መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአን ናብ ንቡር ክመልሳ፡ ናይ ሓባር ጸጥታአንን ቁጠባአንን ከሕይላን ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ክሰርሓን ተሰማሚዐን። እዚ ዝተገልጸ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሸኽ ሓሰን ማሕሙድን ብ11 ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ልዝብ ብዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ እዩ።

በቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ምሰረት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዋና ከተማ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ትካላቶም ናብ ዝነበሮ ብምምላስ፡  ናይ ሓባር ኣስተዋጸኦ ዘመዝግብሉን ዞባዊ ምርግጋእ ዘረጋግጽሉን ስረሓት ንክዓሙን ከም ዝተሰማምዑ ኣብቲ ርክቦም ኣረጋጊጾም። ኣብ ኣድላይነት ምርግጋእ ዞባዊ ኩነታት ናይ ሓብር ተረድኦ ንምሕዳር ዝያዳ ክጽዕሩ ምስምምዖም እውን ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተመልኪቱ።

እቶም መራሕቲ ኣብ ምሕያል ናይ ሓባር ንግድን ወፍርን፡ ከምኡ ከኣ ናይ ሓባር ጸጥታ ኣብ ምውሓስን ጸረ ሰላም ሓይልታት ኣብ ምምካትን ከም ዝሰርሑ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ንክልቴቲኣን ሃገራት ዘራኽብ ትሕተ-ቅርጻ ኣብ ምዝርጋሕ  ከም ዝሰርሑ  ከም ዝተረዳድኡ ኣስፊሮም።

ምስ ብዝተተሓሓዘ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ናይ ሓደ ዓመት ወጥሪ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ዋና ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ክዕቅብዎ ድልዋት ምዃኖም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ኣብቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺኦም ኣፍሊጦም።

እዚ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ብተበግሶ ኢሳያስ  ዝፈጠረ “ኪዳን ኣስመራ” ዝብል ስም ዝተዋህቡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ምንባሩ ብዙሓት ዝኣምንዎ ውዕል  ከም ዝገትኦን ሓድሽ ኣሰላልፋ ከስዕብ ከም ዝኽእልን ይግመት።

ስነ-ጥበባዊ ነጋሽ ተኪኤ፡ ኣብ ላጉየን ከበሳ ጭዋ ብ1941 እዩ ተወሊዱ። ኣብ 1959 ድማ ክኢላ ትራምፔት ኮይኑ ኣብ ፖሊስ ኦርኬስትራ ኤርትራ ንስነ-ጥበብ ከም ዝጀመሮ፡ ምስ  ተለቪዝዮን ኤሪሳት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

 ነጋሽ ሓደ ካብቶም ናይ 60ታት ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራውያን ኮይኑ፡ ኣብ ምድራፍ፡ ምህርም መሳርሒ ሙዚቃን  ዜማታት ኣብ ምውጻእን ክኢላ ምንባሩ ድማ  ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ተጠቒሱ እኳ እንተሎ እንምስክሮ እውን’ዩ። ነጋሽ ተኪኤ ክሳብ 4ተ ኣልበም ደርፍታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘበርኪቱ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንከሎ ድማ፡ “ወይዘሮ ፋና ዘመድ ኩልና፡ ወዮ ትባናስ ሃባና ደንጒኽናና” ከምኡ’ውን “ፍረወይኒ ፍረወይኒ፡ ናፊቐኪ ርኣይኒ” ብዝብሉ ደርፍታቱ ከኣ  ዝያዳ ትፈላጥነት ነይርዎ።

ነጋሽ ካብ 1968 ጀሚሩ ኣባል ውሽጣዊ ስርርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 1975 ድማ ከም ኩሎም  ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ንሜዳ ወጺኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ድሕሪ ወተሃደራዊ ፖለቲካውን ትምህርቲ ምውሳዱ ኣባል ክፍሊሙዚቃ ተሓኤ ኮይኑ ብሞያኡ ተመዲቡን ተቓሊሱን። ነጋሽ ነቲ ዝጸንሖ ናይ ዜማ ምውዳድ ክእለት ኣብ ሜዳውን ብምቕጻል፣ ነታ  ብንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ ዝተደርሰት “ኣይትደልን እያ ኤርትራ ናይ ጽባሕ” እትብል ህብብቲ  መዝሙር ዜማ ዘውጽኤን ካብ ዝተሳተፉ ዘመርትን ድማ ነጋሽ ሓደ ነይሩ። ኣብ ግዜ ስደቱ ካብ ዝደረፈን ከኣ “ሓምድ ዓዋት፡ ሰምበለይ፡ ዋሕስ ህይወተይ፡ ካባይ ኣይትርሓቒ፡ ወይዘሮ በለጡን ወርሒ ደሚቓን” ዝኣመሰሉ ንታሪኽ ጀጋኑ ዝግልጽ፡ ክብሪ ሃገርን ከባብን ዘመጉስ ንፍቕርን ስኒትን ዋጋ ዝህብ መዛሙር ይርከብዎም።

ብሱዕድዓረብያ ኣቢሉ  ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ኣተወ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ብተጋድሎ ሓርነት ኢርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝዳሎ  ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ካብቶም ንተጽዕኖ ህግሓኤ ነጺጎም ኣብ ዕላማ ተጋድሎኦም ጸኒዕም ዝተቓለሱ ሓደ ድማ ነጋሽ ነይሩ። ኣብ ካስል ኣብዝቐጸለ ፈስቲቫል ተጋድሎ ሓርነት  ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ’ውን  ምስ  ስዉእ ኢዮብ ሃይል ንስነ ጥበባዊ ክእለቶም ልክዕ ከምቶም ካላኦት ኣባላት ኣብ ስርሕ ተመዲቦም ዘካይድዎ ዕማማት ምዃኑ ተገንዚቦም፣ ብናጻን ብወንን ክኢላዊ ኣገልግሎት ካብ ዘበርከቱ እዮም።

እነሆ ድማ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ዕለት 06.2025 ዓሪፉ ዝብል መርድእ ብከቢድ ሓዘንን ስንባደን ሰሚዕና። ነጋሽ ብዝገደፎ ቅርሲ ስነጥበብን ብደቑን እንዳተዘከረ ዝነብር እዃ እንተኮነ፡  ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕረፍቱ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ “ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም”  እናበልኩ፡ ናይ ሓዘንኩም ተሳታፊ ምዃነይ እገልጽ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ኤምባስታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣቐዲሞም ካብ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ፈቓድ ክሓቱ ከም ዝግበኦም ብደብዳበ ምግላጹ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቲ ደብዳበ ብስራሕን ብግልን ንዝግበር ምንቅስቓስ ፈልዩ ከም ዘይጠቐሰ ከኣ ምንጭታት ናይታ ጋዜጣ ሓቢሮም። እቲ ሚኒስትሪ ቅድሚ ሕጂ እውን ተመሳስሊ ደብዳበ ጽሒፉ ከም ዝነበረን ዳግማይ ክጽሕፍ ዝተገደደ ምኽንያት ገለ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ሰለ ዘየኽበርዎ ምዃኑ ኣብቲ ደብዳበ ተጠቒሱ።

ሓደ በዓል መዚ ናይቲ ሚኒስትሪ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ኤምባሲታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ብዘይፈቓድ ናይቲ ሚኒስትሪ ናብ ትግራይ ክጐዓዙ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ብዘይካዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን እውን ተመሳሳሊ ጉዕዞ  ክካየድ ከም ዝጸንሓ እንተኾነ ናይቲ ምስ ሓለፍቲ ክልላት ዝግበር ርክብ ግቡእ ጸብጻብ ናብቲ መንግስቲ ክቐርብ ከምዘይጸንሐ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ካብ ከተማ ክወጹ እንከለዉ ሓለዋ ናይ ምምዳብ ግደታ ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ውግእ ትግራይ ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ’ውን ኣባላት ኤምባሲታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ዘካይድዎ ኣኼባታት ከይተረፈ፡ ኣቐዲሞም ፈቓድ ንክሓቱ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረ እቲ ዜና ሪፖርተር ጠቒሱ።

ተዓዘብቲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሑ ምውጻኡ፡ ነቲ ናብ ክልል ትግራይ ክግበር ዝጸንሐ ዋሕዚ ኣንበሳድራትን ሓለፍቲ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ንምቁጽጻር እዩ ይብሉ።


ሚካኤል ሩቢን ዝተባህለ ጸሓፍን ተመራማርን፡ ኣብታ ሃብታምን ብብዝሒ ህዝቢ 2ይ ደረጃ  እትሕዝን ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ እትርከብ ኤርትራ ለውጢ ንክመጽ “መንግስቲ ኣሜሪካ ክትሕግዝ ኣለዋ” ክብል ኣብዚ ቀረባ ብዘውጸኦ ሰፊሕ ጽሑፍ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።  ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ማዕረ ናይ ኤውሮጳን ኤስያን ክትርእዮ ከምዘይጸንሐት እውን ኣስፊሩ።

ሩቢን ኤርትራ ብመንጽርቲ ኣብ 1993 ዝዓተረቶ ነጻነት፡ ብዕቤት ኣዝያ ክትስጉም ነይሩዋ ምስ በለ፡ ንታሪኻውነት ከተማ ኣስመራ ንኡዱ፡  ብሰንክቲ ኣብ ግዜ ነጻነት ተቓባልነት ዝነበሮ፡ ደሓር ግና ዝተጸልአ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዙሕነት ኤርትራ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ከም ዝኾነ ዝምልከት ዝርዝር ኣስፊሩ።  ኢሳያስ መላኺ መንገዲ ተመኩሮ ግብጺ ወይ ኣዘርባጃንን ከም ዝመረጽ ከኣ ጠቒሱ። ናይቲ ዙምባበ ሃብታምን ብልጽግትን ክትከውን ዝምነ ዝነበረ፡ ብግብሪ ግና ኣብ ናይ 37 ዓመት ግዝኣቱ ናብ ውድቀት ዘምረሓ ሮበርት ሙጋበ ተመኩሮ’ ዝተኸተለ ከም ዝመስል’ውን ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ብምቕጻል ድማ ኢሳያስ ዘለዎ ናይ ምምሕዳር ዘይምብቕዓት ንምሽፋን፡ ናይ መራሒ ዒራቕ ነበር ሳዳም ሑሴን ተመኩሮ ተኸቲሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ምውኣት ብምእታው ንኤርትራ ኣማሲኑ ንመንእሰያታ ናብ ባርነት ኣእትይዎም ኢሉ። በዚ መሰረት “ፍሪደም ሃውስ” ዝተባህለ ትካል ኣብ 2024 እውን ንኤርትራ ከም ሰሜን ኮርያ ከም ዝሰየማ  ድማ ሓቢሩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ጨካን ምምሕዳር ኢሳያስ ካብ ባርነት ንምድሓን ናብ ስደት ኣምሪሖም ምድረ-በዳታትን ባሕርን ሓሊፎም ናብ ኤሮጳን ኣሜሪካን ከም ዝኣትዉ ብምሕባር ድማ፡  ምምሕዳር ኢሳያስ ዋላውን ኤርትራዊ ዜግነቶም ንዝገደፉ ብኢምባሲታቱ ኣቢሉ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዘገድዶም ኣቃሊዑ። ከምቲ ልሙድ ኢምባሲታት ኣብ ምፍጣር ዝምድናን ባህሊ ሃገረን ኣብ ምልላይን እየን ክሰርሓ ዝግበአን ምስ በለ ከኣ፡ ናይ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዲፕሎማት ግና ገበናት ኣብ ምፍጻም እዮም ዝጽመዱ ክብል ኣብቲ ጽሑፉ ኣመልኪቱ። ብፍላይ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሓላፍነቶም ተጠቒሞም፡  ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታቶም እንተላይ ኣብ ሃገር ንዘለዉ ቤተሰቦም ተጽዕኖ ዝፈጥር ገበን ይፍጽሙ ክብል  ኣስፊሩ።

ምካኤል ሩቢን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ብዛዕባ ራብዓይ ግንብባር ህግደፍ ኣብ ወጻእን መራሒ ኢትዮጵያን ዝበሎ ዘይሓላፍነታዊ ኣገላልጻ  ዳህሲሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከብ ኤምባሲን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝዋስኡን ኤርትራውያን ካብቲ ዝተመደብዎ ቦታ ኣብ ዙርያ 25 ማይልስ  ጥራይ  ክንቀሳቐሱ ከም ዝፍቀደሎም ጠቒሱ፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ እቲ ኤምባሲ ከም ሰራሕተኛታቱ ብዘይተመዝገቡ ንዝገብሮ ጥሕሰት ሕጊ ምንቅስቓስ ንክቆጻጸር ጸዊዑ።

ክፍሊ ገንዘብ ኣሜርካ ድማ ኣብ ልዕሊ ከም ሂንቦል ዝኣመሰሉ ገንዘባዊ ትካላት ኤርትራ  ምቑጽጻሩ ከሕይል ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኤርትራ ክፍጠር ዝኽእል ሰለ ዘይፍለጥ መንግስቲ ሮናልድ ትራምፕ ነዚ እውን ክቕርበሉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ  ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 165 ኪሎሜተር ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ብሰንክቲ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬትን ምንታጒ እሳተ-ጐመራን መረበቶም ገዲፎም ይለቁ ከም ዘለዉ ቢቢሲ-መደብ ኦሮሞ፡ ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ብምጥቃስ ሓቢራ። ኣብ ዓፋር ዝርከብ ኣርታለ ዝበሃል ቦታ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ ንጡፍ እሳተ-ጐመራ ዝሓቖፉ 6 ቦታታት ምዃኑ ድማ እቲ ማዕከን ዜና ተሓቢሩ።

ሱልጣን ካሚል ዝተባህለ ነባሪ ከባቢ ኣርታለ፡ ዶፋን ኣብ ዝተባህለ ጐቦ፡ ሃልሃልታ ሓዊ ዝሓዘ ደበናዊ መልክዕ ዘለዎ ፈሳሲ ካብ መሬት ገንፊሉ ሰማይ ከም ዝዓረገ ጠቒሱ። ናይ ኢትዮጵያ ትካል ምምርማር ጀኦለጂ’ውን ነቲ ሱልጣን ካሚል ዝበሎ ጠቒሱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጽዎ። ኣብቲ ከባቢ ብቕጥራን ዝተለበጠ ዋና ጐደና ከይተረፈ ከም ዝተሰንተቐ ከኣ ነበርቲ ብምስልታት ዘርጊሖም።

ዓብዱ ዓሊ ዝተባህለ ሓደ ካብ ኣመሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ብወገኑ፡ ሰባት በቲ ዝረአ ዘሎ ምግንፋል እሳተ-ጐመራን ምንቅጥቃጥ መሬትን ከይጉድኡ ካብቲ ከባቢ ናይ ምጎዓዞም ስራሕ ከም ዝተጀመረ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬት መመሊሱ ሓይሉ ወሲኹ ክሳብ 5.8 ሬ ክተር ስኬል ከም ዝበጸሐን ቀጻሊ ከም ዘሎን  ኣረዲኡ።

ዶ/ር ሺፈራው ተኽለማርያም፡ ሓላፊ ኮሚሽን ምምሕዳር ማህሰይትን ናይ ሓደጋ ቅሩብነትን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡  ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ንኸጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ንምግጣም ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ  ብምሕባር ኣስታት 51 ሺሕ ሰባት ውሑስ ናብ ዝበሃሉ ከባቢታት ኣምሓራን ኦሮሞን ከም ዝተወስዱ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ 42 ሺሕ ዝኾኑ ሰራሕተናታት ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኾር ከሰም፡ ፋብሪካኦም ስራሕ ከም ዘቋረጸን ንሳቶም ኣብ ጸገም ከም ዘለዉ ምግላጾምን መርበብ ሓበሬታ ኢንሳይደር ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

እዚ ዝረአ ዘሎ ክስተት ኣብ ኢትዮጵያ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ናብ ካለኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ልሒሙ ምፍጣር ሓድሽ ኣቀማምጣ መሬት ከይፈጥር ዝሰግኡን  ናይ ኣፍሪቃ ምምቓል ክርከብ ከም ዝኽእል  ዝሰግኡን ወገናት ከኣ ግምታቶም ይገልጹ ኣለዉ።

                   

                                                                                                                                                                                                                                                        الى جماهير ألشعب ألارتري الصامد

 

 في البدء اهني الشعب ألارتري في الدخل والمهجر وقواه الساعية للتغيير بمناسبة العام الجديد2025 وكل عام وانتم بخير وينعاد على الجميع بالخير والبركة.

لم يطرأ في  سلوك وسياسات ألنظام قي العام الماضي 2024 , بل ظل شعبنا يعانيمن القهر وألاستبداد وألحرمان من حقوفه ألانسانية من جراء هذه السلوك والممارسات الهدامة.

 ومن الجانب ألأخر أى في معسكر قوى ألتغيير  شهد العام ألمنصرم  انعقاد مؤتمر القوى السياسية ألارترية مما بعث ألأمل في وضع قطار العمل للقوى الياسية الارترية  في ألاتجاه الصحيح. أملين في ألعام ألجديد 2025 تعزيز ما بدأناهه لكي ينطلق بقوة.في العم الجديد ايضا وكما في كل ألأعوام السابقة لاينتظر من النظام ان يأتي ألتغيير الذي ينعم بة شعبنا بالتطور والتقدم .

ومن الموأكد لا يأتي هذا التغيير الا  بضال  الشعب  ألارتري وقواه السياسية فلذا أدعوا أن نكثف نضالنا وان نكون قدر التحدي.ونحن نودع2024 عام, فان ألنزاعات والحروب المدمرة ألتي اندلعت في منطقتنا وألعالم لم بهداء بعد, اتمنى في العام القادم , أن تحل  هذه النزاعات لمصلحة الشعوب بالطرق السلمية والقانونية , مما يخدم مشاريع ألتطور والتقدو وألاذدهار .في الختام مرا اخرى,  بأسم اعضاء حزب الشعب الديمقرطي الارتري  اقدم التهاني الى الجميع بمناسبة قدوم العام الجديد , وأود ان أعبر عن امنياتي بقيام أعضاء الحزب بكل قوة لتحقيق أهداف ألجزب ولتعزيز انشطة القوة الساسية الارترية كما عهدناه منكم  ذلك دوما.

قرزقيهر تولدي                                                                                                                                                                                                                                                                                                

رئيس حزب ألشعب الديمقراطي ألارتري                                                                                                                                                                                                                                                                    

31 ديسمبر 2024                                                                                                                                                                                                                                                                                              

እነሆ 2024 ኣፋኒና  ናብ ሓድሽ ዓመት 2025 ንኣቱ ኣለና። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” ዝብል ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ። ዓመተ 2024 ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕል ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ከቢድ ወጽዓ መሊሱ ክገድድ እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ዝተራእየላ ዓመት ኣይነበረትን። በቲ ካልእ ወገን ግና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንምድልዳል ዕዉት ኮንፈረንስ ዘካየድናላ ተስፋ እትህብ ዓምት ስለ ዝነበረት፡ ኣብ 2025 ከኣ ዝያዳ ከም እነሕይሎ ትስፉዋት ኢና።

ኣብዛ ንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት  ኩነታት ተቐይሩ፡ ኣብ ሃገርና ራህዋ ዝዓስለሉ ኩነታት ንምፍጣር፡ ካብ ህግደፍ ንጽበዮ ዘይኮነ፡ ህዝብናን  ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን፡ ኩነታትና ካብቲ ዝጸንሖ ብቓልሲ ኣሕይልና እነረጋግጾ እዩ እሞ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ክንበቅዕ መጸዋዕታይ የቕርብ።

ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ከባቢናን ዞባናን ካብ ወጥርን ስግኣትን ኣይደሓነን።  እንርከባ ኣብ ዘለና ሓዳስ ዓመት ዘሰሓሕቡን ዘዋግኡን ዘለዉ ጉዳያት፡ ረብሓ ህዝብታት ማእከል ብዝገብሩ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባባት ክፍትሑ እሞ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ትጽቢተይ ልዑል እዩ።

ኣብ 2024 ዓለምና’ውን ብኣዝዮም ኣዕነውትን ኣህለቕትን  ውግኣትን ወጥርታትን ክትሕቆን እያ ጸኒሓ። ኣብ 2025 እዞም ወጥርታት ተፈቲሖም ዓለምና፣ ምሉእ ቆላሕተኣ ናብ ልምዓትን ሰላምን ዝኾነሉ ኩነታት  ክቕየር ከኣ ትምኒተይ ኣዝዩ ዕዝዙ  እዩ።

ኣብ መወዳእታ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደጊመ “እንኳዕ ናብ ዓመተ-2025 ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና”  እናበልኩ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከኣ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ 2025 እውን ፖሊሲታት ሰልፎም ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓልን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ምሕያልን እቲ ልሙድ ተወፋይነቶም ከም ዘበርኹ ዘለኒ ትምኒት ልዑል ምዃኑ እገልጽ

ገረዝጊሄት ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

31 ታሕሳስ 2024

ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም 

ኢትዮጵያዊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ፡ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብ26 ታሕሳ 2024 ነቲ 2 ሰባት ዝሞትሉ ኩነታት መዓርፎ ነፈርቲ የመን ሰንዓ ዝምልከት መብርሂ ከም ዝሃበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። ዶር ተድሮስ ኣብዚ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣብ የመን ብሓይልታት ሑቲ ንኣዋርሕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናይቲ ንሱ ስማርሖ ዓለም ለኻዊ ትካል ሰራሕተኛታት ንምፍታሕን ኣብ የመን ዘሎ ጥዕናውን ሰብኣውን ኩነታት ንምድህሳስን ኣብ የመን ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ እንከሎ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ብነፈርቲ  ከም ዝተደብደበ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ዶር ቴድሮስ ናይ ሰንዓ ስርሑ ወዲኡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ንሱን ብጾቱን ኣብ መስርሕ ምውጻእ  እንከለዉ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝወደቑን ሓደ ካብ ኣባላት ጋንታ ነፋሪቱ  በቲ ደብዳብ ከም ዝተወቕዐን እውን እቲ ትካል ሓቢሩ። እቲ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዝገለጾ፡ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ መቆጻጸሪ ታወርን ናይ ገያሾ መዕረፊ ኣዳራሽን በቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተጐድአ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ሓደ ካብቲ ክልተ ብ26 ታሕሳስ 2024ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝመርሕዎ ምምሕዳር ካብ ዝተኻየዱ እሞ ራስ ኢሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሓደ ሰብ ዝሞተሉ ደብዳባት እዩ። ዶር ተድሮስ ብስምቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ናብ ስድራቤት ናይቶም በቲ ደብዳብ ዝሞቱ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ምትሕልላፉ ከኣ እቲ ዜና ኣፍሊጡ

ካብታ ኣስታት 23 ሺሕ ህዝቢ ከም ዝነብረላ ዝንገር  ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ 61 ኪሎሜተር ንወገን ደቡብ ብ23 ሕዳር 2024  4.4 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑን 10 ኪሎሜተር ዝዕምቆቱን  ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ቮልካኖ ዲስከቨርይ (volcano discovery) ዝተባህለ ትካል ሓቢራ። ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ነበርቲ በቲ ምንቅጥቃጥ ንኡስ ስምዒት ከም ዝሓደሮም ከኣ እታ መርበብ ሓቢራ። ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ቦታ 127 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣስመራ እውን ንኡስ ስምዒት ኣሕዲሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዋ ግምት  ቮልካኖ ዲስካቨር ጠቒሳ።

ናይቲ ኣብ መሬት ዝፍጠር ምንቅጥቃጥ  ደረጃ ዝዕቀን፡  ብክብደትን ዕምቆትን ናይቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝፍጠር ነውጺ ኮይኑ፡ ናብቲ እዚ ዘጋጠመሉ  ቦታ ዘሎ ርሕቀትን ቅርበትን እውን ናቱ ተጽዕኖ ኣለዎ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን ኣብ ዓፋር ኢትዮጵያ ካብታ ኣስታት 37 ሺሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኣዋሽ 6 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ፡ 4.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅትቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። እዚ እውን ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ፍሉይ ቦታ 151 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ኣዝዩ ንኡስ ስምዒት ከም ዝተፈጥረ ተፈሊጡ።

ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ በቲ ምንቅጥቃጥ ጉድኣት ከም ዝውረደ ዝሕብር ጸብጻብ ዘየለን ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ግና ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባብታት  ከቢድ ምንቅጥቃጥ ከየጋጥም ከም ዘስግእ ይጥቀስ።

ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ፡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ 2024 ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ከባቢ ጸለምቲ ዝተመልሱ ተጋሩ፡ ብዝተፈላለዩ ብደሆታት ይጽገሙ ከም ዘለዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብዕምቆት ዘቕረበቶ ሰፊሕ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እታ መርበብ ሓበሬታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2024 ኣስታት 56 ሺሕ ብሰንክቲ ን2 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ካብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ምምላሶም ዝሕብር ጸብጻብ ከም ዘቕረበ ብተወሳኺ ኣስፊራ። ካብኣቶም እቶም 34,971 ናብ ወረዳታት ጸለምቲ፡ ላዕላይ ጸለምትን ማይጸብርን ዝተመልሱ ምዃኖም’ውን ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እንተኾነ ካብ ዝምለሱ ድሕሪ ኣዋርሕ እውን ነቶም ተመለስቲ  ብመንግስትን ሰብኣዊ ትካላትን ቃል ዝተኣትወሎም ደገፍ ክረኽቡ እውን እንተዘይካኣሉ ሓድሽ ህይወት ክሰርዑ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ካብቲ ክቐርበሎም ዝነበሮ ግና ዘይቀረበሎም፡ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ከም ዝርከቦ ይሕበር።

እታ መረበብ ሓበሬታ ካብቶም ተመለስቲ ብዛዕባ ኩነታቶም ዘዘራረበቶም ኣብቲ ከባቢ  ናይ መንግስቲ ሰራሕተናታት ዝነበሩ ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥሞም ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኩራት መሰረታዊ  ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ምንቅስቓስ ነጻነትን ካብቶም ዘስግእዎም ዘለዉ ብኩራታት ምዃኖም ገሊጾምላ። እተን ዝተመልሱለን ወረዳታት ብማእከላይ መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳርን ስለ ዝተረሰዓ፡ ኣብ ትሕቲ ሓያል ጸቕጢ ከም ዘለዋ ኣፍሊጦም። ካለኦት እታ መርበብ ዝሓተተቶም ተመዛበልቲ ናይቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ብደሆታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝገልጸሉ ከኣ ሓቢራ።

ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣገባብ ኣመላልሳ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ከም ዘሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግለጽ ዘሎ እዩ። ገለ ወገናት ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ክመለስ ይግበኦ ክብሉ እንከለዉ፡ ካለኦት ወገናት ከኣ ተመዛበልቲ ይመለሱ፡ ናይ መሬት ዋንነት ግና ኣብ መጻኢ ብመሰረት ሕገመንግቲ ኢትዮጵያ ክፍታሕ ይግበኦ ዝብል ርኢቶ ኣለዎም። እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ትግራይን ፈደራል መንግስትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተጋሩ እውን ስሙር ኣረኣእያ የለን።

Page 1 of 148