ጳጳሳት ኦርተዶክሳዊት ቤተ ክርስትያ ትግራይ፡ ብ1 ሕዳር 2024 ኣብ ቤት ጽሕፈታ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ምስ ዝመርሕዎ ልኡኻቶም ብኣካል ኣራኺቡ። ኣብቲ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ስነ ስርዓት ርክብ፡ እቶም ጳጵሳት ከም ዝገለጽዎ፡ ናብዚ ንክብጻሕ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ክጽዕሩ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።
ኣተሓሒዞም ድማ ድሕሪ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ናይቶም ሓለፍቲ እናተመላለሱ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ሰላም ጻዕሪ’ ክልቲኦም መራሕቲ “ጸገምና በቲ ሕግና መሰረት ብልዝብን ዘተን ክንፈትሖ ኢና” ዝብል ቃል ከም ዝኣተውሎምን ናይቲ ምርኻብ ዕላማ ድማ ክልቲኦም ብኣካል ኣብ ዝተረኽብሉ ንምብሳር ምዃኑ እውን እቶም ኣቦታት ጠቒሶም።
እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላውን ምሉእ ብምሉእ ተፈቲሑ ማለት’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ደረጃ ምብጻሕ፡ እቲ ጸገም ኣብ ሓጺር ግዜ ምሉእ ብምሉእ ንክፍታሕ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እቶም ጳጳሳት ኣመልኪቶም። ኣስዒቦም ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓቢሮም “ጸገምና ብልዝብ ፈቲሕና” ዝብል ብስራት ሒዘምልና ንክመጹ ተስፉዋት ኢና ኢሎም። ፖለቲከኛታት እኳ እንተዘይኮኑ ንሳቶም እውን ነቲ መስርሕ ከም ዝከታተልዎ ጠቒሶም።
ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ተጋሩ ፖለቲከኛታትን ነናቶም ወገን ክድግፉ ዝጸንሑ ነጠፍትን ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታትን፡ ነቲ ብጻዕሪ’ታ ቤተ-ክርስትያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክንእድዎ እንከለዉ፡ “ክሳብ ክንደይ ክትግበር እዩ? ዝብል ስኽፍታ ከም ዘለዎም ግና ኣይሓብኡን።
መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ፡ ብመጽር’ዚ ጳጳሳት ትግራይ ዘርኣይዎ ቅዱስ ተበግሶ ክምዘኑ እንከለዉ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ህዝቢ ዘይኮኑ ናይ መንግስቲ መሳርሕን ጸግዕን ኮይኖም ከም ዘለዉ ምርዳእ ይከኣል።
ኣብ ኤርትራ ብሓገዝ ጉጅለ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክከታተል ዝጸንሐ ሓይሊ መሊሻ ሱዳን፡ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ሱዳን ንምስላፍ ናብ ከሰላ ከም ዝተፋነዉ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ። እቶም ጀነራል ኣልኣሚን ዳውድ ብዝተባህለ መኮነን ዝምርሑ ኣባላት መልሻ፡“ምብራቓዊ ቦጠለኒ” ብዝብል ዝጽዋዕ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ምብርቓዊ ቦጠለኒ ዝበሃል ኣሃዱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክዕለዉ ዝጸንሑ ጉጅለታት ሱዳን ኮይኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ኮይኑ፡ ከባቢኡ ካብቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ድማ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ በቲ ዲክታተር ኤርትራ ምስቲ ብጀነራል ኣርልቡርሃን ዝምራሕ ውና ከተማኡ ናብ ፖርት ሱዳን ቀይሩ ዘሎ መንግስቲ ከም እትስለፍ ከም ዝገለጸሉ ናብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኢሳያስ ኣብቲ ምስቶም ጋዜጠኛታት ዘካየዶ ርክብ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ክኣቱ ከም ዘይደሊ፡ ከምኡ መግበሪኡ ምኽንያቱ ድማ ፖለቲካ ሱዳን ብሰንኪ ናይ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ናብ ፖለቲካዊ ምርኢት/ባዛር ተቐይሩ ከም ዘሎ ምዃኑ ከም ዝጠቐሰሎም እቲ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ከም ዘሰልጥን ዝኽሰስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ ኣካል ናይቲ ብኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ኪዳን ክገብሮ ከም ዝደሊ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።
ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብቋንቋ ዳኣ ይፈላለ’በር ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ዓለም ልሙድ እዩ። ትርጎሙ ከኣ ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ዝርከብ ብርኩት እቶትን ሓቢርካ ኣብ ምቅላስ ዝሕፈስ ኣድማዒ ዓወትን ምምልካት እዩ።
ኤርትራውያን ናይ ሓባር ጸገም ሓቢርካ ብምቅላስ ጥራይ ከም ዝፍታሕ፡ ካብ ቀደም ዝርድእዎ ኣምር እምበር ከም ሓድሽ ዝንገሮም ኣይኮነን። ሓቢርካ ዘስርሕን ዘቃልስን ዘተኣማምን ባይታ ምጥጣሕ ቀሊል ከም ዘይኮነ እውን ካብ ተመኩሮኦም ዝግንዘብዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ብደሆ ከከም ግዜኡን መድረኹን ባህሪ ናይቲ ትቃለሶ ጸላእን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ካብ 40ትታ ጀሚሩ ከሳቕዮም ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ቅድሚ ብረታዊ ቃልስና ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢርካ ንምስላፍ ወሳኒ ኣጀንዳ ነይሩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና እውን ኣጀንዳ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክኽፈል ዝነበሮ ኣብ ሕድሕድና ዘኽፈለና ሃገራዊ ዋጋ ክድገም ዘይግበኦ ኣሉታዊ ስንብራት ኣካል ታሪኽና ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ጸላእትና እውን ስልትታቶም ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ካብ ቀደሙ ሓቢርና ምስላፍና ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ፡ ንምዝራግና ዘይተኹተኹዎ ከፋፋሊ፡ ስምዒትን ዘይኳሕኩሕዎ ማዕጾን ኣይነበረን። ሎሚ እውን ህግደፍ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ንምዝራግ፡ ጸጋ ሃገር ሰሊዑን ጐሓላሉ ኣዋፊሩን፡ ተንኮላት ኣብ ምእላምን ዕንቅፋታት ኣብ ምፍጣርን ተጸሚዱ ኣሎ። እንተኾነ ናትና ሕመቕ እንተዘይሓጊዝዎ ኩሉቲ ዝእለም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝተመኮርናዮ ስለ ዝኾነ ኣይክዕወትን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መድረኻት ብሰንኪ ውዲት ጸላእቱ ሓድነቱ ተዘሪጉ ክንድቲ ዝሓስብዎ መፍቶኦም ኣይኮነን እንተኾነ ምሉእ ብምሉእ ንምፍልላይን ምርሕሓቕን በዲሁ፡ ጸረ ሓድነቱ ሓይልታት ተስፋ ቆሪጾም ኢደ-እግሮም ኣብ ዝእክብሉ ደረጃ ስለ ዘየብጽሖም ንሓድነት ዝግበር ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሎሚ እውን “ሓቢርካ ምቅላስ ሰለምናይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ካብ ምቕራብ ዓዲ ዘይውዕል ዘሎ። ነዚ ክንሓትት እንድረኽ እምበኣር፡ ኣንጻር ፈላላይ ተንኮላት ህግደፍ ዝምክት ዘተኣማምን ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከነውሕስ እነካይዶ ቃልሲ ጀሚርናዮ’በር ኣብቲ ዝድለ ዘተኣማምን ብራኸኡ ስለ ዘየብጻሕናዮ ኢና።
ህግደፍ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻሩ ዝቃለሱ ተቓወምቱ ሓይልታት፡ ናይቶም “ደገፍተይ እዮም” ዝብሎም ወገናት ሓድነት እውን ኣየቕስኖን እዩ። ዘራጊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝድረት ዘይኮነ ዶብ ሰገር እውን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ህግደፍ ኣንጻር ኩሎም “ሕብረትናን ሓድነትናን ነሕይል” ዝብሉ ወገናት በታኒ ሴፍ ካብ ምምላሕ ዓዲ ዘይውዕል። ናይቲ ጉጅለ ከምኡ ምዃን ካብቲ ኣመጻጽእኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ጥልመትን ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ናይቶም ብሓባር እንተዘይተቓሊስናዮ ኣደዳኡ ከም እንኸውን እንፈልጥ፡ ካብቲ መጻወድያኡ ዘይምውጻና ግና ዘተዓዛዝብ’ዩ። ክሳብ ሎሚ ዘቃልሰና ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ከነደልድል ዘይምብቃዕና፡ ዓቕሚ ብምስኣና ዘይኮነ፡ ክንድቲ ንኽእሎ ክንገብር ቅሩባት ዘይምዃና ዘመልክት እዩ። ቅሩባት እንተንኸውን ምስቲ ዝሓለፍናዮ፡ ክመሃረሉ ንዝደሊ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ ናይ ምእካብን ምፍልላይን ተመኩሮና ክእለትን ኣፍልጦን ኣይምወሓደናን።
ዓቕምን ተመኩሮን ብቕሩብነትን ትግሃትን እንተዘይተሰንዩ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። እቲ ዘይቅርቡነት ሓቢርካ ተቃሊስካ ንክትዕወት ክትከፍሎ ዝግበኣካ ንክትከፍል ድልዊ ብዘይምዃን እዩ ዝግለጽ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ወሳኒ ኣገዳስነት ውዳበ ምዕዛዝ፡ ሓላፍነትን ስልጣንን ቅድሚ ባህጊ ህዝቢ ዘይምስራዕ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምኽባር፡ ክትስማዕን ክትሰምዕን ቅሩብ ምዃንን ዝኣመሰሉን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ናይ ሕልና ድሉውነት እንተዘይኮይኑ፡ ቁጠባውን ካልእ ነገራውን ብደሆታት ዘስዕብ ኣይኮነን።
“ሓቢርካ ምቅላስ ስለምንታይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ መልሱ ቀሊል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ተደጋጊሙ ዝተመለሰ እዩ። ረብሓኡ ተመሳሳሊ ክነሱ፡ በበይኑ ዝስለፍ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታት ጠርኒፍካ “ጸዊዑ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ዓቕሚ ምፍጣር ዝብል ሓደ ካብቲ መልስታት እዩ። ሓቢርካ ምቅላስ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካን ቀዳምነት ሰሪዕካን ምቅላስ ማለት እምበር፡ ምእንቲ ብዙሕነት እናተቓለስካ፡ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ መማረጺ ጸጋ ዘንጸባርቕ ፍልልያት ምውጋድ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን መዓስ ነየናይ ቅድሚት ትሰርዕ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በቲ ካልእ መልክዑ ብሓባር ምቅላስ ናይቲ ብምፍልላይናን ምርሕሓቕናን ክውሕጠና ዘንባሁቕ ጐረሮ ጸላኢ ምዕጻው ማለት እውን እዩ።
ንርከበሉ ዘለና ቀልጢፉ ዝለዋወጥ ተሃዋኢ መድረኽ፡ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ለውጥን ጥራይ እንሻቐለሉ ዘይኮነ፡ ብዛዕባታ ብዓባያ ሃገረ ኤርትራ እውን ዝያዳ እንስከፈሉ እዩ። ከምቲ “ኩሉ ግዜ ደሓን ሓደ እዋን ግና ዘይደሓን” ዝበሃል፡ ዕንደራን ደገደገ ምምዕዳውን ህግደፍ “ናይ ቀደሙ እዩ” ኢልካ ትሓልፎ ኣይኮነን። ስለዚ “ህግደፍ ብኸመይ ይውደቕ፡ ምምሕዳር ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቱኸ ከመይ ይኹን” ኣብ ዝብል ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ከ እንታይኮን የጋጥማ?” ንዝብል ስኽፍታ እውን ቆላሕታ ምሃብ ኣብ እንግደደሉ ግዜ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ሓቢርካ ብምቅላስ እምበር በበይንኻ ብምውፋር ዝዕመም ከይምዘይኮነ ከቶ ክንዝንግዖ ዘይብልና እዩ።
ሶማሊያ መቃድሾ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፈጻሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ዲፕሎማት ዓሊ መሓመድ ኣደም ኣብ 72 ሰዓታት ክወጽእ ከም ዝወሰነት ናይታ ሃገር ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣብ ዘይምልከቶ ምንቅስቓስ ክሳተፍ ከም ዝተረኽበ ከሲስዎ።
እቲ መግለጺ ኣንበሳደር ዓሊ ካብቲ ንዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን መሰል ዲፕሎማትን ዝምልከት ናይ ቪየና ሕጊ ወጻኢ ተንቀሳቒሱ ኢሉ ከም ዝኸሰሶ እውን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብወገና ኣፍሊጣ። ቅድሚ ሕጂ ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝነበረ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ሙክታር መሓመድ ዋረ ከም ዝተሰጐገ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ነቢያት ጌታቸው፡ ብዛዓብቲ ፍጻመ ብሚድያታት ተሓቲቱ መልሲ ከም ዘይሃበ ድማ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ እንግሊዝ ኣፍሊጣ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ድሕሪቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ንሳ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ፡ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝከውን 20 ትርብዒት ኪሎሜተር መሬትን ናይ ወደብ ኣገልግሎትን ንክትህባ መረዳድኢ ሓሳብ (Memorandum of Understanding (MOU) ምፍርራመን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ተፈጢሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ሶማሊያ ኣንጻር ልኡላውነተይ ዝተወስደ ኢድ ኣእታውነት እዩ ብዝብል ኣንጻር ኢትዮጵያ ክሲ ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። ነዚ ተኸቲሉ ሶማሊያ፡ ኤርትራን ግብጽን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኪዳን መስሪተን ከም ዘለዋ ዝዝከር እዩ።
Eritrea’s last minute withdrawal from Confederation of African Football CHAN 2024
Written by Martin Plaut
BBC Tigrinya reported that Eritrea withdrew from the Confederation of African Football (CAF) without providing any explanation to the organisers. CAF has confirmed Eritrea's withdrawal from the CHAN 2024 Qualifiers, resulting in the cancellation of the upcoming matches at Juba National Stadium. Although CAF's Competitions Division was annoyed by this last minute decision, it extended appreciation to all involved parties for their understanding of this unfortunate last minute withdrawal. Given the political history between Eritrea and Ethiopia, this fixture was expected to be a highly charged affair, according to many sports commentators. The first match was going to be played on Thursday, October 31st in Juba, with the return leg scheduled for Saturday, November 3rd. The upcoming schedule had created a buzz in social media. Many Eritreans were talking about how Eritrea's national football team resurrected to face Ethiopia for the first time since January 2020 when they lost 1-0 at home in Asmara to Sudan in a friendly. Well, it wasn't meant to be. BBC Tigrinya reported that Eritrea, a country plagued by defections of its players, lacked resources and foresight in neither partaking nor hosting international matches. As a result, the Eritrean men's national team rarely get the opportunity to play in international football matches. The team has not played an international match in four years, largely due defection concerns. According to experts the cancellation must have broken the hearts of many members of the national team, including many fans. The TotalEnergies African Nations Championship (“CHAN”) 2024 will be played between 01 - 28 February 2025. The first round of qualifiers will now be played on the weekend of 25-27 October 2024 without Eritrea. CHAN is scheduled to be hosted by Kenya, Uganda, and Tanzania. Now the 3rd and 4th matches of the first round which were set to be played between Eritrea and Ethiopia at Juba National Stadium will no longer proceed as planned. Following Eritrea's withdrawal, Ethiopia will instead compete against either Sudan or Tanzania in the final. qualification round. |
ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ንሓደ ካብ ምልክትላቱ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝወከሎ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ዝጸሓፎ ናይ ውክልና ደብዳበ ነቲ ስጉምቲ ንክወስድ ደሪኹኒ ዝበሎ ምኽንያት ኣስፊሩ’ሎ።
ኣብ ደብዳበኡ “ናብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ስለ ዝወጽእ፡ ኣብልዕሊ ናይቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ናይ ስራሕ መደብ ደሪብኩም ናይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ ንክትሰርሑ ዝተወከልኩም ምዃንኩም ኣፍልጥ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።
ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ዝተዘርግሐ፡ ክታሙን ማሕተምን ዘስፈረ ደብዳበ ቅዳሕ ናብ ዝተፈላለያ ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ዘርጊሕዎ።
ገለ ወገናት ነቲ ስጉምቲ ከምቲ ብጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ክሳብ ዝምለስ ዝሰርሕ “ውክልና እዩ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ከኣ ብምስጢር ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ናይ መወዳእታ ናይ ኣቶ ጌታቸው ካብ ሓላፍነት ምውራድ እዩ ይብልዎ ኣለዉ።
ነቲ ናይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዝያዊ ውክልና ከኣ፡ ክሳብ ቀጻሊ ምርጫ ዝጸንሕ እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ እቲ ውክልና ዘሕልፎ መልእኽቲ እናተባህለ ዝጥቀስ ዘሎ ድማ “ፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ” ካብቶም ክዋጠጡ ዝጸንሑ ክልተ ኣካላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣውጺእካ ንመንጎኛ ጀነራል ንምሃብ ዝቐረበ መፍትሒ ንክኸውን፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፖለቲከኛታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ትግራይ ብምልዛብ ዝተበጽሐ ፍታሕ ምዃኑ’ውን ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ይወድቕ’ሎ” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ተጋሩ ምሃዎም እውን ይግለጽ ኣሎ።
ሱዳናዊ ጋዜጠኛ ዓብደል ማጂድ ዓብደል ሓሚድ
ኣብ ሱዳን ደጋፊ ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምዃኑ ዝፍለጥ ጋዜጣኛ ዓደል መጂድ ዓብደል ሓሚድ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ከተማ ገዳርፍ ተኣሲሩ ናብታ ግዝያዊት ዋና ከተማ ሱዳን ኮይና ዘላ ፖርት ሱዳን ከም ዝተወስደ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣፍሊጠን። እዚ ጋዜጠኛ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ንማእከላይ ባንክ ሱዳን ዝወቅስ መልእኽቲ ስለ ዘመሓላለፈ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ዓብደል መጂድ ብኣካላት ናይ ሱዳን ቤት ጽሕፈት ፈደራል ምርመራ ጸረ ገበን ሳይበር ብዝብል ትካል ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ዘእሰሮ ክሲ ከኣ፡ ማእከላይ ባንክ ሱዳን፡ ገንዘብ ንምሕታም ነቲ ዝሓሰረ ናይ ኣሜሪካ ትካል ገዲፉ ምስ ዝያዳ ዋጋ ዘኽፍል ናይ ሩሲያ ኩባንያ ምስምምዑ ብምንቃፉ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እዚ ማእሰርቲ ዓብደል ሓሚድ ናይ መጀመርያ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እውን ንርክብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዳይረክተር ስለያ ሱዳንን ብዝምልከት ኣብ ፈይስቡክ ገጻቱ ስለ ዘውጸአ ኣብ ገዳርፍ ብተመሳሳሊ ኩነታት ተኣሲሩ ምንባሩ ምንጭታት ከም ዝሓበርዋ መርበብ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።
እዚ በቲ ማእከላይ ባንክ ናይ ገበን ክሲ ዝተመስረቶን ኣብቲ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ሱዳን ኣንጻርቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ወጊኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ሰራዊት ሱዳን ዝወገነ ጋዜጠኛ ዓብደል መጂድ፡ ቅድሚ ናብ ፖርት ሱዳን ምትሕልላፉ ብዋሕ ንክፍታሕ፡ ብዓበይቲ ዓድን ፍሉጣት ባእታታት ኣብ ገዳርፍ ብዋሕ ክፍታሕ ጻዕሪ ከም ዝተገብረን ብዓቃብ ሕጊ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን ድማ ተሓቢሩ።
ካብ ኤ ኤፍ ፒ/AFP/ ዝተወስደ ስእሊ
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቛረጸ ውግእ ትግራይ፡ ናይ ቀጻሊ ውግእ ፈልሲ ዝተክል ዘሎ ስለ ዝመስል ከም ዘስግእ ሰፊሕ ዝርጋሐን ተነባብነትን ዘለዎ ጋዜጣ “ዘኢኮነሚስት/the economist/፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብ27 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኣቶ ርእሰ-ዓንቀጽ ኣጠንቂቓ።
እታ ጋዜጣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ወተሃደር ብናይ ዓውዲ ውግእ መነጸር፡ ኣብ ሓደ ጎቦ ተሰሪዖም ዝረኣዩ ሰባት ከም ዝተዓዘበን ንሳቶም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምዃኖምን ምርግጋጹን ትጠቅስ። እቲ ጎቦ ኣብ መሬት ናይታ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓውሲ ናጻ ምምሕዳር ናይ ዘላ ክልል ትግራይ ምዃኑ እውን ይውስኽ።
ጋዜጣ ዘኢኮኖሚስት ኣተሓሒዛ ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበሃል ቦታ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ኣትዩ ኣብ መሬት ትግራይ ሰፊሩ ኣሎ እውን ኢላ። ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ለይቲ እቲ ሰራዊት ሰለይቲ ልኢኹ ዝያዳ ርሕቀት ብምእታው ሲቪል ሰባት እናኣሰረ ከም ዝወስድ ኣስፊራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነባር ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብዚ እዋንዚ ምክትል ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ “ንሳቶም ውግእ ክኸፍቱ ኣይንፈቕደሎም ንሕና እውን ናብ ውግእ ኣይንኣቱን” ከም ዝበለ እቲ ካብ ዘኢኮነሚስት ዝተረኽበ ዜና ኣስፊሩ።
ዘኢኮነሚስት ነቲ ኩነታት ምስቲ፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ” ዝብል ኣርእስቲ ርእሰ-ዓንቀጻ ንምትእስሳር፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም፡ ብዛዕባ ልዕሊ 35 ካብኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ 110 ወተውሃደራዊ ጐንጽታት እናተኸታተለት ሓበሬታ እትዝርግሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።
ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩነታት ናብ ሃገርና እውን ዘንጸላሉ ዘሎ ምዃኑ ኣስተውዒሉን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ውግኣት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተራእየ ተማሂሩ ኣብ ዳግማይ ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ንዘይምእታው “ዓገብ” ክብል ኣብ ዝግደደሉ ኩነታት ከም ዘሎ ክዝክር ይግበኦ።
ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ብ26ን 27ን ጥቅምቲ 2024 ምስ መሰረታት ሰልፊ ርክብ ኣካይዱ። ናይዚ ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ካብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ኣብቲ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ብምኽንያት ናይ ሰዓታት ፍልልላይ ኣብ ኣወስትራሊያን ሱዳንን ምስ ዝርከቡ ዘካየዶ ርክብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ምዕባለታት ሓበሬታ ምሃብን ርኢቶ ተሳተፍቲ ምስማዕን ከምኡ ድማ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝግበኦም ስረሓት ምእማትን እዩ።
ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ኣብቲ ሓበሬታኡ ብዛዕብ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት፡ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዜናዊ ልሳናት ዝካየዱ ንጥፈታን ምስ ካለኦት መድያታት ብዛዕባ ክካየዱ ዝጸንሑ ርክባትን ጠቒሱ። ንመጻኢ እውን ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ሽማገለ መደባተን ተሊመን ተበጊሰን ከም ዘለዋ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዛዕባ ዘካየዶ ቀዳማይ ዋዕላን ናይ ሓባር ፈስቲቫልን ከኣ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ድሕሪቲ ቀዳማይ ዋዕላ ምስላጡ ነብሱ ወዲቡን መደባቱ ሓንጺጹን ኣብ ስራሕ ኣትዩ ከም ዘሎ ከምኡ እውን ምስ ካላኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት ንምቕጻል ድልዊ ምህላዉን ኣገንዚቡ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ህዱእን ውዱብን መስርሕ ቃልሲ ተስፋ ከም ዝህብ ከኣ ጠቒሱ።
ኣብ ኤርትራ ብዘይካቲ ጭቆና ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቀያየረ ይቕጽል ምህላዉ፡ እቲ ጉጅለ ከም ልማዱ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባታት ንምህዳም ናብ ደገደገ የመዓዱ ምህላዉን ሓድሽ ነገር ከምዘየለን ኣረዲኡ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ክሳብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ኣካይዳ ክኽተል ጸኒሑ ክነሱ፡ ሎሚ’ውን ኣብ ስልጣን ይቕጽል ምህላዉ ከም ዘተሓሳስብን ህዝቢ ኤርትራ ሕሳቡ ክገብር ጸዊዑን።
ኣተሓሒዙ ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን ይረአ ብዛዕባ ዘሎ ንኤርትራ እውን ክጸልው ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ምቅይያራትን ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣብዚ መብርሂኡ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ውዑይ ዘሎ ኩነታት ሩስያን ዩኩረይንን በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ዘስግእ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ።
ኣብ ቀረባና ብደረጃ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኻትን ቅልውላውን ከመይ ይምዕብል ከምዘሎ፡ ዝጠቐሰ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብዛዕባቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝመስረተኦ ኪዳን (AXIS)ን ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤንን ብዝምልኸጥ ኣገንዚቡ። ብወገን ኢትዮጵያውያን በብግዜኡ ብምስምስ ኣፍደገ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ዝቐርብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጻባእ ተርእዮታት ብምጥቃስ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብዚ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ተግባር ክእደቡ ኣዘኻኺሩ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብቲ ዝቐረበ መግለጺ፡ ዝያዳ ክበርሃሎ ብዛዕባ ዝደልይዎም ነጥብታት ዝምልከቱ ብዙሓት ሕቶታት ኣቕሪቦም። ብኣቦመንበርን ካለኦት ኣባላት መሪሕነትን ከኣ ኣብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ሰፊሕ መብርህታት ሂቦም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ መሪሕነት ኣብ ምድልዳል ሰልፋዊ ዓቕምታትን ምሕያል ናይቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ሓይልታት ለውጥን ዘድሃቡ ለበዋታት ኣቕሪቦም፡ ብመሪሕነት ዝወጹ መደባት ኣብ ምዕዋት ድማ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ከምዚ ዝኣመሰለ መላእ ኣባላት ዝሳተፍዎ ሰፋሕቲ ኣኼባታት ቀጸልነት ንክህልዎም ከኣ ተብላዮም።
More...
ባህግና Bahgna Media 27.10.2024: ኤርትራ ኮ፣ ናይ ህዝባ እያ፣ ምርግጋጽ መሰረታዊ ለውጢ ባህሪኡ ሓባራዊ እዩ፣
Written by Bahgna MediaMedia
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ህጻናት ስደተኛታት ዘይምምዝጋቦም ኣጸጋሚ’ዩ ተባሂሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ህጻናት ስደተኛታት (ስእሊ ኮሚሽን ስደተኛታት ኢትዮጵያ)
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 576 ሺሕ ህጻናት እቶም ዝተመዝገቡ 12% ጥራይ ምዃኖምን እንተዘይተመዝጊቦም ከኣ መሰሎም ክሕለወሎም ኣጸጋሚ ከም ዝኸውንን ሓቢሩ።
እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ እዋናዊ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ህጻናት ክሳብ ወርሒ ነሃሰ 2024 ብዘይምምዝጋቦም፡ ኣድላይ ሓለዋ ክግበረሎምን ዝግበኦም መስል ስደተኛ ክረኽቡን ከምዘይክኣሉ ብምጥቃስ፡ ናይ ዘይምምዝጋቦም ጠንቂ ናይቲ ትካል ዓቕሚ ድሩትነትን ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገምን ከም ዝኾነ እውን ኣስፊሩ።
እቲ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣብ 2017ን 2019ን እኳ ብዛዕባ ኣመዘጋግባ ስደተኛታት ዘውጸኣቶ ኣዋጃት እንተሎ፡ ኣተገባብራኡ ግና ብፍላይ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉልን ዓፋር ኣብ ዘለዉ መደበር ስደተኛታት ድሩት ምዃኑ ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝበሃል፡ መንግስታዊ ኣካሉ ኣቢሉ፡ ስደተኛታት ኣብ ዝርዝር ሃገራዊ መንነት ክሕወሱ መደብ ከም ዝሰርዐ ኣፍሊጡ። እዚ መደብ ካብ ተደጋጋሚ ምምዝጋብ ንምድሓን ተባሂሉ ዝተተለመ ድማ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ስደተኛታት ኣዕቊባ ከም ዘለ ኣብቲ ጸብጻብ ዝተተቕሰ ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 60, 688 ብሰንክቲ ኣብ 2023 ዝጀመረ ውግእ ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ሓደስቲ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ 4.4 ሚልዮን ዝኾኑ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ከም ዘለዉዋ እውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሲቪል ኣቬሽን ኣቢሉ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ሚልዮን ዶላር (ልዕሊ 61 ሚልዮን ናቕፋ) ንክኸፍሎ ከም ዝኸሰሰ ብሚድያታት ይሕበር ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ካብ ኤርትራዊ መዘናኡ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዶላር (280 ሚልዮን ብር) ክትክፈሎ ምሕታቱ ተፈሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኤርትራ እዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ንክኽፈሎ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝኸስስ ዘሎ፡ ክፍሊት ነፈርቲ ኢትዮጵያ ብናይ ኤርትራ ክልል ኣየር ዝተጠቕመኦ፡ ካሕሳ ዝጠፈአ 9650 ኪሎ ግራም ዝኽብደቱ 450 ባልጃታት ገያሾ፡ እቲ መንግዲ ኣየር ብምኽንያት መርመራ ኮቪድ ንገያሾ ኤርትራውያን ዘኽፈሎን ብዘይርትዓዊ ዋጋ ቲኬት ካብ ኤርትራውያን ገያሾ ዝተወስደን ዘጠቓልል ክይኑ፡ ናይ ቅድሚ 25 ዓመታት ዘይተወራረደ ሕሳብ 570 ሺሕ ዶላር ዝርከቦ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣቐዲሙ ካብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ስራሕ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኤርትራ ዝዓቀቦ ዶላርን ናቕፋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከመሓላልፎ ኮነ ኣብ ኣስመራ ንመንቀሳቐሲ ስራሕን መኽፈሊ ደሞዝ ሰራሕተናታትን ንክትቀመሉ ከምዘይከኣለን በቲ ባንኪ “ተወሪሱ” ዝብል መልሲ ከም ዝተዋህቦን ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ዝነበረ በረራ ከቋርጽ ምኽንያት ከም ዝኾኖን ብምጥቃ ገንዘቡ ንምምላስ ሕጋዊ መንግገዲ ከም ዝጥቀም ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ 3.5 ሚልዮን ዶላር ክሲ ዝምስርት ዘሎ፡ ነቲ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወረሶ ገንዘብ ኣከሓሒሱ ንዘይምኽፋል ዝመሃዞ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።
እዚ ኣብዘን መንገዲ ኣየራት ዝረአ ዘሎ ምውጣት፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዝምዕብል ዘሎ ፍልልይ ምብላሑ ዘርኢ ምዃኑ ይእመን። ኣብ ርእሲቲ በረራታት ነፈርቲ ምቁራጹ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት’ውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ ተለፎን ምቁራጹን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ምጽራይ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ምስ ኢትዮጵያዊት መዘናኣ ኣብ ደቡ ሱዳን ከተማ ጁባ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ግጥም ብቁራጽ ካብቲ ውድድር ምስሓባ’ውን ብመንጽርዚ ዝርአ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።