Olaf Skoog ምክትል ሓላፊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ተቛሪጹ፡ ብዲፕሎማሲን ቁጠባዊ ውህደትን ንክፍታሕ ሎሚ’ውን ጸዊዑ። እቲ ሕብረት ኣብ መስርሕ  ምህዳእ እቲ ወጥሪ  ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ’ውን ኣብቲ መጸዋዕታኡ ጠቒሱ። ነዚ መጸዋዕታ ዘውጸ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ይምዕብል ዘሎ ምፍጣጥ ስለ ዘሰከፎ ምዃኑ ድማ ኣስፊሩ።

ኦላፍ ስኩግ ምክትል ጸሓፍን ወጻኢ ፖለቲካዊ ስርሒትን ኣገልግሎትን ናይቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ15 ጥሪ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዝሓሸ መህድኢ ወጥሪ መንገዲ ዲፕሎማስን ጽቡቕ ምትእምማንን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከባሉ ዞባ ከኣ ድሕሪ ሕጂ ውግእ ይኣኽሎ  ኢሉ።

ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ፕረሲደንት ታየ ኣጽቀስላሴን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዶር ጌደዎን ጢሜቴዎስን ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምህዳእ  ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት  እሙን መንጎኛ ኮይኑ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ከም ዝሓበሮም ገሊጹ። እቲ ዲፕሎማት ናይ ኤውሮጳ ተመኩሮ መሰረት ብምግባር፡ እቲ ነዘን ዝፋጠጣ ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ዘዋጸአን ጸገመን ብውህደትን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ፍታሕ እዩ ከም ዝበሎም ድማ  ገሊጹ።

እቲ ዲፕሎማት ኣብ ከምዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለወኦ ናይ ወጥሪ ኩነታት፡ እቲ መፍትሒ ምዝታይን ኣብ ቁጠባ ምትሕብባርን ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ‘ኳ እንተጠቐሰ፡ እቲ ወሳኒ ግና ናይ ክልቲአን ሃገራት ካብ ጽልኢ ወጺአን ናይ መፍትሒ ኣካል ምዃን ምዃኑ ኣስሚርሉ። ወጥርን ግጭትን ዘኽፍሎ  ሰብኣዊ ህልቂት ዘኪሩ ድማ፡ መራሕቲ ብሰንኪ ውግእ ዝስዕብ ህልቂት ተረዲእካ ጠጠው ናይ ምባሉ ሓለፍነት ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ሓላፊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኦላፍ ስኩግ ብዛዕባቲ ኣብ ሶማሊያ፡ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ጅቡትን ዘሎ ንኹነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸሉ ምዕባለታት ዳህሲሱ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ኣንጻር ልኡላውነት ሶማሊያ ብምዃኑ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝቃወሞ ኣብቲ ኣብ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝወጸ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

በሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንክልላት ንትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢ ወልቃይት ዝነብር ህዝቢ; መጻኢ ዕድሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ክረጋገጸሉ ይግባእ ኢሉ። እቲ ኣበሳድር ነዚ ዝገለጸ ብ15 ጥሪ 2026 ኣብ ሑመራ ኣብ ዝበጸሓሉ እዩ። ቀጺሉ ድማ ብኢትዮጵያ ብዝምራሕን ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝእለን መስርሕ ምሕጋዝ ጽጉማት፡ ኣሜሪካ ክትተሓባበር ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ። በሳደር ኢርቪን ማሲንጋ፡ ኣብቲ ኣብ ሑመራ ዝጸንሓሉ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ የጋጥሞ ንዘሎ ብደሆታት ብዓይኑ ከም ዝተዓዘበ መስኪሩ። ኣብቲ ዝሃቦ ትዕዝብቲ ናይቲ ከባቢ መሰረተ-ልምዓት ብምልኡ ከም ዝዓነወ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ዝተገደበ ምዃኑ፡ ናይ መሰረታዊ ኣቕርቦት ሕጽረት ከም ዘሎ እውን ጠቒሱ። እዞም ጸገማ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣሉታዊ ተጽዕኖ ይፈጥሩ  ከም ዘለዉ እውን ኣይሓበአን፡ እዞም ጸገማት  ብህጽጹ ንክፍተሑ ናይቲ ነባሪ ህዝቢ ትጽቢት ምዃኑ ከኣ ኣስፊሩ።

ብሰንክ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ከም ዘለዉ ዝመስከረ እቲ ኣበሳደር፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣድላይ’ኳ እንተኾነ ኣብ ረዲአት ምንባር ግና ኣጸጋሚ እየ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ተመዛባሊ ቀጻሊ ህይወቱ  ብሰላምን ክብርን ኣበይ ከም ዝምስርት ኣብ ዘኽእሎ መስርሕ ከም ዝተሓባበር ጠቒሱ። ማሲንጋ መጻኢ መስርሕ ዝተሓላለኸ ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሱ ቅድሚ ኩሉ ንድሕነት ሰባት ቆላሕታ ክወሃብ ከም ዝግበኦ ተማሕጺኑ።  

ኣብ መወዳእታ ከኣ ደጊሙ ኩሎም ወገናት እኹል ግዜ ተዋሂብዎም መጻኢ ዕድሎም ባዕቶም ክውስኑ ይግበኦም፡ ድሕሪ ምባል፡ ኢትዮጵያውያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ሃገሩ ኣብ ጐኖም ከም እትስለፍ ብተወሳኺ ቃል ኣትዩ። ኣብ ምብጻሕ እቲ ኣበሳደር ናብ ሑመራ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣቦመንበር ሰልፊ ስምረት ትግራይን ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከም ዝነበረ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ

ካብ ማሕበራዊ መዲያ ዘሓበሻ ዝተወስደ ምስሊ

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ብ14 ጥሪ 2026 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መስርሕ መንበሪ ቪዛ ናብ ኣሚሪካ፡ ኤርትራ ናይ እትርከበን ኣፍጋኒስታን፡ ኢራን፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ሩሲያን ሶማሊያን  ዝርከበአን 75 ሃገራት ከም ዝቋረጽ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ትራምፕ ነዚ ዝወሰነ ናይዘን ሃገራት ዜጋታት ኣብ ኣሚሪካ ክነብሩ እንከለዉ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ሓገዝ (welfare) ክምርኮሱ እዮም ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ከኣ ቶሚ ፒጎት ምክትል ወሃቢ ቃል ናይቲ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማክሮ ሩቢዮ ነዚ ብዝምልከት ኣብተን ዝተኣገዳ ሃገራት ናብ  ዘለዉ ቆንስላት ኣሜሪካ ብመሰረት’ቲ ዝሓለፈ ሕዳር ዝወጸ ንኢሚግራሽን ዝምልከት መምርሒ ነቲ መስርሕ ኣብ ዝምልከት፡ ብፍላይ ኣብቶም ናይ መንግስቲ ሰከም ከም ዝኾኑ ዝግመቱ ኣካላት ብትሪ ንክቆጻጸሩ መምርሒ ሂቡ።

እዚ እገዳ ብቐጥታ ነቶም ኣብ ኣሚሪካ ክነብሩ  (ግሪን ካርድ ክረኽቡ) ዝመጹ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንትምህርቲ፡ ሃገር ንምብጻሕ፡ ንስፖርታዊ ውድድርን ንውሱን ግዜ ናይ ስራሕ ፈቓድን ናብ ኣሜሪካ ንዝኣትዉን ከም ዘይምከት ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

እዚ ውሳነ ካብ 21 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዓል ኮይኑ፡ ኣሜሪካ እቲ ዋሕዚ ሓደገኛ ከምዘይኮነ መረጋገጺ ክሳብ እትረክብ ቀጻሊ ዝኸውን እዩ። እዚ ስጉምቲ ኣካልቲ ኣሚሪካ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብመንጽርቲ (ቀዳምነት ንኣሜሪካ” ዝብል ፖሊሲ ተተኣታትዎ ዘላ ሓድሽ  ኣሰራርሓ እዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ’ቲ ኣቐዲሙ ተዘርጊሑ ዝቐነየ ሓበሬታ፡ ብ12 ጥሪ 2026 ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። እቲ ቃለ መጠይቕ ቅድሚ ምክያዱ “በቲ ሓደ ወገን እንታይ ሓድሽ ከየምጽእ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምናልባት ብዛዕባዚ ብወገን ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝውርወር ዘሎ መሰረት ኣልቦ ፈኸራስ ገለ ይብል ይኸውን” ኣብ ዝብሉ ኣዛራቢ ኮይኑ ጸኒሑ። እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ግና ብፍላይ  ኣብ “ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ”  ቅድም ዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ፡ ዘምጸኦ ሓድሽ የለን።

ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ዳርጋ ከም መመላእታ ዝሰርዖ ዘቤታዊ ጉዳይ፡ ንኤርትራ  ብቑዕ ናይ መንገዲ ትሕተ ቅርጻ፡ ቀረብ ማይን ጸዓትን ከም ዘድልያ ግና ድማ ከምዘየብላ’ዩ ደጋጊሙ ጠቒሱ። ከምቲ ልማዱ ከኣ ኣብ መጻኢ ዓመታት ቀዳምነታት ኣትሒዝና ንሓስበሉን መልክዕ ነትሕዞን ክኸውን እዩ ኢሉ ሎሚ’ውን ተመባጺዑ። እዚ እዩ ከኣ እቲ “ኣይትብከ እንድዩ  ዘብክያና ዘሎ”  ዝብል ።

 ነቲ ብሰንኩ ዝበኾረ ዕቤትን ልምዓትን ንኻለኦት ንምልጋብ ከኣ “ሰላምን ምርግጋእን ናይ ልምዓት ቅድመ-ኩነት እዩ” ዝብል መህደሚ ከቕርብ ፈቲኑ። ነቲ ንሱ ዝሕተተሉ ኣቐሚጡ ድማ፡  ሕጽረት ምሁራትን ክኢላታትን ከም ዕንቅፋት ልምዓት ከቕርቦ ተሰሚዑ። ኤርትራ ብሰንኩ ቁጠባዊ ዓቕሚ ከውሕስ ዝኽእል ክኢላን ምሁርን መንእሰይ ኣስኢንዋ ዘሎ ንሱ ምዃኑ ዘይርደኦ ኤርትራዊ ኣሎ ኢሉ ከዕሹ ምፍታኑ ከኣ የገርም። ኣብ ሃገሮም  ንዝነበሩ ኣውፈርቲ እንዳሰጉጐስ ካብ ወጻኢ መጺኦም ከውፍሩ ምጽውዑ ድማ ዘገርም ኣሽካዕላል እዩ።

ኣብቲ ክዛረበሉ እዩ ብዝብል ብዙሓት ዝተጸበይዎ፡ ንዘይሓላፍነታዊ ፈኸራ ብልጽግና ዝምልከት፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባቲ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ዘውሓሰ  ቃልስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽን ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ሕግታትን ኣትኪሉ ዕቱብ መብርሂ ዝህብ፡ “እዚ ጉዳይሲ ክለዓል ‘ውንኣይነበሮን” ኢሉ ድሕሪ ምጉብዕባዕን ብምንእኣስን፡ ንተግባር ናይቲ መንቀሊ ኣካል ብልጽግና “ሓሳዊ፡ ሰነፍ፡ ነዳይ፡ ስሱ  ክብል እዩ  ገሊጽዎ። እቲ ንጉዳይ ኤርትራ በይኑ ነጺልካ ምርኣይ ዘይኮነ፡ ንከባቢ ፈለግ ኣባይ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥን ብሓባር ምርኣይን ምስ ዝምልከቶም ጐረባብቲ ምልዛብን ዝበሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብዚኸ ቅድም ዘቤታዊ ጉዳዩ ወጊኑዶ  ጸኒዑ ይቕጽል ይኸውን? ወይ ብጉልባብ ዞባዊ ጽምዶ ይሃድም  ኣዛራቢ እዩ።

ካልእ ኢሳያስ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደሉ፡ ኣብ መድረኽ ዝሑል ውግእ፡ ነቲ ሶቬት ሕብረት ዝምራሕ ዝነበረ ደንበ  ኣፍሪስካ፡ ካብ ክልተ ደንበ ናብ ሓደ ደንበ ዝተኣትወሉን ኣብ ግዜ ልዕልና ኣሜሪካ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን ኩነታት እዩ። ነቲ ህልዊ  ምንቅስቓስ ኣሜሪካ ከኣ ናብ ክልተ ቀጽራዊ መሰጋገሪ ዘምርሕ ዘሎ መሰጋገሪ መድረኽ እዩ ኢልዎ። ኣሚሪካ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ “ኣሚሪካ ሓያል ንምግባራ (Make America G)reat” ዝብል ጭረሖ ከምዘይተዓወተን ብከም ቻይና፡ ሩሲያ፡ ህንድን ካለኦትን ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ተክኖሎጅን ወተሃደራዊ ዓቕምን ትብለጽ ኣላ’ውን ኢሉ።

ኣሚሪካ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት Oዓለም ትገብሮ  ዘላ ኢድ ኣእታውነት ከኣ “ድብያን ጭውያን “ ብዝብል ካብ ውድቀት ዘውጸኣካ ቁጠባዊ ሕውየት ንምርካብ ዝግበር ናይ ስግኣት ጻዕሪ እዩ ይብሎ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ምስ መራሕታ  ዝምድና ንምግባር ዘካየዶ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ገሊጹ፡ ተገልቢጡ ድማ ምስዛ ትብለጽ ኣላ ዝበላ ሃገር ዝምድና ንምፍጣር ዝገብሮ ጻዕሪ ክቕጽሎ ምዃኑ እዩ ተጋራጫዊ ሓሳብ ዘቕርብ።

ዘይሩዘይሩ እቲ ብውሱናት ሓድሽ ነገር ከምጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃለመጠይቕ ኢሳያስ፡ ከምቲ ብዙሓት ዝገመትዎ ብፍላይ ኣብቲ ዘቤታዊ ጉዳያት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር የለን። ኢሳያስ’ውን ከም መራሒ ሃገር ዘይኮነ፡ ከም ታራ ተንታኒ ኮይኑ እዩ ቀሪቡ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ዓዲ ሹማ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ፡ ብ7 ጥሪ 2026 ወዲ ፍርዙን ዝተባህለ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ሓሰን እድሪስ ንዝተባህለ ሰላማዊ ሰብ ቀቲሉ ወዲ ስዒድ ንዝተባህለ ከኣ ከም ዘቑሰለ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ንመንቀሊ ናይቲ ቅትለትን መቑሰልትን ብዝምልከት ከም ዝሓበርዎ፡ ብመጀመርያ   ዓዲ ዒለ ካብ ዝተባህለ ቦታ ዝመጸት ብወዲ ፍርዙን እትምራሕ ኣሃዱ መንእሰያት ንውትህድርና ንምግፋፍ ነታ ዓዲ ኣኽቢባታ። ድሕሪኡ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ዝርከብዎም ብዙሓት ደቂ’ታ ዓዲ  ካብቲ ግዱድ ውትህድርና ንምድሓን ክብሉ ፋሕ ኢሎም ክሃድሙ ጀሚሮም። እቶም ወተሃደራት ከኣ ነቲ ህድማ ንምዕጋት ኣድራጋ ተኲሶም። በቲ ተኹሲ ከኣ እቲ ዝቐተለን ዝቖሰለን ግዳይ ኮይኑም።

ድሕሪኡ እቲ ዝተወቕዐ ወዲ ስዒድ ንሕክምና ናብ ኣስመራ ተወሲዱ። ስድራቤትን ደቂ ዓድን ናይቲ መዋቲ ከኣ ቀታሊኡ ክሳብ ዝፍለጥ ኣይንቐብሮን ኢና ብዝብል  ንዝጻረ ኣስከሬኑ ናብ ጊንዳዕ ወሲዶም ከጽንሕዎ’ኳ እንተፈተኑ፡ እቲ ኣዛዚ ናይቲ ሰራዊት ወዲ ፍርዙን፡ “ኣነ ባዕለይ እየ ቀቲለዮ ቀልጢፍኩም ቅበርዎ” ምስ በሎም ተገዲዶም ብዘይመርመራ ከም ዝቐበርዎ ተሓቢሩ።

ድሕሪኡ እቶም ደቂ ዓዲ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከይዶም ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ምስ ኣመልከቱ እቶም ኣባላት ፖሊስ ቀታሊ መን ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ፡ “ኣብዚ ጉዳይዚ ክንሕግዘኩም ኣይንኽእል ኢና” ኢሎም ኣፋንየሞም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን  ኣብ ንኡስ ዞባ ለጎ ዓንሰባ ቀራና ኩዶ ኣብ ዝበሃል ዓዲ ወተሃደራት ኤርትራ ያፌት ዝተባህለ ትሕቲ ዕድመ ከም ዝቐተሉን በቲ ቅትለት ቁጠዓኦም ንዝገለጹ ደቂ ዓዲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጐንዎም ዝዝከር እዩ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተአሲረናሉ ዘለዋ ቤት  ማእሰርቲ እምዱርማን

ኣዛዚ ሰራዊትን ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተን ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እምዱርማን ተኣሲረን ካብ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት 400 ንክፍተሓ ከም ዝኣዘዘ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ምስዚ  ብምትሕሓዝ ከኣ እተን ደቂ ኣንስትዮ ምስቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝምድና ከይህልወን ምጽራይ ክግበር ኣምእዛዙ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ጀነራል ነዚ ትእዛዝ ዝሃበ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከይዱ እተን እሱራት ብዛዕባ ምስ ፖሊስ ዘለወን ርክብን ካልእ ሰብኣዊ ኩነታተንን ምስተዓዘበ እዩ። ንምብጻሕ እቲ ጀነራል ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝምልከት ኣብ ናይ ትዊተር (x) ገጸ ዝወጸ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ፡ እተን ብቀዳምነት ንክፍተሓ ዝተወሰነለን 400 ደቂ ኣንስትዮ ኣደታት ቆልዑ ዝኾናን ብዝፈጸመኦ ጌጋ  ዝተጠዓሳን  ኩሉ መሰላተን ዝሕለወለን  እየን።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኩለን እተን  እሱራት ንቀጻሊ መስርሕ ፍርዲ ንክጥዕም ብመንጽር ዝፈጸመኦ ገበናት ተፈላልየን ክተሓዛ መምርሒ ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ምጽራይ ክቀላጠፍ እሞ ኣብቲ ቀጻሊ ዘሎ ምስሕሓባት መሰል እሱራት ደቂ ኣንስትዮ ዝሕለወሉ ኩነታት ክፍጠር መርሒ ከም ዝሃበ  ተገሊጹ።

 ፖሊስ ካርቱምን ኣባላት ሰራዊትን ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ውግእ ምስቲ ዑጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ርክብ ነይርወን ብዝብል፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣሲሮም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ካብኣተን ውሱናት ብይን ክረኽባ እንከለዋ፡ እተን ዝበዝሓ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዘን ፍርዲ ዝጽበያ ዘለዋ እየን። ኣብቲ መስርሕ ቀዳምነት ዝወሃበን ኣደ ቆልዑ ዝኾና ኣደታት እየን። ሌተናል ጀነራል ኣሚር ዓብደል ሞነይም ዳይረክተር ፖሊስን ያሲን ዑመር ኣቡ ዛይድ ዳይረክተር ናይቲ ቤት ማእሰርትን ነቲ መስርሕ ንክመርሑ ተመዚዞም ዘለዉ ምዃኖም ድማ እቲ ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጡ።

عقد مكتب الشؤون التنظيمية للقوى السياسية الإرترية، في الثالث من يناير 2026، اجتماعًا تنظيميًا مهمًا مع القيادات الإقليمية في كلٍّ من إقليم شمال أمريكا وإقليم أوروبا، وذلك في إطار جهوده المتواصلة لتعزيز العمل التنظيمي وتوحيد الجهود للقوى السياسية الارترية.

وقد ترأس الاجتماع رئيس المكتب، السيد تسفاي ولدميكائيل، الذي استعرض في كلمته الافتتاحية جملة من القضايا التنظيمية والسياسية ذات الأهمية، مؤكدًا على العلاقة التكاملية بين العمل التنظيمي أو الحزبي الذي يقوم به العضو، وبين دوره ومسؤوليته في أنشطة وبرامج القوى السياسية الإرترية بشكل عام. وأوضح أن نجاح العمل السياسي مرهون بوضوح هذه العلاقة، وبقدرة الأعضاء على الموازنة بين الالتزام التنظيمي والمشاركة الفاعلة في العمل الوطني المشترك.

كما تطرق الاجتماع بشكل موسع إلى خطط العمل للسنة الحالية 2026، حيث جرى نقاش معمق حول الأهداف المرحلية والاستراتيجية، وسبل ترجمة هذه الخطط من مجرد تصورات نظرية إلى برامج عملية قابلة للتنفيذ على أرض الواقع، بما يواكب التحديات السياسية والتنظيمية الراهنة

وفي سياق متصل، ناقش المجتمعون آليات وسبل إقامة الفروع الموحدة للقوى السياسية الإرترية في كل من شمال أمريكا وأوروبا، باعتبارها خطوة أساسية نحو تعزيز وحدة الصف، وتنسيق الجهود، وتفعيل العمل المشترك.

واختُتم الاجتماع بجملة من التوصيات، أبرزها التأكيد على ضرورة اضطلاع كل عضو بالدور والمسؤولية المناطة به، والعمل بروح جماعية عالية، بما يسهم في تحقيق الأهداف المنشودة للقوى السياسية الإرترية.

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና፡ ዋንግ ዪ ካብ 7 ክሳብ 12 ጥሪ 2026  ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ ኣሎ። ናይዚ ሚኒስተር ዑደት ናብ ኣፍሪቃ፡ መበል 36 ዓመት፡ “ናይ ሓድሽ ዓመት፡ ቀዳማይ  መገሻ  ናብ ኣፍሪቃ” ናይ ዝብል ባህሊ መግለጺ ምዃኑ፡ ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃቢ ቃል ብ7 ጥሪ 2026 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ  ኣፍሊጡ። እዚ ኣባል ማእከላይ ኮሚተን ፖሊት ቢሮን ኮምኒስታዊ ሰልፊ ቻይና ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና፡ ኣብቲ  “ቻይና-ኣፍሪቃ ህዝቢ ምስ ህዝቢ”  ብዝብል፡  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ  ዝካየድ  ስነ ስርዓት  ክሳተፍ ምዃኑ እውን እቲ ቻይናዊ  ወሃቢ ቃል  ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና መገሻ ኣብ ሓድሽ ዓመት ናብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሚኒስትሪ  ንመበል 36 ዓመት ክኸውን፡ ነቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግና ናይ መጀመርታኡ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  እቲ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሃገሩ ካብ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ናይቲ በዓል መዚ መገሻ፡ ብዙሕ ከም እትጽበ ተጠቒሱ። እቲ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየደ ስነ-ስርዓት፡  ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣፍሪቃን ቻይናን፡ ናይቲ “ቀዳማይ መገሻ  ዓምት 2026 ናብ ኣፍሪቃ” መግለጺ ዲፕሎማሲያዊ  ልምዲ ናይታ ሃገር ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቻይናዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣብዚ መገሻኡ ዝበጽሐን 4 ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያ፡ ታንዛንያን ለሰቶን እየን። ብፍላይ ሓደ ናይ ቻይና ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናብ ሶማሊያ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ድሕሪ 40 ምዃኑ ከኣ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ቻይናዊ በዓል መዚ ቀንዲ ምስ መራሕቲ እተን ዝበጽሐን ሃገራት ዝዛረበሉ ዛዕባታት፡ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝን ናይ ሓር ዕቤትን ከምኡ እውን ጉዳይ ልኡላውነት ሃገራት ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ’ እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ልምዓት ሓገዝ ንምርካብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ  ቀጻሊ ክልተኣዊ ምትሕብባር ዝኣትዋሉ መንገዲ ምድህሳስ ከም ዘጠቓልል እውን ተፈሊጡ።

 ቻይና ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ብቐጻሊ 282.1 ቢልዮን ዶላር ብዝበጽሕ ዓመታዊ ዓቐን ኣብ መዳይ ንግዲ መሓዛ  ኣፍሪቃ ኮይና ከም ዝጸንሐት’ውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቑሱ።

ሶማሊላንድ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ኣብ ሰሙን 4 ግዜ ናብ ሃገርጌሳ ዝካይዶ ዝነበረ በረራ ኣጊዳ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ብዝኾነ መልክዕ ኣብ ኣየራ ከይንቀሳቐስ እውን ወሲና። እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ጅቡቲ ኣቐዲማ ኣብ ሃገራ ካብ 2012 ጀሚሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ቤት ጽሕፈት ሶማሊላንድ ድሕሪ ምዕጻዋ እዩ። እዚ ናይ ጅቡቲ ስጉምቲ ብተጽዕኖ ሶማሊያ መቃድሾ ዝተኻየደ እዩ ዝብል ግምት ናይ ብዙሓት እዩ።

ናይዚ ኩሉ ወጥሪ መንቀሊ ከኣ ናይ እስራኤል ንሶማሊልላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ምዃኑ ተፈሊጡ። ጅቡቲ ብመንጽር ከም ኬንያን ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ኣንጻር ዝምድና እስራኤልን ሶማሊላንድን ብዝለዓለ ደረጃ ትንቀሳቐስ ዘላ እያ።

ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ካብ 7 ጥሪ 2026 ግብራዊ ዝኸውን እገዳ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ኣቐዲማ ንመንግስቲ ጅቡቲ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ናብቲ መንገዲ ኣየር ግና ብጽሑፍ ምሕባራ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ኣረጋጊጾም። ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ መንገዲ ኣየር ብዛዕባቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ ቀጻሊ መብርሂ ክህቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ጅቡቲ ብወገና ንኣፍልጦ ኢስራኤል ንሶማሊላንድ ብምቅዋምን   ምስ ሶማሊላንድ ዝነበራ  ዲፕሎማሲያዊ ብምቁራጽን ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ምዃና እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። ሰብ መዚ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ሳዕቤን ናይ እገዳ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡ እምበር፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ወገናት ፖለቲካዊ ስጉምቲ እዩ ኢለምዎ። ኣብ ቀረባ መጻኢ ካብ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ወግዓዊ መግለጺ ክወጽእ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፣ መግለጽታቶም ንዞባዊ ፖለቲካዊ፡ ንግዳውን መጐዓዝያን ብኣሉታ ከም ዝጸሉ፡ ባኣውርኡ ከኣ ቁጠባዊ ቅልውላው ናይቲ ዞባ  ዘጋድድ ከም ዝኸውን ግምት ኣሎ።

እዚ ኣብ መንጎ እዘን ጥቡቕ ቁጠባዊ ዝምድና ዝነበረን ሶማሊላንድን ጅቡትን ዝረአ ዘሎ ቅልውላው፡ ምስቲ ኣብ የመን ኣብ መንጎ ዓረብ ኤመረትን ሳዑዲ ዓረብያን ዝረአ ዘሎ ምፍጣጥ ምጽልላው ከም ዝህልውዎ ይግመት። እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ብ6 ጥሪ 2026 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር እስራኤል ናብ ሶማሊላንድ ከቕንዕ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ላዕለዋይ ልኡኽ ቱርኪ ከኣ ናብ ሶማሊያ መቃድሾ ገይሹ።

መራሒ ቬንዙዋላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ

ኣሜሪካ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጊአን  ዝጸንሓ  ምስሕሓብ፡ ብ3 ጥሪ 2026 ኣብ ልዕሊ ቬንዙዋላ ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ስርሒት ፈጺማ፡ ንመራሒ እታ ሃገር  ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ኣሲራ ወሲዳቶም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱጉምቲ ኣሚሪካ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ ሕብረት ነቲ ኩነታት ብጽሞና ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምኽባር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነትን  ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራትን ናይ ህዝብታት ብዝመረጽዎ ናይ ምምሕዳር መሰል ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ኣብቲ መገለጺኡ ኣነጺሩ፡ ኣብ ቨንዙዋላ ዝጸንሐ ዝተሓላለኸ ኩነታት ቀጻልነት ሰላም ብዘውሕ ንምፍታሕ እቲ ዝሓሽመንገዲ ልዝብ ጥራይ ምዃኑ ኣስፊሩ። ካብዚ ሓሊፉ ብቐጥታ ንተግባራት ኣሜኢርካ ከውግዝ ኣይከኣለን።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ግብረ መልሲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንተግባራት ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዋላ ዝተኸፋፈለ ምዃኑ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኤውሪጳ ዩሱላ ቮን ለየን፡ ንኩነታት ቬንዙዋላ ንከተተሎ ኣለና ድሕሪ ምባል፡ ውግንናና ምስ ህዝቢ ናይታ ሃገር እዩ  ብምባል፡ ኣብ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ኢና ንኣምን ክብል ጽሑፉ።

ፈረንሳ ስጉምቲ ኣሚሪካ ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥሒሱ ሓይሊ ዘቐደመ ብምዃኑ ኮኒናቶ። ኢጣልያ ብወገና  ብሓፈሻ’ኳ ኢድ ኣእታውነት ቅቡል እንተዘይኮነ፡ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዋላ ዝወሰደቶ ግና ግቡእን ተቐባልነት ዘለዎን ናይ ምክልኻል ኢድ ኣእታውነት እዩ ብዝብል ከምእትድግፎ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ድማ ብዛዕባቲ ስርሒት ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ሓቢሩ፡ ኣነ ኩሉ ግዜ ብመንጽር ዓለምለካዊ ሕጊ ኣብ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን እየ ዝኣምን ኢሉ፡ ምስ ፕረሲደንት ትራምፕን ካለኦት መሓዙትን ብዛዕባቲ ተረኽቦ ክዛረብ እየ ክብል ጠቒሱ።

እቲ ብመርገርጽ ምፍልላይ፡ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ  እውን ክንጸባረቕ ይረአሎ።  ንኣብነት ኩባ፡ ብራዚልን መክሲኮን ነቲ ተግባር ጥሕሰት ልኡላውነት ኢለን ብምግላጽ፡ ተሪር ተቓውሞ ከስመዓ እንከለዋ፡ ኣርጀንቲናን ፕራጉዋይን ዝርከበአን ከኣ ደገፍቱ እየን።

ቻይና ኣሜሪካ ካብቲ ተግባራ ከተቋርጽ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ኣሲራቶ ዘላ ማዱሮ ብህጹጽ ክትፈትሖ ጸዊዓ። ሩሲያ ድማ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ቨንዙዋላ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዝኹነንን ተግባር’ዩ ብዝብል ገሊጻቶ።

እስራኤል ብቐጥታ ናብ ኣሜሪካ ናይ “እንኳዕ ኣሕጐሰኩም” መልእኽቲ ናብ ፕረሲደንት ትራምፕ ከትመሓላልፍ እንከላ፡   ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብኣንጻሩ ኣብ ተግባር ኣሜሪካ ተሪር ተቓውሞኣ ብምስማዕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸጥታን ሰላምን ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፡ በቲ ጉዳይ ዝዘራረብ ኣኼባ ክካየድ መጸዋዕታ ኣቕሪባ።

እዚ ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዋላ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ዓለምና ናይ ሕጊ ዘይኮነት ናይ ሓይሊ ክትከውን ዘተባብዕን ንዓለምና ናብ እንኮ ቀጽራዊ ዝወሰዳ ከይከውንን ንብዙሓት የሰክፍ ኣሎ።

Page 1 of 163