ኣምኒስት ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ክምርመር ጸዊዑ

2026-03-07 10:44:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 186 times

ኣምኒስት ኢንትርናሽናል (amnesty international)፡ ብ6 መጋቢት 2026 ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብን ዝተፈጸመ ገበናት ንክጻረ ጸዊዑ።  መግለጺ ኣምኒስት እቲ ሰራዊት ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ብጾታዊ ዓመጽ ጅሆ ክሕዝ፡ ንሓዋሩ ክጨውን ክቐትልን ከም ዝጸንሐን ንብረት ህዝቢ ክዕንውን ክዘምትን ምጽንሑ’ውን ገሊጹ።  

መግለጺ ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ኢሉ ካብ ዝጠቐሶም ከባብታት፡ ሳዮን ኣንፊሎን ዝተባህሉ ኣብ ዞባ ቀሌም ወለጋ ዝርከቡ ወረዳታት ይርከብዎም። እቲ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ’ኳ እንተወጸ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሞ ብሰንኪ ውግእ ሓበሬታ ኣብ ዘይነበረሉ ዕጽዊ ኩነታት ዝተፈጸመ ተግባር ምዃኑ ኣስፊሩ።  ነዚ መግለጺ ዝሃበን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከጻርዮ ዝሓተተን ቲገር ቻጉዝ ዝተባህለ ዳይረክተር ኣምኒስት ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ኣፍሪቃ እዩ። እቲ ወኪል ኣተሓሒዙ ኩሎም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ንክኾኑ እዩ ጸዊዑ።

እቲ መግለጺ ናብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ፡ ብመጀመርያ ናይ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ምእዙዝ ክኸውን ይግበኦ ኢሉ። ኣብ ርእሲዚ ድማ ብገበን ንዝሕተቱ ኣባላቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቡ ክቐጽዖም ይግበኦ ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ። ኣብ ክልል ኦሮሞ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ብዙሓት ህይወት ከም ዘጥፈአን ንብረት ከም ዘዕነወን ድማ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኣምኒስት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ ንምብጻሕ፡ 10 ካብኣተን 7 ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመአን ናይቲ ጾታዊ ዓመጽ ግዳያት ዝኾና መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘዘራረበን ካብ ትካላት ጥዕና እውን  መሰኻኽር ከም ዝተወከሰን ኣፍሊጡ። በቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዓመጽ ኢድ ኣለዎም ኢሉ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ። ኣምኒስት ኣዝዩ ዘሕዝን ኢሉ ዝጠቐሶ ከኣ እተን ግዳይ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣባላት ስድራቤትክን ደገፍቲ መንግስቲ እዮም ብዝብል ሰበብ ዝተዓመጻ ምዃነን  ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

Last modified on Saturday, 07 March 2026 11:49