮጵያ ተደጋጊሞም ዝለዓሉ 4ተ ዛዕባታት፡ 1) ታሪኽ፡ 2) ጆግራፊ፡ ደሞግራፊን ኤትኒካዊ ዝምድናታት፡ 3) ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕርን 4) ቍጠባን ጸጥታን ኣተኲሩ ዝተጸንዐ ምዃኑ ኣብቲ ጽሑፍ ተጠቒሹ’ሎ።
ኣብቲ ታሪኻዊ ክፋል፡ ኤርትራ ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ልኡላውነት ንምብጻሕ ዝተጓዕዘቶ ኘዊህ መስርሕ ቃልሲ ዘርዚሩ። ኣብ ዞባና ቅድሚ ነውሕ ዓመታት ክርአ ዝጸንሐ ደሞግራፋዊ ለውጥታት ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኮይንካ ክረአ እንከሎ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ክትውንን ዘኽእላ መርተዖ ከም ዘየለን ብስምምዕ ምስታ ወናንቲ ወደብ ሃገር ኣገልግሎት ክትረክብ ግና ከም ዝከኣል ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብመንጽር ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ኣህጉራዊ ሕግታትን ቀይሕ ባሕሪ ኣካል ኤርትራዊ ልኡላውነት ምዃኑ ከም ዘነጽር ኣመልኪቱ። ምስዚ ከኣ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ወደብ ዘይምውናና ከጋጥማ ዝኽእል ጸጥታውን ቁጠባውን ሓደጋ ከምዘየለ ኣርእዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እዞም ዝስዕቡ መፍትሒ ሓሳባት ኣቕሪቡ።
“(1) ኢትዮጵያውያን ኣብ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘየወላውል ኣኽብሮት ክህልዎም ይግባእ፡
(2) ኤርትራን ካልኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ጐረባብቲ ሃገራትን፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ፡ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕርን ትራንዚትን (ምትሕልላፍ) ናይ ምጥቃም ሕጋዊ መሰላ ኣፍልጦ ክህባን ክድግፋን፡
(3) ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሰናይ ድሌት ዝተሞርኰሰ ሃናጺ ጽሞዶን፡ ንኽልቲኡ ህዝብታት ዝጠቅምን ናይ ሓባር ዓወት ዘረጋግጽን ክልተኣዊ ስምምዓትን ዝምድናታትን ክምስርታ፡
(4) ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስግኣት ካብ ምፍጣርን፡ ብሄረ ዓፋር ማእከል ዝገበረ ናይ ብሄር ካርድ ካብ ምጽዋትን ምትኽታዅን ክትቁጠብን
(5) ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ድማ፡ ንዘላቒ ናይ ሓባር ዓወታት ዘጓናጽፉ፥ ኣብ ከም ዞባዊ ቍጠባዊ ውህደትን፡ ምቛም ሓባራዊ ጸጥታን ዝኣመሰሉ፡ ተኽእሎታት ክድህስሳን ሓባራዊ ስምምዓት ክበጽሓን ይግባእ።” ይብሉ።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ስራሑ ከም ዝወደአ ዝገለጸ ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ ጠርናፊ ዶ/ር ዮሃንስ ሃይለን ካለኦት ኣባላትን፡ ብተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ብምሃብን እቲ ጽሑፍ ናብ ኩሎም ኣካላት ንክበጽሕ ለበዋ ብምቕራብን ኣኼባ ተደምዲሙ።