“ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ኤርትራሲ!! ምትእምማን ኣሎ?”

2024-05-15 21:52:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 593 times

ከምቲ “ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኮሓል” ዝበሃል፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ከይሓፈረ፡ “ህልው ኩነታትን ኣንፈት ብሩህ መጻእን” ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ኣብ ልሳናቱ ዘርጊሑ። ኣብዚ ከዛርብ ዝቐነየ ርእሰ ዓንቀጹ ድማ ኣብ ባይታ ዘየለን ኣብ ሕድሕዱ ዝጓነጽን ሓሳባት ዘስፈረ ኮይኑ፡  ካብቲ ክሕባእ ዘይኽእል ንመንነቱ ዘቃልዕ ዝተኣመነሉ ሕሳባት ከም ዘለዎው እውን ተዓዚብና። ኣብቲ ህልው ኩነታትና፡ ካብ ሕሉፍ ኩነታትና ዝተነጸለ ኣይኰነን” ብዝብል  ዘስፈሮ ካብ ዝተኣመነሉ ሓቅታት ሓደ እዩ ኢልካ ምውሳድ ይከኣል። ምኽንያቱ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ይቕረ ዘይበሃሎ በብዓይነቱ በደላትን ገበናትን ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐን መቐጸልታ ናይ ዝሓለፈን እምበር፡ ሃንደበት ካብ ሰማይ ዝነጠበ ከምዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣጸቢቑ ስለ ዝርደኦ።

“ኣብ መንጎ ውድብን መንግስትን ህዝብን ዘሎ ሓድሕዳዊ ምትእምማን  እዚ ድማ  ሓደ ካብቲ ህግደፍ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ከም ዝሕሱ ዘርኢ እዩ። ብመሰረቱ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝብሎ ዘሎ መንግስቲ፡ መንግስታዊ መሓውርን ህዝባዊ መሰረትን ዘየብሉ፡ ናብ ደረጃ ናይ ውልቀሰብ ገባርን ሓዳግን ወሪዱ ዘሎ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እቲ ውድብ ዝበሃል ዘሎ ህግደፍ እውን ከምቲ መንግስቲ ንቡር ውድባዊ መዐዕቀንታት  ዘየማልእ፡ ናብ ስለያዊ ትካል ዝወረደ ኣብቲ ካለኣይ ጁባ ናይቲ ዲክታቶር ተስኲዑ ዘሎ ስማዊ እዩ። ስለዚ እዞም መንግስትን ውድብን ዝበሃሉ ዘለዉ፡ ኣይኮነንዶ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነትን ምትእምማንን ክፈጥሩስ፡ ነንገዛእ ርእሶም ህልውናኦም ዘህሰሱ እዮም። ብመንጽር እታ ኣብ ኣፍ ሞት ዘላ ህልውናኦም እንተወሰድናዮም እውን፡ ምስ ህዝቢ ዓይንን ሓመድን እምበር ምትእምማን የብሎምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕልናኡ ኣውጺኡ ብዓይኒ ጽልኢ ዝርእዮም ብዓመጽን ኣስገዳድን ዝነብሩ ንጹላት እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት እዮም እምበኣር እቶም ብሰንኪ ግብሮም ዝሃሰሱ ጉጅለን መንግስትን፡ ዘይምልከቶን ዘይግበኦን ህዝባዊ ካባ ክለብሱ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ።

“ኤርትራ ሃገር ማሕበራዊ ፍትሒ ያ”፡  እዚ ኣብቲ ርእሰ ዓንቀጽ ሰፊሩ ዘሎ ኣበሃህላ፡ ንኤርትራን ህዝባን ዝግበኦም ምዃኑ ኣየዳድን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝኣምን፡ ስሩዕ መንግስታዊ ኣካላት  ኣብዘይነበረሉ ’ውን ብሕጊ እንዳባ ናይ ምምሕዳር ነባርን ሃብታምን ተመኩሮ ዘለዎ ስለ ዝኾነ። ዝኾነ ይኹን “ዝባን ሕጊ” ተባሂሉ ክግዘት እንከሎ ቀጥ ኢሉ እዩ ዝምእዘዝ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብቲ ናጻ ዝወጸ ከባብታት ዝነበረ መስርሕ ፍትሒ “ዝባን ስዉኣት ተጋደልቲ” ክበህል እንከሎ ምንቕ ብዘይምባል ንሕጊ ዝምእዘዝ ምዃኑ ዘመስከረ ፍትሓዊ ህዝቢ እዩ። እንተ’ቲ፡ ኣብ ግዜ ምምሕዳሩ፡ ሃለዋት እሱራት ዝሓብእ፡ ዝቐትል፡ ዝጨዊ፡ ኣገዲዱ ዝዐስክር፡ መሰል ምቛም ጠበቓ ዝነፍግ፡ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝቐጽዕ፡ ንብረት ዜጋታት ዝዘምት፡ ባህሊ ዘበላሹ ……. ወዘተ ጉጅለ፡ ኣብዚ እዋንዚ ንኤርትራ፡ “ሃገር ማሕበራዊ ፍትሒ እያ”  ዝብለሉ ሞራልን ግብርን የብሉን።

“ኤርትራ ብሰንኪ ኵናትን ተጻብኦን፡ ማዕረ ህዝባውን ባህርያውን ጸጋታታ፡ ብመጠን ዝሓለነቶን ዝተበገሰቶን ኣብ ህንጸት ቁጠባን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝባን ክትግስግስ ዕድል ዝተነፍጋ ሃገርያ”  ዝበሎ’ውን ኣሎ። እወ ኤርትራ ርቡሕ ባህርያዊ ጸጋታትን ትጉህ ህዝብን ከለዋ ብሰንኪ ህግደፍ ብዙሕ ዕድላት ዝተነፍጋ እይ። ናይቲ ብጸጋታታ ናይ ዘይምጥቃማ ጠንቂ ዝተባህለ ኲናትን ተጻብኦን “መን እዩ ዋንኡ?”  ዝብል እዩ እቲ ቁምነገር። ስለዚ እቲ ቅድም ክጥቀስ ዝግበኦ ቅኑዕ ኣበሃህላ “ተጻብኦን ኲናትን ንኤርትራ ብጸጋታታ ከይትጥቀም ዓንቂፍዋ” ዘይኮነ፡ “ነቲ  ተጻብኦን ዕንቅፋትን ዝጻሕተሮ ህግደፍ እዩ” ዝብል እዩ። በዚ እዩ ከኣ  ናይ“ወቒዕካ  ምእዋይ” ሸፋጢ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ እዩ ክቃላዕ ዝግበኦ።

“ኤርትራ ናይ እንዳማታ መሬት ዘይትጥምት፡ ናይ ካልኦት ናጽነትን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እተኽብርምበር ዘይትጥሕስ፡ ብመንጽሩ ድማ፡ ንነብሳ ንምክልኻል ናይ ማንም ፍቓድ ዘይትሓትትን ናብ ዝዀነ ቁሊሕ ዘይትብልን ሃገርያ።” እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብልክዕ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገልጾ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ንናጽነቱን እምበር ናብ ምግሃስን ምዕማጽን ናይ ካለኦት መሰልን ናጽነትን ዘቕነዐ ስለ ዘይጸንሐን ዘይኮነን። እንተ ህግደፍ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓውነት፡ ትብዓትን ጽንዓትን መዝሚዙ ነቲ ዝተበላሸወ ምስሉ ብኸምቲ ኣብቲ ርእሰ ዓንቀጽ ኣጸባቢቑ ዘስፈሮ  ክገለጽ ዝኽእል ግብሪ ፈጽሙ የብሉን። ስለዚ ኢና ድማ፡ ተግባርን ሞራልን ህግደፍን ምስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ተጻረርቲ ጫፋት እዮም እንብሎም።  ምኽንያቱ ህግደፍ ፍልልያት እናተዓባበየን ጽልኢ እናጻሕተረን ካብ ሱዳን ክሳብ ጅቡትን የመንን ከምኡ ድማ  ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ኮንጎ ዝዝርጋሕ ውግኣት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ሎሚ ናይቲ ውዕሎታት ዝርዝር ናይ ዓይኒ መሰኻክር ዘዘንትዉዎ ዘለዉ እዩ። ብደረጃ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከይተረፈ እውን “ጀማሪ ውግእ” ተባሂሉ ከም ዝተቐጽዐ እንፈልጦ እዩ።

እዚ ጌና ክሳብ ሎሚ ውግእ ካብ ናይ ምህዳን ሕዱር ሕማም ዘይወጸ ህግደፍ፡ ንሓቀኛ መንነት ህዝቢ ኤርትራ መዝሚዙ፡ “ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ናይ ካለኦት ዘኽብር መሲሉ ክቐርብ እሞ ሰማዒ እዝኒ ክረክብ ምሕላኑ ጥራይ ዘገርም እዩ። ትማሊ ተጠሊዑ፡ ንሓንሳብ ንኤርትራ ናይ ካልእ ሃገር መራሒ  ክዕድመላ እንከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ምሕላው ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ዘይኮነ፡ ቀዳምነትና እዩ ክብል እንከሎ፡ ወያነ ጸወታ ተወዲኡ ኢሉ ክጭርሕ እንከሎ፡ ዝሰምዐን ዝረኣየን ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ስንኩፍ ስብከት ክዕሸወለይ እዩ ኢሉ ምሕላኑ ድማ፡ እቲ ዕሽነት ምስኡ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። እቲ ዝኸፍአ ከኣ ነዚ ዘቃልሑ የወሃት ምህላዎም እዩ።

“ኤርትራ……ሎሚውን፡ ካብ ሓሳድን ተጻባኢን መሊኣ ኣይተናገፈትን፡ ካልእ መልእኽቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ህግደፍ እዩ። ብዓይኒ ህግደፍ እቶም ሓሳዳት ዝበሃሉ ዘለዉ ትግራይ፡ ኣመሪካን ካለኦት ምዕራባውያንን ምዃኖም ምግማት ኣየጽግምን። ሓሳዳት ዝበሃልሉ ዘለዉ ከኣ ነቲ በግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ህዝብታት ዝፍጽሞ ማእለያ ዘይብሉ ጸረ ሰብኣዊ በደላትን ግህሰታትን “ሕራይ ገበርካ ኣገናዕ”  ኢሎም ስለ ዘይንኣድሉ እዩ። ብዓይኒ ህግደፍ “ዓገብ” ዝብሎ ሓሳድ እዩ። ኩሉ ገዲፍካ ግና ንህዝብና እቲ ቀንዲ ሓሳድ ባዕሉ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ህዝቢ ጽቡቕ ክርኢ እንከሎ፡ ዓይኑ ደም ዝነብዕ ቀናእ ስለ ዝኾነ። 

Last modified on Thursday, 16 May 2024 00:06