ኣብ መንጎ ኣቢይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝነበረ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና፡ ድሕሪ ምኽታም ውዑል ፕሪቶርያ በርዒኑ። ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝብል ኣዛራቢ ኣጀንዳ’ውን ኣኸቲሉ። እቲ ኩነታት ዘሻቐሎ ሓይሊ ዕማም፡  ኤርትራውያን ምሁራት ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ልኡላውነት ኤርትራን ሕቶ ተጠቃምነት ባሕሪ ኢትዮጵያን” ብዝብል ኣብ ዘዳለዉዎ መጽናዕታዊ ሰነድ፡ ነቲ ብ1982 ብብዙሓት ሃገራት ተኸቲሙ ብ1994 ድማ ክትግበር ዝጀመረ ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ብዝምልከት ኣገዳሲ ነጥቢ ምስፋሩ፡ ኣዝዩ ዕዙዝ ይገብሮ።

ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ፡ ሰፊሕ ዝርዝርን ኣማኢት ዓንቀጻትን ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዛመድ፡ ካብ 124 ክሳብ 132 ዓንቀጻት ሰፊሩ ዘሎ እዩ። ካብኡ ብዝያዳ ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኮና፡ መተሓላለፍቲ ከፍቅዳ ዝሕተታ ወነንቲ ባሕሪ ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ዓንቀጽ 125  ሕጊ ባሕሪ ብንጹር ሰፊሩ ይርከብ። 

ቅድሚ ዓንቀጽ 125፡ ኣብ ዓንቀጽ 124 ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ነጺረን ይርከባ። ንሳተን ድማ  “ንተጠቃምነት ምትሕልላፍ እትሓትት ሃገር” ማለት፡  ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት፡ ካብታ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ዋና ባሕሪ መተሓላለፊ ክትረክብ  እትሕተት እያ። ኣፍደገ ባሕሪ እትውንን ሃገር ድማ፡ ኣብ ማእከል ኮይና፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘየብላ ሃገርን ምስ ኣገልግሎት ባሕርን እተራኽብ ድንድል ምዃና ምንጻር ኣገዳሲ  እዩ።  

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ እትድልዮ ዘላ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድዩ ወይ መተሓላለፊ መስመር?”፡ ዝብል ሕቶ፡ ካብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓሊፉ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘዛርብ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ።  መልሲ ኢትዮጵያ ነዚ ሕቶ’ዚ ንዝተወሰነ ግዜ’ኳ ኣታውን ወጻእን ዝመስል እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፡ እናሰማዕካ ከምዘይሰማዕካ መሲልካ ናይ ምቕራብ ድሌት እንተዘይሃልዩ፡ “ድሌትና ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ እዩ” ብዝብል ዓይኑ ኣፍጢጡ ተነጺሩ’ሎ።

ሕቶ ኢትዮጵያ ብታሕቲ ታሕቲ ዘይኮነ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኻት ከይተረፈ ብላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን መንግስታዊ  ማዕከናት ዜናን ኢትዮጵያ ዝጋማዳሕ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ሓደ ዘየዳድን ብዙሓት ዝረዳድእሉን፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝሕተት ዘሎምውናን ኣፍደገ ባሕሪ”፡  ሕጋዊ ኮነ ርትዓዊ  ተቐባልነት ስለ ዘየብሉ   ዝተዓጽወ መዝገብ እዩ።

ይኹን እምበር፡“ተጠቅማነት ኣፍደገ ባሕሪ ንመተሓላለፊ፡ ምልዓሉ ግቡእ ምዃኑ ዝእመነሉን፡  ብመንጽር ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ምርኣዩን ኣድላይ ይኸውን።  ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ’ኳ እንተዘየብላ፡ ንኤርትራ ወሲኽካ፡ ምስ 4 ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት እትዳወብ ስለ ዝኾነት፡ ሰፊሕ ምርጫታት ኣለዋ። ናብ ኩለን እተቕርቦ ሕቶ ተጠቃምነት ኣፍድገ ባሕሪ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ክብደት ዘለዎ እዩ። 

ዓንቀጽ 125 ናይቲ ሕጊ ባሕሪ እምበኣር፡  ሰለስተ ነናተን ረዚን መልእኽቲ ዘለወን ኣገደስቲ  ንኡሳን ዓንቀጻት ኣለወኣ። በዚ መሰረት፡

ንኡስ ዓንቀጽ 1፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት፡ ብመንጽ’ቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ሰፊሩ ዘሎ፡  መተሓላለፊ ንምርካብ ናይ ምሕታት መሰል ኣለወን። በዚ ድማ ኣብ መስርሕ ምትሕልላፍ ሰብ ኮነ ንብረት ብዝኾነ ዓይነት መጐዓዝያ ብመሬት ናይታ መተሓላለፊ  እትፈቅድ ሃገር ክጥቀማ ይኽእላ።

ንኡስ ዓንቀጽ 2: መስርሕ ኣተገባብራ መሰል ምትሕላልፍ፡ ኣብ መንጎ ወናኒት ባሕርን ሓታቲት መተሓላለፊ ኣፍደገን፡ ብመንጽር ንኡስ ዞባውን ዞባውን ሕጊ ባሕሪ፡ ብመንፈስ ክልተኣዊ ተጠቃምነት ብልዝብን ብስምምዕ ጥራይ እዩ ዝትግበር።

ንኡስ ዓንቀጽ 3፡ መተሓላለፊት (ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ) ዝኾነት ሃገር፡ ምሉእ ግዝኣታዊ ልኡላውነታ ዓቂባ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ንምትሕልላፍ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ዝኾነ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ምሉእ መሰል ኣለዋ። ኣብዚ እታ መተሓላለፊ እትሓትት (ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ) ሃገር፡ ብዝኾነ ኣገባብ ከተዕንቅፍ እትኽእለሉ  መንገዲ የብላን።”  ይብል

 ኣብ ኣተገባብራ ሰለስቲኡ ንኡሳን ዓንቀጻት ዓንቀጽ 125፡ ብሓንሳብ ዝትግበር እምበር፡ ሓደ ንበይኑ ቆንጪልካ ዝውሰዱ ኣይኮኑን። ሓደ ንኡስ ዓንቀጽ ቆንጪልካ ምውሳድ ሸፈጥ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታ ዝወስድ እዩ። ገለገለ ኢትዮጵያውያን ንንኡስ ዓንቀጽ 1 ጥራይ ንበይና ነጺሎም ብምውሳድ፡ “ብኸመይ?፡ ኣበይ”፡ መዓስ?” ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ከይመለሱ፡ “ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለወን።” እትበል ሓረግ ጥራሕ ብምቅላሕ፡ ግጉይ ተረድኦ ከም ዝዝርግሑ ንዕዘብ ኣለና። ካብ ንኡስ  ዓንቀጽ 2፡ “ብመንፈስ ክልተኣዊ ተጠቃምነት ብልዝብን ብስምምዕን ጥራይ እዩ ዝትግበር” ትብልን፡  ኣብ ንኡስ ዓክቀጽ 3 ሰፊራ ዘላ፡ “ኣብ መስርሕ እቲ ንምትሕልላፍ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ “ወናኒት ባሕሪ ዝኾነ ሃገር ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ምሉእ መሰል ኣለዋ።”  ንዝብላ ግና ከም ቁርን ኣስሓይታን ስለ ዝፈርሕወን ክጠቕስወን ኣይደፍሩን።

እቲ ብልዝብ ዝብጻሕ ናይ ኣጠቓቕማ ስምምዕ፡ መሰረተ-ሓሳቡ ብዓለም-ለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ዝግዛእ ኮይኑ፡ ከከም ኩነታትን ድሌትን ናይቶም ዝሰማምዑ መንግስታት ከፈላለ ይኽእል። ንኣብነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ስምምዕ፡ ካብቲ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያን ሱዳንን ክትገብሮ እትኽእል ክፍለ ይኽእል።  ናይ ግዜ ገደብ’ኳ ከም ኣብነት እተወሰድና፡ ገሊአን ሃገራት ናይ 10 ዓመታት ስምምዕ ክኽትማ እንከለዋ፡ ካለኦት ከኣ ነቲ ስምምዕ ናይ ዕስራ-ሰላሳ ዓመታት ክገብረኦ ይኽእላ።

ገሊኡ ስምምዕ መተሓለፊ ባሕሪ እትሓትት ሃገር፡ ካብቲ ዘራኽበን ዶብ ናብ ወደብ ከምዘይትጽጋዕ ክገብረኦ ይኽእላ። ናይ ገሊአን ድማ ክሳብ ናብ ወደብ ኣቲኻ ምጽዓንን ምርጋፍን ዘኽእል ስምምዕ ክኸውን ይኽእል። ክልቲአን ተወዓዓልቲ ሃገራት ተሰማሚዐን፡ ኣብቲ ወደብን ከባቢኡን ናይ ሓባር ወፍሪ ከካይዳ ይኽእላ፡ ኣብ ገሊኡ ስምምዕ ከኣ እዚ ተቐባልነት ዘይክህልዎ ይኽእል። እታ መተሓላለፊት ሃገር ነታ ተጠቃሚት ኣብቲ ወደብ ከም መስርሒ ማኻዚኖታት ዝኣመሰለ መሬት ክትፈቕደላ ትኽእል ወይ ኣይትፈቅድን። ጉዳይ ምቑጻር ሰራሕተኛታት ኣብቲ ወደብ ከኣ ካልእ ኣብቲ ዝርዝር ስምምዕ ዘዛርብ’ዩ።

ከም’ቲ ብዙሓት ዝምስክርዎ፡ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩለ-መዳያዊ  ዝምድና፡ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤትን ዝኣመሰሉን፡ ከም መፈራርሒ ንምውናን ኣፍደገ ባሕርን ንምድኳን መደበር ሓይሊ ባሕርን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝግበር ልዝብ ጽልዋ ከም ዘሕድሩ ምግባሮም ይከኣል። እቲ መስርሕን ዝብጻሕ ስምምዕን  ኣድማዒ ንክኸውን ከኣ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ኣገዳሲ’ዩ።

 

ዓሰርተ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሕቡእ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ  ክሰግሩ ክብሉ ብ10 ነሃሰ 2025 ኣብ ሓንቲ መዝሓሊት  (refrigerated) ናይ ጽዕነት መኪና ከም ዝተታሕዙ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ (AFP) ኣፍሊጣ። ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝምልከቶም  ከባብያዊ ሓለፍቲ ከም ዝገለጽዎ፡ እዞምባብ ፈረንሳ ናይ ምንባር ተስፋ ዝቖረጹን ብዓቕሊ ጽበት ዘይውሑስ ምርጫ ዝወሰዱን ኤርትራውያን ብሰንኪ ክቱር ዛሕሊ ኣብ ስቓይ ወዲቖም ከም ዝተረኽቡ ኣብፍሊጦም።

እዞም ኣደታትት፡ ህጻናትን  ትሕቲ ዕድመን  ዝርከቦም ኤርትራውያን ኣሕምልቲ ኣብ ዝጸዓነት መኪና ምንባሮም ዝተፈልጠ፡ እቲ መራሒኣ ድምጾም ምስ ሰመዐ ምዃኑ፡ ኣብብቲ ናይ ኤኤፍፒ ዜና ተጠቒሱ። ሓደ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶ ክርስቲያን ቨድለጎ ዝተባህለ እንግሊዛዊ፡ እቶም ኤርትራውያን ብሰንክ’ቲ ዛሕሊ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት በጺሖም ከም ዝነበሩ ምስክርነቱ ሂቡ።

ካብቶም ግዳያት ኣርባዕተ ሽዑንሽዑ ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ሓደ ሰብኣዊ ማሕበራዊ ተረኪቦም። እቲ ዛዕባ ዝምልከቶ ሓላፊ ብወገኑ ከም ዝበሎ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ መሬት ፈረንሳ ክወጹ ከም ዝደልዩ ገልጹ፡ ናይታ ብሕቡእ ዝተሳፈሩላ ዓባይ መኪናመራሒ  ከምዘይተኸሰሰ ድማ ተሓቢሩ። በቲ ዜና መሰረት ዋላ’ኳ ኣብ ወደብን ናይ ትሕቲ መሬት መራኸብታትን ጽኑዕ ጸጥታዊ ምክትታል እንተተግብረ፡ እቲ ብዓበይቲ መካይን ኮነ ብኻልእ ኣገባብ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ  ክዕገት ኣይተኻእለን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ደሓር ከኣ ናብ ሳዑዲ ዓረብያ ብጀላቡ ንምእታው፡ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣብ ባሕሪ ብምጥሓሎም ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም መንእሰያት  ከም ዝሃለቑ  ቢቢሲ ሓቢራ።

“ህዝቢ ባሕሪ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ፡ ኩሉ ዓቕምታት ሕብረተሰብ ካብኡ ዝቕዳሕ ምዃኑ ንምርኣይ ዝጥቀስ እዩ። ንሓደ ዘይትድግፎ  ሓይሊ ካብ ገጽ ምድሪ ንምድምሳሱ፡ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ኣንጻፍ” ዝብል ኣበሃህላ፡ውን፡ ዘይትካእ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ንህልውናን ቀጻልነትን ንምርግጋጽ ዝጥቀስ’ዩ። እቲ ምእንቲ ሓርነትን መሰረታዊ መሰላትን ዝግበር ናይ ቃልሲ ውዳበታት ከኣ፡ ፈልፋሊ ዓይኒ ማዩ ካብ ህዝቢ ወጻኢ ኣይኮነን። “ሃገር ብኸመይን ብመንን ትመራሕ?’ ክበሃል እንከሎ’ውን፡ እቲ ሕገመንግስቲ ዘጽድቕን በእኡ መሰረት ይኾነኒ ዝብሎ መሪሕነት ዘደይብን፡  እምነት ክስእነሉ እንከሎ ከኣ ዘውርድን  ህዝቢ እዩ።

ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራውያን ተወዲብና ንመሰረታዊ ለውጢ ንቃለሰሉ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት፡ እጃም ዝተወደቡ ሓይልታት ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እቲ መተካእታ ዘየብሉ ወሳኒ ብጽሒት ግና ናይ ህዝቢ እዩ። ኩሉ ሰብኣዊ ዓቕሚ ናይቲ ውዳበታት ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ዝምንጩ ምዃኑ ስፍሓት ብጽሒት ህዝቢ ዘረድ’ዩእ። እዚ ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝተኻየደ ዝተናውሐ መሪር ቃልሲ’ውን፡ ብምስናቕ፡ ብምዕጣቕን ወሳኒ ሓበሬታ ብምልጋስን ዝግለጽ ህዝባዊ ኣበርክቶ ክሳብ ክንደይ ናይቲ ዓወት ወሳኒ ከም ዝነበረ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ’ዩ። 

ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኮነ፡ ናይ ምምሕዳር ጉዕዞ፡ ንብጽሒት ህዝቢ ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብን ዘይምሃብን ናይ ሓደ ውዳበ ባህሪ መምዘኒ እዩ። ገለ ውዳበታት ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘኽብሩ ንምምሳል፡ ናይ “ቃለ ዓለም “ ጭረሖታት እናቃልሑን ዘይትግበር መብጻዓታት እናኣተዉን፡ ብግብሪ ግን ንገዛእ ርእሶም ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝቢ ክጸዓኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ምስ ህዝቢ ክራኸበሉ ዝግበኦ ዝነበረ  ሕገመንግስታዊ ሰነድ ቀዲዱ ክዕንድር ዝጸንሐን ዘሎን ህግደፍ ናይዚ ዓመጸኛን ዘየናሕስን ኣካይዳ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ “ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ተቓሊሱ እዩ ነጻነት ሃገር ኣውሒሱ” ዝብል ጸቢብነት ዘቃልሑ’ውን ኣይተሳእኑን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብኣንጻር’ቲ ዓምጣሪ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ምልካዊ ስርዓትን ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና፡ ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን” ክብል “ራኢ” ኣብ   ዝብል ዓንቀጽ፡ “ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ዓንቀጽ፡  ኣስፊሩ’ሎ። ኣብ ዓንቀጽ 2 ቁጽሪ 2 ንኣገዳንስነት ውደባ ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ድማ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ንምልኪ ስዒሩ፡ ንኤርትራ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘሰጋግር ሓይልን ብቕዓት ስለ ዘለዎን፡ እቲ ሳዕሪሩ ዘሎ ጽኑዕ ቊጽጽር ምልኪ፡ ንግዚኡ እምበር፡  ንሓዋሩ ካብ ድልየቱ ክዓግቶ ከም ዘይክእል እምነት ሰልፍና  እዩ።”  ብዝብል ኣስፊሩ’ሎ ።

ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ብመንጽርቲ ህግደፍ ንዓመታት ዝተኸተሎ ዘይኣሳታፊ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተወዲቡ ዘሎ ሓይልታት’ውን ምድህሳሱ  ኣገዳሲ እዩ። ዝኽተልዎ ኣገባብ ቃልሲ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዲክታተር ኣወጊድካ ለውጢ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ብጽሒት ህዝቢ ኤርትራ ዘይስገር እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ ብመትከል ዝቕበሉ  ውዳበታት ኣለዉ። እቲ  “ወሳኒ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘሎ ህዝቢ ዝረጋገጽ እዩ”  ኣብ ዝብል’ውን ይኣምኑ። እዚ ኣበሃህላ ንወሳኒ እጃም  ህዝቢ ኣጉሊህካን ኣበሪኽካን ንምቕራቡ ዝጠመተ ርትዓዊ ኣቀራርባ’ዩ።

 ብኣንጻሩ ብዙሓት ዘይቅቡላት ምስምሳት ብምዝርዛር ንግደ ህዝቢ ኣብቲ ወሳኒ ቦታኡ ዘይምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሎም ደገደገ ምምዕዳው ጥራይ ዝመርጹ’ዉን ኣለዉ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ንሓንሳብ፡ “ምስ መን ተመሓዚኻ ብዘየገድስ ህግደፍ ጥራይ ይወገድ” ወይ ከኣ “ንግደ ህዝቢ ዝምልከት ድሕሪ ለውጢ ነርክበሉ”  ዝብሉን ዝኣመሰሉን ምስምሳት ክዝርዝሩ ዝስምዑ። ግደ ሓቂ ግና ነቲ ቀንድ በዓል ዋኒን ዝኾነ ህዝቢ ኣጓኒኻዮ ብምሕላፍ “ምስ መን ብዘየገድስ ተመሓዚኻ ነቲ ጸረ ህዝቢ  ምውጋድ ጥራይ”እኹል’ዩ” ምባል፡ ኣርሒቑ ዘይርኢ ኣዝዩ ኣጸጋምን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትልን እዩ። እዚ ምስቲ እትዛመዶ ዘለካ ርክብ ግሉጽን ትካላውን ቀጥዒ ኣብ ዘየብሉ ክኸውን እንከሎ፡  ሳዕቤኑ ዝያዳ ሓደገኛ ምዃኑ ብፍላይ ካብ ኤርትራዊ ውዳበታት ስዉር ኣይኮነን። እቲ ብግጉይ መንገዲ ዝመጽእ ለውጢ፡ ነቲ መምጽኢኡ ከም ዝመስል’ውን ከሎ ጋና ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ።

ምናልባት እቲ ንግደ ህዝቢ ምንእኣስ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ክልውጥ እንተዝኽእል ደኣ ክሳብ ሎሚ ኣበይ  ጸኒሑ?” ካብ ዝብል ይነቅል ይኸውን። ኣብዚ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ምልኪ ዘካየዶ ቃልሲ ስለ ዘይተዓወተ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ኣይክልውጥን’ዩ፡ ኢልካ ምድምዳም ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ለውጢ ድምር ናይ ዝተናውሐ ቃልሲ ስለ ዝኾነ። ውጽኢቱ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ኣይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ’ውን ካብ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ዓዲ ኣይወዓለን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣጻብዕቶም ዘመልክቱ ውዳበታት፡ “ኣነኸ ክሳብ ክንደይ እየ ህዝቢ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንክኸውን ምስኡ  ክናበብ ጸኒሐ?” ኢሎም ክሓቱን  ክምልሱን ኣገዳሲ ብምዃኑ ከስተብህሉ ይግባእ።  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ዝተፈላለያ ናይ ለውጢ ውዳበታት ሓቢረን ዝቃለሉ ጽላል ንክፈጥራ፡ ናይ ወትሩ ምሕጽንትኡ እዩ። እተን ውድባት ከ ክሳብ ክንደይ እየን ነዚ ህዝባዊ መጸዋዕታ ተቐቢለን ዘተግብረኦ ከኣ ኩላትና እንፈልጦ ስለ ዝኾነ ዝርዝር ኣየድልዮን። ህዝቢ ክሳብ ክንድዚ ንጠለቡ ጸማም እዝኒ ክወሃቦ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሻቐልን ናይ ምቅላስ ፍናኑ ከም ዝህሰን  ምርዳእ ኣገዳሲ ይኸውን።

“እቲ መሰረታዊ ለውጢ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር  ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ” ንዝብሉ ወገናት፡ “ልኡማት ተቓወምቲ ህግደፍ” ብዝብል ክግለጹ ይስማዕ እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንወሳኒ ህዝባዊ እጃም ዘነኣእስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይቶም በሃልቲ ዝምድና ምስ ናታቶም ሃገራዊ ሕሳብን ረብሓን  ዘለዎም ናይ ግዳም ሓይልታት ተመሓዚኻ ለውጢ ምምጻእ’ዩ እቲ ቅኑዕ’ዩ  ካብ ምባል ዝነቅል እንተኾይኑ፡ ዋና ናይቲ ለውጢ ህዝቢ ኣይኮነን ናብ ዝብል ዝወስድ’ዩ።  ኣብዚ እቲ ዘይቅቡል፡ ኢድ ኣእታውነትን ንህዝቢ ስቕ በል “ባዕለይ ኣለኹልካ” ኢልካ ካብ ቃልሱ ምጉናይን እምበር፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ዝግበር ትካላውን ግሉጽን ምትሕግጋዝን ምምሕዛውን ንምጽራር ከምዘይኮነ ምስትውዓል ይግባእ።

Friday, 08 August 2025 21:45

Dimtsi Harnnet Kassel 07.08.2025

Written by

ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳንን ግብጻዊ መዘናኡን ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃቡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል ኢድሪስን ግብጻዊ መዘናኡ ሙስጠፋ ማድቡሊን ነቲ “በይናዊ” ዝበልዎ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል ከም ዝነጽግዎ ኣፍሊጦም። ኣብ ናይ 7 ነሃሰ 2025 ናይ ርክቦም እቲ ግብጻዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ከም ሓድሽ ዝምስረት ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ።

እዞም ላዕለዎት ሓላፍቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ነዚ ዝገለጹ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከም ቀዳማይ መገሽኡ ናብ ካይሮ ኣብ ዝኸደሉ እዩ። ኣብቲ ንፖሊሲ ኢትዮጵያ ዝነጸግሉ ርክቦም፡ ኢትዮጵያ እትወስዶም ስጉምትታት ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ስምምዕ 1959 ኣብ ጠቓቕማ ማይ ናይልን  ዝጻረር ብምዃኑ እዩ ምባሎም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ሱዳንን ግብጽን፡ ኣብቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ 1929ን 1959ን ስምምዓት ፍትሓዊ ስለ ዘይነበረ ዳግመ-ርኢቶ ንክግበር ዝጸወዓቶ ናይ ኡጋንዳ  (ኢንተበ) ኣኼባ “ኣንጻር ረብሓና እዩ” ብዝብል ኣይተሳተፋን። በቲ ናይ ቀደም ስምምዕ መሰረት ካብ ማይ ፈለግ ናይል፡ ግብጺ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ፡ ሱዳን ከኣ ናይ 18 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ  ቀዋሚ ብጽሒት ኣለና በሃልቲ እየን።

ናይ ግብጺ ቤተመንግስቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሱዳናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ’ውን ፍሉይ ርክብ ኣካይዱ እዩ። ኣብቲ ፍሉይ ርክብ ግብጺ ናይ ሱዳን ግዝኣታዊ ሓድነት ከም እትድግፍ ምግላጹን ሃገሩ ንህድኣት ሱዳን ብምሉእ ልቢ ከም ትሰርሕን ቃል ምእታዉ እውን ተጠቒሱ።

ኣብቲ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳያት፡ ወፍሪ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ሙያዊ ስልጠናን  ንክተሓባበራ ከም ዝተረዳድኡ’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዛዕባ ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ከም ዝተዘራረቡ ከኣ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ “ጉዳይ ፈለግ ኣባይን ኣፍደገ ማሕርን መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስኑ እዮም” ክብል ዝጸንሐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝሃነጾ ዓባይ ግድብ ህዳሰ፡  ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2025 ንምምራቕ ኣብ  ምሸባሸብ’ዩ ዝርከብ።

ክቡር ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት

ክቡር ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት

ክብርቲ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቀንስትዮን ኣቕራቢት መድረኽን

ክቡር ኣቶክብርኣብ ምስግና ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ፈስቲቫል

ክቡራንን ክቡራትን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን

ክቡር ኣቶ ጽሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2025

ክቡር ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤል ኣቕራቢ መድረኽ

ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማትና

ብስም ማእከላይ መሪሕነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም

እንቋዕ ናብዚ ፈስቲቫልዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና።

ብሰለስቲኡ ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ተሰናዲኡ ንካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል እዩ። ምስ ሕሉፍ ተመክሮታትና ኣዛሚድካ ክርኤ እንከሎ ሓድነቱ ሓልዩ ምቕጻሉ እወታዊ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝነብሩ ኣባላትን መሪሕነትን ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ተላልዮም ኣድማዒ ስራሕ ንምስልሳል ዘኽእሎም ስርርዓዊ ቅርጻ ለቢሶም ምህላዎም ክሕብር ባህ ይብለኒ።

ናይ ምጥርናፍና ዕላማ ንምልኪ ስዒርካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ብዓወት ክዛዘም እንተዀይኑ ድማ እቲ ንምልኪ ቀንዲ ኣቚሙ ዘሎ ራዕድን ንምልካዊ ኣካይዳ ከም ንቡር ናይ ምውሳድ ባህልን ከብቅዕ ኣለዎ። ህዝብና ራዕዲ ከይቐንጠጠ፤ ዓገብ ናይ ምባል ባህሉ ከይመለሰ ንነብሱ ሓራ ከውጽእ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ህዝብና ልዕልና ሕጊ ንምስፋን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል የዋጽኣኒ እዩ ዝብሎ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ማለት ዘይዓመጻዊ ይኹን ዓመጻዊ ክኽተል መሰሉ ምዃኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ይኣምን።

ካብዚ ብምንቃል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ክል'ቲ ብሓያሎይ ውድባት ተቐባልነት ዘለዎ እዉጅ 4 ሃገራዊ ሞቖምያታት ማለት፡

1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት

3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ

4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ

ሓደ ሰፊሕ ኣድማዒ ጽላል ንምቛም ጻዕርታቱ ቀጻሊ ክኸውን እዩ።

ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣበይ በጺሕኩም? ዝብል ሕቶ ክህሉ ይኽእል እዩ። ወርሒ 11 2023 "ኣብ ውሽጥና ሒቕታ ተረኺቡ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ቀጽሉ ንዕኡ ፈቲሕና ከነርክበኩም ኢና" ኢሎሙና። ክሳብ ሕጂ ድማ ገና ኣብ ትጽቢት ኣሎና። ተስፋ ንገብር ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ጉዳይ ተፈቲሑ ሓባራዊ ቃልሲ ሓባራዊ ጽላል ንምቛም ዕዮ ክጅምር ወይ ክቕጽል።

ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዕቱብ ዘተ ተኻዪዱ። ከምቲ ኣብ መልእኽቶም ዝሰማዕኩሞ ናብ ብራኸ እተሰጋገረ ኣብ ሓያሎይ ነጥብታት ስምምዓት ከም ዝፈጸምና ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ተፈላሊና ግን ርክብና ቀጻሊ ስለዝዀነ እቲ ብዕቱብ ናይ ምፍታሑ መንፈስ እውን ብዅሉ ሽነኻት ስለዘሎ ንዕኡ ንምፋሕ ንዕኡ ፈቲሕካ ሓደ ጽላል ናይ ምቛም ጻዕርታት ቀጻሊ ክኸውን እዩ።

ኣብዚ ዓመትዚ ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራዊ ዜናዊ ትካላትን ብሓባርን ብተናጸልን ጎስጓስ ኣክዪድና መዝነት ናይ ዶክ/ መሓመድ ዓብድሰላም ባብክር፥ እቲ ካብ መስከረም 2020 ክሳብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ኤርትራ ክከታተልን ጸብጻባት ከቕርብን ዝጸንሐ ከም ዝቕጽል ምግባርና እንቋዕ ሓጐሰና ንብል። ናይ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ጠለብ እቲ  መዝነት ከይናዋሕ እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ሰብኣዊ ግህሰታቱ ክስነድን ክዕቀብን ከሎ ንሕጂ ሕቶታት ከም ዘልዕለሉ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ  ዘኽስስን ዘፍርድን መርትዖ ኰይኑ ክቐርብ ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጥ እዩ። ደጊሙ ምልዓሉ ኣይክተርፎን እዩ'ሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ስራሓት ቀጻሊ ክኸውን ነተባብዕን ድሉውነትና ንገልጽን።

ኣብ ልዕሊ ካልእ እዋናዊ ጉዳያት ከምኒ ውግእን ጽምዶን ብደገፍ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ስርዓታዊ ለውጢ ምምጻእን ንስደተኛታት ዝምልከትን ዘሎና መርገጽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብልዝብ ክፍታሕ ከምዘለዎ ንርኢ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ንውግእ ተቛሪጹ ፍልልያቶም ብሰላም ክፈትሕዎ ከም ዝግባእ ንኣምን። እንተድኣ ውግእ ተላዒሉ ሳዕቤኑ ንምግማቱ ኣሸጋሪ እዩ ብድሕሪ ክልቲኦም እተሰለፉ ዞባውያን ሓይልታት ኣለዉ፡ ከረጋግጽዎ ዝደልዩዎ ሸቶታት ክህልዎም ድማ ርዱእ'ዩ። ንሳቶም ከኣ፡

  • ሓደ ደምበ፡ ኤርትራ፡ ብዶክ ደብረጽዮን ዝምራሕ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ውድባት ኣምሓራ፡ ግብጺ፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናይ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ስዑዲ ዓረብ።
  • እቲ ካልእ ደምበ ሰልፊ ብልጽግና፡ ምምሕዳር ኦሮሞ፡ ናይ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ RSF፡ ኢራን፡ ከምኡ’ውን ኢማራት ዓረብ

ጸለውቲ ሃገራት ከምኒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ዘለወን ዓቕሚ ተጠቒመን ውግእ ንኸይልዓል ተራአን ከበርክታ ክንጽውዕ ጸኒሕና። ውግእ ናይ ብሚልዮናት ዝቕጸሩ ስደተኛታት ዋሕዚ ከኸትለለን ስለዝኽእል ንረብሓኤን ክብላ ንደበና ውግእ ከብንናኦ ከነመልክት ጸኒሕና።

ጽምዶ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ገለ ክፋል ናይ ትግራይን ይካየድ ኣሎ እንዳተባህለ ዝንገረሉ ጽምዶ፥ ኣብ ትሕቲዚ ናይ ውግእ ሃዋህው ንውግእ እምበር ንሰላም ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እተደገፈ ኣይኮነን። ንጸጥታኡ ከም ሓደጋ'ዩ ዝርእዮ። ጥዕና ዘለዎ ጽምዶ ክፍጠር ዝክኣል ክልቲኡ ስርዓታት ልዑላውነት ሕድሕድ ኣኽቢሩ፡ ዶባት ብግቡእ ሓንጺጹ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ኣህዛብ ብግዲ ዘይኮነስ ብወለንታኦም ዝዋስኡሉ ሕጋዊ ኣገባባት ክሰርዑሎም እንከለዉ እዩ።

ሓሓሊፉ ገለ ኤርትራውያን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንምእላይ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዄንካ ምቅላስ ሓላል እዩ ክብሉ ይስምዑ። ዝዀነ ኣካል ምስ ዝደለዮ ኣካል ክማሓዞ መሰሉ እኳ እንተዀነ ነቲ በጃ ዝሓልፈሉ ህዝቢ ኣሕሊፉ ከይህቦ፥ እወ ነታ ቅዋማዊ ስርዓት ክተኽለላ ዝድሊ ሃገሩ ወይ ክፋላ ምእንቲ ከይስእን፡ እቶም ዝሕግዝዎ ብእዉጅ ኣገባብ ብልዑላውነት ኤርትራ ከም ዝኣምኑ ከረጋግጽ የድልዮ። ነየናይ ረብሓታት ንምዕቋብ ሓቢሮም ይቃለሱ ከም ዘለዉ ብንጹር ክሰፍርን ክእወጅን ይግባእ። ኣውራ ድማ እንተድኣ እቲ እትማሓዘዎ ዘሎኻ ሓይሊ መርገጻቱ ወግሐ-ጸብሐ ዝቐያይር ኰይኑ፥ ምስኡ እትኣትዎ ስምምዕ ብህዝብና ክእመን ዘለዎ ዕድል ኣዚዩ ታሕቲ ምዃኑ ምግንዛብ ጠቓሚ ከይኰነ ኣይተርፍን።

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ክመሃር፡ክሰርሕ፡ክወልድ ክዝምድ፡ ዘለዎ ዕድላት ኣዚዩ ጸቢብ ስለዝዀነ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ። ኣብ ስደቱ ድማ እዚ ዘይብሃል ግፍዕታት ይወርዶ ኣሎ። ፖሓኤ ስቅያቶም ንምቅላል ኣቤቱታ ኣብ ምጽሓፍን ግፍዕታቶም ኣብ ምስናድን ተዋፊሩ ይርከብ።

ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝባኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ባዕሉ እቲ መላኺ ከይተረፈ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ ናይ ዕለት 23 ሓምለ ቃለ መጠይቑ  ኣብ ኩሉ መዳይ ከምኒ ሕርሻ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣገልግሎት ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ ትምህርቲ ወዘተ. . .ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሕጽረታት ዘርዚሩ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ባህርያዊ ግብረመልሲ በል 34 ዓመታት ገዚእካ ልምዓት ኰነ መገዲ ልምዓት ከተትሕዝ ካብ ዘይክኣልካ፡ ውረደልና ሃገርና ባዕላትና ከነምሓድር ክብሃል እዩ ዝግባእ።

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።

ናይ መንእሰአያት ህዝባዊ ምልዕዓል፡ብርጌድ ንሓመዱ ንራዕድን ፍርሕን ቀንጢጡ ንገባቲ ስርዓት ምብድሁ ኣዚዩ ዝንኣድ'ዩ።  ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ዝጠቕሞ ነገራት ከነካፍሎ እንኽእሎ ነገራት ኣሎና። ተቐባል ሕድሪ እወ ተካኢ ወለዶ ብዕቱብ ተላዒሉ ምህላዉ ንፍናንና ክብ ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ እንዳገለጽና፥ ጸላኢ ኣትዩ ፋሕፋሕ ከየብሎም መስርዖም ክስጥሙን ብምክብባር ብምጽውዋር ብልዝብ ንፍልልያቶም ክፈትሑን ንጹር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ንክህልዎምን ንዝተኽልዎ ዓንዲ-ሕጊ ምእዙዛት ክዀኑን በዚ ኣጋጣሚዚ ንምዕዶም።

ኤርትራዊ ዜጋ ክፍጽሞ ዘለዎ ግዴታ ጥራሕ ኣይኰነን ዘለዎ መሰል እውን ኣለዎ። እወ ናይ ምምእማን፡ ምዝራብ፡ ምሕሳብ፡ ምጽሓፍ፡ ምምሃር፡ ምስራሕ፡ ምእካብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ፡ መራሕቱ ናይ ምምራጽን ምውራድን ወዘተ መስል ኣለዎ። ነዚ መሰላትዚ ህግደፍ ሓሪሙዎ ኣሎ ተቓሊሱ ክምንዝዖ ኣለዎ። ደረትን ዓስብን ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ከምቲ እተኣወጆ 18 ኣዋርሕ ክኸውን፥ ዓስቢ ድማ ክህልዎ ክቃለስ ይግባኦ። ናይ ሓደ ዜጋ መሰል ክግሃስ ከሎ ኣብ ክንዲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተዓዛቢ ምዃን ሎሚ ናብኡ ጽባሕ ናባይ ኢልካ ተቢዕካ ኣብ ጎድኑ ጠጠው ምባል'ዩ እቲ ቅኑዕ ስጉምቲ።

ኣብዚ ቅንያትዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ቁርኣን፥ ጊንዳዕ ኣማሓዳሪ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን መሳርሕቱ ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ንህዝቢ ኤርትራ ዘላደየ ስብኣዊ ግህሰት ኣጋጢሙዎም ኣሎ። ክልቲኦም ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ይንገር ኣሎ። እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ 'ዚ ንኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፥ መበቈል ዘርኡን ሃይማኖቱን ብዘየገድስ፥ ደጊም ትሩፍ ክሳብ ምዓስ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ሕጊ እንዳተገፍዐ ስቕ ኢልና ክንርኢ ንልዓል ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን እቶ ሽኔቲ ሓሰንን ካልኦት ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ይፈትሑ ኢሉ ክልዓል ካብዚ ኣዳራሽ ንጽውዕ!!

ኣብ መደምደምታ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።

ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን  ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!

ብሓድነት ንሓርነት!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

02 ነሓሰ 2025።

መልእኽቲ ኤልዲለ

ናብ ፖሓኤ ( ፈስቲቫል ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር )

ፍራንክፈርት ጀርመን

ብቀዳምነት ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሕውነታዊ ሰላምታና ንክሉ መሪህነትን ኣባላት ፖሎቲካዊ  ሓልታት ኤርትራ፡ መሪህነትን አባላት ኤርትራ ማሕበር አብ ጀርመን ንኩሉ ተጋባኢ ብሽም ኤርታራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራሳዊ ለውጢ ንቀርብ።

ብምቅጻል እዚ ሎሚ ትገብርዎ ዘሎኩም ፈስቲቫልን ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር ከም ትማሊ ሎምውን ዕውት ከምዝከውን ባዕል ሙልእ ተስፋ ኢና።

ዝከበርኩም ፖሓኤን ተጋባአቲ ከምንፈልጦ  ሰርዓት ሕግደፍ አብ ፍልልያት ተቃለስቲ እዩ ዝነብር፡ ነዚ ጮቃኒ ስርዓት ንምእላይ እንቲ እንኮ ምርጫ ሐድነት ተቃለስትን ሕዝብን ምፍጣር እዩ። ከም ተቃለስቲ  ፍታሕን አካል  ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ብዙሕ ዘተሓለለ ጻዕሪ ዝተገብሮ አብ መንጎ ኤልዲለን ፖሓኤ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎ ሀገራዊ ሓይሊ ምፍጣር  አብ ዝላዓለ ብራኸ ብጽሑ ዘሎ አብ መፈጸምትኡ ንክበጽሕ ናይ ኩሉና ተቃለስቲ ሓልታት ኤርትራ ጻዓርን ውህደት ምፍጣር እዩ።

ብምቅጻል አብዚ እዋን እዚ ናይ ከባብና ጂኦ-ፖሎቲክስ አብ ሐደገኛ ተአፋፊ ኩነታት  አብ  ዝላዓለ ጠርዚ ብጽሑ አሎ፡ ክሉ ደላይ ፍትሒ ብፍላይ ክአ አብዝላዕለ ምትእክካብ ዘሎና ኤልዲል ፡ ባይቶ፡ ፖሓኤን ወዘተ ናይ ህዝቢ ሐላፍነት ተሸክምና ስለዘሎና ብሓባር ንክንምክቶ አብዚ ፈት ተጋባአቲ  ጻውዕትናናን ምሕጸንታትና ብሽም  ኤልዲለ ነቅርብ።

ኣብ መወዳእታ ኩሉ አባል ፖሓኤ ተጋባቲ ጽን እልኩም ንዝሰማዕኩምና ባአክብሮት ብሽም ኤልዲል ነመስግን። ብተውሳኪ እውን እዚ ፈስትቫልን ሀገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር ዕውት ንክከውን ደግምና ሰናይ ትሚኒታና ንገልጽ።

ውድቀት ንሕግደፍ

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

አብርሀም ተወልደ ተኪኤ

አባል ማእከላዊ መርሕነትን አፈኛ ኤልዲለ

ነሐሰ 2/2025

ካናዳ

Page 1 of 610