ባይቶ ሕ/ሃ ፍልስጤም ተወሳኺ መሰል ክትረክብ ወሲኑ

2024-05-11 09:47:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 341 times

ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ብ10 ጉንበት 2024 ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ መሰልን ሓለፋን  ክትረክብ ዘኽእላ ውሳነ ብዝለዓለ ድምጺ ኣሕሊፉ። ኣተሓሒዙ ድማ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ነቲ ፍልስጤም መበል 194 ኣባል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ዘቕረበቶ ሕቶ ግምት ክህቦ ጸዊዑ።

እቲ ኣኼባ ነቲ ብፍልስጤምን ዓረብን ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ፡ ብ143 ደገፍ፡ 25 ዕቃበን 9 ተቓውሞን እዩ ኣጽዲቕዎ። እተን ዝተቓወማ፡ እስራኤል፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣርጀንቲና፡ ስዘችሂኣ፡ ሃንጋሪ፡ ሚክሮነሲያ፡ ናዩር፡ ፓላዩን ነው ግኒያን እየን። ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ 25 ሃገራት ድማ ጀርመን፡ ዓባይ ብሪታንያን ካናዳን ከም ዝርከበን ተፈሊጡ።

እቲ ዝተዋህበ ድምጺ፡ ናይ ፍልስጤም ምሉእ ኣባልነት ኣብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት  ብኣህጉራዊ ደረጃ ብብዙሓት ሃገራት በቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ፍልስጤምዋያን ዝወርድ ዘሎ ጥፍኣትን ኣብ ከባቢ እቲ 1.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ዝነብርዎ ከባቢ ራፋሕ ከየጋጥም ዘሎ ስግኣትን ሻቕሎትን ዘንጸባርቕ እዩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣብዚ ኣኼባ ኣንጻር መስል ፍልስጤም ኣብ ልዕሊ ምድማጻ፡ ኣብ መጻኢ እውን ምስ እስራኤል ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፡ ዶባትን መጻኢ ዕድል እየሩሳሌምን ብዘተ ክሳብ ትፍትሕ ንምሉእ ኣባልነት ፍልስጤም ከም እትዓግቶ ፈኪራ።

በዚ ሓድሽ ዋሳነ መሰረት ወኪል  ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከም ኣባል ኣይከድምጽን እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ኣዳራሽ ብደረጃ ስሙ ዝጅምረሉ ፊደል/alphabetically፡ ተሰሪዑ ወንበር ይሕዝ።  ምሳነ ሓሳባትን መተዓራረይን ርኢቶ የቕርብ። ኣብቲ ዝድመጸሉ ውሳነ-ሓሳብ ርኢቶ ክህብን ውሳነ-ሓሳብ ከመንጩን ድሕሪ ውሳነ ድማ ሚዛኑ ከንብር  ይኽእል።

ወኪል ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣንበሳደር  ሪያድ መንሱር፡ ኣብቲ ኣኼባ በቲ ውሳነ ሓጐሲ ክገልጽ እንከሎ፡ ወኪል እስራኤል ኣንበሳደር ጊላድ አርዳን፡ ድሕሪ ብስምዒት ብዙሕ ዘይእሩም ቃላት ምስምዑ፡ ብክቱር ሕርቃን ተቓውሞኡ ንምንጽብራቕ ጥሕሰት ተፈጺሙ ብዝብል  ኣብቲ መድረኽ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ቀዲዱ።

Last modified on Saturday, 11 May 2024 11:58