ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ፖሓኤ 2025
2025-08-04 17:14:40 Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 90 timesዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ ብጻይ ገብረእግዚኣቤር ተወልደ !!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታትን ኣባላትን ፖ ሓ ኤ ፡
ዝከበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዕዱማት ኣጋይሽን ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 !!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤትርራ 2025 እንሆ ጽቡቅ ዕድልን ተስፋን እቲ ናይ ንግሆ ሕልምን ጠለብን ትጽቢትን ህዝብና ዝኾነን ዘሎን ሓድነት ፖሊትካውያን ሓይልታት ኤርትራ እምነ መሰረት ሓድነት ኣቀሚጡ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ሰጉሙ፡ ሓደ መሪሕነት ኣቂሙ ንኩሉ ዝሓቁፍ ጽላል ኣብ ሓጺር ጊዜ ክምስረት ብሓባር ከቃልሱና ብምስምማዖም እንቃዕ ደስ በለና ኢልና ኣብ መኽፈቲ ሓባራዊ ፈስቲቫልና ናይ 2024 ብስራት ሂበ ነይረ ኮይኑ ግና ከመይ ከይዱን ኣበይ በጺሑ ኣሎን ሎሚ ክንሕበር ብተስፋ ይጽበ !!! ደጊመ
መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ፖ. ሓ. ኤ. እንቃዕ ብሰላምን ብጥዕናን ኣራኸበና ጠባይ ናይ ቃሲ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣጆኹም ኣጆና ክንዕወት ኢና !!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል ፡
በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ብሓድነት ንሓርነት !!! ዝብል ቅኑዕን ልክዕን ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ጽንኩር ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ብዉልቀ መላኺ ኣረሚን ስርዓት ዝወርዶ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ኣኽቲሙን ተኣልዩን ሓርነት ንምልባስ ቅዋማዊ ስርዓት ተኺሉ ብሰላም ዝነብረሉ ንምዕዋት ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና ደጊምና ደጋኢምና ነቅርብ !!!!
እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምንታይ ዕላማ ዝብል ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተሓኤ መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ ኮይኑ ሎሚ እንሆ መበል 39 ዓመትና ኮይኑ ፥ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ብፍሉይ ክብርን ኣገናዕን ነባሪ ታሪኽ ኣመዝጊብኩም ኢኹም ኩርዑ ብልቢ ከኣ ነመስግነኩም ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታት ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ተሳተፊቲ በዓልናን !!!
እወ እንሆ ዕዉት ዋዕላን ኣካይድና ዝሙገስ እካ እንተኾነ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ንሓያሎ ዓመታት ብህርኩት ዉፍይ ተሳታፍነት ክሳብ ጊዜ ዕረፍቱ ኣብ ዓራት ኮይኑ ኣጆኹም እናበለ ዝተቃለሰ ብጻይና ዓንደጽዮን ግርማይን ኣፋኒና ፣ ምሳኡ እውን ኣቦ መንበር ኮይኑ ፈስቲቫላትና ዝመርሕ ዝነበረ ዉፍይ ስዉእ ተስፋማርያም ክብረኣብ ። ቅድሚኡ እውን ብንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ተጸንቢሩ ክሳብ መስዋእቱ ብጥዑም ድምጺ ሳክሰፎን ክራር በዓላትና ክኸፍተልና ዝለምድናዮሓውና ኣለም ኣሰፋው ዕንባባ ፡ ሓውና እዮብ ሃይለ ሓውና ሃይለ ኣብ ዉራይና ዘይፍለዩ ዝነበሩ ዉፉያት ፡ ብጻይና ኣረፋይነ እስቱፋኖስ ፡ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ፡ ብጻይ ፍርሓ ገረማርያን ሓወቦይ፡ ብጻይ ኣልኣዛር ቀለተ ፡ ጋዜጠኛ ስዉእ ሑሰን ዓሊ፣ ስዉእ ተጋዳካይ ዓብዶ ኢብራሂም ሕጂ ምጽብጻቦም ስለ ዘጸግም ሓያሎ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርክርቡ መቃልስቲ እውን ዝኸሰርናዮ ኣሎዉ ሞ ፣ ንኽብሮም ናይሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ደቂቅ ብመዝሙር ስዉኣት ንዘክሮም ሓፍ ንበል ። ነቲ ዝጀመርኩሞ ቅዱስ ዕላማ ክንቅጽሎ ኣሎና ብምባል ካብዚ መድረኽ እዚ መንግስተሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና ኣናኣማሓላለፍና ፡ ቅሰኑ ይብል። ብሕማምን ዕድመ ናይ ምድፋእን ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ዉፉያት ኣብ ዘሎዉዎ ኮይኖም ዝካታተሉና ብጾትን እውን ኣሎዉና ፍሉይ ናይ ቃልሲ ሰላምታ ብስምኩም ይብጽሓዮም።
ክቡራትን ኣሕዋትን ኣሓትን ተሳተፍቲ ሓባርዊ ፈስቲቫል 2025 ፡
ንኤርትራ እተቖጻጸረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) መብጽዕኡ ጠሊሙ፥ ንህዝቢ ብምርዓድን፡ ነቶም ተጻረርቲ ዝበሎም መራሕትን ኣባላትን ህ.ግ. ብምእሳርን፥ ናይ ምልኪ ምሓውር ስለ ዝዘርግሐ፤ ህዝቢ ድማ ነዚ ዘይንቡር ኵነታት ከም ንቡር ወሲዱ፥ ርኡይ ዓመጽ እንዳርኣየ ዓገብ ምባል ሓዲጉ፥ እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብጠቕሚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ክሰፍን ተሓባባሪ ብምዃኑ፥ ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓደ ኣካልን ብሓደ ልሳንን ክውከል ብዘይምኽኣሉ ናይ ምልኪ ዕምሪ ነዊሑ፡ ወግሐ ጸብሐ ናይ ህዝብና ናብራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ክኸይድ ይርከብ።
ንዓይ ዝድንጽወኒ ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየ እናሰምዔ እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ? ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነትብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም ክሳብ ሕጂ ትም፡ ጸኒሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ኣይከሰርናን ፡ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ሕጂ እውን ማእሰርቲ ኣቦና ሸኽ ኣደም ሻዕባን ፣ ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብ እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 34 ዓመታት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ዓገብ ዘይምባሉ ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ? ? ?
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-
ከምቲ ኣሕዋትና ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝኽሪ መበል34 ዓመት ነጻነት ህገርና ዘማሓላልፎኣኦ ረዚን መልእኽቲ . ። ። ።
ሃገርና እንደገና ኣብ ኣዕናዊ ውግእ ከይትኣቱ ኩልና ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሓደ
ድምጺ እምቢ ንውግእ እወ ንሰላም ኢልና ብሓባር ክንላዓል ንጽዉዕ !!! ዝበሎኦ ጸዊዒ ብድርብ ንድግፎ`።
ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ፡ ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 34 ዓመታት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና ፡ ስለዚ እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ ብሓደ ኢድ ኮና ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ? ኣሕዋት ኣባላት ይኣክልን ብርገድ ብሓመዱን ብዘይ ዉዓል ሕደር ምስ ፖሊትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስማር ሓባራዊ ግንባር ኣቁምኩም ብቅልጡፍ ንህግደፍ ምልጋስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ ኣሎ !!! ከምቲ ኣቦ ወንበር ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኣብ ናይ 34 ዝኽሪ በዓል ነጻነት ዘቅረቦ ጸዊዒት በዚ ኣጋጣሚዚ ደንበ ተቓውሞ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈ ብዘይውዓል ሕደር ንምትግባር ዘድሊ ሕድገታት ክገብር እጽውዕ ዝበሎ ኣነ እውን ብድርብን ብህጹጽን ብስምኩም ይጽውዕ።
ሕጂ እውን
ብሓድነት ንሓርነት !!!
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!
ውድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ።
ፍራንክፎ ርት 02.08.2025
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290