ለቨርኩዘን፡ ብምኽንያት መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝቐረበ ቃል ክብሮም ዓንዶም
2026-05-24 18:43:26 Written by ክብሮም ዓንዶም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 78 timesለቨርኩዘን፥ ብቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዝተዳለወ በዓል ናጽነት ኤርትራ ዝቐረበ መግለጺ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣዳለውቲ ናይዚ በዓልን ዕዱማት ኣጋይሽን።
ኣብዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ዕለት በዓል ናጽነትዚ ምሳኹምን ኣብ መንጎኹም ኮይነ ብሓጎስ ክጽንብሎ ከሎኹ ዝስማዓኒ ፍስሓ እዝዩ ድሙቕዩ።
እንቋዕ ናብ በዓል ናጽነት ሃገርና ኣብቅዓናን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን።
በዓል ነጻነት ኤርትራ ክዝከር ከሎ፡ እቲ ዘይሕለል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕሪኡ ስለ ዝዝከረካ ፡ ስምዒታት ኩርዓትን ሓዘንን ዝተሓዛዘሉ ክኾኑ ዘይተርፎ ኢዩ`ሞ፡ ብቐዳምነት ክብርን ዝኽርን ነቶም ነዚ ሓቂዚ ዘግሃዱ ድመቓት ስዉኣትና። ክብሮምን ዝኽሮም ዘለዓለማዊዩ።
ክቡራት ዕዱማት!
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንነጻነቱ ዝገበሮ ኩሉ መዳያዊ ምርብራብ ዳርጋ ልዕሊ 100 ዓመታት ዝገንበረ’ዩ። ብርግጽ ህዝቢ ኣኤርትራ ብሙሉሏኡ ነቲ ቃንዛ ብሓደ እዋን ኣስተማቒሩዎ ነይሩዩ ንምባል ዘሸግር እዃ እንተኾነ፡ እቲ ሓቂ ተቐቢሩ ስለ ዘይቅበር ግን፡ ስላ ተቓለስቲ ኤርትራውያን በበእዋኑ እንዳዓኾዀ፡ ዘይተኣደየ ህይወትን ንብረትን ህዝቢ ኤርትራ በሊዑ ብ24 ግንቦት 1991 ንሰራዊት መግዛኣቲ ስዒሩ ነጻነቱ ተጓናጺፉ።
እቲ ብማዕረ ነቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ገዛኢ ስርዓት ካብ ምድሪ ኤርትራ ሓግሒግካ ናይ ምልጋስ ዝተገብረ ጥምጥም፡ ነቲ ዳርጋ ን40 ዓመታት ዝኣክል ንዝነበረ ካልኣዊ ግርጭታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መሰረታዊ በሪ ምዕባለ ብምርሓው ናብ ግቡኡእ መዓርፎታቱ ንምብጻሕ፡ ኩሉ ዓቕምታት ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፍካ ብምስጓም ኣዝያ ምዕብልቲ ሃገር ናይ ምፍጣር ሕልሚ ንግዜኡ ተዓንቒፉ ምህላዉ ናይ ኣደባብይ ምስጢርዩ። እዛ ብዘይተኣደኒ ቃልስን ኒሕን ክዉንቲ ዝገበርናያ ሃገርና ኤርትራ፡ ደጊም ድሕሪ ነጻነታ ከምቲ እንድለዮ ዝነበርና ዘይኮነስ፡ ብምልክነት ተዋሒጣ ኣብ ኣፍሪቃስ ይትረፍ፡ ንኸባቢኣ`ውን ዘይተብህግ ድውንቲ ሃገር ኮይና ክንርእያ ብርግጽ ንልቢ ዘሎዎ ዘሕዝንዩ። ዜጋታት ብዘይሕግን ፍትሕን ናብ መወዳኣታ ዘይብሎም ኣብያተ ማኣሰርትታ ዝወርዱላ፡ መንእሰያታ ብዘይውዳእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋ ስኢኖም ግደ ስደትን ቅዝፈታትን ዝኾኑላ፡ ኣዴታትን ኣቦታትን ዝጥወሮም ስኢኖምን ዝጽቐብሮም ተሳኣኢኑ ንቡር ኣብዘይረኽብላ፡ ቆልዑት ኤርትራ ፍቕሪ ወለዶም ጡብ ኣዴታቶም ዝቐበጹላ ሃገር ክትከውን፡ ክትዛረበሉስ ይተርፈ ክትዝክሮ`ውን ዘጽልእ እዩ።
ክቡራት ተሳተፍቲ!
በዚ ኣጋጣሚዚ ክጠቕሶ ዝደልዮ፡ ኤርትራ ትኽፋእ ትጸብቕ ናትና`ያ። እቲ እንደልዮ ጽባቐ ንኽትጎናጸፍ ከምቲ ናይ ቀደም ዘይሕለል ቃልሲ ይሓትት ኣሎ። ንሕና ሰዲህኤ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም ካብ መሰረቱ ብምምውሓው ኣብ ኣኤርትራ ራህዋ ንኽነግስ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ተቓሊሱ ንመጀመርታ ንነብሱ ሓራ ብምውጻእ፡ ንኤርትራ`ውን ብሓርነት ክድብሳ መተካእታ ዘይብሉ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምግባር ዝተወደበ ቃልሲ መሰረቱዩ ብምባል ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ዝጸናሕናን፡ ንመጻኣኢት ኤርትራ ዝበቅዕ ዕላማታትን መትከላትን ኣስፊርና እንቃለስ ዘሎና ኢና። ነዚ ክዉን ንምግባር ግን ብኣባላት ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንበይኖም ዝዕወት ስለዘይኮነ፥ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ጽላል ተጠርኒፉ፡ ኣንጻር ምልኪ ንኽቃለስ ንጽባሕ ኣብዘይባሃሎ መድረኽ ምህላውና ተገንዚብና ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል።
ዓወት ንቓልሲ ህዝቢ ኣኤርትራ
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
እወ፡ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ልምዓትን
ስለዝሰማዕኩምኒ የመስግን
ክብረት ይሃበለ
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጵ