ኣቐዲመ ብምኽንያት'ዚ ክቡር ምዓልቲ መበል 33 ዓመት ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ወኪለ መልእኽቲ ክህብ ዕድል ዝሃብኩሙኒ ኣሰናዳእቲ በዓል፥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፥ ብልቢ አመስግን፤ ክብረት ይሃበለይ።

ናጽነትና ከነብዕል ከሎና ዝርኣየናን ዝስምዓናን እንብህጎን ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ምእንቲ ናጽነት ሃገርናን ሓርነት ህዝብናን ዝፈሰሰ ክቡር ደም፡ እወ ብገንዘብ ዘይትመን ክቡር ህይወት ናይ ህጻናት መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ኣንስትን ሰብኡትን ሽማግለታት ከይተረፉ ኣብ ገዛውቶም ኣብ መሳጊድ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ዝነደዱ እተቐትሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ቆላን ከበሳን በጃ ዝሓለፉ፡ዓወትና ናይ ግድን'ዩ እናበሉ እተሰውኡን ዝሰንከሉን ጀጋኑ ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓጺሩ፡ ነዚ ግፍዕታት'ዚ ዝፍጽም ዝነበረ መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ክሳብ ዝወጽእ እተኸፍለ ክቡር መስዋእቲ ይርኣየና። ትምክሕተኛታት ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ፈቲኹም ጸሊእኩም ኢትዮጵያውያን ኢኹም፤ መሬት ኤርትራ'ምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣየድልየናን'ዩ ዝብሉና ዝነበሩ ከንቱ ኰይኑ፥ ህዝብና ነቲ ብመስዋእቱ ዝጨበጦ ናጽነቱ ኣብ 1993 ሚያዝያ እተኻየደ ሕቡራት መንግስታትን ሓያሎይ ሃገራትን ዝመስከሩሉ ረፈረንደም፥ እወ ንናጽነት ብዝብል 99.8% ድምጹ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ ብዓለምለኸ ደረጃ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ምግባሩ ሐበን ይስምዓና፤ የሐጕሰና። ስለዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ኣንቋዕ መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነትና ንምርኣይ ኣብቃዓና እንዳበልኩ፥ ዮሃና እብል።

ናጽነት ኤርትራ ክርእዩ እተመነዩን እተቓለሱን ኣዚዮም ብዙሓት'ዮም። ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም እተዓወቱ  መሓዙት ሃገራት ብመሪሕነት ሕመኣ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝብና ጓዕጺጾም ሃገርና ብዘይድልየት መብዛሕታኡ ህዝባ ምስ ኢትዮጵያ ብስም ፈደረሽን ከም ትቝረን ገበሩ። ግንቦት 24 እንተላይ ነዚ ጕድለትዚ ዝኣረመት ናይ ሓያሎይ ወለዶታት ህዝብና ድልየት ዝመለሰት ዕለት ስለዝዀነት ንዘልዓለም ከቢራ ክትነብር'ያ።

ሕያዎት ትዓዘብቲ፡ ምልኪ ዝገፍዖም/ዐን መንእሰያት፡ኤርትራ ቅዋማዊ ምሕደራ ኰነ ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላ ሰብኣዊ መሰል ዘይከብረላ ብዘይካ ዓስብን ደረትን ዘይብሉ ባርነት (ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብሉዎ) ካልእ ስለዘይብላ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ደቃ ካብዚ ናብራ እዝስ እንተሞትና ንሙት እንተድሓና ድማ ናብራና ከነማሓይሽ ንኽእል ንኸውን ብማለት ናብ ስደት ስለ ዘምርሑ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ድማ ድሕሪ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ስደተኛታት ብምፍራይ እትፍለጥ 3ይቲ ሃገር'ያ። ደቃ ግዳያት ናይ ሰብነጋዶን ፈቐዶ ምድረባዳ ስሃራን ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ዝቕዘፉ ኰላሊቶም ዝሽየጥ ሓያሎይ ካብ እቶም ብትኣምር ዓዲ ሰብ ዝኣተዉ ድማ ብድሕረ ማህሰይቲ (posttraumatic) ዝሳቐዩ እዮም። ህዝቢ ንናጽነቱ ዘየስተማቕሮ ዘዝተወልደ ንስደት ዘምርሕ ካብ ኰነ እንታይ ዝብዓል ኣለዎ እንታይ ዘሐጕስ ኣለዎ? ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ዘገርም ኣይኮነን። ናይ ምረቶምን ጓሂኦምን ተኻፋሊ ኢና። ብርግጽ ጭው ዝብለ ምልካዊ ስርዓት'ዩ ዘሎና ይኹን'ምበር ከም ኵሎም ስርዓታት ምሕላፉ ኣይተርፎን'ዩ። ስርዓታት ይሓልፉ ህዝቢ ይነብር። ናጽነት ሃገርና ብቃልሲ ናይ መላእ ህዝብና እተረጋገጸ ስለ ዝዀነ ናይ ምዕቃቡ ሓላፍነት ናይ ኵሉ ዜጋ እዩ። ልዑላውነት ዘለዋ ሃገር ስለዘላትና ኢና ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ ቅዋማዊ ምሕደራ ይተኸል ንብል ዘሎና።

ብርግጽ ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ህዝባ ብሰላም ክነብረላ ዘይክእል ናጻ ሃገር ዘይኮነትስ ብቅዋም እትማሓደር ልዕልና ሕጊ ዝነገሳ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና፡ ሓረስታይ ዝሓርሰላ፡ ነጋዳይ ዝነግደላ፡ ሸቃላይ ዘፍርየላ፡ ተማሃራይ ብፍልጠት ዝዅስኰሰላ ጾታዊ ማዕርነት ዝረጋገጸላ ሃገር ክትኮነልና ኢና ንብህግ ዝነበርናን ምእንታኡ እተቓለስናን። ባህግታትና ክዉን ክኸውን ኣይክኣለን ምኽንያቱ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ጕጅለኡ ንዕላማታት ሰውራና ስለ ዝጠለምዎ እዩ። እቲ ሕቶ ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ኵነታት ወዲቕና? ካብዚ ክንወጽእከ እንታይ ክንገብር ኣሎና? እዩ። እዚ ኣርእስቲዚ ሰፊሕ፥ መጽሓፍ ክጽሓፈሉ ዝክኣል ምዃኑ ይርድኣና''ዩ። እንተዀነ ግን ሓደሓደ ነጥብታት ብምጥቃስ ጥራሕ ቈላሕታ ክንገብረሉ ክንእእምት ኢና፡           

1 ስልጣን ንህዝቢ ከነረክብ ኢና ዝብሃል ዝነበረ ተጠሊሙ

2 ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል ኢና ዝብሃል ዝነበረ ህጣሙ ጠፊኡ

3 ኣብ ክንዲ ብትካላዊ ብዊንታ ናይ ሓደ ሰብ ዝዝወር ምሕደራ ሰፊኑ

4 ሰብኣዊ መሰላት ተጋሂሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ራዕድን ፍርህን ነጊሱ

5 ሕድሕድ ምትእምማን ከምዘይህሉ ንምግባር ብዙሕ ተሰሪሑሉ

6 ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ቦዂሩ

7  መሰል ምሕታትን ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብን ከም ነውሪ ተቖጺሩ

8  ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ባዕሉ ከሳሲ ባዕሉ ፈራዲ ብምዃኑ ፍትሒ ተቐቢራ

9  ንክሎም ጽላታት ቁጠባ እቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዝገበቶም ህዝብና ኣደዳ ድኽነትን ስእነትን ኮይኑ  ወ ዘ ተ

ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ክንሰጋገር እንተዄናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ሕቶ ክንምልስ ከድልየና'ዩ።

ብርእይቶና፡

1  ንራዕዲ ቀንጢጡ ንዝደርበየ ህዝቢ፡ ዝኾነ ይኹን መላኺ ከንበርክኾ ኣይክእልን እዩ።ኣብ ትሕቲ ብሪጌድ 

ንሓመዱ ዝብል ጥርናፈ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢከይቅህምን ምኣዝኑ ከይስሕትን ምትብባዕን ምእላይን

 ከም ዘድልዮ ዘይክሓድ'ኳ እንተኾነ፡ ብርግጽ ፍርሒ ቅንጢጡ ዝደርበየ መንእሰይ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ኣብ ወጻኢ ህዝብና ይኣክል!! ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ኣብ ውሽጢ እውን ይኣክል ኢሉ ክልዓል  ኣለዎ። እቶም ንበይኖም ነዚ ስርዓት ዝጻረሩ ዝመስሎም በይኖም ከም ዘይኮኑ ዝፈልጡ ደፊሮም ምስ ክኣምንዎ ዝኽእሉ ምስ ዝዛረቡኢዮም። ዋላ በብክልተ ዝቐውም ናይ ዝተኣማመኑ ውደባ ክፍጠርን ክሰፍሕን ኣለዎ።

 2 ንሰብኣዊ መሰል ዝግህስ ምልካዊ ትእዛዛት ምፍጻም ምእባይ ወይ ሕራይ እንዳበልካ ከም ዘይፍጸም ምግባር።

3 ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ቃልሲ ከም ዝውህሃድ ምግባር

4  ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ደንበ ተቓውሞ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ብሓደ ልሳን ክዛረብ  ብሓደ ኣካል ክውከል ክኽእል የድልዮ። ናብኡ ንምብጻሕ ሓቢርና ዝጀመርናዮ ምጥርናፍ ዓዂኹ ናብ ዋዕላ

 ገጹ የምርሕ ከም ዘሎ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ከምቲ ሓው ተኽላይ ኣብርሃ ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ሃገራዊ 

 ባይቶ ኣብ ኣዳራሽ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት ዘበሰሮ ኤሃባዲለ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኰይኑ

 ክቕጽል ሓቢርና ንህዝብና ተስፋ ዝህብን ባህጉ ዘርውን ስራሕ ክንሰርሕ ዘሎና ትጽቢት ዓቢ ምኻኑ በዚ ኣጋጥማሚዚ ክንገልጽ ባህ ይብለና።              

ብኣህጕራዊ መዳይ ክርአ ከሎ መላኺ ስርዓት ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዞባና ናይ ግርጭትን ውግኣትን ጻሕታሪ፤ ዓለምለኸ ውግእ ክልዓል ዝጽውዕ ሓላፍነት ዝጎዶሎ መራሒ ምዃኑ ዓለም ብዓለማ ፈሊጣቶ ስለዘላ፡ ኣብ ሃገርናን ዞባናን ሰላም ንክሰፍን ነዚ ስርዓትዚ ደርቢኻ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እንተዘይኰይኑ ካልእ መተካእታ የልቦን።

ኣብ መደምደምታ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ከም ተረካብ ሕድሪ መጠን ማዕረዚ መድረኽ ዝጠልቦ ሓቦን ጽንዓትን ተስፋን ትብዓትን ንቕሓትን ውደባን ዓጢቕካ ክትገጥም ንጽውዓካ። ሓያሎይ ካብቶም ሕጂ ዘሳጉጉኻን ዝኣስሩኻን ጽንዓትካ ምስ ርኣዩ፡ ከማኻ ውጹዓት ስለዝዀኑን ጥቕሞምን ጥቕምኻን ሓደ ምዃኑ ስለዝፈልጡን ኣብ ጎድንኻ ደው ከምዝብሉ ኣይትጠራጠር። ምስ ህዝብኻ ወግን! ምልኪ መንቁስ! ዲሞክራስያዊ ስርዓት ትኸል።

 ንኩሎምቶም ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ስለዘይክኣሉ ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም ሓዲሽ ህይወት ክህልዎም ተሰዲዶም ክብቅዑ ብከንቱ ደም ሕድሕድ ዘፍስሱ ዘለዉ ናብ ልቦም ክምለሱ ናብ መንገዲ ዕርቅን ሰላምን ክሕዙ ኣዕዚዝና ንምሕጸኖም።

ኣዴታትን ኣቦታትን ወሊድኩም ከም ዘይወለድኩም ዘዝተወልደ ናብ ስደትን ውግእን ስለ ዘምርሕ ዘልዕለኩም ክትስእኑ ኣዚዩ ዘሕዝን'ዩ'ሞ ደጊም ይኣክል በሉ!

መንፈሳውያን መራሕቲ መላኺ ስርዓት ዝዘርኦ ዘሎ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ሕነን ተግባራት ብሕድገትን ዕርቅን ሰላምን ክትካእ ዝክኣለኩም ክትገብሩ ምሕጽንታናነቕርብ።

ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንኵሎም ሰማእታት ኤርትራ!!

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልዓለም ከቢሩ ይንበር!!

ዓወት ንቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!    

ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጋውያን ኣይኮኑን ተባሂሎም ተሰሪዞም ዝጸንሑ ሰልፍታት “ናብ ሰላማዊ መንገዲ ተመሊስና” ኣብ ዝበልሉ፡ ዳግማይ  ዝነበሮም ኣፍልጡ ዝረኽብሉ ሓድሽ ሕጊ ንምጽዳቕ ብ31 ጉንበት 2024 ንድፊ ኣዋጅ  ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ  (ፓርላማ) ክቐርብ  ከም ዝወሰነ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን።

ናይዚ ኣዋጅ ምውጻእ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ግዜ ውግእ “ዘይሕገመንግስታዊ ምንቅስቓስ መሪጹ” ብዝብል ተሰሪዙ ምስ ጸንሐ፡ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ሰላም ፕረቶርያ ኣባልነቱን ዝተኣገደ ንብረቱን ክምለሰሉ ምሕታቱ እዩ።  ብወገን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ “ኣባልነቱ ተሰሪዙ ንብረቱ ዝተወርሰ ሰልፊ፡ ከም ሓድሽ ክምዝገብ እምበር፡ ናብቲ ናይ ቅድም ደረጃኡ ንምምላስ ዘኽእል ዓንቀጽ የብለይን” ስለ ዝበለ ኣብ መንጎ ህወሓትን ሰልፊ ብልጽግናን ምስሕሓብ ተፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።

ዋላኳ ህወሓት ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ሰላም ዝኸተመ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላሱ ንቡርን ህያውን እዩ ብዝብል ምጉት እንተጸነሐ፡  እቲ ብ2020 ብዛዕባ ኣመዘጋግባን ምስራዝን  ሰልፍታት ተመሓይሹ ዝጸደቐ ናይ ኢትዮጵያ ኣዋጃ ነዚ ዝተቅስ ዓንቀጽ ስለ ዘየብሉ፡  ክሳብ ሎሚ ህወሓት ኮነ መራሕቱ ሕጋውያን ኣይኮኑን። ኣብቲ ኣብ ባንክ ዘሎ ዘንቀሳቕስዎ ገንዘብን ንብረትን እውን የብሎምን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ “ሕጊ ጥሒስካ ንቦርድ  ምርጫ ምግዳድ ዘይክእል” ስለ ዝበለ ሓዲሽ ኣዋጅ ከውጽእ ከም ዝተገደደ እዩ ዝንገር።

ህወሓት ዋላኳ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መበል 14 ጉባአኡ ከም ዘካይድ ብምግላጽ ምድላዋት የካይድ እንተሎ፡  ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይሃቦምን ብኣካል ተረኺቡ ናይ ዘይተዓዘቦን ጉባአ ውጽኢት ሕጋዊ ክኸውን ስለ ዘይክእል ውሳነ ናይቲ ተወከልቲ ትግራይ ዘየብሉ ፓርላማ ኢትዮጵያ ክጽበ ከም ዝግደድ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።

ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ኣቦመንበር  ኣወሃሃዲ ሲቪል ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሱዳንን  ዓብደላ ሓምዶክ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሲቪላዊ ምውህሃድ ኣብቲ ካብ 15 ማዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ተሓታቲ ከምዘይኮነ  ዳግም ኣፍሊጡ።

እቲ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝቃወሙ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን እውን ዝተሳተፍዎ ኣወሃህዲ ባይቶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 600 ሱዳናውያን ዝተሳተፍዎ ካብ 27 ክሳብ 30 ጉንበት 2024 ኣብ ዘካየዶ ኮንፈረንስ እዩ ንዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ መሪጽዎ። ኣብዚ ”ውግእ ጠጠው ክብል፡ ሰራዊት ናብ መደበሩ ክምለስን ህላወ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብቂዑ ኣባላቱ ናብ ሲቪል ማሕበረሰብ ክጽንበርን” ዝጽውዑ ጭረሖታት ዝተንጸባረቐሉ ኮንፈረንስ፡ እቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ዝምረሓሊ ሕግን መርሃ-መንገድን ከም ዝጸደቐን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘሳተፈ መሪሕነት ከም ዝተመርጸ ከኣ ተሓቢሩ።

ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶል ኣብ መዕጸዊ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡  ሲቪላዊ ሕብረተ-ሰብ ሱዳን “ኣብቲ ውግእ ኢድ የብለይን” ይብል ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ እቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ንሰብኣዊ ሓገዝ ከም ናይ ውግእ መሳርሒ ምጥቃም ከም ዝኹንን ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ዞባዊ  ሓይልታትን ኣወሃሃዲ ኣካሎም ኣውጺእዎ ንዘሎ ኣገባብ ምዝርጋሕ ረዲአት ክኽተሉ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ነዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ንእማመ ሰላም ኣሜሪካን ሱዕድያን ዝድግፍ፡ ብሕብረት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ዝተወደበ ኮንፈረንስ ከምዘይድግፎን፡ ኣብ ግብጺ ክካየድ ትጽቢት ንዝግበረሉ ኣብ ምፍታሕ ጸገም ሱዳን ዝዓለመ ርክብ ከም ዝመርጽን ብተደጋጋሚ ይገልጽ ኣሎ። ብወገን ኣሜሪካ ኣካልዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ንቕሎ ንክኾውን ንዝቐረበሉ መጸዋዕታ ድማ ነጺግዎ።

እዚ ኩነታት ነቲ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዕድያን ሩሲያን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሕቡራት ዓረብ ኤመረት፡ ኢትዮጵያን ዩክረይንን ዝርከብዎ ወገናት ክሳብ ክንደይ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ኣእትዮም ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ።

.

Thursday, 30 May 2024 22:30

Dimtsi Harnnet Kassel 30.05.2024

Written by

ባድመ መጸውዒ እታ ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ሓውሲ ከተማን ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ጐላጉልን እዩ። ባድመ ኣብ ጋሽ ካብ ባረንቱ ንወገን ደቡብ  48 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ከተማ  ኣስመራ ድማ 139 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ከተማ ሽረ ንሰሜን 119 ኪሎ-ሜተር ካብ መቐለ ድማ 369 ኪሜተር ትርሕቕ።

ብዛዕባ ብዝሒ ህዝባ ብዙሕ ሓበሬታኳ እንተዘየለ፡ ናይ ኢትዮጵያ ማእከላይ ስታትስቲክስ፡  ኣብ ናይ 2005 ምርጫ ኢትዮጵያ  729 ደቂ ተባዕትዮን 834  ደቂ ኣንስትዮን ብድምር 1,563 ነባሪ ከም ዝነበራ መዝጊቡ። ናይታ ከተማ ናይ መጀመርያ ተቐማጦ ኤርትራውያን ምዃኖምን ናይቲ ከባቢ ዓድታት ኣሰማት ብቋንቋ ኩናማ ምዃኑን ነዚ ከም ዘመልክትን ብዛዕባቲ ከባቢ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ይሕብሩ። ባድማ’ውን ብቋንቋ ኩናማ እዩ።

ባድመ ግዝኣት ኢጣልያ ዶቡ ኣብ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ  ዝኸለለሉ  ግዜ  ንደሓር ኣካል ምምሕዳር ኤርትራ ዝነበረት ኮይና፡ ድሕሪቲ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ፈሪሱ፡ ኤርትራ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ ምስ ኢትዮጵያ  ተንጸበራ ኣካል ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኮይና፡ ናብ ጣቕላይ ግዝኣት ትግራይ ግብሪ ትኸፍል ነይራ።  ባድመ ዋላ’ኳ ኣብ ከባቢኣ ንሕርሻ ዝምችእ መሬትን ማዕድንን ከም ዘለዋን ዝእመን እንተኾነ፡ ዝያዳ ኣዛራቢት ዝኾነትሉ ቀንዲ ምኽንያት ግና፡ ውግእ ኤርትራ-ኢትዮጵያ 1998-2000 ዝተጀመረላ ቦታ ስለ ዝኾነት እያ።

ባድመ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ካብተን ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ናጻ ዝወጻ ናእሽቱ ነቑጣታት  ሓንቲ እያ። ድሕሪ  ባድመ ብሰራዊት ሓርነት ናጻ ምውጸኣ ተሓኤ ክሳብ ከባቢ ዓዲ ኣውዓላ፡  ዓዲ ሃገራይ፡ ሸራሮ፡  ዛግርን ዓዲ ጎዘሞን ኣብኡ ዝነብሩ ኤርትራውያን ትውድብ ነይራ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተመስሪታ ምንቅስቓሳ ኣብ ኣድያቦ ምስ ኣስፈሐት  ግና፡ ምርጻማት ንኸይፍጠር ብዝነበራ ሓልዮትን ጥቃቐን፡ ጀብሃ ምንቅስቕሳን መዋፈሪኣን ኣብ ከባቢ ባድመ ክትድኩኖ ተገዲዳ። ይኹን እምበር ሓሓሊፉ ናይ መሬት ዋንነት ሕቶ ይለዓል ስለ ዝነበረ፡ ብሰንኩ ህይወት ብዙሓት ሓሊፉ እዩ። ምስዚ ኹሉ  ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይን ጀብሃን ኣብ 1979 ብዝበጸሐኦ ስምምዕ፡ ባድመ  ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ትማሓደር ነይራ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓቢሮም ኣንጻር ተሓኤ ብዘካየድዎ   ዘይሓላፍነታዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ጀብሃ ዓባይ ካብ ከተማ ባድመ ተደፊኣ ለቐቐት። ኣብቲ እዋንቲ 90% ኤርትራዊ ዝነበረ ነባሪ  ባድመን ከባቢኣን ንተሓኤ  ምስ መን ገዲፍክና ትኸዲ ኣለኺ?”  ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ብምስሊ ከይተረፈ ዝተሰነደ እዩ።  

ድሕሪኡ ብ1982 ህዝባዊ ግንባር ንከተማ ባድመን ከባቢኣን ነዚ ውሳነ ዘይቅበል እንተሎ፡ ገጻብ ኣድጉ ጽዒኑ ይኺድ” ብዝብል ብደዐን ኣስገዳድን  ንህወሓት ኣረኪባታ። ብዛዕባዚ ኣብ ርእሲቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት በብግዜኡ ክህብዎ ዝጸንሑ ምስክርነትን ብደረጃ መጻሕቲ ዝተሰነደ ምዃኑን፡  ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ተለቪዥን ኣሰና ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ዘካየደ፡ ኣቡኡ ብደረጃ ምስሌነ ኣማሕዳሪ ባድመ ዝነበሩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ባድመ ዓብዩ፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ናብኡ ተመዲቡ ዝተቓለሰ፡  ጸጋይ ገ/ስላሴ (ወዲ ጉቦ) ምስክርነቱ ሂቡ እዩ። ዋላኳ ገለ ወገናት ነቲ ንባድመ ንወያነ ትግራይ ናይ ምርካብ ውሳነ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ኣፍልጦ ዘይነበሮ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ እንተኾኑ፡ ጸጋይ ግና ኣይኮነንዶ ከም ጉዳይ ባድመ ዝኣመሰለ ዓብይ ጉዳይ፡ ናእሽቱ ውሳነታት እውን ብዘይኣፍልጦ ኢሳያስ ኣይትግበርን እዩ ይብል።

ጀብሃ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ምባላ ቅኑዕ ነይሩ፡ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ነበርታ ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ሰውራኦም ናይ ምስናቕ ዓብይ ብጽሒት ስለ ዝነበሮም ዝበለ ጸጋይ ገ/ስላሴ፡ ህዝባዊ ግንባር ንባድመ ንህወሓት ምስ ኣረከበታ፡ ኩሉ ኣብኡ ተደኲኑ ዝነበረ ትካላታ ጥቕሊላ ክትወጽእ ከም ዝተገደደት ከኣ ይጠቅስ። 

ድሕሪ ናጽነት፡ ልኡላውነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንደም 1993፡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዝጠለመቶ፡ ቁጽሩ እናወሓደ ዝኸይድ ዝነበረ ኤርትራዊ ነባሪ ባድመ፡ ከም ኣብ ትግራይ ዝነብር ኮይኑ እዩ ኣድሚጹ። ድምጹ ከኣ ናብ ባረንቱ ወይ ሻንብቆ ዘይኮነ፡ ናብ መቐለ ምስ ተላእከ  እዩ ብኡ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ ተመሓላሊፉ። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ረፈረንደም’ውን እቲ ክሳብ ሎሚ ግዝያዊ ካብ ዝብል መጸውዒ ቅጽል ዘይወጸ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ስምዕታ ኣይነበሮን። ካብዚ ንላዕሊ ጉዳይ ባድመ ጉዳዩ ከምዘይነበረ መረጋገጺ ከኣ የለን። በዚ ዝተኣማመነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ምምስራት ፋብሪካ እምነ-በረድ ክበጽሕ እንከሎ’ውን “መኒኻ?” ዝበሎ ኣይነበረን።  

ከምቲ ኩሉ ዘይርሰዖ፡ ብ6 ጉንበት ኣብ ባድመ ዝጀመረ ውግእ ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ብ12 ጉንበት 1998 ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዓሪጉ። ድሕሪዚ ውግእ ምጅማሩ ብ23 ጉንበት 1998 መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባኡ  ዘውጸኦ መግለጺ ድማ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ኣረጋጊጹ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኩሉ ሕጋዊ መስርሕ ከይጸንቀቐ  ዝመረጾ ውግእ ከኣ  ተቓዊምዎ።

ውግእ ምስ ጀመረ ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ልኡኻት ሰውራዊ ባይቶን ኢትዮጵያዊ ግንባር ኢህውደግን ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ብምባሉ ዝተገረመ ኢህውደግ ካብ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ መብርሂ ሓቲቱ።

መብርሂ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ ከኣ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ደርግ፡ ንባድመ መን የመሓድራ ዝብል  ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ፡ ድሕሪ ክንደይ ልዝብ፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን፡ ስርዓት ደርግ ተወጊዱ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ብሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ዝውሰን፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ተሓኤ፡ ሸራሮ ድማ ኣብ ትሕቲ ህወሓት ክጸንሐ ዝብል ስምምዕ ነይሩና።  ነዚ ጥሒስኩም ኢኹም ድማ ንዓና ምስ ህዝባዊ ግንባር ኮይንኩም ወጊእኩምና። ባድመ ከኣ ብህዝባዊ ግንባር ግንዖት ተዋሂባትኩም። ንሕና ነዚ ዝምልከት መረጋገጺ ኣለና፡ ንስኻትኩም ድማ መዛግብኩም ገንጽሉ ዝብል ነይሩ። ድሕሪኡ ኢህወደግ ነዚ ዘፍርስ ጭብጢ ስለ ዘየቕረበ ሰውራዊ ባይቶ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ዝበለሉ ምኽንያት ቅቡል ኮይኑ ቀጺሉ። ደሓር ከኣ መርገጺ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብውዕል ኣልጀርስ ተሰንዩ ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ተረጋጊጹ።

ብኣሕዋት ፍሰሃየ ሓጐስ፡ ድራር መንታይን ንጉሰ ጸጋይን ዝተደርሰት መስሓፍ “ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ” ብወገና፡ እቲ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ “1.ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣብ ትግራይ፡ ትግራዎት ተቐማጦ ድማ ኣብ ኤርትራ ናይ ምንባር መሰል ክህልዎም፡ 2. ናብ ዝመረጽዎ ውድብ ብዘይተጽዕኖ ክስርዑ፡ 3. ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ውድብ ዝሓተቶም መዓልታዊ ጠለባት  ከማልኡ” ዝብል ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ኣስፊራ’ላ።

ዘይሩዘይሩ እቲ ውግእ ካብ ባድመ ናብ መላእ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምልሓሙን ካብ ክልቲኡ ወገናት ልዕሊ 100 ሺሕ ህይወት ምህላቑን፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ብሕጊ ክረአ ተወሲኑ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ፡ ብ13 ማዝያ 2002 እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቀያድን ናይ መወድእታን ብይን ተዋሂብዎ። እንተኾነ ባድመ መጀመሪት ናይቲ ውግእ ብምዃና’ኳ ናብ ኤርትራ ከም ዝተበየነት እንተተፈልጠ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣየናይ ንመን ከም ዝተዋህበ ንምፍላጥ ሎሚ’ውን እቲ ህግደፍ ክሃድመሉ ዝጸንሀ ኣብ ባይታ ምጥራር ዘይስገር እዩ። ናይ “ዝሓዘሐዘ”  ኣካይዳ ግና ናይ ውግእ ሕማም ደሓር ዝገድፍ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ምድጋፍ ከኣ ዘይሓላፍነታውን ስምዒታውን እዩ።  

ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት/CPJ፡ ኣባል ሃገራት ኮሚተ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተል ዝተመዘዘ ራፖርተር ናይ ተልኦ ግዜኡ ክናዋሓሉ ብ27 ጉንበት 2024 ጸዊዑ። እቲ ኮሚተ ነዚ ዝጸወዐ ኣካል ናይተን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ካለኦት 30 ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምዃን እዩ። እቲ ናብ ኤርትራ ዝተመደበ ፍሉይ ራፖርተር ፈቓዱ ኣብ ዓመት ዝሕደሰሉ ክኸውን እንከሎ፡ ተልእኮኡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከት ትንተናታትን ሓበሬታን ዝሓዘ ስሩዕን ፍሉይን ጸብጻባት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ምቕራብ እዩ።

እተን ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ዝርከበን ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝጸሓፈኦ መዘክር፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ጠቒሱ። ከምኡ ዘበሎ ምኽንያት ክዝርዝር እነክሎ ከኣ፡ ጃምላውን ግሉጽነት ዝጐደሎን ማእሰርቲ ጋዜጠናታትን ሰራሕተኛታት መዲያን፡ ብኩራት ናጻ መዲያ፡ ከምኡ እውን ካብ 1991 ጀሚሮም ዝተፈጸሙ እሞ ዘይተመርመሩ ምስዋር ሰባትንን ተመሳሳሊ ገበናትን ከም ዝርከብዎም ሓቢሩ።

እቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐረበ ምሕጽንታ ኣተሓሒዙ፡ ህግደፍ ብዘይፍርዲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣሲርዎም ዘሎ ወገናት ብናጻ ክፍትሑ ወይ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፡ ብተደጋጋሚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪቃን ተመሳሳሊ ሓላፍነት ብዘለዎም ዓለምለኻዊ ትካላትን ክቐርቦ ንዝጸንሐ መጸዋዕታ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኤርትራ ሎሚ እውን ካብ ሳህራ ንታሕቲ ካብ ዘለዋ ሃገራት ቀዳመይቲ ኣሳሪት ጋዜጠኛታት ምዃና ኣቃሊዑ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ተኸታቲሉ ናብ ኮሚተ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከቕርብ ተመዚዙ ዝሰርሕ ዘሎን ኣብ መጻኢ ወርሒ ሓምለ ተልእኮኡ ክናወሓሎም ትጽቢት ዝግበርን ናይ ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሶር ሱዳናዊ ዶ/ር መሓመድ ዓብደልሰላም ባበከር እዩ።

ግሎባል ሃንገር/Global hunger፡ ዝተባህለ ትካል ብምጥስ፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኤርትራ ካብተን ብጥሜት ኣብ ቅድሚት ዝስረዓ 16 ሃገራት ሓንቲ ምዃና ሓቢሩ። እቲ ትካል ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ጥሜት/hunger day 28 ጉንበት  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቡሩንዲ ቅድሚ እትስራዕ ክትከውን እንከላ፡ ኤርትራ፡ ምብራቕ ቲሞርን ኮሞረስን ድማ ብቕደም ሰዓብ ከም ዝኽተለኣ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም ክልቲ ቢልዮን ሰባት “ሕቡእ ጥሜት” ብዝበሃል ይሳቐዩ ከም ዘለዉ’ውን ድማ ኣመልኪቱ። ሕቡእ ጥሜት ብዙሕ ዘይረአን ዘይዝረበሉን ኮይኑ፡ መዓዛዊ መግቢ ብዘይምርካብ  ንሰባት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ኣዳኺሙ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ዕቤቶም ዝዓግት ምዃኑ ገሊጽዎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ መግለጺ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣስታት 805 ኣብ ቀጻሊ ናይ ጥሜት ሓደጋ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ነዚ  ንምውጋዱ’ኳ ቀጻሊ ጻዕሪ  ይካየድ እንተሎ፡ እንተኾነ ብመሰረት ናይዚ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ሰንጠረዥ ጌና 26 ሃገራት ናይዚ ሓደጋ ግዳያት ኮይነን ኣለዋ። 

እቲ ን9ይ ግዜ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ናይ ሃገራት ተርታ ከትሕዝ እንከሎ ኣብ ግምት ዘእትዎም፡ ዓቐን ኣብ ጥሜት ዝወደቑ ሰባባት፡ ብዝሒ ብጥሜት ዝጥቅዑ ህጻናትን  መጠን ሞት ህጻናትን ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ጥሜት እዮም ካብ ዝበሎም ምኽንያታት ከኣ ኣስፊሩ።

ካብቶም ምኽንያታት ኢሉ ዘስፈሮም፡ ሓሪሱን ነጊዱን ንመግቢ ዝኸውን እቶት ከፍሪ ዝግበኦ መንእሰይ ኤርትራ ኣብቲ መወድእታ ዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምጽማዱ፡ እቶም ዝርካቦም ሓረስቶት ኤርትራ ካብ ንሓደ ቤተሰብ ምምጋብ ሓሊፉ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ምህርቲ ዘየፍሩ ኣብ ናእሽቱ ሕርሻ ዝተደረቱ ምዃኖምን ካብ ለገስቲ ዝወሃብ ረዲአት ብመንግስቲ ምሕሳም ወይ ብግቡእ ናብቲ ዝምልከቶ ዘይምክፍፋልን ከም ናይ ዩክረይንን ሩሲያን ዝኣመሰሉ ውግኣትን ዘርዚሩ።

Page 6 of 564