ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሃለዋታን ክለዓል እንከሎ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ኤርትራን ህዝባን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት ካብ ህዝቢ ዝተነጸሉ ደገፍቱን ዘለዎም ዝምድና ኣዛራቢ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ገበናትን ዓንዳርነትን ጉጅለ ህግደፍ ካብ  ኤርትራ ሓሊፉ ብደረጃ ዞባን ካብኡ ንላዕልን ይቃላዕን ናይ ብዙሓት ጠመተ ይረክብን ስለ ዘሎ፡  ህግደፍ ነዚ ንምሽፋን ከምቲ “ጽድቁ ንበይነይ ሓጥያቱ ግና ንኹልና”  ዝበሃል፡ ነቲ ክጥዕሞ እንከሎ “ኣበይ ኣለኻ” ዘይብሎ ህዝቢ ኤርትራ እውን ተሓታትን ከፋል ዕዳን ንክገብሮ ደቁ ይገፍፍን የሸብሮን ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ድልዱል መሕብኢ ገበናቱ ንምርካብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝተደወነ ምስሉ ንምጽብባቕን ህዝባዊ ንምምሳልን  “ህዝቢ፡ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ፈጺሞም ዘይፈላለዩ እዮም” ኣብ ዝብል ሸፈጥ ይዋፈር። እንተኾነ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ቅድሚ ህግደፍ ዝነበሩ፡ ሎሚ ዘለዉን ጽባሕ ድሕሪኡ’ውን ዝህልዉን እዮም። መንግስታዊ ምምሕዳራት ግና፡ ምስቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ዝተፈራረምዎ ውዕል ይሃልዎም ኣይሃልዎም “ትማሊ ኣይነበሩን፡ ሎሚ ኣለዉ፡ ጽባሕ ግና ዘይህልዉ እዮም።” መጻኢ ዕድል ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ካብዚ ፈሊኻ  ዝረአ ኣይኮነን፡

 እዚ ሓቂ እዚ ብፍላይ ንህግደፍ ኣብ ዝምልከት፡ ወዮ ደኣ ብጉልበት ከጐልብቦ ጸኒሑ እምበር፡ ኣብ ስልጣን ኣለኹ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ድሕሪ ናጽነት እዋን፡ ብኣተሓሳስባ ምስ ህዝቢ ኤርትራ የለን። ምኽንያቱ ህዝቢ ቆጽሊ ከም ዘውደቐሉ ዝሕብር  ዝኾነ ምልክት ስለ ዘየብሉ። እቲ ብግብሪ ኣብ ባይታ ዝረአ እውን፡ ንሱ ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ እውን ናቱ ዘይምዃኖም እዩ ዘመልክት።  ህግደፍ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉ መርተዖ ገይሩ ክቕርቦ ዝፍትን፡ “ንናጽነት ኤርትራ በይነይ ስለ ዘምጻእኩዋ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ገዛኢ ከኣ ኣነ  በይነይ እየ” ዝብልን “ኣበይ ዝነበረ ህዝቢ እዩ?” ብዝብል ብደዐ ዝዓበደ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን መወከሲ  ዘየብሉ ዓመጽ እዩ። ነቶም ዓይኖምን ልቦምን ዝተደፍነ ብህግደፋዊ ስብከት ዝተሰነፉ፡ ዝረአ ከይርእዩ ቀልቦም ንዝተሰወረ፡ ውሑዳት “ምሳይ ኣለዉ” እንተበሎም ግና ሓቂ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ህግደፍ ምናልባት ምስ ቁንጣሮ ዕዉራት ልቦና እምበር ኣብ ልቦና ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራስ ቦታ የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ቀንዲ ተዋሳኣይን ተሰላፋይን እዩ። ኣብዚ ወሳኒ እዋን ብገዛእ ጉዳዩ  ንሱ ብኾፉ ኣብ ክንድኡ ህግደፍ ኮነ ካልኦት ክዛረብሉን ክወራዘይሉን ከፍቅድ ኣይግበኦን። ኣዝዮም ውሑዳት መጣቓዕቲ ብዘይሃቦም ውክልና “ንሕና ምስቲ ምዝርዛሩ ዘጸገም በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸመ ጉጅለ ኣለና” እናበሉ ከዳኽሩን ከደናግሩን ፈጺሙ ከፍቅደሎም የብሉን። ብጉዳይካ እንዳተዘርበ ስቕ ምባል፡ ነቲ ዝበሃለካ ከም ምቕባል  ስለ ዝውሰድ ድማ ከስተውዕለሉ ይግበኦ። ነቲ ኩነታት ተኸታቲሎም ካብቲ ስቕታኡ ነቒሎም “ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ወጽዓን ባርነትን ምንባር ርዒምዎስ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢልዎ እዩ”  እንተበልዎ፡ ምስቲ  ኣበሃህላኦም ዘይኮነ፡ ምስ ገዛእ ርእሱ እዩ ክተሓሳሰብ ዝግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ፡ ንገዛእ ርእሱ ካብ ባርነት ናጻ ዝወጸሉ ኒሕ እምበር፡ ናይቲ ጉጅለ ገበን ተሓታትን  ከፋሊ ዕዳን ጽልእን ዝኾነሉ ትዕግስቲ ክህልዎ ኣይግባእን። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ዕድልን መሰልን እናሃለዎን፡ ኣብቲ ዘዝነብረሉ ሃገር ዘሎ ልዕልናን ወሳኒ ግደን ህዝቢ ብዓይኑ እናረኣየን ብእዝኑ እናሰምዐን ድምጺ ህዝቡ እንተዘይኮይኑ፡  ስቕታኡ ንህግደፍ ካብ ምድጋፍ ስለ ዘይፍለ፡ ጽባሕ ህዝብን ታሪኽን ክሓትዎ እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮኡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መግዛእቲ እንከሎ ኮነ ድሕሪኡ እንተዘኪሩ፡ ርሑቕ ከይከደ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ደርግን ኢህወደግን ብኸመይ ከም ዝሓለፉ ይፈልጥ እዩ። ዕድል ህግደፍ ኣብ ኤርትራ እውን ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ህግደፍ ክሓልፍዩ ክንብል እንከለና’፡ ከምቲ ደገፍቲ ህግደፍ ከፈራርሕሉ ዝፍትኑ፡ ኤርትራ ዘመሓድራ ዘይብላ ባዶ ክትተርፍ እያ፡ ወይ ክትድፈር’ያ ማለት ኣይኮነን። “ቃልስና ንለውጢ እዩ” ክንብል እንከለናኮ ንህግደፍ ኣብ ምውጋድ ጥራይ ዝዕገት ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ  ካብ ህግደፍ ብዝሓሸ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ካብኡ ብዝተፈልየ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓተ-መንግስቲ ምትካኡ ማለት እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ራኢና ህግደፍ ዝጸየቖ ባህላውን ማሕበራውን ምስሊ ህዝብና ምሕዋይ ማለት’ውን እዩ።  ንኣብነትኳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መጻኢ ራኢ ዓወቱ ንምእማት  ኣብቲ ኣብ ጉባኡ ዘጽደቖን ንምዕዋቱ ዝቃለሰሉን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ሰዲህኤ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፋውን ሰላማውን ውድድርን  ዘፍቅድ፡ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ሕጋውን ዝጣበቕን፡ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ዝብል ንረክብ። ስለዚ ኤርትራ፡ ከም ኢሳያስን ሰዓብቱን ጨካናትን ጠላማትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘድሕንዋ’ውን ወሊዳ እያ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ውሑዳት ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ህግደፍ ክኾኑ ዝመጣጠሩ “ደገፍቲ ኢና” በሃልቲ ኤርትራውያን፡ መራሒ ህግደፍ  ኣብ ርእሲቲ  ካልእ ብደዐኡ፡ ተጠሊዑ ንሓንሳብ “ሕገ-መንግስቲ ሞይቱ ተቐቢሩ እዩ”፡። ንሓንሳብ ድማ  “ምርጫ ኣብ ኤርትራ ወይ ንሓዋሩ ዘይክግበር ወይ ከኣ ምናልባት ድሕሪ ሳላሳ ኣርበዓ ዓመታት ይግበር ይኸውን” እናበለ ከሽካዕልል ሰሚዐምዎ ከብቅዑ፡ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኣካልቲ ህዝቢ ዝቃለሰሉ ዘሎ ለውጢ ክኸውን ዝጽበዩ ኣለዉ። እዚኣቶም ነቲ ጉጅለ ከድሕኑ ፈቲኖም ኣብ ኩሉ ብርክታት ተሳዒሮም መውጽኢ ዝሰኣኑ እምበር፡ ኣንጻር ለውጢ ዝተዓጥቀ ሓይሊ ህግደፍስ፡ ኣካል ለውጢ ክኸውን ዝብል ተረድኦ ዝሓደሮም’ዮም ክትብሎም ዘጸገሙ እዮም።

እሞ “ለውጢኸ መዓስ?” ዝብል ሕቶ ክቕርቦም እንከሎ ከኣ፡  “ሎሚ”  ዝብል ልሳንን ሕልናን ስለ ዘየብሎም፡ ናብታ ብጥበብ ተሰሪሓ ዝተዋህበቶም “ሎሚኮ ህግደፍ ኣብ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር እዩ ተጸሚዱ ዘሎ” እትብል ኣሪጋ ዝበለየት መሕብኢት ይጐዩ።  እቲ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር ዝብልዎ፡ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትይዎ ዘሎ መጋርያ ጀሚርካ፡ እቲ ጉጅለ መሕብኢ ንክኾኖ ሓሓሊፉ ባዕሉ ዝኣጉዶ ውግኣት እዩ። እቲ ዝቐለለ ሓዊ ኣጒድካ “የጥፍኦ ኣለኹ” ምባል ዘይኮነ፡ ነቲ ሓዊ ዘይምስዋርኳ እንተነበረ፡  እዞም ህዝቢ ክውክሉ ዝመጣጠሩ ደገፍቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ስለ ዝጸመሙ ነቲ ሓቂ ኣይርእይዎን እዮም። በቲ ኮነ በዚ ኤርትራን ህዝባን ወትሩ ህሉዋትን ቀጸልትን እዮም። ህግደፍ ግና ይፍቶ ይጽላእ ሓላፋይ እዩ። ህዝቢ ኢርትራ ድማ ዳግማይ ከይድህለል ብዛዕባ ድሕሪ ሕልፈት እቲ ጉጅለ ዝሓስብ ልቦናን ሓላፍነትን ይሃልዎ።

Thursday, 09 June 2022 23:33

Dimtsi Harnnet Kassel 09.06.2022

Written by

ኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡  ስቴቨን ሲ ዌከር ተለቪዥን ኤሪሳት  ን11 ሰነ 2022 ኣዳልያቶ ኣብ ዘላ ስፖዚየም 2022 ብቐጥታ ካብ ኣስመራ፡  ዕዱም ጋሻ ኮይኖም መደረ ከም ዘስምዑ ኤሪሳት ሓቢራ። ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ”ካቶሊክ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ” ዝካየድ ስፖዚየም “ግደ ናጻ ፕረስ ኣብ መስርሕ ዲሞክራስን ኣበርክቶ ኤሪሳትን” ከም ዝኸነን ብዝተፈላለዩ መደባት ከም ዝስነን ተፈሊጡ።

ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ፡ ብተኸታታሊ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኣብ ምንጽብራቕ ሓበሬታ ክዝርግሕ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ኣብዚ ስፖዚየም ዘቕርብዎ መደረ ድምጺ ናይቲ ድምጹ ዝተዓብሰ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ብዘይካዞም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት፡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ወይዘሮ ይርገኣለም ስብሃቱን ኣቶ ዘካርያስ ክብረኣብን ከምኡ ድማ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተል ጋዜጠኛን ተመራማርን ዳን ኮነል ዕዱማት ኮይኖም መደረታት ከም ዘስምዑ ናይቲ ስፖዚየም ፕሮግራም የረድእ።

ድሕሪ ናይቶም ኣጋይሽ መደረታት መድረኽ ሕቶን መልስን ምይይጥን ዝህሉን እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ግዜጠኝነትን ምልዕዓልን ልሉይ ኣስተዋጸኦ ንዘበርከቱ ሰባት ናይ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ከም ዝወሃብን ናይ ምዝንጋዕ   መደብ ከም ዝህሉን ካብቲ ዝወጸ መደብ ምርዳእ ይከኣል። 

ሚኒስተር ዜና ስርዓት ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ብዙሓት ኣብያተ-ጸሎት ዝተፈላለዩ እምነታት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ናይ ትዊተር ገጹ ኣተሓሒዙ  ኤምባሲ ኣሜሪካ ግና ኣብ ኤርትራ መሰል ሃይማኖት ከም ዘይክበር ይኸስስ ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።   

ነቲ መልእኽቲ ዝተዓዘበ ኤሜባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ብየማነ ገብረመስቀል “ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን ኣሎ”  ንዝተባህለ መልእኽቲ  ተቐቢሉ፡ እንተኹነ ኣብቲ ኣብያተ-ጸሎት ኤርትራውያን  ኣመንቲ   ብናጽነት ክጽልዩን ክሰግዱን ከምዘይክእሉ ብምጥቃ ንኣበሃህላ የማነ ኣቃሊዑ። እቲ ኤምባሲ ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ ፈቓድ ዘለወን እምነታት 4ተ ጥራይ ምዃነን ገሊጹ። ኢቫንጀሊካንን ካለኦት ንኡሳን ጉጅለታት እምነት ክርስትናን ተኸተልተን ኣብተን የማነ ገብረመስቀል ዝጠቐሰን ኣብያተ-ጸሎት ክጽልዩ ከምዘይክእሉ ኣተሓሒዙ ኣስፊሩ። ከምኡ እውን ሰዓብቲ ሸዓን ሱፊን ዝተባህላ ጉጅለታት ሃይማኖት ምስልምና ኣብዘን መሳጊድ ናይ ምጽላይ መሰል ከምዘየብሎም ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፎም ካብተን መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃበን 4ተ ሃይማኖታት ወጻኢ ዘምልኹ ኤርትራውያን ከም ዝእሰሩን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዝሳቐዩን ጠቒሱ።

እቲ ኤምባሲ ኣብዚ ናይ ፈይስቡክ ሕሳቡ መልእኽቲ ከም ዝጠቐሶ፡ ናጽነት ሃይማኖት መባእታዊ መሰል ሰባት እዩ። ኣተሓሒዙ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኩሎም ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኣብ ኤርትራ ክምዝገቡ እሞ ሕጋውያን ኮይኖም ክጽልዩ ጸዊዑ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኤርትራውያን ብሰላም ኣብ ኣባይቶም ስለ ዝጸለዩ እውን ይእሰሩ ምህላዎም ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ኣፍልጦ ረኺቦም ዘለዉ እምነታት እውን ብዘይ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ብናጻ ስርዓተ-እምነቶም ከካይዱ እቲ ኤምባሲ ጸዊዑ።

እቲ ኤምባሲ ንሃይማኖታዊ ብዙሕነት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ደገፉን ናእዳኡን ክገልጽ  ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዘይካዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ ፖሊሲኡ ዳግመ-ርኢቶ ንክገብር ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመደቡ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዙ ቢንግ  ሃገሮም ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2022 ዋዕላ ሰላም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተካይድ ምዃና ሓቢሮም። እዞም ልኡኽ ቻይና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገሮም ኣብ ምፍታሕ ወሰንቲ እስትራተጅያዊ ጐንጽታት ኣብዚ ዞባ ግደኣ ከተበርክት ድልውቲ ምዃና ሓቢሮም።፡

እዞም ኣብ መጀመርያዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝተመደቡ ቻይናዊ ልኡኽ፡ ነባር ዲፕሎማት  ዙ ቢንግ ኣብ ፔሩ፡ ፑፓ፡ ኒው ጊኒያን ዝተፈላለያ ሃገራት  ኣፍሪቃን ኣንበሳድር ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።

ዙ ቢንግ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ነዚ ዋዕላ ንምጥጣሕ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማሊያን ኬንያን ዑደት ኣካይዶም እተን ሃገራት ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፋ ዕድመ ኣቕሪቦም፡ ጉዕዘኦም ናብ ዩጋንዳን ሱዳንን ከም ዘቕነዐን ተሓቢሩ።.ኣብዚ ዋዕላ ንምስታፍ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እውን ተዓዲመን ኣለዋ።

እዚ ኣብ ኬንያ ክካየደ ተሓሲቡ ዝነበረ ደሓር ግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝተወሰነ ዋዕላ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ፍልልያት ዝፈትሓሉ መድረኽ ዝፈጥር ምዃኑ እቶም ቻይናዊ ፍሉይ ልኡኽ ሓቢሮም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ሃገሮም ሃገራት ቅርኒ ኣፍሪቃ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺበን  ዘለወን  ጸጥታውን ቁጠባውን ጸገማት ክፈትሓ ዕድል ናይ ምፍጣር ድሌት ኣለዋ ኢሎም። እዚ ዋዕላ ኣካል ናይቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ኣቐዲሞም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ ዝወጠንዎ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ። እዚ ድማ ሃገራት ናጽነተ ዓቂበን ቀጻሊ ህድኣት፡ ሃብትን ዕቤትን ክረኽባ ዝሕግዝ መደብ እዩ ተባሂሉ።

ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ዘሎ ብዙሓት ሲቪል ዝሞትሉን ዝተመዛበልሉ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ብስእነት ሰላም ኣብ ስግኣት ከም እትርከብ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ቻይናን ፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዘን ከም ዘለዋ ዝዝከር እዩ።

ሓሙሽተ ሚእቲ ደቂ ዓፋር ወታሃደራት ኤርትራ ካብ መበል 67 እገረኛ ክፍለ ሰራዊት ተፈልዮም፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ባዳን ዓዲ ምሩግን ብዝተባህለ ቦታ ናብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ኢዶም ከም ዝሃቡ፡ ሃገራዊ ጉባአ ኤርትራዊ  ዓፋር ዝተባህለ ውድብ  ብ3 ሰነ 2022 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ፡ መርበብ ሓበሬታ ማእከል ኤርትራ/Eritrea hubን ካለኦት ዝተፈላለያ ምንጭታትን ሓቢረን። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ; ናይቶም ደቂ ዓፋር ኤርትራ ወታሃደራት፡ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰድሉ ምኽንያት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዕጡቓት ደቂ ዓፋር ንምውጋእ ሰራዊቱ ናብ ኢትዮጵያ   ሰራዊት ስለ ዘዋፈረ እዩ።

በቲ ጋዜጣዊ መግለጺ መሰረት፡ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኩነታት ምሰ ኣጋጠመ፡ ብ3 ጉንበት 2022 ነቶም  ዝራሕርሕዎ ወታሃደራት ንምምላስ ናብቲ ናብ ዓፋር ዝኣተውሉ ቦታ ሰለስተ ጀነራላት ምልኣኹን ሓደ ካብቶም ጀነራላት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እሙን ዝበሃል ተወላዲ ዓፋር ጀነራል ዑመር ካሪካሪ እዩ ።  እዚ ብሽምግልና ዓበይቲ ዓዲ ዝተፈተነ ከም ዘይተዓወተን እቶም  ብግቡእ ዝተዓጥቁ ወታሃደራት ናብ ኤርትራ ክምለሱ ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑን እውን  ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ሃገራዊ ጉባአ ኤርትራዊ ዓፋር፡ ኣብቲ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓለፍቲ መንግስቲ ክልል ዓፍር ዓለምለኸ መሰል ኢዶም ናይ ዝሃቡ ከኽብሩን ናይ ዓፋር ህይወት ናይ ምድሓን ባህላዊ ሕጊ ከኽብርን ጸዊዑ።  መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ እንተዘየእትዩ ግና እዞም ወታሃደራት ናብ ኤርትራ ተመሊሶም  ግዳይ ሞት ከም ዝኾኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

Page 9 of 479