2024 campaign Elimination of violence against women
elimination of violence against women introduction part 1 by Tsega Woldemariam
Written by EWANAMedia
ዓለም ለኻዊ ትካል፡ “ገስጋሲ ምሕዝነት” ብምኽንያት 25 ሕዳር ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኩለ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ኣብ ምውጋድ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ናይዚ ዓመትዚ መሰረታዊ ቆላሕታኡ ዝሃቦ ዛዕባ፡ “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካን ተሓላቕነትን/ትግሃትን ( women in politics and activism,” ዝብል ኮይኑ፡ ዕላማኡ ከኣ ነተን ብጾታአን ጥራይ ድምጸን ዝዕፈንን ካብ ሕብረተሰብ ዝግለላን ብዱላት ምሕላቕ ከም ዝኾነ ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ኣብ ግምት ብምእታው “ብሓባር ኣብ ጐነን ንሰለፍ” ከም ዝብል’ውን ጠቒሱ።
እቲ ክውገድ ዝግበኦ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምፍርራሕን ግጉይ ሓበሬታ ምሃብን፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ ካብ ዲሞክራሲያዊ ናይ ምምራሕ ግደአ ምግላል፡ ዲሞክራሲያዊ መሰለንን ማሕበራዊ ዕቤትን ምኽልካል የጠቓልል። እቲ ዘጋጥመን ጸገም ምግሃስ መሰላተን ጥራይ ዘይኮነ፡ መትከላት ፍትሕን ማዕርነትን ዝጻረር እውን እዩ። እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ብማዕዶ ብናይ ጽልኢ መልእኽቲ ምፍርራርሕን ጾታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻምን ከም ዘጠቓልል ከኣ ገስጋሲ ምሕዝነት ተሓቢሩ።
ገስጋሲ ምሕዝነት፡ እቲ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን በደልን ዝተጸንዐን ረቂቕን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ንክውገንድ ዝኽእል ንጸኒሓዊ ኣሰራርሓ ብፍትሓዊ ትካላዊ ናይ ኣተሓሕዛ መርበብ ምትካእ ከም ዘድሊ ጠቒሱ፡ ነዚ ንምትግባር ተመሳሳሊ ርኢቶ ዘለዎም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ማዕርነት ናብ ዝረጋገጸላ ዓለም ክጐዓዙ ከም ዘለዎም ኣስፊሩ።
ገስጋሲ ምሕዝነት ነዚ ኣገዳሲ ዕለት መዓልቲ ኣንጻር ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፍሉይ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።
1.ኣብ መስርሕ ፖለቲካን ተሓላቕነትን/ትግሃትን ደቂ ኣንስትዮ ንዘካየደኦ ቃልሲ ምዕዛዝ፡ 2.ንዝለዓለ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ምኽታልን ምድጋፍን፡ 3.ምእንቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብሳይበር/ብማዕዶ (online) ዝግበር ረቂቕ ቃልሲ ምሕያልን ምምዕባልን፡ 4.ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ ቀጻሊ ንክኸውን ምድፋእ፡ 5. ብፍላይ ከኣ ግህሰት መሰላት፡ ውግእ፡ ወጽዓን ዲክታተርነትን ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንከይገሃስ ኣጽኒዕካ ምቅላስ፡ ዝብሉ ይርከብዎም።
International Day for the Elimination of Violence against Women
Written by Progressive AllianceDear Comrades, dear Friends,
Today is the International Day for the Elimination of Violence Against Women. The Progressive Alliance reaffirms its unwavering commitment to combating all forms of gender-based violence. This year, we spotlight the unique struggles faced by women in politics and activism, who are disproportionately targeted by violence aimed at silencing their voices and excluding them from public life.
We uphold this day as a day of both resistance to gender-based violence and support for fellow activists and politicians. Here is the statement initiated by our Gender Equality Working Group:
X: https://x.com/PA_Solidarity/status/1860999850323574815
Website: https://bit.ly/IDEVAW2024WomenInPolitics
We thank the Gender Equality Working Group members for this initiative and to all of you for sharing this call.
In solidarity,
Machris
ባህግና Bahgna Media 24.11.2024: ብድሆና ኣንጻር ህግድፍ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ስቅያት ኤርትራውይን ብሰንኪ ህግደፍ
Written by Bahgna MediaMedia
Violence Against Women Day, November 25 th , 2024)
Written by Eritrean Women’s Association of North Americaዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ23 ሕዳር 2024 ጉባኤ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ከም ተዓዘብቲ ተዓዲሞም ዝተረኽብሉ ጉባኤ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ድሕሪ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓኩም” መልእኽቱ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል ሃለዋት ሰዲህኤን ፖሓኤን ከምኡ እውን ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ጠቒሱ።
ኣቦመንበር ገረዝግሄር ተወልደ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ኣወዳድባ መሪሕነቱን ኣብ መጻኢ ከተግብሮ ዝሓዞ መደባትን ኣብ ምጽፍፋፍ ከም ዝጸንሐን ናብ ተግባር ኣብ ምስግጋር ከም ዝርከብን ሓቢሩ። ነቲ ጽላል ዝያዳ ንምስፋሕ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካል ዝገበር ርክባት ቀጻሊ ምህላዉ እውን ኣስፊሩ።
ህግደፍ ሎሚ እውን ህዝቢ ንምዕሻው ይምህዞ ብዛዕባ ዘሎ ጭቆናኡ ዘጋድድ ተግባራት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ “ናይ መሪሕነት ለውጢ ክንገብር ኢና” እናበለ የናፍሶ ብዛዕባ ዘሎ መዳህለሊ ኣብሪሁ። ኣብ ርእሲዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልጤምን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ይሕዞ ብዛዕባ ዘሎ ሓድገኛ መልክዓት ሓጺር ሓበሬት ሂቡ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብ ምዕዋት መደባት ሰፍልፎም ኮነ ፖሓኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳትፈኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ፡ ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ ደገፍን ምትሕብባርን መሪሕነት ሰዲህኤ ከምዘይፍለዮም ጠቒሱ።
ጉባኤ ዞባ ምልኣተ ተሳትፎ ምስ ኣረጋገጸ፡ ብኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብጻይ ክብሮም ዓንዶምን ኣቦመንበር ዞባ ኮይኑ ክመርሕ ብዝጸንሐ ብጻይ ሃይለ ወልዱን ዝቐረበ ጸብጻባት ሰሚዑ። ብዘይካዚ ሓለፍቲ ናይተን ዝተፈላለያ ክፍልታት ኮይኖም ክሰርሑ ብዝጸንሑ ኣባላት መሪሕነት ዞባ ንዝቐረበ ጸብጻባት በብሓደ ሰሚዑ።
ድሕሪ ጸብጻባት ምቕራብ፡ ጉባኤ 3ተ ዝኣባላታ ነቲ መስርሕ ጐባአ እትመርሕ ኣካል መዚዙ፡ ኣብቲ ጸብጻባት ተመያይጡ። ድሕሪ ምምይያጥ ከኣ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻባት ከም ሰነዳት ዞባ ኣጽዲቕዎ። ቀጺሉ ድማ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ 7 ቀወምትን 2 ተጠባበቕትን ኣባላት ዘለዉዋ መሪሕነት ዞባ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ መሪጹ፡ እታ ዝተምርጸት መሪሕነት፡ ተቖጻጻሪ ንክትመርጽ ድማ ሓላፍነት ሂብዋ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ጉባኤ በታ ሓዳስ መሪሕነት እናተመርሑ፡ ኣባልነት ኣብ ምስፋሕን ኣብ ኩሉ ካልእ መዳያትን ሰልፎም ንምሕያል ክጽዕቱ ዘለዎም ቅሩብነት ብምርግጋጽ ጉባኤ ተዛዚሙ።
ባንኮለ ኣደዮ፡ ኮሚሽነር ንጉዳያት፡ ፖለቲካዊ፡ ሰላምን ድሕንነት ሕብረት ኣፍሪቃ
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ብ2021 ዝተኻየደ ወሲኽካ፡ መራሕተን ብዕልዋ ስልጣን ናይ ዝሓዙለን ሃገራት ኣባልነት ምሕዳስ ከም ዘይቅበል ኣፍሊጡ። ብፍላይ ውግእ ይካየደዳ ንዘሎ ሱዳን ብዝምልከት ተዋጋእቲ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጐንጺ ብፖለቲካዊ ዘተ ንክፈትሑ ጸዊዑ።
ሱዳን ድሕሪ’ቲ ናይ 2021 ዕልዋ ዝተወንዘፈ ኣባልነታ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክምለሰላ ብመንገዲቲ ብጅነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ክትጽውዕ ጸኒሓ እያ። ጀነራል ኣልብርሃን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ሃገሩ ናብ ንቡር ክሳብ ዘይመለሰ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንከይሽምግል ክቃወሞ ጸኒሑ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ፡ ሰላምን ድሕንነትን ጉዳያት፡ ባንኮለ ኣደዮ፡ እቲ ሕብረት ንዘይ ሕገመግስታዊ ዕልዋ ዘለዎ ተጸዋርነት ዜሮ ምዃኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባሩ ከኣ ካብቲ ሕብረት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።
ኮሚሽነር ኣደዮ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምቁራጽ ተኹስን ሰብኣዊ ጉዳያትን ዘቐድም መፍትሒ ንምርካብ ምስ ዞባዊ ትካል ኢጋድን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ። ኣተሓሒዞም ከኣ ምልኣኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ሱዳን ምስቲ ቀጻሊ ምቁራጽ ተኹሲ ተተሓሒዙ ዘሎ ዛዕባ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ብናይ ሲቪል ተሳትፎን ፖለቲካዊ ዘተን ዘይተተከኡ ወታደራዊ ምንቅስቓስ መፍትሒ ኣየምጽእን እዩ ምስ በለ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚተ ዲሞክራስን ቅኑዕ ምምሕዳርን መጻኢት ሱዳን ምስ ጐረባብታ ብሰላም እትነብር ንክትከውን መጸዋዕታ ከቕርብ ምጽንሑ ኣመልኪቱ።
ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኮሚሽነር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ኣብ ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ኮኒኑ፡ ብፍላይ ንጉዳይ ሱዳንን ሊቢያን ከም ኣብነት ጠቒሱ። ንግደ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምክልኻል ምጥቃም ዕሱባት ወተሃደራት ድማ ኣጉሊሑ ኣስፊሩ።
ኣብ ትግራይ ብመሰረት እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያን ብ12 ሕዳር 2024 ኣብ ናይሮቢ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኡ ወገናት ዝተኸተመ ዝርዝር ኣትገባብራን’ መስርሕ ትግባረ፡ ምውራድ ዕጥቂ፡ ካብ ሰራዊት ምስንባትን ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባርን (DDR) ሰራዊት ትግራይ፡ ብ21 ሕዳር 2024 ከም ዝተጀመረ ማዕከናት ዜና ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ኣፍሊጠን።
ነቲ መስርሕ ብሓላፍነት ዘካይዶ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ተሃድሶን ምስ ምምሕዳር ትግራይን ብምትሕብባርን ምስ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላት እዩ። ኣብዚ ካብ ከተማ መቐለ ውጽኢ ኢልካ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምውራድ ዕጥቂ፡ ምክትል ሓላፊ ናይቲ ኮሚሽን፡ ሓለፍቲ ጸጥታ ክልል ትግራይን ወተሃደራዊ ተዓዛብት ኣጻረይትን ሕብረት ኣፍሪቃን ተረኺቦም። ኣብዚ 3 ኣዋርሕ ዝፍጸም ቀዳማይ ዙርያ ምፍታሕ ዕጥቅን ናብ ሕብረተሰብ ምምላስን፡ ካብቶም ናይቲ ፕሮግራም ኣካል ክኾኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ልዕሊ 250 ሺሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብዚ መጀመርታ መብዛሕትኦም ውቑዓት ዝኾኑ 75 ሺሕ ክሳተፉ እዮም ተባሂሉ።
እቲ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ናብ ሕብረተሰብ ምፍናው፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝውሰን ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ 7 ክልላት ብጠቕላላ 371 ሺሕ ዕጡቓት ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑን ዘድሊ በጀት ድማ 760 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ከኣ: ካብ ተሓባበርቲ 60 ሚልዮን ዶላር: ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ 1 ቢልዮን ብር ተዳልዩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እቶም ዕጥቆም ዝፈትሑ ኣብ ውቕሮ፡ መቐለን ዓድዋን ተዳልዮም ኣብ ዘለዉ መጽንሒ መደበራት ኣትዮም፡ ን4ተ መዓልታት መባእታዊ ትምህርቲ ተዋሂቦም ምስተመዝገቡ፡ ፍሉይ መለለይ መንነትን ንመትከል እግሪ ዝተመደበሎም ገንዘብን ተዋሂዎም ከም ዝፋነዉ ናይቲ ኮሚሽን ኣካላት ሓቢሮም።
እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትሕቲ መልሻ ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ መሬት ትግራይ ከይተመለሰ ይትግበር ብምህላዉ፡ ሓያሎ ተጋሩ ዘይዕግበቶም ይገልጹ ኣለዉ።
More...
ላዕለዋይ ኮሚሽን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታ ሓለዋ ንክግበረሎም ጸዊዑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብቶም ኣብ ፈቐዶ መደበራት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝዳጐኑ ዘለዉ ኤርትራውያን
ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ብ20 ሕዳር 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ ይስደዱ ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ሓለዋ ከመሓይሽ ምጽውዑ ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ሽንህዋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ኤርትራውያን ብክልላት ዓፋርን ትግራይን ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዙ ከም ዘለዉ ጠቒሱ። እቶም መሰረታዊ ሓገዝ ክግበረሎም ዝተባህሉ ከኣ እዚኣቶም ምዃኖም ናይቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን መግለጺ ኣስፊሩ።
በቲ መግለጺ መሰረት ኣብ ዓመተ 2024 ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ክሳብዚ መግለጺ ዘውጸሉ ዕለት 20 ሺሕ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉን ብዘይካኦም 70 ሺሕ ኣቐዲሞም ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዘለዉ ተገሊጹ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ናይዞም ግዳያት ኣብቲ ዝኣትውሉ ግዜ ምምዝጋቦም ኣብ ቀጻሊ ንምሕጋዞም መሰረታዊ ተደላይ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ኤርትራውያን ንምምዝጋብ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ክተሓጋገዝ ቅሩብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ምምዝጋብ ነቶም ስደተኛታት ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ምርኻብ ምስ ቤተሰብ፡ ስራሕ ምትሓዝን ዝኣመሰሉን ኣገልግሎት ንምቕራብ መሰረታዊ ምዃኑ ሓቢሩ።
ህጹጽ ምዝገባ ናይዞም ሓተቲ ዑቕባ ግዳይ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ንከይኮኑ መከላኸሊ ስልቲ ምዃኑ’ውን ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ 3ይቲ ብዙሓት ስደተኛታት ዘዕቘበት ሃገር ከም ዝኾነት ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝግመቱ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ካብ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ዝተሰዱ ምዃኖም ከኣ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።
ህዝቢ፡ ሃገርን መንግስትን ሓቢሮም ናይ ሓንቲ ሃገር ህልውና ምሉእነት ካብ ዘረጋግጹ ባእታታት እዮም። ካብዚኣቶም ናይ ሓደ ምብኳር ወይ ብግቡእ ዘይምስራሕ፡ ነቲ ህልውና ምሉእ ኣይገብሮን። ኣብዚ “እቲ መንግስቲ እንታይ ዓይነት እዩ?’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ “መንግስቲ እየ” ዝብል ነቲ ህልውና ምሉኡን ህያውን ስለ ዘይገብሮ። ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ ናይቲ መንግስቲ ኣመጻጽኣ ኣብ ግምት ምእታው ገላጺ ገደ ኣለዎ።
“እንታይ ዓይነት መንግስቲ?” ዝብል ሕቶ ዝለዓል፡ ብመንጽር ክሳብ ክንደይ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዋጋ ንክኸፍል ዘለዎ ድልውነት፡ ንምርኣይ ስለ ዘኽእል እዩ። መንግስቲ ናብ ህልውና ዝበቕዓሎም ዓመጽን ዕልዋን ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። እቲ ሓቀኛ መንግስቲ ኩለ-መዳያዊ ናይ ህዝብን ሃገርን ባህጊ ልምዓትን ደሕነትን ክምልስ ዝበቅዕ ክኸውን እንከሎ ምዃኑ ንብዙሓት ዘረዳድእ እዩ። መንግስቲ ናብዚ ንክበጽሕ ብምርጫ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን ኮይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ከኣ ምቅብባል ስልጣን ሰላማውን ሕጋውን ክኸውን ኣሚኑ ብእኡ ዝግዛእ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሓይሊ ዝተጻዕነ ስለዝኾነ፡ ናብ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ገጹ ዝቐርብ ኣመጻጽኣ ኮነ ባህሪ የብሉን።
መንግስቲ ጥዑይ ምሉእነት ንክህልዎ ነናቶም ሓላፍነትን ናይ ስልጣን ደረትን ብዘለዎም ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካላት ዝቐውምን ንጹር ናይ ስልጣን ምክፍፋልን ደረት ተሓታትነትን ዝቕበልን ክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ ኤርትራ እዚ ናይ ስልጣን ኣካላት የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ሓላፍነታት ተጠቕሊሉ ብሓደ ውልቀ ዲክታተር ዝተባሕተ እዩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ሰላም ዝዕቅበሎም ትካላት፡ ጸጥታ፡ ፖሊስን ካለኦትን ይህልዉዎ። ሰራዊት ከኣ ካብቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ሰፊሕ ግደን ዓሚቕ ሓላፍነትን ዘለዎ ሓላው ሃገር እዩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ከኣ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ብፍላይ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ከይድፈር ንምክልኻል ድልዊ ኮይኑ ዶባት ዝሕሉ እዩ። ሰራዊት ናይ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን ልኡላውት ምውሓስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ካብ ሃገር ተፈልዩ ዘይርአ ህዝቢ ልኡላውነትን ክብርን ዝዕቅብ እውን እዩ። ህዝብን ሃገርን ንሓደ ካብቲ ካልእ ፈሊኻ መግለጺ ልኡላውነት ዝኾኑ ዘይኮኑ፡ ናይቲ ሓደ ልኡላውነት ብዘይካ ናይቲ ካልእ ጐደሎ እዩ ዝኸውን። ግደ ሰራዊት እምበኣር፡ ኣመጻጽእኡን ባህሪኡን ብዘየገድስ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ህልውናን ቀጻልነትን ምውሓስ’ውን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ዓመጽቲ ዘይህዝባዊ መንግስታት ከይተረፉ ብእኡ ዝሕለው እዮም።
ሰራዊት ሓቀኛ ረብሓ፡ ህልውናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ዝሕሉ ንክኸውን፡ ኣመጻጽእኡ፡ ኣመላምልኡን እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባን ኣብ ግምት ዝኣትዉ ረቛሕታት እዮም። ብመንጽርዚ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይድሌቱ ካብ ዓውዲ ትምህርትን ካልእ ሞያን ተገዲዱ ዝተሰለፈ፡ ኣብቲ ዝስልጥነሉ መደበራት ንሓደ ፍሉይ ጉጅለ ጥራይ ዘመጉስ ዝንቡዕ ጽልዋ ከም ዝሓድሮ ዝተገብረ፡ “ስለምንንታይ?” ኢሉ ዘይሓትት፡ ህዝቡ እናተበደለ ኢደ-እግሩ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ እዩ። እቲ ኩነታት ከምኡ ከም ዝኾነ፡ ናይቲ በዚ መስርሕ ዝሓልፍ ዘሎ ሰራዊት ኣባላት ዝነበሩ፡ ካብኡ ወጺኦም ሓሳቦም ብናጻ ዝገልጽሉ ዕድል ምስ ዝረኸቡ ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ።
ሰራዊት ኤርትራ ዝተወደበን ሓቢሩ መሪር ህይወት ዘሕልፍ ዘሎን ከገድደሉ ዝኽእል ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ብምዃኑ፡ ናይ ህዝቢ ድምጺ ሰሚዑ በጃ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎ። ካብቲ ላዕለዎት ኣዘዝቱን ፖለቲካዊ መራሕቲ ኢና በሃልትን፡ ዝጥምትሉ ቀይናን ኣረኣእያን ወጺኡ ዋልታ ህዝቢ ናይ ምዃን ዝነበሮ ሓላፍነት ኣይተግበረን። “ተኣዚዘ እየ” ዝብል ዘይቅቡል መህደሚኳ እንተለዎ፣ ባዕሉ ኣሳርን ዓማጽን ኮይኑ ብምውሳእ’ውን ህዝቡ ዘቐይም ዘሎ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፍላይ ንዕኡ፡ ብሓፈሻ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ናይ ዘእቱ ተንኮላትን ብህግደፍ ዝህንደሱ ውግኣትን ኣሳሳይን ተግባርን ኮይኑ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን።
እዚ ሰራዊት ብሰንክ’ዚ ተግባሩ ብውሕዱ “ናይ ውግእ ገበነኛ” ተባሂሉ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ዝኽሰስ ዘሎ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዘኽብድሉ ወገናት’ውን ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ክሰማመዓሉስ ዘይፈልጦ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ትግራይን እናበልካ ዘርዚርካ ኣብ ዘይውዳእ ውግኣት፡ ክንቆት ብምጽንሑ ብወረራን ዓማጽን ክግለጽ ዝጸንሐ ሰራዊት እውን እዩ። ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ናብ ንቡር ስለ ዘይተመልሰ፡ “መርወዪ ህርፋን ውግእ፡ መራሒ ህግደፍን መጋበርያታቱን” ዝብል ቅጽል ካብ ዝወሃቦ ነዊሕ ኮይኑ’ሎ። እንተ ህግደፍ ሎሚ እውን ብውግእ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዘመዓዱ ዘሎ ይመስል።
ካብ ህዝቢ ኤርትራ መብዛሕትኡ እቲ ሰራዊት መሳርሒ ናይቲ ኢሳያስ ዝዝውሮ ጉጅለ እምበር፡ ረብሓታቱ ዝሕልወሉ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ እምነቱ ኣብ ዝስሕበሉ ደረጃ በጺሑ’ዩ። ኣብ ዘይምልከቶ ኣዘዝቱ ጸጋታቶም ዘኻዕብትሉ ውግኣት ተጠቢሱ ክሃልቕ እንከሎ፡ ወለዱ ኮኑ ስድራ ቤቱ ኣብ ክንዲ ብኣኡ ዝጥወሩ፡ ብሞቱን ብዝኽትምና ደቁን ኣይነብዑን ኣይሓዝኑን ማለት ግና ኣይኮነን። እቲ ሰራዊት’ውን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ገጽ ይኸልኦን ይቕየሞን ከም ዘሎ ዘይርደኦ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ከም ትካል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ህዝቢ ናይ ምድሓን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ነብስኻ ኣግሊልካ ንውልቅኻ ምድሓን እዩ። እዚ ናይቶም ነቲ ስጉምቲ ዝወስዱ መንእሰያት መሰረታዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ በብኹርናዑ ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ንዕዘቦ ዘለና።
ሰራዊት ኤርትራ ናይ ህዝቡ ሓባሲ ንብዓትን ሓብሓብን ክኾነሉ ዝግበኦ ዝነበረ ግዜ ከባኽኖ ከም ዝጸንሐ፡ ርኡይ እዩ። ግና ድማ ከምቲ “ናይ ትማሊ ግጉይ ተግባርካ ናይ ሎሚኻን ጽባሕካን ከየበላሽወልካ ኣስተብህል” ዝበሃል፡ ኮንደኾን “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” እዩ’ሞ፡ ንገዛእ ርእሱን ህዝቡን ናብ ምድሓን ኣይምለስን ኢሎም ዝትስፈዉ ወገናት ኣለዉ። እዚኣቶም “ከም ኣፍኩም ይግበረልኩም” ዝበሃሉ እዮም። እቲ ሰራዊትከ “ሎምስ በዚሑ ናብ ቀልበይን ህዝበይን ክምለስ” ዶ ይብል ይኸውን? እዚ ባዕሉ ግቡእ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።
ዓብደልራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ (ሲሮ)
ኣብታ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር እትፈልጥ፡ እንተኾነ ናይ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላት ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ፡ ብ13 ሕዳር 2024 ብዝተኻየደ ምርጫ ወዲ 69 ዓመት ዓብደልራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ (ሲሮ)፡ ዝበሃል ተወዳዳሪ ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ዋዳኒ 63.992% ድምጺ ብምርካብ ከም ዝተዓወተ ነቲ መስርሕ ምርጫ ዝመረሐ ኮሚሽን ኣብ ሃርጌሳ ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ንዝሓለፈ 7 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሰ ቢሂ ኣብዲ ድማ 34.81% ብምርካብ 2ይ ክኸውን እነክሎ እቲ ሳልሳይ ተወዳዳሪ ፈይሳል ከኣ 0.74% ጥራይ ከም ዝረኸበ እቲ ኮሚሽን ምርጫ በቲ ናይ 19 ሕዳር 2024 ጋዜጣዊ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ድሕሪቲ ውጽኢት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናብ ህዝቢ ሶማሊላንድ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ ሰዲዳ። ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሶማሊያ ድማ ንተመኩሮ ምርጫ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ከም ናይ ሰላም ሞዴል ንኢዱ፡ ቀጻሊ ምስግጋር ስልጣን ሰላማዊ ንክኸውን ድማ ጸዊዑ። ምስቲ ዝተሳዕረ ሙሰ በሂ ኣብ ምስሕሓብ ኣትዩ ዝነበረ መራሒ ጅቡቲ ዑመር ገሊ ድማ ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽቲ ሰዲዱ።
እዚ ኣብ 13 ታሕሳስ 2024 ብወግዒ ስልጣን ክርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ ዓብደልራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ናይ ሱማሊላንድ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ኮይኑ ኣብ ርእሲ ምስርሑ፡ ን12 ዓመታት ኣፈጉበአ ፓርላማ ምንባሩ እውን ተሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ተመራጺ ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረከብ ኣብ ግዜ ውድድርኳ እንተገለጸ፡ እንተኾነ ምስ ሶማሊያ መቃድሾ ምዝርራብ የድሊ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ እውን ይንገረሉ።
እዚ ውጽኢት ምርጭ ሶማሊላንድ፡ ምናልባት እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ተበጺሑ ዝነበረ መረዳድኢ ሓሳብ ተቛሪጹ፡ ናይቲ ከባቢ ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ለውጢ የምጽእ ይኸውን ዝብል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።