1ይ ክፋል
ምምሕዳር ውደባዊ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብዕለት 22 ጥሪ 2026 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ዕላማ ናይ’ዚ ኣኼባ፡ ነቲ ብጻውዒት ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ፖ.ሓ.ኤ ብዕለት 17ን 18ን ጥሪ 2026 ዝተኻየዱ ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባታት ምግምጋምን ክሳብ መጻኢ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ክፍጸሙ ዝግብኦም መደብ ስርሓት ንምትላምን እዩ ነይሩ።
ኣባላት ምምሕዳር ኣቐዲሙ ዝተሰላሰለ ሓፈሻዊ ኣኼባ ብትሕዝቶን ተሳትፎን እወንታዊ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ምብጻሕ ዕድመ ኣኼባ፡ ኣብ’ቶም ኣብ ጨናፍር ኰነ ዞባዊ ስርርዓት ጌና ዘይኣተዉ ዘለዉ ባእታታት ሓበሬታ ብኣግኡ ክበጽሖም ዘይምኽኣሉ ሓደ ካብ’ቲ ሕጽረታት ምንባሩ ተጠቒሱ። ኣኼባ ምምሕዳር ክሳብ መጠረስታ ለካቲት 2026 ክፍጸሙ ዘለዎም ክልተ ኣገደስቲ ናይ ትግባረ-መደባት ድሕሪ ምንጻር፡ ኣባላት ኣብ ከባቢኦም ብትግሃት ንምፍጻሞም ክጽዕቱ ተማሕጺኑ።
ብዕለት 17 ጥሪ ነቲ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ክፍለ-ዓለማት ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃ እስያን፥ ብ18 ጥሪ 2026 ከኣ፡ ነቲ ብጀኦግራፊካዊ ኣቐማምጣኡ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ዘለዎ ኣብ ኣውስትራልያን ኒዩዚላንድን ዝርከቡ ኣባላት ዘጠቓለለ ኣኼባታት ፖ.ሓ.ኤ ኢዩ ተኻይዱ። ኣኼባታት፡ ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ብዘቕረበቶ መእተዊ ቃል’ዩ ተኸፊቱ። እቲ ኣኼባ ድሕርቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ንፈለማ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ዕላማኡ ኣብያተ- ጽሕፈት ፖሓኤ ዘሰላስልዎ ዕማማትን ናይ መጻኢ መደባትን ንምሕባር እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ምንጻር ዕላማ ናይቲ ኣኼባታት፡ ሓለፍቲ ነፍስወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ብተርታ መግለጺኦም ከቅርቡ ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኦቦ መንበር ፖሓኤ፡ ንተሳተፍትን ኣዳለውትን ኣኼባ ብምምስጋን ሰናይ ኣኼባታት ክኸውን ትምኒቱ ገሊጹ፡፡ ኣብ ሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ኲነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ሃገርና ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ምህላዋ፥ ካብ ዘላቶ ሃለዋት ንምውጻእ ቃልስታትና ከነሐይል ከምዘድልየና፥ ከባቢና ብምልኡ ብኲናት ይሕመስ ምህላዉን ዓለምና ሓያላት ንኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን እናጠሓሱ ድላዮም ዝገብሩላ እንዳዀነት ትኸይድ ምህላዋን ኣብሪሁ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 2023 ጀሚሩ ዘየቋርጽ ዘመተን ናይ ውግእን ወረ ውግእን ደበናን የንጸላሉ ብምህላዉ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኰይኑ ኣሎ ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብቓልስን መስዋእትን ዘረጋገጾ ልዑላውነትን ናጽነትን ኣሕሊፉ ከምዘይህብ እምነት ፖ.ሓ.ኤ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ ንጹር መትከላትን ኣብ መጽናዕትን ዝተመርኰሰ ክኸውን ብዕቱብነት ይስርሓሉ ከምዘሎ ኣሚቱ።
ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብወገኑ፡ ንዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ በይናዊ ምንቅስቓስን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ናይ ውድባት ኣዐዋቲ ከምዘይነበረ ብምግንዛብ፥ ነቲ ኣብ 2024 ዓ.ም ብደረጃ ሰለስተ ጽላላት ክዕመም ዝተጀመረ ሓባራዊ ወፍርን ኣብ 2025 ዝተፈጸሙ ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት፡ ማለት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም መነባብሮን ክማላእ ዘለዎ ውሕስነታትን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕን ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተመርኰሰ ልዑላውነትን ሃገራት ምኽባርን ብኣውራኡ ድማ ምቅላዕ ንጨቋኒ ስርዓት ኤርትራን ዝብሉ ዛዕባታት ሓቢሮም ክሰርሑ ምጽንሖም ሓው የውሃንስ ኣስመላሽ ኣብሪሁ። ከምኡ’ውን፡ ምስ ህልዊ ኩነታት ንምግምጋምን ንምግጣምን ርክብ ናይ ሰለስቲኡ ጽላላት ኣብ ሓጺር ሓጺር ግዜ ክግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ሓቢሩ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና፡ ምምሕዳር ድሕሪ ምቛሙ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ክሰላሰሉ ዝጸንሑ ዕማማት ንደገ ዘትኮረ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጽላል ንዝካየድ ንጥፈታት ቀዳምነት ብምሃብ ክሰርሑን ንዘለዎም ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ንምምላእን ኣብ ቀጻሊ ጻዕርታት ምጽናሖምን ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሕባር፥ ክሳብቲ ዕለተ ኣኼባ ንጥፈታት ፖሓኤ ብጽሑፋትን ብድምጽን ኣብ ህዝቢ ንምብጻሕን ክስርሓሉ ከምዝጸንሐ ሓው ኢስማዒል ገባይታ ሓቢሩ። ዜናዊ ስርሓት ፖ.ሓ.ኤ ናይ ህዝብን ናይ ኩሉ ኣባል ተሳትፎን ምትሕግጋዝን ከምዘድልዮ ድማ ኣሚቱ።
ቀጺሉ ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፡ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብዛዕባ ውደባ ክንዛረብ እንከለና ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳይና ንዛረብ ኣለና ማለት ኢዩ ኢሉ። መበገሲ መደብ ዕዮ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ድማ ኣብ ሰለስተ ስርዒታዊ መሰላል ማለት ጉባኤ፡ ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ኣካልን ብዝህብዎ ዕማማት ከምዝብገስ፡ ነዚ ዕማማት’ዚ ንምፍጻም ድማ ኣብ ውሽጢ ኣባላትን መሪሕነትን ፖሓኤ ሰለስተ ነገራት ከምዘድልዩ ኣመልኪቱ። እቲ ቀዳማይ ሞራላዊ ቅሩብነትን ድልውነትን ኰይኑ፡ ውሽጣዊ ሓያልነት ዝፈጥር እዩ። ሓያልነት ናይ ፖሓኤ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ሓያልነት ናይ ውልቀ ነቲ ጽላል ዘቑማ ውድባት ከምዝምርኮስ፥ እቲ ካልኣይ ውደባዊ ዕዮን ቀጻልነቱን ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡ ውደባ መወዳእታ ዘይብሉ ቀጻሊ መስርሕ ከምዝኾነ፡ ብኣሰራርሓ ዝግዛእ፡ ሕጽረታትን ዓወትን ዘለዎ መስርሕ እዩ ክብል ኣብሪሁ። ብዘይካዚ ባዕላዊ ሕጽረታት ናይ ውሽጥና ስለዝኾነ ክንውግዶ ከምእንኽልን ነቲ ወድዓዊ ሕጽረታት ድማ ክንገጥሞ ክምዝግባእ’ውን ጠቂሱ።
ኣስዒቡ፡ ኣብ ቅድሜና ዓበይቲ ዓመታዊ ዕማማት ምህላዎምን ከነዐውቶም ክንንጽሮም ከምዘለናን ድሕሪ ምምልካት፡ ኣብቲ ብሓባር ዘለናሉ ቦታታት ብናይ ሓባር ኣባላት ዝቆማ ዘባታትን ገለ ጨናፍርን ምህላወን፡ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ክንበጽሖ ዘይከኣልና ቦታታት’ውን ስርርዓትና ንኽንስርት ከምዝግባእን ኣብ ውሽጥና ድልዱል ምትእስሳርን ምትእምማንን ፈጢርና ናብ ህዝቢ ክንወርድ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ምዃኑን ኣብሪሁ።፡
ይቕጽል……………..
ዊልያም ጋውንርላይ፡ ዝተባህለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝበጸሐ ኣውስትርያላዊ ጸሓፍን ተመራማርን፡ ኢትዮጵያ ነታ ንእሽቶ ጐረቤታ ሃገር ኤርትራ ወደብ “ዓሰብ ክወስድ እየ” ብዝብል ከተፈራርሓን ከተስግኣን ትፍትን ከም ዘላ ገልጹ። ነዚ ዝገለጸ ናብ ኤርትራ ገይሹ ካብ ዝተዓዘቦ ስምዒት ዝተረደኦ ምዃኑ ጠቒሱ ኮንቨርዘሽን (conversation) ኣብ ዝተባህለ መርበብ ኣብ ዘውጸኦ ትዕዝብታዊ ጽሑፍ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ብምምላስ “ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጥረ ናይ ታሪኽ ጌጋ ከነእርም ኢና “ ከም ዝበለ’ውን ኣብቲ መጽናዕታዊ ሚዛኑ ኣስፊሩ።
ኣብቲ መገሻኡ ኣብ ጐደናታት ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ፡ ግብረ-መልሲ ናይቲ ህዝቢ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እንታይ ምዃኑ ኣይስማዕን ኢሉ እቲ ጸሓፊ። ኣብ ኤርትራ መዲያ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምቁጽጻር መንግስቲ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣዝዮም ውሱናት ደቂ ኣስመራ ግና ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ምዕባለታት ኣፍልጦ ዘለዎም ይመስሉ ከኣ ይብል።
እዚ ምስ ውሱናት ነብርቲ ኣስመራ ምቅርራብ ምስ ገበርኩ ዝተረዳእኩዎ እዩ እውን ኢሉ። እቶም ውሱናት ክዛረቡ ዝደፍሩ ኣብ ትሕቲ’ቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝኸፈአ ወጽዓ ኮይኖም ዝዛረቡ እዮም ክብል ድማ ገሊጽዎም። ህልዊ ዝምድና ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ድማ ነቲ ህዝቢ ኣጨናቒ’ዩ ኢልዎ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ግዱድ ውትህድርና ንከቐጽል ዕድል ከም ዝኸፈተሉ ዝገለጸ እቲ ኣወስትርያላዊ ጸሓፊ፡ ዓሰብ ካብ ሽዑ ንደሓር ንኢትዮጵያ ንግዳዊ ኣገልግሎት ምሃባ ከም ዘቋረጸት ምርድኡ ገሊጹ።
ኣብቲ ርክቡ ምስ ህዝቢ፡ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ወተሃደራዊ ምድላው ምግባርን ሓድነት ኤርትራውያን ምድልዳልን ኣድላይ ነይሩ ኢሉኒ ድማ ይብል። ኢሳያስ ግና ጌና ሎሚ እውን ዝቃወምዎ ኣብ ምህዳን ምህላዉ ከም ዝገለጸሉ ከኣ እቲ ጸሓፍን ተመራማርን መስኪሩ።
እዚ ጸሓፊ ንድሕሪት ምስል ኢሉ፡ ኢሳያስ ብምዕራባውያን፡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ነጻ ዕዳጋን ከሰጉም’ዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ከም ዝነበረን፡ በዚ መሰረት ብ1995 ብናይ ሽዑ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ቢልክሊንተን ኣብ ዋይትሃውስ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኪሩ።
ባህግና Eri Bahgna Media 25.01.2026 ዘይውዳእ ክንገብር ኢና ዘረባ ኢሳያስ፣ ተረደኦ ቃልሲ ክሳብ ታሕቲ
Written by Eri Bahgna mediaMedia
ኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው
ምኽትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኣሚሪካ፡ ኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው ካብ 24 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እቲ ኣንበሳደር ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ፡ ኩባንያታትን ኣውፈርትን ኣሚሪካ፡ ኣብ ግብጺ ዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ከም ዝዕዘብ ወሃቢ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ። ከምኡ እውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግብጺ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ኣሚሪካ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ቁጠባዊ ትካላት ከም ዝራኸብን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ተራኺቡ ብዛዕባ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ። ከምኡ ድማ ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ ብዛዕባ ሰላምን ንግዳዊ ምትሕብባር ኣሚሪካን ኣፍሪቃን ከም ዝዝቲ ተፈሊቱ’ሎ።
ብዘይካዚ እቲ ኣንበሳደር፡ ኣብ ኬንያ፡ ብዛዕባ ንግዳዊ ጉዳያትን ጉዳይ ምንቅስቓስ ፈጠርቲ ራዕድን ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ከም ዝዛረብን ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሀይትን ኣብ ካልእ ምርግጋእን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዝምልከት ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ ጅቡቲ ድማ ብዛዕባ ግደ መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ንግዳዊ ንጥፈታትን ከም ዝመያየጥ ተፈሊጡ። ምስዚ ኩሉ ከኣ እቲ ኣንበሳደር ቀዳምነታት ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ መዳያት ምርግጋጽ ንግድን ካልእ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ከም ዘስርጽ እውን እቲ ንመገሽኡ ብዝምልከት ዝተዘርግሐ መግለጺ ኣረዲኡ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ብጉልባብ ዳመ-ህንጻ ጋዛ (ፍልስጥኤም) ኣበጊስዎ ዘሎ “ናይ ሰላም ቦርድ/board of peace”፡ ንህላወ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስግእ ምዃኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ስግኣተን ይገልጻ’ለዋ። ፕታምፕ ነዚ ካብ ዝጅምሮ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ኮይኑ ኣብቲ ብ21 ጥሪ 2026 ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ቁጠባዊ መድረኽ ዓብይ ኣዛራቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ቀሪቡ።
ትራምፕ ነቲ ዝምስርቶ ዘሎ ናይ ሰላም ቦርድ፡ ባዕሉ ዝመርሖ ኮይኑ፡ 7 ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ከም ዝርከብዎ ይጠቅስ፡ ኣባላት ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ክኾኑ ሓጽይዎም ካብ ዘሎ፡ ናይ ኣሜሪካ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪታንያ ቶኒ ብሌርን ከም ዝርከብዎም ተመልኪቱ’ሎ።
በቲ መደብ ትራምፕ መሰረት ናይዚ ቦርድ ኣባል ንምዃን ዕድመ ዝተገብረለን ሃገራት ፈቓደኛታት እንተኮይነን፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ናይ ምኽፋል ግደታ ኣለወን። ክሳብ ሕጂ ነቲ ዕድመ ኣኽቢረን ቅሩነተን ኣርእየን ዘከለዋ መብዛሕትኣን ሃገራት ዓረብን ወሽመጥን እየን። ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጆርዳን፡ ኢንዲኒዥያ፡ ፓኪስታን፡ ኳታር፡ ኢመራት፡ እስራኤልን ቤላሩስን ይርከበአን ካብተን ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢለን ዘለዋ እየን።
ሓያሎ ሃገራት መብዛሕተአን ካብ ኤውሮጳ ግና፡ እዚ ብጉልባብ “ምህናጽ ጋዛ” ዝረአ ዘሎ ተብግሶ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት መንዚዕካ መተካእታ ናይ ምዃን ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎ ብዝብል ኣይተቐበለኦን።
ህንዲ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ ቫቲካን፡ ኣየርላንድ፡ ሮማኒያ፡ ፊንላንድ፡ ግሪክ፡ ጃፓን፡ ኦስትሪያ፡ ኣወስትራሊያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ታይላንድ፡ ደቡብ ኮርያን ካለኦትን ካብተን መጸዋዕታ ከም ዝበጸሐን ኣረጋጊጸን ጌና ኣውንታዊ ምላሽ ዘይሃባ እየን። ሩሲያ ከኣ እቲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካብቲ ኣጊድኩምዎ ዘለኹም ገንዘብና ውሰዱ ዝብል ምላሽ ሂባ’ላ። ብሪጣንያ፡ ፍራንስ፡ ነርወይ፡ ኢጥልያን ስሎቨኒያን ከኣ እተን ንኣባልነት ቦርድ ሰላም ትራምፕ ዝነጸግኦ እየን
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንሓንሳብ ናይቬንዙዋላን ደሴት ግሪንላንድን ንሓንሳብ ድማ ናይ ኢራን ኣጀንዳታት ዘደይብን ዘውርድን ዘሎ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕሊላ ከም ዝወጸት ብወግዒ ኣውጁ፡ ንብዙሓት ኣሻቒሉ’ሎ።
ሽዱሽተ ውድባት ትግራይ፡ ብ22 ጥሪ 2026 ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን። እዘን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ኣብ ትግራይ ዕጡቓት ይኹኑ ዘይተዓጥቁ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሳተፍሉ ናብ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዘብጽሕ ናይ ሰፊሕ ኣኼባ ክካየድ ጸዊዐን። እተን ውድባት ነዚ ዝጠልበኦ ዘለዋ ሰፊሕ ኣኼባ ንክግበር ክሰርሓ ከም ዝጸንሓ እውን ኣብቲ መግለጺአን ኣመልኪተን።
እቲ ዝሓተኦ ዘለዋ ሰፊሕ ዘተ እንኮ መዋጽኦ’ኳ እንተኽኾነ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እዚ ናይ ህልውና ወሳኒ ዝኾነ ስራሕ ከይዕወትን ኣብ ክንዲ ናብ ሰላም ናብ ግጭት ንከምርሕን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክትዕንቅፍ ከም ዝጸንሐት ከሲሰን። ህወሓት ፖለቲካዊ ሜዳ ትግራይ ናይ ሰላም ዘይኮነ፡ ናይ ህውከትን ዓመጽን ንክኸውን ምስ ከም ፋኖን ህግደፍን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ጽምዶ ምክያድ መሪጻ ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።
ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ምስኡ ዝግበር ምሕዝነት ዘይመትከላውን ንወተሃደራዊ ተግባራት ዘገልግልን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺአን ኣስፊረን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ጉዳይ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኣስረ ብሪጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት “ይዕፈኑ ኣለዉ” ዝበለኦምን ከም ዘተሓሳስበን እተን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ሻቕሎተን ሓቢረን።
ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ እተን ውድባት፡ ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት ዝተዓፈኑን ንክፍትሑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ጽምዶ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ክቋረጽ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ብመንገዲ ኣሳታፊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ፡ ህወሓት ብስም ውጉኣት 6 ቢልዮን ብር ካብ ህዝቢ ትግራይ ክእክብ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ክቋረጽን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጐኒ እተን ውድባት ክስለፍን ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪበን።
ነዚ ናይ ሓብር መግለጺ ዘውጸኣ ውድባት ትግራይ፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና)፡ ውድብ ናፅነት ትግራይ(ናፅነት)፡ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን(ዓረና)፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ሳወት)፡ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ(ትሰእፓ)ን ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)ን እየን።
እዚ ናይዘን ውድባት መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ን7ይ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2026 መረጽቲ ዝምዝገብሉ ጣብያታት ክሳብ 1 ለካቲ 2026 ኣነጺሩ ከፍልጥ ኣብ ዘፍለጠሉ እዩ።
ሚኒስተር ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ፡ ሃኒ ስወይለም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ብምህናጻ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ዘውረደቶ ጉድኣት ክትክሕስ ኣለዋ ዝብል መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ፡ ሶማሊ ሪፖርተር (Somali report) ዝተባህለ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።
ግብጻዊ ሚኒስተር ሃኒ ስወይለም፡ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ናይ ሃገሩ ሰነይት ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ ምዃኑ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ሚኒስተር ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓብይ ግድብ ብውልቃዊ ውሳነ ሓንቲ ሃገር ኣብ ፈለግ ናይል ተሃኒጹ ከምዘይፈልጥ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ዓይብ ህዳሰ ሓጽቢ፡ ካብቲ ግብጺ ካብ ፈለግ ናይል ክትረኽቦ ዝነበራ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ማይ፡ 38 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ከም ዝጐደላ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ነቲ ሓጽቢ ዝሃነጸቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምጫውን ንዋሕዚ ናይቲ ናብ ሱዳንን ግብጽን ዝውሕዝ ማይ፡ ንምምዕርራይን ኢላ ከም እትገልጾ ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።
ግብጺ ከምዚ ዝኣመሰለ ኢትዮጵያ ዘይተጽበየቶ ሕቶ ካሕሳ ተቕርብ ዘላ፡ ድሕሪቲ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ብ16 ጥሪ 2026፡ “ቅድሚት ካብ ዝሰርዖ ኣጀንዳ እዩ” ብዝብል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ናይል ክሽምግል ምዃኑ ምፍላጡ እዩ። ነቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሽምግልና መጸዋዕታ፡ ግብጽን ሱዳንን ብሓጐስ ከም ዝቕበለኦ እየን ኣረጋጊጸን። ብፍላይ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ንተበግሶ ፕረሲደንት ትራምፕ ብኽብሪ ከም ዝገልጾ እዩ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ግና ንመጸዋዕታ ሽምግልና ትራምፕ ኮነ ንሕቶ ካሕሳ ግብጺ ዝምልከት ዝሃበቶ መልሲ የለን።
More...
ግሪንላንድ ብጀኦግራፊ ሰሜን ኣሜሪካ እትርከብ ካብ ዓለምና ዝዓበየት ደሴት ኮይና፡ ብመዳይ ምምሕዳርን ባህልን ግና ምስ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነርወይን ደንማርክን ትዛመድ ተባሂላ እያ እትጥቀስ። መዋስንታ ከኣ ብምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ካናዳ፡ በቲ ካልእ ኣቕጣጫ ሰሜናዊ ዋልታ ሩሲያ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ኣይስላን፡ ደሴት ፋሮ፡ ነርወይን ደንማርክን በቲ ዝተረፈ ድማ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እዩ።
ብዝሒ ህዝባ ብመሰረት ጸብጻብ 2022፡ ኣስታት 56,583 ይኸውን። መብዛሕትኡ ህዝባ ብሰንኪ ክሊማዊ ጽልዋ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ፡ ብኣዝዩ ሰፊሕ ሳሕዊ ሰፊሩ ይነብር። ግሪንድላንድ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሳሕዊ ነበርቲ ዘለዋ ደሴት ምዃና ይንገረላ። ጠቕላላ ስፍሓት መሬት ግሪንላንድ 2.166 ሚልዮን ትርብዒት ኮሎሜተር እዩ።
ዝሰፈሐ መሬት ግሪንላንድ ሰብ ዘይነብሮ ኮይኑ፡ ሰመረሶቅ፡ ኩጃለቅ፡ ቁቃታን ቃሱቲሱቅን ዝበሃላ 4ተ ክፍሊ ምምሕዳራት ኣለዋኣ። ንከተማታት ዝምልከት ድማ ኑክ 20,085 ህዝቢ ዝነብራ ዋና ከተማ ናይታ ደሴት ክትከውን እንከላ፡ ሲሲሙት፡ ሉሊሳን ቃቆርቶቅን ድማ ብዝሕ ዝበለ ህዝቢ ዝነብረን ከተማታት እየን።
ግሪንላንድ ካብ መንግስቲ ደንማርክ ብዝረኸበቶ ፈቓድ፡ ካብ 1979 ጀሚራ ናይ ውሽጣዊ ምምሕዳር መሰል ኣለዋ። በቲ ዝተዋህባ ፈቓድ መሰረት፡ ንወጻኢ ጉዳይ፡ ምክልኻል፡ ገንዘብን ሕጋዊ መስርሕን ዝምልከት ኣብ ውሳነ ደንማርክ እያ እትምርኮስ። ኣብ ሓፈሻዊ ምቁጽጻር ከም ምህላዋ መጠን ዜጋታታ ናይ ደንማርክ ፓስፖርት እዮም ዝሕዙ።
ግሪንላንድ ብዝተፈላለዩ ማዕድናት ኣዝያ ዝሃብተመት ብምዃና፡ “ኣብ ካልእ ዓለም ዘይርከቡ” ተባሂሎም ዝጥቀሱ 36,100,000 ቶን ዝዓቐኖም ማዕድናት ክህልውዋ እንከለዉ፡ ሞሊበድዩም፣ ግራፋይት፡ ሃፍኑዩም፡ ታንታሌም፡ ቲታንዩም፡ ኒዮቢኡምን ፕላቲኑምን ድማ ካብቶም ኣብ ግሪንላድ ብብዝሒ ዝርከቡ ማዕድናት ተጠቀስቲ እዮም።
ኣብዚ እዋንዚ በቲ ሓደ ወገን፡ ኣሜሪካ “እንተዘይ ተቖጻጺረያ እሞ ብሩሲያ ወይ ብቻይና እንተተሒዛ ንጸጥታይ ሓደጋ እያ” ብዝብል ክትጥቕልላ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ። ደንማርክ ድማ ግዝኣተይ ስለ ዝኾነ ካብ ኢደይ ኣይትወጽእን ትብል ኣላ። ሕብረት ኤውሮጳ ከኣ ኣብ ጐኒ ኣባሉ ዝኾነት ደንማርክ ስለ ዝተሰለፈ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሜሪካ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ወጥሪ ይውስኽ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ።
في كل تجارب الشعوب التي واجهت أنظمة استبدادية مغلقة، مثل الحالة الإرترية، كان العامل الحاسم في نهاية الطريق هو إرادة الشعب. فمهما امتلكت الديكتاتوريات من أجهزة أمن قمعية أو تميزت بممارسات وحشية، أو قدرة وتفنّن على القمع، يبقى الشعب هو القوة التي لا يمكن إخمادها حين تتوحد رؤيته وتتعالى مطالبه. وينطبق هذا الأمر اليوم على الحالة الارترية، حيث وصل المجتمع إلى نقطة لم يعد فيها استمرار الوضع القائم مقبولا، ولا السكوت عنه ممكنًا، ولا الانقسام والعمل كلّ بمفرده مبرراً.
من الخطأ الاعتقاد بأن سقوط النظام الديكتاتوري في إرتريا يمكن أن يتحقق فقط عبر المعارضة السياسية من الخارج أو الضغوط الدولية، فالتجارب العالمية تكشف أن المجتمعات نفسها هي محرك التغيير؛ التغيير الذي حدث في تونس لإزالة حكم زين العابدين بن علي، ومصر لإزالة حكم مبارك، والسودان لإزالة حكم البشير، خير دليل على ذلك . وإن وعي الشعب وتحركه و رفضه للنظام، هو ما يفتح الطريق أمام أي تغيير سياسي جاد وحقيقي.
وفي إرتريا، ورغم طول سنوات القمع والظلم ما زالت الروح الوطنية التي تجسدت في حرب التحرير من الاستعمار البغيض حاضرة في وجدان الشعب الارتري، هذه الروح نفسها هي القادرة اليوم أيضا على كسر حاجز الخوف، وإعادة بناء الثقة، ودفع الجميع نحو تحوّل ديمقراطي وبناء دولة دستورية .
نجح النظام الإرتري المستبد عبر ثلاثة عقود في خلق بيئة قائمة على الخوف وعدم الثقة، و شقّ الصف الوطني، وتمزيق النسيج الاجتماعي، ليس بين الشعب فقط بل حتى بين أفراد الأسرة الواحدة، وأصبح المواطن يخشى التعبير، ويخشى السؤال عن أبسط الأشياء التي تعني حياته اليومية، بل و يخشى حتى التفكير خارج الأسوار المفروضة عليه وهذا إن سُمح له بالتفكير!! ؛ لأن التفكير والإبداع والتعبير تعتبر من المحرمات التي يعاقب عليها القانون.
لكن الأنظمة القمعية، مهما بدت قوية، تعتمد على استمرار الخوف والرعب في أوساط المواطنين، فإذا كسر الشعب حاجز الخوف ولو جزئيا تبدأ شرعية النظام بالتآكل بسرعة. وهذه المهمة ليست نظرية بل تبدأ بخطوات بسيطة وهي :
- نشر الوعي في أوساط الشعب وخاصة بين قوى التغيير الحي من فئة الشباب.
- العمل على تآكل شرعية وجود النظام من خلال شق أركانه.
- دعم واحتضان المنشقين عنه.
- حماية الشعب بعضهم البعض عبر شبكات تضامن شعبية، لأنّه حين يشعر المواطن أنه ليس وحده يبدأ الخوف بالتراجع.
التنوع الإرتري كان من أعمدة قوة المجتمع، لكنه تحول بفعل النظام إلى ساحة شكوك وصراعات صامتة وخاصة بين فئة الشباب في المنصات الاجتماعية؛ غير أن نجاح أي مشروع لمواجهة النظام الديكتاتوري يقتضي بناء وحدة وطنية جامعة تتجاوز الانقسامات، وترميم ما تصدّع من وحدة الشعب بفعل ممارسات النظام. وعلى الشعب أن يدرك أن الانقسام هو أعظم ما يخدم النظام. لذلك التمسك بالوحدة هو شرط لا مفر منه في عملية التغيير.
من غير الممكن الحديث عن دور الشعب دون إبراز الدور المركزي للمرأة الارترية، فكما كانت شريكة في التحرير، هي اليوم شريكة في التحرر من الاستبداد.
إشراك النساء في العمل السياسي والاجتماعي ليس ترفاً، بل ضرورة استراتيجية لأن نصف المجتمع لا يمكن تهميشه؛ ثم أننا نطمح إلى ثورة تغيير ناجحة أو تحوّل ديمقراطي متوازن وناجح .
وجود المرأة في قيادة مبادرات التغيير يعزّز عملية التحول الديمقراطي، ويخلق مساحات أوسع للتواصل داخل المجتمع.
ولا ينبغي اغفال الدور المؤثر للإرتريين في الخارج في مسار إزالة النظام، بما يملكونه من إمكانيات اقتصادية، وحرية حركة، و منابر إعلامية. إن تنظيم هذا التأثير ضمن إطار وطني مسؤول كفيل بتحويله إلى قوة ضغط فاعلة تتجاوز المزايدات الشعبوية وتسهم في بناء علاقات دولية تخدم مشروع التغيير.
إن عملية إسقاط النظام الديكتاتوري في إرتريا ليست مهمة فئة أو مجتمع معين دون الآخر، ولا عملية يمكن فرضها من الخارج، بل هي مسؤولية وطنية تقع على عاتق شعب أدرك أن عهد الاستبداد قد ولّى وأن مستقبل الوطن لا يمكن أن يبقى خاضعاً لحكم فرد أو مجموعة معزولة أو زمرة ضالة.
إن وحدة الشعب والوقوف صفاً واحداً رجالاً ونساءً، شباباً وشيوخاً، في الداخل ودول المهجر هي الشرط الأساسي لإسقاط النظام؛ لأنها تُفقد النظام الاستبدادي أقوى أدواته الأساسية :العزلة والخوف والسيطرة على الإنسان. عندها تبدأ إرتريا بالانتقال من دولة يحكمها القمع إلى وطن يحكمه أبناؤه بإرادتهم الحرة وعلى أساس الشراكة والحرية و المسؤولية الوطنية .
ፕረሲደንት ኣሜሪካ ሮናልድ ትራምፕ፡ ብ16 ጥሪ 2026 ናብ መራሒ ግብጺ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብጉዳይ ፈለግ ኣባይ ዘሎ ናይ ነዊሕ ግዜ ዘይምርግጋእ ክሽምግል ቅሩብ ምህላዉ ጠቒሱ። ኣብቲ ብቕዳሕ ናብ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ስዑድ ዓረብን ኤመረትን ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቕ ጉጅለ ፍልስጥኤም ሓማስን ስምምዕ ንክብጻሕ ንዘበርከቶ ኣመስጊንዎ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ኣተሓሒዙ፡ ብመንጽርቲ ምስ ኣልሲሲ ዘለዎ ውልቃዊ ዕርክነትን ኣሜሪካ ምእንቲ ሰላም ዘለዋ ቅሩብነትን ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ሓላፍነታውን ርትዓውን ምምቕራሕ ማይ ዘረጋግጽ መፍትሒ ንምምጻእ ድልውነት ከም ዘለዎ ኣብቲ ደብዳበ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ብዓብይ ተገዳስነት ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያ ውሕስነት ማይ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ ምባሉ ተጠቒሱ። ብዘይካዚ ዝኾነት ሃገር ኣብዚ ወሳኒ ሃብቲ ማይ ፈለግ ኣባይ በይናዊ ናይ ምቁጽጻር መሰል ክህልዋ ከምዘይግባእ ኣብቲ ደብዳበኡ ሓቢሩ።
በቲ ናብ መራሒ ግብጺ ዝተጻሕፈ ደብዳበ መሰረት፡ መንጎኝነት ኣሜሪካ ኣብ ተክኒካዊ፡ ርትዓውን ግሉጽን ዘተን ቀጻሊ ምቁጽጻርን ምትሕብባርን ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘተኮረ ክኸውን ከም ዝደሊ ኣብቲ ደዳበ ኣስፊሩ።
ከምኡ እውን ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ማይ ኣብ ግዜ ዝተናወሐ ደርቂ ግብጽን ሱዳንን እኹል ማይ ዝረኽባሉን ኢትዮጵያ እኹል እትጥቀመሉ ማይ ክትረክብ ዘኽእል ከም ዝኸውን ክግበር እንከሎ ምዃኑ ድማ ጠቒሱ። እቲ ደብዳበ ምናልባት ኢትዮጵያ ብቲ ማይ ካብ ዘማዕበለቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንግብጽን ሱዳንን እትልግሰሉ ወይ እትሸጠሉ ኩነታት፡ውን ክፍጠር ይኽእል ይብል።
ኣብ መወዳእታ ደብዳበ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ብሰንኪ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ቅድሚ ምድያቡ ምፍታሕ ብቐዳምነት ሰሪዕዎ ዘሎ ኣጀንዳ ምዃኑ ኣነጺሩ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድምጹ ኣጥፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ምስተን ንኤርትራዊ መድረኽ ማዕከናት ዜና ብሒተን ዘለዋ መራኸቢታት ህግደፍ ቃለመጠይቕ ኣካይዱ። ቃለመጠይቑ ከም ወትሩ ብዙሓት ዝደጋገሙ ኣዛረብቲ ዝዕባታት ዝተንጸባረቕሉ ነይሩ። ካብኡ ሓደ “ከምቲ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቕ” ዝበሃል፡ ብኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት ዘይምጅማሩ እዩ። እዚ ከኣ መርኣያ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ኣብክንዲ ዘድህብ፡ ደገድገ ከም ዘመዓዱ ናይ ምድህላሉ ሕዱር ግና ፍሹል ተመኩረኡ እዩ።
ኣብቲ መወዳእታ ዓቕሙ ተጸንቂቑ፡ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሃቦም ሕቶታት ዝሓትዎ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ራሕሪሕዎም ክትንስእ አብ ዘዕለብጠሉ ዝነበረ ግዜ፡ ከምቲ “ንፍርዲ ኣይርትዑና” ዝበሃል፡ “ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ” ዝምልከት ኢሉ ዝጠቐሶ ርኢቶታት ኣገራሚ እዩ። ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ክገልጽእ እንከሎ፡ ከም ልማዱ “ኤርትራ ትሕተ-ቅርጻ መንገዲ፡ እኹል ዝስተ ማይን ሓይሊ ኤለክትሪክን የብላን” ዝብል ኣረጊት ቁዘማ ኣስሚዑ።
እዚ ሕቶ ሕጽረትን ብኩራትን ብኸመይ ክምለስ ከም ዝግበኦ እውን ካብቶም ዝጠቐሶም ምኽንያታት፡ ኣብዚ መዳያት ክእለትን ኣፍልጦን ዘለዎ ዓቕሚ ሰብ ዘይምህላዉ ዝብል መመኽነይታ ክህብ ፈቲኑ። እንተኾነ “እሞ ነዚ ሕጽረት’ዚ ናይ ምምልኡ ሓልፍነት ደኣ ናትካ እንድ’ዩ?” ንዝብል ሕቶ ከኣ ከም ወትሩ መልሲ ኣይነበሮን። እዚ ድማ ብሓቂ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ተሓሪምዎም ዘሎ ልምዓት ኣሻቒልዎ ዘምጸኦ ሓሳብ ዘይኮነ፡ የሽካዕልል ከም ዝነበረ የመልክት። ካብዚ ሓሊፉ ንይምሰል ኣብ መዳያት ፖለቲካን ሰብኣዊ መሰልን ዘይምጥቃሱ ክሳብ ክንደይ ካብ ባህጊ ህዝብና ከም ዝረሓቐ ዘርኢ ብሩህ ምልክት ምኳኑ ዘነጽር እዩ።
እዚ ዝተጠቕሰን ካልእን ልምዓታዊ ብኩራት ንከይማላእ ዝዓንቀፈ እሞ ኣብ መጻኢ ክርከብ’ዩ ካብ ዝበሎም ብቑዓት ክኢላታትን ምሁራትን ዘይምህላዎም እዩ ዝበሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሓድሽ ተረኽቦ ምንጋር ኣይመድለዮን። ምኽንያቱ እቲ ነዚ ሃጓፍ ክመልእ ዝግበኦ ዝነበረ፡ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ዝነበሮ መንእሰይ ብሰንኪ እቲ ዲክታተር ካብ ሕቑፍኡ፡ ሃጽ ኢሎ ዓዲ ጓና ዝሰፈረ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ። በቲ ካልእ ወገን ናይዚ ክኢላን ምሁርን ዘይምህላው ጠንቂ ኢሳያስ ባዕሉ ምዃኑ’ውን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ።
ኤርትራ ካብ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዋላ ሓንቲ ዘየብላ ሃገር ኣውሪድዋ ዘሎ ኢሳያስ እዩ። ነቲ ኤርትራ ዩኒቨርሲቲ ኣልባ ዝገበረ ገበኑ ንምሽፋን ድማ፡ “ነዓና ዘድልየና ዓብይ ባጅላታት ኣይኮነን” እናበለ ተመጻዲቑ። እዚ ኣበሃህላኡ ነተን ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝምረሐ ብሕጽረት መምህራንን ናይ ትምህርቲ መሳርሕን ዝሳቐያ ዘለዋ ኮለጃት ናብ ምምጓስ ዝዓለመ እዩ። እንተኾነ እቲ ኣብዘን ወተሃደራዊ ትካል ዝመስላ ኮለጃት ዝተማህረ ዝርካቡ መንእሰይ እውን፡ ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና፡ ምስዋርን መጭወይትን ህግደፍ፡ ግዳይ ስደት ኮይኑ ከም ዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ሕብረተሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ሰባኣዊ ትካላትን’ውን ዘሻቕል ዘሎ ተርእዮ ምዃኑ ዘንጊዕዎ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ክዉን ሓቂ ክሃድም ስለ ዝደለየ እዩ።
ሰላምን ምርግጋእን ናይ ልምዓት ቅድመ-ኩነት እዮም ዝበሎ፡ ህዝብና’ውን ኣቐዲሙ ዝፈልጦን ንክገሃድ ዝጽዕረሉን እምበር፡ ካብ ኢሳያስ ዝንገሮ ሓድሽ ኣምር ኣይኮነን። መንዩ ኤርትራን ህዝባን ሰላምን ቅሳነትን ተዋሒስሎምን ካልእ ቅድመ-ኩነት ተማሊእሎምን “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ኢሎም ኣራጢጦም ናብ ልምዓት ንከየድህቡ፡ ዕንቅፋት ኮይንዎም ዘሎኸ፡ ኢሳያስ ኣይፈልጦን’ዩ ንምባል ደኾን ይኸውን?።
ቅድሚ ሕጂ ፍሽለት ህግደፍ ኣብ ምህናጽ ልምዓት ሃገር ንምሽፋን፡ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ጀሚሩ ንብዙሓት ወገናት ተሓተቲ ገይሩ ከቅርቦም ዝጸንሖ፡ ተቐባልነት ኣይነበሮን ሎሚ’ውን የብሉን። ናይ ቀረባ ግዜ ተመኩሮ ንጥቀስ እንተ ኢልና’ኳ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ኣትዩ ክዋጋእ ዘጥፈኦ ህይወትን ዘባኸኖ ጸጋን ኣብ ልምዓት ኣውዒልዎ እንተዝነብር፡ ገለ ካብ ሕቶታት ህዝብና ምመለሰ። ስለዚ ኢሳያስ ቀንዲ ነዚ ዛዕባ ዝጠቐሰሉ ምኽንያት ሎሚ’ውን ዝኣምኖ ከምዘይረክብ’ኳ ዝርደኦ እንተኾነ፡ “እቶም ሰላምን ምርግጋእን ዝኸሉእና እዮም ነቲ ዘይምዕባይና ተሓተቲ” ዝብል መህደሚ ንምፍጣር ዝመሃዞ ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ “እንታይ መልእኽቲ ተመሓላልፈሎም?” ምስተባህለ፡ “ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ከውፍሩ እጽውዖም” ዝበሎ ኣገራሚ እዩ። ተመሊሶም ኣብ ሃገሮም የውፍሩ ቅድሚ ምባሉ’ኮ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሃገሮም ወፍሪ ተሓሪምዎም፡ ኣብ ስደት ከውፍሩ ዘገደዶም ኣግላልን ቀናእን ምምሕዳሩ ምዃኑ ክእመንን ኣብ መጻኢ ከምኡ ከምዘይደግም ቅዋማዊ ውሕስነት ክረኽቡን ምተገብኤ። ስለዚ ትማሊ ኣብ ዓዶም ናይ ምውፋር መሰል ንዝነፈጎም ኤርትራውያን ሎሚ ተገልቢጡ ክጽወዖም እንከሎ ኣሚነሞ ንክምለሱ ድሌት ሃልይዎ ዘይኮነ፡ “ኢሉ ነይሩ” ንክበሃልን ንክዋራዘን ምዃኑ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ተወኪስካ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን።
እቲ ካልእ ንብዙሓት “እዚ ሰብኣይሲ ምስ ውነኡ ድዩ ዘሎ?” ዘበለ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካላትን’ውን ዘሻቕል ዘሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ናይ ምውሳድ ሸበድበድ ዝምልከት ክሕተት እንከሎ፡ “እዝስ እንተዘይለዓል መሓሸ ነይሩ” ዝበሎ እዩ። ኣብቲ እንዳዕጠጠየ ዝሃቦ መልሲ ከኣ፡ ነቲ እዋናዊ ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ዝምጥን ኣይኮነን።
ንኤርትራዊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዘውሓሰን ንዕድራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕድል ዘይህብን፡ ኣድማሳዊ ተቐባልነት ዘለዎ፡ ብተመኩሮ ዝሃብተመ ፖለቲካዊ ጭብጥታት፡ ታሪኻዊ መርተዖታትን ዓለም ለኻዊ ቻርተራትን ሕግታትን ኣብ ክንዲ ተንቲኑ ኣየቕረበን። ኣብ ክንድኡ መሰረታዊ ኣብ ዘይኮነ፡ ቆይቊን ጸርፍን እዩ ኣትዩ። ነቲ ትማሊ ባዕሉ“ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ብዝብል ዘሻደኖ መራሒሕ ኢትዮጵያ ሎሚ ተገልቢጡ፡ ኣብ ክንዲ ብፖለቲካዊ መዕቀኒ ዝገልጾ፡ ብንዓኡ’ውን ብዝምልከት ተራ ናይ ሕርቃን ቅጽላት ምግላጹ፡ ነቲ ሓደገኛ ወስታ ዕቱብ ኣመኻኽታ ኣይኮነን።
እቲ ዝያዳ ግዜ ዝወሰደሉ ዝሓለፈን ዘሎን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ንሱ ዝተነጽገሉን ተመኩሮ ምልዓሉ ነውሪ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግና ዕለታዊ ህይወቱ ዝትክንፍን ዝያዳ ዘገድሶን ኣይኮነን። እቲ ናብ ኤርትራ ዝመጣጠር ዘሎ ግህሰት ልኡላውነት ኣባና ዝድረት ዘይኮነ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ብዙሓት ክገልጽዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እምበር፡ ካብ ኢሳያስ እንሰምዖ ዘለና ሓድሽ ገምጋም ኣይኮነን።