ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ቀዳሞት ናብቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መበል 47 ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንክኸውን ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ናይ “እንኳዕ ኣሓጐሰካ” መልእኽቲ ዘመሓላለፉ መራሕቲ ሃገራት ምዃኑ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀን’ሎ። እቲ ኣዛራቢ ዝገበሮ ንዝተመርጸ መራሒ ሃገር ሰናይ ትምኒት ምግላጽ ብኣኡ ዝተጀመረ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ በቲ ዕድመ ልክዑ ካብ ምርጫ ክሃድም ዝጸንሐን ዘሎን ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ስለ ዝኾነ እዩ። ኢሳያስ ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፡ እቲ ብምርጫ ናብ ሓላፍነት ምምጻእ ባህ ኢልዎ ዘይኮነ፡ ንዕኡ ዘገድስ ጠቕምን ደገፍን ንምርካብ ምዃኑ ንትራምፕ እውን ኣይጠፍኦን እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂውን ካብ ዕጽዋ ዓዲ ሃሎ ዝወጸ፡ ሳላ ምምጻእ ትራምፕ ናብ ስለጣን እዩ።
እዚ ኣብተን ናይ ጉጅለኡ ልሳናት ተኸዊሉ፡ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሕባእ ኢሳያስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብሓንቲ ተባዕ ጋዜጠኛ ተለቪዥን ኣልጀዚራ፡ “ኣብ ኤርትራ መዓስ ኢዩ ምርጫ ዝካየድ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ብዛዕባ ምንታይ ይሕተት ከም ዝነበረ ጠፊእዎ ዘይኮነስ፡ ንምህዳም ብስንባደን ቁጠዐን “እንታይ ምርጭኡ?” ብዝብል ተገልቢጡ ንሕቶኣ ብሕቶ ክምልሶ ፈቲኑ። ብዘይነግፈረግ “ኣብ ሃገርኩም ኣብ መጻኢ ዝግበር ምርጫ ማለተይ እየ”፡ ምስ በለቶ ከኣ፡ ብስምዒት “ድሕሪ 30፣ 40 ዓመታት ምናልባ’ውን ካብኡ ንላዕሊ” ኢሉ ብምጉጣጥ ዝሃቦ መልሲ ዲክታተርነቱን ተሓታትነቱን ተቓሊዑ መስሓቕ ሰብ ካብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚታት ሓደ ምንባሩ ዝዝከር ዘሎ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ 75 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህግሓኤ፡ 75 ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ውጻእን ብፍሉይ ኣበርክተኦም ዝተሓርዩ፡ “ዘይምልከቶም” ክነሱ፡ ወከልቲ ህዝቢ ዝብል ስም ዝተዋህቦም፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣባላት ዝነበርዎ፡ 150 ዝኣባላቱ “ሃገራዊ ባይቶ” ተባሂሉ ዝተሰየመን ንኢስያስ ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ዝብል መዓርግ ዘልበሶን መሪሕነታዊ ኣካል ነይሩ። እንተኾነ እዚ ኣካልዚ ብምርጫ ህዝቢ ንዝምስረት ባይቶ ዝትክእ ዘይኮነ፡ ግዝያዊ መንግስቲ እዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኢስያስን ውሑዳት ሰዓብቱን ነዚ ኣካልዚ እውን ብመንጽር ምብሓት ስልጣን ዘስገኦም ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም ዕድመ ኣይረኸበን። ሎሚ ናይዚ ኣካል ምንባር ዛንታ ኮይኑ፡ ቦታኡ ቅድም ብሓደ ጸቢብ ጉጅለ ድሕሪኡ ብውልቀ መላኺ ተባሒቱ ዙሎ እዩ።
ኤርትራን ህዝባን ክሳብ ክንደይ ብምርጫ ዝተመስረተ መንግስቲ ዝተሓረሞምን ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝጸምኦን ኮይኖም ከም ዘለዉ፡ ኤርትራውያን ባዕልና እንርደኦን ንቃለሰሉ ዘለናን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ዝተፈላለዩ ጉዳይ ዲሞክራስን ኣገዳስነት ምርጫን ዘገድሶም ዝተፈላለዩ ዘይኤርትራዊ ናጻ ወገናት’ውን “ኤርትራ ብውትህድርና ብዝተዓብለለ ኣዝዩ ጨቋኒ ኣካል እትምራሕ፡ ካብ 1993 ጀሚሩ ንይምሰል’ውን ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ምርጫ ዘየካየደት፡ ብዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ ፍጹማዊ ስልጣን ዝተባሕተላ ሃገር እያ። እቲ ብኸምዚ ኣገባብ ዝጭቆንን ማእሰርትን መጭወይትን ዘይተፈልዮን ህዝባ ድማ መሪር ቃልሲ ኣካይዱ ብ1993 ብረፈረንደም ወግዓዊ ልኡላዊት ሃገሩ ዘውሓሰ እዩ” ኢሎም ክገልጽዎ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ኢሳያስ “እንታይ ምርጭኡ እዩ?” ኢሉ ክሓትት እንከሎ፡ ክሕጭጭን ካብቲ ዝፈርሖ ኣጀንዳ ክሃድምን ስለ ዝደለየ እንተዘይኮይኑ፡ ትርጉሙ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ወረ ንከምስልሲ ኣብቲ ኣብ ናቕፋ ካብ 10 ክሳብ 16 ለካቲት 1994 ዝተቓነዐ 3ይ ውድባዊ ጉባአ ህግሓኤ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር ኣብ ገጽ 22፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ስርዓት “ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ኣገባባትን፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ብዙሕነትን ምጽውዋርን ዝተሰረተ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ። ሎሚ እዞም ኣብቲ ቻርተር ተጸባቢቖም ሰፊሮም ዘለዉ፡ መርኣያ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዝኾኑ ቃላት፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ህግደፍ፡ ኣብ መዝገበ-ቃላቱ እውን ዝርከቡ ኣይመስለናን። ምኽንያቱ ብዓብይኡ እቲ ናይዞም ኩሎም መሰረት ክኸውን ዝነበሮ ናይ 1997 ሕገ መንግስቲ፡ “ሞይቱ እዩ” ተባሂሉ መርድኡ ካብ ዝንገር ዓመታት ሓሊፉ ስለ ዝኾነ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ኣንጻረይ ተዛሪብካን ፈጺምካን” ኢሉ ጥራይ ዘይኮነስ “ሓሲብካ” ኢሉ ዝኣስር ዘሎ ጉጅለ ናይቶም ኣብ ቻርተሩ ዘስፈሮም ቃላት ተኣማኒ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ።
ኣምሰሉነት ህግደፍ እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ 10 ምዕራፋት፡ 68 ዓንቀጻትን ብዙሓት ንኡሳን ዓንቀጻትን ዝሓቖፈ ኣብ ዓሰርተ ገጻት ዝሰፈረ፡ ነቲ ሕገመንግስቲ መሰረት ገይሩ ዝተነድፈ ሰነድ “ሕጊ ምርጫ” እውን ኣዳልዩ ነይሩ እዩ። ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል፡ ሎሚ እዚ ሰነድ እውን “ነዴኺ ማይ ውረድላ” ኮይኑ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስ ብህዝቢ ዝምረጽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ግና ክሳብ ዓወት ቀጻሊ እዩ። ከምቲ “ኣዴኻሲ ብስም ኣይትወጽዕካ” ዝበሃል ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂሲ ምስ ኩሉቲ ጥልመቱን ክሕደቱን “ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዘሕፍር እዩ። ማዕረቶም ሕጽረታቱን ብቕዓቱን ብዘየገድስ ብምርጫ ናብ ስልጣን ዝደየቡ ፕረሲደንታት ክስራዕ ከኣ ሃየንታ እዩ።
ኣብቲ ኢሳያስ ካብ ምርጫ ክሃድም ዘባኸኖ ናይ ልዕሊ 30 ዓመታት ግዜ፡ ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ’ኳ ምስ ኩሉቲ ዘመዝግቦ ዝነበረ ሕጽረታትን ዘጋጠሞ ዕንቅፋታትን ኣብቲ ኢስያስ ምርጫ ካብ ምክያድ ክሃድመሉ ዝጸንሐ ግዜ “ውግኣትን እገዳታትን” እናሃለዉ፡ 6 ዙር ምርጫ ተኻይዱ ናብ 7ይ ዙርያ ገጾም የመዓድዉ ኣለዉ።
ምስቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ እሞ ኢስያስ ተጓይዩ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዘመሓላለፈሉ፡ ብሓያልን ናጻን ውድድር ዝሓለፈ ምርጫ ኣሜሪካ ከነወዳድሮ እንከለና ከኣ፡ ንሱ ኣብታ ሓንሳብ ብስም ዋና ጻሓፍነት ህግሓኤን ኣቦመንበርነት ባይቶን ዝተወጠሓ መንበር ተጣቢቑ እንከሎ፡ ካብ 1991 ክሳብ 2025 ዓሰርተ ምርጫታት ብምክያድ፡ ካብ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ክሳብ ሮናልድ ትራምፕ 7 ፕረሲደንትታት ሰላማውን ዲሞክራስያውን ናይ ስልጣን ምርኽኻብ ኣካይዶም።
“ዘይቐንእ ኣይወለድ” ከም ዝበሃል፡ ኢሳያስ ነዚ ተዓዚቡ ዋላ ንምልክት ንሕናውን “ምርጫ ከነካይድ ኣለና” ክብል መተገበኦ። እንተኾነ ኣተኩሮኡ ኣብ ናይ ካለኦት ስራሕ ምውርዛይ እምበር፡ እትኽእሎ ሰሪሕካ ኣብነት ኣብ ምዃን ስለ ዘይኮነ፡ እንጽበዮ ኣይኮነን።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኤርትራ፡ ዜጋታተን ጉዳይ ሃልይዎም፡ ናይ ጉዕዞ ትኬት ቆሪጾምን ከማልእዎ ዝግበኦም ኣማሊኦምን ከይገሹ ብትሪ ካብ ዝኽልክላ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኤሪጋዘተ (Erigazette)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ7 ሕዳር 2024 ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ሓቢራ።
እቲ ጽሑፍ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ኣገዳዲ ግቡእ ከይፈጸሙ ክወጹ ንዝደልዩ ዜጋታት፡ ዜግነታዊ ናይ ምጋሽ መሰሎም ይንጸግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ መቕጻዕቲ ከም ዘኸትል እውን ጠቒሱ። ካብቲ መቕጻዕቲ መንግስቲ ተደጋጋሚ ተሪር ግፋታት የካይድ። ናይቲ ግፋ ዓላማ ናብ ኣገልግሎት ከይከዱ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተሰወሩ መንእሰያት ንምህዳን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይኣፍልጦ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ናይቲ መንግስቲ ክወጹ እንከለዉ ኣብ ዶባት ዝተረኽቡ ዜጋታት ተኹሲ ይኽፈቶም። ገንዘባዊ ክፍሊትን እውን ይጸዓኖም።
እዚ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዘይፈቓድ ዝወጹ እሞ ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ከም ዝትግበር ከኣ እቲ ጽሑፍ ኣስፊሩ። እቲ መቕጻዕቲ ብዘይካ ኣብ ልዕሊ እቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ከይተረፈብመልክዕ ምውራስ ንብረት ወይ ኣብ ክንድኡ ናብቲ ግዱድ ኣገልግሎት ብምውሳድ ይትግበር እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ እንተ ገይሾም ኣይምለሱን እዮም ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ስፖርተኛታት እውን ጥቡቕ ምቁጽጻር ከም ዝገብርን፡ ብሄራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ ናይ 2026 መጻረይ ጽዋዕ ዓለም ከም እትበኩር ዝገበረት ተጻወታ እንተወጺኦም ኣይክምለሱን እዮም ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ከኣ እቲ ጽሑፍ ኣቃሊዑ።
Rounded up, massacred and posted on social media: can Ethiopia bring justice for atrocities in Tigray?
Written by Martin Plaut
|
ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ጠቕላላ 538 መምረጺ ነጥብታት 294 ብምርካብ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሚሪካ ኮይኑ ምምራጹ ምስ ተፈለጠ፡ ኢድ ካብ ዝነኣሱ መራሕቲ ሃገራት ኣቶ ኢስያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ካብቶም ቀዳሞት ኮይኖም። ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብመንገዲ የማነ ገ/መስቀል ብመስመር X ዝለኣኾ፡ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓካ” መልእኽቱ፡ “ናትካ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሜሪካ ክትከውን ተመሪጽካ ናብ ቤተ-መንግስቲ ምምላስ ናይ ዓለም ሰላም ምርግጋእ ኣዝዩ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉአ ወሳኒ ግዜ ዘጋጠመ ክስተት እዩ” ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ኣብ መጻኢ ሓቢሮም ክሰርሑ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “እንኳዕ ዳግማይ ናብ ቤተመግስቲ ኣሜሪካ (white house) ተመለስካ” ኢሉ፡ ከምቲ ናይ ኢሳያስ “ኣብ መጻኢ ሓቢርና ንክንሰርሕ እምነ” ኢሉ።
ዶላንድ ትራፕ፡ ኣብ ናይ መበል 45 ፕረሲደንት ግዜኡ፡ ንኢሳያስ ካብ ክባ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ማዕቀባት ከም ዘልዓለሉ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ እዩ። ንኣብይ ኣሕመድ ዳማ ንስልጣኑ መሪቑ፡ ናይ ዓለም ናይ ሰላም ምስክርነት ንክቕበል ከም ዘብቀዖ ባዕሉ ኣብቲ እዋኑ ገሊጽዎ እዩ። ሓቢሮም ናብ ውግእ ትግራይ ንክወፍሩ ከም ዝመረቐሎም’ውን ዝዝከር እዩ።
ሕጂኸ ከምቲ ናይ ቅድም በብወገኖም ክዕንድሩን ህውከት ክፈጥሩን ክተሓጋገዞም ድዩ ኣይፋሉን፡ ኣብ መጻኢ መስርሕ ዝረአ ክኸውን እዩ።
ሮናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ ዙር ምርጫ ተሳዒሩ ክነሱ፡ ዳግማይ ተወዳዲሩ ምስዓሩን ኣብ ክልቲኡ ውድድራቱ ዝሰዓረን ተወዳደርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ካብቲ ብፍሉይነት ዘርእዮ ረቛሕታት ኮይኑ ኣሎ።
ካብ ናይቲ መንገዲ ኣየር፡ መርበብ ሓበሬታ ዝተወስደ ስእሊ
ኣየር ፍራንስ፡ ብ4 ሕዳር 2024 ብቀይሕ ባሕሪ ምብረር ከቋርጽ ከም ዝተገደደ ናይቲ መንገዲ ኣየር ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ኣብረርቲ በረራኡ ከቋርጽ ዝተገደደ ኣብቲ ወጥርታት ዘዘሖ ዞቦ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰማይ ሱዳን ኣብ ዝለዓለ ብራኽ ዘንጸባርቕ ነገር ስለ ዝረአየ ምዃኑ እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ መንገዲ ኣየር ናይቲ “ዘንጸባርቕ” ዝበሎ ኣካል እንታይነት ዘይጠቐሰ ኮይኑ፡ በቲ ኢራን ኣንጻር እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ሚሳይላት ክትትኩስ እያ ዝበሃል ዘሎ ከም ዝሰግአ ጠቒሱ። በቲ ሃንደበታዊ ምቁራጽ በረራ ካብ ፓሪስ ናብ ኣንታራሪቮ፡ ማድጋስካርን ናይሮብን ዝግበር ዝነበረ በረራ ዝተዓንቀፋ ነፈርቲ፡ ናብቲ ዝተበገሳሉ ፓሪስ ከም ዝተመልሳ ተፈሊጡ።
እዚ ዘሻቕል ኩነታት ዝተፈጥረ የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራክብ ኣብ ዝወቕዕሉን ናብ እስራኤል ድማ ሚስይላት ኣብ ዝትኩሱልን እዋን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ መንገዲ ኣየራት ካብቲ ኣስጋኢ ዝኸውን ዘሎ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ካልእ ውሑስ ዝኾነ ኣቕጣጫታት ክመርጻ ይግደዳ ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ።
መንግዲ ኣየር ፍራንሳ፡ ልዕሊ ኩሉ ድሕነት ዕማዊሉ ከም ዘገድሶን በዚ መሰረት ነቲ ዝፍጠር ጀኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለታት እናተኸታተለ መንግዲ ከም ዝቕይር ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብክሊ ኣየር ዖማንን ሳዑዲ ዓረብን ይጥቀም ከምዘሎ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይኣተወት ኣየርባስ- ኤ350-100 (Airbus A350-1000) ዝዓይነታ ብሓንሳብ 400 ገያሻ እተጓዕዝ ነፋሪት ዝወነነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተኸልኪሉ ድዩ ብናቱ ውሳነ ናይ ኤርትራ ክሊ ኣየር ከም ዝተሓሰመ ይውረ’ሎ። ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ካብተን ብኤርትራ ዝሓልፋ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በረራ ኣስታት 200 ዶላር የኽፍል ከም ዝነበረ’ውን ተፈሊጡ።
ወደብ ዓሰብ ብኸፊል
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ባይቶ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብኣባላት ንዝቐረብሉ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ካብቲ ዝቐረበሉ እሞ ዝያዳ ግዜ ሂቡ ዝተዛረበሉ፡ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነይሩ። ነዚ ሕቶዚ ክምልስ እንከሎ ደጋጊሙ ዝገለጾ፡ “ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክህልወና ግድን ስለ ዝኾነ ንሰርሓሉ ኣለና። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብምልዓልና ከኣ ክንስከፍ የብልናን። ብዙሓት ወገናት ዝያዳ ሚእቲ ሚልዮ ሒዝኩም ሰፊሕ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ኣካየድኩም፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምልዓልኩም ግቡእ እዩ ኢሎም፡ ንሕቶና ኣፍልጦ ይህብዎን የተባብዕዎን ኣለዉ” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።
እቲ ዝብሎ ዘሎ ብሓፈሻ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ወደብ ዓሰብ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካለኦት ኢትዮጵያ ክትሓቶም ኢልካ ዝግመቱ ወደባት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ዲክታተር ኢሳያስ ዝኸፈተሉ ኣፍደገ፡ “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና፡ ወደብ ዓሰብ ክንካፈል ኢና” ዝብሎ ዝነበረ’ውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
“ነዚ መደብዚ ንሕና ንጅምሮ እሞ እንተዘየርከብናሉ ደቅና ይውድእዎ” ምባሉ ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ነዊሕ ግዜ መደብ ገይሩ ሒዝዎ ከም ዘሎ የመልክት። ዋላኳ “ብሰላማዊ መንገዲ እነረጋግጾ እዩ” ብዝብል ክሽፍኖ እንተፈተነ፡ ኣብ ሓይልን ዓመጽን ከም ዘሎ ንምምልካት ድማ “ኣብ ቅድሚ ረብሓና ንዝጸንሐና ኣይንምሕሮን” ድሕሪ ምባል፡ “ቅድሚ ሕጂ ንገዝኦ ዝነበርና ኣጽዋር ሎሚ ባዕልና ክንሰርሖ ጀሚርና ኣለና” ምባሉ ድማ እቲ ሓቀኛ ሕልሙ ናበይ ከም ዘተኩር ዘርኢ እዩ።
እዚ ብስምዒት ዝበሎ ምላቕ ዘይኮነስ፡ ዝተሓስበሉ ምዃኑ ካብ ዘመልክቱ፡ ናይታ ሃገር ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣቶ ምጋናው ኣረጋ፡ “ፋና” ምስ ዝተባህለት መንግስታዊት መደበር ተለቪጅን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ “ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ምርግጋጽ ኣይክትዋገን እያ” ዝበሎ ብመደብ ዝስረሓሉ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ።
ካልእ “ኣንድ ኣፍታ” ዝተባህለት፡ ናብቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ቅርበት ዘለዋ መደብ ዩቱብ ከኣ፡ ንመግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ተኸቲላ “ንወደብ ዓሰብ ዋላ ብሓይሊ ምሓዝ ምውራር ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ዝተጋገየቶ ከም ምእራም ዝውሰድ እዩ” ኢላ። ኣስዒባ ድማ፡ “ደሓር ከኣ ተቐዳዲምካ ዝሓዝካ ምስ ሓዝካ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣሰራርሓ እዩ” ዝበለቶ፡ እቲ ጉዳይ ሱር ይሰደድ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ዘይሩዘይሩ እቲ ደግሲ ልኡላውነት ኤርትራ ናብ ምግሃስ ዝመጣጠር እዩ። እዚ ከኣ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኽስሮ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ንድሕሪት ዘይመልስ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤርትራውያ ከኣ ብፍላይ እቲ ኣብ መስርሕ ለውጢ ዘሎ ውዳበታት ሓቢሩ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ይግበኦ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምናልባት ምስ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጉጅለ ስለ ዝተባእሰ ዝህቅኖ ዘሎ እንተኾይኑ፡ ደጋጊሙ ክሓስበሉን ካብ ከምዚ ዓይነት ወስታ ክእደብን ነተሓሳስቦ።
ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጻ ሃገሩ እንታይ ይጽበ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ ነይሩን ኣሎን። ነዚ ሕቶዚ ካብ ዘንቀሉ መሰረታዊ ምኽንያታት ሓደ፡ ባህርን ተንኮለኛ ኣካይዳን መሪሕነት ህግሓኤ ዘይምርዳእ ሓደ መንቀሊ ነይሩ። ኣብ ባህሪ ናይቲ ህግደፍ ዝተጠምቐ ጉጅለ ጥርጠራ ዝሓደሮም ኤርትራዊ ኣካላት እውን ከሎ ጋና “ኣካይዳና ቅኑዕ የለን፡ ስለዚ ከይሳዕረረ ብዓንተቦ ዝግበር ንግበር” ዝበልሉ እዋን ነይሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ከምቲ “ናበይ ከም እትኸይድ ከይጠፍኣካ ዝሓለፍካዮ ኣይትረስዕ” ዝበሃል፡ ብዘሓለፈ ዓመጸኛ ተግባራት መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣሰኪፍዎም፡ ተወዲቦም ንዘጠንቀቑ ወገናት ዘይምልከት ክስን ጸለመን ይቐርቦም ነይሩ። ቅድም “5ይ መስርዕ” ደሓር ከኣ “ወያነ” ዝብሉ ቃላት በቲ ጉጀል ንጸለመ ዝተመርጹ ኣብዘይመዓላኦም ዝውዓሉ ናይ ቅንጸላ ቅጽላት ነይሮም።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ፡ ምትካል ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ምኽባር ኩሉምዳያዊ መሰላት፡ ብህዝቢ ብዝተመርጸ መሪሕነትን ረብሓ ህዝቢ ብዘማእክሉ ሕግታት ዝግዛእ ምምሕዳር ምርካብን ዝኣመሰሉን ነይሮም። ሓቀኛ ትርጉም ሰላምን ልምዓትን ምውሓስ’ውን ብሃንቀውታ ዝተጸበዮ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። ነዚ ኩሉ ብዝሓቁፍ ንምግላጹ እቲ ሕቶ “ናይ ዝተማለአ ዲሞክራሲ ባህጊ” እዩ ነይሩ። ህግደፍ ነዚ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዘፍርሖን ዕድመ ምልኩ ዘሕጽርን ጠለብ ንዘይምምላስ ክሳብ ሎሚ ዝተፈላለዩ መደናገርቲ ሜላታት ይጥቀም ከም ዘሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ እውን መልክዓቱ ደኣ ይቀያየር እምበር፡ ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስ ካብቲ መደናገሪ መንገዱ ኣይወጸን። “ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ግዜኡ ዝሓለወ ጥለብ ኣይኮነን” ዝብል ከኣ፡ ካብቲ መህደሚ ብሂላት ሓደ ነይሩ ክሳብ ሎሚ ድማ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ነዚ ሕቶዚ ከቕርብ ዝምጥን ደረጃ ንቕሓትን ግንዛበን የብሉን ክበሃል’ውን ይስማዕ እዩ።
ናይቲ ጉጅለ ሸፈጥ ንምድማቕ፡ ኤርትራዊ ቅድሚ ናብ ዲሞክራሲ ምምጥጣሩ ክምለስሉ ዝግበኦም ካለኦት ጠለባት ኣለዉዎ ዝብሉ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ኣይተሳእኑን። ህግደፍ ቅድሚ ምትእትታው ስርዓት ዲሞክራሲ፡ ካለኦት ሕቶታት ንክመስል ቃል ክኣቱን ደሓር ናብቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ተመሊሱ ከደናግር ኢና ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ናይ 1997 ሕገመንስቲ ምጽዳቑን ተገልቢጡ “ከይተተግበረ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ምሕጫጩ ብመጽርዚ ዝረአ ኣሽካዕላል እዩ። እቲ ካልእ መዳህለሊኡ ከኣ ብዘይቅቡል ምኽንያት ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብኣኡ ኣሳቢቡ ናይ ልኡላውነት ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ፡ “ኣብ ምሕላው ሃገር እምበር ኣብ ምምላስ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣይኮናን ዘለና” እናበለ ብምጉብዕባዕ ካብ ምምላስ ሕቶ ህዝቢ መህደሚ መንገዲ ይፈጥር። “ሃገር ኣብ እገዳ እያ ዘላ” ንዝብል ጉልባብ ክንደይ ዓመታት ከም ዝሓሸሸሉ ከኣ ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ወደኽደኽ ምስ ካይሮን መቃድሾን እውን ናይቲ ዘይምኽኑይ ህድማኡ መቐጸልታ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰላትን ከልዕል ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ ዝብል ምንእኣስ ከኣ፡ ካልእ ገጽ ናይቲ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ግደ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ ስልጡን ኣንፈት ተመንዚዑ ንድሕሪት ዝተመልሰ ህዝቢ እዩ። ኣብ 40ታት ምእንቲ ዲሞክራስያዊ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብመልክዕ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ምውዳብ፡ ትርጉም ሕገመንግስትን ምርጫን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ምቅዋምን ተኸኣኢልካ ፍልልያትካ ምሕብሓብን ኮታ ብዛዕባ ኣምር ዲሞክራሲ መባእታዊ ግንዘባ ዝነበሮ ምዃኑ ከም በዓል ዘውደ ረታ ዝኣመሰሉ ዘይኤርትራውያን ደርስቲ ከይተረፉ ዝምስክርዎ’ዩ። ካብ 1946 ጀሚረን መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ክውስና በብግዜኡ ዝተመስረታ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ምንባረን ድማ ናይዚ መረጋገጺ እየን።
ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃብታም ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ህዝቢ “ብዛዕባ ዘይርደኦ ኣምር ዲሞክራሲ እዩ ዝሓትት ዘሎ” ኢልካ ከተነኣእሶ ምፍታን፡ ካብ ብደዐ ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዋላ’ኳ ውጽኢት መግዛእቲ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሞም ምስ ዘመናዊ ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ንዕኡ ዝምጥን ቁጠባዊ ምዕባለን ካብ ዝተላለዩ ህዝብታት ሓደ ምንባሩ ዝተመስከረሉ እዩ። ነቲ ዲሞክራስያዊ ተረድኦን ቁጠባዊ ዕቤትን ናይቲ ህዝቢ ዝጸልዋ ዝነበራ ፋብሪካታት ሎሚ ኣሰረን ከምዘየሎ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉ ደጋጊሙ ሓታታይ ኮይኑ ክቐርብ ወትሩ ምስማዕ ዝስማዕ እዩ። እተኾነ መተካእተአን ዘምጸኦ የለን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዲሞክራስን ዘመናዊ ቁጠባዊ ኣምርን ሓድሽ ተመሃራይ ዘይኮነ፡ ቅድም ብሰንኪ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ብህግደፍ “ዝነበሮ ስኢኑ ንድሕሪት ዝተመልሰ” እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቁጠባን ምምሕዳርን፡ ሱር ዝሰደዱ ጸገማት ኣለዉዎ። እዞም ጸገማት ንክፍትሕሉ ከኣ ናይ ወትሩ ምሕጽንታኡ እዩ። እቲ ነዚ ዘለናሉ እዋን ዘይምጥን በቲ ጉጅለ ንሸፈጥ ዝቐርብ ዕባራ ምኽያት ከኣ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ምስምስ ኣጐልቢብካዮ ምህዳም እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ምትእትታው ዲሞክራሲ ነዞም ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝምልስ መሰረታዊ መሳርሒ ምዃኑ ምኽሓድ እዩ። እዚ ሸፈጥ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶኡ ብቃልሱ ዝምልሶ እምበር፡ ብህግደፍ ዝትኮበሉ ከምዘይኮነ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ህግደፍን ጨቋኒ ምምሕዳሩን ተወጊዶም፡ ህዝቢ ኤርትራን ባህግታቱን ማእከሉ ዝገበረ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እንተዘይተመስሪቱ፡ ኣብ ህላወ እቲ ጉጅለ ዝፍትሑ ኣይኮኑን። ስለዚ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣይለዓል ምባል፡ ትርጉሙ ህግደፍ ምስ ኩሉ’ቲ ኣበሳኡ “ይንበረልና ጥራይ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ዘይግዜኡ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ’ቲ ጉጀለ መልሲ ዝደንጎዮ እዩ ክበሃል ዝግበኦ። እንተኾነ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ’ሞ ነዋድቆ ኢልካ ዝጓሰ ዘይኮነ፡ ክሳብ ዘተኣማምን መልሲ ዝረክብ ብቃልሲ ክድፈኣሉ ዝግበኦ እዩ። ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ናይ ግድን ክሳብ ዓወት ቀጻሊ ክኸውን ዘገድዶ ከኣ ንሱ እዩ።
More...
Freedom on Trial: Eritrean Activists Face Legal Battles in America
Written by Martin Plaut
|
How President Isaias's 'fourth front' is using the courts against pro-democracy activistsBy Michael Rubin Source: National Security Journal
Secretary Antony J. Blinken holds a joint press availability with Secretary of Defense Lloyd J. Austin III, Philippine Foreign Secretary Enrique Manalo, and Philippine Defense Secretary Gilbert Teodoro in Manila, Philippines, July 30, 2024. (Official State Department photo by Freddie Everett) After North Korea, Eritrea is the world’s most repressive and totalitarian country. Independence leader Isaias Afwerki rules with an iron fist. He rejects elections, and treats the country as his personal fiefdom. Unlimited conscription and national service transformed Eritrean citizens into unpaid slaves and made the country Isaias’ plantation. In response, many Eritreans flee. The routes are perilous; many die of thirst in the desert or drown crossing the Red Sea or Mediterranean. Tribesmen, criminals, and slavers prey upon them. Isaias is fine with the flight as Eritrea relies not only upon remittances from those who make it to Europe and the United States but also extorts a two percent “tax” based on ethnicity rather than citizenship. If an Eritrean renounces their citizenship, Isaias does not care. If they do not pay two percent of their income back to his treasury, their relatives will suffer back in Eritrea. Other members of the diaspora, I would argue, advocate for the government for either privilege or, as possible, intelligence officers who spy on the Eritrean community. This is a strategy ripped from the North Korean playbook. Some experts argue that various ‘front groups’ regularly promote Pyongyang positions in Washington, seeking to confuse policy or, on occasion, win a propaganda coup when they can convince a representative to parrot their talking points without looking behind the curtain. Indeed, Isaias considers pro-government diaspora to be a fourth front” to supplement the country’s Western, Central, and Eastern fronts. Eritrean embassies often coordinate with diaspora front groups to lionize Isaias and celebrate festivals important to his rule. Eritrean front groups usually seek to intimidate those who favor freedom and democracy. In recent years, clashes and violence have become commonplace as pro-regime Eritreans attack those who do not share their views. The pro-freedom diaspora has now responded. Over the past two years, diaspora groups across Europe and the United States hava rallied behind the so-called Blue Revolution.” Many of this pro-freedom, anti-Isaias Eritreans counter-protest at pro-regime festivals. This infuriates Isaias and pro-regime organizers as it takes the shine off their events and undermines the image of Eritrean solidarity they promote. The pro-Isaias community in the United States now appears to be experimenting with a new strategy: Using U.S. courts to target anti-regime protestors. Earlier this year, the Eritrean Association in Greater Seattle sued several Eritrean democracy activists at the U.S. District Court for the Western District of Washington in Tacoma. While the case remains mired in its early procedural issues such as service, it sets a dangerous precedent. Many cases have no merit—and reading the complaint, this appears to be one of them. The Eritrean Association says they serve more than 7,000 local Eritreans and openly acknowledge they organize events such as Eritrean Independence Day and Martyr’s Day celebrations. These parallel government holidays that lionize Isaias. The complaint then suggests that for their advocacy, they have become the target of hate crimes. This, of course, elides “hate crimes” with political dissent as those whom they accuse share the same ethnicities. The root of the Eritrean Association complaint is that protestors disrupted their event by protesting and caused participants to cancel hotel reservations. They allege violence, but the complaint appears exaggerated. What the complaint alleges to be severe violence and destruction of property, the local police spokeswoman acknowledged tents tipped over. She described them as scuffles “that have quickly ended.” It is understandable that the U.S. government prefers to remain aloof. After all, the judiciary is an independent branch of government, and the executive branch has no business interfering. At the same time, though, this can play into Isaias’ hijacking of the courts. He can channel unlimited funds to his front groups and lawyers to try to use court procedures and hearings to intimidate and bankrupt the Eritrean opposition. The courts should be interested in not allowing themselves to be used by a dictator or groups that, by their actions, appear to act as his proxies. The State Department should also file a brief with the court explaining Eritrea’s methodology and strategies to target and neutralize opposition. Lawfare is simply its latest tactic. Make no mistake: Freedom is on trial in Tacoma. Not only is Isaias watching its outcome, but dictators from Beijing to Moscow to Addis Ababa to Caracas will also seek to use U.S. courts to do their dirty work. About the Author: Dr. Michael RubinMichael Rubin is a senior fellow at the American Enterprise Institute and director of policy analysis at the Middle East Forum. A former Pentagon official, Dr. Rubin has lived in post-revolution Iran, Yemen, and pre-and postwar Iraq. He also spent time with the Taliban before 9/11. For over a decade, he taught classes at sea about the Horn of Africa and Middle East conflicts, culture, and terrorism to deployed US Navy and Marine units. Dr. Rubin is the author, coauthor, and coeditor of several books exploring diplomacy, Iranian history, Arab culture, Kurdish studies, and Shi’ite politics. The views expressed are his own. |