ጨንፈር ሰዲህኤ-ስዊዘርላንድ: ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ፖሓኤ EPF ዝርከቦ ኣኼባ ኣካያዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብዕለት 19 ጥቅምቲ 2025፡ ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊዘርላንድ፡ ሓው ጎይትኦም ክፍሎም፡ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝርከቦ ኣገዳዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊዘርላንድ ምስ ኣባል መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ክራኸብ እዚ ናይ መጀመርያ ግዜኡ ነይሩ።
ቅድሚ መድረኽ ንሓው ጎይትኦም ምሃቡ፡ ሓው ዳዊት ኣብርሃምን፡ ኣቦ መንበር ጨንፈርን ተሓባበርቲ ብጾቱን ናይ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሃለዋት ጨንፈር እሕጽር ኣቢሎም ኣቕሪቦም። ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ሓው ወልደሱስ ዓማር እውን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሃለዋት ሰልፍን ደንበ ተቓውሞን ገሊጹ።
ካብዚ ቀጺሉ፡ መድረኽ ንኣባል ፖሓኤ ተዋሂቡ። ብወገኑ፡ ሓው ጎይትኦም ብዛዕባ ተበግሶ ምምስራት ፖሓኤን ናይ ዝመጽእ ሓባራዊ መደባቱን ገሊጹ። ብፍላይ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓጺር እዋን ጨንፈር ሰዲህኤ ምስ ካልኦት ኣባላት ፖሓኤ ዝኾኑ ባእታታት ሓባራዊ ኣኼባ ንምክያድ ጻዕሪ ክገብር ከም ዝኾነ ኣተንቢሁ። ብወገኑ ሓው ወልደሱስ፡ ንኣባል መሪሕነት ፖሓኤ ምስ ጨንፈር ሰዲህኤ እስፍሕ ኣቢሉ ክገልጽ እንከሉ፡ ሓው ጎይትኦም፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምስሳን ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ ከባቢ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ክብ ዝበለ እጃም ከም ዝነበሮ ሓቢሩ። ካብዚ ብምግባስ ከኣ፡ ንመሰረታት ፖሓኤ ኣብ ምብርባር ኣገዳሲ ግደ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ መግለጺ ብምርካቦም ድሕሪ ምምስጋን፡ እቲ እተተንበሀ ሓባራዊ ኣኼባ ፖሓኤ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀረባ ግዜ ክግበር ተላብዮም።
ብ21 ጥቅምቲ 2025 ክኽፈት ተሓሲቡ ዝነበረ ዝተሓደሰ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን በቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ከም ዝተዳጐየ ቢቢሲ ሓቢራ። በቲ ዜና መሰረት እቲ መዓርፎ ነፍርቲ ኣብ 24 ሰዓታት ክልተ ግዜ እዩ ተወቒዑ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝጠቐስዎ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪቲ መጥቃዕቲ ዳግማይ ውሕስነት ናብ ዘየብሉ ደረጃ ወዲቑ’ሎ።
ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ብወገኑ ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝገለጾ፡ ብ22 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ደቡባዊ ወገን ከተማ ካርቱም ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ንካላኣይ ግዜ ድሮናት ክዝንብያ ከም ዝተራእያን ሓይሊታት ምክልኻል ኣየር ናይቲ መንግስቲ ኣብ ምክልኻለን ተጸሚዶም ከም ዝነበሩን ሓቢሩ። ድሕሪቲ ድምጺ መከላኸሊ ተኹሲ ከቢድ ነትጒ ከም ዝተወምዐ’ውን ጠቒሱ።
ብ21 ጥቅምቲ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሑ ነቲ ዘጋጠመ ውሱን ጉድኣት ከም ዝተዓዘበ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብወገኖም ኣፍሊጦም። ኣዛዚ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ጀነራል ዳጋሎ ሕመቲ ብወገኑ፡ ኣብ ሱዳን ዝኾነ ናይ ውግእ ነፈርቲ ዝጥቀማሉ መዓርፎ ነፈርቲ ብድሮን ክውቃዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ምምሕዳር መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ብወገኑ፡ ኣብ መጻኢ መዓስ ከም ዝኽፈት ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ኣብቲ መኽፈቲ ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ካርቱም ብዝግበር ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር በረራ ክጅመር መደብ ከም ዝነበረ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት “መንገዲ ኣየር ባድር” እትበሃል ናይ ግሊ ኩባንያ፡ ካብ 22 ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2025 ሰሪዓቶ ዝነበረት ናይ በረራ መደባት ከም ዝተናውሐ ጠቒሳ ብ26 ጥቅምቲ በረራ ከም ዝህሉ ድማ ኣመልኪታ’ላ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ኣድላይ እንተኮይኑ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኤርትራ ናይ ድሮን ደብዳብ ከም ዝፍጽም ምጥንቃቑ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መድያታት ሓቢረን።
ዞባና ምስቲ ተበሃጊ ኣቀማምጣኡ፡ በብግዜኡ ኣዛረብቲ ፖለቲካዊ ክስተታት ዝረኣይሉ ከባቢ እዩ። ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ምስእንግንዘብ፡ ሃገራት ከባቢና ካብ ሕድሕድ ምውጣጥን ምክሳስን ሓሊፎም፡ ግዳይ ውግእን ህልቂትን ክኾና ምጽነሐን ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፉ ይኹኒ ዘለዎ ናይተን ሃገራት መንግስታት ኮኑ፡ መዕንገልቶም ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣኖም ክብሉ፡ ዝፍጠሩ ጸገማት ንምግዳድ ዓረቕቲ መሲሎም ክሕምሱ ከም ዝጸንሑ ታሪኽ ዝምስክሮ’ዩ። እነሆ ድማ ሎሚ፡ እቲ ካብ ኣጀንዳነት ኣዕሪፉ ዘይፈልጥ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ዞባና ሓሊፉ ኣህጉራዊ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።
ኣዛራብነት ኤርትራን ኢትዮጵያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልምዓት፡ ሰላምን ምትሕባርን ዝተሰረተ፡ ናብ ብሩህ መጻኢ ዘማዕዱ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ቋንቋ ውግእን ምውጣጥን ዝቃልሓሉን ስግኣትን ሻቕሎትን ህዝብታት ዘርኢ እዩ። እዚ ዘይርጉእ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ብዝተፈላለዩ ኣካላትን መልክዓትን ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ብመንጽር’ዚ ገለ ኣብቲ ጉዳይ ተዋፊረን ካብ ዘለዋ ካብ ርኢቶ ናይቶም መንግስታት ናጻ ዘይኮና መርበባት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ምስቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ዓብይ ኣጀንዳ ዝዛመድ፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታታት ተጻራሪ ናይ ሓሳባት ምምንጣላትን ምክሳስን ተዘርጊሑ። ካብኡ ኣብ ሆርን ረቪው (HORN REVIEW)፡ “ናይ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ንኤርትራዊ ሃገርነት ናይ ምስሓብ ጉዳይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብእንግሊዘኛ ዝወጸ ሰፊሕ ጽሑፍ ሓደ እዩ።
ኣብቲ ዝወጸሉ መርበብ እምበር፡ ጸሓፊኡ ዘይተጠቕሰ ብዙሓት መዲያታትን ኣንበብትን ዝተቐባበልሉ ጽሑፍ፡ “….. ኢትዮጵያ ንሓንቲ ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ እሞ እታ ኣፍልጦ ዝተዋህባ ሃገር ጥቕሚ ዘየብላን ጠንቂ ዘይምርግጋእን እንተኮይና፡ በቲ ኣቐዲማ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ተቐይዳ ክትነብር ትግደድ ድያ?” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፡ “እዚ ጉዳይዚ ምልዓልና መሰረት ዘየብሉ ኣይኮነን” እውን ይብል። “ንሓንቲ ሃገር ኣፍልጦ ዝወሃብ ብመንጽር ረብሓኻን ልኡላውነትካን ኮይኑ፡ ነባርን ዘይቅየርን ኣይኮነን” ዝብል ምስ ኣስዓበ ከኣ፡ “ዓለም ለኻዊ ሕጊ’ውን በቲ ሓንሳብ ንልኡላውነት ዝሃብካዮ ኣፍልጦ ተቐይድካ ንበር ኣይብልን’ዩ” ዝብል የስዕብ።
“ቀዋሚ ሃገር ንምዃን 4 መሰረታዊ ጉዳያት ክማልኡ ይግበኦም፡ ንሳቶም ከኣ፡ ቀዋሚ ህዝቢ፡ ብንጹር ዝተኸለለ ከባቢ፡ ኣድማዒ መንግስትን ብቑዕ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክትፈጥር ምብቃዕን እዮም” ዝብል ሓሳብ ድሕሪ ምስፋር ድማ፡ “ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ንኣርባዕቲኡ መምዘንታት ሃገርነት ኣይትበቕዖን’ያ” እንዳበለ ይህውትት።
በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ቢኮን (RED SEA BEACON)፡ ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሐበሬታ “ዘይቅየር ሓቂ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብተመሳሳሊ ዝወጸሉ መርበብ እምበር፡ ጸሓፊኡ ብውልቂ ዘይተጠቕሰ፡ ሰፊሕ ጽሑፍ “ ….. ናጽነት ኤርትራ ብኢትዮጵያ ዝተዋሕሰ፡ ወይ ኣብ ድሌት ኣዲስ ኣበባ ዝተንጠልጠለ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ኣብ ናጽነት ካብ መግዛእቲ ዝተሰረተ፡ ብደምን መስዋእትን ዝተዋሕሰ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተረጋገጸን ብናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ሃገራዊ ግብራዊ ጉዕዞ ዝተመኮረን እዩ። ነዚ ንምኽሓድ ዝቐርብ ሓሳብ ከኣ ትንታነ ዘይኮነ ልብ-ወለድ’ዩ።” ዝብል መልእኽቲ ዝርከቦ ግብረ-መልሲ ኣስፊሩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምምንዛዕ ኢሉ ዘቕርቦ ኣገራሚ መርተዖታት፡ “ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ልኡላውነት ሃገርን ቁጠባዊ ዕቤት ስለ ዘይረጋገጽ፡ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኮይና ስለ ዘይትፈልጥ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ ኣሃዛዊ ብልጫ ስለ ዘለዎ፡ ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ኩሉ ዝከታተሎን ዝግረመሉን ዘሎ እዩ።
ነዞም ነዚ “ዕባራ ምኽንያታት” ዝድርድሩ “እሞ ኢትዮጵያ ኮነት እተን 44 ካብአን 16 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዓለም ልኡላዊ ዘይኮናን ቁጠባዊ ዕቤት ዘየርእያን እየን ማለት ድዩ?፡ ዶብ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ናብ ካልእ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ቀረባ ስለ ዝኾነት ወናኒት ባሕሪ ክትከውን የኽእላ’ዩ ማለት ድዩ?” ንዝብሉን ዝኣመሰሉን ሕቶታት መልሲ ከምዘየብሎም ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ እዞም ምኽንያታት ተባሂሎም ተደጋጊሞም ዝቐርቡ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ቦታ ከም ዘየብሎም ብሩህ ስለ ዝኾነ።
ነቲ ኣብ መርበብ ሆርን ረቪው ዝወጸ ጽሑፍን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምኽኑይ ንምምሳል ዝደጋገሙ ሓረጋትን ኣብ ርእሲቲ ናይ መርበብ ቀይሕ ባሕሪ ቢኮን፡ ኣንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብዛዕባ ህልዊ ምፍጣጥ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ብዘይካ ኣብተን ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝተቘረነትለን 1952-1962፡ ከምኡ'ውን ንፈደረሽን ብኢደ ወነኑ ብምፍራስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንኤርትራ ኣብ ዝጐበጠሉ እዋን ካብ 1962 ክሳብ ናጽነት ኤርትራ 1991 ኣብ ዝነበራ 39 ዓመታት፡ እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ ትበሃል ዘላ ሃገር ገማግም ባሕሪ ወኒና ከም ዘይትፈልጥ ታሪኽ ንባዕሉ ህያው ምስክር እዩ።” ብዝበሎ ክራጐድ እንከሎ፡ “ጥራሕ ዝባኑ ከም ዝወጽእ” ርዱእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ውግእ እተተኻይዱ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ኣብይ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኽፍሎ ዋጋ ከም ዝህሉ’ውን ከስተውዕል ነዘኻኽሮ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈን ዘሎን ላዕልን ታሕትን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን፡ ብልጽግና እንተ ተጠቒምሉስ ምኽሮም ይልግሱ ኣለዉ። ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብደረጃ ወተሃደርነት ይኹን ብሲቪል ላዕለዋይ በዓል መዚ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ግዜ ዝሰርሐ፡ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓደ እዩ።
ሻለቃ ዳዊት “ርእዮት-መዲያ” ምስ ዝተባህለት ዩቱብ ብዛዕባ’ዚ ሎሚ ዝለዓል ዘሎ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ኣነ ሓላፊ ኮይነ ብቐረባ ከም ዝፈልጦ፡ ኤርትራ ድሕሪ 1993 ናጻን ልኡላዊትን ሃገር እያ። ወድብ ዓሰብ ከኣ ካብ ግዜ ጥልያንን እንግሊዝን ጀሚራ ኣካል ኤርትራ እያ ነይራ። ሕጂ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ወደብ ክትከውን እትኽእለሉ ሕጋዊ ዕድል የለን። ኤርትራ ብድሌታ ምስ ኢትዮጵያ ብኮንፈደረሽን እንተ ሓቢራ ግና ኢትዮጵያ ተጠቃሚት ክትከውን ትኽእል እያ። እቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ጥሒስካ ብሓይሊ ምውናን ዝብል ግና መዋጸኦ ኣይኮነን።” ይብል። ሰማዒ እንተረኺቡ ከኣ ርኢቶ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ “ኣብ ባይታ ዝወድቕ ኣይኮነን።”
መንግስቲ ስሪላንካ ካብ 7 ሕዳር 2024 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ባሕሪ ዜጋታቱ ክፍትሑ ጸዊዑ። እቲ መጸዋዕታ ክሳብ ሕጂ ንምፍታሕ እቶም እሱራት መንግስቲ ኤርትራ ንምዕጋብ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ናብቲ ጉዳይ ቅርበት ዝጸንሖም ወገናት ኣፍሊጦም።
እዞም ዜጋታት ስሪላንካ ኣብ ኩባንያ መራኽብ ኣዘርባጃን ክኢላታት ጸጥታ ኮይኖም እናሰርሑ፡ እተን መራክብ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ክሊ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ዝኣተዋ ምስኣተን ተታሒዞም ዝተኣሰሩ እዮም። መንግስቲ ኤርትራ ነተን ሰለስተ መራኽብን 18 ዜጋታት ኣዘርባጃንን ንዝተወሰነ ግዜ ኣሲሩን ዝጸዓነኦ ንብረት ራስዩን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢጥ 2025 ክፈትሖም እንከሎ እዩ ነዞም 6 ስሪላንካውያን ኣሲሩ ኣትሪፍዎም።
እዞም ዜጋታት ስሪላንካ ኣብቲ ዝተኣስርሉ ግዜ ምስቲ ሒዘምዎ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ምሳርሕታት ናይ መንነት ሰነዳቶም እውን ከም ዝተወስደ ተሓቢሩ። በቲ ሓበሬታ መስረት መንግስቲ ስሪላንካ ዜጋታቱ ንምፍታሕ ብዝተፈላለዩ መንገድታት’ኳ ምስ ኤርትራ ዝርርብ እንተካየደ ውጽኢት ክርከቦ ኣይተኻእለን። ኣብ ርእሲዚ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ስሪላንካ እቶም ግዳያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ኢዱ ከእትዉ’ኳ እንተ ተሓተተ ክሰልጦ ኣይከኣለን። ናይቶም ዝተኣስሩ ግዳያት ናይ ጡረታ ደሞዝ ኣብ ሃገሮም ስለ ዝተኣገደ ስድራቤታቶም ኣብ ጸገም ወዲቖም ከም ዘለዉ ድማ ተሓቢሩ።
ኣብ ካይሮም ዝርከብን ጉዳይ ኤርትራ’ውን ዝምልከቶ ኤምባሲ ሲሪላንካ፡ ነቶም እሱራት ብኣካል ንክበጽሖም ዘቕረቦ ወገዓዊ መጸዋዕታ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ተልእኮ ስሪላንካ ብኤምባሲ ኣዘርባጃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢሉ፡ ነቶም 6 ሰባት ንምፍታሕ ዝገበሮ ጻዕሪ እውን ኣይተዓወተን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ በቲ ሓደ ወገን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ስሪላንካ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ተራኺቡ ንምዝርራብ መደብ ክህልዎ እንከሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እሙናት ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ መንግስቲ ሲሪላንካ ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ሽምግልና እሱራት ኣቢሉ ጻዕሩ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።
ትካል ገንዘብ ዓለም (IMF)፡ ኣብ ዝገበሮ ቁጠባዊ ዳህሳስ፡ ብሰንኪ እኹል ኣሃዛዊ ሓበሬታ ዘይምርካብ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር ናይ ሃገራት ዳግማይ ከም ዝዘለላ ኣፍሊጡ። ነዚ ኩነታት መሰረት ገይሩ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ካብ ዓለምለኻዊ ገንዘባዊ ቀጥዒ ወጺኣ ዘላ ሃገር ዘርኢ እዩ’ውን ኢሉ።
እቲ ትካል ነዚ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ዘውጸአ፡ ኣብ 14 መስከረም 2025 ኣብ ዝዘርግሖ ፍርቂ ዓመታዊ ጸብጻብ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት ዓለማዊ ቁጠባዊ ዕቤት፡ እቲ ኣብ 2025 ናይ 3.2% ዝነበረ ናይ 2026 ድማ 3.1% ከም ዝኸውን ኣሚቱ። በቲ ትንበያ መሰረት መብዝሕትአን ሃገራት ዝርዝር መጻኢ ቁጠባዊ ዕቤተን ከመይ ከም ዝመስል ዝሕብር ዝርዝር ክረኻ እንከለዋ፡ ኤርትራ ግና ካብቲ ዝርዝር ስለ ዝተሰረዘት ንዓኣ ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይወጸ ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክደጋገም ዝጸንሐ ምዃኑ ሓቢሩ።.
ትካል ገንዘብ ዓለም፡ ግቡእ ትልሚ ንዘየውጸኣን ኣሃዛዊ ሓበሬታ ናይ ዘየቕርባ ሃገራት ግምት ከቕርብ ከምዘይክእል ጠቒሱ፡ ኤርትራ ከኣ ብመሰረት እቲ ዓንቀጽ 4 ዝበሃል ምምኽኻር፡ ብዘይካ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ሓደ ግዜ ንዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶታ፡ ዓቐን ዝቕባበኣ፡ ልቓሕን ንግዳዊ ኣፈጻጽማን ዝሃበቶ ሓበሬታ ከምዘየለ ኣቃሊዑ።
ብሰንኪ’ዚ ንገንዘባዊ ኣጠቓቕማኣ ዘርኢ ኣህጉራዊ ምልክታ ዘይምህላዉ ካብቲ ዝርዝር ናይ ሃገራት ክትስረዝ ግድን ኮይኑ ኢሉ። በዚ መሰረት ምስ ጐረባብታ ሃገራት ክረአአይ እንከሎ ኣቀራርባኣ ዘይብሩህ ምዃኑ ሓቢሩ፡ ኢትዮጵያ’ኳ ሳላ’ቲ ንትካል ገንዘብ ዓለም ዘቕረበቶ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ኣብ 2024 ኣስታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትረክብ ምኽኣላ ኣስፊሩ።
ናይ ኤርትራ ካብቲ ዝርዝርን መርኣያን ናይቲ ትካል ምብኳር፡ ንትካላዊ ቁጠበኣ ኣዝዩ ከም ዘድክሞ ኣስፊሩ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ክቱር ቁጠባዊ ምቁጽጻር፡ ውሑድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዕቋርን ኣዝዩ ድሩት ኣጠቓቕማ ባንክን፡ ድሕሪት ትተርፍ ኣላ ኢሉ። እቲ ብ2019 ኣቕሪባቶ ዝነበረት ጸብጻብ’ውን፡ መርእያ ዝሕተላን መጠንቐቕታ ከቢድ ሕጽረትን ምንባሩ እዩ ኣመልኪቱ።
ባንዴራ ሒዛ ዘላ ሱዳናዊት ናብ ከተማ መደኒ ካብ ዝተመልሱ ሓንቲ’ያ።
ኣብ ሱዳን ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ካብቶም ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ዝነበሩ 2.6 ሚልዮን ሱዳናውያን፡ ሰራዊት መንግስቲ ሓደሓደ ቦታታት ክቆጻጸር ምስ ከኣለ ናብ መረበቶም ከም ዝተመልሱ ዓለምለኻዊ ውድብ ሰደተኛታት (IOM)፡ ብ16 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ናይቶም ካብ ወርሒ ሕዳር 2024 ክሳብ መስከረም 2025፡ ናብ ቦታኦም ምምላስ ምስ ምምሕዳራት ሲናር፡ ጋዛን ካርቱምን በቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምትሓዝ ከም ዝተሓሓዝ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ካብቶም ናብ መረበቶም ዝተመልሱ ልዕሊ 2.6 ሚልዮን እቶም 2.1 ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ዝነበሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ግብጺ፡ ሊቢያን ደቡብ ሱዳንን ካብ ዝርከብአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተመለሱ ምዃኖም እውን እቲ ዓለም ለኻዊ ውድብ ስድተኛታት ኣብቲ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ።
ናይቲ ዓለም ለኻዊ ውድብ ጸብጻብ ብተወሳኺ ከም ዘመልከቶ፡ ካብቶም ተመለስቲ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናብ ከተማ ካርቱም፡ ልዕሊ 97 ሺሕ ናብ ጀዚራ፡ 194 ሺሕ ናብ ሲናር፡ 168 ሺሕ ናብ ብሉ ናይልን 102 ሺሕ ከኣ ናብ ሰሜን ዳርፎር ምዃኖም ዝሕብር ዝርዝር ኣቕሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካብቲ ካብ ከተማ ካርቱም ተመዛቢሉ ዝነበረ 3.7 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ቀረባ ግዜ እቲ ናብ ንቡር መነባብሮኡ ዝምለስ 2.7 ክበጽሕ እዩ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኣብ ሱዳን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን ህዝቢ ናብ ዝተፈላለዩ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ዝተመዛበለ ጸብጻባት ክጠቕሱ ምጽነሖም ዝዝከር እዩ።
ባህግና Eri-Bahgna Media 19.10.2025 ማሕበራዊ መድያ ንእወንታ፡ ስምዕታ ንህዝቢ ኢትዮጵያ
Written by Eri-BahgnaMedia
More...
ዳይረክተር ደቡብ ሱዳን ኣብ ሲቪላዊ ምዝገባ፡ ዜግነትን ፓስፖርትን ሜ/ጀነራል ኢሊያ
ባዓል መዚ ኢሚግረሽን ደቡብ ሱዳን፡ ብ15 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ 17 ኤርትራውያን ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ። እቲ ማእሰርቲ ኣብ ክልተ በበይኑ ኣጋጣሚ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ጠንቁ ከኣ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ተሓቢሩ። ናይታ ሃገር ሓላፊ ሲቪላዊ ምዝገባ፡ ዜግነትን ፓስፖርት መጀር ጀነራል አሊኣስ ኮስታ ፋውስቲኖ፡ እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክሰግሩ ክብሉ ከም ዝተታሕዙ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ናይ 10 ጥቅምቲ 2025 ናይ መጀመርያ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም 14 ኤርትራውያን ኣብ ዶባዊ ከተማ ኣወኢል ኣብ ሰሜን ባሕረ-ጋዛል ከም ዝተስሩን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ መርመራ ከም ዝርከቡ እቲ ጀነራል ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካለኦት ከኣት ሕንቲ ጓለንስተይትን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ጥቓ ፓሎች ዝተባህለት ከተማ ምትሓዞም ጠቒሱ። እዞም ኤርትራውያን ብዘይ ብቑዕ መንቀሳቐሲ ስለ ዝተረኽቡ ናይ ክሲ ፋይል ከም ዝተኸፍቶም’ውንእቲ ዲረክተር ጀነራል ጠቒሱ።
ጀነራል ቾስታ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገሩ ዝተታሕዙ ጉዕዘኦም ምስቲ ብሰዳን ኣቢልካ ደሓር ድማ ናብ ሊቢያን ባሕሪ መደትራኒያን ኣቋሪጽካ ናብ ኤውሮጳን ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣተሓሒዝዎ። እቲ ተረኽቦ ናይ መጀመሪያ ከምዘይኮነን ነዊሕ ሰንሰለት ከም ዘለዎን እውን ኣስሚርሉ። እቶም ዝተኣስሩ ካብ 20 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም ምዃኖም ከኣ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ኣብ ኬንያ “ኣቦ ዲሞክራሲ” ብዝብል ዝፍለጥ ፖለቲከኛ፡ ራይላ ኦዲንጋ ዓሪፉ
Written by ቤት ጽፈት ዜና ሰዲህኤ“ናይ ኬንያ ኣቦ ዲሞክራሲ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ኬንያዊ ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ፡ ብ15 ጥቅምቲ 2025 ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ሃገረ ህንዲ ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረሉ ከም ዝዓረፈ፡ ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን። ኦዲንግ ናይ ሃገሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ “ኣዚሞ ላ ኣዚሚዮ ኡሞጃ (ሓንቲ ኬንያ)” ኮይኑ፡ 5 ግዜ ንፕረሲደንትነት ተወዳዲሩ ከም ዘይተዓወተ ታሪኽ ህይወቱ ይምስክር።
ብ16 ጥቅምቲ 2025 ኣስከሬኑ ካብ ህንዲ ናብ ሃገሩ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጀሞ ከኒያታ፡ ዝተኣከበ ደጋፊኡ ስለ ዝበዝሐን ንምቁጽጽጻሩ ስለ ዝኣገመን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንግዜኡ ምሉእ ብምሉእ ንክዕጾ ናይ ግድን ኮይኑ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ። ኣስከሬኑ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ቤተመንግስቲ ተወሲዱ ብህዝቢ ክረአ’ኳ መደብ እንተነበረ፡ ህዝቢ መካበብያ ናይቲ ቤተመንግስቲ ክጥሕስ ስለ ዝጀመረ፡ ካብ ከተማ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ናብ ዝርከብ ሞይ ማእከል ስፖርት ከም ዝተወስደ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ስታድየም እውን ደገፍቲ ኦዲንጋ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተሓዝአ ቦታ ብሓይሊ ጥሒሶም ክኣትዉ ምስ ጀመሩ፡ ፖሊስ ነቲ ዕግርግር ንምቁጽጻር ተኹሲ ከፊቱ 3 ሰባት ከም ዝተወቕዑ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዓሌቱ ኣብ ዝርከብዎ፡ ቦንዶ ኣብ ዝበሃል፡ ካብ ከተማ ኪስማዩ ንወገን ምዕራብ 60 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ናይ ሕርሻ ቦታኡ 18 ጥቅምቲ 2025 ከም ዝቐበር ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኬንያ ናይ 7 መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ’ሎ።
ኦዲንጋ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዃን ምስ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዩሱስፍ ተወዳዲሩ ከምዘይተዓወተ’ውን ዝፍለጥ እዩ።