ካብ ናይቲ መንገዲ ኣየር፡ መርበብ ሓበሬታ ዝተወስደ ስእሊ

ኣየር ፍራንስ፡ ብ4 ሕዳር 2024 ብቀይሕ ባሕሪ ምብረር ከቋርጽ ከም ዝተገደደ ናይቲ መንገዲ ኣየር ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ኣብረርቲ በረራኡ ከቋርጽ ዝተገደደ ኣብቲ ወጥርታት ዘዘሖ ዞቦ ብፍላይ ከኣ  ኣብ ሰማይ ሱዳን ኣብ ዝለዓለ ብራኽ ዘንጸባርቕ ነገር ስለ ዝረአየ ምዃኑ  እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እቲ መንገዲ ኣየር ናይቲ “ዘንጸባርቕ” ዝበሎ ኣካል  እንታይነት ዘይጠቐሰ ኮይኑ፡ በቲ ኢራን ኣንጻር እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ሚሳይላት ክትትኩስ እያ ዝበሃል ዘሎ ከም ዝሰግአ ጠቒሱ። በቲ ሃንደበታዊ ምቁራጽ በረራ ካብ ፓሪስ ናብ ኣንታራሪቮ፡ ማድጋስካርን ናይሮብን ዝግበር ዝነበረ በረራ ዝተዓንቀፋ ነፈርቲ፡ ናብቲ ዝተበገሳሉ ፓሪስ ከም ዝተመልሳ ተፈሊጡ።

እዚ ዘሻቕል ኩነታት ዝተፈጥረ የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራክብ ኣብ ዝወቕዕሉን ናብ እስራኤል ድማ ሚስይላት ኣብ ዝትኩሱልን እዋን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡  መንገዲ ኣየራት ካብቲ ኣስጋኢ ዝኸውን ዘሎ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ካልእ ውሑስ ዝኾነ ኣቕጣጫታት ክመርጻ ይግደዳ ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ።

መንግዲ ኣየር ፍራንሳ፡ ልዕሊ ኩሉ ድሕነት ዕማዊሉ ከም ዘገድሶን በዚ መሰረት ነቲ ዝፍጠር ጀኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለታት እናተኸታተለ መንግዲ ከም ዝቕይር ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብክሊ ኣየር ዖማንን ሳዑዲ ዓረብን ይጥቀም ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይኣተወት ኣየርባስ- ኤ350-100 (Airbus A350-1000) ዝዓይነታ ብሓንሳብ 400 ገያሻ እተጓዕዝ ነፋሪት ዝወነነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተኸልኪሉ ድዩ ብናቱ ውሳነ ናይ ኤርትራ ክሊ ኣየር ከም ዝተሓሰመ ይውረ’ሎ። ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ካብተን ብኤርትራ ዝሓልፋ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በረራ ኣስታት 200 ዶላር የኽፍል ከም ዝነበረ’ውን ተፈሊጡ።

 

ወደብ ዓሰብ ብኸፊል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ባይቶ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብኣባላት ንዝቐረብሉ  ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ካብቲ ዝቐረበሉ እሞ ዝያዳ ግዜ ሂቡ ዝተዛረበሉ፡ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነይሩ።  ነዚ ሕቶዚ ክምልስ እንከሎ ደጋጊሙ ዝገለጾ፡ “ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክህልወና ግድን ስለ ዝኾነ ንሰርሓሉ ኣለና። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብምልዓልና ከኣ ክንስከፍ የብልናን። ብዙሓት ወገናት ዝያዳ ሚእቲ ሚልዮ ሒዝኩም ሰፊሕ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ኣካየድኩም፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምልዓልኩም ግቡእ እዩ ኢሎም፡ ንሕቶና ኣፍልጦ ይህብዎን የተባብዕዎን ኣለዉ” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።

እቲ ዝብሎ ዘሎ ብሓፈሻ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ወደብ ዓሰብ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካለኦት ኢትዮጵያ ክትሓቶም ኢልካ ዝግመቱ ወደባት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ዲክታተር ኢሳያስ ዝኸፈተሉ ኣፍደገ፡ “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና፡ ወደብ ዓሰብ ክንካፈል ኢና”  ዝብሎ ዝነበረ’ውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

“ነዚ መደብዚ ንሕና ንጅምሮ እሞ እንተዘየርከብናሉ ደቅና ይውድእዎ” ምባሉ ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ነዊሕ ግዜ መደብ ገይሩ ሒዝዎ ከም ዘሎ የመልክት። ዋላኳ “ብሰላማዊ መንገዲ  እነረጋግጾ እዩ” ብዝብል ክሽፍኖ እንተፈተነ፡ ኣብ ሓይልን ዓመጽን ከም ዘሎ ንምምልካት ድማ “ኣብ ቅድሚ ረብሓና ንዝጸንሐና ኣይንምሕሮን” ድሕሪ ምባል፡ “ቅድሚ ሕጂ ንገዝኦ ዝነበርና ኣጽዋር ሎሚ ባዕልና ክንሰርሖ ጀሚርና ኣለና”  ምባሉ ድማ እቲ ሓቀኛ ሕልሙ ናበይ ከም ዘተኩር ዘርኢ እዩ።

እዚ ብስምዒት ዝበሎ ምላቕ ዘይኮነስ፡ ዝተሓስበሉ ምዃኑ ካብ ዘመልክቱ፡ ናይታ ሃገር ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣቶ ምጋናው ኣረጋ፡ “ፋና” ምስ ዝተባህለት መንግስታዊት መደበር ተለቪጅን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ “ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ምርግጋጽ ኣይክትዋገን እያ” ዝበሎ ብመደብ ዝስረሓሉ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ።

ካልእ “ኣንድ ኣፍታ” ዝተባህለት፡ ናብቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ቅርበት ዘለዋ መደብ ዩቱብ ከኣ፡ ንመግለጺ  ቀዳማይ ሚኒስተር ተኸቲላ “ንወደብ ዓሰብ ዋላ ብሓይሊ ምሓዝ ምውራር ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ዝተጋገየቶ ከም ምእራም ዝውሰድ እዩ” ኢላ። ኣስዒባ ድማ፡ “ደሓር ከኣ ተቐዳዲምካ ዝሓዝካ ምስ ሓዝካ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣሰራርሓ እዩ” ዝበለቶ፡ እቲ ጉዳይ ሱር ይሰደድ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ዘይሩዘይሩ እቲ ደግሲ ልኡላውነት ኤርትራ ናብ ምግሃስ ዝመጣጠር እዩ። እዚ ከኣ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኽስሮ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ንድሕሪት ዘይመልስ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤርትራውያ ከኣ ብፍላይ እቲ ኣብ መስርሕ ለውጢ ዘሎ ውዳበታት ሓቢሩ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ  ይግበኦ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምናልባት ምስ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጉጅለ ስለ ዝተባእሰ ዝህቅኖ ዘሎ እንተኾይኑ፡ ደጋጊሙ ክሓስበሉን ካብ ከምዚ ዓይነት ወስታ ክእደብን ነተሓሳስቦ።

ጳጳሳት ኦርተዶክሳዊት ቤተ ክርስትያ ትግራይ፡ ብ1 ሕዳር 2024 ኣብ ቤት ጽሕፈታ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ምስ ዝመርሕዎ ልኡኻቶም ብኣካል ኣራኺ። ኣብቲ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ስነ ስርዓት ርክብ፡ እቶም ጳጵሳት ከም ዝገለጽዎ፡ ናብዚ ንክብጻሕ  ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ክጽዕሩ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።

ኣተሓሒዞም ድማ ድሕሪ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ናይቶም ሓለፍቲ እናተመላለሱ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ሰላም ጻዕሪ’ ክልቲኦም መራሕቲ “ጸገምና በቲ ሕግና መሰረት ብልዝብን ዘተን ክንፈትሖ ኢና” ዝብል ቃል ከም ዝኣተውሎምን ናይቲ ምርኻብ ዕላማ ድማ ክልቲኦም ብኣካል ኣብ  ዝተረኽብሉ ንምብሳር ምዃኑ እውን እቶም ኣቦታት ጠቒሶም።

እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላውን ምሉእ ብምሉእ ተፈቲሑ ማለት’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት  ኣብቲ ደረጃ ምብጻሕ፡ እቲ ጸገም ኣብ ሓጺር ግዜ ምሉእ ብምሉእ ንክፍታሕ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እቶም ጳጳሳት ኣመልኪቶም። ኣስዒቦም ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓቢሮም “ጸገምና ብልዝብ ፈቲሕና” ዝብል ብስራት ሒዘምልና ንክመጹ ተስፉዋት ኢና ኢሎም። ፖለቲከኛታት እኳ እንተዘይኮኑ ንሳቶም እውን ነቲ መስርሕ ከም ዝከታተልዎ ጠቒሶም።

ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ተጋሩ ፖለቲከኛታትን ነናቶም ወገን ክድግፉ ዝጸንሑ ነጠፍትን ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታትን፡ ነቲ  ብጻዕሪ’ታ ቤተ-ክርስትያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክንእድዎ እንከለዉ፡ “ክሳብ ክንደይ ክትግበር እዩ? ዝብል ስኽፍታ ከም ዘለዎም ግና ኣይሓብኡን።

መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ፡ ብመጽር’ዚ ጳጳሳት ትግራይ ዘርኣይዎ ቅዱስ ተበግሶ ክምዘኑ እንከለዉ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ህዝቢ ዘይኮኑ ናይ መንግስቲ መሳርሕን ጸግዕን ኮይኖም ከም ዘለዉ ምርዳእ ይከኣል።

 

ኣብ ኤርትራ ብሓገዝ ጉጅለ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክከታተል ዝጸንሐ ሓይሊ መሊሻ ሱዳን፡ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ሱዳን ንምስላፍ ናብ ከሰላ ከም ዝተፋነዉ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ። እቶም ጀነራል ኣልኣሚን ዳውድ ብዝተባህለ መኮነን ዝምርሑ ኣባላት መልሻ፡“ምብራቓዊ ቦጠለኒ” ብዝብል ዝጽዋዕ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

እዚ ምብርቓዊ ቦጠለኒ ዝበሃል ኣሃዱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክዕለዉ ዝጸንሑ ጉጅለታት ሱዳን ኮይኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ኮይኑ፡ ከባቢኡ ካብቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ዘካይዶ መጥቃዕቲ  ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ድማ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ በቲ ዲክታተር ኤርትራ ምስቲ ብጀነራል ኣርልቡርሃን ዝምራሕ ውና ከተማኡ ናብ ፖርት ሱዳን ቀይሩ ዘሎ መንግስቲ ከም እትስለፍ ከም ዝገለጸሉ ናብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኢሳያስ ኣብቲ ምስቶም ጋዜጠኛታት ዘካየዶ ርክብ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ክኣቱ ከም ዘይደሊ፡ ከምኡ መግበሪኡ  ምኽንያቱ ድማ ፖለቲካ ሱዳን ብሰንኪ ናይ ብዙሓት ናይ ወጻኢ  ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ናብ ፖለቲካዊ ምርኢት/ባዛር ተቐይሩ ከም ዘሎ ምዃኑ ከም ዝጠቐሰሎም  እቲ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ከም ዘሰልጥን ዝኽሰስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ ኣካል ናይቲ ብኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ኪዳን ክገብሮ ከም ዝደሊ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።

ሶማሊያ መቃድሾ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፈጻሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ዲፕሎማት ዓሊ መሓመድ ኣደም ኣብ 72 ሰዓታት ክወጽእ ከም ዝወሰነት ናይታ ሃገር ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣብ ዘይምልከቶ ምንቅስቓስ ክሳተፍ ከም ዝተረኽበ ከሲስዎ።

እቲ መግለጺ ኣንበሳደር ዓሊ ካብቲ ንዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን መሰል ዲፕሎማትን ዝምልከት ናይ ቪየና ሕጊ ወጻኢ ተንቀሳቒሱ ኢሉ ከም ዝኸሰሶ  እውን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብወገና ኣፍሊጣ። ቅድሚ ሕጂ ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝነበረ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ሙክታር መሓመድ ዋረ ከም ዝተሰጐገ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

 ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ነቢያት ጌታቸው፡ ብዛዓብቲ ፍጻመ ብሚድያታት ተሓቲቱ  መልሲ ከም ዘይሃበ ድማ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ እንግሊዝ  ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ድሕሪቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ንሳ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ፡ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝከውን 20 ትርብዒት ኪሎሜተር መሬትን ናይ ወደብ ኣገልግሎትን ንክትህባ መረዳድኢ ሓሳብ (Memorandum of Understanding (MOU) ምፍርራመን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ተፈጢሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ሶማሊያ ኣንጻር ልኡላውነተይ ዝተወስደ ኢድ ኣእታውነት እዩ ብዝብል ኣንጻር ኢትዮጵያ ክሲ ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። ነዚ ተኸቲሉ ሶማሊያ፡ ኤርትራን ግብጽን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኪዳን መስሪተን ከም ዘለዋ ዝዝከር እዩ።

ሱዳናዊ ጋዜጠኛ ዓብደል ማጂድ ዓብደል ሓሚድ

ኣብ ሱዳን ደጋፊ ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምዃኑ ዝፍለጥ ጋዜጣኛ ዓደል መጂድ ዓብደል ሓሚድ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ከተማ ገዳርፍ ተኣሲሩ ናብታ ግዝያዊት ዋና ከተማ ሱዳን ኮይና ዘላ ፖርት ሱዳን ከም ዝተወስደ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣፍሊጠን። እዚ ጋዜጠኛ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ንማእከላይ ባንክ ሱዳን ዝወቅስ መልእኽቲ ስለ ዘመሓላለፈ ምዃኑ’ውን  ተሓቢሩ።

ዓብደል መጂድ ብኣካላት ናይ ሱዳን ቤት ጽሕፈት ፈደራል ምርመራ ጸረ ገበን ሳይበር ብዝብል ትካል ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ዘእሰሮ ክሲ ከኣ፡ ማእከላይ ባንክ ሱዳን፡ ገንዘብ ንምሕታም ነቲ ዝሓሰረ ናይ ኣሜሪካ ትካል ገዲፉ ምስ ዝያዳ ዋጋ ዘኽፍል ናይ ሩሲያ ኩባንያ ምስምምዑ ብምንቃፉ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እዚ ማእሰርቲ ዓብደል ሓሚድ ናይ መጀመርያ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እውን ንርክብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዳይረክተር ስለያ ሱዳንን ብዝምልከት ኣብ ፈይስቡክ ገጻቱ ስለ ዘውጸአ ኣብ ገዳርፍ ብተመሳሳሊ ኩነታት ተኣሲሩ ምንባሩ ምንጭታት ከም ዝሓበርዋ መርበብ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።

እዚ በቲ ማእከላይ ባንክ ናይ ገበን ክሲ ዝተመስረቶን ኣብቲ ዝካየደ ዘሎ ውግእ  ሱዳን ኣንጻርቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ወጊኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ሰራዊት ሱዳን ዝወገነ ጋዜጠኛ ዓብደል መጂድ፡ ቅድሚ ናብ ፖርት ሱዳን ምትሕልላፉ ብዋሕ ንክፍታሕ፡ ብዓበይቲ ዓድን ፍሉጣት ባእታታት ኣብ ገዳርፍ ብዋሕ ክፍታሕ ጻዕሪ ከም ዝተገብረን ብዓቃብ ሕጊ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን ድማ ተሓቢሩ።

ካብ ኤ ኤፍ ፒ/AFP/ ዝተወስደ ስእሊ

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቛረጸ ውግእ ትግራይ፡ ናይ ቀጻሊ ውግእ ፈልሲ ዝተክል ዘሎ ስለ ዝመስል ከም ዘስግእ ሰፊሕ ዝርጋሐን ተነባብነትን ዘለዎ ጋዜጣ “ዘኢኮነሚስት/the economist/፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብ27 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኣቶ ርእሰ-ዓንቀጽ ኣጠንቂቓ።

እታ ጋዜጣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ወተሃደር ብናይ ዓውዲ ውግእ መነጸር፡ ኣብ ሓደ ጎቦ ተሰሪዖም ዝረኣዩ ሰባት ከም ዝተዓዘበን ንሳቶም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምዃኖምን ምርግጋጹን ትጠቅስ። እቲ ጎቦ ኣብ መሬት ናይታ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓውሲ ናጻ ምምሕዳር ናይ ዘላ ክልል ትግራይ ምዃኑ እውን ይውስኽ።

ጋዜጣ ዘኢኮኖሚስት ኣተሓሒዛ ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበሃል ቦታ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ኣትዩ ኣብ መሬት ትግራይ ሰፊሩ ኣሎ እውን ኢላ። ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ለይቲ እቲ ሰራዊት ሰለይቲ ልኢኹ ዝያዳ ርሕቀት ብምእታው ሲቪል ሰባት እናኣሰረ ከም ዝወስድ ኣስፊራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነባር ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብዚ እዋንዚ ምክትል ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ “ንሳቶም ውግእ ክኸፍቱ ኣይንፈቕደሎም ንሕና እውን ናብ ውግእ ኣይንኣቱን” ከም ዝበለ እቲ ካብ ዘኢኮነሚስት ዝተረኽበ ዜና ኣስፊሩ።

ዘኢኮነሚስት ነቲ ኩነታት ምስቲ፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ”  ዝብል ኣርእስቲ ርእሰ-ዓንቀጻ ንምትእስሳር፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም፡ ብዛዕባ ልዕሊ 35 ካብኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ 110 ወተውሃደራዊ ጐንጽታት እናተኸታተለት ሓበሬታ  እትዝርግሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩነታት ናብ ሃገርና እውን ዘንጸላሉ ዘሎ ምዃኑ ኣስተውዒሉን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ውግኣት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተራእየ ተማሂሩ ኣብ ዳግማይ ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ንዘይምእታው “ዓገብ” ክብል ኣብ ዝግደደሉ ኩነታት ከም ዘሎ ክዝክር ይግበኦ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ህጻናት ስደተኛታት (ስእሊ ኮሚሽን ስደተኛታት ኢትዮጵያ)

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡  ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 576 ሺሕ ህጻናት እቶም ዝተመዝገቡ 12% ጥራይ ምዃኖምን እንተዘይተመዝጊቦም ከኣ መሰሎም ክሕለወሎም ኣጸጋሚ ከም ዝኸውንን ሓቢሩ።

እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ እዋናዊ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ህጻናት ክሳብ ወርሒ ነሃሰ 2024 ብዘይምምዝጋቦም፡ ኣድላይ ሓለዋ ክግበረሎምን  ዝግበኦም መስል ስደተኛ ክረኽቡን  ከምዘይክኣሉ ብምጥቃስ፡ ናይ ዘይምምዝጋቦም ጠንቂ ናይቲ ትካል ዓቕሚ ድሩትነትን ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገምን ከም ዝኾነ እውን ኣስፊሩ።

እቲ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣብ 2017ን 2019ን እኳ ብዛዕባ ኣመዘጋግባ ስደተኛታት ዘውጸኣቶ ኣዋጃት እንተሎ፡ ኣተገባብራኡ ግና ብፍላይ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉልን ዓፋር ኣብ ዘለዉ መደበር ስደተኛታት ድሩት ምዃኑ ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝበሃል፡ መንግስታዊ ኣካሉ ኣቢሉ፡ ስደተኛታት ኣብ ዝርዝር ሃገራዊ መንነት ክሕወሱ መደብ ከም ዝሰርዐ ኣፍሊጡ። እዚ መደብ ካብ ተደጋጋሚ ምምዝጋብ ንምድሓን ተባሂሉ ዝተተለመ ድማ ሓቢሩ።

 

ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ስደተኛታት ኣዕቊባ ከም ዘለ ኣብቲ ጸብጻብ ዝተተቕሰ ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 60, 688 ብሰንክቲ ኣብ 2023 ዝጀመረ ውግእ ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ሓደስቲ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ 4.4 ሚልዮን ዝኾኑ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ  ከም ዘለዉዋ እውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሲቪል ኣቬሽን ኣቢሉ፡  መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ሚልዮን ዶላር (ልዕሊ 61 ሚልዮን ናቕፋ) ንክኸፍሎ ከም ዝኸሰሰ ብሚድያታት ይሕበር ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ካብ ኤርትራዊ መዘናኡ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዶላር (280 ሚልዮን ብር) ክትክፈሎ ምሕታቱ ተፈሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ እዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ንክኽፈሎ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝኸስስ ዘሎ፡ ክፍሊት ነፈርቲ  ኢትዮጵያ ብናይ ኤርትራ ክልል ኣየር ዝተጠቕመኦ፡ ካሕሳ ዝጠፈአ 9650 ኪሎ ግራም ዝኽብደቱ 450 ባልጃታት ገያሾ፡ እቲ መንግዲ ኣየር ብምኽንያት መርመራ ኮቪድ ንገያሾ ኤርትራውያን ዘኽፈሎን ብዘይርትዓዊ ዋጋ ቲኬት ካብ ኤርትራውያን ገያሾ ዝተወስደን ዘጠቓልል ክይኑ፡ ናይ ቅድሚ 25 ዓመታት ዘይተወራረደ  ሕሳብ 570 ሺሕ ዶላር ዝርከቦ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣቐዲሙ ካብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ስራሕ ካብ ዝጅምር፡  ኣብ ባንኪ ንግዲ ኤርትራ ዝዓቀቦ ዶላርን ናቕፋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከመሓላልፎ ኮነ ኣብ ኣስመራ ንመንቀሳቐሲ ስራሕን መኽፈሊ ደሞዝ ሰራሕተናታትን ንክትቀመሉ ከምዘይከኣለን በቲ ባንኪ “ተወሪሱ” ዝብል መልሲ ከም ዝተዋህቦን ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ዝነበረ በረራ ከቋርጽ ምኽንያት ከም ዝኾኖን ብምጥቃ ገንዘቡ ንምምላስ ሕጋዊ መንግገዲ ከም ዝጥቀም ክገልጽ ጸኒሑ  እዩ።

ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ 3.5 ሚልዮን ዶላር ክሲ ዝምስርት ዘሎ፡ ነቲ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወረሶ ገንዘብ ኣከሓሒሱ ንዘይምኽፋል ዝመሃዞ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

እዚ ኣብዘን መንገዲ ኣየራት ዝረአ ዘሎ ምውጣት፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዝምዕብል ዘሎ ፍልልይ ምብላሑ ዘርኢ ምዃኑ ይእመን። ኣብ ርእሲቲ በረራታት ነፈርቲ ምቁራጹ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት’ውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ ተለፎን  ምቁራጹን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ምጽራይ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ምስ ኢትዮጵያዊት መዘናኣ ኣብ ደቡ ሱዳን ከተማ ጁባ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ግጥም ብቁራጽ ካብቲ ውድድር ምስሓባ’ውን ብመንጽርዚ ዝርአ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ብ1913 ዝተሳእለ፡ ዓለም ለኻዊ ዶባታ ዘርኢ ካርታ (MAP) ሃገረ ኤርትራ

ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ዝተደኮነሉ  ጽኑዕ ባይታ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲቲ ንዓመታት ዘካየዶ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ን30 ዓመታት  ብዘካየዶ ብረታዊ ቃልስን ብዘፍሰሶ ደምን ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዶም፡ ብ99.83% ድምጹን ዘትረሮ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ልኡላውነት ኤርትራ ሎሚ’ውን ሓዱሽ ኣጀንዳ ካብ ምዃን ዓዲ ብዘይምውዓሉ፡ “ስለምንታይ እዩ  ከምኡ ዝኸውን?” ኢልካ ክትሓትት ዝድርኽ እዩ።

ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ቀጻሊ ኣጀንዳ ካብ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያታት ሓደ፡ ሓቂ ዘይተዋሕጠሎምን ንዝተኸፍሎ ዋጋ ዘስተናዕቑን፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ዘይዕጸፍ ፖለቲካውን ሕጋውን ክውንነት ምቕባል ዝጸገሞም ኢትዮጵያውያን ወገናት በብግዜኡ ቃናኦም እናቐያየሩ ዝቕልቀሉ ምዃኖም እዩ። እዞም መዕለበጥቲ ወገናት፡ “ዝኾነ እንተኾነ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ዝብሉ፡  ካብ ፖለቲካዊ ጽውጽዋይ  “ዋላ ትንፈር እምበር ጤልያ” ዘይወጹ እዮም። እቲ መርተዖ ኢሎም ዘቕርብዎ፡ ግዜኡ ዝሓለፎ ኣብ “ነበረያነበረ” ዝምርኮስ፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጻረር፡ ህልኽን ንሓቂ ጸማም እዝኒ ምሃብን ዝደረኾ እዩ።

ብመንጽር’ቲ ዝህውትትዎ፡ እዛ ኤርትራ ግድን ኣካላ እንተዘይኮነት ኢሎም መመሊሶም ዝቑዝሙላ ኢትዮጵያ፡ እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ስፍሓትን ከምዚ ዘላቶ ኣይመኾነን። ኢትዮጵያውያን ክሳብ ክንደይ ኣሚኖም ይቕበልዎ ካልእ ኮይኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ሎሚ ሒዘነኦ ዘለዋ መልክዕ፡ ብኤውሮጳውያን ገዛእቲ ምስተሃንደሰን ብውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተቐባልነት ረኺቡ ዝጸደቐን መልክዕ ኣብ ምሓዝ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ከም እትቕድማ ምዝኽኻሮም ኣገዳሲ እዩ።

ነዚ ታሪኻዊ ሓቂዚ ንምቕባል፡ ብመጀመርያ ካብ ትምክሕትን ጸቢብነትን ወጺኦም፡ ኤርትራ ነብሳ ዝኸኣለት ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበረት ሃገር ምንባራ ክእመኑ ይግባእ። ምምናልባት ኢትዮጵያ ነቲ ብሓያላት ተሓጊዛ ፈደረሽን ኣፍሪሳ ንኤርትራ ን40 ዓመታት ብጎበጣ ዝገዘኣትሉ ግዜ  ከም መርተዖ ንዋንነታ ክተቕርቦ እንተኾይና፡ ካልእ መግለጺ ፖለቲካዊ ዕሽነት እዩ። ኤርትራ “ብሰንኪ እገል ዝተባህለ ውድብ’ያ ካብ ኢድና ወጺኣ” ዝብል ምስምስ’ውን፡ ንወሳኒ ገደ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣህጉራዊ ሕግን ዝዘንገዐ ህውተታ እዩ። ኣብ ኤርትራ በጺሕካ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሰርሕ ጂኦፖለቲካዊ ቀጥዒ ክትፈጥር ምድላይ ከኣ ዝከኣል ኣይኮነን።

ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ መመሊሱ ኣጀንዳ ናይ ምዃኑ ጠንቂ፡ ግዳማዊ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ በብግዜኡ ኣብ ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ  ዘርእዮ ወለቕ ዘለቕ፡  እቲ ኣጀንዳ  ዘየቋርጽ ንክኸውን ግደ ኣለዎ። ነባራት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ዝመስከርዎ ዘለዉ፡ መራሒ ህግደፍ  ኣብ ድሮ ነጻነት ኣስሚዕዎ ዝተባህለ ናይ ፈራሕ ሃቐነ፡ መድሎ ኣብ ዝረኽበሉዶ ናይ ምትግባሩ ሕልሚ ይህልዎ ይኸውን? ኢልካ ዘየጠርጥር ኣይኮነን።  ድሕሪ ናይ 2018 ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምልላስ ኣብዚሑ ዝነበረ፡  መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊንየምን ኣዲስ ኣበባን ካለኦት መድረኻትን ዘስመዖም መደረታትን ዝኣተዎም መብጸዓታትን፡ በቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ወገናት ከይተረፈ፡ “እምበርከ እቲ ዘረባ ካብኡ ድዩ ዝወጽእ ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ዘገደደ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላኡ በቲ ገለ ወገናት፡ “ከጸባብቕሉን ከመኻንይሉን” ዝፍትንዎ ዘይሕለፍ  ውሽጣዊ ሕልሙን ባጉን ዘግሃደሉ  ተረኽቦ እዩ።  

እቲ ካልእ ቆላሕታ ዘድልዮ ዛዕባ፡ ህግደፍ ከም ቁርዲድ ምስ ናጻነትን ልኡላውነትን ተጣቢቑ ክሕባእ ዝደሊ ምዃኑ እዩ። ነዚ ዝያዳ ንምንጻር ኣብ 1994 ብጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ቋንቋ ትግርኛ “ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንጎ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ተባሂሉ ዝተሓተተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ንግንባርን ህዝብንሲ መንዩ ክልተ ኣካላት ገይርዎም?” ብዝብል ቁጠዐ ንሕቶ ብሕቶ ዝመለሰሉ ኣጋጣሚ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክሳብ ሎሚ እውን ሜላታት እናቐያየረ ዝቕጽለሉ ዘሎ ሸፈጥ እዩ። ካብዚ ስለ ዝነቅል እዩ ከኣ “ነዓይ ዝቃወም ንልኡላውነት ኤርትራ ዝቃወም እዩ፡ ነዓይ ዝድግፍ ከኣ ንልኡላውነት ዘኽብር እዩ”  ዝብል ግጉይ መጎት ኣስሪጹ  ዘፈራርሕን መሰል ዜጋታት ዝገፍፍን ዘሎ። ነዚ ከም ሓቂ ወሲዶም በቲ ሓደ ወገን “ንህግደፍ እንድግፍኮ ንልኡላውነትና ክንብል ኢና” ኢሎም ነብሶም ዘደዓዓሱ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ጉጅለ ንዝቃወሙ ወገናት ከም “ጸረ ልኡላውነት” ስኢሎም ከቕርቡ ክፍትኑ እንዕዘቦም። እዚ ምህዞ’ዚ እዩ ከኣ፡ ንህግደፍ ምቅዋም፡ ልኡላውነት ምጽራር ኣይኮነን  ዘብለና።  

ስለዚ እቲ “ኣነ ናጻነተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ስለ ዝበሉ ጥራይ ከም ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ “ንህግደፍ እቃወም እየ” ንዝበሉ ከኣ ከም ናጽነትን ልኡላውነትን ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣምሲልካ ምቕራብ፡ መሰረት ዝሰሓተ ኣጉል ሓሳብን ግጉይ ኣገላልጻን ዝኸውን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኤርትራን ህዝባን ዘይሓልፉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግና ከም ዝኾነ ስርዓት ግዜኡ ወዲኡ ዝዕዘርን ድሓር ክንድቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን  ዝፍጽሞ ዘሎን ኣብ ታሪኹ ብኣሉታ ዝዝንቶ ኮይኑ ዝሓልፍ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።

ናይ ኤርትራ ናጽነትን ልኡላውነትን ኣጀንዳነት ብወገን ኢትዮጵያ  ብሕቶ ዋንነት ገምገም ባሕርን ወደብን ኣጐልቢብካ  ናይ ምቕራቡ ዓመጸኛ ፈተነ ክስማዕ እንከሎ፡ ዝያዳ ይንህር። ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ከስተውዕልዎ ዝግበኦም፡ ከምቲ ንሳቶም ጉዳይ ፈለግ ኣባይን ኣብኡ ዝተሃንጸ ሓጽብን ክለዓል እንከሎ፡ “ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ ናይ ኩሉ ዜጋ ዋኒን እዩ” ኢሎም ወገሐ-ጸብሐ ዝሰብክዎ፡ ጉዳይ ልኡላውነትን ናጻነትን ኤርትራ’ውን ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከቶ እምበር፡ ናይ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ዝነፈጎ ጉጅለ ዋኒን ከምዘይኮነ ከስተውዕሉ ነዘኻኽሮም።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ብዘይካ ውሑዳት፡ መልክዑን ኣገባቡን ዳኣ ይፈላለ’በር፡ ኣብ መስርሕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከም ዘለዉ ርኡይ እዩ። ነዚ ንምዕዋት ድማ “ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዘይዋገ””፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ከባብያዊ ምትሕግጋዝን ዘትከለ፡ ምስ ኢትዮጵያን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ምዝማድ ኣድላይ እዩ። “ነቲ ስርዓት ከነዋድቐኩም እሞ ልኡላውነትኩም ቆራሚምና ክንጥቀም”  ኣብ  ዝብል ዘድህብ ዝምድና ግና፡ ጥዕና ዘየብሉን ኢድ ኣእታውነት ዝዕድምን ስለ ዝኸውን፡ ብዝመጾ ይምጻእ ተቐባልነት የብሉን። ስለዚ ንህግደፍ ምቅዋም፡ ልኡላውነት ምጽራር ኣይኮነን ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ “ሓቢርና  ቀጥ ንበል” መጸዋዕታና እዩ።

Page 1 of 146