የመን ተቖጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ፡ ቀዳማይ ምኒስትሩ ኣሕመድ ጋለብ ናሲር ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቱ ብ28 ነሃሰ 2025 ብሃንደበታዊ ደብዳብ ነፍርቲ እስራኤል ምቕታሎም ከም ዘረጋገጸላ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣፍሊጣ። እዚ ብኢራን ይሕገዝዩ ዝበሃል የመናዊ ጉጅለ፡ ኣብ ዋና ከተማ የመን ሰንዓ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፍርቲ እስራኤል፡ ብዘይካቲ ቀዳማይ ምኒስተር ካለኦት ምስኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ እውን ከም ዝተቐተሉ ከም ዘረጋገጸ እውን  እቲ ብቢቢሲ ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ። ሓይልታት እስራኤል ብወገኖም ብ28 ነሃሰ 2025 ነቲ ደብዳብ ከም ዝፈጸምዎ ኣፍሊጦም  እዮም።

ጉጅለ ሑቲ ድሕሪ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝነበሮ መንግስቲ ምውጋዶም ካብ 2014 ጀሚሮም ዝሰፈሐ ክፋል ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዝቆጻጸሩ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋንዚ እታ ሃገር ብሰንኪ ዘይዛሪ ውግእ ሕድሕድ ኣብ ኣዝዩ ዝደኸመ ደረጃ ወዲቓ ዘላ እያ።

እቲ ጉጅለ ብዘይካ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ካለኦት ዝተቐትሉ ሓለፍቲ ዝርዝር  ኣስማት ኣይጠቐሰን። ሓዳዝ ዝተባህለት መርበብ ዜና ሳዑዲ ዓረቢያ ግና፡  ብዙሓት ሚኒስተራት ተወቒዖም ከም ዝቖሰሉ ጠቒሳ፡  ሚኒስተራት፡ ናይ ወጻኢ ጉዳያት፡  ፍትሒ፡ መንእሰያትን ስፖርትን ከምኡ እውን ማሕበራዊ ጉዳያትን ስራሕን ካብቶም ዝተቐተሉ ምዃኖም ሓቢራ።

በቲ ዜና መሰረት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡  ኣሕመድ ሚፍታሕ ንቦታ እቲ ዝተቐትለ ቀዳማይ ምኒስተር ተኪኡ ክሰርሕ’ዩ። ናይ ምንቅስቓስ ሓውቲ ዝለዓለን ወሳንን መራሒ  ዓብዱል ማሊካን፡ ናይቲ ጉጅለ ወተሃደራዊ ሚኒስተርን ሓለቓ ስታፍን ግና ካብቶም ዝተቐትሉ ከምዘይኮኑ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

መራሕቲ ሑቲ ኣብ ጋዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ደብዳባት ክቕጽሉ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ መራሕቲ ሑቲ ዝተቐትልሉ ስልቲ ምስቲ  ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢራን  ብእስራኤል ዝተቐተለትሉ  ተመሳሳሊ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡  ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፈሪኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዘረጋገጾ ብጉልበትን ሃብትን ናይቶም ኤርትራውያን ደቀባት ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋንቲ ምስዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ሃንጐፋይ ኢሉ ኣይረዓሞን።

 ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ  ሃገራት ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ተጽዕኖ ዝነበሮም ሓያላት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ስለ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።

ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን  ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም  መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየማልኣን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ መሊኡ  ፈረሰ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ምስተጠልመ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ ከኣ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ  ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ  ነይሩ።

ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም  ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡   እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ  እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን  ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ  ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20  ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ ክሳብ ነጻነት ኣየቋረጸን።

እቲ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብ ጉዕዞ የጋጥሞ ንዝነበረ  ውሽጣዊ ምፍንጫላትን ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ  ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ፡ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን  ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ድሕሪ ነጻነት ክቕጽል  ባህርያዊ ዝኸውን።

ባሕቲ መስከረም እዚ ን64 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ብዛዕባ ምጅማሮምን ዝሰዓብዎም ሓርበኛታትን ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን  እዩ።  እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ሓደራ ክርከብ ግድን ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” ዝተባህሎ ስራሕ ክንዓመም ይግበኦ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሓቢርካ ምቅላስ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣዝዩ ዕዙዝ ኣብ ዝኾነሉ፡ ብደምን ኣዕጽምትን ተነዲቑ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝተዋሕሰ ልኡላውነትና እንደጋና ንድሕሪት ክመልሱ ዝደልዩ ኣካላት ኣብ ዝቀላቐልሉ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ዝያዳ ወሳኒ ምዃኑ ምስትውዓል ከኣ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ተጸዋዊሮም፡ ተመላሊኦምን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተገንዚቦምን ብሓባር ክቃለሰሱ ኣብ ዝጥለብሉ ኢና ባሕቲ መስከረም 2025 ንዝክር ዘለና።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ባሕቲ መስከረም 2025

መርድእ ዕረፍቲ ብ1949 ዝተወልደ ገዲም ተጋዳላይ ገቢል በየነ፡ ብ26 ነሃሰ 2025  ምስ ሰማዕና ኣዝዩ መሪር ሓዘን ተሰሚዑና። ነዊሕን ጽንኩርን ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ዝነበሮ ሓርበኛ ገቢል በየነ፡ ቅድም ኣብ ከተማ ኣስመራ  ኣባል ውሽጣዊ ስርርዕ ኮይኑ  ብትብዓትን ትግሃትን ተቓሊሱ። ምስጢራዊ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ምንባሩ ምስ ተፈለጠ ከኣ ብ1974 ናብ ሜዳ ወጺኡ።

ኣብ ሜዳ መባእታዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትምህርቱ ምስተኸታተለ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ። ድሕሪ ካለኣይ ሃገራዊ ጉባአ ተሓአ ድማ ናብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተመዲቡ ክሳብ 1981 ብተወፋይነት ተቓሊሱ። ገቢል ተባዕን ንብጾቱ ዝርህርህን ተረዳዳኣይን ተቓላሳይ ምንባሩ ከኣ ብቐረባ ዝፈልጥዎ መቓልስቱ ይምስክርሉ።

ኣብ ስደት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ከተማ በርክሊ ብሕክምና ክሕገዘ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ  ዓሪፉ። እምበኣር ካብ ኮነ ዝግበር የለን’ሞ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽኩ፡ ንስዉእ መንንግስተ-ሰማይ ከዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓት ኣኻእሎን ክህቦም እምነ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

Thursday, 28 August 2025 23:03

Dimtsi Harnnet Kassel 28.08.2025

Written by

ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ህልዊ ኩነታት ምንቅስቓስ ደቂ-ኣንስትዮ ንምምዛንን ናይ ዓመት ናይ ስራሕ መደብ ንምሕንጻጽን ረቡዕ 27 ንሓሰ 2025 ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ብመሰረት ትካላዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኩለን ቤት-ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ መደብ ከቕርባ ስለዝግባእ ዝተኻየደ እዩ። ብዘይካ ሓንቲ ብቕቡል ምኽንያት ዝብኾረት 6 ኣባላት ዝተሳተፈኦ ኣኼባ፡ ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊት ጉዳያት ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮን ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ እዩ ተመሪሑ።

ድሕሪ እንቋዕ ደሓን መጻእክን ብምባል ኣኼባ ምኽፋታ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ ኣጀንዳ ኣነጺራ። ንዲፋ ዝቐረበቶ ናይ ዓመት መደብ ስራሕ ኣቕሪባ ኣባላት ክመያየጣሉ ዓዲማ። ድሕሪ ዝኣክል ምይይጥ ድማ ሓይሊ ደቂ-ኣንስትዮ ክብ ንምባልን ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልኪ ንምፍራስ ኣብ እነካይዶ ዘሎና ቓልሲ ተራና ንምብርካትን ጽዑቕ ናይ ምንቕቓሕ መደባት ኣብ ምክያድ ዘትኮረ ኮይኑ ጸዲቑ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት  ተሳትፎን ንቕሓትን ደቂ-ኣንስትዮ ክብ ንኽብል ዝከኣል ጻዕሪ ክካየድ ከም መደብ ተወሲዱ። ግደ ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ኣብ ዉሽጢ ሰልፊን ተመስሪቱ ዘሎ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታትን ከይተደረተ ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ንምንጋስ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት ደቂ-ኣንስትዮ ምዝማድን ምድግጋፍን ኣግዳሲ ምዃኑ ነጺሩ ብህዱእ መንፈስ ኣኼባ ተደምዲሙ፡  

    

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ

27 ንሓሰ 2025

عقد المجلس المركذي لحزب الشعب الديمقراطي الارتري اجتماعه الدوري السنوي في الفترة من 16 الر 21 اغسطس 2025 , حيث افتتح اعماله السيد قرزقيهر تولدي رئيس الحزب , بكلمة تناول فيها الاوضاع الصعبة التي يمر بها شعبنا الارتري , والتحديات المتعددة التي تواجه البلاد في ظل الازمات المتفاقمة على مستوى المنطقة , وتبدلات اصطفافات القوى في دول الجوار والاقليم المؤثرة في المنطقة .

ناقش الاجتماع , في مستهل جدول اعماله , تقارير مكاتب اللجنة اللجنة التنفيذية , الى جانب تقرير المراجع العام , واتخذ حيالها القرارات والتوصيات اللازمة لتعزيز الاداء التنظيمي والرقابي داخل مؤسسات الحزب .

 كما ناقش المجلس في بند خاص تطورات الاوضاع الراهنة في ارتريا والمنطقة , حيث تم تقييم السياسات الخطيرة التي ينتهجها نظام الهقدف والتي تهدف الى زرع الفتنة الدينية وزعزعة النسيج الاجتمعي الارتري عبر ممارسات ممنهجة لاطالة حكمه من حلال شق الصف الوطني .

وفي ذات السياق ناقش الاجتماع الادعاءات الاثيوبية بشأن ماتسميه  " الحق في ملكية منفذ بحري " و "الطمدو" التي تستخدم كغطاء لبناء تحالف مشبوه بين النظام   الديكتاتوري في اسمرا  وبعض القوى في اقليم تقراي وهو ما يشكل تهديدا جديدا لاستقرار المنطقة ويزيد من احتمالات اندلاع صراعات جديدة .

المجلس المركذي لحزب الشعب الديمقراطي الارتري

اغسطس21 .2025

ሆርን ረቪው (HORN REVIEW) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ብ22 ነሃሰ 2025 ኣብ ዝዘርግሓቶ ሰፊሕ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ጽሑፍ፡ “ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ምትእትታው፡ ንናይቲ እትርከበሉ  ዞባ ቀጻሊ ሰላም ቅድመ-ኩነት እዩ” ክትብል ኣስፊራ።. ብዛዕባ ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ክትጠቅስ እንከላ ከኣ፡ “ኤርትራ ለውጢ ናይ ዝሕሰም ጨቋኒ ምምሕዳር መዕንደሪ ኮይና ዝጸንሐት፡ ኣብ ክንድኡ ውትሃደርነት እተቐድም ሃገር” ዝብል እቲ ጽሑፍ  ገሊጽዋ።

እቲ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣተሓሒዙ፡  ማእከላዊ መዘወሪ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ዙርያ ናይቲ ብትካላዊ ኣገባብ ዘይኮነ ብውልቃዊ ድሌቱ ዝመርሕ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተደሪቱ ዝጸንሐ እዩ ክብል ኣስፊሩ። ብዛዕባ ኤርትራ ዝግደሱ ተንተንቲ፡ ንቅዲ ምምሕዳር ኤርትራ ጥዕና ኣብ ዘየብሉ፡ ብትካል ዘይኮነ ብናይ ውልቀሰብ መለኮታዊ ዕንደራ ዝዝወር ኮይኑ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ኢሎም ከም ዝገልጽዎ እውን ኣብቲ ኣብታ መርበብ ዝሰፈረ ጽሑፍ ኣስፊሩ። ካልእ መለለይ ኤርትራ፡ “መወዳእታ ዘየብሉ ብኩራት ነጻነት” ኢልካ ክግለጽ ከም ዝከኣል እውን ተጠቒሱ።

እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንነጻነት ፍልልይ ዘይጸውር ዝነበረ ውርሻ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከኣ ዝያዳ ከም ዝገደደ ብምጥቃስ፡ ናብ ግጉይ ኣመሰራርታ ሃገርነት ከም ዘምርሐ’ውን ኣቃሊዑ። እቲ ሓያል ወጽዓ ናብ ተሪርን ቀጻልን ወተሃደራዊ ጅሆ ምሓዝ ከም ዝማዕበለ ብምጥቃስ ከኣ ሚዛኑ ኣንቢሩ።

ንኤርትራ “ሃገራዊ ጅሆነት” ተኣሲራ ካብ እትተሓዝ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ እዩ ዝበለ እቲ ጽሑፍ፡  እቲ ብሓፈሻ ምስ ብዙሓት ጐረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተጻብኦታት ምእታው እቲ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ ውትህድርና ክነብርን ምስምሳት ብምፍጣር ለውጢ ንክሕሰምን ከም ዕድል ክጥቀመሉ ከም ዝጸንሓ ሓቢሩ። ኤርትራዊ ንክትከውን ኣብ ውትህድርና ምስታፍ ወሳኒ ቅድመ-ኩነት ክኸውን ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ ከኣ  ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጸኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ሳዕቤኑ ኣብኣ  ዝድረት ዘይኮነ፡ ዞባዊ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ’ውን ኢሉ።

 

 

 

ኣህጉራዊ ደረጃ ሰላም (Global Peace Index)፡ ዝተባህለ ትካል፡  “ቁጠባን ሰላምን” ምስ  ዝተባህለ ኣህጉራዊ ኣካል ብምትሕብባር ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም መርኣያ ብምውሳድን ብኣህጉር ደረጃ ኣብ ዝተፈላለዩ  ኩርነዓት ዝረኣይ ህውከትን ዘይምርግጋእን ኣብ ግምት ብምእታውን ንሃገራት ዝሃቦ ናይ ሰላም ኩነታት ደረጃ ኣውጺኡ። እቲ ሚዛን ንውሽጣዊ ኩነታት ናይተን ሃገራት ጥራይ ዝተዋህበ ዘይኮነ፡ ምስ ግዳማዊ ተጽዕኖታትን ዝምድናታትን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ውን  ኣብቲ ዓመታዊ  ጸብጻብ 2025 ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ኣብ ናይ 2025 ኣህጉራዊ መዕቀኒ ኩነታት ሰላም፡ ኤርትራ ካብ 163 ሃገራት ኣብ መበል 136 ተሰሪዓ “ዘተኣማምን ሰላም ምስ ዘየብለን ሃገራት” ተመዲባ’ላ። ኢትዮጵያ ከኣ ምስ ኤርትራ ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ ምድብ ኮይና፡ ኣብ መበል 144 ተሰሪዓ። ብደረጃ ኣፍሪቃ ከኣ ካብ 44 ሃገራት ኤርትራ ኣብ መበል 32 ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 36 ሰፊረን።

እቲ ጸብጻብ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣወዳዲሩ ኣብ ዘስፈሮ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ሓቢረን ዘካየደኦ ፖለቲካዊ  ስልጣን ናይ ምቁጽጻር ውግእኳ እንተዓረፈ፡ ሕጂ እውን ኣብ ሕድሕደን መጻኢኡ ምግማት ኣብ ዘጸገም ምስሕሓብ ኣትየን ኣለዋ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ክልቲአን ሃገራት ናብ ታሪኻዊ፡ ዓሌታዊ ምክፍፋልን ዘይርኡግ ቁጠባዊ ኩነታትን ባህሪ ዘለዎ ሓድሽን ዝሰፍሐን ውግእ ከይኣትዋ ከም ዘስግእ ጠቒሱ። እቲ ብጉዳይ ሰላም ዝግደስን ዓመታዊ ጸብጻብ ዘውጽእን ትካል፡ ንሃገራት ካብ ዝሓሸ ናብ ዝኸፈአ ዘርዚሩ ኣብ 5 ደረጃ ክኸፍለን እንከሎ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከበኦ ጉጅለ 4ይ ደረጃ  እዩ።

ካብተን ኣብ 1ይ ተሰሪዐን ኣዝዩ ዘተኣማምን ሰላም ኣለወን ተባሂለን ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት፡ ኣይስላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ኦስውስትርያ፡ ኒውዜላንድ፡ ሲንጋፖርን ስዊዘርላንድ ይርከበአን፡ ካብተን ኣብ መወዳእታ ኣዝዩ ዘየተኣማን ሰላም ዝርከባ ተባሂለን ዝሰፈራ ከኣ፡ የመን፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣፍጋኒስታንን ዩክረይንን ይርከበአን።

እዚ ነቶም ከቢድ ገበናትን ጥሕሰታትን ክፍጸም እናረኣዩ፡ ድምጺ ተኹሲ ስለ ዘይስማዕ ጥራይ ኤርትራ ካብ ዓለምና “ናይ ሰላም ደሴት እያ” ዝብሉ ናብ ልቦም ንክምለሱ መበራበሪ እዩ።

Page 6 of 617