ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ካብ ጽባሕ ነጻነት ኣትሒዝካ ጽቡቕ ከምዘይነበረን ጌና ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከይበጽሐን ዝተረዳእናዮ እዩ። ኣብቲ ከምዚ ሎሚ ከይሳዕረረ እንከሎ ውሱን ምልክት ዘርእየሉ ዝነበረ እዋን እንተኾነ‘ውን፡ በብዝጥዕመና ኣገባብ ክንገልጾን መተካእታ ከም ዘድልዮ ክንሕብር ጸኒሕና። ምሕባር ጥራይ ዘይኮነ መተካእታ ሓሳብ ንምምጻእ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ማሕበራት ካብ እንውደብ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። እቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ስቓይ ቅጭጭ ከይበሎ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብወገኑ፡ ብዘይሕብእብእ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ዘረድእ፡ “ኣነ እየ ህዝብን ሃገርን” ዘስምዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ክነግረና ጸኒሑ እዩ።

ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ መተካእታ ምምጻእ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ናይ ህልውና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ እዩ። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ዝበቅዕ ቅሩብነት ንምርግጋጽ ካብ እንንቀሳቐስ’ውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ 2001፡ እቲ ስርዓት ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ እምብዛ ሳዕሪሩ ንወጻዒ ባህርያቱ ብሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ለበዳ ምስ ኣረጋገጾ፡ ብዙሓት ኣብ ሕቑፍኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም፡ እቲ ናይ ለውጢ ደንበ ኣዝዩ ዝመቖሉን ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ ባህጊ ሰማይ ዝዓረገሉን ደረጃ በጺሑ ነይሩ። እቲ ባህጊ ግና ብዝድህሰስ መተካእታ ገና ኣይተሰነየን።

ወጻዒ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ብናትና ተገንዝቦ ድዩ ብናቱ ቅሉዕ ተግባራት ንጹር ምንባሩ ንቐጻሊ ቃልስና ኣገዳሲ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዝኸበደ ነቲ ሕማቕ ባህሪኡ ምርዳእ ዘይኮነ፡ መተካእታ ምቕራብ ምዃኑ ከኣ ህልዊ ኩነታትና መስካሪ እዩ። ሓደ ጸገም ጠንቁ ምስተፈልጠ መድሃኒት ክትረኽበሉ ቀሊል እዩ ነይሩ። እንተኾነ ነቲ ጸገም እንዳፈለጥካዮ  መተካእታ እንተ ዘይረኺብካሉ ፋይዳ የብሉን። እዚ ከኣ ንሕና ንዘለናዮ ሃለዋት ዘመልክት እዩ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብኹሉ ማኣዝናት ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣተኻ ኣስካሕካሒ እዩ። ናይቶም መተካእታ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዘለና ወገናት ንጥፈት ብኣንጻር’ዚ ክንህር ይግበኦ ነይሩ ግን ኣይበጻሕናዮን።

ተልእኮን ዕላማን ሓይልታት ለውጢ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓጺር ጸሚቝካ ክቐርብ እንከሎ ንወጽዓ ህግደፍ ዓጺፍካ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ መተካእታ ኮይንካ ምቕራብ እዩ። እዚ ዕማም’ዚ ቀሊል ከምዘይኮነ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ከም ዝከኣል ግና ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ መስርሕ እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ዘለናዮ ብብዝሐ-ውዳበታት ዝግለጽ ሃለዋት ብቑዕ መተካእታ ንምዃን ካብ ዘኽብድዎ ምኽንያታት እቲ ዕማም ናይ ብዙሓት ሰብ ጉዳይ ብምዃኑ፡ እቶም ሰብ ጉዳይ ድማ፡ ኣብ ሓደ ሓባራዊ መስርሕ ናይ ቃልሲ ንክጽመዱ ስለ ዝኸብድ እዩ። እንተኾነ እዚ እውን ፍልልያትካ ወጊንካ ኣብቶም ዘሰማምዑኻ ጉዳያት ኣትኪልካ፡ ብሓላፍነት ክትሰርሕ ስለ ዝከኣል ምኽኑይ መህደሚ ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ነዚ ብዙሓት ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዝተኸተላ ሃገራት ዘረጋገጸኦ እዩ። ስለዚ ነቲ ዝከኣል ናይ ዘይምኽኣልና ናትና ድኽመት ዘመልክት ምዃኑ ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።

ካብዚ ዘለናዮ ሓላፍነታዊ መልክዕ ዘይሓዘ ኣተሃላልዋ ንምውጻእ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ፈተነታት ኣካይድና ኢና። ብዘይካቶም ብዙሓት ውድባት፡ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ዝተሳተፍሎም፡ ብዙሓት ዝተፈላለየ ኣስማት ዝነበሮም ምጥርናፋትን፡ ኣብ ሕድሕድ ክልተ-ሰለስተ ውድባት ክፍተኑ ዝጸንሑ ዝምድናታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኣብ ውጽኢት ክንመጽእ እንከለና ግና ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሕጂ ሓቢርካ ናይ ምስጓም ፈተነታትና መሊኦም ኣይተዓወቱን። ናይ ዘይምዕዋቶም ጠንቂ ኩልና ውዳበታት ብጽሒትና እንወስደሉ ድኽመታት እዩ። ንድኽመታትና ድማ ጉጅለ ህግደፍ እውን ዕድል እንተረኺቡ መሊሱ ከም ዘጋድዶ ፍሉጥ እዩ። እቲ መተካእታ ናይ ምዃን ዕማምን ሓላፍነትን ግና ሕጂ እውን ንዓና ዝጽበ ዘሎ ዕማም‘ዩ። እቲ መዋጸኦ ከኣ፡ ንሕና ካብ ተመኩሮና ተማሂርና እነዐርዮ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሓንሳብ ሕማቕ ምስ በልካዮ ኣብኡ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ ኣብ ቀጻሊ ናይ ሕሰም ዕቤት ዘሎ እዩ። እዚ ድማ ንሃገርናን ህዝብናን ናብ ቁልቁል ዝንቍት ዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እውን ነቲ ናይ ጥፍኣት ኣንፈት መመሊስካ ምትራሩ እንተዘይኮይኑ መተካእታ ከምጽእ እንጽበዮ ኣይኮነን። ሎሚ ንሕና ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ብኸመይ ከም ዝረጋገጽ እንዳሻቐለና ካልእ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ዝመስል ተርእዮ ምቕልቃሉ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ማዕረ’ዚ ሻቕሎት ሓይልታት ለውጢ ይንህር ከምዘሎ ዘዳዲ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ግና በቲ ኩነታት ምሽቓልን ምንሃርን ዘይኮነ፡ ነቲ ሻቕሎት ናብ ራህዋ ዝቕይር ውዱብ መተካእታ ኮይንካ ክትቀርብ ምብቃዕ ጥራይ እዩ። ብመንጽር‘ዚ እምበኣር፡ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለና? ንዝብል ሕቶ መልስና “ጌና ነቲ ብቑዕ መተካእታ ናይ ምዃን ፈተና ኣይበጻሕናዮን” ካብ ዝብል ካብ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

እቲ ክሳብ ሎሚ ዘባኸንናዮ ግዜ ከኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። እንተኾነ ሕጂ እውን መተካእታ ናይ ምዃን ዕድልና ኣይተዓጽወን። እቲ ወጽዓ ኣይኮነንዶ ክውገድ መመሊሱ ኣብ ዝገደደሉ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ዘባኸንናዮ ግዜን ዕድልን ናይ ምምላሱ ዕድል ኣሎ’ሞ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ቅድሚ ኩሉ ሰሪዕና፡ ብተግባር ሓቢርካ ብምስጓም “ንህዝብና ኣለናልካ” ንበሎ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ሓቢርና ንስራሕ መጸዋዕታ፡ ብዘይምቁራጽ ይጽውዕን ቅርቡነቱ ይገልጽን ኣሎ። ማዕረ ትጽቢቱ’ኳ እንተዘይኮነ ሰማዒ እዝኒ ኣይሰኣነን። ስለዚ ሕጂ እውን ነቲ ዝተረኽበ እወንታ ብግቡእ ዓቂቡ  ነቲ “ሓቢርካ ብቑዕ መተካእታ ናይ ምዃን” መጸዋዕታ ክቕጽሎ እዩ።

ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ፡ ኣብኣ ይካየድ ብዘሎ ማእሰርትን ናይ ሓይሊ መሊሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምውፋርን ትናወጽ ከም ዘላ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ኣብቲ ኩነታት ምክትል ሓላፊ ስታፍ ናይታ ሃገር ገብሬየል ዱወፕ ደጋፊ ቀዳማይ ምክትል ፕረሲደንት ሪያክ ማቸር ብምዃኑ፡ ኣብ ዋና መእዘዚ ናይቲ መሊሻ ተኣሲሩ ከም ዘሎ  ተፈሊጡ።

.ብ4 ለካቲት 2025 ድማ ሚኒስተር ነዳዲ ደቡብ ሱዳን፡ ፖውት ፖልን ካለኦት ብዙሓት ናይቲ መቻር ዝመርሖ ሰልፊ ደገፍትን ኣብ ኣባይቶም ተኣሲሮም።  ኣካላት ጸጥታ ከኣ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ሪያክ ማቻር ተዋፊሮም ከም ዘለዉ፡ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ማእሰርቲ ዝተኻየደ ድሕሪቲ ብጉዳይ ጸጥታዊ ኩነታት ምምሕዳራት ኢኳተርያልን ምዕራብ ባሕሪ ኣል ጋዛልን ዝተኻየደ  ፍሉይ ኣኼባ  እዩ።

ኣብ ግዝኣኣት ላዕለዋይ ናይል፡ “ጻዕዳ ሰራዊት መሊሻ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ደጋፊ ሪያክ መቻር ሓይሊ መሊሻ ኑዌር፡ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ምስተጋጨወ፡ ኣብ ከባቢ ኣብ ዶብ ምስ እትርከብ ናሲር እትበሃል ከተማ ተቖጻጺሩ ምህላዉ’ውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ናይቲ ሓይሊ መልሻ ምንቅስቓስ፡ ናብቲ ኣብ 2013 ዝነበረ ዘይምርግጋእ ከየምርሕ ኣስጊኡ ኣሎ። እቲ ብሪያክ መቻር ዝምራሕ ወገን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደገፍቱ ዝፍጸም ዘሎ ማእሰርቲ ተቓዊሙ፡ ንኣዛዚ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ጀነራል ፓውል ናንጐየን ተሓታቲ ገይርዎ’ሎ።

ብመሰረት ሱዳን ትሪቡን ዝዘርገሖ ዜና፡ እቲ ነቲ ሓድሽ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺ፡ ነቲ ማእሰርቲ ዘይሕጋዊ  ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ሓባራዊ መከላኸሊ ሓይሊ ዕማም ምክትል ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ዱውፕ ላም ከኣ ነቲ ኩነታት ሓሊኽዎ’ሎ ተባሂሉ። ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ቀዳማይ ምክትል ፕረሲደንት ናይታ ሃገር ሪያክ መቻር ዝተዋፈረ ሓይሊ ከም ዘስግእ እውን እቲ መግለጺ ደጊሙ ሓቢሩ።

ሮይተርስ ብወገኑ ካብ ኬንያ ከም ዝሓበሮ ድማ፡ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ናብቲ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ዝነበሮ ህውከትን ዕግርግርን ከይምለስ ከም ዘስግእ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላፍቶ ኣብ ዝተባህለ ክፍለ-ከተማ; ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ከም ዝቖሰሉን ኣብ ለንዶን ዝመደበሩ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ብ27 ለካቲት 2025  ብዘውጸኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብቲ ክፍለ-ከተማ ወረዳ 22 ተኣሲሮም ዝነበሩ መንእሰያት ብ22 ጥሪ 2025 ዝተቐትሉ ብናይቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ  ሓለዋ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ሃኒባል ሰለሞን ጉርጃን ኣታኽልቲ ኢሳያስ ሃብተጽዮንን ዝተባህሉ ሽዑንሽዑ ከሞቱ እንከለዉ እቲ ሓደ ዝምልከቶም ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስሙ ክጠቕስዎ  ዘይደለይዎ ድማ ተወጊኡ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ከም ዝሞተ ናይቲ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝመደበሩ ሰብኣዊ ትካል መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ዝተኮሱ ኣባላት ፖሊስ ዝበልዎ ምስምስ ክሃድሙ ፈቲኖም ዝብል ምዃኑ ድማ እቲ ዜና ኣቃሊዑ።

ብዘይካዚ ኣብቲ ኩነታት ዝቖሰሉ ካለኦት ዓሰርተ ሓደ ግዳያት፡ ግቡእ ሕክምና ብሰንኪ ዘይምርካቦም ኣደዳ ስቓይ ኮይኖም ክብል፡ እውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ናይቶም ግድይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣስከሬን ክህቡ ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ገሊጸን።

ብኻልእ ወገን ከኣ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ጃምላ ከም ዝእሰሩ ጠቒሳ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ጉዳይ መብርሂ ክህቡ ክሕተቱ እንከለዉ ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑ ገሊጻ።

Monday, 03 March 2025 14:33

Dintsi Harnnet Sweden 01.03.2025

Written by

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ መበል 58 ጉባአ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ንከተውጽእ ኣተሓሳሲቦም።

ሕበረት ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ኣባላት ሰራዊት ፈጺመምዎ ዝበሃ ኩሉ ግህሰታት ብዘይሻራዊ ኣካል ምሉእ ምጽራይ ክግበረሉ ይግባእ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብምጥሓስ ዝተፈጸመ ግህሰታት ግዳይ ዝኾኑ  ኢትዮጵያውያንን ዕቑባ ሓቲቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ፍትሒ ክረኽቡ ይግበኦም ምባሉ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እቲ ሕብረት ብ27 ለካቲት 2025 ናብቲ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ  ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት  ሰብኣዊ መሰላት እውን ከም ዘተሓሳስቦ ጠቒሱ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ናብቲ መበል 58 ጉባአ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ላዕለዋይ ሞኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ውግእ ትግራይ ዝተቛረጸሉ ውዕል ፕሪቶርያ ይጥሕሱ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ብህጹጽ ክወጹ ኣለዎም ክብል ምትሕስሳቡ ተጠቒሱ። ናይቲ ዋና ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ቤት ጽሕፈት ኣተሓሒዙ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ርኡይ መጥቃዕቲ፡ ምስዋር ሰባት፡ ኣገዲድካ ዓመጽ፡ ምዝማት ንብረትን ጃማላዊ ማእሰርትን ይፍጽም ከም ዝፍጽም ዝተኣማምን መርተዖ ኣለኒ ምባሉ’ውን ተሓቢሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቁራጹ፡ ክልቲኦም መንግስታት ብሓደ ተሳሊፎም ኣብ ትግራይ ከም ዝተዋግኡ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለጹ ቅልውላዋት ተፈጢሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ብፍላይ ድማ ድሕርቲ ብናይ ቅድም ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ዶር ሙላቱ ተሾመ ንኤርትራ ዘቃልዕ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ኣልጀዚራ ምዝርግሑ እቲ ወጥሪ ከም ዝተጋደደ ኣስፊሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ሙላቱ ተሾመ ዘውጸኦ ጽሑፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ርኢቶ እምበር፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውክል ዘይምዃኑ ብወሃብ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣንበሳደር ነቢያት ጌታቸው ኣቢሉ ምግላጹ ይፍለጥ።

Thursday, 27 February 2025 21:08

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 27.02.2025

Written by

ቀዳማይ ምኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያን ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ፈደራል ረፑብሊክ ሶማሊያ ሓሰን ሼሕ ማሕሙድን ብ27 ለካቲት 2025 ኣብ ከተማ መቃድሾ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፡ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ርክቦም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንካራ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ንምምላስ ዘበጽሕዎ ስምምዕ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

በቲ ናይ ሓባር መግለጺ መሰረት፡  መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንናይ ሓባር ረብሓ ብሓንሳብ ክሰርሑ ኣቐዲሞም ንዝበጽሕዎ ስምምዕ ደጊሞም ከም ዘረጋገጽዎ ቅሩባን ምዃኖም ምርግጋጾ’ውን ተሓቢሩ። ብመሰረት ኣብ መንጎ ህዝብታቶም ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድናን ዘራኽቦም ነዊሕ ዶብን፣ ኣብ መንጎኦም ኣብ መዳያት ቁጠባን ማሕበራዊ ዝምድናን ምትእምማንን ምትሕብባርን  ምሕያል ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝተሰማምዑን ኣብ መዳይ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከም ዝሰርሑን ከኣ ኣብቲ መግለጺኦም ተመልኪቱ።

ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናይ ሓባር ሸቶ፡  ራእን  ዕቤትን ዘለወን ሃገራት እየን ዝበለ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ህንጸት ናይ ሓባር እትራተጅያዊ ትሕተ-ቅርጻ፡ ናይ ሓባር ቀጻሊ ዕቤትን ቁጠባዊ ምትእስሳርን  ከዕውቱ  ከምዝተሰማምዑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኣብ ኣንካራ ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት፡ ተክኒካዊ ኣተገባብራ ምጅማሩ ከም ዘሕጉሶም ጠቒሶም ፖለቲካዊ ዘተን ምርድዳእን ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጾም። ናይ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብዚ ቀረባ ንወተሃደራዊ መዳይ ከም ኣገዳሲ ዛዕባ ወሲዶም፡ ብደረጃ  ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘኮነ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ንጸጥታን ድሕንነትን ኣብ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ምጸሖም ከም ዘሕጉሶም’ውን ኣብቲ ርክቦም ምጥቃሶም እቲ መግለጺ ኣንጸባሪቑ።

እቲ ሓጺር ናይ ሓባር መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መጻኢ ናይ ሓባር ረብሓኦም ንምርግጋጽ ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ናይ ሓባር ጸጥታ ብምውሓስን ሓባራዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ብምዕባይን ዝግለጽ ከም ዝኸውን ምርድዳኦም ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ በቲ ሓደ ወገን  ናብ ውግእ ከይኣትዋ ዘስግኣ ዝነበራ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩለ-መዳያዊ ስምምዕ ምብጸሓን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ብዙሓት ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘቕነዐ እዩ ዝበልዎ ኪዳን ዘይምስጓሙ፡ ናይ ዞባና ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ቅልጡፍ ምቅይያር የርኢ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

   

في عام 1960 عندما كانت اثيوبيا في عهد الامبراطور هيلي سلاسي بدأت تدريجيا بهضم الحقوق الارترية بشكل ملحوظ وباغراء واضح لانتهاك الترتيبات الفدرالية الذي وافقت عليه الامم المتحدة بين ارتريا و اثيوبيا , في ذالك الوقت  المسؤل الكبير في الادارة البريطانية في ارتريا جرالد كندي ترافاسكس حزر اثيوبيا قي كتابه بهذه الكلمات "من مصلحة اثيوبيا , كذلك من مصلحةارتريا ينبغي على اثيوبيا ابقاء الاتحاد الفدرالي بالشكل الذي وضعوه مؤسسيه”. ولكن الامبراطور ومستشاريه لم يستجيبوا

لهذه النصيحة وذلك بسبب فشلهم في فهم حقيقة وجود ارتريا والارتريين على ارض الواقع. - والصفقة بحكم امر الواقع تمت لصالحهم- , رئيس وزراء اثيوبيا انذاك أكليلو هبتولد وعدد قليل من الشخصيات الاثيوبية البارزة ارادو الحفاظ على الاتحاد الفدرالي ولكن لم يكن بوسعهم ان يفعلوا شيئا اكثر من الندم على الفعل الخطير والغير حكيم.

عاقبة حل الاتحاد الفدرالي كانت حرب مكلفة ومؤلما لكل الطرفين وبحسب بعض التقديرات فقدت ارتريا مايصل الى نصف ميليون ضحية 80% منهم من المدنين. بجانب الى فقدان ربع ميليون جندي وجدت اثيوبيا نفسها غارقة في الفقر المحدق والتخلف,

ولكن اسوأ العواقب التي ترتبت على حل الاتحاد الفدرالي المميت بالنسبة لاثوبيا كانت خسارتها للشراكة الارترية وموانئها.

ينبغي هذه الحقيقة ان تذكر العقلاء من الاثيوبيين بالمثل الامحري الذي يمكن ترجمته

كمايلي:-“لقد اسقطت ماكان في ابطها بينما كانت تحاول بجشع الامساك بماكان في الصقف".

اليوم لايوجد ترافاسكس ليكرر نصيحته لرئيس الوزراء الاثيوبي ابي احمد واتباعه الذين يعبثون بكيان عمره 135 سنة يسمى ارتريا والمعترف بهي دوليا,  اي محاولة للتلاعب بالنار من قبل اثيوبيا  بلاشك سوف تكون التكلفة اكثر مما حدث في حربها العدوانية التي استمرت لثلاثة عقود و التي انتهت في 1991 من القرن الماضي بترير ارتريا.

بالنظر الى ماحدث لارتريا في ظل حكم نظام اسياس افورقي الشمولي الغير امين ,

ومع الاخذ في الاعتبار الحديث الجاري عن "ملكية" ميناء على البحر الاحمر الذي اطلق العنان له رئيس وزراء اثيوبيا, هذا الفعل كالمعتاد من الممكن ان يشجع الطغيان في اسمرة جر البلاد الى حرب لايحمد عقباها, وهذه احتمال ليس باليعيد, ومن الممكن في مثل هذا الحدث  ان نتصور عدوانا وقحا لدولة ذات سيادة واذلالا غير مبرر لشعب لم تتضاءل بعد ذكرياته وفخره بنضاله من اجل التحرير أن يؤدي الى عوقب وخيمة للغاية على اثيوبيا نفسها.

من بين الاحتمالات التي يمكن للمرء ان يتخيلها – لاسمح الله – انشطار اثيوبيا الى عدت دويلات متحاربة,  وقد توؤدي هذه النتيجة الى اعادة رسم خارطة المنطقة وامكانية ظهور ارتريا القوية التي تتحكم على ساحل البحر الاحمر وهذا من شأنه ان يوقعها في حسد الدول الصقيرة المجاورة المنشطرة من اثيوبيا السابقة . هذه النتائج بالطبع تتعارض تماما مع رغبات رئيس وزراء اثيوبيا امتلاك ميناء على البحر الاحمر بأية وسيلة, ولكن ماتزال الفرصة مواتية لتجنب الحرب , لان نتائجها السيئة واثارهاالسالبة  لاتقع على الاثوبيين فقط ولكن على الارتريين والنطقة ايضا. بالطبع توجد هناك حلول افضل مربحة للجانبين والتي تلبي مصالح الجميع.

اليوم بينمنا تلوح في الافق غيوم الحرب والخوف من استئناف الحالة العدائية , فأن الامر  مترروك بشكل اساسي على النخبة الاثيوبيا وقياداتها السياسية للتوقف عن تضلبل الشعب الاثيوبي للمرة الثانية , بدلا عن ذلك العمل على تجنب المخاطر.

الخطوات الاؤلى التى تتطلب من النخبة الاثيوبية القيام بها هي قراءة التاريخ الارتري جيدا, ثم مساعدة العامة وتوعيتهم بخطورة الخطاب المضلل الذي يستخدمه رئيس الوزراء ابي احمد ومساعديه لانه ليس بالمسلك الصحيح. ان الادعاء الباطل عن حق اثيوبيا التاريخي والطبيعي والقانوني امتلاك عصب او اي ميناء ارتري اخر على البحر الاحمر  هو ادعاء غير منطفي ليس له اي سند قانوني او تاريخي. نحن الارتريين معرضتنا للنظام الدكتاتوري في بلادنا واخواننا الاثيوبيين  هو  عدم القيام بالحديث عن حق اثيوبيا المستحق للعبور واستخدام الموانىء الارترية على اساس المعايير الدولية و القوانين البحرية.

                                                    

 

Page 8 of 598