ኣምበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሑመራ በጺሑ
2026-01-16 19:33:03 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 188 timesኣምበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንክልላት ንትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢ ወልቃይት ዝነብር ህዝቢ; መጻኢ ዕድሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ክረጋገጸሉ ይግባእ ኢሉ። እቲ ኣምበሳድር ነዚ ዝገለጸ ብ15 ጥሪ 2026 ኣብ ሑመራ ኣብ ዝበጸሓሉ እዩ። ቀጺሉ ድማ ብኢትዮጵያ ብዝምራሕን ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝእለን መስርሕ ምሕጋዝ ጽጉማት፡ ኣሜሪካ ክትተሓባበር ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ። ኣምበሳደር ኢርቪን ማሲንጋ፡ ኣብቲ ኣብ ሑመራ ዝጸንሓሉ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ የጋጥሞ ንዘሎ ብደሆታት ብዓይኑ ከም ዝተዓዘበ መስኪሩ። ኣብቲ ዝሃቦ ትዕዝብቲ ናይቲ ከባቢ መሰረተ-ልምዓት ብምልኡ ከም ዝዓነወ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ዝተገደበ ምዃኑ፡ ናይ መሰረታዊ ኣቕርቦት ሕጽረት ከም ዘሎ እውን ጠቒሱ። እዞም ጸገማ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣሉታዊ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ከም ዘለዉ እውን ኣይሓበአን፡ እዞም ጸገማት ብህጽጹ ንክፍተሑ ናይቲ ነባሪ ህዝቢ ትጽቢት ምዃኑ ከኣ ኣስፊሩ።
ብሰንክ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ከም ዘለዉ ዝመስከረ እቲ ኣምበሳደር፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣድላይ’ኳ እንተኾነ ኣብ ረዲአት ምንባር ግና ኣጸጋሚ እየ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ተመዛባሊ ቀጻሊ ህይወቱ ብሰላምን ክብርን ኣበይ ከም ዝምስርት ኣብ ዘኽእሎ መስርሕ ከም ዝተሓባበር ጠቒሱ። ማሲንጋ መጻኢ መስርሕ ዝተሓላለኸ ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሱ ቅድሚ ኩሉ ንድሕነት ሰባት ቆላሕታ ክወሃብ ከም ዝግበኦ ተማሕጺኑ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ደጊሙ ኩሎም ወገናት እኹል ግዜ ተዋሂብዎም መጻኢ ዕድሎም ባዕቶም ክውስኑ ይግበኦም፡ ድሕሪ ምባል፡ ኢትዮጵያውያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ሃገሩ ኣብ ጐኖም ከም እትስለፍ ብተወሳኺ ቃል ኣትዩ። ኣብ ምብጻሕ እቲ ኣምበሳደር ናብ ሑመራ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣቦመንበር ሰልፊ ስምረት ትግራይን ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከም ዝነበረ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ