ኢትዮጵያ ኣባል ዓረብ ሊግ ንምዃን ትጽዕር ከም ዘላን ጻዕራ ግብራዊ ክሳብ ዝኸውን ከም እትቕጽሎን ኣቢሲንያ ቢዝነስ ኔትዎርክ (Abyssinia Business Network) ዝተባህለ ትካል ዜና ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ብምጥቃስ፡ ብ18 ነሃሰ 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ተበግሶ ናይታ ሃገር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ቁጠባዊ ምሕዝነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣንጻራ ዝካየድ ጸለመ ንምምካት ካብ ዝብል ከም ዝነቅል ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ሱጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣባል ብሪክስ ንምዃን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ’ውን ተባሂሉ።

ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣቦመንበር ኮሚተ ጉዳያት ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ሰላምን ዝኾነ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣባልነት ዓረብ ሊግ ሃገሩ ምስተን ኣባል ሃገራት ዓሚቕ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ምትእስሳር ምፍጣር ከም ዘኽእል ምጥቃሱ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣንበሳደር ኣስዒቡ፡ ኣባልነት ምርካብ፡ ምስ ሃብታማት ሃገራት ዓረብ  ናይ ንግዲ፡ ወፍርን ምህናጽ ትሕተ-ቅርጻን ምትእስሳር ምድልዳል ከም ዘኽእል’ውን ጠቒሱ። እዚ ተበግሶ ንኣባልነት ኢትዮጵያ ንዘጋጥማ ዘሎ ፖለቲኮ-ጀኦግራፊ ብደሆታት መመከቲ እዩ እውን ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ብግብጺ ምስ ኩነታት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብዝተተሓሓዘ፡ ብጌጋ ክትግለጽ ምጽነሓ’ውን ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ መብርሂኡ ምጥቃሱ ተገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣባልነት ዓረብ ሊግ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣገደስቲ ዞባዊ ዛዕባታት ሓሳባ ብቐጥታ እተቕርበሉን ጌጋታት እተእርመሉን መድረኽ ከም ዝፈጥረላን ካብ ተኸላኻልነት ናብ ኣጥቃዕነት ከም ዘሰጋግራን ከኣ ኣመልኪቱ።

ብቑዕ ኣባል ዓረብ ሊግ ንምዃን ፖለቲካውን ባህላውን መምዘኒ ከምኡ’ውን ጉዳይ ቋንቋ ዓረብ ዝለዓል’ኳ እንተኾነ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ መምዘኒ  ኣርሒቑ ብዝጥምት ከም ዝርድእዎ ተጠቒሱ’ሎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ኣብነት ሰባኣውነት፡ ኣብዘሓ ባህልን ሃይማኖትን መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣን ከምኡ እውን ዱልዱል ዝምድና ምስልምናን ክርስትናን ዘርኢ ብምዃኑ ከም ሃብቲ ከም ዝውሰድ ተጠቒሱ።

ዓረብ ሊግ 22 ቀወምቲ ኣባል ሃገራት ዘለዉኦ፡ ብ1945 ብ7 ሃገራት ዝተመስረተ፡ ኣብ ካይሮ ዝመደበሩ ማሕበር እዩ። ኤርትራ፡ ህንድን ግሪኽን ዝርከበአን 7 ተዓዘብቲ ኣባል ሃገራት ከኣ ኣለወኦ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዝወጸ ሓጺር ጸብጻብ፡ ኣመሪካውያን ዜጋታት ናብ 8 ሃገራት ክገሹን ኣብኣተን ክነብሩ ክሓስቡ እንከለዉን፡ ቅድሚ ምውሳኖም ምእንቲ ድሕነቶም ምስ ዝምልከቶም ንክላዘቡ ጸዊዑ። ኣብቲ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ካብ ምሕላው ድሕንነት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣመሪካውያን ዝዓበየ ዋኒን ከም ዘየብሉ ጠቒሱ። ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝምዕድን ዘዘኻኽርን ጸብጻብ፡ ብዛዕባቶም ናብተን ሃገራት  ዝገሹን ኣብኣተን ብቐዋምነትን ብሕግን ዝነብሩን ስግኣት ከም ዘሎ ኣንጸባሪቑ።

እቲ ኣመሪካዊ መንግስታዊ ትካል፡ ነተን ኤርትራ እትርከበን ዜጋታታ ናብኣተን ክገሸ ወይ ኣብኣተን ክነብሩ እንከለዉ ክጥንቀቑ ዝበለተን፡ ኣፍጋኒስታን፡ በርማ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሩሲያን ቬንዙዋላን ንኩነታት ጸጥታአን ደረጃ “ዲ/D” እዩ ሂቡወን።

እቲ ጸብጻብ ነዚ መጠንቀቕታ ንምውጻእ ዘኽኣሎ ንነፍሲ ወከፍ እዘን ሃገራት ዝምልከት ናይ ጸጥታ መምዘኒ ረቛሕታት ዝምልከቱ ዳህሳሳት ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ጸብጻብ ድሕሪቲ ኢስያስ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ ምስ ኣሚሪካ እነካይዶ ጽምዶ ኣብ 2026 ኣዕዊትና ናብ ምንቅስቓስ ክንኣቱ ኢና ዝብል ቃል ምእታዉ ምምጽኡ ንደገፈቲ ህግደፍ ከም ዘሰንብዶም ፍሉጥ እዩ። ravel Advisory is a report from the U.S. Departecautions for U.S.

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ ከተማ ጐንደር ንሰሜን  ከባቢ ከተማ ዳባት ዝርከብ፡  ኣለምዋጭ ኣብ ዝተባህለ መደበር ተዓቚቦም  ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓድሽ ጉድኣት ከም ዘጋጠመ ሬድዮ ኤረና ብ17 ነሃሰ 2025 ኣፍሊጣ። እቲ ጉድኣት ዘጋጠመ ኣብቲ መደበር ኣብ ሕድሕድ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝተኸፍተ ተኹሲ ምዃኑ ኤረና ኣብቲ መደበር ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ

ብጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሰረት፡ ልዕሊ 19 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቑብሉ ምዃኑ ዝንገረሉ መደበር ዓለም ዋጭ፡ ብተደጋጋሚ ጸገም ዘጋጥሞ ኣብ ናይ ውግእ ዞና ዝርከብ እዩ። እዚ ሓድሽ ጉድኣት ዘጋጠመ እቶም ስደተኛታት ብ15 ነሃሰ 2025 ረዲአት ንምውሳድ ተኣኪቦም እንከለዉ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ዜና፡ በቲ ዝተኸፍተ ተኹሲ ነጃት ኢብራሂም ዝተባህለት ጓል 15 ዓመት ከም ዝተወግአት ተፈሊጡ።

ካብዞም ኣብቲ መደበር ኣብ ሕማቕ መነባብሮን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ዝርከቡ፡ መብዛሕትኦም ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበረ መደበራት ናብ ኣለምዋጭ ዝገዓዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ ውግእ ሱዳን ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን እውን ከም ዝተወሰኽዎ ይንገር።

ኣለምዋጭ ኣብዚ እዋንዚ ካብተን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ተዓቚበሙለን ዘለዉ ሰለስተ መደበራት ሓንቲ እያ።

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ስዳን፡ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ተጸጊኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ክኽፈት ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ሓበሬታ ዝሃበ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ናይቲ መንግስቲ ከም ዝገለጾ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ። ምኽፋት እቲ ምዕርፎ ነፈርቲ ጐኒንጐኒ ምምላስ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ፖርትሱዳን ዝጸንሐ ናብ ካርቱም ዝፍጸም ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱሎ።

ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ኢብራሂም ጃብር፡ እቲ ጽገና ኣብ መዳያት መስመር ማይ፡ ጽሬት፡ ሓይሊ ኤለክትሪክን መንቀልን መዕረፍን መስመር ነፈርትን ከም ዝተፈጸመ በቲ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳ ዘውጸኦ መግለጺ ኣቢሉ ኣፍሊጡ። በቲ ዝወጸ መግለጺ ምኽንያት ምዕናው እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰንኪ ኣብኡ ሰፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ (RSF) ምዃኑ ተጠቒሱ።

ዋና ኣካያዲ ኩባንያ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም፡ ኣልካቲም ባቢከር ብወገኑ፡ 85% ናይቲ ጽገና ከም ተፈጺመን ኣጋይሽ ንምቕባልን ንምፍናውን ጥጡሕ ኮይኑ ከም ዘሎን ኣረጋጊጹ። ናይቲ መስርሕ ምጽጋን ኮሚተ ሓላፊ ጃብር ድማ ናይዚ መዓርፎ ነፈርቲ ምኽፋት ሱዳናውያን ናብ ሃገሮም ንክምለሱን መንግስታዊ ኣጋይሽ ንምቕባልን ንምፍናውን ዘኽእል ከም ዝኸውን ኣመልኪቱ።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንዳግመ-ምህናጽ ትካላት ጥዕና፡ ትምህርትን ካልእ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ንክጥዕም ኣብ ከተማ ካርቱም ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት ከም ዝወጽእ እውን  እቶም ሓለፍቲ ሓቢሮም።

ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስን ምኽፋት መዓርፎ ነፈርትን ምልክት ሰላም ብምዃኑ’ኳ ተስፋ ዝህብ እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ውግእ ይቕጽል ምህላዉ ግና ዘቕስን ከምዘይኮነ ይግምቱ።

ሶማሊላንድን ብኣኣ ዝግደስ ሰነተር ክሩዝን

ኣሜሪካዊ ሰነተር ተድ ክሩዝ፡ ኣሜሪካ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ናብ ፕረሲዳንት ትራምፕ ደብዳበ ከም ዝጸሓፈ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ኣቦመንበር ንኡስ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታትን ግሎባላዊ ፖሊሲ ጥዕናን ዝኾነ ሰነተር ነዚ ዘፍለጠ ብ15 ነሃሰ 2025 እዩ።

እቲ ሰነተር ኣብቲ ደብዳበኡ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር  ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ዛዕባ ኮይኑ ቀሪቡ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኣኣ ኣቢልካ ናይ ኣሜሪካ ጸጥታዊ ረብሓ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋጽ ከም ዝከኣል ኣዘኻኺሩ። ሶማሊላንድ ኣብ ወሽመጥ ኣደን ተጸጊዓ ኣብ ጐኒ’ቲ ኣብ ዓለምና ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ መተሓላለፊ መራክብ  ከም እትርከብ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ ሶማሊላንድ ኣብ ምቁጽጻር ዞባዊ ራዕድን ናይ መራክብ ምጭዋይን ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከበርክት ዝኽእል ብቑዕ ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘለዋ ከኣ ኣፍሊጡ። እታ ንእሽቶ ሃገር መሓዛ ኣሜሪካ ንከይትኸውን ዝጻብእዋ ብዙሓት ወገናት ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ቻይና ብሰንክቲ ምስ ታይዋን ዘለዋ ጸገም ሃገር ክትከውን ከምዘይትደልያ  ኣስፊሩ።

እንተኾነ ምስዚ ኩሉ ተጻብኦታት፡ ሶማሊላንድ መሓዛ ኣሜሪካ ንክትክውን ትብዓትን ቅሩብነትን ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ብመንጽርቲ ፈጠርቲ ራዕዲ ንምቁጽጻር ዝግበር ቃልስን ኣብ ቁጠባዊ መዳይን ምስ ኣሜሪካ ንክትመሓዞ ድልውቲ ከምዘላ ሓቢሩ፡ እዚ ቅሩብነታ ብግብሪ ኣድማዒ ንክኸውን ከኣ ናይ ሃገርነት ደረጃኣ ንክሕለወላ እጽውዕ  ኣለኹ  ኢሉ።

ኣብ 1960 ሃገር ኮይና ነይራ ክነሳ፡ ብውሳነኣ ምስ ሶማሊያ መቃድሾ ዝተጸንበረት ሶማሊላንድ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ መምዘንታት ኣማሊኣን ካብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ ዝበሃል ምርጭታት እናካየደትን፡ ከም ሃገር ኣፍልጦ ናይ ምርካባን ዘይምርካባን ዛዕባ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መራሒኣ ዓብደራሕማን መሓመድ “ዒሮ”፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣሜሪካ ክበጽሕ’ዩ ዝብል ሓበሬታ’ውን ኣሎ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መጽናዕታዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣጽሊለን ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም እትርከብ ሓቢሩ። እቲ ሓበረታ ኢትዮጵያ ኣዕቊባቶም ዘላ ስደተኛታት ኣስታት 1,094,838 ምዃኖም ክጠቅስ እንከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር ኡጋንዳ ከኣ 1.8 ሚልዮን ኣዒቊባ ከም ዘላ ተጠቒሱ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ተመዛበልቲ ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ክኾኑ እንከለዉ፡ ኩሎም ውጽኢት ኣብ ሃገራቶም ናይ ዘሎ ጐንጽታት፡ ውግኣትን ግህሰት መሰረታዊ መሰላትን እዮም። እቲ ብ23 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተኸፍተ ውግእ ሕድሕድ  ብዝተፈላለየ ኣቕጣጫታት ተመዛበልቲ ናብ ኢትዮጵያ ንክኣትዉ ከም ዘገደደ ከኣ  ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 6 መጋቢት 2024 ጀሚሩ፡ ምስ ናይታ ሃገር ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ትካል ውሽጣዊ ምምዝባልን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብምትሕብባር ዲጅታላዊ ምምዝጋብ ብምክያድ፡ ናይ ስደተኛታት ብዝሕን ዓይነትን የጻፍፍ ከም ዘሎ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ቁጽሪ ብደረጃ ሃገር ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ፡ ደቡብ ሱዳናውያን 445, 245 (41%)፡ ሶማላውያን 361.053 (31%)፡ ኤርትራውያን 180, 361 (17%)፡ ሱዳናውያን ድማ 96, 817 (9%) ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። በቲ መጽናዕቲ መሰረት፡ ካብ ጠቕላላ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት 52% ደቂ ኣንስትዮ 48% ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ካብኣቶም ዝበዝሑ ካብ 25 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድመኦም ክኾኑ እንከለዉ፡ ክሳብ ደቂ ልዕሊ 60 ዓመት እውን ይርከብዎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት 20 መደበራት ስደተኛታት ክርከቡ እንከለዉ፡ እተን ብብዝሒ ተዓቚበሙለን ዘለዉ፡ ኣዲስ ኣበባ 79,612፡ ዓፋር፡ 62, 630፡ ኣለምዋጭ፡ 19,748፡ ጋምቤላ 409, 540፡ ጂጂጋ፡ 47, 655 ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ካብዘን መደበራት ኤርትራውያን ዘለዉወን፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ዓፋርን ኣለምዋጭን እየን።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋንዚ 11.6 ሚልዮን ተመዛበልቲ ክህልዉ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 2.8 ሚልዮን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ተዓቚቦም ዘለዉ እዮም።

Sunday, 17 August 2025 08:10

Dimtsi Harnnet Sweden 16.08.2025

Written by
Thursday, 14 August 2025 21:10

Dimttsi Harnnet Kassel 14.08.2025

Written by
Page 7 of 617