ሰፊሕ ፖለቲካውን ሲቪላውን ምትእኽኻብ ሱዳናውያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ብምውህሃድ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ። እቶም ተሳተፍቲ ከም ዝገለጽዎ እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕ ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ፈተናታት ሰላም ሱዳን ፍሉይ ቆላሕታ ዝግበረሉ እዩ ኢለምዎ።

እቲ መግለጺ ዝወጸ ድሕሪ ጽዑቕ ምምኽኻር ኮይኑ፡ ኣብቲ ስምምዕ ዘብጽሕ ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ፡ ኣፍልጦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን፡ ከምኡ ድማ ካብ ሱዳናውያን፡  ማሕበራዊ ሰልፊ ባዕስ፡ ሰልፊ ህዝባዊ ጉባአ፡ ብሄራዊ ሰልፊ ኡማ፡ ከምኡ እውን ምትእኽኻብ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ወሲኽካ፡ ብዙሓት ሲቪላዊ ማሕበራት  ከም ዝተሳተፍዎ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪሩ።

እቲ ብ4 ሰነ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ናይቲ ስምምዕ ፈረምቲ ኣብ ሱዳን ሰፊሕ ብሱዳናውያን ዝምራሕ መጻኢ ሰላም ዘጣጥሕን መጻኢ ፖለቲካዊ መስርሕ ናይታ ሃገር ዘጣጥሕ ኣካል ከም ዝተመዘዘ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ዘውጸአ ኣካል፡ እቲ ምዕባለ ቅሩብነት ፖለቲካውን ሲቪላውን ኣካላት ሱዳን ንቐጻሊ መፍትሕታትን ምውጋድ ጸቢብ ዓሌታውነትን ተልእኮ ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መግለጺ፡ መስርሕ ዕርቅን ምፍጣር ሓድሽ ማሕበራዊ ርክብን ህዝቢ  ዝማእከሉ መስርሕ ፍትሒ፡ ዜግነታዊ ማዕርነትን ምውጋድ  ዓሌታዊን ኣግላልነትን ከም ዝካየድ ኣስፊሩ። በቲ ካልእ ወገን ግና ሰራዊት ሓርነት ሰዳን ዝተባህለ ብዓብደል ዋህድ ኣል ኑር ዝምራሕ ጉጅለ፡ እቲ ስምምዕ ንብሄራዊ ጉባአ ሱዳንን እስላማዊ ምንቅስቓስን ኣየሳተፈን ብዝብል ኣብቲ ስምምዕ ከምዘይፈረመ፡ እቲ ካባ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ ምሕባሩ ኣዲስ ስታንዳርድ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብመንጽርቲ ናይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ኣኼባን ስምምዕን ሱዳናውያን ኣብ ዝተኣማምን ሰላም ከብጽሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ።

Saturday, 06 June 2026 00:06

Dimtsi Harnnet Kassel 04.06.2026

Written by

ኣብ ደብረብርሃን “ቻይና ካምፕ” ኣብ ዝበሃል መጽለሊ ካብ ዘለዉ ግዳያት 

ሰብኣዊ ትካል ምውህሃድ መዕቆቢ፡ ምምሕዳር ባይትን ንብረትን ((HLP)፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ  ስግኣት ጸጥታን ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ዘስዓቦ ምምዝባልን ስእነት መጽለልን ኣጠንቂቑ። እቲ ትካል ብሰንኪ ነዚ ጸገማት ዘወግድ ዋሕዲ ገንዘብ ምግጣሙ ብዙሓት ዜጋታት ንሕሰም ይቃልዑ ከም ዘለዉ’ውን ኣፍሊጡ።

በቲ ኣብ 2026 ን2ይ ግዜ በቲ ትካል ዝወጸ ህጹጽ መዕቆብን ምምውህሃድ መደበራት ዝገልጽ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያ፡ ሶማሊያን ቤንሻንጉልን ቀዳምነት ዝወሃቦም ዝበሎም ንቑጣታት ተመዛበልቲ ፈልዩ ኣለሊዩ ከም ዘሎ እውን ተፈሊጡ።

ብጸብጻብ ናይቲ ትካል ኣብዚ እዋንዚ፡ ናይ ክሊማ ለውጥን ዋሕዲ ቀረብን ተደሚሩ ብዙሓት ማሕበረሰብ ብፍላይ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ዝናብ ግዜ ሳዕቤኑ ዝኸፈአ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ድሮ ግዜ ዝናብ ከይመጸ እንከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ቁጽሮም ኣብ ዘይመጣጠን ጻዕቂ ኣብ ጸበብቲ መጽለልታት እናነበሩ ይሳቐዩ ምህላዎም እውን ኣስፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብዘሎ ብዝሒ ተመዛበልቲ፡ ብ1ይ ደረጃ 67 ብ2ይ ደረጃ ድማ 76 ወረዳታት መጽለሊ ክስረሓሎም ተለልዮም ኣለዉ። ትግራይን ዓፋርን ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝበዘሐ ንቑጣታት ዝተለለየሎም ምዃኖም ብምጥቃ ከኣ፡ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ድማ ዝለዓለ ቁጽሪ ተመዝበልቲ ዘለወን እየን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ትካል እቶም ዘሰከፉ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ ስደት ተመለስቲ እውን ከም ዝርከብዎም ተሓቢሩ።

ክልል ትግራይ ካብተን ተመዛበልቲ ብብዝሒ፡ ብስእነት ብቑዕ መጽለሊ ዝሳቐዩለን ቅድሚት ትስራዕ ኮይና፡ እንዳባጉና፡ ዓብይ ዓዲ፡ ዛላንበሳ፡ እቲ ትካል ከም ኣብነት ጠቒስወን ኣሎ። ካብ ኣምሓራ፡ ቤንሻንጉልን ኦሮሞ፡ ዓፋርን እቲ ትካል  ንኣብነት ዝጠቐሰን ንቑጣታት እውን ኣለዋ።

እቲ ትካል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጽረት መጽለልን ሳዕቤኑን ንምቅላል፡ ኣስታት 64 ሚሊዮን ዶላር ዘድልዮኳ እንተኾነ ካብዚ ዝረኸቦ 43% ጥራይ ምዃኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ኣብ ዝተመርጻ 66 ቀዳምነት ዝወሃበን ወረዳታት ዝርከቡ 294, 126 ሰባት ብፍሉይ ንምሕጋዝ መደብ ተታሒዙ ይስረሓሉ ከምዘሎ እውን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኣብ ኣለምዋጭ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ዳባት ዝርከብ መደበር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣካልዞም ናይ መጽለሊ ሕጽረት ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ምዃኖም ዝዝከር እዩ።

ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ መስርሕ ቪዛ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ዝነበሮም ኤምባሲታቱ ብዝለዓለ ደረጃ ክንኪ መደብ ኣውጺኡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ብላዕለዎት ሓለፍቲ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ተወሲኑ፡ ኣብ ኣሾሾይት ፕረስ ዝበጸሐ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ወርሒ ሰነ 2026  ዝትግበር ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ 50 መስርሕ ቪዛ ዘይካይድ ኤምባሲታትን ኣብያተ-ጽሕፈት ቆንስላን ናብ 20 ዘውርድ እዩ።

 Bottom of Form

እቲ መደብ ኣካልቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብመልክዕ ዝተፈላለዩ ቪዛታት ናብ ሃገሩ ከምዘይኣትዉን እንተ ኣትዮም እውን ኣብ ኣሜሪካ ነዊሕ ከምዘይጸንሑ ንምግባሮምን ዘለዎ ድሌት ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዲፕሎማትን ቆንስላትን  ኣሜሪካ እዚ ዛዕባ ተላዒሉ ኣገልግሎት ቪዛ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ከምዝንኪ ናይ ምግባሩ መደብ ከም ዘሎ እቲ ዜና ጠቒሱ።

መስርሕ ቪዛ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣሚሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብዝተወሰነ ገደብ ጉዕዞ ነኪዩ ጸኒሑ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ናብ ኣሚሪካ ቪዛ ዝሓትት ሰብ 15 ሺሕ ዶላር ከትሕዝ ምውሳኑ፡ ድሕሪኡ ድማ ብምኽንያት  ተላባዒ ሕማም ኢቦላ  ዝሰዓበ ገድብ ጉዕዞ፡ ካብቶም ሕቶ ቪዛ ናብ ኣሜሪካ ዘዳኽሙ ዘለዉ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። በዚ ሓድሽ ሕጊ ኣሜሪካ መሰረት ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ናብ ኣሚሪካ ዘእቱ ቪዛ ንምሕታት ናብ ሓንቲ ካብተን እቲ መሰል ዝተዋህባ ሃገራት ናይ ምጉዓዝ ብደሆ ከም ዘጋጥሞም ከሎ ጌና ይግለጽ ኣሎ።

ኣተን ቪዛ ከይህባ ዝእገዳ ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ብሉእ ብምሉእ ዘይዕጸዋ ኮይኑነን እቶም ኣብኡ ዝተርፉ ሰራሕተኛታት ንኣሜሪካውያን ዜጋታት ፓስፖርት ዘሕድሱ፡ ዝጠፈአ ዝትክኡን ንፍሉያት ዲፕሎማት ኣገልግሎት ቪዛ ዝህቡን ጥራይ ክኾኑ እዮም። መንግስቲ ኣሜሪካ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ካብ ዘገድዶ ካልእ ምኽንያት ጸጥታዊ ኩነታት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።

እተን 20 መስርሕ ቪዛ ናብ ኣሚሪካ ከካይዳ ኣፍልጦ ዝወሃበን ኣምባሲታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣቢጃን፡ ኣክራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኬፕታውን፡ ዳካር፡ ዳርኤሰላም፡ ጅቡቲ፡ ጆሃንስበርግ፡ ካምፓላ፡ ኪጋሊ፡ ኪንሻሳ፡ ሌጎስ፡ ሎሜ፡ ሉዋንዳ ፡ ማላቦ፡ ሞንሮቪያ፡ ናይሮቢ፡ ፖርትልዊስ፡ ፕራያን ያውንደን ክኾና እየን።

Sunday, 31 May 2026 18:05

Radio Dimtsi Harnnet Sweden 30.05.2026

Written by

 

https://harnnet.org/images/pdf/Harnnet%20Issue%20Nr.109.pdf?_t=1780226302" width="650" height="850"/>

Untitled 2ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ “ሓጺር መእተዊ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ከመይነት ናይ ጽባሕ ሰልፍታት ኤርትራን” ብዝብል ኣርእስቲ ብ30 ጉንበት 2026 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ “ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰዲህኤ” ኣብ ዝሰርዖ ወርሓዊ መድረኽ እዩ ተዋሂቡ።

ወልደየሱስ ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ንታሪኻዊ ኣመጻጸኣ ሰልፊ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ቅድም ማሕበር ይበሃል ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ሰልፊ ተመሳሳሊ ርኢቶ ዘለዎም ሰባት ዝምስርትዎ፡ ከም ግንባርን ምንቅስቓስን ኣብ ህልዊ ኩነታት ጥራይ ዘተኩር ዘይኮነ፡ ኣርሒቕካ ናይ ምምዕዳው ከቢድ ሓላፍነት   ዘለዎ ውዳበ እዩ ኢሉ።

ሰልፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅርጻን ዝውንን ውዳበ ምዃኑ ብምብራህ ከኣ፡ ሓደ ካብቲ ሰልፊ ዝልለየሉ ንስልጣን ናይ ምውድዳር ተልእኮ ዘለዎ ምዃኑ’ውን ኣስፊሑ ገሊጹ። ስልፍታት ከከም ፖለቲካዊ ባህሪአን ብዝተፈላለየ ኣስማት ከም ዝጽወዓ ከኣ ገሊጹ። 

ናይቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዜ ህግደፍ ተነዲፉ ዘይተተግበረ ሕጊ ሰልፍታት ዝርዝር ትሕዝቶ ዝምልከት መብርሂ ዝሃበ ብጻይ ወልደየሱ፡ ኣብቲ ናይ 1952 ሕገምንግስቲ ኤርትራ ከኣ “ህዝቢ ፖለቲካዊ ማሕበር ናይ ምምስራት መሰል ኣለዎ” ዝብል ዓንቀጽ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ተዛማዲ ኣብነታት እውን ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ 40ታት ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ሰልፍታት ብዝሐንን ፖለቲካዊ ባህረአንን ኣመልኪቱ ተንቲኑ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና መሰጋገሪ መድረኽ ከም ዝህሉ ጠቒሱ፡ ነቲ ብደሆ ንምስጋር፡ ግደ ምምስራት ዘተኣማምን ሰልፊ ዕዙዝ ምዃኑ ብኣብነታት ናይ ዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ብምቕጻል ከኣ ግደ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝጽበየና ዘሎ ብደሆ ኣብ ዝምልከት እውን ዘርዚሩ።

ብጻይ ወልደየሱስ  መግለጺኡ ብምቕጻል ኣብ ኤርትራዊ ኩነታት ከይተደረተ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ሰልፍታት ኣፍሪቃ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ኣብታ ኣህጉር ሃገራት ካብ መግዛእቲ ናጻ ካብ ምውጻእ ሓሊፈን፡  ሰልፍታት በቲ ኣብ ስልጣ ዝመጽእ ኣካል ተዓብሊለን  ብሓደ ሰልፊ ስለ ዝበሓታ ኣድማዒ ዓወት ከምዘየመዝገባ ናይ ሃገራት ተመኩሮ  ዳህሲሱ።

ድሕሪቲ ሰፊሕ መግለጺ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር፡ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ኤርትራ ዘተኣማምና ሰልፍታት ኣብ ምምስራት ዝህሉ ብደሆታ፡ ሰልፍን ፖለቲካዊ ኣይድዮሎጅን፡ ኣብ ዓለምና ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ሓይሊ ትርጉምን፡ ምብርባር ሃይማኖታውን ብሄራውን ስምዒታት ብመንጽር ወሳኒ ግደ ሰልፊ፡ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኣብ ምምስራት ሰልፊ ዝህልዎ ጽልዋ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ተላዒሎም ሰፊሕ ምይይጥ ብምክያድን ምስቲ ዛዕባ ዝዛመዱ ለበዋታት ብምቕራብን ኣኼባ ተደምዲሙ።

Page 2 of 648