ጋዜጣኛታት፡ በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጥሑ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን ካብ ሃገሮም ከም ዝተሰዱ ባዕላቶም ንመርበብ ሓበሬታ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሮም። ንድሕንነቶም ክብሉ ኣብየናይ ሃገር ጠዓቚቦም ከም ዘለዉ ዘይገለጹ፡ በቃ ኣላምረውን በላይ ማናየን፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ክስደዱ ዝተገደዱ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህይወቶም ዘስግእ ምፍርራሕን ምክትታልን ስለ ዘጋጠሞም ምዃኑ ኣፍሊጦም።

እዞም ጋዜጥኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣስሩ፡ ብምኽንያት እቲ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡  ከም ኣድላይነቱ ከኣ ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ንክትግበር ተባሂሉ ዝተኣወጀን ኣብ ወርሒ ጉንበት 2024 ዘብቀዐን ኣዋጅ ፍሉይ ኩነታት እዩ። መስራትን ኣካያድን “ኣልፋ መዲያ” ዝነበረ በቃሉ ኣላምረው እቲ ፍሉይ ኩነታት ምስተኣወጀ ድሕሪ 2ተ መዓልታት ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ዝተደኮነ ጽንኩር ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተሳቐየ ገሊጹ።

በላይ ማናየ እውን ከም በቃሉ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ  ዝቓይ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ መስራትን ኣካያድን “ኢትዮ-ኒውስ” ዝተባህለ ትካል መድያ ዝነበረ እዩ። በላይ እውን ኣብቲ ማእሰርቲ ኣዝዩ ከቢድ ስቓይ ከም ዘሕለፈን ክሳብ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞን ንመርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሩ።

እዞም ካብቲ ስሩዕ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምስጢር ቦታትን መደበራት ፖሊስን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸጥታ ኣካላት ይሳቐዩ ከም ዝነበሩ ጠቒሶም፡ ንክስደዱ ዘገደዶም ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይኮነንዶ ናብቲ ዝፈትዉዎ ናይ መድያ ክእለቶም ክምለሱ፡ ብህይወት ክነብሩ ከምዘይክእሉ ስለ ዝተረድኡ ምዃኖም ካብቲ ዘለዉዎ ቦታ ኣፍሊጦም።

ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ” ኣብ ዝበሃል መዲያ፡ ደሓር ድማ ኣብ “ኣልፋ ሜድያ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ  ግዜ፡ ርትዓውን መሳጥን ዜናታትን ትንትናታትን ብምቕራብ ገኒኑ ዝነበረ ብተደጋጋሚ ዝተኣስረ መንእሰይ ጋዜጠኛ እዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓላፊ መደብ ስፖርት ዝነበረ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራቱ (ቶፖ)፡ ንህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ሃገር ነርወይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ከም ዝሓተተ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ጋዜጠኛ ዑቕባ ዝሓተተ ካብ ኤርትራ ናብ ኣብ ፓሪስ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሃሰ 2024  ዝተኻየደ መበል 33 ኦለምፒት ንምስታፍ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ እዩ።

ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ፡ ብዛዕባ ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቱ መግለጺ ዘይምሃቡ፡ ንድሕነቱ  ብምስጋእ ምዃኑ፡ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ቀረቡ ኣፍሊጦም። እዞም ብዛዕባኡ ዝሓበሩ  ንድሕረ-ባይታኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ወዲኡ፡ ብ1999 ኣብ 9ይ ዙር ሳዋ ተሳቲፉ፡ ድሕሪኡ ብ2003 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዝዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሩ ከም ዝተመረቐ ዘርዚሮም።

 ተስፋልደት ኣብ ተለቪዥንን ሬድዮን ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ከም ኣዳላውን ኣቕራብን መደባት ስፖርት፡ ዶክተራት ኣብ ስቱዲዮን ካላኦት ምድላዋትን፡ ን20 ዓመታት ዘገልገለ ክኢላ እዩ። ብዘይካ’ዚ ብውልቁ፡  ብቶፖ ኤሪ-ኢንተርተይመንት ኣብ እትፍለጥን ካልኦት ዝተፈላለያ ቻነላትን ምስ  ብርክት ዝበሉ ህቡባትን ጸለውትን ሰነጥበበኛታትን፡ ከምኡ’ውን ከም ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ቢንያም ግርማይ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ካልኦትን  መደባት ስፖርት ብምቕራብ  ዓቢይ ዝና  ዝረኸበ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ተስፋልደት ኣብ ኣስመራ እንከሎ፡ ኣብ ዩቲብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብን ጸገም ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ዘቃልሓሉ ካብ ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ጸቕጥን ምፍርራሕን የጋጥሞ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ተገደስትን ነጠፍትን ትካላት ሰብኣዊ መሰል፡ መንግስቲ እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ውግእ ጋዛ ንምምልማል ምውሳኑ፡ መዝማዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ስደተኛታት ማሕበረ-ቁጠባውን ህይወትን ዘመዛብል ምዃኑ ኣጠንቂቖም።

መብዛሕትኦም ካብዞም እስራኤል ናብ ውትህድርና ክትምልምሎም ትሓስብ ዘላ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ውግእ፡ ማእሰርቲ፡ ጥሕሰት መሰልን ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምንባር ስኢኖም ካብ ሱዳን፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ምዃኖም እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንኣገልግለቶም ቀዋምን ሕጋውን መንበሪ ፈቓድ ክወሃቡ እዮም ብዝብል ግዳይ ይኾኑ ከም ዘለዉ እውን እቲ ዜና በተወሳኺ ገሊጹ።

 ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ንስደተኛታት መንበሪ ፈቓድ ብምሃብ ናብ ውትህድርና ንምውሳዶም ዝፈጸሞ ተግባር፡ ብዝተፈለላዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት ምዃኑ ብምጥቃስ ክነቕፍዎ ከም ዝጸንሐ እቲ ዜና ኣመልኪቱ። ቅድሚ ሕጂ ንዝተወሰኑ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዘበርከቱ እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ውትህድርና ንዘገልገሉ ስደተኛታት ዝተዋህበ ፍሉይ ደረጃ መንበሪ  ከም ዘየለ ከኣ ተጠቒሱ።

ነቲ ጉዳይ ምስ ናይ ኣሜሪካ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምፍጻምን ምርካብ መሰል ዜግነትን  ከዛምድዎ ዝፍትኑኳ እንተለዉ፡ ብኻልእ ወገን ከኣ ነቲ ተግባር፡ ዘይሞራላውን ጥሕሰት መሰልካ ናይ ምጥቃም  ናጽነትን ምዃኑ ይገልጽዎ ኣለዉ። ኣብ ርእሲዚ  እስራኤል ብጀኦግራፊ ንእሽቶ ብኣሰፋፍራ ህዝባ ድማ ተሃዋሲትን መሓዛ ዘየብላን ብምዃና፡ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣሰካፊ ከም ዝገብሮ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። 

እቶም ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላት ከም ዝጠቐስዎ፡ እቲ መፍትሒ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ነቶም ኣብ እስራኤል ኣብ ጭንቂ  ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰግርሉ ኩነታት ምፍጣር ጥራይ እዩ። ካለኦት ወገናት ከኣ እስራኤል ናይቶም ኣብ ሃገራ ዘለዉ ስደተኛታት መሰል ናይ ምሕላው ግደታ ስለ ዘለዋ ሓላፍነቶም ክትወስድ ይግበኣ ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቖም።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብዚ ኣንጻሮም ዝሕሰብ ዘሎ መጻወድያ ብኸመይ ከም ዝድሕኑ ንክሓስብሉ  ብዝተፈላለዩ ወገናት መጠንቀቓታ ይህቡ ከም ዘለዉ   ተፈሊጡ።

መዓርፎ ነፈርቲ ፖርት ሱዳን

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ኣስመራ በረራኡ ምስ ኣቋረጸ፡ ካብ ባሕቲ ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ናብ ፖርት ሱዳን ዕለታዊ በረራ ከም ዘካይድ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ በረራ ናብ ፖርት ሱዳን ዝተሰርዐ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ኣብ ቻይና ተራኺቦም ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ኣስመራ በረራኡ ካብ ዝቋረጸሉ ምኽንያታት ሓደ ኣብ ባንክ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ናቕፋን ወጻኢ ሸርፍን ሕሳቡ ተዓጽዩ ገንዘቡ ኣንቀሳቒሱ ናብ ኢትዮጵያ ከመሓላልፍን ደሞምዝ ሰራሕተኛ ክኸፍልን ስለ ዘይከኣለ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ተዓዘብቲ ግና ብመሰረቱ ነቲ ምቁራጽ ቀንዲ ዝደረኸ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናሓደረ ዝሃስስ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና እዩ።

ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት ነቲ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ፖርትሱዳንን ብመተማ ዝጸንሐ ኣጸጋሚ ናይ መሬት መጐዓዝያ ዘቃልል ክኸውን እዩ። ክሳብ ሕጂ ናብ ፖርትሱዳን ክትበርር ዝጸንሐት መንገዲ ኣየር ግብጺ ጥራይ እያ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ፖርት ሱዳን ናይ ኣየር ርሕቀት 736 ማይልስ (1,184 ኪ/ሜ) ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከኣ 436.12 ማይልስ (701.78) ኮይኑ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ፖርት ሱዳን ከኣ 306 ማይልስ (492 ኪ/ሜ) እዩ።

ኣብ ሓያል ምትህልላኽ ኣትዮም ዘለዉ፡ ጌታቸው ረዳን ደብረጼን ገ/ሚካኤልን

ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፈጻሚ ኮሚተ ናይቲ ውድብ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝጸንሑ ተኣሚኑ። ንሱ ነዚ ዝግለጸ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ውድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፡ ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “እቲ ብደብረጼን ዝምራሕ ወገን ኢደ-ወነናዊ ጉባአ ዘካየደ ብድሕሪት ዝኣምኖ ሓይሊ ስለ ዘለዎ እዩ” ንዝበሎ መልሲ ንምሃብ ብዝዓለመ እዩ።

ከም መግለጺ ዶር ደብረጼን ነቲ ርክብ ብፈጻሚ ኮሚተ ተመዚዙ ዘካየዶ ኣቶ ጌታቸው ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ ርክብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እውን ከም ዝፈልጦ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ “ዛራ መድያ ኔትዎርክ”  ትካል ዩቱብ፡ “ካብ ምንጭታተይ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ” ብዝብል እቲ ቀዳማይ ርክብ ኣብ ዱባይ ኣብ መንጎ ጌታቸው ረዳን የማነ ገብረኣብን ከም ዝተኻየደ ጠቒሳ፡ ደሓር ግና ብወገን ጌታቸው ኣብ ሃዘሞ ዳግማይ ምርኻብ ክቕበል እንከሎ፡ ህግደፍ ግና ኣብ ምጽዋዕ ንራኸብ ስለ ዝበለት ምርድዳእ ስኢኖም ከም ዝተቋረጸ ሓቢራ። እንተኾነ እቲ ርክብ ብመንገዲ ጌታቸው ምዃኑ ተረፊ ካልእ ሰብ ብምትካእ ከም ዝቐጸለ ዝሕብሩ ወገናት ኣለዉ።

ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ ነቲ ርክብ ብዝምልከት ኣብ መንጎ’ተን ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ብጌታቸው ረዳን ዝምራሓ ጉጅለታት ህወሓት ምክሕሓድ ዝፍጠር ዘሎ፡ ኣብ ዕላማ ናይቲ ርክብ ስለ ዝተፈላለዩ እዮም  ዝብል ግምት ኣለዎም።

እዚ ኣብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ነቲ ቀጻሊ ሰላም ከስፍን ተስፋ ተነቢርሉ ዝጸንሐ ሎሚ ግና ኣብ ፖለቲከኛታት ትግራይ ዘሰሓሕብ ዘሎ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይመልሶ ስግኣት ኣሎ።

ሚኒስትሪ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ ዝርከብዎም 178 ተጋሩ  ቅድም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ብ10 መስከረም 2024 ብናጻ ከም ዝተፈትሑ ተሓቢሩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እዚ ብናጻ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ዝተወሰነ፡ እቶም ግዳያት ብዘቕረብዎ ናይ ምሕረት ሕቶ መሰረት እዩ። እቲ ብኣዋጅ ቁጽሪ 840/2006 ዓንቀጽ 3 ዝቖመ ናይ ምሕረት ቦርድ በቲ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝሓደሮም ጣዕሳ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝወሰነ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዞም ብናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ዕማም ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፡ ክሳብ ሞትን ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርትን ዝተፈርዱ ኣብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ምስ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ ዝምድና ፈጢሮም ብዝብል ብክድዓት ሃገር ስለ ዝተኸሱ ምንባሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እዞም ሎሚ ዝተፈትሑ ኣካል እቶም ንሓጺር ግዜ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ወተሃደራት ምዃኑ ተጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሚራብ ኣባያ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት 83 እሱራት ወተሃደራት ተጋሩ ዝነበሩ ብግፍዒ በቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ከም ዝተቐትሉ ጽሒፉ ከም ዝነበራ ኣብዚ ምፍታሕ 178 ወተሃደራት ዝሓበረ ጸብጻብ ተመልኪቱ።

በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ናይዞም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝነበሩ 178 ወተሃደራትን ናይ ካለኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩኻት ውግእ ምፍታሕ ኣካል ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ ውዕል ምቑራጽ ተጻብኦ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሚኒስትሪ ናይዞም ተፈሪዶም ዝነበሩ ምፍታሕ ኣካልቲ ውዕል ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይምለስ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ።

ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ሃዲያ ሓሰበላ

ነጠፍቲ activists ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሃገረን ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ ሰብኣዊ ቀረብ ክማላእን ምሉእ እገዳ ኣጽዋር ብምትግባር፡ ውሕስነት ብዘለዎ ወግእ ክቋረጽን ከም ዝጸወዓ ማዕከን ዜና “ሱዳንስ ትሪቡን” ኣፍሊጣ።

ሃዲያ ሓሰበላ ዝተባህለት ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ንምቁራጽ ተኹስን ረዲአት ዝቐርበሉ ኣፍደገ ምኽፋትን እዋናዊ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዋናዊ ኣጀንዳ እዩ ክትብል ገሊጻ። ኣተሓሒዛ ድማ ንተሳተፍቲ ኣብዚ እዋንዚ “ኣብ መላእ ሱዳን ቀረብ ኣጽዋር ክቋረጽ፡ ሓለዋ ሲቪል ሕበረተሰብ ክግበርን ሰብኣዊ ቀረብ ብስሩዕ ክቕጽልን ክንሰማማዕ ይግበኣና” ከም ዝበለት እቲ ዜና ጠቒሱ።

ሃዲያ ሓሰበላ ኣተሓሒዛ፡ ንግዝያዊ ሰላም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንቐጻሊ ዘተኣማምን ሰላምን ንሰውራ ታሕሳስ ናብ ንቡር ንምምላስን ክንሰርሕ ይግበኣና ከም ዝበለት እውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲኡ ኣካላት ሃገራዊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ መስርሕ ሰላም ከም ዝግለሉ ክንገብር ኣለና ድሕሪ ምባል፡ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ኣንጻርቲ ሲቪል ሕብረተሰብ ንምክፍፋል ዝግበር ምንቅስቓስ ንክስለፋ ጸዊዓ።

ናይዚ ኣብ ካምፕላ ዋዕላ ዘካየደ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ዝሓቖፈ ትካል ምክትል ፕረሲደንት ቡታይና ዲናር ብወገና፡ እዚ ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ውግእ መብጸዓታት ሰውራ ታሕሳስ ንምምላእ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን  እዩ ኢላ፡ ግደ ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘጉልሕ ኣጀንዳ ንክዓስላ ጸዊዓ።

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ቱርክ ኣዲን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተዳጒኖም ከም ዘለዉን ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ኣብ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከም ዝወደቑን ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ኣምንስቲ ከም ዝገለጾ ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓዲ ኣብየቶ ኣብ ዝበሃል ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ጌና ኣብ ቱርክ ተታሒዞም ዘለዉ ብዘይድሌቶም እንተተሰጒጎም እውን ኣብ ትሕቲ ጨካን ስርዓት ኤርትራ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዝኾኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል፡ መንግስቲ ቱርኪ ንኩነታት እቶም ኤርትራውያን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣገዲድካ ናይ ምስጓጎም መደቡ ኣቃሪጹ ብመሰረት’ቲ ብ1951 ዝፈረሞ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ነዞም ኤርትራውያን መሰል  ዕቑባኦም ከኽብረሎም ጸዊዑ።

ኣምንስቲ እቶም ግዳያት ንቐረቦም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝሓበርዎ፡ ንክስጎጉ ተዳለዉ ከም ዝተባህሉን ናይ መግቢ፡ ሕክምና፡ ክዳንን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ጸገም ከም ዘለዎም ምሕባሮም ጠቒሱ፡ ብዛዕባቲ ዝተወሰኖም ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላሶም  ነብሶም ናይ ምክልኻልን ሓሳቦም ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዝተነፍጎም ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ዝዝከር ኮይኑ፡  ምስ ተመለሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ሓንቲ ካብተን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ብዘይክስን ብዘይፍርድን ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካለኦት ዜጋታትን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ኣምንስት ኢንተርናሽናልን ካለኦት ሰብኣዊ ትካላት ብተደጋጋሚ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ፊትንፊት

ሓደ መድረኻዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብቲ እዋኑ ብዛዕባኡ ምዝራብን ምጽሓፍን ዝተለምደ እዩ። ኣብ ኤርትራ 16 ዝበጽሓ ብወግዒ ዝዝከራ ዓመታዊ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ከም ዘለዋ ይንገር። ካብኣተን ሓንቲ ከኣ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እያ።

ከምቲ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና፡ 24 ጉንበት ክንጠቅስ ናይ ግድን ዝኸውን፡ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ከኣ ባሕቲ መስከረም፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ጓሲኻዮም ዘይሕለፉ እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ መስከረም  ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ፡ ጐቦ ኣዳልን ምጅማር ተሓኤን ክለዓሉ ዝቐነዩ።  እቲ ኣለዓዕላን ኣመዛዝናን መሰረቱ ከይሰሓተ ከከምቲ መልዓሊኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። በዚ መሰረት ነቲ ታሪኻዊ ተረኽቦ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ሜላታትን ምቕናዩ ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ደረት ሓሊፉ ክሳብ “ብሰብ ዝተሳእለ ሓሳባዊ እምበር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝበሃል ኤርትራዊ ሓርበኛ ኣይነበረን። ጐቦ ኣዳል ዝበሃል ቦታ ከኣ ኣብ መሬት ኤርትራ የለን”፡  ክሳብ ምባል ክብጻሕ እንከሎ ግና፡ በሃልቱ “ኣይፋል ናብ ቀልብኹም ዳኣ ተመለሱ” ክበሃሉ  ዝግባእ እዩ።

ታሪኻዊ ጥምረት ዓዋተን ኣዳልን ብዙሓት ኤርትራውያን ብዕምቆትን ስፍሓትን ኣጽኒዖም ዝመዝገብዎ ኣብ ርእስሲ ምኳኑ፡ ነቲ ኣካል ባህርያዊ ትዕድልቲ ኤርትራ ዝኾነ ጎቦ ኣዳል የለን ምባል ከኣ፡ ኣቀማምጣ መልከኣ-መሬት ኤርትራ ዘይምፍላጥ ወይ ነቲ ጎቦ ኣልዒልካ ንኻልኦት ምዕዳል እዩ ዝመስል። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣቐዲሙ’ውን ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንሓርበኝነት ዓዋተ  ክሳብ  ብሽፍትነት ዝገልጽ ፈተነ ክሕደትን ምንእኣስን ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ፈተነ ስለዝነጸጎ፡ ኣብ ምጅማርን ጀማሪኡን ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ክእመኑን ተገዲዶም እዮም። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ናይ 2024 ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ኣዝዩ ሓጺር መግለጺ’ኳ ስም ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ክጠቅስ ኣይደፈረን። እዚ ከምዚኡ እንከሎ ብዛዕባ ዓዋተን ገድሉን ኣብ ጉግልን ዝኣመሰሉ ናይ ሓበሬታ ሰነድትን’ውን ሃሰስ ኢልካ ብቐሊሉ ዝርከብ እዩ። ካብቲ ሰፊሕ ታሪኽ  ቁሩብ ቀንጪብካ  ምጥቃስ ከኣ ይከኣል።

“ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ብ1910 ኣብ መንጎ ተሰነይን ጐልጅን ኣብ እትርከብ ዓዲ ገርሰት ተወሊዱ። ሓረስታይ ወላዲኡ ዕጥቂ ስለ ዝነበሮ፡ ንወዱ ሓሚድ  ኣብ ንኡሱ ዕድመኡ ኣጠቓቕማ ብረት ዓሊምዎ። ኣብ 1935 ድማ ሓሚድ ወተሃደር ኢጣልያ ኮይኑ ተኸቲቡ። በቲ ዝነበሮ መንቋሕቋሕታ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ሮማ  ኢጣልያ ተላኢኹ። ድሕሪ ትምህርቱ ብግቡእ ተኸታቲሉ ምምላሱ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ተኸታታሊ ጸጥታ ኮይኑ ተመዲቡ ሰሪሑ። ሓሚድ ንቁሕ ስለ ዝነበረ ቋንቋታት፡ ትግረ፡ ትግርኛ፡ ናራ፡ ሕዳርብ፡ ኩናማ ከምኡ ድማ ጥልያን ይመልኽ ነይሩ። ድሕሪዚ ኩሉ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይጠዓሞን ምስ ምምሕዳር ኢጣልያ ስለ ዘየሳነየን፡  ናብ ሱዳን ተሰዲዱ።

ኣቦመንበር ፓርላማ ኤርትራ ዝነበሩ ሼኽ እድሪስ መሓመድ ኣደም ዝርከብዎም ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡ ምሁራትን ተመሃሮን ኣብ 1960 ኣብ ከተማ ካይሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) መስሪቶም። ድሕሪዚ ኣብ ሜዳ ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ተሓኤ መን ይምረሓዮ? ምስተባህለ፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምስቲ ዝነበሮ ትብዓትን  ናይ ብረት ልምድን እሞ ምስቲ ዘርኣዮ ቅሩብነት፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ንእተበሰር ጉጅለ ክመርሕ ተመዚዙ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ድማ ካብ ከተማ ኣቑርደት ንወገን ምዕራብ ኣብ እትርከብ  ጐቦ ኣዳል  ኣንጻር ፍሉይ ሓይሊ  ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣስታት 30 ደቓይቕ ዝወሰደ ውግእ ብምክያድ መሪሕነታዊ ተልእኮኡ ኣበሲሩ። ብ28 ጉንበት 1962 ድማ ተሰዊኡ ኣብቲ ዝተሰወኣሉ ቦታ ብምስጢር ተቐቢሩ። ሓሚድ እድሪስ ዓወተ ከብቲ ገለ ወገናት ክብልዎ ዝፍትኑ፡ ዘይነበረ ክነሱ ብሓሳብ ዝተሳእለ ዘይኮነ፡ ህያው ነይሩ ዶር ከራር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝተባህለ፡ ተማሂሩ ዝወለደን ዝዘመደን ዉዱ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት  ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኤርትራ ክዛረብ ዝስማዕን ዝረአን  ዘሎ እዩ። ነዚ ሓቅዚ ክሒዶም ኣይነበረን ወይ ብረታዊ ቃልሲ ኣየበሰረን ዝብሉ ወገናት እምበኣር፡ ኣብ “ሰብነቶም” እውን ጸገም ዘለዎም እዮም። ነቲ “ጐቦ ኣዳል” ዝብል ምስቲ ገለ ኢትዮጵያውያን ደረስትን ተረኽትን “ናይ ዓፋር ናይ ቀደም መጸውዒ ኣዳል እዩ ነይሩ” ዝብልዎ ከጋጭውዎ ይስምዑ እዮም።”

ኣብ ታሪኽ ክንነብርን ቀዳሞት ብዝሰርሕዎ ጥራይ ክንንየትን’ኳ ቅኑዕ እንተዘይኮነ፡ ታሪኽካ ምርሳዕ፡ ምኽሓድን ምንእኣስን ግና ሎሚኻን  ጽባሕካን ዝዘርግ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ሕጽረታት ታሪኽና ምኳኑ ተቐቢልና፡ ንናይ ትማሊ ፍጻመ ብመንጽርቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት እምበር፡ ሎሚ ብዘሎ ኩነታት ምምዛኑ ናብ ጌጋ እዩ ዝወስድ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ሓፈሻዊ ዓለማዊ ኩነታትን ሎሚ ዘሎ ሓፈሻዊ ምዕባለን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ እዩ። ካብዚ ክንብገስ እንከለና፡ ብረታዊ ቃልስና ሎሚ ዝጅመር  ዘሎ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ካብቲ ናይ 1961 ዝተፈልየ መልክዕ ከም ዝሕዝ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን።

ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ ንምዕባለ መራኸብታት ጥራይኳ እንተወሰድና፡ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ መልእኽቱ ከበሳ ንክበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወሰደሉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብማዕዶ ኣብ ከበሳ “መሸላ ዘሪአ ዕፉን ከይሸወተ፡ ኣነስ ክኸይድ እየ ናብ ወዲ ዓዋተ” ብዝብል ዝተደርፈ፡ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት እቲ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኩነታት መራኸቢ ክሳብ ክንድዚ ኣጸጋሚ ነይሩ ክነሱ እቶም ናይ ሽዑ ተቓለስቲ ከም ሎሚ ብፈይስቡክን ብኢመይልን ዘይኮነ፡ ብእግሮም ተጓዒዞም ነቲ ብስራት ናብ ገጠራትን ከተማታትን ንምብጽሑ ዝገብርዎ ጻዕሪ መስተንክራዊ ነይሩ። ሎሚ ከምቲ ናቶም ሕራነ ለቢስና በዚ ዘሎ ምዕቡል መራኸቢታት ተጠቒምና  ከነድምዖ ካብ ዝነበረና ክሳብ ክንደይ ድሒርና ከም ዘለና  ክንግንዘቦ’ሞ ብሕራነ ክንበገስ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ እዩ።

ስለዚ ከምቲ “እነሀ ዝብል ኣይሓሱ” ዝበሃል፡ ካብቲ ንመሰረተ-ሓሳብ ሰውራና፡ ጀመርቱን ቀጸልቱን ሓርበኛታት ካብ ምንእኣሶም ጀሚሩ ሓሓሊፉ ድማ  ክሳብ ምኽሓዱ ዝዓርግ ዘሎ ወስታታት ህልውን መጻእን ቃልስና ጽኑዕ መሰረት ከምዘይህልዎ ዝገብር እዩ’ሞ፡ “ካብ ከምኡ ንርሓቕ”  መልእኽትና እዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 3 መስከረም 2024 ጀሚሩ፡ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት ናብ ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ናብን ካብን በረራ ከም ዝቋርጸ ምግላጹ ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ካብቲ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ብ24 ሓምለ 2024 ብዘሃቦ መግለጺ መንዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በረርኡ ኣብ መወዳእታ መስከረም  ንከቋርጽ ዝሃቦ ናይ ግዜ ገደብ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ እዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ 30 መስከረም 2024 በረራ ክቕጽልዩ ብዝብል፡ ትኬት ገዚኦም ንዝጸንሑ ገያሾ ብዘይተወሳኺ ክፍሊት ናብ ካልእ መንገዲ ኣየር ከም ዘሰጋግሮም ጠቒሱ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዘጋጥም ናይ መሰጋገሪ ቪዛ (ትራንዚት ቪዛ)ን ካልእ ወጻኢታትን ግና ከምዘይምልከቶ ከም ዝሓበረ እውን ተፈሊጡ። ምርጨኦም እንተኾይኑ ግና ንዝኾነ ንትኬት ዝኸፈልዎ ገንዘብ ክምልሰሎም ቅሩብ ምዃኑ እውን ኣዲስ ስታንዳርድ ኣስፊራ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምኽንያት ምቁራጹ ኣብ ወግዓዊ መርበቡ ኣብ ዘስፈሮ፡ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ጸገማትን ዕንቅፋታትን ክጸሮ ከም ዘይከኣለ ኣስፊሩ።  እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ኣቐዲሙ ብናይ ኤርትራ ሲቪል ኣቪየሽን ዘይምኽኑይ ዋጋ ትኬት ብምስላዕ፡ ገያሾ ብምንግልታዕን ንብረት ኣጥፊእካ ካሕሳ ዘይምኽፋልን ብዝብል ዝኸሰሶ ክቃወሞ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

ናይዚ ስጉምቲ ቀንዲ መንቀሊ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናሓደረ ክሕርፍፍ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዝምድና ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነትዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ምስቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘሎ ምሕዝነት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን፡ ሰለስቲአን ጐረባብቲ ሃገራት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክልል ኣየረ ምብራር ከይከልአኦ ስግኣት ኣሎ።

Page 3 of 146