ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ወፈራ ዘካይዳ ዝነበራ፡ ኢትዮጵያውያን ዘመሓድርወን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ዝነበረን ኣሰላልፋ ጌጋ ምዃኑ ተረዲአን የቃልዐኦ ከም ዘለዋ ገሊጸን። “መሃል መድያ”  እትበሃል፡ ደሳለኝ ብዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ እትምራሕን “ሃሌታ ቁጽሪ-1” ዝተባህለ ብበላይ መንገሻ እትመሓደርን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ድሕሪ 2018 ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ዝነበራ  ኣብዚ እዋንዚ ርክበን ምስ ህግደፍ ኣቋሪጸን፡ ኣብ ጐኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰለፋ ብተደጋጋሚ ገሊጸን።

ኣመሓዳሪ “መሃል መድያ” ጋዜጠኛ ደሳለኝ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ከም መዓልቲ ናጽናትን ዝኣመሰሉን ናይ ኤርትራ ኣጋጣምታት ናብ ኣስመራ ከይዱ ንህግደፍ ዝድግፍ መደባት የዳሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ምኹኑይ ምዃኑ ኣምሲልካ ኣብ ምቕራብን፡ ህግደፍ ዝሓዞ ቀበለታት ትግራይ ናይ ኤርትራ ምዃኑን ኣብ ምምስካር ተጸሚዱ ከም ዝነበረ ባዕሉ ተናሲሑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመደ ሕቶ ባሕርን ወዳባት ኤርትራን ምስ ኣልዓለ ህግደፍ ንምሕጓስ  ደጋፊ ኤርትራ ከም ዝነበሩ ክልቲኦም ገሊጾም።

ኣማሓዳሪ ዩቱብ “ሓሌታው ሓደ” በላይ መንገሻ ብወገኑ “ኤርትራዊ ኢኻ” ክሳብ ዝበሃል፡ ብተደጋጋሚ ናብ ኣስመራ ይመላለስ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ካብ ኣስመራ ሓሊፉን ኣብ ባጽዕን ካለኦት ከተማታትን ኤርትራ ተጓዒዙ ንህግደፍ ዝድግፉ ጸብጻባት የቕርብ ከም ዝነበረን ምስ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ኤርትራ ቀጻሊ ዝምድና ከም ዝነበሮ ሓቢሩ። “ኤርትራ ብጽምዋ ዝተዋሕጠት ሃገር”እያ”  ዝበለ በላይ መንገሻ፡ ኣብ ኤትራ ዝኾነ ነገር ክትስእልኳ ፍሉይ ፈቓድ ምርካብ ከም ዘድሊ ዝጠቐሱ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ናይ ጸጥታ ኣካላቱን እምበር፡ ምስቲ ለጋስን ደላይ ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ  ጸገም ከምዘይነበሮ ኣፍሊጡ።

ኣባል ጉንበት-7 ዝነበረ ጋዜጠኛ በላይ መገሻ፡ ምስ ህግደፍ ዘበኣሶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፡ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ከባብታትን ናብ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ዝለኽ ገንዘብ ዘመሓላልፉ ኤርትራውያን ከቃልዕ እየ ስለ ዝበለ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ዝርከብ፡ ዮሃንስ 4ይ መዓርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም፡ ብምኽንያት ውግእ ዕንወት ኣጋጢምዎ ን4 ዓመታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ290 ሚልዮን ብር ተጸጊኑ 9 ሰነ 2024 ዳግማይ ስርሑ ጀሚሩ። ምኽፋት ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘነበረ ስነ ስርዓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣቶ መስፍን ጣሰው ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዘተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልልን ዞባን ትግራይ ተረኺቦም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ዝተኻየደ መስርሕ ጽገና ምድንጓዩ ጠቒሱ ኣብ መጻኢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድያቡ ጻዕሪ ንክገብር ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣክሱም ብዩኒስኮ ዝተመዝገበት ናይ በጻሕቲ መስሕብ ዘለዋ ከተማ ብምዃና ናይቲ መንገዲ ኣየር ምኽፋት ረብሓኡ ብዙሕ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣቶ መስፍን ጣሰው ብወገኑ ነቲ መዓርፎ ነፍርቲ ንምጽጋን ዝተኻየደ ጻዕሪ ዘርዚሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ ሚእቲ፡ ብደረጃ ኢትዮጵያ ድማ ልዕሊ ዕስራ መስመራት ከም ዘለዉዎ ሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 3 ግዜ በረራ ኣለዉዎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንገዲ ኣየር ትዮጵያ፡ ካብቲ  በረራኡ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዘቋርጽ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዘሕለፈ መንዲ ኣየር ኤርትራ ብርኪ ንምግዛእ ዝነበሮ መደብ ከም ዝሰረዘ ዝተፈላለያ መድያታት ሓቢረን።

Sunday, 09 June 2024 07:52

Dimtsi Harnnet Sweden 08.06.2024

Written by

ካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ ስእሊ መራሕቲ ኣፍሪቃ

ነቲ ኣብ ለካቲት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ምርጫ ኮሚሽነራት ዝምልከት ምድላው ከም ዝቐጸለን ሕጹያት ተወዳደርቲ ከም ዝተፈልጡን ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ቀጻሊ ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምክትሉ ከኣ ካብ ሰሜን  ስለ ዝኾነ፡ ንኣቦመንበርነት እቲ ኮሚሽን ዝቐርቡ ሕጹያት ተፈሊጦም ኣለዉ።

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡  ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ናይ ቅድም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ነበር ፎዚያ ዩሱፍ ኣደምን ምክትል ፕረሲደንት ሲሸልስ ነበር ቪንሲንት መሪቶንን ሕጹያት ኮይኖም ኣለዉ።

ብሕጊ ምርጫ ሕብረት ኣፍሪቃ መሰረት፡ ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክኸውን እንከሎ፡  ዝተረፋ ዞባታት ኣፍሪቃ ከኣ ናይቶም 6 ኮሚሽነራት ቦታ ክሕዛ እየን። ኣብዚ መጻኢ ናይ ለካቲት ምርጫ፡ መራሕተን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ስልጣን ስለ ዝሓዙን ካልእ ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ከይሳተፋ ዝተኣገዳ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ጋቦን፡ ኒጀር፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ጊኒን ኣይክሳተፋን እየን።

ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ን4 ዓመታት ዝምረጽ ኮይኑ ን2ይ  4ተ ዓመታት ክወዳደር ይኽእል። በዚ መሰረት ክልተ ግዜ ተመሪጹ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ ለካትቲ ስልጣኑ ዘብቅዕን ቻዳዊ መሓምድ ፋቂ እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ “ትካል ሓድሽ መስመር/ New Lines Institute” ዝተባህለ፡ ብዘካየዶ ዓሚቕ መጽናዕቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቦም ኣካላት ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ ወፍሪ ጽንተት ኣንጻር ሕብረትሰብ/genocide ከም ዝፈጸሙ፡ ኣብ ዘውጸኦ 120 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ ገሊጹ። እቲ ትካል ብዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጽንተት ሕብረትሰብ ፈጺሞም ተባሂሎም ዝኸሰሶም ኣካላት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራን እዮም።

እቲ መጽናዕቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከብዎም ሰለስቲኦም ኣንጻር ምሓይልታት ምክልኻል ትግራይ/TDF ዝተዋግኡ ኣካላት ካብቶም ንጽንተት ሕብረተሰብ ዘመልክቱ ረቛሕታት 4ተ ከም ዝፈጸሙ ጠቒሱ፡ ነቶም ረቛሕታት፡ ጃምላዊ ምቕትለት  ተጋሩ፡ ኮነ ኢልካ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጉድኣት ምውራድ፡  ወሊድ ዝኽልክሉ ጽዩፋት ወሲባዊ ዓመጻት ምፍጻም ዝበሉ ዝብሉ ዝርዝር ኣስፊሩ።

ብዘይካዚ እቶም ኣብ ጽንተት ሕብረተሰብ ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራዊ ኣካላ፡ ብጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን  እውን ከም ዝፈጸሙ ዝብቲ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣስፊሩ’ሎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ማሕበራዊ መራኸብታት እውን ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ምግዳት እቲ ጽንተትን ጥሕሰትን ኣሉታዊ ግደ ከም ዝነበረ ኣቃሊዑ። .

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዝወርድ ዘሎ ከይወሰኽካ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ልዕሊ 2.5 ትሪሊዮን ብር ከም ዘድሊ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ’ለዉ።

Thursday, 06 June 2024 23:36

Dimtsi Harnnet Kassel 06.06.2024

Written by

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ፓርላማ) ኢትዮጵያ ብ4 ሰነ 2024 ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ተወሲንዋ ዝነበረ ከም ሓዳስ ውድብ ናይ ምምዝጋብ ተግባር ተሪፉ፡ ናብቲ ንቡር ቦታኣ ክትምለስ ዘኽእላ ኣዋጅ ኣጽዲቑ። በቲ ሓደ ወገን ብሄራዊ ምርጫ “ከም ሓድሽ ውድብ ተመዝገቡ” ህወሓት ድማ “ውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረምኩ ኣነ ስለ ዝኹንኩ ናብ ንቡር ቦታይ እምለስ እምበር ከም ሓድሽ ኣይምዝገብን” ብዝብል ክሰሓሓቡ ምስ ጸንሑ እዩ እቲ ናይ ትግራይ ተወከልቲ ዘየብሉ ፓርላማ ኢትዮጵያ ነዚ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ብክልተ ተቓውሞን ሓደ ዕቃበን ኣጽዲቕዎ።

ጉዳይ ህወሓት ኣከራኻሪ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ውግእ ኣብ ዝተኻየደሉ ግዜ ኣንጻር ሕገመንግስቲ ሓይሊ ዝተጠቕመ ተባሂሉ ከም “ፈጣር ራዕዲ”  ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ስለ ዝነበረ እዩ። ካብቲ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲኳ ቀልጢፉ እንተወጸ ናብቲ ቅድም ዝነበሮ ምምላሱ ግና ምስ ሰልፊ ብልጽግና ተደጋጋሚ ዘተ ክካየደሉ ዝጸንሐ እዩ።

በዚ መሰረት እቲ ንህወሓት መንገዲ ዝኸፈተሉ ኣብቲ ሓድሽ ኣዋጅ “ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዓመጽ መሪጹ ጸኒሑ፡ ነቲ ናይ ዓመጽ ተግባር ኣቋሪጹ ሕገምንግስታዊ መንገዲ እንተመሪጹ ናብቲ ቅድም ዝነበሮ ተመሊሱ ይምዝገብ” ዝብል ዓንቀጽ እዩ። ህወሓት ዝተወርሶ ንብረት ክምለሰሉ ድዩ ኣይምለሰሉን ግና ብንጹር ዝተፈልጠ የለን።

ካብዚ ንድሓር ህወሓት ኣብ መጻኢ ዘካይዶን ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉን መበል 14 ጉባኤኡ ዝውስኖ ውሳነታትን ዝመርጾ መሪሕነትን ሕጋዊ ክኸውን እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ምምሕዳር ህግደፍ ካብ ዝተፋነኑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።  ናይቲ ምትፍናን ምኽንያት  ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ።  እቲ ዝድግፍ ወገን በቲ ህግደፍ በብግዜኡ መልክዕ እናቐያየረ ዘቕርቦ መዳህለሊ ምኽንያታት ተዓሽዩ፡ ንስልታዊ መግዛእትን ምግሃስ ኩሉ መሰላትን ናይቲ ስርዓት ዝተቐበለን ዝከላኸለሉን እዩ። እቲ ዝቃወም ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ ምውሓስ ናጻን ልኡላዊት ሃገር ዝድረት ኣይኮነን ይብል። ስለዚ ሓቀኛ ሓርነት ንምስትምቓር “ህግደፍ ክውገድ ናይ ግድን እዩ” ኢሉ ዝኣምንን ንምትግባሩ ይቃለስ ዘሎን እዩ።

ብፍላይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት  ንምጅማር ምንቅስቓስ ህዝባዊ ማዕበል “ብርጌድ ንሓመዱ” ተኸቲሉ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ሓያል ምስሕሓብ ማዕቢሉ፡ ናብ ኣካላዊ ጉነጽ ምስ ተሰጋገረ፡ ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ከም ዝሰፈሐ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። ናይቲ ምጉናጽ ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ኩሎም ኣብቲ ፖለቲካዊ ማዕበል ብቐጥታ ዝሕንብሱ ጥራይ ነይሮም ኢልካ ምድምዳም ከም ዘጸግም ፍሉጥ እዩ።  ጐነጽ ዘይምረጽን ሃሳይን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይዎን ክወርድ እንከሎ ድማ ዝያዳ ከም ዘቐንዙ ርዱእ እዩ። እቲ ክጅመር እንከሎ ቀሊል ዝመስል ዝነበረ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ትዕግስቲ ምጽውዋርን ኣርሒቕካ ምምዕዳውን ጐዲልዎ፡ ናብ ሞት፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሳርትን መጻኢ ህይወት ምዝራግ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዕራጉን  ዘሕዝን ኮይኑ ኣሎ።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ንቡርን መርኣያ ብዙሕነትን እምበር፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝተጀመረ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ተርእዮ ክበሃል ዝከኣል ብሰንኪ ዘይምጽውዋርን ናይ ሓሳብ ምክብባርን ናብ ምቅትታል ምብጽሑ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝቐደመ ተማሂርና፡ ነቲ ኣዕናዊ ኮኒንና ነቲ ሃናጺ ድማ  እነማዕብል ነቲ ዘረሓሕቕ መንገዲ እናደገምና ብኣኡ ንቕጽል ምህላውና እዩ። እቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ክቕጽል ዝጸንሐ፡ ሕድሕድ ምጥቕቓዕ፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሰርቲ፡ ዕንወት ንብረትን ምስቶም ሰላም ከኽብሩ ዝተዋፈሩ ናይተን ንነብረለን ሃገራት ኣካላት ጸጥታ ምጉናጽን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ሃገር እስራኤል ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ክልተ ሓላፍነት ስድራቤት  ዝነበሮም ኤርትራውያን ህይወት ምሕላፉ ከኣ፡ ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንዓለምና እውን ኣሻቓሊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንዓና ከኣ ዝያዳ የሕዝነናን ሓላፍነት የሰክመናን። ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እያ። ፍልልይ እምነትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ዓቂብና፡ ብሓባር ክንነብራ ስለ ዝግበኣና።

እዚ ናብ ደረጃ ምቅትታል ክበጽሕ ዘይተጸበናዮ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ፡ ሓድነትና ኣላሕሊሑ ነቲ ምእንቲ ሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከም ዘዳኽሞ ዘማትእ ኣይኮነን። እዚ ክስተት ካብዚ ንላዕሊ ሱር ከይሰደደ እንተዘይ ኣሊናዮ ንቀጻልነትና ከም ህዝቢ ከም ዘስግእ ተቐቢልና መዋጸኦ ክንረኽበሉ ዝግበኣና ህጹጽ ጉዳይ እዩ። ነዚ ክስተት ኣብ ክንዲ ከይሰፈሐ ኣብቲ ዘጋጠመሉ ኩርናዕ  ምጥፍኡ፡ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ወለዶን ዓድን ናይቶም ቀተልትን ተቐተልትን  እናጸብጸብካ ከም ዝላባዕ ንምግባሩ ዝረአ ሃቐነታት ኣዝዩ ዘይሓላፍነታዊ ስለ ዝኾነ፡ ብዓንተብኡ ክዕገት ይግበኦ።  እዚ ህዝብና ንምክፍፋል ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ጥፍኣት ብፍላይ ንደለይቲ ለውጥን ሓድነትን ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። ብምትፍናንን ፍልልያትን ህዝብና ዝረብሑን ዕድመ ስልጣኖም ዘንናውሑን ወገናት ግና ካብ ምግዳዱ ንድሕሪት ኣይክብሉን እዮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽንብል መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ዕላዊ መድረኽ፡  ናብቶም ኣብ ዲያስፖራ ክቃተሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ፡ ኣብ ክንዲ ምትህድዳእን ምምዓድን “ኣገናዕ በቲ ዝሓዝኩምዎ ቀጽልሉ” ምባሉ፡ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ናይ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ፍልልያት መርኣያ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነውራም መግለጺ፡ ካብ ዲታቶር ግና  ዘይንጽበዮ ኣይኮነን።

ሳዕቤን ናይዚ ዝረአ ዘሎ ኣስጋኢ ኣንፈት፡ ኣብ ኩሉ  ዓለም ንዘሎ ኤርትራዊ ዘረኻኽበሉ እምበር፡ ንውሱናት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ናብ ንቡር ንምምላሱን ሰለማዊ ማእዝን ምትሓዙን ድማ ናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ሓላፍነት ዘይኮነ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን በሃግቲ ለውጢ፡ ሰላምን ሓድነትን ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ካብቶም ህግደፍ ዘዋፍሮም ብህውከት ዝዕንገሉ ወገናት መፍትሒ ክመጽእ ከምዘይክእል ግና ካብ ናይቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣቀራርባ እንርደኦ እዩ።   

ኤርትራውያን ፖለትካዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ህዝባዊ ማዕበላት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መድያታትን ኣብኣተን ዝነጥፉ ክኢላታትን ምሁራትን፡ በብደረጃኡ ዝግለጽ ናይ ምእላይን ምትህድዳእን ሓላፍነት  ኣለዎም። እዞም ዝተጠቐሱ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ጋንታ ፈልዮም ህውከት ዘጋድዱን ንሕነ ምፍዳይ  ዘተባብዑን፡ መንገዲ ሓቅን ርትዕን ክሕዙ እንከለዉ ኣውንታዊ ግዲኦም ልዑል እዩ። ብኣንጻሩ ከምዚ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ሓላፍነቶም ክዝንግዑ እንከለዉ ዘውርድዎ ጉድኣት ብኽንድኡ ደረጃ ኣዕናዊ ምዃኑ ንከታተሎ ዘለና’ዩ እሞ፡ ብጽሞና ይሕሰብሉ። ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ምቅትታል ማዕበል፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ብገንዘብ፡ ንብረትን ፕሮፖጋንዳን ምግዳዱ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ ወይ ካልእ ዘነዓዕብ መልክዕ ምትሓዙ፡ ውጽኢቱ ደሓር ዘጣዕስ ስለ ዝኾነ ጠጠው ክብል ይግበኦ። ኣብዚ ኣፍራሲ ተግባራት ተዋፊሮም ዘለዉ ወገናት ከሎ ጌና ክሓስብሉን ብመንጽር ድሕነት ህዝብን ሃገርን እምበር ብግዝያዊ ጠቕሚ ከይርእይዎ ነዘኻኽሮም። ብስም’ቲ  ኣጋጢሙ ዘሎ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ምጉዳል ኣካላትን ምዝኽታም ህጻናትን ኣተሓሒዝካ ዝግበር ምውጻእ ገንዘብ፡ ካብ ሰብኣውነትን ወጺኡ  ህውከት ዘጋድድ ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ።

ናይቲ ምቅትታል መሰረታዊ ጠንቂ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝሳዕረረ ጭቆናን ባርነትን ምዃኑ ዘይከኣሓድ እዩ። ምስዚ ድማ ንምስሊ ኤርትራዊ “ጽንዓት፡ ተጸዋርነትን ክኽእሎ እየ በሃልነትን” ይድውን ከም ዘሎን ናይ ብዙሓት ኣሉታዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ምህላዉን ጥራይ እኹል መረጋገጺ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ሎሚ ኤርትራዊ ስሙ ክለዓል እንከሎ፡ ናይ ስርዓተ-ኣልቦነት፡ መርኣያ ኮይኑ ይግለጽ ምህላዉ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ፡ እዚ ኩነታት “ከም ውሕጅ እናኣስሓቐ ከይወስደና” ንምሕጸን ዘለና።

 

 

ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላድ በጺሓቶ ዘላ መረዳድኢ ስምምዕ እንተዘይሰሪዛቶ፡ ኣብ መወዳእታ 2024 ኣብ ሃገራ ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም እትሰጉግ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይታ ሃገር ብ3 ሰነ 2024  ኣፍሊጡ። ነቲ ኩነታታ ዝተኸታተሉ ናይ ጸጥታን ዲፕሎማስን ክኢላታት ወገኖም፡ ናይ ሶማሊያ ሓይሊ ኣልሸባብ በይኑ ክምክት ዝኽእል ዓቕሚ ኣብ ዘይብላ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስጓግ ዘይምርግጋ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣጠቂቖም።

ኣብዚ እዋዚ ኣካል እቲ ክሳብ 7 ሺሕ ዝበጽሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ሶማሊያ ሰፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕረት ኣፍሪቃ  ዝኾነ ብውሕዱ 3 ሺሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዲፕሎማሲያዊ ጸገም ዝተፈጥረ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ንክትፈልጣ ቃል ምእታዋ፡ መቃድሾ ብወገና ነቲ ስጉምቲ  ምግሃስ ልኡላውነታ ገይራ ስለ ዝወሰደቶ እዩ።

ከም መግልጺ ሶማሊያዊ ኣማኻሪ ጸጥታ፡ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2024 ነቲ ምስ ሶማሊያ በጺሓቶ ዘላ እማመ ከም ዝሰረዘቶ እንተዘይኣዊጃ  እቲ ምስጓግ ሰራዊታ ከም ዝትግበርን እቲ ሓድሽ ናብ ሱማሊያ ዝምደብ ኣኽባሪ ሰላም ሰራዊት ከኣ ካብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ጅቡትን ብሩንድን ጥራይ ከም ዝኸውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተፈጥሩ ዘሎ፡  ኣብ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ እውን ሓደገኛ ሳዕቤን ከይህልዎ ዘስግእ ኣሰላልፋ፡ ኤርትራን ግብጽን ብቐዳምነት ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ተሰሊፈን ዘለዋ እየን።

ኣመሪካ ብወገና ሶማሊያ እቲ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከይተሃወኽትን ንክትዕገስን ጸዊዓ’ላ። ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ድማ እዚ ኩነታት ናይቲ ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ መንግስቲ ዲፕሎማሲያዊ ውድቀት ዘርኢ እዩ ኢለምዎ።

Page 5 of 564