ኣብ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብኣቦ መንበር ፖሓኤ ዘቐረበ ናይ ዮሃና መልእኽቲ
2026-05-24 09:30:45 Written by ገረዝጊሄት ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 37 timesመዓልቲ ናጽነት ውጽኢት ናይ ወሎዶታት ቃልስን ክቡርመስዋእትን ስለዝኾነ ንዘለዓለም ከቢሩ ክነብር እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር መላእ ህዝብና በብመንገዱ ነዚ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ዘብዕሎ ዘሎ።
ብስመይን ብስም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽተይ አመሓላልፍ።
ብፍላይ፡ ብደገን ብውሽጥን ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተን ተረኽቦታት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ ግዜ፣ ከምኡ’ውን ገለ ሓያላት ሃገራት ጸረ-ኣሀጉራዊ ሕጊ ድልየቶም ኣብ ዝፍጽምሉ ዘለዉ እዋን፣ ነፍሲወከፍ ዜጋ ንልዑላውነት ሃገርና ናይ ምክልኻል ግዴታ ኣለዎ።
እዚ ማለት፡ ብዙሓት ሰልፍታት ዝዋስኡሉ፡ ግዘኣተ-ሕጊ ዝሰፍነሉን ሰብኣዊ መሰላት ዝኸብረሉን ቅዋማዊ ምሕደራ ናይ ምትካል መብጽዓ ጠሊሙ፤ ምልካዊ ስርዓት ተኺሉ ንዘሎ ገባቲ ሓይሊ ምቕባል ኣይኰነን። እኳ ደኣ ከመይ ኢልና አብዚ ወዲቕና፡ ብከመይከ ካብዚ ማእለያ ዘይብሉ ጭቆና ተገላጊልና፣ ንቡር ናብራ ክንነብር ንኽእል ኢልና ነንሓድሕድና ክንላዘብ ከም ዘሎና እርኢ። ካብዚ ነቒለ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ድማ፡
1. ህዝብና፡ ተኾርሚኻ ሞት አሳፊሕካ ሞት ከም ዝብሃል፡ ተቓዊምካ ኣይተቓዊምካ ኣደዳ ስደትን ማእሰርትን ድኽነትን ሕማምን ኴንካ ምህላውካ ካብ ማንም ንላዕሊ ባዕልኻ እትፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንዘይንቡር ናብራ ከም ንቡር ምቕባል ወጊድ ኢልካ፣ ንፍርህን ራዕድን ቀንጢጥካ ንሰብኣዊ መሰልካን ክብርኻን ክትላዓል እጽውዓካ።
2. ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልካዊ ስርዓት ካብ ምዃን ተቖጢቡ ኣብ ምክልኻል ሃገርን አብ ጎድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብናን ደው ክብል እጽውዕ።
3. ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ አብ ዝተሓተ ሓባራዊ ነጥቢ ተጠርኒፍና ንህዝብና ተስፋ ክንህብን አድማዕቲ ኴና ክንርከብን ሎሚ እውን ከም ትማሊ መድረኽ ይጠልበና ከም ዘሎ ካብ ቅድሚ ኩላትና ስዉር ኣይኰነን እንዳበልኩ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ብዕቱብ ክንትሓሓዞ እጽውዕ።
4. ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኤርትራ ንእተጠልመ መብጽዓ መሊስኩም፣ ሰላም ዝሰፈና ብልጽግቲ ኤርትራ ንክትሃንጹ፡ ኣብ ክሊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መስመር ክትጥርነፉን ምስ ኩሎም ሃገራውያን ገዳይም ተቓለስቲ ሓቢርኩም ክትሰርሑን እጽውዓኩም። ናይ ኣርብዓታት ወለዶ፡ ነቲ ኤርትራ ትመቓቐል ዝብል መግዛእታዊ ሽርሒ ኣፍሲሎም፣ ሓድነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም እዮም። ፖሊቲካዊ ሰልፍታት መስርኢቶም’ውን ንብዙሕነት ህዝብና ኣሚኖም ተቓሊሶም እዮም። ይኹን’ምበር ካብ’ቲ ንኤርትራ ብመልክዕ ፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ክትቁረን ዝገበረ ኣህጉራዊ ውዲት ከምልጡ ኣይከኣሉን። ናይ ስሳታት ወለዶ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሎም፡ ናጽነት ዓቂቦምን ናይ ሃገርና ልዑላውነት ኣረጋጊጾምን እዮም። ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ኣብ ምርግጋጽ ግን ፈሺሎም ጥራሕ ዘይኮኑ መብጽዓ ሃገራዊ ቃልሲ ጠሊሞምን፡ ምልኪ ተኺሎምን እዮም። ስለዚ ድማ ፍትሕን ሰላምን ብልጽግናን ዝዓሰሎ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ምርግጋጽ ዕጫ ናይ ሎሚ ወለዶ ኮይኑ ኣሎ። ማዕሬኡ ኴንኩም ክትርከቡን ክትዕወቱን ድማ እምነ።
5 ኤርትራ ብስትራተጂካዊ ኣቀማምጣኣን ባህርያዊ ጸጋታታን ቆላሕታ ናይ ሓያሎይ ሃገራት ስሒባ ኣላ። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተረሲዑ፡ መደልደሊ ምልኪ ንከይከውን እተውሃሃደ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ከነካይድ እጽውዕ።
6 ደገፍቲ ስርዓት ከም ደገምቲ ኣዕዋፍ ዝተባሃልኩሞ ካብ ምድጋም፣ ፈጣሪ ዝዓደለኩም ልቦና ተጠቒምኩም ንቕኑዕ ቅኑዕ፣ ንጌጋ ጌጋ ክትብሉ፣ ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ አብ ሃገራት ምዕራብ እትነብሩ፣ ህዝብና ተነፊጉዎ ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ከብቅዕ ብፍላይ እኳ ደረትን ዓስብን ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት"፣ ንሰብ ከም አቕሓ ፈቐዶኡ አቐምጠለይ ኢልካ ምሕዳግ፣ ንእሱር አብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራብ፣ ብዓቢኡ ድማ ን 35 ዓመታት ብዘይቅዋም ብግዝያውነት ምግዛእ የብቅዕ ዝብል ቃልኩም ከተስምዑ እጽውዓኩም።
7 መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍቶት ይኹን ብሓይሊ ዋና ኣፍ ደገ ባሕሪ ክኸውን እየ ዝብል መደቡ ጸረ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ስለዝዀነ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ዘበልጽግ አብ አህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ እተመርኰሰ ስምምዓት መሰረት ጌሩ ጥራይ ተጠቃሚ ክኸውን እጽውዕ። ዞባና ሰላም ጸሚኡዎ ኣሎ እሞ ውግእ ይኣኽሎ።
ዓወት ንፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና!!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኣስመራ!!
ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!