ሕብረት ኤውሮጳ ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጠጠው ክብል ጸዊዑ

2026-01-17 09:53:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 261 times

Olaf Skoog ምክትል ሓላፊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ተቛሪጹ፡ ብዲፕሎማሲን ቁጠባዊ ውህደትን ንክፍታሕ ሎሚ’ውን ጸዊዑ። እቲ ሕብረት ኣብ መስርሕ  ምህዳእ እቲ ወጥሪ  ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ’ውን ኣብቲ መጸዋዕታኡ ጠቒሱ። ነዚ መጸዋዕታ ዘውጸ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ይምዕብል ዘሎ ምፍጣጥ ስለ ዘሰከፎ ምዃኑ ድማ ኣስፊሩ።

ኦላፍ ስኩግ ምክትል ጸሓፍን ወጻኢ ፖለቲካዊ ስርሒትን ኣገልግሎትን ናይቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ15 ጥሪ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዝሓሸ መህድኢ ወጥሪ መንገዲ ዲፕሎማስን ጽቡቕ ምትእምማንን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከባሉ ዞባ ከኣ ድሕሪ ሕጂ ውግእ ይኣኽሎ  ኢሉ።

ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ፕረሲደንት ታየ ኣጽቀስላሴን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዶር ጌደዎን ጢሜቴዎስን ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምህዳእ  ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት  እሙን መንጎኛ ኮይኑ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ከም ዝሓበሮም ገሊጹ። እቲ ዲፕሎማት ናይ ኤውሮጳ ተመኩሮ መሰረት ብምግባር፡ እቲ ነዘን ዝፋጠጣ ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ዘዋጸአን ጸገመን ብውህደትን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ፍታሕ እዩ ከም ዝበሎም ድማ  ገሊጹ።

እቲ ዲፕሎማት ኣብ ከምዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለወኦ ናይ ወጥሪ ኩነታት፡ እቲ መፍትሒ ምዝታይን ኣብ ቁጠባ ምትሕብባርን ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ‘ኳ እንተጠቐሰ፡ እቲ ወሳኒ ግና ናይ ክልቲአን ሃገራት ካብ ጽልኢ ወጺአን ናይ መፍትሒ ኣካል ምዃን ምዃኑ ኣስሚርሉ። ወጥርን ግጭትን ዘኽፍሎ  ሰብኣዊ ህልቂት ዘኪሩ ድማ፡ መራሕቲ ብሰንኪ ውግእ ዝስዕብ ህልቂት ተረዲእካ ጠጠው ናይ ምባሉ ሓለፍነት ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ሓላፊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኦላፍ ስኩግ ብዛዕባቲ ኣብ ሶማሊያ፡ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ጅቡትን ዘሎ ንኹነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸሉ ምዕባለታት ዳህሲሱ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ኣንጻር ልኡላውነት ሶማሊያ ብምዃኑ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝቃወሞ ኣብቲ ኣብ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝወጸ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

Last modified on Saturday, 17 January 2026 11:14