ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ቅዱስ ጾም ሮሞዳን ጸሎትን ጸኒሖም ናብ መበል 1447 ዒድ ኣልፍጥር ዝበጽሑ ኣመንቲ ምስልምና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንኣማንቲ ምስልምና ኤርትራውያንን ጐረባብትና ሃገራትን “እንቋዕ ናብ ጾመ-ሮመዳን ተዛዚሙ ናብ ዒድ ኣልፈጥር ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” እንዳበልና፥ ዒድ ኣልፈጥር ናይ ሰላም፡ ሓጐስን ሕውነትን በዓል ክዀነልኩም ከኣ ዘሎና ልባዊ ትምኒት ክንገልጽ ንፈቱ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዓለምና ከምኡ እውን ኣብ ዞባና ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ስግኣት ተቐንጢጡ፡ ህዝብታት ዓለም ተሓጋጊዞምን ተሓባቢሮምን ሰላም፡ ፍትሕን ቁጠባዊ ዕቤት ዝወሓሰሉ፥ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝዕቀበሉ መጻኢ ክኾነልና፡ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋና ልዑል ምዃኑ ደጊምና ንገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
መጋቢት 2026
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና እንኳዕ ናይ ወርሓት ክረምቲ ክብደትን ተጽዕኖን ሓሊፉ ሸዊት ናብ ዝብለዓሉ ብርሃነ-መስቀል ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና ንብል።
መጻኢና በቲ ሓደ ወገን ሓረስታ ኤርትራ ብሰላም ዘራእቱ ዝእምርረሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝባና ተጻዒኑ ዘሎ በደላት ህግደፍ ብቃልሲ ተሳዒሩ ዘተኣማምን ብርሃንን ሰላምን ዝሰፍነሉ መጻኢ ክኾነልና ብስም ኩሎም ኣባላት ሰዲህኤ ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።
ምስ ኣኽብሮት
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
26 መስከረም 2024
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ፡ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ምስልምና እንኳዕ ናብ መበል 1499 በዓል መውልድ ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና ንብል። መጻኢና ፍትሓውን ማዕርነታውን ቃልስና ኣዕዊትና፡ ኩሉ መሰላትና ተዋሒሱ፡ ዝተረሓሓቐ ህዝብና ተቐራሪቡ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ርግኣትን እነረጋግጸሉ ክኾነልና ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልጽ።
ምስ ኣኽብሮት
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
እንፈትዎን እነኽብሮን ሓውና ተቓላሳይ ኣለም ኣሰፋው (ዕምባባ) ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሕክምና ብምምልላስን ኣብ መንበሪ ገዝኡን ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 12 ሓምለ 2023 ለይቲ ኣብ መንበሪ ቤቱ ከተማ ፍራንክፎርት ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ ምህላዉ ክንገልጽ ከለና መሪር ሓዘን ይስማዓና።
ዕምባባ፡ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ንህዝቡን ሃገሩን ዘበርከተ፡ ተባዕን፡ ውፉይን ተቓላሳይን ወናም ሙዚቀኛን እዩ ነይሩ።
ንፍትሓትን ስርዓት ቀብርን ዝምልከት ሓበሬታ ብውዱእ ንዕለትን ቦታን ብዝምልከት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ምስ ረኸብና ከነስዕብ ኢና።
ፈተውቱን መቓልስቱን።
14.07.2023
ኣቶ ተስፋይ ገብረወልድ፡ ሓዉ ንብጻይና ባርያጋብር ገብረወልድ፡ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ5 ማዝያ 2021 ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም። ብዕረፍቲ ኣቦናን ሓውናን ኣቶ ተስፋይ ከቢድ ሓዘን ተሰሚዑና።
መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሞት ኣቦና ተስፋይ ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለጹ፡ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፡ ንቤተ-ሰቦም ከኣ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ጽንዓትን ጽሮትን ይሃብኩም ራሕሲ ከኣ ይገፍልኩም ንብሉ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
14 ማዝያ 2021