1 ክፋል

ምምሕዳር ውደባዊ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብዕለት 22 ጥሪ 2026 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ዕላማ ናይ’ዚ ኣኼባ፡ ነቲ ብጻውዒት ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ፖ.ሓ.ኤ  ብዕለት 17ን 18ን ጥሪ 2026 ዝተኻየዱ  ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባታት ምግምጋምን ክሳብ መጻኢ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ክፍጸሙ ዝግብኦም መደብ ስርሓት ንምትላምን እዩ ነይሩ።

ኣባላት ምምሕዳር ኣቐዲሙ ዝተሰላሰለ ሓፈሻዊ ኣኼባ ብትሕዝቶን ተሳትፎን እወንታዊ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ምብጻሕ ዕድመ ኣኼባ፡ ኣብ’ቶም ኣብ ጨናፍር ኰነ ዞባዊ ስርርዓት ጌና ዘይኣተዉ ዘለዉ ባእታታት ሓበሬታ ብኣግኡ ክበጽሖም ዘይምኽኣሉ  ሓደ ካብ’ቲ  ሕጽረታት ምንባሩ ተጠቒሱ። ኣኼባ ምምሕዳር ክሳብ መጠረስታ ለካቲት 2026 ክፍጸሙ ዘለዎም ክልተ ኣገደስቲ ናይ ትግባረ-መደባት ድሕሪ ምንጻር፡ ኣባላት ኣብ ከባቢኦም ብትግሃት ንምፍጻሞም ክጽዕቱ ተማሕጺኑ።

ብዕለት 17 ጥሪ ነቲ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ክፍለ-ዓለማት ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃ እስያን፥ ብ18 ጥሪ 2026 ከኣ፡ ነቲ ብጀኦግራፊካዊ ኣቐማምጣኡ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ዘለዎ ኣብ ኣውስትራልያን ኒዩዚላንድን  ዝርከቡ ኣባላት ዘጠቓለለ ኣኼባታት ፖ.ሓ.ኤ ኢዩ ተኻይዱ። ኣኼባታት፡ ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ብዘቕረበቶ መእተዊ ቃል’ዩ ተኸፊቱ። እቲ ኣኼባ ድሕርቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ንፈለማ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ዕላማኡ ኣብያተ- ጽሕፈት ፖሓኤ ዘሰላስልዎ ዕማማትን ናይ መጻኢ መደባትን ንምሕባር እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ምንጻር ዕላማ ናይቲ ኣኼባታት፡ ሓለፍቲ ነፍስወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ብተርታ መግለጺኦም  ከቅርቡ ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡  ኦቦ መንበር ፖሓኤ፡ ንተሳተፍትን ኣዳለውትን ኣኼባ ብምምስጋን ሰናይ ኣኼባታት ክኸውን ትምኒቱ ገሊጹ፡፡ ኣብ ሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ኲነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡  ሃገርና ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት  ምህላዋ፥ ካብ ዘላቶ ሃለዋት ንምውጻእ  ቃልስታትና ከነሐይል ከምዘድልየና፥  ከባቢና ብምልኡ ብኲናት ይሕመስ ምህላዉን ዓለምና ሓያላት  ንኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን እናጠሓሱ ድላዮም ዝገብሩላ እንዳዀነት ትኸይድ ምህላዋን ኣብሪሁ። ኣብ ርእስ’ዚ፡  ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 2023 ጀሚሩ ዘየቋርጽ ዘመተን ናይ ውግእን ወረ ውግእን ደበናን የንጸላሉ ብምህላዉ  ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኰይኑ ኣሎ ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብቓልስን መስዋእትን ዘረጋገጾ  ልዑላውነትን ናጽነትን ኣሕሊፉ ከምዘይህብ እምነት ፖ.ሓ.ኤ ምዃኑ ኣስሚርሉ።  ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ ንጹር መትከላትን  ኣብ መጽናዕትን ዝተመርኰሰ ክኸውን ብዕቱብነት ይስርሓሉ ከምዘሎ ኣሚቱ።

ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብወገኑ፡ ንዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ በይናዊ ምንቅስቓስን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ናይ ውድባት ኣዐዋቲ ከምዘይነበረ ብምግንዛብ፥ ነቲ ኣብ 2024 ዓ.ም ብደረጃ ሰለስተ ጽላላት ክዕመም  ዝተጀመረ ሓባራዊ ወፍርን  ኣብ 2025 ዝተፈጸሙ ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት፡ ማለት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም መነባብሮን ክማላእ ዘለዎ ውሕስነታትን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕን  ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተመርኰሰ ልዑላውነትን  ሃገራት ምኽባርን ብኣውራኡ ድማ ምቅላዕ ንጨቋኒ ስርዓት ኤርትራን  ዝብሉ ዛዕባታት ሓቢሮም ክሰርሑ ምጽንሖም ሓው የውሃንስ ኣስመላሽ ኣብሪሁ። ከምኡ’ውን፡ ምስ ህልዊ ኩነታት ንምግምጋምን ንምግጣምን ርክብ ናይ ሰለስቲኡ ጽላላት ኣብ ሓጺር ሓጺር ግዜ ክግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና፡ ምምሕዳር ድሕሪ ምቛሙ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ክሰላሰሉ ዝጸንሑ ዕማማት ንደገ ዘትኮረ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጽላል ንዝካየድ ንጥፈታት ቀዳምነት ብምሃብ ክሰርሑን ንዘለዎም ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ንምምላእን ኣብ ቀጻሊ ጻዕርታት ምጽናሖምን ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሕባር፥ ክሳብቲ ዕለተ ኣኼባ ንጥፈታት ፖሓኤ ብጽሑፋትን ብድምጽን ኣብ ህዝቢ ንምብጻሕን ክስርሓሉ ከምዝጸንሐ ሓው ኢስማዒል ገባይታ ሓቢሩ። ዜናዊ ስርሓት ፖ.ሓ.ኤ  ናይ ህዝብን ናይ ኩሉ ኣባል ተሳትፎን ምትሕግጋዝን ከምዘድልዮ ድማ ኣሚቱ።

ቀጺሉ ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፡ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብዛዕባ ውደባ ክንዛረብ እንከለና  ብዛዕባ  ውሽጣዊ ጉዳይና ንዛረብ ኣለና ማለት ኢዩ ኢሉ። መበገሲ መደብ ዕዮ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ድማ ኣብ ሰለስተ ስርዒታዊ መሰላል ማለት ጉባኤ፡ ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ኣካልን ብዝህብዎ ዕማማት ከምዝብገስ፡ ነዚ ዕማማት’ዚ ንምፍጻም ድማ ኣብ ውሽጢ ኣባላትን መሪሕነትን ፖሓኤ  ሰለስተ ነገራት ከምዘድልዩ ኣመልኪቱ። እቲ ቀዳማይ ሞራላዊ ቅሩብነትን ድልውነትን ኰይኑ፡ ውሽጣዊ ሓያልነት ዝፈጥር እዩ። ሓያልነት ናይ ፖሓኤ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ሓያልነት ናይ ውልቀ ነቲ ጽላል ዘቑማ ውድባት ከምዝምርኮስ፥ እቲ ካልኣይ ውደባዊ ዕዮን ቀጻልነቱን ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡ ውደባ መወዳእታ ዘይብሉ ቀጻሊ መስርሕ ከምዝኾነ፡ ብኣሰራርሓ ዝግዛእ፡ ሕጽረታትን ዓወትን ዘለዎ መስርሕ እዩ ክብል ኣብሪሁ። ብዘይካዚ ባዕላዊ ሕጽረታት ናይ ውሽጥና ስለዝኾነ ክንውግዶ ከምእንኽልን ነቲ ወድዓዊ ሕጽረታት ድማ ክንገጥሞ ክምዝግባእ’ውን ጠቂሱ።

ኣስዒቡ፡ ኣብ ቅድሜና ዓበይቲ ዓመታዊ ዕማማት ምህላዎምን ከነዐውቶም ክንንጽሮም ከምዘለናን ድሕሪ ምምልካት፡ ኣብቲ ብሓባር ዘለናሉ ቦታታት  ብናይ ሓባር ኣባላት ዝቆማ ዘባታትን ገለ ጨናፍርን ምህላወን፡ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ክንበጽሖ ዘይከኣልና ቦታታት’ውን ስርርዓትና ንኽንስርት ከምዝግባእን ኣብ ውሽጥና ድልዱል ምትእስሳርን ምትእምማንን ፈጢርና ናብ ህዝቢ ክንወርድ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ምዃኑን ኣብሪሁ።፡ 

 ይቕጽል……………..

 

ዊልያም ጋውንርላይ፡ ዝተባህለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝበጸሐ ኣውስትርያላዊ ጸሓፍን ተመራማርን፡ ኢትዮጵያ ነታ ንእሽቶ ጐረቤታ ሃገር ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ክወስድ እየ ብዝብል  ከተፈራርሓን ከተስግኣን ትፍትን ከም ዘላ ገልጹ። ነዚ ዝገለጸ ናብ ኤርትራ ገይሹ ካብ ዝተዓዘቦ ስምዒት ዝተረደኦ ምዃኑ ጠቒሱ ኮንቨርዘሽን  (conversation) ኣብ ዝተባህለ መርበብ ኣብ ዘውጸኦ ትዕዝብታዊ ጽሑፍ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ቀረባ  ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ብምምላስ “ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጥረ ናይ ታሪኽ ጌጋ ከነእርም ኢና “ ከም ዝበለ’ውን ኣብቲ መጽናዕታዊ ሚዛኑ ኣስፊሩ።

ኣብቲ መገሻኡ ኣብ ጐደናታት ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ፡  ግብረ-መልሲ ናይቲ ህዝቢ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እንታይ ምዃኑ ኣይስማዕን ኢሉ እቲ  ጸሓፊ። ኣብ ኤርትራ መዲያ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምቁጽጻር መንግስቲ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣዝዮም ውሱናት ደቂ ኣስመራ ግና ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ምዕባለታት ኣፍልጦ ዘለዎም ይመስሉ ከኣ ይብል።  

እዚ ምስ ውሱናት ነብርቲ ኣስመራ ምቅርራብ ምስ ገበርኩ ዝተረዳእኩዎ እዩ እውን ኢሉ። እቶም ውሱናት ክዛረቡ ዝደፍሩ ኣብ ትሕቲ’ቲ  ካብ ኣፍሪቃ ዝኸፈአ ወጽዓ ኮይኖም ዝዛረቡ እዮም ክብል ድማ ገሊጽዎም። ህልዊ ዝምድና ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ድማ ነቲ ህዝቢ ኣጨናቒ’ዩ ኢልዎ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ግዱድ ውትህድርና ንከቐጽል ዕድል ከም ዝኸፈተሉ ዝገለጸ እቲ ኣወስትርያላዊ ጸሓፊ፡ ዓሰብ ካብ ሽዑ ንደሓር ንኢትዮጵያ ንግዳዊ ኣገልግሎት ምሃባ ከም ዘቋረጸት ምርድኡ ገሊጹ።

ኣብቲ ርክቡ ምስ ህዝቢ፡ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ወተሃደራዊ  ምድላው ምግባርን ሓድነት ኤርትራውያን ምድልዳልን ኣድላይ ነይሩ ኢሉኒ ድማ ይብል። ኢሳያስ ግና ጌና ሎሚ እውን ዝቃወምዎ ኣብ ምህዳን ምህላዉ ከም ዝገለጸሉ ከኣ እቲ ጸሓፍን ተመራማርን መስኪሩ።

እዚ ጸሓፊ ንድሕሪት ምስል ኢሉ፡ ኢሳያስ ብምዕራባውያን፡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ነጻ ዕዳጋን ከሰጉም’ዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ከም ዝነበረን፡ በዚ መሰረት ብ1995 ብናይ ሽዑ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ቢልክሊንተን ኣብ ዋይትሃውስ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኪሩ።

Saturday, 24 January 2026 22:01

Dimtsi Harnnet Sweden 24.01.20226

Written by

ኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው

ምኽትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኣሚሪካ፡ ኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው ካብ 24 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እቲ ኣንበሳደር ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ፡ ኩባንያታትን ኣውፈርትን ኣሚሪካ፡ ኣብ ግብጺ ዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ከም ዝዕዘብ ወሃቢ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ። ከምኡ እውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግብጺ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ  ኣሚሪካ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ቁጠባዊ ትካላት ከም ዝራኸብን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ተራኺቡ  ብዛዕባ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ። ከምኡ ድማ ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ  ብዛዕባ ሰላምን ንግዳዊ ምትሕብባር ኣሚሪካን ኣፍሪቃን ከም ዝዝቲ ተፈሊቱ’ሎ።

ብዘይካዚ እቲ ኣንበሳደር፡ ኣብ ኬንያ፡ ብዛዕባ ንግዳዊ ጉዳያትን ጉዳይ ምንቅስቓስ ፈጠርቲ ራዕድን ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይታ ሃገር  ከም ዝዛረብን ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሀይትን ኣብ ካልእ ምርግጋእን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዝምልከት ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ ጅቡቲ ድማ  ብዛዕባ ግደ መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ንግዳዊ ንጥፈታትን ከም ዝመያየጥ ተፈሊጡ። ምስዚ ኩሉ ከኣ እቲ ኣንበሳደር ቀዳምነታት ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ መዳያት ምርግጋጽ ንግድን ካልእ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ከም ዘስርጽ እውን እቲ ንመገሽኡ ብዝምልከት ዝተዘርግሐ መግለጺ ኣረዲኡ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ብጉልባብ ዳመ-ህንጻ ጋዛ (ፍልስጥኤም) ኣበጊስዎ ዘሎ ናይ ሰላም ቦርድ/board of peace” ንህላወ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስግእ ምዃኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ስግኣተን ይገልጻ’ለዋ። ፕታምፕ ነዚ ካብ ዝጅምሮ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ኮይኑ ኣብቲ ብ21 ጥሪ 2026 ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ቁጠባዊ መድረኽ ዓብይ ኣዛራቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ቀሪቡ።

ትራምፕ ነቲ ዝምስርቶ ዘሎ ናይ ሰላም ቦርድ፡  ባዕሉ  ዝመርሖ ኮይኑ፡ 7 ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ከም ዝርከብዎ ይጠቅስ፡  ኣባላት ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ክኾኑ ሓጽይዎም ካብ  ዘሎ፡ ናይ ኣሜሪካ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን   ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪታንያ ቶኒ ብሌርን ከም ዝርከብዎም ተመልኪቱ’ሎ።

በቲ መደብ ትራምፕ መሰረት ናይዚ ቦርድ ኣባል ንምዃን ዕድመ ዝተገብረለን ሃገራት ፈቓደኛታት እንተኮይነን፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ናይ ምኽፋል ግደታ ኣለወን። ክሳብ ሕጂ ነቲ ዕድመ ኣኽቢረን ቅሩነተን ኣርእየን ዘከለዋ መብዛሕትኣን ሃገራት ዓረብን ወሽመጥን እየን። ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጆርዳን፡ ኢንዲኒዥያ፡ ፓኪስታን፡ ኳታር፡ ኢመራት፡ እስራኤልን ቤላሩስን ይርከበአን ካብተን ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢለን ዘለዋ እየን።

ሓያሎ ሃገራት መብዛሕተአን ካብ ኤውሮጳ ግና፡  እዚ ብጉልባብ ምህናጽ ጋዛ ዝረአ ዘሎ ተብግሶ   ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት መንዚዕካ  መተካእታ ናይ ምዃን ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎ ብዝብል ኣይተቐበለኦን።

ህንዲ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ ቫቲካን፡ ኣየርላንድ፡ ሮማኒያ፡ ፊንላንድ፡ ግሪክ፡ ጃፓን፡ ኦስትሪያ፡ ኣወስትራሊያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ታይላንድ፡ ደቡብ ኮርያን ካለኦትን ካብተን መጸዋዕታ ከም ዝበጸሐን ኣረጋጊጸን ጌና ኣውንታዊ ምላሽ ዘይሃባ እየን። ሩሲያ ከኣ እቲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካብቲ ኣጊድኩምዎ ዘለኹም ገንዘብና ውሰዱ ዝብል ምላሽ ሂባ’ላ። ብሪጣንያ፡ ፍራንስ፡ ነርወይ፡ ኢጥልያን ስሎቨኒያን ከኣ እተን ንኣባልነት ቦርድ ሰላም ትራምፕ ዝነጸግኦ እየን

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንሓንሳብ ናይቬንዙዋላን  ደሴት ግሪንላንድን ንሓንሳብ ድማ ናይ ኢራን ኣጀንዳታት ዘደይብን ዘውርድን ዘሎ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕሊላ ከም ዝወጸት ብወግዒ ኣውጁ፡ ንብዙሓት ኣሻቒሉሎ።

Thursday, 22 January 2026 20:55

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 22.01.2026

Written by

ሽዱሽተ ውድባት ትግራይ፡ ብ22 ጥሪ 2026 ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን። እዘን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ኣብ ትግራይ ዕጡቓት ይኹኑ ዘይተዓጥቁ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሳተፍሉ ናብ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዘብጽሕ ናይ ሰፊሕ ኣኼባ ክካየድ ጸዊዐን። እተን ውድባት ነዚ ዝጠልበኦ ዘለዋ ሰፊሕ ኣኼባ ንክግበር ክሰርሓ ከም ዝጸንሓ እውን ኣብቲ መግለጺአን ኣመልኪተን።

እቲ ዝሓተኦ ዘለዋ ሰፊሕ ዘተ እንኮ መዋጽኦ’ኳ እንተኽኾነ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እዚ ናይ ህልውና ወሳኒ ዝኾነ ስራሕ ከይዕወትን ኣብ ክንዲ ናብ ሰላም ናብ ግጭት ንከምርሕን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክትዕንቅፍ ከም ዝጸንሐት ከሲሰን። ህወሓት ፖለቲካዊ ሜዳ ትግራይ ናይ ሰላም ዘይኮነ፡ ናይ ህውከትን ዓመጽን ንክኸውን ምስ ከም ፋኖን ህግደፍን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ጽምዶ ምክያድ መሪጻ ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።

ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ምስኡ ዝግበር ምሕዝነት ዘይመትከላውን ንወተሃደራዊ ተግባራት ዘገልግልን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺአን ኣስፊረን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ጉዳይ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኣስረ ብሪጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት “ይዕፈኑ ኣለዉ” ዝበለኦምን ከም ዘተሓሳስበን እተን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ሻቕሎተን ሓቢረን።

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ እተን ውድባት፡ ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት ዝተዓፈኑን ንክፍትሑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ጽምዶ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ክቋረጽ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ብመንገዲ ኣሳታፊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ፡ ህወሓት ብስም ውጉኣት 6 ቢልዮን ብር ካብ ህዝቢ ትግራይ ክእክብ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ክቋረጽን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጐኒ እተን ውድባት ክስለፍን ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪበን።

ነዚ ናይ ሓብር መግለጺ ዘውጸኣ ውድባት ትግራይ፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና)፡ ውድብ ናፅነት ትግራይ(ናፅነት)፡ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን(ዓረና)፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ሳወት)፡ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ(ትሰእፓ)ን ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)ን እየን።

እዚ ናይዘን ውድባት መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ን7ይ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2026 መረጽቲ ዝምዝገብሉ ጣብያታት ክሳብ 1 ለካቲ 2026 ኣነጺሩ ከፍልጥ ኣብ ዘፍለጠሉ እዩ።

ሚኒስተር ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ፡ ሃኒ ስወይለም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ብምህናጻ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ዘውረደቶ ጉድኣት ክትክሕስ ኣለዋ ዝብል መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ፡ ሶማሊ ሪፖርተር (Somali report) ዝተባህለ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።

ግብጻዊ ሚኒስተር ሃኒ ስወይለም፡  ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ናይ ሃገሩ ሰነይት ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ ምዃኑ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ሚኒስተር ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓብይ ግድብ ብውልቃዊ ውሳነ ሓንቲ ሃገር ኣብ ፈለግ ናይል ተሃኒጹ ከምዘይፈልጥ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ዓይብ ህዳሰ ሓጽቢ፡ ካብቲ ግብጺ ካብ ፈለግ ናይል ክትረኽቦ ዝነበራ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ማይ፡ 38 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ከም ዝጐደላ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

  ኢትዮጵያ ነቲ ሓጽቢ ዝሃነጸቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምጫውን ንዋሕዚ ናይቲ  ናብ ሱዳንን ግብጽን ዝውሕዝ ማይ፡ ንምምዕርራይን ኢላ ከም እትገልጾ ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ግብጺ ከምዚ ዝኣመሰለ ኢትዮጵያ ዘይተጽበየቶ ሕቶ ካሕሳ ተቕርብ ዘላ፡  ድሕሪቲ ፕረሲደንት ኣሜሪካ  ትራምፕ ብ16 ጥሪ 2026፡ “ቅድሚት ካብ ዝሰርዖ ኣጀንዳ እዩ” ብዝብል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ናይል ክሽምግል ምዃኑ ምፍላጡ እዩ።  ነቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሽምግልና መጸዋዕታ፡  ግብጽን ሱዳንን ብሓጐስ ከም ዝቕበለኦ እየን ኣረጋጊጸን። ብፍላይ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ንተበግሶ ፕረሲደንት ትራምፕ ብኽብሪ ከም ዝገልጾ እዩ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ግና ንመጸዋዕታ ሽምግልና  ትራምፕ ኮነ ንሕቶ ካሕሳ ግብጺ ዝምልከት ዝሃበቶ መልሲ የለን።

Page 1 of 631