ኤርትራ ሃገርነት ፍልስጤም ካብ ዘይፈለጣ፡ 2 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኮይና
2025-09-25 07:04:59 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 359 timesኣብ ምዕራብ ለንደን፡ ኤምባሲ ፍልስጤም ብ22 መስከረም 2025 ባንዴራ እናተሰቕለት
ኤርትራ ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ካብ ዘይሃባ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃናን፡ መሰነይተኣ ከኣ ካሜሩን ከም ዝኾነትን ካብ ኒው ዮርክ ብዛዕባ መበል 80 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ሓቢሩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ልኡላውነት ኤርትራ ኣዛራቢ ኣጀንዳ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ጉዳይ ፍልስጤም ስለምንታይ ስቕታ ከም ዝመረጾ ዝተፈልጠ የለን።
ከም ጸብጻብ ወርሒ መስከረም 2025፡ ካብ 193 ናይቲ ውድብ ኣባል ሃገራት፡ 157 ሃገራት ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ዝሃባን እዚ ብሚእታዊት 80% ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ከም ዝውክልን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ።
ካብተን ኣብ መድረኽ መበል 80 ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣትሪረን ሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት፡ ፈረንሳ፡ ሉክዘምበር፡ ማልታ፡ ሞናኮ፡ ኣንዶራ፡ በልጅም፡ ካናዳ፡ ኣወስትራሊያ፡ ፖርቱጋል ከምኡ’ውን ዓባይ ብሪጣንያ ይርከበአን። ካብተን ብኣንጻሩ ኣትሪረን ዝተቃወማ ከኣ፡ ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ ፍልጤም ክዝረብ እንከሎ ወንበረን ጥራዩ ዝገደፋ እስራኤልን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ይርከበአን።
ፍልስጤም ነዚ ኣፍልጦ ትረክብ ዘላ፡ እስራኤል ኣብ ፍልጤም ናይ ምስፍሕፋሕ ተግባራ ቀጺላ፡ ዌስት ባንክ ንምሓዝን ኣብ ጋዛ ህልቂት ንምፍጻምን ትንቀሳቐስ ኣብ ዘላትሉ እዩ። ናይ ሃገራት ኣፍልጦ ምሃብ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ኣብነት ዓባይ ብሪጣንያ ደገፍ ካብቲ “ባልፎር ደክሌረሽን” ዝወጸሉ ጀሚርካ፡ ናይ 100 ዓመታት ዕድመ ከምዘለዎ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ።
እዚ ካብ 193 ሃገራት ንቫቲካን ወሲኽካ ናይ 157 ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ምርካብ፡ ፍልስጤም ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዝህልዋ ቦታ ዘሕይል ኮይኑ፡ ሓለፍቲ እስራኤል ብሰንክ’ቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ጐበጣን ጭካነን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተቲ ኣብ ምግባሮምን ሃገራት ምዕራብ “ህላወ ክልተ ሃገራት” ዝብል መፍትሒ ንክትግበር ዘተባበዕ ምዃኑን እውን ኣብቲ ዜና ብሰፊሑ ተገሊጹ።
ማርቲን ግሪፊትዝ ዝተባህለ፡ ዳኢረክተር ዓለምለኸ ጉጅለ መንጎኝነት፡ ብዛዕባ’ቲ ንፍልስጤም ዝወሃብ ዘሎ ኣፍልጦ፡ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ናይ ሃገራት ኣፍልጦ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነቲ ምዕባለ ናይቲ ኣገዳሲ ዛዕባ መእተዊ እምበር፡ መፈጸምታ ከምዘይኮነ ጠቒሱ፡ ከም ዓባይ ብሪታንያ ንዝኣመሰላ ተሰማዕነት ዘለወን ሃገራት ጻዕረን ብመንገዲ ዓለምለኻዊ ፍትሓዊ ቤት ፍርዲ ኣቢለን ከይተረፈ ጻዕረን ንክቕጽላ ጸዊዑ። ፍልስጤም ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 2012 ጀሚራ ብዘይኣባልነት ተዓዛቢት ኮይና ዝጸንሐት እያ።