ፈሊጡ ዝደቀሰስ ሓርማዝ ነይንቕንቖ፡ ከይከውን!!

2025-09-09 11:30:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 690 times

ኣብዚ እዋንዚ ስም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ፡ እንተ ብጉርሒ እንተ ብገርሂ ዝፍጠር፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሃል ናይ  ኣረዳድኣ ፍልልይ ኣሎ። ካብቲ ፍልልያት ዝንጸባረቐሉ ዘሎ እዋናዊ ኣበሃህላታት፡ ናብ ኤርትራ ገጹ ዝስንዘር ዘሎ መደረታት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚት ዝጥቀስ እዩ። እንተኾነ ብጽሞናን ብቕንዕናን ንዝከታተል፡ እቲ ኣባላት ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብን መድያታትን ኢትዮጵያ ዝጽሕፍዎን ዘንብብዎን ገዲፍካ፡ ቀዳማይ ሚኒስተሮምን ኣብ ዝተፈላለዩ ሲቪላውን ወተሃደራውን ጽፍሕታት ዝርከቡ ላዕለዎት ሓልፍቲ በብግዜኡ እሞ ብዘየሻሙ፡ ኣፎም ደም ክሳብ ዝወጽእ“ሕቶና ናይ ወደብ ተጠቃምነት ዘይኮነስ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ናትና’ዩ”  ዝብልዎ ንምርዳእ ተርጓማይ ዘድልዮ  ኣይኮነን።

ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረዳድኣ ዘለዎም ዝመርሕዎ መንግስቲ “ክዛመድ እየ” ዝብል ኤርትራዊ ኣካል፡  ኮነ ኢሉ ዝኣትዎ ዘሎ ደሓር ዘጣዕሶ ምዃኑ ክእመን ይግብኦ እምበር፡ ነቲ ዋናታቱ ዘነጸርዎ ኣባሃህላ ዘይትርጉሙ ብምሃብን ብምጽብባቕን ከቕርቦ ኣይግባእን። ኣብ ርእሲ’ዚ ግጉይ  መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ንህዝቢ ናብ ዘየዋጽእ መንገዲ ምምራሕ ምዃኑ ከሎ ጋና ምግንዛብ የድሊ። እቲ ኣበሃህላ ንጹርን ስኑድን ክነሱ፡ ዘይመስል ሕብርታት ቀባቢእካ ንዝሻቐሉ ወገናት ክትጥብር ምፍታን፡ “ንርእስኻ ተጋጊኻ ንኻሎት ምልካም” ስለ ዝኾነ፡ በሃልቱ ቀይሕ መስመር ከይጥሕሱ፡ ብጽሞና ክሓስብሉን ናብ ንቡር ክምለሱን ይግበኦም።  

ሓሓሊፉ እውን ካብ ሃገርና ወጻኢ ንቃለስ ስለ ዘለና፡ ጉዳይ ልኡላውነት ቀዳምነትና ኣይኮነን። ልኡላውነት ኣብ ዓድኻ ኮይንካ ጥራይ እተከላኸለሉ ዕማም እዩ ክበሃል ይስማዕ እዩ። ወዮ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን የገድሰኒ ኢልካ  እሞ ኣብ ኤርትራ መቃለሲ ባይታ ስኢንካ ኣብ ወጻኢ ኮንካ ንለውጢ እንዳተቓለስካስ፡ ኣብ ሉኡላውነት በጺሕካነዓይ ዝምልከት ኣይኮነን ብምባል፡ ኣንጻር ልኡላውነትካ ዘንቀደ እሞ ተመሓዘዎ ዘላኻ ወገን ከይተረፈ ክዕዘበካ እዩ።  ምኽንያቱ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኣበይ ኮንካን መዓስን ብዘየገስ፡ ኣብ እንግደዓ ኩሉ ደላይ ለውጥን ምዕባለን ኤርትራዊ ዜጋ ዘሎ ጾር እምበር፡ ይጽናሓለይ ዝባሃል፡ ንሓንሳብ ትርዕሞ ንሓንሳብ ከኣ ተዋድቖ  ሓላፍነት ኣይኮነን።

እዚ ኩሉ ምስምስ ምስቲ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ብዘየገድስ፡ “ልኡላውነት ኤርትራ ከይገሃስኩ ኣይዓርፍን’የ” ዝብል ሓይሊ ንምዝማድ ዝመሃዝ ዘሎ እንተዘይኮኑ፡ ሰኣን ኣፍልጦ ዝመጽአ እዩ ኢልካ ተደዓዕሶ ኣይኮነን። ምናልባት ምስቲ “ንሰውራ ኤርትራን ሓርበኛታቱን፡ ብሽፍትነትን ሸፋቱን” ዝገልጽ ኣተሓሳስባ ዝምድና ከይህልዎ ዝሰግኡ’ውን ብዙሓት እዮም። ነዚ እዩ ከኣ፡ “ፈሊጡ ዝደቀሰሲ ሓርማዝ ነይንቕንቖ ደኣ ከይከውን” ዘብል። “ሎሚ  ልኡላውነት ኤርትራኮ ኣብ ኢድ ኤርትራዊ ኣይኮነን ዘሎ ስለዚ ኣብ ኢድና ብዛዕባ ዘየለ ክንግደስ ኣይግበኣናን” ክሳብ ምባል ዝበጽሑ’ውን ይስምዑ’ዮም። ”ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት  ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎ ሓይሊ?” ዝብል ኣዛራቢ ምዃኑ ርዱእ እዩ፡  እንተኾነ “ልኡላውነት ኤርትራ ካብ ዋንነት ወጻኢ ኮይኑ” ኣብ ሃዋሁው  ተንጠልጢሉ ዘሎ ከምዘይኮነ ምርዳእ ግድን የድሊ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ኳ፡ “ኤርትራ ድሕሪቲ ህዝባ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ነጻነት ዝደገፈሉ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም)፡ ካብ 28 ጉንበት 1993 ጀሚራ መበል 182 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ዝተመዝገበት ልኡላዊት ሃገር እይ። ግና ድማ፡ ብሓደ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝበሃል፡ እንኮ በሓቲ ፖለቲካዊ ውብድ እትግዛእ ዘላ እያ” ዝብል ምስክርነቱ እዩ ዝህብ። እዚ ምስክርነት’ዚ ንክብርን ልዕልናን ህዝብን ሃገርን ዝወሃብ ቀዋሚ  መረጋገጺ እምበር፡ ህግደፍ ክህሉ እንከሎ ዝህሉ፡  ክኸይድ እንከሎ ድማ ሒዝዎ ዝኸይድ  ዘይምዃኑ ምግንዛብ ከኣ ካልእ  ኣገዳሲ ቁምነገር እዩ። ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ተቓሊስካ ምስዓር፡ ንዕኡ ዝረኸብካ መሲሉካ፡ ብኤርትራዊ ሃገራውነትን ልኡላውነትን ምውጋይ  መሰረታዊ ገጽ ናይቲ ጌጋ’ዩ።

ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ንናይ ለውጢ ቃልሲ ዘሕይል እምበር ዘዕንቅፍ ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ እዩ ከኣ ምዕቃብ ልኡላውነትን ምዕዋት ናይ ለውጢ ቃልስን ተመላላእቲ እምበር፡ ንሓዲኦም ነጺልካ ምውሳድ ዘየዕውት ዝኸውን። ሃገር ከየውሓስካ “ብናይ መንግስቲ ለውጢ ጥራይ” ኣመሳሚስካ  ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ከተውሕስ ምሕላም፡  “ግራት ከይሓዝካ ምሩጽ ዘርኢ ከም ምንዳይ” ዝቑጸር ዝንቡዕ ኣቀማምጣ ዛዕባታት እዩ።

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ድሕሪ ስሩዕ ኣኼባኡ ምክያድ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኢና ብዝብል ኣንጻር ልዑላውነት ኤርትራ የለዓዕል ከም ዘሎ ብወግዒ ዝገለጾዩ። እዚ ሕቶዚ ብታሪኻዊ ይኹን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዐቀኒ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ከም ዝቃወሞ ኣረጋጊጹ። ዝበሎ ንገለ  ካብቲ ዝንዛሕ ምድንጋራት ንምውጋድ የኽእል’ዩ ብዝብል  እዩ።

ነዚ ብዛዕባ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት የማነ ጸጋም ዝገማዳሕ ዘሎ፡ ናብ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ውግእ ከይምዕብል ዘስግእ ተርእዮታት ቅኑዕ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ዕማም ዝጽበዮ ዘሎ፡ ብሓፈሻ ህዝብና ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ከኣ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ቅድሚኡ፡ ሓቢርካ እንተዘይኮይኑ በበይንኻ ዘይስገር ብደሆ ይጽበዮ ከምዘሎ ተደጋጊሙ ዝግለጽ’ዩ። ነዚ ዝምልከት’ውን መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ 1ይ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ 2ይ ምዕቃብ ልዑላውነት፡ 3ይ ምሕላው ሓድነት ህዝብን 4ይ ድማ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣብ ዝብሉ 4 መሰረታዊ ኣዕኑድ ኣትኪሉ ዝተጠርነፈ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምሕያል ዘለዎ ድልዉነት እናረጋገጸ፡ ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ንክምስረት  ከም ወትሩ ዕዙዝ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።”  ኢሉ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓድሽ ፍቕሪ ዝነበረሉ መድረኻት፡ ንሰማዒኡ ብዘደንጸወ መደረታት፡ ብሓፈሻ ንልኡላውነት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንወደ ዓሰብን ገማግም ቀይሕ ባሕርናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣበሃህልታት ደጋጊሙ ብምቅላሑ ክሳብ ክንደይ ህዝቢ ኤርትራ ተቖጢዑን ተሻቒሉን ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን እቲ ተግባር ብኻለኦት፡ መልክዑ ብዝቐየረ ኣገባብ ከይድገም እሞ ናብ ሓደጋ ዝወስድ ኣንፈት ከይሕዝ፡ ነቲ ኩነታት ብንቕሓትን ኣተኩሮን ንኽከታተሎ ብትሪ ነዘኻኽሮ።

Last modified on Tuesday, 09 September 2025 13:33