ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ7 ታሕሳስ 2024 ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰዲህኤ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ምስ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣባላት ምምሕዳር  ቤት ጽሕፈት ዜና፡ ”ትርጉምን ኣገባብ ኣጸሓሕፋን፡ ርእሰ-ዓንቀጽን ሓተታን፡ ኣባላት ሰልፊ ተሳትፎኦም ኣብ ዜናዊ መዳይ ንምሕያል ዝዕድም መጸዋዕታን” ብዝብሉ ዛዕባታት መበገሲ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቦም ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ።

ኣብቲ ቀዳማይ ዛዕባ ንኣጸሓሕፋ ርእሰ-ዓንቀጽን ሓተታትን ዝምልከት መባእታዊ መበግሲ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ተሳተፍቲ ዝያዳ ንምንጻር ሕቶታትን ዝተፈላለዩ ሓሳብት ኣቕሪቦም። ኣባላት ምምሕዳር ድማ ኣብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ተወሳኺ መብርህታት ሂቦም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ቤት ጽሕፈት ዜና ቀንዲ ኣተኩሪ ብዛዕባ ዝሰርሓሎም ዘሎ ዜናዊ ዝዕባታት ሓጺር ጸብጻባዊ መብርሂ ቀሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓዘ  ዘጋጥሙ ሕጽረታትን ኣባላት ነቲ ሕጽረታት ኣብ ምውጋድ ክሳተፍሎም ዝግበኦም መዳያትን ብዝርዝር ቀሪቦም።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ርእሲቲ ዜናዊ ስራሕ ንምሕያል ከካይድዎ ዝጸንሑ ጻዕሪ ኣብ መጻኢ ጻዝያዳ ከተኩርሎም ዝግበኦም፡ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ጽሑፋት ምቕራብ፡ ትርጉም ካብን  ናብን ቋንቋ ትግርኛን ዓረብኛን፡ ምሕያል መደብ ዩቶብ ባህግና፡ ዝተዳለዉ መደባት መዚንካ ሃናጺ ርኢቶ ምሃብ፡  ምድላዋት ቤት ጽሕፈት ዜና ናብ ብዙሓት ኣብ ምብጻሕ ምንጣፍን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂ ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ  ኣብዚ ዛዕባ’ዚ እውን ዝያዳ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም። ሕጽረታት ምጽብጻብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ሕጽረታት ኣብ ምውጋድ ሰልፋዊ ዓቕሚ ንምጥቃም ኣባላት  ከከም ክእለቶምን ዝንባሌኦምን ከም ዝሳተፉ ትስፉውን ሓሳባት ኣቕሪቦም። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ዜናዊ ስረሓት ኣብ ምሕያል ይሕግዙ ብዛዕባ ዝብልዎም ሓሳባትን ስራሓት ዜና ንክስነዱ ዘለዎ ተደላይነትን ኣብ ዝምልከቱ ሃነጽቲ ርኢቶታን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ከምዚ ዝኣመሰሉ መመይየጢ መድረካት ቀጸልቲ ክኾኑ ከኣ ለበዋ ኣቕሪቦም።

ኣብ መወድእታ ቤት ጽሕፈት ዜና ነቲ ብተሳተፍቲ ዝቐረበ ሓሳባት ኣብ ግምት ኣእትዩ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊጹ፡  ነቶም ነቲ መደብ ዝወደቡ ኣብያተ ጽሕፈትን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉን ኣመስጊኑ ኣባላት ሰልፊ ከኣ በቲ ዝኣተዉዎ ቃል መሰረት ኣብ መጻኢ ተሳትፈኦም ከሕይሉ ደጊሙ ብምጽዋዕ ኣኼባ ዛዚሙ።

ርእሰ-ዓንቀጽ 

ህዝባዊ ግንባር  ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብ1987 ዓ.ም ዘካየዶ ካልኣይ ጉባኤኡ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣብ ኤርትራ፡  ናይ ብዙሓት ሰልፍታት ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተከል ምዃኑ ኢዩ ወሲኑ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ግን፡  ንመብጻዓኡን ቃል-ኪዳኑን ብምኽሓድ  "ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን፤ ብስም ውድባት ምጥቛስ ከቢድ ገበን እዩ ዝቑጸር'' ክብል ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ስዒቡ ድማ ህግደፍ ዝኾነ ሰልፊ ካልእ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዝውንን ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይጸውር ኣፍለጠ።

ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ውን እንተዀነ፡ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ምልኪ ንምስፋን፡ ነተን ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዘቖመን ናይ ሓፋሽ ውድባትን ሕብእቲ ሰልፍን ኣፍረሰን። ንመንእሰያት ኤርትራ ከኣ፡ ካብ ናይ ትምህርትን ስራሕን መኣዲ ብምኹላፍ፡ ኣብ ናይ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ውግኣት ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ጸመዶም። ንመራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ብጥቕምን ድሑር ናይ ምክፍፋል ስልትን ብምግዝዛዕ ኢሳያስን ውሑዳት መጋበርያታቱን ዝቆጻጸርዋ ውድብ ህግዲፍ መስሪቱ። እዚ ኩሉ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኰነስ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ህዝባዊ ግንባር ንሜዳ ኤርትራ ንምብሓት ምስ ህወሓት ተማሓዝዩ ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ1980-81 ዓመት ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ህግደፍ ካብ ወጋሕትኡ ጨና ደሞክራሲ ዘይብሉ ገባቲ ስርዓት መስሪቱ ንዝሓለፈ ሰላሳን ሰለስተን ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከቢድ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ጭቆና ከውርድ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ እውን ርእይዎ ብዘይፈልጥ ሓላንጊ ናይ ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ስደትን ምብትታንን ይግረፍ ኣሎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ስለ ዘይብሉ፡ ደለይቲ ለውጢ ዝዀኑ ኤርትራውያን ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ግንባራትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ንስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ስልጣን ብምእላይ፡ ኣምሳይኡ ከኣ ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ንምምስራት ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንምምድማድ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝብል ስያመ ሰፊሕ ጽላል መስሪቶም ብሓባር ክቃለሱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሰፊሕ ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መቐጸልታን መግለጽን ናይ’ቶም ካብ መወዳእታ ተስዓታት ኣትሒዞም ዝተመስረቱ ጽላላት ወይ ድማ ግንባራት ምዃኑ ይኣምን።  ሓባራዊ ጽላልና፡ ንህሉው ክውንነት ሃገርናን ህዝብናን ብዕምቆት ብምግምጋም፡ ብቐዳምነት ህዝብን ሃገርን ካብ ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ሓደጋ ብርሰት ብህጹጽ ንምድሓን፡ ካብ ሕሉፍ ጉድለታቱ ንዘረጋገጾ እወንታታት ብምዕቃብ ንሕጽረታቱን ኣሉታዊ ተመኩሮታቱን ድማ ብምእራም፡ ዓቕምታት ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣወሃሂዱ፡ ንገባቲ/መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ክቃለስ ተበጊሱ ኣሎ።

እዚ ጽላል’ዚ በዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ መቖምያታት ኢዩ ተበጊሱ።

1. ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ/ገባቲ ስርዓት ምውዳቕን ብቅዋማዊ፡ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ፥

2. ንልዑላውነት ናይ ሃገረ ኤርትራ ምዕቃብን ምክልኻልን፥

3.  ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር፥

4. ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ምሕላው።

ነዞም መቆምያታት እዚኣቶም ተቐቢሎም ኣብ’ቲ ብ6 ነሓሰ 2023 ዝተቃንዐ ዋዕላ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ሓባር ቻርተር፡ ህንጻ-ሕግን ኣጽዲቖም ብሓባር ክጉዓዙ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፦

1. ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ/ደ.ው.ዓ.ቀ.ባ

2. ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር/ኤ.ስ.ሃ.ግ

3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ/ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኢዮም።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ/ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ፡ ኣብ መስርሕ ምቛም ናይ’ዚ ጽላል’ዚ ብኣካል ተሳቲፉን ብዙሕ ኣበርክቶን ገይሩ ኢዩ። ኣብ’ቲ ብዋዕላ ዝተዛዘመ መስርሕ ግን ብውሽጣዊ ውድባዊ ኩነታቱ ክሳተፍ ኣይከኣለን።

ከምኡ’ውን፡ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ/ኤ.ል.ደ.ለ ዝተባህለ ብ2 ውድባትን 9 ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝቆመ ልፍንቲ ዝሰፍሐ ጽላል ንምምስራት መኣዲ ዘተ ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ኣብ’ዞም ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ሓይልታት ከይተሓጽረ ንኻልኦት በቲ መቖምያታት ዝኣምኑ ኣካላት እናሓወሰ ክዓቢ ጻዕርታቱ ቀጻሊ ምዃኑ ውን ከነረጋግጽ ንፈቱ።

ዓወት ንህዝባውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ

ዜና፦

ካልኣይ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ)

ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ሕዳር 2024 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል መልእኽቲ ናይ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ፡ ሰለስተ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣቕሪቡ። እቶም ኣጀንዳታት እዞም ዝስዕቡ ነበሩ።

1.  ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዝቐርብ መደብ ዕዮታት ምምይያጥን ምጽዳቕን፥

2. ምምሕዳራት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምቛምን፥

3. ጉዳይ ኦዲትን ቁጽጽርን 

ኣኼባ፡ ኣብ ኩሎም ዝቐረብሉ ኣጀንዳታት ተመያይጡ፡ ኣድላዪ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባር ከኣ ንሰለስቲኡ ኣጀንዳታት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።

Saturday, 07 December 2024 19:24

Dimtsi Harnnet Sweden 07.12.2024

Written by

ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈድራልን ክልል ትግራይ እናተኻየደ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ5 ታሕሳስ 2024 ምስ ላዕለዎት ፖለቲካዊ ሓለፍትን  ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ትግራይ ተዛትዩ። ኣብዚ ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዝተሳተፍዎ ዘተ፡ መጻኢ ኣቕጣጫ ካብ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ክሳብ ኣብቲ ክልል ምርጫ ዝካየድ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ክመርሕ ዝብል ከም ዝርከቦ ብተለቪዥን ፋና ብሮድካስት ዝተዘርግሐ ዜና ገሊጹ።

ኣብዚ ኣኼባ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ  ብደረጃ ዞባ ዝረአ ዘሎ ስትራተጅያዊ ብደሆታት ሓቢርካ ምምካት ዝብል ምርድዳእ ከም ዝርከቦ’ውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣዚ ጉዳይ ብፍላይ ንናይ ሓባር ዕቤት ጥጡሕ ጸጥታዊ ምርግጋእን ምዕሩይ ምምሕዳርን ዘንጸባርቕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ከኣ  ተሓቢሩ።

እቲ ዜና ካልእ ኣገዳሲ ዝበሎ ዝተላዕለ ዛዕባ፡ ምምልሳ ተመዛበልቲ ናብ ናይ ቅድም መረበቶምን ምምላስ ዕጡቓት ዝነበሩ ናብ ሕብረተሰብን ከም ዝነበሩ ተጠቒሱ። ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡  ንሃብቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዝምልከት፡ ሕጋውን ስሩዕን መስርሕን ምዕሩይ ተጠቃምነትን ክልልን ሃገርን ብዘረጋግጽ ክምራሕ ኣብ ዝበል ምስምምዖም እዩ። ከምኡ እው ንኣገዳስነት ምሃብ ኣገዳሲ መንግስታዊ ኣገልግሎትን ብዝሓሸ ምምላስ ሕቶ ህዝብን ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ከም ዝተረዳድኡ ተጠቒሱ።

እዚ ከም ዘሎ እንከሎ፡ ውጽኢት ኣኼባ ኣዲስ ኣበባ፡ ብምውራድ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ናይ ክልል ፕረሲደንትነት ክዛዘም ትጽቢት  ኣብ ዝነበሮም ወገናት ዘይዕግበት ከም ዝፈጠረን፡ ብዙሓት ከኣ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላውሲ በዚዶ ይፍታሕ ይኸውን?” ዝብል ስክፍታ ከም ዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ይንጸባረቕ ኣሎ።

Thursday, 05 December 2024 19:29

Dimtsi Harnnet Kassel 05.12.2024

Written by

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ፡ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝተዳለወሉ መደበር ክኣትዉ ከም ዝጀመሩ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዞም ናብ መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣባላት ማእከላይ  እዚ ናይቲ ሰራዊት ኮይኖም፡ ሳኒ ነጋሳ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚኦም ብ1 ታሕሳስ 2024 ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ብዝተፈራረሞ ናይ ሰላም ስምምዕ መሰረት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ናይ ክልል ኦሮሚያ ቤት ጽሕፈት ርክብ ብ3 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ናብቲ ዝተዳለወሎም መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተቐበሉ እዮም። ክልል ኦሮሞ’ኳ ብወግዒ እንተዘይገለጾ፡ እቶም ናብ መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ፡ ናይቲ ክልል ማሕበራዊ መድያታት ከም ዝጠቐሰኦ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ከባቢ ግንደበረት፡ ቾቢ፡ አልፋታ፡ ኣምቦ፡ ሚድከኛን ጂብታን ዝተባህሉ ቦታታት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኮይኖም ቁጽሮም ክሳብ 800 ከም ዝበጽሕ ተሓቢሩ።

ናይቲ  ካልእ ኣካል መሪሕነት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ ተጻራሪ መግለጺ፡ እቶም ጸዋዒት ተቐቢሎም ብስምምዕ ናብ ክልል ኦሮርሞ ኣትዮም ዝበሃሉ ዘለዉ፡ መንግስቲ ኦሮሚያ ቃልሶም ንከዳኽም ባዕሉ ዝፈጥሮም እዮም ብዝብል ተቓውመኦም ገሊጾም። ነቶም ዝፈራረሙ ሓለፍቲ ድማ ኣቐዲሞም ካብቲ ሰራዊት ተሰጒጎም ዝነበሩ እዮም ኢለሞም። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከም ዝብልዎ፡ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝተፈራረምሉ ሰነድ  ኣይተገለጸን።

ቅድሚ ሕጂ እቲ ብኩምሳ ደሪባ ወይ ጃል ማሮ ዝምራሕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ታንዛንያ ዝያዳ 10 መዓልታት ዝወሰደ ዘተ ኣካይዱ ብዘይስምምዕ ከም ዝተበተነ ዝፍለጥ እዩ።

ኣንበሳድር ኮሎሚያ ኣነ መላኒያን ኣንበሳደር ሱዳን  ኢማድ መስጦፋ ኣላዊን ኣብ ካይሮ

ኮሎምቢያ ዜጋታታ ኣብ ውግእ ሱዳን ዕሱባት ኮይኖም፡ ኣብ ጐኒ’ቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ተወዋሪ ሓይሊ ተሰሊፎም ብምውግኦም፡  ናብቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣብ 24 ሰዓታት   2ተ ግዜ ይቕረታ ከም ዝሓተተ Sudan News Agency  ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሱዳን ኣፍሊጣ። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮሎምቢያ፡ ሉይስ ግልበርቶ ሙሪሎ፡ ንሱዳናዊ መሓዝኡ  ዓሊ ዩሱፍ ደዊሉ  ይቕረታኡ ከም ዝገለጸሉን  እቶም ኮሎምቢያውያን ዕሱባት ካብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ብዛዕባ ዝምለስሉ ኣገባብ ከም ዘዛራረቦን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዘውጸኦ መግለጺ  ኣፍሊጡ።

ኣንበሳደር ኮሎምቢያ ኣብ ግብጺ ኣነ ሚለና ብወገና፡ ኣብ ካይሮ ናብ ዝርከብ ኣንበሳደር ሱዳን ተመሳሳሊ ወግዓዊ ናይ ይቕረታ መልእኽቲ ኣቕሪባ። እቲ ናይ ኮሎምቢያ ተደጋጋሚ መግለጺታት፡  ኮሎምቢያውያን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝወሰድዎ ኢድ ምእታዎም  ዘይቅቡል ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኣገባብ ምዝርራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስፊሩ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ብወገኑ ነቲ ብኮሎምቢያ ዝተወስደ ናይ ይቕረታ ስጉምቲ፡ ሃንደበታውን ኣገራምን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብቲ ጉዳይ ምስ መንግስቲ ኮሎሚያ ምስራሕን መጻኢ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምዕቃብን ኣድላይ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ብሊቢያ ኣቢለን ናብ ሱዳን ዝኣትዋ ዝነበራ ቃፍላይ  መካይን  ናይቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡  ኮሎምቢያዊ መንነት  ዝሕብር ሰነዳት ከም ዝረኸበ ሓቢሩ ምንባሩ እቲ ዜና ጠቒሱ።

Page 13 of 593