ቃል ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን

2025-08-04 17:05:19 Written by  ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣብ ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 18 times

ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ገረዝጊሄር ተወልደ

ዝኸበርካ ምክትል ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ያሲን መሓመድ ዓብደላ

ዝኸበርካ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይት ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ዮውሃንስ ኣስመላሽ

ዝኸበርኩም ወከልትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ

ዝኸብርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ ፈስቲቫል 2025

እዚ ብስም ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ከምኡ‘ ውን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ኣብ ፍራክፉርት ዝሰላሰል ዘሎ ፈስቲቫል 2025 ፍሉይ ዝገብሮ ፡ ድሕሪ ሓባራዊ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2024 ንካልኣይ እዋን ምጽንባሉ እዩ።

ስለ‘እዚ እምበኣር እንቛዕ ኣብዚ ኣብጸሓና፡ እንቛዕ ከኣ ብደሓን መጻእኩም።

ፈስቲቫልና ኣብ ፍሉይ ፖለቲካዊ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ፡

ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝኸፍኤ ማሕበራዉን ፖለተኢካዉን ዲፕሎማስያዉን ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፥

ኣብ ደገ ዝርከብ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝግመት፡ ገለ ሸነኽ ምስ ገባቲ ስርዓት ደው ኢሉ ኣብ በዓላቱን ፈስቲቫላቱን ክካፈልን ክስዕስዕን ከጣቅዕን እንከሎ፥

ዝበዝሔ ክፋል ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ግን፡ ናይ ኣብ በለጽን ጥቅምን ዝተመርኮሰ ናይ ሱቅ መርገጽ ሒዙ፡ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ንዕዘብ ኣሎና።

ተመኩሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ መጀመርያ 70ታት ተመሊስና እንተረኤና፡ ህዝብን መንእሰይን ኤርትራ ብብዝሒ ኣብ ቃልሲ ምስ ተኻፈለ እዩ እተን ዝነበራ ዉዱባት  - ምስ ኩሉ ድኽመታተን - ክዓብያን ክዕወታን ክኢለን። እዚ ተኻፋልነት ህዝቢ እዩ‘ውን ናጽነት ኤርትራ ብ 1991 ዘምጸኤ።

ሕጂ‘ዉን እንተኾነ ብዘይ ተኻፋልነት ህዝቢ፡ ደንበ ተቃዉሞ ፍትሕን ዲሞክራስን ከምጽእ ኣይክእልን እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ደንበ ተቃዉሞ ድኽመታት ከምዘልውዎ ኩላትና ንመዝኖ ጉዳይ እዩ። ተኻፋልነት ህዝቢ ግን ንቅድሚት ክደፍኦን ብኣዉንታ ክጸልዎን ይኽእል እዩ።

እቲ ብቃልስን ብመስዋእትን ዝተሃንጸ ሃገራዉነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ዘሎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘቀሙጡ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ይረኣዩ ምህላዎም፡

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣዳኺምካ፡ ብኡ መሰረት ድማ ንልዑላዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ንምውራድ፡ ዝርኣዩ ፈተነታት ብጎራብቲ ሓይልታትን ሃገራትን ንዕዘብ ኣሎና። 

ስለዚ ቀንዲ ሓላፍነት ናይ እዞም ኣብዚ ፈስቲቫል 2025 ንርከብን ብሓፈሽኡ ድማ ደንበ ተቃዉሞ ንርከብን፡ ንሃገራውነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝዕቅብ ክኸዉን ጻዕሪ ዘድልዮ ናይ ኩላትና ቃልሲ እዩ።

እምበኣር ፈስቲቫል 2025 በዚ መንፈስ ተበጊሱ፡ ኣብ ዲሞክራስን ኣብ ፍትሕን  ክጋባእን ክበዓልን ተስፋ ይገብር።

ፍትሕን ዲሞክራስን ንሃገርና

/ ኣክሊሉ ግርማይ


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Monday, 04 August 2025 19:14