እንኳዕ ናብ ብርሃነ-መስቀል ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና!

2024-09-26 18:29:26 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ Published in Community Center Read 1054 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና እንኳዕ ናይ ወርሓት ክረምቲ  ክብደትን ተጽዕኖን ሓሊፉ   ሸዊት ናብ ዝብለዓሉ ብርሃነ-መስቀል ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና ንብል።

መጻኢና በቲ ሓደ ወገን  ሓረስታ ኤርትራ ብሰላም ዘራእቱ ዝእምርረሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝባና ተጻዒኑ ዘሎ በደላት ህግደፍ ብቃልሲ ተሳዒሩ  ዘተኣማምን ብርሃንን ሰላምን ዝሰፍነሉ መጻኢ ክኾነልና ብስም ኩሎም ኣባላት ሰዲህኤ ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

ምስ ኣኽብሮት

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

26 መስከረም 2024


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Thursday, 26 September 2024 20:32