ናይዚ ዘለናዮ እዋን ዘመናውነት ካብ ዝግለጸሉ ሓደ፡ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸብታት (social medias) እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዕቤት ብዝፈጠሮ ቅልጡፍ ዝርገሐ ሓበሬታ፡ ዓለምና “ናብ ንእሽቶ ቁሸት ተቐይራ” እናተባህለት ትግለጽ ኣላ። ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብግቡእ ንከድምዕ ነቲ ተሃዋስነቱ ዝምጥን ጥንቁቑን ሓላፍነታውን ኣተሓሕዛን ምምሕዳርን ወሳኒ እዩ።
ኣብዚ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢ ዓብይ ግደ ካብ ዘለዎም ኣገልግሎታት፡ ኢ-መይል፡ መርበብ ሓበሬታ፡ ዋትስኣፕ፡ ዩቱብ፡ ዙም፡ ቲክቶክ፡ ቴለግራምን ፌስቡክን ንኣብነት ካብ ዝጥቀሱ እዮም። እዚኣቶም ምስቶም ነዊሕ ዝዕድሚኦም መራኸብታት ደብዳበ፡ ተለፎን፡ ጋዚጣን ሬድዮን ክወዳደሩ እንከለዉ፡ ኣብ ቅልጣፈን ተኣማንነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ዝርጋሐ ስፍሓት እውን ብልጫ ኣለዎም። ዝህብዎ ኣገልግሎት ዝተፈላለየ መልከዓት ዘለዎም ኮይኑ፡ ኣጣቓሊልካ ክረአ እንከሎ፡ ሓባሪ፡ መሃሪ፡ ኣገልግሎት መውሃብን መዘናግዕን ኢልካ ምቕራቦም ይከኣል። ነፍሲ ወከፍ መልክዕ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መዲያ፡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሰፋሕቲ ዝርዝራት ኣተገባብራ ኣለዉዎም። ብፍላይ በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ጽፍሕን ትካላት ትምህርቲ፡ ምስ ኮምፒተርን ተንቀሳቓሲ ተለፎንን ብምንባብ ኣገደስቲ መወከሲ ሰነዳት ንምርካብ ዘኽእሉ ምዃኖም ርኡይ እዩ።
ሎሚ ብኣንጻር’ቲ ቅድም ብመልክዕ ጽሑፍ ዝካየድ ዝነበረ ዘይቅልጡፍ ኣገባብ ምልውዋጥ መልእኽቲ፡ ሳላ እዞም ዘመናዊ ምህዞታት ማሕበራዊ መራኸብታት፡ ብምስልን ድምጽን ብዝተፈላለዩ መልክዓት ብቕጽበት ምትሕልላፍ ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ተረሓሒቕካ ክነስኻ፡ እናተረኣኣኻን እናተሰማማዕካን ክሳብ ሰፋሕቲ ጉባአታት፡ ኮንፈረንሳት፡ ኣስተምህሮታትን ቃለመጠይቓትን ኣብ ዝካየድሉ ደረጃ ተበጺሑ ስለ ዘሎ፡ በዚ ዕቤት ዘይጽለው፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መነባብሮ ወዲ ሰብ የለን።
ብዘመናዊ መራኸቢ ብግቡእ ንምጥቃም፡ ዝሓቶ ወጻኢ ርትዓዊ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ንክጥቀምሉ ዘተባብዕ እዩ። ብመንጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ ዓለም 5.56 ቢልዮን ማለት 67,9% ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ክኾኑ እነከለዉ፡ ካብኣቶም እቶም 5.24 ቢልዮን ማለት 63.9% ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መዲያ እዮም። እቲ ዝገርም ከኣ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥቀም 0.4% ጥራይ እዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ 2024፡ 1.58 ሚልዮን ኤርትራውያን ወነንቲ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ምንባሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ዝተኻየደ’ሞ ኣብ ጉግል ዝሰፈረ መጽናዕቲ ይምስክር።
ኣብዚ እዋንዚ ሰባት ብደረጃ ዓለም ንማሕበራዊ መራኸቢ ከከም ዝንባለኦም፡ ንሓበሬታ፡ ንንግዳዊ ምንቅስቓስ፡ ንትምህርቲ፡ ንምርምርን ንመዘናግዒ፡ ደሃይ ንምፍልላጥ፡ ብዓብይኡ ድማ ንፖለቲካዊ ተልእኮ ዝጥቀሙ ዘለዉ ሳላ ዘመናዊ ዕቤት ዝተረኽበ ስልጡን ህያብ እዩ። በዚ መሰረት መንግስታት ኣብ ምሕላቕ ንዲሞክራስን ምኽባር መሰረታዊ መሰላት ወዲ ሰብን ዘለዎም ቅሩብነት ንምምዛን ከም ናይ ፖለቲካዊ ባህሪ መዕቀኒ ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ እዩ። እዚ ዘመናዊ መራኽቢ ናብ ኩሉ ዜጋ ከም ዝባጻሕን ብዘይመንግስታዊ ኣካላት’ውን ክውነንን ዝፈቕዱን ንዕቤቶም ዝጽዕሩን ምምሕዳራት ዝነኣዱ እዮም። እቶም ህዝቢ ናይዚ ዘመናዊ ዕቤት ተጠቃምን ወናንን ከይከውን ዝዕንቅፉን ዝእግዱን ድማ ኣብ ምምሕዳሮም ናይ ዝሰግኡን ጸረ ህዝብነቶምን መርኣያ ኮይኑ ኣብ ዝቐርበሉ ዘበን ኢና ንርከብ ዘለና።
ህግደፍ ብመንጽር ኣጠቓቕማ ኮነ ዋንነት ማሕበራዊ መራኸብታት ክምዘን እንከሎ፡ ካብቶም ጸረ ህዝቢ ባህሪኦም ንምሕባእ፡ ህዝብን ማሕበራዊ መራኸብን ከምዘይራኸቡ ብምግባር፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ምጥቃም ዕድል ዘየብሎም።
እዚ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዕቤትን ዘመናውነትን ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ስልጡን መሳርሒ ርክብ፡ ዝያዳ ኩሉ ሓላፍነታዊ ምምሕዳርን ተሓታትነትን ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ክንድቲ ብሓላፍነትን ልቦናን ክተሓዝ እንከሎ ዘለዎ ሃናጺ ብልሒ፡ ኣብ ኢድ ዘይሓላፍነታውያንን ዘይርትዓውያንን ክወድቕ እንከሎ፡ ናብ ኣፍራስን መጻልእን ብልሒ ስለ ዝቕየር። ሎሚ ከምቲ በቲ ሃናጺ ብልሑ እንሕበኖ፡ በቲ ኣዕናዊ ብልሑ ዘሰክፍ ሓደገኛ ተርእዮ ከየስዕብን ዝሰግኡ ክስተታት ብዙሓት እዮም። ስለዚ ነዚ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓድሩን ብእኡ ዝግልገሉን ወገናት ነቲ ዝብልዎን ዝሰምዕዎን ኣዕሚቖም ኣመሳኺሮም ጥራይ ክርድእዎ ይገበኦም።
ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝንጸባረቐሉ ሜዳ ዝዋስኡ ወነንቲ ዘመናዊ መራኸቢ፡ ኣዝዮም ጥንቁቓትን ናይቲ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ ዝቕበል ወገን ኩለ-መዳያዊ ስምዒት ኣብ ግምት ኣእትዮምን ክዝርግሑ ግድን እዩ። “ንሃንጽ ኣለና” ኢሎም፡ ነቲ ኣፍራሲ ብልሒ ናይቲ መራኸቢ ከይመዙ ክጥንቀቑ ይግበኦም። ሰማዕትን ተዓዘብትን ናይቲ ዝዝርጋሕ መልእኽቲ’ውን፡ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ኢሎም ብቲ ተሃዋሲ በዓል ክልተ ብልሒ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ቅድሚ ከምዘለዎ ምውሳዶም ተጠንቂቖም ክመምዩን ከጻርዩን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጐኒ ሓቂ ዝስለፉ ፍትሓውያንን ዘይሻራውያንን ክኾኑ ከኣ ኣድላይ እዩ። ነዚ በዓል ክልተ ብልሒ መሳርሒ ተጠቒሞም፡ ግጉይ መንገዲ እንተ ሒዞም ግና፡ ብዘይካቲ ዘይጥሉል ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ዝኾንዎ፡ ኣብ ሕልናኦም ዘሕድሮ ተጣዒስካ ዘይወጽእ ሃስያ ከም ዘለዎ’ውን ክግንዘቡ ይግበኦም።
ኣብዚ መድያ 4ይ ኣካል መንግስቲ እዩ ዝበሃለሉ ዘሎ ዘመን፡ ማሕበራዊ መራኽብታት ኣዝዮም ጸለውቲ ኮይኖም ከም ዘለዉ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ተጠቃምነትን ተመኩሮን እንርደኦ እዩ። ወነንቲ መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስታትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ተላኢኾም ናብ ጐስጓስ ክዋፈሩ ልሙድ ምዃኑ ንዕዘቦ ዘለና ተመኩሮ እዩ። በዚ መሰረት ከምቲ “ዝሃበ ይልእኽ” ዝበሃል፡ ስምዒት ናይቶም መስነቕቶምን ለኣኽቶምን ንምምላእ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ዝበልናኩም ግበሩ” ክብሉ ዝደናደኑ ዘወርቲ ማሕበራዊ መዲያታት ከም ዘለዉ’ውን ጸሓይ ዝወቐዖ ኣቂ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ከኣ፡ ወነንቲ፡ ኣመሓደርትን ተኸተልትን መዲያታት፡ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም፡ ብናይ ስምዒት ውሕጅ ተወሲዶም ኣፍረስቲ ካብ ምዃን ክዕቀቡ እነዘኻኽሮም ዘለና።
ባህግና Bahgna Media 08.06.2025: ዕቡድ ይሕሾ እምበር፣ ኣይድሕንን፡ ሃንቀውታ ኢሳያስ‘ስ፣ እንኳዕ ዳኣ በነነ:
Written by Bahgna mediaMedia
ብጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ፡ ናይ ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ብዝተሰርዐ ወርሓዊ መደብ መሰረት፡ ብ7 ሰነ 2025 ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲኤ) ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ነቲ “ህንጸት ሃገራዊ መንግስቲ ምስ ህንጸት ሃገር ” ብዝብል ኣርእስቲ ብምዝማድ፡ መቐጸልታ ነቲ ብ22 ለካቲት 2025 ዝቐረቦ ኣስተምህሮ ዝሃበ ሓው ኣሰፋው በርሀ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ እዩ።
ብጻይ ኣሰፋው በርሀ ኣብቲ 2ይ ክፋል ኣስተምህሮኡ፡ ህንጸት ሃገረ-መንግስቲ ምስ ህንጸት ሃገር ብምዝማድ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ክልቲኦም ዛዕባታት ዝመላልኡ ምዃኖም ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ሓደ ከባቢ ሃገር ንክበሃል ከማልኦ ብዛዓብ ዝግበኦ ተደልይነታ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ 193 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ኮይነን ዝተመዝገባ፡ ኣብ ሸውዓቲኡ ክፍለ ዓለማት ዝተዘርገሓ ሃገራት ምህላወን ኣብ መግለጺኡ ኣብሪሁ።
ኣተሓሒዙ ከኣ ኣመጻጸኣ ኤርትራ ከም ሃገር ክጠቅስ እንከሎ፡ ነቲ ምእንተኣ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝተኻየደ ቃልስን፡ መስርሕ ረፈንደምን ድሕሪኡ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ብወግዒ ምምዝጋባን ኣመልኪቱ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ከምኡ ከኣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘሕለፈቶ ሓሳረ-መከራ ዘርዚሩ፡ ሎሚ እውን ሃገር ብዘይቅዋም ኮና ከምዘላ ኣዘኻኺሩ።
ብጻይ ኣሰፋው ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ውዳቤታት ተሰሊፎም ቃልሶም ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ መስርሕ ህንጸት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእትን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍን ብዝምልከት ኣገዳስቲ ዝበሎም መነጻጸሪ ነጥብታት ንተሳተፍቲ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ንግደ ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ሃገርን ክኽተልዎ ዝግበኦም ፖሊስን ዝምልከት’ውን ሓሳብ ኣቕሪቡ። ህንጸት ሃገር ኣብ ምዕዋት፡ ኣብ መዳይ ምልላይ ናይቶም ዝተፈላለዩ ባህልታት ዘዘውትሩን ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኤርትራዊ ዜጋታት ምውህሃድን ምትእምማንን ምፍጣር ከም ዘድሊ ጠቒሱ፡ ሓያሎ ተዛመድቲ ዝዕባታት እውን ብኣብነት ዘርዚሩ።
ድሕሪቲ መብርሂ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መንጸፍ ንህንጸት ሃገር፡ ድሕሪ ነጻነት መስርሕ ህንጸት ሃገር ናህሩ ሓልዩ ናይ ዘይምቕጻሉ ጠንቂ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ ቅድም ኮነ ሎሚ ኣብ ኣብ ምቕጻል ሃገራውነቱ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ተወሰኽቲ መብርህታት ብተሳተፍቲ ክቐርቡ እንከለዉ፡ “መስርሕ ሃገራውነት ኤርትራ መዓስዩ ጀሚሩ?” ዝብል ዝርከብዎም ሕቶታት ቀሪቦም ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣስተምህሮ ንኽቕጽል ንኣካየድቲ ጥምሮ ኣብያተ ጽሕፈት ለበዋ ኣቕሪቦም።
ምሁራትን ክኢላታትን ተወለድቲ ኦሮሞ ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብቶም ደብዳበ ዝጻሓፉ ብኸፊል ዝርከብዎም፡
ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካን ኣወስትራሊያን ዝነብሩ ዳርጋ ኩሎም ናይ ዶክተራት ማዓርግ ዘለዎም ምሁራትን ክኢላታትን ደቂ ኦሮሞ ብ5 ሰነ 2025 ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣብ መርበብ “ኦሮሞ መዲያ ኔትዎርክ (oromo media natwork) ወጺኡ።
እዞም ዝርዝር ኣስማቶም ምስቲ ደብዳበ ኣተሓሒዞም ዘስፈሩ 85 ምሁራትን ክኢላታትን፡ ኣብቲ ደብዳበኦም “ኣብ መበል 34 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስማዕካዮ መደረ; ኣብ ልዕሊ መንነት ኦሮሞ ንዝፈጸምካዮ፡ ዘይተጸበናዮ መጥቃዕቲ ኣዕዚዝና ንኹንኖ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ናብ ሰልፊ ብልጽግና ዘትኮረ ዝመስል መደረኡ፡ ምስ ኦሮሞ ከተሓሕዞ ብምፍታን “ኦሮሞማ” ብዝብል ሸፈጥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እዚ ተግባር ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንነት ኦሮሞ ዝነበሮ ኣወንታዊ ሚዛንን ኣረኣእያን ዘበላሹ እዩ ኢሎም ገሊጸምዎ።
ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ዘይጥዑይ መልክዕ ምሓዙ፡ ብ28 ለካቲት 2020 ናብ ኢሳያስ ደብዳበ ጽሒፎም ከም ዝነበሩ ዝጠቐሱ እዞም ምሁራትን ክኢላትታን፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ መልእኽቶም፡ ኢድ ኣእታውነት ንክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዘየርብሕ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ካብ ምእታው ንክትቁጠቡኳ ተማህጺነምዎ እንተነበሩ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ምሕጽንታ ተቐቢሉ፡ ዘመሓይሽ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዘለዎ ኣረኣእያ እናኸፍአ ከም ዝመጸ ኣብቲ ደብዳበኦም ጠቒሶም።
እቶም ምሁራት ብኦሮሞነቶም ከም ዝሕበኑ ብምጥቃስ፡ እንተደኣ “ኦሮሞነት” ብኣሉታ ዝግለጽ ኮይኑ፡ “ትግርኛነት ከደኣ ብኸመይ ቅኑዕ ይኸውን?” ክብሉ ብምጥቃስ፡ መደረ ኢሳያስ ተጋራጫዊ ምንባሩ ኣስፊሮም። ኣብቲ ኣብ ዘየለ ነገር ዝበልዎ፡ “ኩሽቲኽ-ሰመቲክ” ዝበልካዮ ድማ ከምኡ ዓይነት ትረኻ ዝዕድም ዘሎ እዩ ዝመስል ኢለምዎ። “ኤርትራኸ ካብቲ ዝበልካይ እንታይ እያ እትጥቀሞ? ንዝበል ሕቶ ከኣ መልሱ ንዓኻ ንገድፎ ድማ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ዞባና ሰላም ርሒቕዎ ናብ ግሁድ ቅልውላው ዝኣቱ ዘሎም ምዃኑ ጠቒሶም፡ መደረ ኢሳይስ ድማ ነቲ ወጥሪ መሊሱ ወጥሪ ዝውስኽ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንመንነት ህዝብና ዘዋርድ እዩ” ኢለሞ።
እዚ ኢሳያስ ኣብ መደረኡ ንብሄር ኦሮሞ ብዝምልከት ዝጠቐሶ፡ ቅድሚ እዞም ምሁራትን ክኢላታትን ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ደቂ ኦሮሞ መዛረቢ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ።
بمناسبة عيد ألأضحى ألمبارك لعام 1446 هجريا , يتقدم حزب الشعب الديمقراطي ألارتري بأصدق ألتهاني وأطيب ألأماني الى جميع الشعب ألارتري والامة الاسلامية, سائلين الله عز وجل أن يعيده على الجميع بالخير واليمن والبركات.
يأتي هذا العيد المجيد وشعبنا يواجه تحديات كبيرة , في ظل غيوم الحرب التي تلبد سماء وطننا , والتي يجب أن تزال بنضال جميع مكونات الشعب ألارتري دون استثناء .
ونأمل أن يكون عيد المحبة والتضامن , وتقوية أواصر الوحدة , وتعزيز روح التسامح والتأزر.
كل عام وانتم بخير
حزب الشعب الديمقراطي ألارتري
مكتب الاعلام
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኣመንቲ ምስልምና፡ “እንኳዕ ናብ መበል 1446 በዓል ዒድ ዓረፈ (ዒድ ኣል ኣድሓ) ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” እናበለ፡ እዚ ክቡር በዓል ናይ ሰላም፡ ቅሳነትን ራህዋን ክኾነልና ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።
ኣብዛ ናይ መስዋእትነት ዕለት ኮይና፡ መጻኢና እዚ ኣብ ከባቢና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ውግእን ህውከትን ተቐንጢጡ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ዝረጋገጸሉ ኩነታት ንምፍጣር ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖትን ካልእን ሓቢሮም ኣንጻር ኩሉ ወጽዓታት ተቓሊሶም ዘተኣማምን ህድኣት ዘውሕስሉ ንክኸውን ዘለና እምነት ደጊምና ንገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
6 ሰነ 2025
ፕረሲደንት ኣሚሪካ ሮናልድ ትራምፕ፡ ብ4 ሰነ 2025 ነቲ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዙር ስልጣኑ ጀሚርዎ ዝነበረ ብምሕዳስ፡ ዜጋታት ኤርትራ እትርከበን12 ሃገራት ናብ ሃገሩ ከይበጽሑ ዝእግድን ናይ ካለኦት 7 ሃገራት ዜጋታት ድማ መሰል ዝግድብ ውሳነ ከም ዝኸተመ ኤኤፍፒ (AP) ሓቢሩ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ምርካቡ፡ ነዚ ካብ 9 ሰነ 2025 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እገዳን ገደብን ዝወሰነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሚሪካ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጸ እዩ። ካብዘን 12 ሃገራት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ስልጣን ትራምፕ ኣብ ዝርዝር እገዳ ዘይነበራ ከም ዝርከበን እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እተን ኣብዚ ሓድሽ ውሳነ ዜጋታተን ኣሜሪካ ከይበጽሑ ዝተኣገዱ 12 ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያማር፡ ቻድ፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶሪኣል ጊኒ፡ ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊቢያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን የመንን እየን። እተን ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ሓያል ገደብ ዝተነበረ 7 ሃገራት ከኣ ቡርንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሰራልዮን፡ ቶጎ፡ ቱርክመስታንን ቨንዝዋላን ምዃነን ኣብቲ ዜና ኤኤፍፒ ተጠቒሱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ምሉእ እገዳን ምድራትን፡ ሕጋዊ መንበሪ ፈቓድ ንዘለዎም፡ ህያው ዝኾነ ቪሳ ዝሓዙ፡ ከምኡ እውን ሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ምሕላው ንዝርከቡ ዜጋታት እተን ሃገራት ከምዘይምልከት ተፈሊጡ።
ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሜሪካ ነቲ ውሳነ “ናይ ታህዋኽ ስጉምቲ” ክብልዎ እንከለወ፡ ካለኦት ግና ትራምፕ ነቲ ሃገሩ ካብ ናይ ወጻኢ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝኣተዎ ቃል’ዩ ዝፍጽም ዘሎ ይብልዎ ኣለዉ። ትራምፕ ብወገኑ ደጋጊሙ እቲ ውሳነ ናይ ኣሜሪካን ህዝባን ድሕንነት ንምሕላ እዩ ኢሉ እዩ ዝገልጾ።
More...
የማነ ገ/መስቀል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ዓሻ መሓመድ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ
ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ወይዘሮ ዓይሻ መሓመድ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 34 ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዝበሎ መልሲ ሂባ። ንሳ ኣብቲ ንናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ዝሃበቶ ሓጺር መብርሂ፡ “ሃገር እዮም ኢልካ ክትጽወዖም ዘጸገሙ ሃገራት፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረቡ ምፍታኖም ዝተለምደ ባህሪኦም እዩ” ክትብል ሸምጠጣ ኣቕሪባ።
ነዚ ምላሽ ዝሃበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ብ3 ሰነ 2025 ንናይ ዓሻ ኣሽሙር ክምልስ እንከሎ፡ “ኣብዚ እዋንዚ ተጻረፍቲ ደገፍቲ ብልጽግና፡ ኩሉ ቆላሕተኦም ናብ ኤርትራ ገይሮም ኣለዉ” ክብል ኣብ ናይ ኤክስ/X ገጹ ጽሒፉ።
ናይ ቅድም ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ኣባል ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያት ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ “ኤርትራውያን መዓልቲ ነጻነት ከኽብሩ ኣይደልዩን እዮም” ብዝብል ኣበሃህላኡ ዝፍለጥ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኑ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ንከተውጽእ ተጽዕኖ ይግበረላ ክብል ሓድሽ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ኣንበሳደር ዲና ሞፍቲ እውን ንመደረ ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ነጻነት መልሲ ብዝመስል መልክዑ፡ ኣብቲ “ሆርን ረቪው” ኣብ ዝተባህለ ትካል ዜና ዘስፈሮ ርኢቶ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ብሄር ምስ ካልእ ብሄር ከተባእስ ምፍታን ዝኣረገ ባህሊ እዩ” ክብል ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝህቦ ሓገዝ የቋርጽ ከም ዝበለ፡ እቲ ኣብ ሆርን ረቪው ዝወጸ ርኢትኡ ይሕብር።
እዚ ምምልላስ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት፡ ካብቲ ብኢድ ኣዙር ብማሕበራዊ መራኸብታት ክሸማጠጥዎ ዝጸንሑ ወጺኦም ናብ ቀጥታዊ ናይ ቃላት ዳርባ ይኣትዉ ከምዘለዉ የመልክት። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ኣብ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መፍትሒ እምበር፡ ኣብ ውግእ ረብሓ ዘየብሉ ክልቲኡ ህዝብታት ድምጹ ንከስምዕ ዝጽውዕ ደወል’ዩ።
ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብ3 ሰነ 2025 “ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ገዳርፍ ተሰዊኡ” ዝብል ዜና ብኣዝዩ የሰንብድን ከቢድ ሓዘንን ሰሚዕናዮ።
ብ1943 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ግራረት ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ ኣብ ከረንን ኣስመራን ዝተማህረ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብሞያኡ መምህር ኮይኑ፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ካብ ኣባልነት ማሕበር ሸውዓተ (ሓረካ) 1958 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተሳተፈ፡ኣብውራ ድማ ብሰንኪቲ ኣብ ከተማ ከረን ብ03 መጋቢት 1958 ኣንጻር መደባት ስርዓት ሃይለ ስላሰ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፍን ተሳትፎኡን ብጸላኢ ንዝተፈላለያ ግዳያት ይቃላዕ ከም ዝነበረን ብዛዕባ ድሕረ-ባይትኡ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎም ይምስክሩ።
ድሕሪ ብረታዊ ተጋድሎ ምምስራት ከኣ፡ ንዝተጀመሮ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምዕዋት ብ1963 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ይኹን እምበር ንዝነበሮ ኣፍልጦን ስፍሓት ርኽክብን ኣብ ኣገልግሎት ሰውራ ንምውዓል፡ ንህዝቢ ንምውዳብ ናብ ከተማታት ተመሊሱ ዕማማቱ ንምቕጻል ተመደበ። ጸኒሑ ግን ጠሪሱ ንሜዳ ወጺኡ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ ካርቱም ክሳብ መላእ ሃገራት ዓረብን ኢራንን ብተወፋይነት ግዲኡ ኣበርኪቱ። ደሓሪኡ’ውን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዝተፈላለዩ ጽፍሒ መሪሕነታዊ ሓላፍነታት ኣብ ሜዳን ወጻእን ግቡኡ ዝፈጸመ ሓርበኛ እዩ።
መሓመድ ዑመር ንጡፍ፡ መደባቱ ንከዕውት ጐዩ ዘይደክምን ዝተረኣዮ ካብ ምዝራብ ንድሕሪት ዘይብልን፡ ተዋዛያይን መኽበሪ ብጾቱን ምንባሩ እውን ዝምስከረሉዩ።
ብመስዋእቲ ምሕላፍ ናይ ኩልና እንኸፍሎ ዕዳ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና መሓመድ ዑመር የሕያ እውን ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ብጾቱ ኣብታ ዋጋ ዝኸፈለላ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይምርካቡ እዩ።
መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ ነባር መቓልስቶም ዝኾነ ሓርበኛ ተቓላሳይ መሓመድ ዑመር የሕያ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም እናገለጹ፡ ንስዉእ መንግስተሰማያት፡ ንቤተሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይምነዩ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
4 ሰነ 2025
ዘመናዊ ዲፕሎማሲ modern diplomacy) ዝተባህለ ትካል፡ ብ2 ሰነ 2025 ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝፈጸሞ በደል ከይተቐጽዐ፡ ዝነወሐ ግዜ ኣብ ስልጣን ጨቋኒ ምምሕዳር ዝጸንሐ፡ ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ውግኣት ተመኩሮ ዘጥረየ፡ ከምኡ እውን ከባቢ ኣብ ምሕማስ ሰፊሕ ግደ ዝጸንሖ ባእታ“ ክብል ገሊጽዎ። እቲ ትካል ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ምስዚ ኩሉ ገበናቱ ብዓለም ለኻዊ ትካላት ትኹረት ክግበረሉ ከም ዘይጸንሐ እውን ኣስፊሩ።
ዘመናዊ ዲፕሎማሲ ኣተሓሒዙ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ 1998-2000 ውግእ ንኣስታት 20 ዓመታት፡ ኣብ ኩነተ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ኣብ 2018 ከም ዝተቐየረ መዝጊቡ። እንተኾነ እቲ ናይ 2018 ስምምዕ ኣብ ኣርሒቑ ዝርኢ ናይ ሓባር ራኢ ዘይኮነ፡ ኣብ ጽልእን ናይ ሓባር ጸላእየይ እትብሎ ምጥቃዕን ዝተሰረተ ምንባሩ ምስክርነቱ ሂቡ። እቲ ናይ ሓባር ግዝያዊ ሸቶኦም ነቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ልዑል እጃም ዝነበሮ ህወሓት ምጥቃዕ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።
እቲ ትካል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ኣብ ዘእተወሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረትን ህልቂትን ዕንወትን ከም ዘውረደ ብትካላት ሰብኣዊ መሰላት ተመዝጊቡ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እኝተኾነ እቲ ምስ መሻርኽቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝሓዝዎ ሸቶ ንሱ ጥራይ ከምዘይነበረ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ሓደ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ከእቱ ቅኑዕ ኣይነበረ ኢሉ፡ እንተኾነ ሎሚ እውን ዋላ’ኳ እቲ ውግእ፡ ብስምም ምቁራጽ ተኹሲ ጠጠው እንተበለ፡ ኢሳያስ ግና ካብ ምስዋር ውግእ ዓዲ ኣይወዓለን ኢሉ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ዘመናዊ ዲፕሎማሲ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣብ መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ብዝርዝር ጠቓቒሱ፡ ነቲ ክሱ ዝተለምደ ናይ ኢድ ኣዙራዊ ተግባር እዩ ኢልዎ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨቋኒ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግዳይ ኩሉ በደላት ኮይንዎ ዝጸንሐ ዘርዚሩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኤርትራ ብዝሓለፈ ዘይኮነ፡ ብሰንክዚ ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ ዝፈጥሮ ዘሎ ዞባዊ ዕግርግር ግዳይ እገዳ ክትከውን እትኽእሎ ከምዘሎ ብምግማት ስግኣቱ ኣስፊሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ነቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንከኣቶ ዝፈቐዶ ተሓታቲ ክኸውን ይግበኦ’ውን ኢሉ።