ኢትዮጵያ እጃም ተጠቃምነት ወደብ ታጁራ ተሓሲማ
2026-04-14 20:24:27 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 104 timesመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ወደብ ጅቡቲ ታጁራ 60% ብጽሒት ቁጠባዊ ተጠቃምነት ንክህልዎ ዝቐረበሉ ጻውዒት ከም ዝተሓሰመ ሶማሊያ ቱዳይ (Somalia Today) ካብ ጅቡቲ ሓቢራ። እቲ መሕሰሚኡ ምኽንያት ናይ ተጠቃምነት ዘይኮነ፡ ናይ መተሓላለፍን ምምሕዳርን (corridor arrangement) መሰል ክህልወኒ ኣለዎ ዝብል ምዃኑ እውን ሶማሊያ ቱደይ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ድሕሪ ኣዕሚቕ መጽናዕቲ ብናይ ጅቡቲ ምምሕዳር ወደባትን ናጻ ዞናን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
ጅቡታዊ በዓል መዚ ምምሕዳር ውደባትን ናጻ ዞናን ኣቡበከር ዑመር ሃዲ ነዚ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ዝበዘሐ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ክወሃባ እኳ እንተ ወሰነት ኢትዮጵያ ግና ነቲ እማመ ኣይተቐበለቶን። እቲ በዓል መዚ ጅቡቲ ንሕና ንጹራትን ግሉጻትን ኢና ኢትዮጵያ ግና ካብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ንላዕሊ ናብ ምውናንን ምምሕዳርን መተሓላለፊ እያ ተማዕዱ ዘላ ኢሉ።
ሃዲ ኣተሓሒዙ ጅቡቲ ንሓቢርካ ምስራሕ ቅርብቲ ኮይና፡ ንመንግስታዊ ኮነ ብሕታዊ ግዳዊ ንጥፈታት ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ጥጡሕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ድልውቲ ኮይና ክትቅጽል እያ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይታ ኣስታት 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ግና ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኢትዮጵያ ልዕሊ 95% ንግዲ ዝወጽእን ዝኣቱን ብወደብ ጅቡቲ ምዃኑ ሃዲ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላኡ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ነቲ ከም ድላያ ንግዳዊ ንጥፈታት ከተካይደሉ እትኽእል 60% ብጽሒት ትቃወመሉ ዘላ መሰረታዊ ምኽንያት ኣብ መንጎ ተጠቃምነትን ምውናንን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። እዚ ድማ ሕቶ ኢትዮጵያ ኪኖ ንግዳዊ ተጠቃምነት ዝኸይድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ክብል እውን እቲ ጅቡታዊ ሚዛኑ ኣስፊሩ። ኣብቲ ጉዳይ ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት ብወገኖም ኢትዮጵያ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝሰኣነቶ ዋንነት ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ክትቅበሎ ዘይምኽኣላ ዘርኢ ምዕልባጥ እዩ ኢለምዎ።