ዘይውዳእ “ክንገብር ኢና” ኢሳያስ!  

2026-01-18 12:30:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 465 times

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድምጹ ኣጥፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡  ምስተን ንኤርትራዊ መድረኽ ማዕከናት ዜና ብሒተን ዘለዋ መራኸቢታት  ህግደፍ ቃለመጠይቕ ኣካይዱ። ቃለመጠይቑ ከም ወትሩ ብዙሓት ዝደጋገሙ ኣዛረብቲ ዝዕባታት ዝተንጸባረቕሉ ነይሩ። ካብኡ ሓደ “ከምቲ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቕ” ዝበሃል፡ ብኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት ዘይምጅማሩ እዩ። እዚ ከኣ መርኣያ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ኣብክንዲ ዘድህብ፡ ደገድገ ከም ዘመዓዱ ናይ ምድህላሉ ሕዱር ግና ፍሹል ተመኩረኡ እዩ።

ኣብቲ መወዳእታ ዓቕሙ ተጸንቂቑ፡ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሃቦም ሕቶታት ዝሓትዎ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ራሕሪሕዎም ክትንስእ አብ ዘዕለብጠሉ ዝነበረ ግዜ፡ ከምቲ “ንፍርዲ ኣይርትዑና” ዝበሃል፡ “ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ” ዝምልከት ኢሉ ዝጠቐሶ ርኢቶታት ኣገራሚ እዩ። ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ክገልጽእ እንከሎ፡ ከም ልማዱ  “ኤርትራ ትሕተ-ቅርጻ መንገዲ፡ እኹል ዝስተ ማይን ሓይሊ ኤለክትሪክን የብላን” ዝብል ኣረጊት ቁዘማ ኣስሚዑ።

እዚ ሕቶ ሕጽረትን ብኩራትን ብኸመይ ክምለስ ከም ዝግበኦ እውን ካብቶም ዝጠቐሶም ምኽንያታት፡ ኣብዚ መዳያት ክእለትን ኣፍልጦን ዘለዎ ዓቕሚ ሰብ ዘይምህላዉ ዝብል መመኽነይታ ክህብ ፈቲኑ። እንተኾነ “እሞ ነዚ ሕጽረት’ዚ ናይ ምምልኡ ሓልፍነት ደኣ ናትካ እንድ’ዩ?”  ንዝብል ሕቶ ከኣ  ከም ወትሩ መልሲ ኣይነበሮን። እዚ ድማ ብሓቂ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ተሓሪምዎም ዘሎ ልምዓት ኣሻቒልዎ ዘምጸኦ ሓሳብ ዘይኮነ፡ የሽካዕልል ከም ዝነበረ  የመልክት። ካብዚ ሓሊፉ ንይምሰል ኣብ መዳያት ፖለቲካን ሰብኣዊ መሰልን ዘይምጥቃሱ ክሳብ ክንደይ ካብ ባህጊ ህዝብና ከም ዝረሓቐ ዘርኢ ብሩህ ምልክት ምኳኑ ዘነጽር እዩ።

እዚ ዝተጠቕሰን ካልእን ልምዓታዊ ብኩራት ንከይማላእ ዝዓንቀፈ እሞ ኣብ መጻኢ ክርከብ’ዩ ካብ ዝበሎም ብቑዓት ክኢላታትን ምሁራትን ዘይምህላዎም እዩ ዝበሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሓድሽ ተረኽቦ ምንጋር ኣይመድለዮን። ምኽንያቱ እቲ ነዚ ሃጓፍ ክመልእ ዝግበኦ ዝነበረ፡ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ዝነበሮ መንእሰይ  ብሰንኪ እቲ ዲክታተር ካብ ሕቑፍኡ፡ ሃጽ ኢሎ ዓዲ ጓና ዝሰፈረ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ። በቲ ካልእ ወገን ናይዚ ክኢላን ምሁርን ዘይምህላው ጠንቂ ኢሳያስ ባዕሉ ምዃኑ’ውን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ።

ኤርትራ ካብ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዋላ ሓንቲ ዘየብላ ሃገር  ኣውሪድዋ ዘሎ ኢሳያስ እዩ። ነቲ ኤርትራ ዩኒቨርሲቲ ኣልባ ዝገበረ ገበኑ ንምሽፋን ድማ፡ “ነዓና ዘድልየና ዓብይ ባጅላታት ኣይኮነን”  እናበለ ተመጻዲቑ።  እዚ ኣበሃህላኡ ነተን ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝምረሐ ብሕጽረት መምህራንን ናይ ትምህርቲ መሳርሕን ዝሳቐያ ዘለዋ ኮለጃት ናብ ምምጓስ ዝዓለመ እዩ። እንተኾነ እቲ ኣብዘን ወተሃደራዊ ትካል ዝመስላ ኮለጃት ዝተማህረ ዝርካቡ መንእሰይ እውን፡ ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና፡ ምስዋርን መጭወይትን ህግደፍ፡ ግዳይ ስደት ኮይኑ ከም ዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ሕብረተሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ሰባኣዊ ትካላትን’ውን  ዘሻቕል ዘሎ ተርእዮ  ምዃኑ ዘንጊዕዎ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ክዉን ሓቂ ክሃድም ስለ ዝደለየ እዩ።

ሰላምን ምርግጋእን ናይ ልምዓት ቅድመ-ኩነት እዮም ዝበሎ፡ ህዝብና’ውን ኣቐዲሙ ዝፈልጦን ንክገሃድ ዝጽዕረሉን እምበር፡ ካብ ኢሳያስ ዝንገሮ ሓድሽ ኣምር ኣይኮነን። መንዩ ኤርትራን ህዝባን ሰላምን ቅሳነትን ተዋሒስሎምን ካልእ ቅድመ-ኩነት ተማሊእሎምን “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ኢሎም ኣራጢጦም ናብ ልምዓት ንከየድህቡ፡ ዕንቅፋት ኮይንዎም ዘሎኸ፡ ኢሳያስ ኣይፈልጦን’ዩ ንምባል  ደኾን ይኸውን?።

ቅድሚ ሕጂ ፍሽለት ህግደፍ ኣብ ምህናጽ ልምዓት ሃገር ንምሽፋን፡ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ጀሚሩ ንብዙሓት ወገናት ተሓተቲ ገይሩ ከቅርቦም ዝጸንሖ፡ ተቐባልነት ኣይነበሮን ሎሚ’ውን የብሉን። ናይ ቀረባ ግዜ ተመኩሮ ንጥቀስ እንተ ኢልና’ኳ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ኣትዩ ክዋጋእ ዘጥፈኦ ህይወትን ዘባኸኖ ጸጋን ኣብ ልምዓት ኣውዒልዎ እንተዝነብር፡ ገለ ካብ ሕቶታት ህዝብና ምመለሰ። ስለዚ ኢሳያስ ቀንዲ ነዚ ዛዕባ ዝጠቐሰሉ ምኽንያት ሎሚ’ውን ዝኣምኖ ከምዘይረክብ’ኳ ዝርደኦ እንተኾነ፡ “እቶም ሰላምን ምርግጋእን ዝኸሉእና እዮም ነቲ ዘይምዕባይና ተሓተቲ”  ዝብል መህደሚ ንምፍጣር ዝመሃዞ ምዃኑ  ርዱእ እዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ “እንታይ መልእኽቲ ተመሓላልፈሎም?” ምስተባህለ፡ “ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ከውፍሩ እጽውዖም” ዝበሎ ኣገራሚ እዩ። ተመሊሶም ኣብ ሃገሮም የውፍሩ ቅድሚ ምባሉ’ኮ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሃገሮም ወፍሪ ተሓሪምዎም፡ ኣብ ስደት ከውፍሩ ዘገደዶም ኣግላልን ቀናእን ምምሕዳሩ ምዃኑ ክእመንን ኣብ መጻኢ ከምኡ ከምዘይደግም ቅዋማዊ ውሕስነት ክረኽቡን  ምተገብኤ። ስለዚ ትማሊ ኣብ ዓዶም ናይ ምውፋር መሰል ንዝነፈጎም ኤርትራውያን ሎሚ ተገልቢጡ ክጽወዖም እንከሎ ኣሚነሞ ንክምለሱ ድሌት ሃልይዎ ዘይኮነ፡ “ኢሉ ነይሩ” ንክበሃልን ንክዋራዘን ምዃኑ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ተወኪስካ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ንብዙሓት “እዚ ሰብኣይሲ ምስ ውነኡ ድዩ ዘሎ?” ዘበለ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካላትን’ውን ዘሻቕል ዘሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ናይ ምውሳድ ሸበድበድ ዝምልከት ክሕተት እንከሎ፡ “እዝስ እንተዘይለዓል መሓሸ ነይሩ” ዝበሎ እዩ። ኣብቲ እንዳዕጠጠየ ዝሃቦ መልሲ ከኣ፡ ነቲ እዋናዊ ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ዝምጥን ኣይኮነን።

ንኤርትራዊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዘውሓሰን ንዕድራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕድል ዘይህብን፡ ኣድማሳዊ ተቐባልነት ዘለዎ፡ ብተመኩሮ ዝሃብተመ ፖለቲካዊ ጭብጥታት፡ ታሪኻዊ መርተዖታትን ዓለም ለኻዊ ቻርተራትን ሕግታትን ኣብ ክንዲ ተንቲኑ ኣየቕረበን። ኣብ ክንድኡ መሰረታዊ ኣብ ዘይኮነ፡  ቆይቊን ጸርፍን እዩ  ኣትዩ። ነቲ ትማሊ ባዕሉ“ንስኻ ኢኻ ትመርሓና”  ብዝብል ዘሻደኖ መራሒሕ ኢትዮጵያ ሎሚ ተገልቢጡ፡ ኣብ ክንዲ ብፖለቲካዊ መዕቀኒ ዝገልጾ፡ ብንዓኡ’ውን ብዝምልከት ተራ ናይ ሕርቃን ቅጽላት ምግላጹ፡ ነቲ ሓደገኛ ወስታ  ዕቱብ ኣመኻኽታ  ኣይኮነን።

እቲ ዝያዳ ግዜ ዝወሰደሉ ዝሓለፈን ዘሎን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ንሱ ዝተነጽገሉን ተመኩሮ ምልዓሉ ነውሪ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግና  ዕለታዊ ህይወቱ ዝትክንፍን ዝያዳ ዘገድሶን  ኣይኮነን። እቲ ናብ ኤርትራ ዝመጣጠር ዘሎ ግህሰት ልኡላውነት ኣባና ዝድረት ዘይኮነ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ብዙሓት ክገልጽዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እምበር፡ ካብ ኢሳያስ  እንሰምዖ  ዘለና ሓድሽ ገምጋም ኣይኮነን።

Last modified on Sunday, 18 January 2026 13:32