ምክትል ሚኒስተር፡ ሚኒስትሪ ሰላም ዝነበረ ኣቶ ታየ ደንደኣ
ላዕለዋይ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ታየ ደንደኣ ዝተባህለ ፖለቲከኛ ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ንክፍታሕ ብ2 ታሕሳስ 2024 ከም ዝወሰነ፡ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ ብምጥቃስ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ።
ምክትል ሚኒስተር፡ ሚኒስትሪ ሰላም ኮይኑ እናሰርሐ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ዝተኣስረ ኣቶ ታየ ደንደኣ፡ ብሰለስተ ክስታት እዩ ተኣሲሩ። እቲ ሓደ ዝተኸሰሉ ነጥቢ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ ክነሱ፡ ጸረ ሰላም ሓይልታት ዝድግፍ ፖሮፖጋንዳ ነዚሑ ዝበል ኮይኑ፡ ምስዚ ድማ ነቶም ጸረ ሰላም ዝተባህሉ ሓይልታት ግንባር ሓርነት ከም ዝድግፍ ኣብ ናይ ብፌስ ቡክ ገጺ ኣውጺኡ ዝብል ይብል። እቲ ሳልሳይ ድማ፡ ገዝኡ ብፖሊስ ምስተጐርጐረ፡ ፈቓድ ዘየብሉ ዕጥቂ ተረኺብዎ ዝብል እዩ።
.ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሕጂ፡ በቲ ክልተ ክስታት ሓሳብካ ብናይ ምግላጽ ሕገመንግስታዊ መሰሉ እዩ ተጠቒሙ፡ ብዝብል ናጻ ክብሎ እንከሎ፡ በታ ሳልሰይቲ ምስ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ እትተሓሓዝ ክሲ ግና ነብሱ ንምክልኻ መሰኻኽር ንከቕርብ እዩ በይኑ ነይሩ።
በዚ መሰረት ኣቶ ታየ ናብቲ እግባይ ዝበለሉ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣብ ገዝኡ ዝተረኽበ ዕጥቂ ሕጋዊ ምዃኑ ንክምስክርሉ፡ ሚኒስተራት ዝርከብዎምን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ዝርከቦም መሰኻኽር ጸዊዑ ኣብ መስርሕ እንከሎ እዩ ብላዕላዋይ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ናይ ምፍታሕ ዕድል ከም ዝረኸበ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ፡ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ ናይ ምጥቃም ሕጋዊ መሰል ኣለዋ ዶ?
ኢሳያስ ብጳውሎስ ነታባይን ሱሌማን ዑስማን ዓበን ተሰንዩ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ30 ሕዳር 2024 በተን ኣብ ኤርትራ ብሒተን ዘለዋ መዲያትታ ህግደፍ ዝተመሓላለፈ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ። ኣብዚ ባዕሉ ብዘዳለዎ ሕቶታት እናተሓተተ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ግልቡጥ ኣካይዳኡ ብናይ ወጻኢ ዛዕባታት እዩ ጀሚሩ።
ኣብቲ መጀመርያ ምስ ቁጠባዊ ዕቤት ብዝተተሓሓዘ፡ ቻይና፡ ቬትናም፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኣሜሪካ እናበለ ብዙሓት ሃገራት ጠቒሱ። ንመጻኢ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ንምሕጓስ ድማ ነታ “ኣሜሪካ እንደጋና ዓብይ ክንገብራ ኢና” ንእትብል ጭረሖ ትራምፕ ደጋጊሙ ኣኳማሲዕዋ። ብዛዕባ ኩለመዳያዊ ኩነታተን ክጠቅስ እንከሎ ብፍላይ ኣብ ስልጣን ንዘሎ መንግስት ኣሜሪካ ከምቲ ልማዱ ብትሪ ኸሲስዎ። ነዚ ኮለል ዝበሎ ብኸመይ ምስ ኩነታት ኤርትራ የተኣሳስሮ ግና ዝጭበጥ ሓሳብ ኣየቕረበን። ከም ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣመሰላ ዞናዊ ውዳበታት እውን ካብቲ ጸርፉ ኣይደሓናን ክሳብ “ኣበይ ዘሎ ሕብረተሰብ ዓለም እዩ” ዝኣመሰሉ ስምዒታውን ዘይሓላፍነታውን ሓረጋት እውን ኣዘውቲሩ።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዱ ኣእትዩ ይሕንክር ከም ዝጸንሐ ርኡይ እናሃለወ፡ ሱዳናውያን ኣብ ጉዳዮም ናይ ካልእ ኢድ ክኣትው ከየፍቀዱ ባዕላቶም ንክፈትሕዎ ክመክር ከም ዝጸንሐ ኮይኑ ክቐርብ ፈቲኑ። ካብዚ ሓሊፉ ናብቲ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ናይ ዓመታት ውረድ ደይብ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ተመሊሱ ብዙሕ ለፍሊፉ።
እቲ ዝነወሐ ግዜ ዝወሰደሉ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዩ፡ ኣብዚ እውን ካብቲ ልሙድ ካብ ኣብ ድሮ ውግእ ባድመ ዝነበረ ኩነታት ጀሚሩ፡ መዓት ክሕደትን ጥምዙዝ ፍጻመታትን ብምቕራብን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ኮለል ኢሉ። ነቲ ብይን ዶብ ኣብ መሬት ዘይምምልካት ጠቕሊሉ ንኢትዮጵያ ጥራይ ከሰክማ ተሰሚዑ። “ንስኻኸ ኣብቲ ዕድል ዝረኸብካሉ ንምምልካት ኣብ ባይታ ብዝምልከት እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ተባሂሉ ከም ዝሕተት ዘስተውዓለ ኣይመስልን። ካብዚ ሓሊፉ ብሓፈሻ ኣብቲ ህልውን ንኤርትራ ዝምልከትን ምዕባለታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ናቱ ግጉይ ፖሊሲ ዝምድና ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራ ዝምልከት፡ ሕቶ ስለ ዘየዳለወ፡ ብቐጥታ ዝበሎ የለን። ሕሉፍ ሓሊፉ ትማሊ “ንኤርትራን ኢትዮጵያ መንዩ ዝፈልየን” ዝብል ዝነበረ ፈኸራኡ ተሪፉ “ኣበይ ዘላ ኢትዮጵያ እያ?” ኢሉ ክሓትት ተሰሚዑ።
ከምቲ ልማዱ ኣብ ጉዳይ ትሕዝቶ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ “ዓብይ ሓጽቢ ሕዳሰ ኢትዮጵያ እውን ንመለስ ዜናዊ ይትረፍካ ኢለ ኣማኺረዮ ነይረ ግና ኣይሰመዓንን” ዝበሎ ድማ ካብቲ ኣገረምቲ ኣበሃህላኡ እዩ። ነዚ ክብል እንከሎ ስለምንታይ ግብጺ ኣብቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ኪዳን ኣስመራ ከም ዝተሰለፈት ምኽኑይ ንምግባር ዝዓለመ ይመስል።
እቲ ዘገርም፡ ኣብ መንጎ ትግራይን ፈደራል መንግስትን ውግእ ክካየድ ድሌት ከም ዝነበሮ፡ ግና ድማ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ውግእ ከምዘይተርፍ ከም ዝሓበሮ ይጠቅስ። እዚ ዝብል ዘሎ እቲ ቅድሚ ኣብይ ኣሕመድ ነጋሪት ውግእ ንምውቃዕ፡ “ወያነ ጸወታ ተወዲኡ” ዝበሎ ተረሲዑ እዩ ካብ ዝብል ይመስል። ብናይ ኣብይ ድፍኢት ንደበረጼን ውግእ ንከየካይዱ ኣብ ኦሞሓጀር ከም ዝመኸሮ እንተኾነ ደብረጼን ከም ዝኣበዮ እውን ጠቒሱ። ከምዚ ኢሉ ክመጻደቕ ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ዘገርም ኣብቲ ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ውግእ ትግራይ ኢዱ ከም ዝሓወሰ ግና ኣይጠቐሰን። ትማሊ ደጋጊሙ “ተኾሊፍና” ከምዘይበለ፡ ናይ ሰላም ሓላይ ብምምሳል ውዕል ፕሪቶርያ ክትግበር ከም ዝድግፍ ጠቒሱ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ንምኽሳስ ድማ ናይቲ ውዕል ዋናታት ካለኦት እዮም ይብል። ብሓፈሻ ኣብዚ ቃለ-መጠይቑ ከጉልሖ ዝፈተነ ጉዳይ ዘይምጥኖ ክነሱ፡ ናይ ፖለቲካ ፈላጥ፡ ናይ ሰላምን ዕቤትን ሓላይን ናይ ጽቡቕ መጻኢ መኻሪ ኮይኑ ንምቕራብ እዩ።
ኣብቲ ቅድሚት ክመጽእ ዝነበሮ ጉዳይ ኤርትራ “እኹል ማይን ጸዓት የብልናን” ኢሉ። ከምቲ ልሙድ ከኣ ነዚኦም ከይሓዝካ ምልማዕ ኣይከኣልን ይብል። ዘመናውን ምቹኣትን ኣውተቡሳት ከነቕርብ ይግበና ኢሉ። ግና መንን መዓስን እየ ክቐርባ መልሲ ኣይነበሮን። ቅድሚ 20 ዓመታት ዘውጻናዮ ናይ ልምዓት መደባት ኣሎ ኢሉ፡ ነቲ መደባት በብግዜኡ ነሕድሶ ኣለና ድማ ወሲኽሉ። መዓስን ብመንን እዩ እቲ መደባት ክትግበር እሞ ናይ ህዝቢ ራህዋ ከምጽእ ዝምልከት ግና ዝበሎ የለን። ወፍሪ፡ ኢድናስትሪ፡ ወደባት፡ ኣየርፖርት…ወዘተ ዝብሉ እውን ዘርዚሩ። ዘይሩዘይሩ ግና ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ነታ ናይ ቀደሙ ጸገማት ምጽብጻብ እዩ ደጊምዋ እምበር፡ መጻኢ ተስፋን መፍትሕን ኣይኣመተን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ኣብ ፖለቲካ ናይ እንዳማቱ ክዘባርቕ ኣምስዩስ ንኤርትራ ዝምልከት ፖለቲካዊ ዝዕባ ዘይምጥቃሱ እዩ። እዚ ተደሚሩ እዩ ከኣ “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ዘብል። እቶም “እንታይ ሓድሽ ከየምጽእ” ኢሎም ነቲ ቃለ-መጠይቑ ክሰምዑ ግዜኦም ዘየባኸኑ ድማ ቅኑዓት ነይሮም።
Elimination of Violence against women 2024
ባህግና Bahgna Media 01.12. 2024: ምስ ህዝብና ኸ፡ ንናበብ ኣለና ዶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኸ፡ ንህግደፍ ክጽበ ድዩ፡
Written by Bahgna MediaMedia
Elimination of violence against women 2024
2024 Elimination of Violence against women
ኣምበሳደር ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል
ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዮሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ምስ ዩትብ-መዲያ ኤምባሲ ኤርትራ ለንደን፡ ብ26 ሕዳር 2024 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ የንቆልቁል ከም ዘሎ ከም ዝጠቐሰ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዝምድና ዘንቆልቆለ፡ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምቁራጹ ምዃኑ እውን ቢቢሲ ኣመልኪታ።
ኣምበሳደር ዮሃንስ ሃይለሚካኤል ናይቲ ምንቁልቋል ዝምድና ተሓታቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዝምድና “ቀቲሉ ይቐብሮ ኣሎ” ከም ዝበለ እውን ቢቢሲ ነቲ ቃለ መጣይቕ ብምጥቃስ ኣስፊራ።
እቲ ኣምበሳደር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይትግበር ሕልሚ ዝሓልም እዩ ዝነብር ከም ዝበለን ኣብቲ ኣገላልጻኡ ዘይእሩም ቃላት ከም ዝተጠቕመን እውን እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዙ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይረጋጋእ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ግደ ትጻወት ኣላ ከም ዝበለከኣ ጠቒሳ። ቢቢሲ ናይቲ ኣምበሳደር ቃለ መጠይቕ፡ ምኽንያቱ ብዘይተሓበረ ድሕሪ ውሱን ግዜ ከም ዝተኣለየ ብምጥቃስ፡ ነቲ ቃለ መጠይቕ ብዝምልከት ብወገን መንግስታት ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ ርኢቶ ከምዘየለ ድማ ኣስፊራ።
ነብያት ጌታቸው ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ኤርትራ ዝተፈጥረ ጸገም የለን ከም ዝበለ ዝጠቐሰት ቢቢሲ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ግና ምስቲ ጠጠው ምባል በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵይን ምቁራጽ ርክብ ተለፎንን ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራትን ኣተሓሒዝካ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም መንግስታት መግለጺ ኣይሃቦ እምበር እቲ ዝምድና ጽቡቕ ከም ዘየለን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም ዘለዉን ኣመልኪታ።
ቃለ መጠይቕ ኣምበሳደር ዮሃነስ ሃይለሚካኤል ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ከም መንግስታዊ ሓላፊ ኣብ ህልዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝተዛረበ ቀዳማይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ቃለ መጠይቕ ብቕልጡፍ ካብቲ መዲያ ከም ዝእለ ምግባሩ እዩ።
More...
Elimination of violence against women 2024
ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ምዕራፍት ቃልሲ ኤርትራ ኮነ ኣብ ዓለምና ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንድ’ቲ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ ዋጋ ናይ ዓወት ወሳኒ ዝነበረ፡ ነቲ ብቓልሱ ዘመዝገቦ ዓወት ብዝምጥን ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ሓደ ገጽ ናይ ተመኩሮኡ እዩ። ቀንዲ ተልእኮ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ፡ ነዚ ህዝብና ዘለዎ ዘይንቡር ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ።
ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ በቲ ዝተጸበናዮ ኣገባብ ኣብቲ ዝተለምናዮ እዋን ቀልጢፉ ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያታት ካብ ዝበሃሉ እቲ ቀንዲ ናይ ህዝብና ከምቲ ዝድለ ተቢዑ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማዕበል ዘይምዕሳሉ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝጥቀስ እዩ። ብግብሪ’ውን ኣብቲ ናይ ቃልሲ ሜዳ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ንህልዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራን ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ህዝብን ጉጅለ ህግደፍን ብቐረባ ዝተገንዘቡ፡ ወገናት ድማ፡ “ስለምታይ ኣሰላልፋ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ወጻዒኡ ህግደፍ ይኸውን?” ንዝብል ሕቶኦም፡ ነቲ ህዝቢ ብምንእኣስ ደጋጊሞም ክዛረብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ፡ ኣብ ናጽነት ዘብጸሐ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ኣብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ብልሑን ትብዓቱን ነኪዩ ርእሱ ከም ዘድነነ እቶም ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን ንፈልጦ ኢና። ምኽንያቱ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ዘይምህላዉ ንክሕዶ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ቀንዲ ውጹዕን ብስዕረት ህግደፍ ዝጥቀምን ንሱ እናሃለወ ምዃኑ ከኣ ኣባና ኣብቶም ኣብቲ ቃልሲ ዘለና ከይተረፈ ኣገራሚ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እቶም ኣበይ ይሃሉ ብዘየገዳስ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ብግቡእ ዘይርድእዎ ነቲ ህዝቢ ክሳብ “ንወጽዓን ባርነትን ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ” ብዝብል ዘይቅቡል ስነመጎት ክገልጽዎን ከነኣእስዎን ይህቅኑ እዮም።
እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ ስቕታኡ፡ ብመጀመርያ ለውጢ ካብ ዘይምብሃግ ዝነቅል ዘይምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ነባሪ ደኣ ኣይክኸውንን እዩ እምበር፡ ለውጥን ዓወትን እናበሃገ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣዝዩ ጽንዑን ጨካንን ኣብ ሓደ ስድራቤት ከይተረፈ ምትእምማን ዘጥፍእ፡ መርበባዊ መቑሕ ምቁጽጻር ጉጅለ ህግደፍ” ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ብዘይካቲ ነባር፡ ስሩዕን ግሉጽን ተቓውሞ፡ ከም በርሊን ማኒፈቶ፡ ጉጅለ 15፡ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ዝኣመሰሉን፡ ገሊኦም በላሕቲ ገሊኦም ከኣ ልኡማት ተረኽበታትን ካለኦት ደሃዮም ዘይተሰምዑን ምኽሳቶም፡ እቲ ዝድለ ለውጢ’ኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ግዜኡ ሓልዩ ዝነቱግ ህዝባዊ ናይ ለውጢ እሳተ-ጐመራ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ እሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክናበብ ዝግበኦ ዝተፈላለየ መልክዓት ዝሓዘ ናይ ቃልሲ ውዳበታት፡ ነቲ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዘነሃህር እምበር፡ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ “ኣነ እንተዘይሓሰብኩልካ” ብዝብል ግጉይ ፈሊጥን ሸፈጥን ንግደ ህዝቢ ካብ ቃልሲ ዘውጽእ ከም ዘይኮነ ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምንባብ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ኣድማዒ ንክኸውን ከምቲ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤ (ሓረስታይ)፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ክወድቕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክወድቕ ዝኽእል፡ ቀለበት ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ካብቲ ስርዓት ተሰዊሩ ዘሎን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ተቓውሞ ዘሎ ናይ ምትእስሳር ቃለበት ክድልድል ኣለዎ። ንውሽጢ ኤርትራ ከኣ እቲ ቀንዲ ዓውዲ ተቓውሞ ክንገብሮ ክንክእል ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ዘየንጸባረቐ ተቓውሞ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ” ዝበሎ፡ “ምስ ህዝብናኸ ንናበብዶ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ተገዲስና ክንምልሶን ናይ ግድን እዩ።
እቲ ምስ ህዝቢ ዝግበር ምትእስሳርን ምንባብን ንክዕወት፡፡ ናይቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ ማዕረ ቅሩብነትን ተገዳነስትን የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ምውዳብ ክረዳእን ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መድረኽ ስለ ዝተነፍገ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ውድባታትን ህዝባዊ ማዕበላትን ኣካይዳ ብተገዳስነት ክቋመቶ ይግበኦ። ነቲ በብግዜኡ ብህግደፍ ኣብ ድርኩዂቱ ዝእለም ረቂቕ ተንኮላትን እውን ከስተብህለሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ እምበር፡ ተጸባዪ ለውጥን ተዓዛብን ከምዘይኮነ’ውን ክግንዘብ ይግበኦ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢ፡ ሕድሕድ ንምንባብ ውሽጥን ውጻኢን ከምቲ ዝድለ ዘይጥዕም ምዃኑ’ኳ ርኡይ እንተኾነ፡ ህዝቢ በታ ዝረኽባ ጸባብ ዕድል ነቲ ብማሕበራዊ መራኽብታት ዝዝርጋሕ ደሃይ “ስረሐይ” ኢሉ ክከታተሎ ይግበኦ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ህይወት ዝድህስስ፡ ንሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝምጥን ዘመላኽትን ብሩህ መጻኢ ዘርእን ክኸውን ተመራጺ ምዃኑ ክስሕት ኣይግበኦን።
ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካኣዊ ውዳበታት ህዝቢ ዝቕበሎ፡ን “ይገልጸኒ እዩ” ዝብሎን፡ ግሉጽን ንጹርን ሓሳብ ከመሓላልፍ ይግበኦ። እቲ ካልእ ህዝቢ ድሕሪ ምርግጋጽ ለውጢ፡ ዋና ሃገሩን ወሳኒ ዲሞክራሲያዊ መስርሑን ምስኮነ፡ ሕገመንግስቲ ኣውሒሱ፡ ኣብ ሕጋዊ፡ ስሩዕን ናጻን መድረኽ ክውስኖም ዝግበኦም ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ግደኡ መንዚዕካ ኣብ ዘይህላወኡ ወሳኒ ኮይንካ ካብ ምቕራብ ምዕቃብ’ውን ህዝቢ እምነቱ ከንብረልካ፡ ሓጋዚ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ስለዚ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝብህግ ህዝቢ፡ ምንባብን ተጸባይ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ከም ዝኸውን ምሕጋዙን ምጽዓት ወሳኒ እዩ። ንሱ ዘየሰነዮ ቃልሲ፡ ክዕወት ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ምስኡ ተዋሃሂድና ብሓባር እንስጉመሉ መድረኽ ምፍጣር ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዋናውን ወሳንን እዩ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦ መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሩ ዓሊ ዩሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዶም።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ኣስመራ ብ26 ሕዳር 2024፡ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክዘራረቡ እንከለዉ፡ ነቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ድማ ብትሪ ከም ዝኸሰሶ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ። ምስቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዘሕዝን ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ጀነራል ኣልቡርሃ፡ ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሞፋዳልን ሚኒስተር ባህልን ዜና ኻልድ ዓሊ ኢልዓሲርን ሓቢሮም ናብ ኣስመራ ከም ዝተጓዕዙ ከኣ ቢቢሲ ኣፍሊጣ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅሉዓት መድረኻት ሱዳናውያን ብዘይ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእዳውነት ጉዳዮም ባዕላቶም ክፈትሑ እዩ ዝጽውዕ። ብግብሪ ግና ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ዝተዓለመ ሰራዊት እናዋፈረ ነቲ ውግእ ኣብ ምግዳድ ዝርከብ ዘሎ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ዓሊ የሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ኣብ ተመሳስሊ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ዶር ጊደዎን ጢመቲዎስ ተራኺቡ ብተመሳሳሊ ዛዕባ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ዝርርቦም፡ ኣብ ርእሲቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳንን መፍትሒኡን ዝምልከት ምጥቃሶም፡ ብዛዕባ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ከም ዘልዓሉ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤማራት ብምትሕብባር ናብቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ኣጽዋር ከተሰጋግር ጸኒሓ ተባሂላ ትኽሰስ እያ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ብሱዳናዊ ፖለቲከኛ፡ ያሲን ዓርማን ዝምራሕ፡ ግንባር ሱዳናዊ ሰውራዊ ዲሞክራሲ፡ ብ24 ሕዳር 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣንጻርቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንክስለፍ፡ ናብ ሰፊሕ ሲቪላዊ ግንባር ሱዳን መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ዓርማን ኣብቲ ጸዋዒቱ ኣተሓሒዙ፡ ሓይልታት ሰውራን ለውጥን ሱዳን ክሓብሩን ውግእ ጠጠው ዝብለሉ መንገዲ ክጸርጉን ጸዊዑ።