ኣቶ ተስፋይ ገብረወልድ፡ ሓዉ ንብጻይና ባርያጋብር ገብረወልድ፡ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ5 ማዝያ 2021 ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም። ብዕረፍቲ ኣቦናን ሓውናን ኣቶ ተስፋይ ከቢድ ሓዘን ተሰሚዑና።
መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሞት ኣቦና ተስፋይ ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለጹ፡ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፡ ንቤተ-ሰቦም ከኣ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ጽንዓትን ጽሮትን ይሃብኩም ራሕሲ ከኣ ይገፍልኩም ንብሉ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
14 ማዝያ 2021
ብዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መሪር ሓዘን ከም ዝተሰምዖም ይገልጹ።
ውፉይ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሰን፡ ምስ ብጾቱ ዓበይቲ ሰውራዊ ቅያታት ዝሰርሐን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ምልካዊ ስርዓት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙ ግዳይ ግፍዓዊ ተግባራቱ ኣብ ዝገበሮ ከኣ፡ ኣንጻር ምልኪ ወጊኑ፡ ንፍትሕን ንሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ከይተሓለለ ዝተቓለሰ እዩ።
ክቡር ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናነበረ እንከሎ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብ እዛ ዓለም ብመስዋእቲ ብምፍላዩ ምዕራፉ፡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ብሩህ እዩ።
ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምስ’ቲ ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ዝተሰምዖም ከቢድ ክሳራ እንዳገለጹ፡ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ። ንስዉእ ኣምባሳደር መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራቤቱ፣ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ንመላእ ደምበ ተቓውሞን ከኣ ጽንዓት ይሃብ።
ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ምስጋና ንንኡስ ወድናን ሓውናን ቢንያም ተስፋይ
ወፈያ ካብ መንእሰይ ተጋዳላይ ንውጉኣት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከሰላ
ኣብ ቀረባ እዋን ተሓቲማ ዝወጸት መጽሓፍ ብጅግና ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽልዝጊ: ተመኩሮ ሂወተይ ኣብ ህዝባዊት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘርአስታ፡ ኣብ ኢድ ወድና ቢንያም ተስፋይ በጽሐት። ኣንበባ ድማ። ኣቀራርባ አታ መጽሓፍ ቀጥታዊ ምስክርነት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ንነጻነትን ሓርነትን ህዝብና ዘተኮረት ኮይና ጅግንነትን ተበጃውነትን ኤርትራውያን ተዋጋአትን ህዝብን ኣጉሊሓ ስለ እተርኢ፡ ብዝነበረ ብጻይነት ትምስጥ፡ ብቅያታቶም ተሐጉስን ተኹርዕን፡ ብዘጋንፍ ዝነበረ ሽግራት እተስተንትን፡ ብዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ትረኻ ድማ ተሕዝን ተጉሂ።
ቢንያም ተስፋይ ብዙሕ ካብዚ ትረኻ ተመኩሮ ጅግና ተስፋይ መሲጥዎን ሓዲሽ ኣጠማምታ ታሪኽና ከፊቱሉ ክኸውን ከምዝኽእል ብዙሕ ጥርጥር የብሉን። ነዞም ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበርና ዝዓበየ ጸጋ፡ ቢንያም ምስ ስውኣትናን ውጉኣት ሓርነትናን ተመኩሮናን እትኣስር ሰንሰለት ረኺቡ ምስ ኣታ ንሱ ዝሰርሓ ዘሎ ታሪኽ ምልጋቡ ኢዩ። ንኣብ መደበር ከሰላ ዘለው ውጉኣትና ሓሙሽተ ሚእቲ ዶላር ኣመሪካ ብምውፋይን ዓመታዊ ወፈያ ብምምብጻዕን ድማ ነዛ ሓዳስ መላግቦ ዛዘማ።
ክብረት ይሃብካ መንእሰይ ቢንያም ምስ ብዙሕ ምስጋና።
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን፡ ምእንቲ ነጻነት ሃገሮምን ሓርነት ህዝቦምን ዝተቓለሱን ዝሰንከሉን ኣሕዋትና ክሳብ ሕጂ ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላ ዝእለዩ ዝነበሩን ዘለዉን ዓቕምኹም ዘፍቅዶ ክትሕግዙ፡ ወይ ድማ ዓመታዊ ውጽኢት ክትመባጽዑ ብትሕትና ንሓትት።
ንዝኾነ ሓበረታ ኣብዚ ዝስዕብ ስልኪ ደውሉ
ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን - ሰሜን ኣመሪካ