ሎሚ ናይ ትማሊ ውጽኢት’ዩ

2024-05-13 09:24:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 534 times

“ካብ ናይ ትማልን ናይ ሎምን ኣየንኡ ይበልጽ?”  ዝብል ሕቶ ወትሩ ኣዛራቢ እዩ። ከምቲ “ናትካሲ ኩሉ ጥዑም” ዝበሃል፡ እቶም ናይ ትማሊ ነቲ ናይ ትማሊ፡ እቶም ናይ ሎሚ ድማ ነቲ ናይ ሎሚ ዝያዳ ከም ዘድንቕዎ ፍሉጥ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትን ግዜን ዝርአ ኮይኑ፡ ክሳብ ኣብዚ ኣንጻር ወጽዓ ነካይዶ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ቃልስና  ከይተረፈ ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ።  በዚ እዩ እምበኣር ግደ ትማልን ሎምን ምውሳብ ኣገዳሲ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘየብሉ።

እዚ ነናብ ተመኩሮኻ ምድላው፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮና ክንጸባረቕ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። እቲ ኣዘራራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ መስርሕ ምትኽኻእን ምውርራስን ተመኩሮ ቃልሲ፡  ጽልዋኡ ዕዙዝ ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ነባር ነቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮኡ “ጥዑም ከይበልካዮ፡ ጥዑም ይሓልፍ” ብዝብል ዕምቆት የደንቖ። ነቲ ሕሉፍ ፍጻመታት መወዳድርቲ ከምዘየብሉ ኣምሲሉ ክሳብ  ምግላጹ እውን ይመጣጠር። እቲ ንናይ ትማሊ ተመኩሮ ምንኣድ ጸገም ኣይምኾነን። ነቲ ናይ ሎሚ ተረኽቦ ግቡእ ሚዛን ብዘይህብን ብምንእኣስን ወይ ድማ ፈጺምካ ብምዝንጋዑ ክቐርብ እንከሎ ግና፡ ኣፍራሲ እዩ ዝኸውን። እዚ ናብ ናትካ ጥራይ ምጽብባቕ ዝብል ስምዕት በቲ ሓድሽ ወለዶ እንተተደጊሙ እውን ሓጋዚ ኣይከውንን። እንተኾነ ንግደን ብጽሒትን ናይቲ ካልእ ኣካል  ክሳብ ዘይከሓደ ናብቲ ዝሓለፍካዮ ተመኩሮ ምድላው  ባህርያዊ እምበር ከም ነውሪ ዝውሰድ ኣይኮነን።

“ናተይ ጥራይ” ናብ ዝብል ጸቢብ መደምደምታ ካብ ዘብጽሑ ሕጽረታት ሓደ፡ ንናይ ትማሊ ተመኩሮ ብመንጽርቲ ሽዑ ከቢብዎ ዝነበረ ናይ ቀረባን ርሑቕን ምዕባለ፡ ንናይ ሎሚ እውን ብመንጽርቲ ዝጸልዎ ዘሎ ተርእዮታት ክትዕቅኖ ዘይምብቃዕ እዩ። ነዚ ናይ ሎሚ በቲ ናይ ቀደም መንፈስ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ድማ ብመጽርቲ ናይ ሎሚ ህልዊ ምዕባለ ጥራይ ምርኣዩ ናብ ግጉይ መደምደምታ  ዝወስድ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዕድመን ብተመኩሮን ዝደፈአ፡ ግና ከኣ፡ ካብ ቃልሲ ዘይበኾረ ባእታ፡ ንናይ ሎሚ መንእሰይ ብመንጽርቲ ንሱ መንእሰይ እንከሎ ዝነበሮ ስምዒትን ኣጠማምታን ጥራይ እንተዓቂንዎ፡ ናብ ጌጋ ክመርሖ ይኽእል። እቲ ናይ ሎሚ መንእሰይ ብወገኑ ንግዜ ንእስነት ናይዞም ሎሚ ሕድሪ ከረክብዎ ቅሩባት ዘለዉ ነባራት፡  በቲ ናይ ሎሚ ናይ ንእስነት ግዜኡ ጥራይ እንተ ዓቂንዎ እውን ካልእ ጌጋ ከም ዘስዕብ ንርእዮ ዘለና እዩ። ብውሕዱ እቲ ናይ ቅድም ቃልሲ ኣንጻር ገዛእቲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር፡ ናይ ሎሚ ድማ ኣንጻር ወጻዕቲ ደቂ ሃገር  ምእንቲ ሓርነትን መሰረታዊ መሰላትን ህዝቢ ምውሓስ ዝካየዱ ምዃኖም ኣብ ግምት ምእታውኳ ካብ ብዙሕ ምድንጋራት ከም ዘድሕን እሙን እዩ።

እቲ ትማሊ ዝተቓለስናሉ፡ ነዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ምዕባለ ከም ዘስዕብ ምልክታት ነይሩ እዩ። “ድሕሪ ናጽነት’ውን ግድል ኣሎ፡ መሰላት ህዝብና ንኽሕሎ” ዝብል ናይ ግዜ ሰውራ ዜማ፡ ክሳብ ክንደይ ናይዚ ሎሚ ንሓልፎ ዘለና ፖለቲካዊ ህይወት ኣማቲ ምንባሩ ምስትብሃል ይከኣል። ካብቶም ናይ ብረታዊ ቃልሲ ተዋሳእቲ ሓያሎ፡  ነዚ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኣጋጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ኣይተዳለዉሉን ነይሮም ክበሃል ይካኣልዩ። ካብዚ ዝነቐለ እዩ ከኣ ናይ ህግደፍ ከምቲ ድሕሪ ናጽነት ንዓመታት ኮይንዎ ዘሎ ምዃኑን ሃንደበትን ዘይተጽበይዎን ዝኾኖም።

ሎሚ ዝውሰድ ስጉምትታት እውን ብዛዕባ ጽባሕ ኣየመላኽትን ማለት ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ከኣ ሓደ ስጉምቲ ክትስጉም እንከለኻ ኣርሒቕካ ምጥማት ከም ዘድሊ ተደጋጊሙ ዝንገር። ኣብ ትማሊ ኮይንካ ብዛዕባ ሎሚ፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ድማ ብዛዕባ ጽባሕ ኣርሒቕካ ዘይምጥማት ግና ሳዕቤኑ ዝያዳ ኤርትራውያን ዝርደኦ የለን። እዚ ኣርሒቕካ ምጥማትን ምትእምማንን ኣብ ዝበኾረሉ መስርሕ ምትኽኻእን ምምልላእን ስሩዕን ስሉጥን ኣይከውንን። እዚ ሎሚ ኣብ ደንብ ተቓውሞና ንዕዘቦ ዘለና ውረድ-ደይብ  ድማ ኣብነት እዩ። ስለዚ “ሎሚ ውጽኢት ትማሊ፡ ጽባሕ ድማ ውጽኢት ሎሚ” ምዃኑ ምግንዛብ ካብ ብዙሕ ምድንጋራት ዘድሕንን መስርሕ ምርኽኻብ ሽግ ቃልሲ ግቡእ መልክዕ ዘትሕዝን እዩ።

ንናይ ትማሊ ተመኩሮ ግቡእ ክብሪ ምሃብ ማለት፡ ኣብኡ ተኣሲርካ ምንባርን ሎሚ’ውን ብምሉኡ  እንተዘየስራሕናዮ ኢልካ ምድራቕን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ነቲ ሎሚ እውን ኣድላይነቱ ዘይሃሰሰ፡ ክፋል ናይቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ምውሳድ ቅኑዕ እዩ። ነቲ ሎምስ ኣይሰርሕን እዩ ዝተባህለ ክፋል ተመኩሮ ድማ ከም ኣካል ታሪኽ ብኽብሪ ሰኒድካ ምቕማጥ የገድስ። ንናይ ሎሚ ህልዊ ፍጻመታት ክብሪ ምሃብ ከኣ በይኑ ምንጥልጣሉ ማለት ዘይኮነ፡ ምስ ናይ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚብካ ምምዛኑ እዩ ዘስምዕ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ነቲ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ዝብል ብሂል  ዕዙዝ ግምት ምሃቡ  ኣገዳሲ ይኸውን።

ኤርትራውያን ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምምሕዳሩ፡ ኩሎም “እቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ይምልከተኣዩ” ዝብሉ ኣካላት ብሓላፍነት ክሰርሕሉ ዝግባእ እምበር፡ ብፍሉይ ነቲ መንእሰይ ጥራይ ወይ ነቲ ገዲም ዘይግደፍ ጾር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ምዕዋት መኽሰብ፡ ብሓፈሻ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ቃልሲ ተጸሚዶም ናይ ዘለዉ ውዳበታት ዝብህግዎ ስለ ዝኾነ። ኣብ ሓደ እዋን ዘይምድልላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንሕናን ንሳቶም” ክሳብ ምብህሃል በጺሖም ዝነበሩ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ሓርነት መንእሰያትን ነባራትን ወይ ድማ ገዳይም ውዳበታትን ሓደስቲ ህዝባዊ ማዕበላትን፡ ሳላ ናይ ኩሎም ዘይተሓለለ ጻዕሪ፡ ተቐራሪቦም ብሓባር ኣንጻር ህግደፍ ክወፍሩ ክኢሎም ኣለዉ። እንተኾነ ስጡምን ቀጻልነቱ ዘተኣማምንን  ምውህሃድ ብቀጻሊ መስርሕ ዝህነጽ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ናይ ምስጥጣም ቃልሲ ቀጻሊ እዩ።

Last modified on Monday, 13 May 2024 11:28