ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት፡ ኢትዮጵያ፡ ቱርክን ሶማሊያን

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብቲ ብ1 ሓምለ 2024 ኣብ ዋና ከተማ ቱርክ ኣንካራ ዝገበርዎ ርክብ ስለ ዘይተሰማምዑ ኣብ መጻኢ 2 መስከረም 2024 ኣብ ኣንካራ 2ይ ዙር ዘተ ከካይዱ ከም ዝተቛጸሩ ነዚ ብዝምልከት ካብ ኣንካራ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ከም ዝሓበሮ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀስላሴን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሶማሊያ ኣሕመድ መዓልምን ዝመርሕዎም ልኡኻት፡ ኣብ መጻኢ ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም፡ ነቲ ዘተ ንምድላው ተበግሶ ንዝወሰዱ ፕረሲደንት  ሃገረ ቱርኪ ረሰፕ ታይፕ ኢርዶጋን ኣመስጊኖም።

ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ማሕሙድ ድሕሪቲ ርክብ ብዘይውጽኢት ምብታኑ ካብ መቃድሾ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ናይ ምምላስ ምልክት ከም ዘየርኣየት ብምጥቃስ ወቒስዋ።  ኣተሓሒዙ ከኣ ናብ ቱርኪ ናይ ኣዛትዩና ሕቶ ዘቕረበት ኢትዮጵያ ምዃና ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ፡ እቲ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ክልቲአን ሃገራት ዝተመርሐ ልኡኻት ብዘይካ ንክሰኣል  ፊትንፊት ተራኺቡ ከምዘይተዘራረበ  ኣስፊሩ።

ናይ ሶማሊያ ልኡኽ ብወገኑ፡ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ብርኢቶ እቲ ንከዛትዮም ዝተመዘ ቱርካዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሃካን ፊዳን ዝወጸ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ሰፊሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ሶማሊያ ኢትዮጵያ ነቲ ብ1 ጥሪ 2024 ምስ ፕረሲደንት ሶምሊላንድ ዝኸተመቶ እሞ ናይቲ ወጥሪ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ፡ መረዳድኢ ሰነድ ብወግዒ ክትስርዞ ከም እትጽበ ገሊጹ።

ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ን2 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ ፈቐዶ ግዝያዊ መጽለሊ ዝጸንሑ ተጋሩ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ነናብ መረበቶም ክምለሱ ከም ዝጀመሩ፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቢሮም። በዚ መሰረት ካብ ደቡብ ትግራይ ኣላማጣን ከባቢኣን ተመዛቢሎም ኣብ ፈቐዶ ግዝያዊ መጽለሊ ዝጸንሑ ኣሸሓት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምምላስ ጀሚሮም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ከኣ  መስርሕ ምምላስ ናብ ምዕራብ ትግራይ (ወልቃይትን ጸለምትን) ብ30 ሰነ 2024 ከም ዝጀመረ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ።

በቲ ሓበሬታ መሰረት ድሮ ኣስታት 1,456 ኣብ ከተማ ሽረ ካብ ዝነበሩ ተመዛበልቲ  ማይዓይኒ፡ መድሃኒኣለምን ወሃዳትን ዝበሃሉ ወሲኽካ ናብ 6 ቀበለታት ተመሊሶም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ግብራዊ መስርሕ ናይቲ ምምላስ ዘለዉ ኣካላት ጠቒሳ ከም ዝሓበረቶ፡ እቶም ናይ ሓደ ወርሒ መቑነን መግቢ ጥራይ ሒዞም ዝምለሱ ዘለዉ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዎም ናይ ጸጥታዊ እውን ከም ዘሻቕሎም ኣፍሊጣ።

በቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣስታት 80 ሺሕ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናይ ምምላስ መደብ ከም ዘሎን ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ካብ 8,500 ክሳብ 10 ሺሕ ዝኾኑ ከም ዝምለሱ ተፈሊጡ’ሎ። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ኣካላት ከም ዝገልጽዎ እቲ መስርሕ ምምላስ ተመዛበልቲ ኣብ ራያን ምዕራብ ትግራይን ምስ ተወደአ ናብቲ ኤርትራን ትግራይ ዘዳውብ ከባቢ ከኣ ክቕጽል እዩ።

ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ ካብቶም ኣብ መስርሕ ትግባረ ጸገም ከየጋጥሞም ከስግኡ ዝጸንሑ ዓንቀጻት፡ ምምላስ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶምን ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

ትካል መግቢ ዓለም፡ 3 ናይ ረዲኤት መግቢ ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ማእከላይ ዳርፎር እናተጓዕዛ ከም ዝተጨውያ ብ30 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። “ዝተወሃሃደ ደሕንነት መግቢ” ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ ኣብ ሱዳን 755 ሺሕ ናብ ደረጃ ዓጸቦ ዝበጽሑ ወሲኽካ፡ 26.6 ሚልዮን ሰባት ተጸባይቲ ረዲኤት መግቢ ምዃኖም ኣፍሊጡ። እዚ ጸገም ናብ 14 ኣብ ኮርደፋን፡ ዳርፎንን ስናርን ዘለዋ ከባብታት ዝያዳ ከይሰፍሕ ስግኣት ከም ዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ ትካል መግቢ ዓለም፡ መንነት ናይቶም ነተን መግቢ ዝጸዕና መካይን ዝጨወዩ ዕጡቓት ኣይተፈልጠን። እቲ ትካል ኣተሓሒዙ ነዚ ኣሸሓት ሰባት ክምግብ ዝነበሮ መግቢ ንዝወሰዱ ኣካላት ተሓተትቲ ንክገብርዎም  ናብ ሓለፍቲ  ናይቲ  ከባቢ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።።

ምስቲ ኣብ ዳርፎር ዘሎ ዝተሓላለኸ ኩነታት ጸጥታ፡ ትካል መግቢ ዓለም እቲ ጭውያ ዝተኻየደሉ ውሱን ቦታ ኣይጠቐሰን። ኣብ ዳርፎር 6 ከባብታት ኣብ ትሕቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝመሓደራ ክኾና እንከለዋ፡  3 ከባብታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ብዓብደል ዋህድ ዝምራሕ  ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ከም ዝመሓደራ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ፡ “ዓለምለኻዊ ትካል ዝምድና” ብወገኑ፡ ብ24 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት እቶት ሕርሻን ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ረዲኤትን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2024 ናይ ህዝቢ ዳርፎርን ኮርደፋንን 15% ማለት 2.5 ሚሊዮን ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥሞ ይኽእልዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ሱዳን ይሓላልኹ ካብ ዘለዉ ሓደ ህግደፍ እዩ። በዚ መሰረት ካብ ዝተፈላለዩ ብሄረሰብ ምብራቕ ሱዳን ዝተዋጽኡ 4ተ ውድባት፡ ብድምር ኣስታት 7 ሺሕ ሰራዊት  ኣብ መሬት ኤርትራ ብናይ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ለኮይብን ሳዋን ይዕለሙ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ይሕብሩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ29 ሰነ 2024 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ፡ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም”  ኢሉ፡  መጻኢ ግዜ ናይ ዓወትን ኣሳልጦን ክኸውን ዘለዎ ተስፋን እምነትን ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣፋሊጡ፡ መበገሲ ዝኾኑ ኣገደስቲ እዋናዊ ነጥብታት እውን ጠቒሱ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ከም ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተዳልዩ ዝቐረበን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ዝሃብሉን ዓመታዊ ጸብጻባት በብሓደ መዚኑን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያትን መመላእታን ወሲኹ ናብ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንክቐርብ ወሲኑ። ኣብቲ ነዚ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ብፍላይ ካብ ዘተኮረሎም ዛዕብባታት፡ ምዕዋት ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሃሰ 2024 ዝካየድ ስምፖዝየምን ቀጺሉ ዝቃናዕን ውጽኢት ስምፖዝየም ዝብሰረሉ ፈስቲቫልን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ይርከቦም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ ኣገደስቲ ዝበሎም ዛዕባታት ሰዲህኤ እውን ተመያይጡ ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ መጻኢ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶ ብዝምልከት እውን ተመያይጡ። ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይካቲ በብግዜኡ ከከም ኣድላይነቱ ዘካየዶም ህጹጻት ኣኼባታት፡ ብቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 6፡1፡11 መሰረት፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዘካይዶ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ የካይዱ።

ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰዲህኤን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን፡ ብመንጽር ክብደት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ኣብ ከባቢና በብግዜኡ ዝረአ ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታትን፡ ጭቆና ህግደፍ ተወጊዱ፡ ልዕልና ህዝቢ ኤርትራ ዝረጋገጸሉ ስርዓት  ክሳብ ዝትከል ከይሰልከዩ  ቃልሶም ከሕይሉ ጸዊዑ።

ነባር ተጋዳሊት ኣልማዝ ወልዱ፡ ብ21 ሰነ 2024 ከም ዝዓረፈት ዝሕብር ዜና ምስ ተሰምዐ ኣዝዩ መሪር ሓዘን ተሰሚዑና። ብ1973 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈት ሓርበኛ ኣልማዝ ወልዱ፡ ካብ ግዜ ንእስነታ ጀሚራ ምእንቲ  ህዝባን ሃገራን ብተወፋይነት ዝተቓለሰት ምንባራ ታሪኻ ይሕብር።

ኣልማዝ ብዝነበራ ትግሃትን ተወፋይነት ኣብ መስራቲ ጉባአ ጠቕላላ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣባል መሪሕነት ኮይና ከም ዝተመርጸትን  ኣብ ዝተመደበቶ ጽፍሕታት ብብቕዓት ግቡኣ ዘወፈየትን ምንባራ ይፍለጥ። ኣብ ጉዕዞ ቃልሳ ሕውስቲ፡ ጠርናፊት፡ በዓልቲ ልዑል ተስፋን ኣዝያ ሓላይትን ርህርህትን  ከም ዝነበረት እውን ናይ ቀረባ መቓልስታ ይምስክራ።

እነሆ ከኣ ምእንቲ ሓርነት ይካየድ ኣብ ዘሎ ቃልሲ’ውን ከይበኾረት፡ ኣብ መወዳእታ ብዝሓደራ ሕማም፡ ብበዓል ቤታን ደቃ ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፋ፡ ከም ኩሎም ቅድሚኣ ዝተሰውኡ ብጾታ፡ ኣብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለትላ ሃገራ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይረኸበት  ተቓላሲት ኮይና፡ 5 ሓምለ 2024 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ካስል ሓመድ ኣዳም ክትለብስ እያ።

ተቓላሲት ኣልማዝ ካብዛ ዓለም ብምት ምፍላያ፡ ዝተሰማዒ መሪር ሓዘን እንዳገለጽኩ፡ ብስም መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነፍሰ-ይማሃር ኣልማዝ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ፡ ንመላእ ስድራን ቤተሰብን ድማ ጽንዓት ይሃብኩ እምዳበልኩ፡ ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ይሕብር።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ

27 ሰነ 2024

ዳይረተር ትካል ጥዕና ዓለም ድር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ

ትካል ጥዕና ዓለም/WHO፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ ሱዳን ዋና ከተማ ግዝኣት ሰሜን ኮርደፋን ኣል-ፋሸር ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ኣደታትን ህጻናትን ብዝተፈጸመ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ኣፍሊጡ። ኣብ ምጥቃዕ እዚ ሆስፒታል ሰራዊት ሱዳንን እቲ ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይልን ክልቲኦም ከም ዝኽሰሱ እውን እቲ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብቲ ሻቕሎቱ ዝገለጸሉ ዜና ጠቒሱ።

ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖ ገ/ እየሱስ፡ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሆስፒታል ዝተወስደ መጥቃዕቲ “ዘሻቕልን ዘሰንብድን እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣካላት ሱዳን ድሕነት ኣደታትን ህጻናትን ክሕልዉን ውሑስ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኩነታት ክፈጥሩን ኣተሓሳሲቡ። ናይ ረዲአት ትካላት ብዘቕረብዎ ጸብጻባት መሰረት፡ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ካብ 15 ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዓሰርተታት ኣሸሓት ከም ዝተቐትሉን ኣስታት 10 ሚልዮን ድማ ከም ዝተመዛበሉ እቲ ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም/WFP፡ ብወገኑ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ተንታን ኣብ ሱዳን 44 ናይ ሕሱም ጥሜት መርኣያ ነቑጣታት ከም ዘለዋ ሓኢሩ። እዘን ቦታታት መዛሕትአን ኣብ ከም ካርቱም፡ ዳርፎርን ጀዚራን ዝኣመሰላ ውግእ ዝጻዕጸዐን ዝርከባ ኮይነን፡ ኣብኣተን ኣስታት 2.6 ሚልዮን ዝኸውን ኣብተን ዝያዳ ብጥሜት ዝተጠቕዓ ዝሰፈረን 5 ቦታታን ከም ዝርከባ ኣስፊሩ። 

ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግራሽን  ስዊዘርላንድ ክርስቲን ሽችራንነር ቡርገንነር

ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግራሽን  ስዊዘርላንድ ክርስቲን ሽችራንነር ቡርገንነር ፡ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ናብ ሓንቲ ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣራኻቢ ኦፊሰር ከም እትመዝዝ፡ “ሶንታግስ-ብሊክ/SonntagsBlick.” ምስ እተኣህለት ናይታ ሃገር ጋዜጣ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መጠይቕ ሓቢራ። ንሳ ከም ዝገለጸቶ ምስ ኤርትራ ብዛዓ ዝኾአ ዛዕባ ንምዝርራብ፡ ዜጋታታ ንክትቅበል ቅርብቲ ምዃና ቅድመ ኩንነት እዩ።

 እታ ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግረሽን፡ ኤርትራ ዜጋታታ ካብ ዝኾነት ሃገር ንምቕባል ብተደጋጋሚ ክትሕሰም ዝጸነሓት ሃገር ምዃና ጠቒሳ፡ ስዊዘርላንድ ድማ ሓንቲ ካብተን ንነዊሕ ግዜ ምስ ኤርትራ ዛዕባ ምምላስ ስደተኛታት ክዘራረባ ዝጸንሓ ሃገራት ምዃና ኣብቲ ቃለ-መጠይቓ ሓቢራ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ስዊዘርላን 260 ናይ ቕዑባ ሕቶኦም ስለ ዝተነጽገ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝግበኦም ኤርትራውያን ከም ዘለዉ እውን ጠቒሳ፡።

እታ ጸሓፊት ኣተሓሒዛ እቲ ዝምደብ ስዊዘርላንንዳዊ ኦፊሰር ቦታኡ ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ከም ዝኸውንን ከም ስሩዕ መራኺቢ ምስ ኤርትራ ኮይኑ ከም ዝሰርሕን ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዛ ድማ እቲ ስደተኛታት ብ3ይ ሃገር ንምስግጋር ዝተወሰነ ውሳነ፡ ነቲ ስዊዘርላን ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ሒዛቶ ዘላ መስርሕ ከምዘይቅይሮ ጠቒሳ።

ዋላኳ ፓርላማ ስዊዘርላንድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራውያ ብ3ይ ኣካል ኣቢልካ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ወሲኑ እንተነበረ፡ ዙሓት ኣባላት ናይቲ ፓርላማ ግና ቅድሚ ኣብኡ ምብጻሕ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ከም ዝቕበሎም ንምግባር ዝካየድ ተጽዕኖ ክቕጽል ይግበኦ ዝብል ርኢቶ ከም ዘለዎም እታ ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግረሽን ኣፍሊጣ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ስደተኛታት ብ3ይ ኣካል ኣቢልካ ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝብል ውሳነ ብሓሻ ብኹሉ ሸነኻቱ፡ ብፍላይ ከኣ ብመጽር ሰብኣዊ መሰል ይጽናዕ ከም ዘሎ ተፈሊጣ።

ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይልን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ውግእ  ህጹጽ ኣኼባ ንክካየድ ወሲኑ። 

እቲ ባይቶ ነቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ሓምለ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝወሰኖ ኣኼባ ኣብ ምድላው፡ ላዕለዋይ ኣዛታይ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ኢጋድን ኣብ ምስንድኡ ዓብይ ግደ ንክህልዎም ጸዊዑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒኢ ሓምለ 2024 ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ግብጺ ኣኼባ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ተበግሶ ባይቶ ሰላምንን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ኣፍሊጡ።

እዚ ዞባዊ ትካል ኩሎም ሱዳናውያ ተዋሳእቲ፡ ነዚ ሓድሽ ብዘተ ኣቢልካ ናብ ቀጻሊ ሰላምን ምምስራት ሕገመግስታዊ መንግስትን ከብጽሕ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ እማመ ክሳተፍዎ ጸዊዑ።

እቲ ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝምልከት ከም ዘስፈሮ፡ ብዘይወዓል ሕደር ተኹሲ ጠጠው ኢሉ፡ ናይ ህዝቢ ሱዳን ስቓይ ዝውገደሉ ኩንነታት ንክፍጠር ከም ዝጸወዐ ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባኡ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሱዳናውያን ተቐናቐንቲ ኣካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝቐርበሉ ኩነታት ክፈጥሩን ንሰራሕተኛታት ረዲአት ናይ ድሕንነት ውሕስነት ክህቡን ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ሰላም ንሲቪላዊ ሕብረተሰብ ዝሕልው ፍሉይ ሓይሊ ንከስፍር ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ሱዳናዊ ዶክተር መሓመድ ባብከር

ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ንክከታተል ቅድሚ 4ተ ዓመታት፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ ኣብ ስራሕ ዘሎ ዶ/ር መሓመድ ባብከር ብ20 ሰነ 2024 ናብ መበል 56 ጠቕላላ ርክብ ናይቲ ባይቶ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ጸብጻቡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ለውጢ የለን ኢሉ፡ ዝርዝር መልክዕ ናይቲ ዝረአ ዘሎ ግህሰታት ከም ዘስፈረ ኣብ ብዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝርዝሩ ኣብ ኤርትራ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ምድጓንን፡ ግዱድ ምስዋር ሰባት፡ ናብ ኣካላዊ ምዝመዛ ዝተሰጋገረ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርና፡ ምንፍግ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ምስቓይ ዜጋታትን ምግሃስ መባእታዊ ናጽነታትን ሎሚ’ውን ኣብ ኤርትራ ብዝኸፈአ ደረጃ ቀጸልቲ ምህላዎ ኣዕሚቑ ገሊጹ። ንሓቅነት ናይቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዝምልከት ድማ፡ ብናቱ መንገዲን ብምክትታል ኮሚሽን ሰኣዊ መሰልን በብግዜኡ ዝግምገም ምዃኑ  ኣረጋጊጹ ኣረዲኡ።

ነቲ ካልእ ገጽ ናይቲ ብህግደፍ ዝፍጸም ግህሰት ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ናይ ፖለቲካ ነጠፍቲ፡ ጋዜጠኛታትን ንሰብኣዊ መሰል ዝግደሱን ኤርትራውያን  ድምጺ ኣብ ዲያፖራ ንምዕፋን ዘካይዶ ምንቅስቓሳት ኣቃሊዑ። ነዚ ንምትግባር ነቶም ነጠፍቲ ንምፍርራሕ፡ ኣብ ህይወቶም ስግኣት ንምፍጣር፡ ካብ ሰባት ንምንጻልን ቆንስላዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ንምግባርን ከም ዝጥቀምን እዚ ተግባራቱ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣሉታዊ ተጽዕኖኡ ሓያል ምዃኑን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።  ምስዚ ኣተሓሒዙ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከም ዘተሓሳስቦ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ምስቶም ኣብኣተን ዘለዉ ኤርትራውያን ክተሓባበራ ጸዊዑ።

ሕብረተሰብ ዓለም ብጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን ኤርትራ ንክግደስ ጸዊዑ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ፍትሒ ንክረኽቡ ዓለም ለኻዊ ተጽዕኖ ንክሕይል ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ። እዚ ኣብ 2020 ዝተመዘ ባብክር ኣብዚ መበል 56 ኣኼባ እውን ንቀጻሊ ሓደ ዓመት መዝነቱ ንክሕደሰሉ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽበ ብሃብቶም ዘርኣይ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ ቃል፡ ካብቲ ብሕብረት ኤውሮጳ እውን ዝተደገፈ ንህልዊ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ብምህዳምን ጓል ነገር ብምፍጣርን ብዛዕባ ኣመጻጸኣ ናጽነት ኤርትራን ኣድላይነት 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣትን  እዩ ተዛሪቡ።

 

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ኤርትራውያን ደገፍቱ፡ 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ንምዝካር፡ ካብ ገዝኦም ወጻኢ ከይእከቡ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ ብ19 ሰነ 2024 ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ፡ ብድሮ ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም፡ ሽምዓን ጥዋፍን ከብርሁ ኣዚዙ፡ ኣብቲ ዕለቱ ድማ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ገዛ ክጸሙን ሰዓት ሓደ ድማ ንስዉኣት ብጽሞና ክዝክሩ ጸዊዑ።

እቲ ኤምባሲ ድሕሪ 2018 ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ ኣብ ዝበሃል ሰፋሕቲ ኣዳራሻት፡  ኣቐዲሙ ገንዘባዊ ኣታዊ ዝረኽበሉ መእተዊ ትኬታት ኣዳልዩ ብምሻጥ፡ ንህግደፍ ዘመጉሱ መደረታት ብምስማዕ እዩ ዘኽብሮ ነይሩ።

ናይዚ ዓመትዚ ብኽንድዚ ብዝተሓተ ደረጃ ምዝካሩ፡ ምልክት ስግኣቱ ኮይኑ፡ እዚ ስግኣቱ ካብ ምንታይ ከም ዝነቅል ዘዘራርብ ዘሎ እዩ። ኣብ መንጎ ህግደፍን ብልጽግናን ናይ ዘሎ ምትፍናን ሓርፋፍ ዝምድናን ውጽኢት’ዩ ዝብሉ ወገናት ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ድማ ናይ ብሪገድ ንሓመዱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ቅሉዕ ኣኼባታት ምክያዱ፡  እቲ ፍልልይ ምስፍሑ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ጉንበት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ እውን፡ እቲ ኤምባሲ ብኣዝዩ ጸቢብ ደረጃ እምበር፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ደገፍቱ ብዘሳትፍ፡  ኣብ ኣዳራሽ ከኽብሮ ዘይምኽኣሉ ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ፡  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዘኽፍሎ ዋጋ ቲኬት፡ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዘኽፍሎ ዝያዳ ክሳብ ሚእቲ ሺሕ ብር ከም ዘብጸሖን ብሰንክዚ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መዲያታት ሓቢሮም።

Page 2 of 142