ኣቦመንበር ፖሓኤ ኣብ መድረኽ ኤሃባዲለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ
2026-05-24 09:08:46 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 61 timesሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ብመኽንያት መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጻነት ኤርትራ ብ23 ጉንበት 2026 ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብቲ ኣባላት ኤሃባዲለን ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝተዓደሙ ኣጋይሽን ዝተሳተፍሉ መድረኽ፡ ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ዓለምና ናይ ሓያላት ከይትኸውን ይረአ ብዛዕባ ዘሎ ስግኣት ጠቒሱ። ብዝያዳ ከኣ ኤርትራውያን ንናጽነት ሃገሮም ዝኸፈልዎ ክቡር ዋጋን ዝተጓዕዝዎ መሪርን ነዊሕን መስርሕ ቃልሲ ዳህሲሱ። ምእንቲዚ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ንመዓልቲ ናጽነት ብኽብሪ ከም ዝዝክርዋ ኣብቲ ቃሉ ጠቒሱ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ናይ ዮሃና መልእኽቱ ዘመሓላለፈ ሓው ገረዝጊሄር፡ ብመንጽርቲ ዘለናዮ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ኣካላት ትጽቢት ዝግበረሎም ሓላፍነታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
“1 ህዝብና፡ “ተኾርሚኻ ሞት አሳፊሕካ ሞት” ከም ዝብሃል፡ ተቓዊምካ ኣይተቓዊምካ ኣደዳ ስደትን ማእሰርትን ድኽነትን ሕማምን ኴንካ ምህላውካ ካብ ማንም ንላዕሊ ባዕልኻ እትፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንዘይንቡር ናብራ ከም ንቡር ምቕባል ወጊድ ኢልካ፣ ንፍርህን ራዕድን ቀንጢጥካ ንሰብኣዊ መሰልካን ክብርኻን ክትላዓል እጽውዓካ።
2 ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልካዊ ስርዓት ካብ ምዃን ተቖጢቡ ኣብ ምክልኻል ሃገርን አብ ጎድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብናን ደው ክብል እጽውዖ።
3. ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ አብ ዝተሓተ ሓባራዊ ነጥቢ ተጠርኒፍና ንህዝብና ተስፋ ክንህብ አድማዕቲ ኮይና ክንርከብ ሎሚ እውን ከም ትማሊ መድረኽ ይጠልበና ከም ዘሎ ካብ ቅድሚ ኩላትና ስዉር ኣይኰነን እንዳበልኩ፡ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ብዕቱብ ክንትሓሓዞ እጽውዕ።
4. ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኤርትራ እተጠልመ መብጽዓ መሊስኩም፣ ሰላም ዝሰፈና ብልጽግቲ ኤርትራ ንክትሃንጹ፣ አብ ክሊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መስመር ክትጥርነፉን፣ ምስ ኩሎም ሃገራውያን ገዳይም ተቓለስቲ ሓቢርኩም ክትሰርሑን እጽውዓኩም።
ናይ ኣርብዓታት ወለዶ: ነቲ ኤርትራ ትመቓቐል ዝብል መግዛእታዊ ሸርሒ ኣፍሺሎም፣ ሓድነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም እዮም። ፖሊቲካዊ ሰልፍታት መስሪቶም’ውን፡ ንብዙሕነት ህዝብና ኣሚኖም ተቓሊሶም እዮም።
ይኹን’ምበር ካብ’ቲ ንኤርትራ ብመልክዕ ፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ክትቁረን ዝገበረ ኣህጉራዊ ውዲት ከምልጡ ኣይከኣሉን።
ናይ ስሳታት ወለዶ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሎም ናጽነት ዓቂቦም ናይ ሃገርና ልዑላውነት ኣረጋጊጾም እዮም። አብ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ምርግጋጽ ግን ፈሺሎም። ፈሺሎም ጥራሕ ዘይኰኑ መብጽዓ ሃገራዊ ቃልሲ ጠሊሞም ምልኪ ተኺሎም። ስለዚ ድማ ፍትሕን ሰላምን ብልጽግናን ዝዓሰሎ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ምርግጋጽ፡ ዕጫ ናይ ሎሚ ወለዶ ኮይኑ ኣሎ። ማዕሬኡ ኴንኩም ክትዕወቱ ድማ እምነ።
5 ኤርትራ ብስትራተጂካዊ ኣቀማምጣኣን ባህርያዊ ጸጋታታን ቆላሕታ ናይ ሓያሎይ ሃገራት ስሒባ ኣላ። ሰብኣዊ ግህሰት ተረሲዑ፡ መደልደሊ ምልኪ ንከይከውን እተውሃሃደ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ከነካይድ እጽውዕ።
6 ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ደግምቲ ኣዕዋፍ ዝተባሃልኩሞ ካብ ምድጋም፣ ፈጣሪ ዝዓደለኩም ልቦና ተጠቒምኩም ንቕኑዕ ቅኑዕ፣ ንጌጋ ጌጋ ክትብሉ፣ ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ አብ ሃገራት ምዕራብ እትነብሩ፣ ህዝብና ተነፊጉዎ ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ከብቅዕ፡ ብፍላይ እኳ ደረትን ዓስብን ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት"፣ ንሰብ ከም አቕሓ ፈቐዶኡ አቐምጠለይ ኢልካ ምሕዳግ፣ ንእሱር አብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራብ፣ ብዓቢኡ ድማ ን 35 ዓመታት ብዘይቅዋም ብግዝያውነት ምግዛእ የብቅዕ ዝብል ቃልኩም ከተስምዑ እጽውዓኩም።
7 መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍቶት ይኹን ብሓይሊ ዋና ኣፍ ደገ ባሕሪ ክኸውን እየ ዝብል መደቡ፡ ጸረ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ስለዝዀነ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ዘበልጽግ አብ አህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ እተመርኰሰ ስምምዓት ተመስሪቱ ጥራይ ተጠቃሚ ክኸውን እጽውዕ። ዞባና ሰላም እዩ ጸሚኡዎ ዘሎ እሞ ውግእ ይኣኽሎ።”
ኣብቲ መድረኽ ሓለፍቲ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ወከልቲ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ወከልቲ ገዳይም ተቓለስትን ደቂ ኣንስትዮን ናይቲ ባይቶ ከምኡ እውን ዕዱማት ጋዜጠኛታት ሃገረ ግብጺ በብታራ ንመዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝምልከት ቃል ኣስሚዖም።